S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት [መበል 22 ሰንበት: ቊ.27 ፳፯ ]

ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለትያ። ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።ሉቃ 237

እዛ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ጠቒስዋ ዘሎ ቅድስቲ ኣደ፡ ብኣገልግሎታ ነብዪትያ። ድሕሪ ናይ ሾብዓተ ዓመት ሓዳር፡ በዓል ኪዳና ብሞት ተፈልይዋ ምስ መብለወት፡ ኣብ ቤት መቕደስ ተኸቲታ፡ ካብኡ ኸይወጸት ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። ኣብቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ቤት መቕደስ ንደቀንስትዮ ዝተሰርዐ ኣገልግሎት ከም ዝነበረ፡ ኣብ መጻሕፍቲ ኦሪት ኣይንረክብን ኢና። ስለዚ ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት ኪበሃል ከሎ ናብቲ ውሽጢ ቤት መቕደስ ትኣትው ከም ዝነበረት ዜመልክት ኣይኰነን።

ኣብ ዙርያ ቤት መቕደስ፡ ደቀንስትዮ ዚኣትዋኦ ስፍራ፡ ኣሕዛብ ዚኣትውዎ ስፍራ ተባሂሉ ዝተፈልየ ቦታታት ከም ዝነበረ ታሪኽ ኣይሁድ የረጋግጽዩ። ኣብ ደገ ናይቲ ድንኳን ምርኻብ የገልግላ ከም ዝነበራ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና1 ስለዚ ኣብዚ ንደቀንስትዮ ዝተመደበ ቦታ ኸይወጸት፡ ዕድሚኣ ምሉእ ብጾምን ጸሎትን፡ ከምኡውን እግዚኣብሔር ብዝተዛረባ መጠን ብትንቢት ተገልግል ነበረት። እቲ ሕጻን ኢየሱስ ናብቲ ቤት መቕደስ ምስ መጸ መንነቱ ኣለልያ፡ ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ዝተዛረበት ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ሕጻን ስለ ዝገለጸላን ብዛዕባኡ እትዛረቦ ስለ ዘፍለጣንዩ። ጓል ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት መበለት፡ ንርእሳ ብሰብ ክትግልገልምበር፡ ንሳ ንኣምላኽ ከተገልግል ትኽእል ኢልካ ኽትሓስብ የጸግምዩ።

ኣምላኽከ ብጾምን ጸሎትንዶ ይግልገልዩ፧ ጾምን ጸሎትን ንርእስና ኽንረብሕን ከገልግልን ኢልና እንገብሮዶ ኣይኰነን፧ካብ ሓጢኣተይ ወይ ካብ ሕማመይ ምሕረት ግበረለይወይ ከኣናይ ዕለት እንጌራ ሃበና፡ ውሉድ ሃበኒ፡ ሰላምካ ሃበናወዘተ ኢልና እንተ ጸለናስ፡ ኣምላኽ ካብ ጸሎትና ዚረኽቦ ኣገልግሎት እንታይዩ፧ እዚ ሕቶታት ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኰነ ኣብ ኣባይትና እንገብሮ ግብረ-ኣምልኾ ብዓሚቚ ርድኢት ክንገብሮ ዚሕግዘናዩ። ናብ ኣምላኽ ቀሪብኻ ዜድልየካ ነገር ብጸሎት ስለ ዝሓተትካ እግዚኣብሔር ዚግልገል እንተ ዀይኑ፡ ጸሎት ካብ ልመና ዚበልጽ ካልእ ዝዓበየ ትርጉም ኣለዎ ማለትዩ። ምጽላይ ንኣምላኽ ዚብርከት ኣገልግሎት እንተ ዀይኑ፡ ዘይምጽላይ ከኣ ንኣምላኽ ናይ ምግፋዕ ሰይጣናዊ ኣገልግሎት ኽንብል ንኽእል ኢና። ምጽላይ ኰነ ዘይምጽላይ፡ ክልቲኡ ኣገልግሎትዩ። ፍልልዮም፡ ኣብቲ ዚግልገል ኣካል ጥራሕዩ። ብምጽላይ ዚግልገል እግዚኣብሔር ኪኸውን ከሎ ብዘይ ምጽላይ ዚግልገል ከኣ ሰይጣንዩ። ዘይምጽላይ ንገዛእ ርእስና ካብ ምጒዳእ ሓለፋ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ይብድል ምህላዉ ዘይምፍላጥንና፡ ኣብቲ ናይ ዘይምጽላይ ሓጢኣት ጥሒልና ኽንነብር ይገብረና ኣሎ። ሕዝቢ እስራኤል ንንግስነት ናይ ኣምላኽ ንዒቖም፡ ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ኣሕዛብ ናይ ሰብ ንጉስ ኪቕብኣሎም ምስ ሓተቱ፡ እግዚኣብሔርን እቲ ቕቡእ ባርያኡ ነብዪ ሳሙኤልን ኣዝዮም ጐሃዩ2 በደሎም ምስ ተረድኦም፡ንጉስ ብምልማን እዚ ኽፉእ ድማ ወሲኽና ኢናሞ፡ ምእንቲ ኸይንመውትሲ፡ ስለ ገላውኻ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ለምነልና፧ብምባል ንነብዪ ሳሙኤል ተማሕጸንዎ፡፡ እቲ ቕዱስ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡

