S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኵለንተናዊ ዕብየት [መበል 21 ሰንበት: ቊ.25 ፳፭ ]

ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቑመትን ብጸጋን ዓበየ።ሉቃ 252

እቲ ነዚ ዕለት ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕብየት ብቓልን ብግብርን ዜስተምህር ክፍሊዩ። እቲ ንድሕነትና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኣርኣያናውን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ዝዀነ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብግብሪ ዘስተምሃረና ዓባይን ቀዳመይትን ትምህርቲ ዅለንተናዊ ዕብየትያ። ምኽንያቱ ሰብ ኺፍጠር ከሎ ኣትሒዙ ምሉእ ኰይኑ ስለ ዘይፍጠር፡ ነቲ ኺበጽሖ ዚግባእ ምልኣት ብዕብየት ገይሩ ዚበጽሖ።

ዕብየት፡ ኣገዳሲ መስርሕ ናይ ሕይወት ምዃኑ ምእንቲ ኼስተምህረና እምበኣር፡ ብመለኮቱ፡ ምዕባይ ዘየድልዮ ፍጹም ኣምላኽ ክነሱ፡ ብስጋ ንዅሉ ንሕና እንሓልፎ መስርሕ ዕብየት ኪሓልፎ ብሕያውነቱ ፈቐደ። ዘይተመጣጠነ ዘባል ዕብየት ምእንቲ ኸይትዓቢ ድማ፡ ብዅለንተናኡ ምሉእ ዝዀነ ዕብየት ብምዕባይ ዘይሃስስ ኣሰር ሓደገልና። ነቲ፡ብምንታይ ዝዓቢ፧ ኣብ ቅድሚ መንየኸ ዝዓቢ፧ ንምንታይየኸ ዝዓቢ፧ ብኸመይ ዝዓቢወዘተ ዚብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት፡ እንተ ብቐጥታ ባዕሉ፡ እንተ ብሕይወትን ቃልን ናይ ቅዱሳኑ ገይሩ ብዜደንቕ መገዲ መሊሱልናዩ። ክብሪ ንስሙ ይኹን!! ነዚ ብረቂቕ ጥበቡ ዝገለጸልና ምስጢር ከየስተውዓልናዮ፡ ካብ ዘይምስትውዓል ሓሊፍናውን ከይተጠቐምናሉን ከይነበርናሉን እንተ ሓለፍና፡ ኣብ ዘመን ምድራዊ ሕይወትና ዀነ፡ ኣብ ዘመን ናይቲ ዚጽበየና ዘሎ ዘለኣለማዊ ሕይወት ጽቡቕ ኣይክንረክብን ኢና። ምኽንያቱ ነቲ ምእንታና ኢሉ ዝሃነጾ ኣርኣያ ብምንዓቕ፡ ነቲ ቕዱስ ኣሰሩ ተጸዪፍና ናይቲ እኩይ ሰይጣን ኣሰር ስለ ዝመረጽናዩ።

ንምንታይ ምዕባይ ክሳዕ ክንድ ኣገዳሲ ዚኸውን፧ ገሊና ኸምዚ ዝዓይነቱ ሕቶ ኪቐርበልና ከሎ፡ ፈኵስ ሕቶ ዀይኑ ስለ ዚስምዓና፡ ናይ ቁጥዓ ስምዒት ኪፈጥረልና ይኽእል ይኸውን። ምኽንያቱ ዝወለድናዮ፡ ዝተኸልናዮ፡ ዝዘራእናዮ እንተ ዘይዓብዩልና፡ ብዘይ ቀታሊ ሰብን ኵነታትን ክንጸንት ምዃንና ጽቡቕ ጌርና ኢና እንፈልጥ። ዘይከውን ደኣ ይመስል እምበር፡ ዕብየት ዚበሃል ኵሉ ደው ኪብል እግዚኣብሔር እንተ ዚእውጅ፡ ቅድሚ ዅሉ ጥምየት ምቐተለና። ዝዘራእናዮን ዝተኸልናዮን ኵሉ ኺዓቢ ስለ ዘይክእል፡ እንበልዖ ዀነ እንሰትዮ ስኢንና ብጥምየት ምረገፍና። ጥሪትና በዚሐንን ዓብየንን ምግቢ ስለ ዘይኰና፡ ጥምየትና ምበኣሰ። ዝወለድናዮም ደቂ ዘመኖም ምሉእ ናጽላታት ኰይኖም ተቐለብቲ ጥራሕ ስለ ዚዀኑ ምውላድ መርገም ምዀነ፡ ዝዓበየ ናብ ዓቕሚ ሄዋንን ኣዳምን ዝበጽሐ ጥራይ ስለ ዚወልድ፡ ህላወ ዘርኢ ሰብን እንስሳን ኣትክልትን ካብ ገጽ ምድሪ ምተደምሰሰ ነይሩ። ካብዚ ሓቂ ብምብጋስ እምበኣር፡ ዕብየት ማለት ህላወ (existence) ማለት ምዃኑ ኽንድምድም ንኽእል ኢና።