ኣነስ ነታ ጽብቕትን ቅንዕትን ደኣ ክምህረኩምምበር፡ ምእንታኹም ምልማን ብምሕዳገይ ንእግዚኣብሔር ምብዳልሲ ካባይ ይርሓቕ።

ኢሉ፡ ብዛዕባ ጸሎት ናይ ብሓቂ ጽቡቕን ቅኑዕን ትምህርቲ መገቦም3 ካብዚ ኣበሃህላ ከም እንርድኦ እምበኣር፡ ይትረፍ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና፡ ብዛዕባ ቐረባና ዝዀኑን ዘይኰኑን ካልኦት ሰባት ዘይምጽላይውን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ዚፍጸም ከቢድ በደልዩ። ዓስቢ ኵሉ ሓጢኣት ድማ ብዘይ ኣድልዎ ዘለኣለማዊ ሞትዩ። ስለዚ ብዛዕባ ዕድሜና ምሉእ ብዘይምጽላይና ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዝፈጸምናዮ እልቢ ዘይብሉ ሓጢኣት፡ ብእተሰብረ ልቢ ብብዙሕ ጓህን ንብዓትን ቀሪብና ሓቀኛን ዘየጣዕስን ንስሓ ኽንኣቱ ይግብኣና። ንምዃኑኸ ብዛዕባ ዘይምጽላዩ ዝተነስሓ ሓደ ሰብ ኣብ ማእከልና ይርከበናዶ ይኸውን፧

ኣርእስትና ብሓፈሻ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምግልጋል እምበር ብፍላይ ብዛዕባ ጸሎት ስለ ዘይኰነ፡ በዚ ድሮ ዘልዓልናዮ መእተዊ ሓሳብ ተደሪኽና፡ ብዛዕባ ኻልእ ንኣምላኽ እነገልግለሉ ኣርእስታት ንመልከት። ንምዃኑ ሰብ ዚፍጽሞ፡ ስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ግብሪ፡ ኣገልግሎት ዘይኰነ ኣሎዶ፧ እዚ ሕቶ ዋላ ነቲ ምብላዕን ምስታይን ከይተረፈ ዚምልከትዩ። ዋላ ኾፍ ኢልና በእምሮና እነሰላስሎ ሓሳባት ከይተረፈ ኣብኡ ዚጠቓለልዩ። ልዕል ኢልና ከም ዝጠቐስናዮ፡ እንታይ ዓይነት ተግባር ምዃኑ ዚውስኖምበር፡ ኣገልግሎት ዘይኰነ ተግባር ፈጺሙ የልቦን። ብርግጽ፡ ዓይነት ተግባርና ምስ መንነት ናይቲ ተቐባሊ ኣገልግሎትና ብቐጥታ ዚዛመድዩ። እቲ እንፍጽሞ ዘለና ተግባር ጽቡቕ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ብተግባርና ዚግልገል ኵሉ ጊዜ እግዚኣብሔር ጥራሕ ዚኸውን። ብኣንጻሩ እቲ ተግባርና እኩይ ምስ ዚኸውን ድማ ነቲ ንጥፍኣትና እተዓጥቀ ቐንዲ ጸላኢና ሰይጣን ነገልግል ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግብኣና።

ብዛዕባ ኣገልግሎት ዘለና ሓሳብ ወይ ርድኢት ኣዝዩ ካብ ምጽባቡ እተላዕለ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንቘጽሮም ነቶም ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ዕዮ ዝተጸምዱ ጥራሕዩ። ዋላ እቶም ኣገልገልቲ ንርእሶምውን፡ ኪቕድሱ፡ ኪሰብኩ ኸለዉ ጥራሕ እምበር፡ ኣብቲ ማሕበራዊ ንጥፈታቶምን ዝምድናታቶምን ንእግዚኣብሔር ወይ ንሰይጣን የገልግሉ ኸም ዘለዉ ኣይሓስቡንዮም። ግደ ሓቂ ኻብቲ ኣብ ውሽጢ ቐጽሪ ቤተ ክርስቲያን ኰነ ኣብ ካልእ ቦታታት ዚፍጸም መንፈሳዊ ኣገልግሎታት፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትና እንፍጽሞ ኣገልግሎት ዝዓበየን ዝለዓለን ኣገዳስነት ኣለዎ። ብኸመይ ከምኡ ዚኸውን፧ ከምዚ ብምባልናኸ ነቲ ዓበይቲ ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያንን ንስብከተ ወንጌልን ነነኣእሶ ኣለና ማለት ድዩ፧ ብፍጹም ኣይኰነን!! ብኣንጻሩ ነዕብዮን ነኽብሮን ኢና ዘሎና። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወቱ ንኣምላኽ ብብቕዓት ዘየገልገለ ሰብ፡ ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምስጢራት ክካፈል ኣይክእልንዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ንሰብ ዘቀየመን ብሰብ ዝተቐየመን ሰብ፡ ካብቲ ቤተ ክርስቲያን ዘዳለወቶ ቕዱስ ቁርባን ኪካፈል ኣይክእልንዩ። ኣብቲ ማሕበራዊ ሕይወቱ ንእግዚኣብሔር ኣብ ምግልጋል ስለ ዝፈሸለ፡ ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ኪካፈል ዜኽእሎ ብቕዓት የጥፍእዩ። ብዝዀነ ምኽንያት ካብቲ ቅዱስ መኣዲ ጐይታ ኸይተኻፈለ ዝተረፈ ሰብ ግና፡ ኣብቲ ዝሰፍሐ ማሕበራዊ ሕይወቱ ንኣምላኽ ንኸየገልግል ዚኽልክሎ ዝዀነ ዓይነት ሕጊ የልቦን። ኣብቲ ማሕበራዊ ሕይወቱ ንኣምላኽ ኬገልግል ዘይኰነስ ኪብድል ዝቐነየ ሰብ፡ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ወይ ከኣ ኣብቲ ኣገልግሎት ኪሳተፍ እንተ ኸደ፡ ከም ናይ ድፍረት ሓጢኣት እምበር፡ ኣበርክቶ ወይ ተሳትፎ ከም ዝገበረ ኣይቈጸረሉንዩ። ነዚ ሓቂ ነብዪ ኢሳይያስ ብስእላዊ መገዲ ኣብሪሁ ጽሒፉልና ኣሎ።

ኣቱም ሓላቑ ሶዶም፡ቃል እግዚኣብሔር ስምዑ፡ ኣታ ሕዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ ኣምላኽና ጽን በሎ። ብዝሒ መስዋእትታትኩም እንታይ ኢለዮ፧ይብል እግዚኣብሔር፡ ብዚሓርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ ኣሎኹ፡ ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ። ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ምስ እትመጹ፡ መን ኰታ ኣጸደይ ክትረግጹ ደለየኩም ከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡ፡ ዕጣን ንኣይ ፍንፋን እዩ፡ ስርቂ ወርሕን ሰንበትን፡ ኣኼባ ማሕበር፡ ንኣበሳ ምስ ኣኼባ በዓል ኣይዕገሶን እየ። ንስርቂ ኣዋርሕኩምን በዓላትኩምን ነፍሰይ ትጸልኦ ኣላ፡ ጾር ኰይኑኒ፡ ምስካሙ ስኢነ ኣሎኹ። ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን፡ ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊአን እየን። ተሓጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ። ምግባር ሰናይ ተመሃሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።ኢሳ 110-17.