ብምታይን ብምንታይን ኢናኸ ክንዓቢ፧ዚብል ሕቶውን ኣዝዩ ወሳኒዩ። ተፈጥሮና ዚምህረና ብዙሕ ነገር ኣሎ። ኣካላትና ማዕረ ሰቡ፡ አረ ካብ ሰቡ ንላዕሊውን ብፍጥነትን ብምልኣትን እናዓበየ ኽነሱ፡ ኣእምሮና ግን ካብ ደረጃ ናይ ናጽላነትን ህጻንነትን (neonated & infant) ከይዓበየ ደው እንተ ዚብል፡ እቲ ኣካላዊ ዕብየት ከመይ ዝበለ መርገም ከም ዚኸውን ርዱእዩ። ይትረፍ ኵሉ ኣካላት ዕብየቱ ኣቋሪጹ፡ ካልእ ኵሉ እናዓበየ ሓንቲ ኣካል ጥራሕ ከይዓበየት እንተ ተሪፋ፡ ንምሉእ ሕብረተሰብ፡ ነቲ ዝወለደ ስድራ፡ ነቲ ዕብየቱ ዘይተመጣጠነ ሰብ ባዕሉውን ከመይ ከቢድ ምዃኑ ርዱእዩ። ስለዚ ድማ ኵለንተናውን ተመጣጣንን ዕብየት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚኸውን።

ናይ ጐይታና ናይ ዕብየቱ ኣርኣያነት ኣብ ምንታይ ተገሊጹ፧ ቀዳማይ ኣርኣያነቱ፡ ብስጋን ብመንፈስን ብማዕረ ምዕባዩዩ። ብስጋ ብጽቡቕ ይዓቢ ስለ ዝነበረ፡ ብቑመት ይውስኽ ነበረ። ብኣእምሮውን ጽቡቕ ዕብየት ስለ ዘመዝገበ፡ ገና ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ክነሱ ኣብ ማእከል መምህራንን ሊቃውንትን ተቐሚጡ፡ ጽን ኢሉ ብተመስጦ ይስምዕን፡ ነቶም መምህራን ዜስተንክርን ዚብድህን ሕቶታት ይሓትት ነበረ። ኪሕተት ከሎ ብዚህቦ ብምስትውዓል ዝተመልአ መልሲውን የስተንክሮም ነበረ። ንሕና ባዕላትና ኰነ ደቅና፡ ኣብ 12 ዓመት ዕድሜና ናብዚ ደረጃ ዕብየት በጺሕናዶ ንኸውን፧ ዓሰርተው ክልተ ዝዕድሚኡ/ ውሉድ ብምንታይ ከም ዚዓብዩን ከም ዚግደሱን ኵላትና ንፈልጦ ኢና። ኣእምሮኦም ስለ ዘይዓበየ ግን ኣይኰኑን ከምኡ ዚዀኑ። ንሕና እቶምዓበይቲንቑልዕነቶም ከነዕብዮ እምበር ንኣእምሮኦም ከነዕብዮ ስለ ዘይንግደስን ዘይንጽዕትንዮም ኣዝዩ ኺዓቢ ዚኽእል ኣእምሮ እናሃለዎም፡ ብኣተሓሳስባኦም ድንኪ ዀይኖም ዚተርፉ። በእምሮኦም ምእንቲ ኺዓብዩ፡ ምሳና ምስዓበይቲኪዀኑ፡ ብዛዕባ ዓበይቲ ዛዕባታት ኪሓስቡን ኪዝትዩን ስለ ዘይንደሊ፡ኪዱ ተጻወቱእናበልና ንዕብየቶም ንዀልፎ። ጐይታና ናይ ቁልዕነት ጸወታ ገዲፉ ምስቶም መምህራን ምዃን ምስ መረጸ፡ኣታ ቘልዓ ኺድ ናይ ቊልዕነትካ ግበርኢሎም እንተ ዚሰጕዎ ዕብየት ናይ ምስትውዓሉን ጥበቡን ጸጋኡን ምተገልጸዶ፧