ካብዚ ኽፍሊ ጽሑፍ ኸም እንርድኦ፡ ሕዝቢ እስራኤል ኣብቲ ማሕበራዊ ሕይወቱ፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ልክዕ ከም ሕዝቢ ሰዶምን ጎሞራን ዝነበረ። ንጹህ ደም የፍስስ፡ ሰናይ ገዲፉ እኩይ ግብሪ የዘውትር፡ ቅንዕና ገዲፉ ብተንኰል ይመላለስ። ነቶም ጥቑዓት ዘኽታማትን መበለታትን ፍትሒ ደፊኑ የጥቅዕ ነበረ። እዚ ዅሉ ኽፉእ እናገበረ ድማ፡ ንኣምላኽ ያኢ ኺጥብሮ፡ በቲ መስዋእትን በዓላትን ንእግዚኣብሔር ኬገልግል ናብ ኣጸድ ናይ ቤት እግዚኣብሔር ይውሕዝ ነበረ። በዚ ኸምዚ ድማ ንእግዚኣብሔር በቲ ባዕሉ ዝኣዘዞን ዝሰርዖን መንፈሳዊ ኣገልግሎታት ዓቕሉ ኽሳዕ ዚጸብቦ ኸም ዚጸልኦ ገበርዎ። ካብዚ ንላዕሊ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይቲ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትና ንእግዚኣብሔር ምግልጋል ዚገልጽ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ ኽትብል ኣዝዩ ኣጸጋሚዩ።

ብኸመይ እቲ ማሕበራዊ ንጥፈታትና ንኣምላኽ ወይ ንሰይጣን ዜገልግሎ፧ ነዚ ሓቂ ንምርዳእ ብሰለስተ ነጥብታት ከፋፊልና ንርኣዮ።

ብሓሳብ ምግልጋል፦ ሓሳብ፡ ንዅሉ ቃልናን ስምዒታትናን ተግባርናን ናይ ምምእዛን ሓይሊ ዘለዎ ናይ ኣእምሮና ስራሕዩ። እግዚኣብሔር ብሓሳብ ኣእምሮና ከም ዚግልገል፡ በቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ሕያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ኣምዕደኩም ኣሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።ዝብሎ ቃል ከነረጋግጽ ንክእል ኢና4 ስለዚ ከኣእቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም።ተባህለልና5 ምኽንያቱ እቲ ኣብቲ ጸቢብ ሓንጐልና መዀርመዪ ዝረኸበ ሓሳብዩ፡ ኣብ ምሉእ ኣካላትና ኣሳፊሑ ዚገዝእ። ሰይጣን ናብ ኣእምሮ ኽልተ ሓዋርያት ሓሳቡ ኣስሊኹ ኣብ ምእታው ስለ ዝተዓወተ ኣብ ዕዮ ወንጌል ዕንቅፋት ናይ ምጽዋድ ዕድል ዝረኸበ። ይሁዳ፡ ነቲ ሓሳብ ሰይጣን ከም ወርቃዊ ሓሳብ ብኣኽብሮት ስለ ዘአንገዶ፡ ንጐይታኡ ብሕሱር መጠን ገንዘብ ክሳዕ ምሻጥ ተሃንደደ6 ነቲ ጐይታኡ ዜቕርበሉ ዝነበረ ናይ መጠንቀቕታ ቓላት ናብ ኣእምሮኡ ኼስርጾ ስለ ዘይፈቐደ፡ ንፍቓድ ሰይጣን ብድርብ ኣገልግሎት፡ ማለት ንጐይታን ንገዛእ ርእሱን ብምቕታል፡ ኣገልገለ። ንሓዋርያ ጴጥሮስ፡ ነቲ ርእሰ-ሓዋርያትውን ዘይጥዑይ ሓሳብ ብምምጋብ፡ ኪግልገለሉ ኣንቂዱ እንተ ነበረ፡ ሓዋርያ ጴጥሮስ ግን ነቲ ናይ ጐይታ ተግሳጽ ብልስሉስ ልቢ ብትሕትና ስለ ዝተቐበሎ፡ ስፍራ ሓዋርያነቱ ክሳዕ ምልቃቕ ኣይተዋረደን። ይኹን ደኣምበር፡ እታ ብዛዕባ መከራ ናብ ኣእምሮኡ ዝሰረጸት ሓሳብ ሰይጣን ገና ስለ ዘይለቐቐቶ፡ ንጐይታኡ ብዜሕፍር መገዲ ናብ ምኽሓድ ኣውዲቓቶያ። ኣብ ኣእምሮና ርኹስ ናይ ኣጋንንቲ ሓሳባት ነአንግድ እንተለና፡ በቲ እግዚኣብሔር ዝፈጠሮ ኽቡር ኣእምሮ፡ ንእግዚኣብሔር ገዲፍና ንሰይጣን ከነገልግል መሪጽና ኣሎና ማለትዩ። ካብ ከምዚ ዝበለ ጥፍኣት ዝዓስቡ ኽፉእ ምርጫ ምእንቲ ኽንድሕን ድማ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡

ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ።

ብምባል መዓደና7 ብሓሳብና ጸላእቲ ኣምላኽ ክንከውን ከም እንኽእልውን፡ እቲ ሓዋርያዊ ቃል፦ንስኻትኩም ቀደም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቕኩም፡ ብሓሳብኩምን፡ ብኽፉእ ግብርኹምን ጸላእቱ ነበርኩም።

ንኣኻትኩም፡ ቀደም ፍሉያት ብሓሳብኩም ብኽፉእ ግብሩኹምን ጸላእቲ ዝነበርኩም ከኣ”, ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታት ነበርኩም። ብናይ ዓለም ክፉእ መገዲ ትነብሩ ነበርኩም፡” ‘ነቲ ሕጂ ነቶም ንእግዚኣብሔር ዘይእዘዙ ሰባት ዚመልኽ ርኹስ መንፈስ፡ሓለቓ ስልጣን ኣየርትእዘዙ ነበርኩም።ቀደምንሕናውን ኵልና ኸምኦምትምኒት ስጋና እናፈጸምና ከም ድሌትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና።ብባሕርይና ከምቶም ካልኦት ቍጥዓ ኣምላኽ ዚግብኣና ነበርና።ብምባል ምሂሩና ኣሎ8

ብቓላት ምግልጋል፦ ቃላት፡ስጋ ዝለበሰ ሓሳባትክንብል ንኽእል ኢና። እግዚኣብሔር ከኣ ንዅሉ ፍጥረቱ ብቓሉ ዝፈጠሮ። ንሕዝቡ ዚኸውን መምርሒ ኢሉ ዝሃቦ ድማ ቃሉዩ። ብቕዱሳን ነብያቱን ሓዋርያቱን ገይሩ ዝለኣኸልና ድማ ንቓሉዩ። ስለዚ እግዚኣብሔር ብቓሉ ገይሩ ዜገልግለና ካብ ኰነ፡ ብመልክዑን ብኣምሳሉን ከም እተፈጠርና ሰባት መጠን፡ ንሕናውን በቲ ንሓድሕድና እንዘራረበሉ ቃላት ንኣምላኽ ከነገልግሎ ዓብዪ መንፈሳዊ ሓላፍነት ኣሎና። ንሓድሕድና ብጸጋ ብዝተቐመመ ቓላት ክንዛረብ ከለና፡ ብቃላትናን ብልሳንናን ንእግዚኣብሔር ነገልግል ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። ሓቂ ኽንዛረብ ከለና፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓቂ ብምዝራብ ነገልግሎ ከም ዘለና፡ ቃል ምጽንናዕ ክንዛረብ ከሎና ነቲ መጸናንዒ ባሕርዩን ግብሩን ብምንጽብራቕ ነገልግሎ ኸም ዘለና ኽንዝንግዕ ኣይግባእን። ብኣንጻሩ ሓሶት ንዛረብ እንተሊና ግን በቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ልሳንና ጌርና ነቲ ጓና ኣምላኽ፡ ማለት ነቲ ጸላኢና ዲያብሎስ ብምግልጋል ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዓመጻ ንፍጽም ከም ዘለና ኽንዝግዕ ኣይግባእን። ሰይጣን፡ ንሓሶት ኣቦኣ ስለ ዝዀነ፡ ሓሶት ዚዛረብ ኵሉ ናይ ሰይጣን ኣገልጋሊዩ። ንሱ ሰለሞን ኰነ ጐይታና፦