ናይ ምዕባይ ዕቑር ዓቕሚ ንዘለዎ ሰብ፡ እንስሳ ይኹን ተኽሊ፡ እቲ ንምዕባይ ዜድልዮ ኵሉ እንተ ዘይቀረብካሉ ኺዓቢ ኣይክእልንዩ። ናይ ስጋዊ ኰነ ናይ መንፈሳዊ ወላዲ ቐንዲ ሓላፍነትን ተልእኾን ድማ፡ ንዕብየት ዜድሊ ኵሉ ምቕራብን ምምጋብንዩ። እቶም ናይ ስጋ ወለዲ፡ ዓቕምና እንተ ዘይደሪቱና፡ ብስጋኦም ንኺዓብዩ ንደቅና ዘይነቕርበሎም ነገር የብልናን ኪበሃል ይከኣልዩ። ኣብ ዓለም ክብረትን ጽቡቕ ናብራን ምእንቲ ኺረኽቡ ድማ፡ ንኣእምሮኦም እንተ ብትምህርቲ፡ እንተ ብሞያ ኸነዕብዮም ብዙሕ ጻዕርን ወጻኢታትን ኢና እንገብር። ብመንፈሳዊ ሕይወቶም ንኺዓብዩ፡ ኵሉ ጊዜ ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦኦም ዘበለ ዅሉ ንኺርከቡ እንገብሮ ነገር ግን ዳርጋ የለን። ዋላ እንተ ሃለወውን ኣዝዩ ድኹም ጻዕርን ውሑድ ወጻኢታትን ጥራሕዩ። እዚ ተግባርና ድማ፡ ንርእስናውን ብመንፈሳዊ ሕይወትና ፍጹም ዘይዓበና ምዃንና ዜረጋግጽዩ። ቈልዓ ንቘልዓ ኼዕብዮ ከም ዘይክእል፡ ንሕና ንርእስና ካብ መንፈሳዊ ቊልዕነት ከይተላቐቕና፡ ናይ ደቅና መንፈሳዊ ዕብየት ከነውሕስ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ብኸምዚ ድማ እቲ ንኣና ዝፈርሆ ወለዶ፡ ንሕና ባዕላትና ዀነ፡ እቲ ንሕና ዝፈረናዮ ወለዶ። ዘይብተኽ ናይ መንፈሳዊ ቊልዕነት ሰንሰለታዊ ወለዶታት ኴንና ንተርፍ ማለትዩ።