ሞትን ሕይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስዩ፡ እቲ ዜፍቅራ ከኣ ፍሬኣ ኺበልዕዩ።

እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ዝቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉዮም፡ እብለኩም አሎኹ።

ብምባል፡ ረብሓን ወጽዓን ናይቲ ብምርጫና ዝተዛረብናዮ ቓላት ኣግሂዶምልና ኣለዉ9 ከምኡ ስለ ዝዀነ ከኣዩ፡ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ቃላትና ጽን ኢሉ ዚስመዖ። ንእኡ ዜሐጒስን ዜገልግልን ቃላት እንተ ተዛሪብና፡ ዓስብና ጽድቂ ይኸውን። ብልሳንና ሰይጣን ጥራሕ ይግልገል እንተ ነይሩ ግን፡ እታ ንእኡ ዝረኸበት ኵነኔ ጻማና እትኸውን። ኣብ ሚል 316-18

““ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሔር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፣ እግዚኣብሔር ከኣ ጽን በለ ሰምዐውን።ነቶም ንእግዚኣብሔር ዚፍርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሓስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።በታ ኣነ ዚገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒዮም።ኣነ ኸኣ፣ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ፣ ክንሕፎም እየ።ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፣ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም።

ብዚብል ቃል ተገሊጹ ዘሎ ዓስቢ ናይ ብፍርሃት ኣምላኽ ዝተማእዘነ ዝርርብ፡ ንኣምላኽ ብልሳንና ኸነገልግል ዜተባብዓና (ምሳ 1011,18,19,21,31,32 1214,18,22 133,5 143,25 151,2,4,7,23,26,28)

ብግብሪ ምግልጋል፦ ንወዲ ሰብ ካብ ዝተዋህቡ ዓበይቲ ሓለፋታት ሓደ ኸኣ፡ በቶም ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትካ እተዘውትሮም ተግባራት ንእግዚኣብሔር ምግልጋልዩ። በቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዝተቐብኡ ኣገልገልትን ዚግበር መንፈሳዊ ዕዮታት ጥራሕ ከም ግብሪ ዚቝጸር ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ እቲ ኻልእ ኵሉ ሰብ ንኣምላኽ ዜገልግለሉ ዕድል ኣይምሃለዎን ነይሩ። ክብሩ ይስፋሕ መድሓኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ ኣብኡ ካብ ዘሎና እምነት እተላዕለ ኣብ ሓድሕድና እንፍጽሞ ኵሉ ሰናይ ግብርታት ንእኡ ከም ዝተፈጸመ ኣገልግሎት ቈጺሩ፡ በቲ ንቕዱሳን ነብያቱን ሓዋርያቱን ዚህቦ ጻማ ኺጻምወና ብሕያውነቱ ፈተወልና። ምኽንያቱ ኵሉ ሰናይ ግብሪ፡ ናይ ኣምላኽ እምበር ናይ ሰብ ግብሪ ኣይኰነን። ምሕረት ምግባር፡ መለኮታዊምበር ስጋዊ ባሕርይ ኣይኰነን። ንዝበደለና ምሕረት ክንገብር ከለና፡ ግብሩ ብምፍጻም ንኣምላኽ ነገልግሎ ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግብኣና። ከነፍቅር፡ ክንልግስ፡ ክንዕገስ፡ ክንድንግጽ፡ ከነጸናንዕ ከሎናውን ግብሪ ኣምላኽ እምበር ናትና ግብሪ ኸም ዝገበርና ጌርና ኽብሪ ኣምላኽ ክንሰርቕ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ስጋን ደምን ዝለበሰ ሰብ፡ ኣብ ስጋኡ ሰናይ ስለ ዘየልቦ፡ ባዕሉ ኺገብሮ ኣይክእልንዩ። ጐይታናውን ነዚ ሓቂ ምእንቲ ኼረድኣና ኢሉ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣርኣያ ብምግባር፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ኣለቢሙና ኣሎ።

ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ። እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ።ዮሓ 1037,38

ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ። እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እመኑኒ።ዮሓ 1410,11

ጽቡቕ ግብሪ ምግባር ማለት ንኣምላኽ ምግልጋል ማለት ዚዀነሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ሰናይ ምግባር ማለት እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቲ ግብርታቱ ባዕሉ ኣባና ኺፍጽሞ ምፍቃድ ማለትዩ። ስለዚ ኢና በቲ ኣብ ሰባት እንገብሮ ዅሉ ጽቡቕ ግብርታት ንእግዚኣብሔር ነገልግሎ ኣለና እንብል።

ኣነ ኸኣ በቲ ንሱ ኣብ ውሽጠይ ብሓይሊ ዚገብሮ ዘሎ ተግባራት ኵሉ እናተጋደልኩ እጽዕር ኣሎኹ።ቈሎ 129 .

ከመይ ነቲ ኣምላኽ ብፍቕሩ ዝመደቦ ምእንቲ ኽትደልዩን ክትገብሩንኣምላኽ ባዕሉ ኣባኻትኩም ዚዓዪፊሊ 213 .

ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።ዮሓ 320,21

እምበኣር ብሓሳብ፡ ብቓል ብግብሪ እንፍጽሞ ዅሉ፡ ንኣምላኽ ወይ ነገልግሎ ወይ ከኣ ንዋግኦ ኸም ዘለና ዅሉ ጊዜ ንዘክር። ምስኡ ካብ ምውጋእ፡ ምስኡ ወጊንካ ንእኡ ምግልጋል ኣዝዩ ዝበለጸን ነገርን ረብሓ ስለ ዜጐናጽፍ፡ ኣብዛ ምድሪዚኣ ብሕይወት ክሳዕ ዘለና፡ ንዅሉ ሓሳባትናን ዘረባናን ተግባራትናን ብምስትውዓል ንምረጾ። ወርትግ፡እዛ ዝሓስባ፡ እዛ ዝዛረባ እዛ ዝገብራ ዘለኹ፡ ንኣምላኽ ድያ እተገልግል ንሰይጣንን፧ ኣብቲ ዘለኣለማዊ መጻእየይ እንታይ ኰን ትፈድየኒ ትኸውን፧ኢልና ቅድም ድሕርን ምግባርና ንሕተትን ንመርምርን፡ ቅኑዕ ምርጫ ብምምራጽ

ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። በለ ጐይታ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። 

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ጥሪ 30, 2013 ግዕዝ (7 የካቲት 2021)  - መበል 22 ሰንበት: ቊ.27[፳፯]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 11-12

1ጴጥ 113-22

ግብ 191-11

ሉቃ 236-42

ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመዓለም)

መዝ 47(48)8

በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ። በሀገረ እግዚአ ኃያላን በሀገረ አምላክነ። እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም

ከምቲ ዝሰማዕናዮ ኣብ ከተማ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና ኸምኡ ርኤና፡

1ዘጸ 388 1ሳሙ 222 21ሳሙ 81-22 31ሳሙ 12234ሮሜ 12፡1,2 5ፊሊ 2፡5 6ዮሃ 13፡2 7ፊሊ 4፡8:8ቈሎ 1፡21 ካ.ት ኤፌ 2፡1-3 ካ.ት 9ምሳ 18፡21፣ ማቴ 12፡35-37:8ቈሎ 1፡21 ካ.ት ኤፌ 2፡1-3 ካ.ት 9ምሳ 18፡21፣ ማቴ 12፡35-37.

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div