ነዚ ዜሕዝን ታሪኽ መንፈሳዊ ቊልዕነት ደምሲስና፡ ብከመይ ኢና ሓድሽ ናይ ዕብየት ታሪኽ እንሃንጽ፧ ቀዳማይ ስጒምትና፡ ብኣገዳስነት ናይ መንፈሳዊ ዕብየት ጽኑዕ እምነት ምጥራይ ኪኸውን ይግባእ። ብናይ ኣካዳሚ ትምህርቲ ናብ ማዕርግ ሊቅነት ዝበጽሐ ሰብ፡ ነቲ መባእታዊ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዘይፈልጥ እንተዀይኑ፡ ነቲ ክርስቶስ ዘኽበሮ መንፈሳዊ ዕብየት፡ ኣዝዩ ንዒቕዎን ኣቃሊልዎን ከም ዘሎ ርዱእዩ። ሰሪሑን ነጊዱን ሚልዮናት ኪውንን ዝኸኣለ ሰብ፡ ብመንፈሳዊ ጸጋታት ባዶን ድኻን እንተዀይኑ ኣብ ከቢድ መንፈሳዊ ቚልዕነት ከም ዘሎ ንጹር ሓቂዩ። ስለዚ መንፈሳዊ ዕብየት ካብ ስጋዊ ዕብየት ንላዕሊ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኺርዳእን ኪኣምንን ይግብኦ። እቲ ኻልኣይ ስጒምቲ ድማ፡ እቶም ኪዓብየሎም ዚግባእ መንፈሳውያን መኣዝናት ሕይወት እንታይ ምዃኖም ብዝርዝር ኪፈልጦምን ኣድላዪ እንተዀይኑ ኣብ ጽሑፍ ኬስፍሮምን ይግባእ። ንኣብነት ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ብምንታይ ክንዓቢ ከም ዚግብኣና ኣሚቱልና ኣሎ።

ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሔር፡ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሔር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። እዚ ነገርዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።” 2ጴጥ 15-8

ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።” 2ጴጥ 318

ስለዚ ኣብዛ ምድሪዚኣ ብሕይወት ክሳዕ ዘለኻ፡ ብትግሃት፡ ብእምነት፡ ብደግነት፡ ብመንፈሳዊ ፍልጠት፡ ብምግታእ ርእስኻ፡ ብዓቕልን ትዕግስትን፡ ብፍርሃት እግዚኣብሔር፡ ብፍቕሪ ኣምላኽን ሰብን፡ ብጸጋ፡ ብምእዛዝ፡ ብትብዓት፡ ብይኣኽለኒ ምባል፡ ብህድኣት፡ ብሕያውነት፡ ብልግሲ፡ ብትሕትና፡ ብህድኣት፡ ብጸሎት፡ ብጾም፡ ብሰናይ ግብሪ፡ ብምግልጋል ብንስሓ ብወዘተ ትዓቢ ትውስኽ ከም ዘለኻ ምርግጋጽ ናይ ግድን ይኸውን ማለትዩ። ንሕና ጐደሎ ኣካላዊ ዀነ ኣእምሮኣዊ ዕብየት ብዘለዎ ውሉድና ኸም እንጕሂ፡ እግዚኣብሔር ከኣ በቶም ዘጒደለሎም ዘይብሎም ክነሶም፡ ጐደሎ መንፈሳዊ ዕብየት ብዜርእዩ ደቁ ኣዝዩ ከም ዚጒሂ ርዱእ ሓቂዩ። እግዚኣብሔር ግን ጒህዩ ጥራይ ኣይተርፍንዩ፡ ነቶም ብሕሰሞምን ብዕሽነቶምን ጓሂ ዝመገብዎ ዅሎም፡ ዘለኣለማዊ ጓህን ውርደትን ኬስንቖምዩ። ነታ ዓብያን ኣቑጸልጺላን ክነሳ፡ ንጥምየቱ ዜዐግስ ክልተ ሰለስተ ፍረ ዝኸልኣቶ ኦም በለስ (fig tree)ደጊም ኣባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረኢሉ ብምርጋም ብኡንብኡ ከም እትነቅጽ ገበራ1 እዚ ተግባሩዚ፡ ንብዘላ ኢየሩሳሌም እስራኤልን ነቶም ሽዑ ዚቃውምዎ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣዝዩ ዓቢ ግብራዊ መልእኽቲ ዝነበረ። እቲ ኽዳውንቱን ጨናፍር ስየን ኣንጺፉ፡ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሔር ዚመጽእ ብሩኽእናበለ ብልዑልሓጐስንጭድርታን እተቐበሎ ሕዝቢ፡ ከምታ ቘጻል በለስ፡ ቈጽለ-መጽሊ እምበር መንፈሳዊ ፍረ ዘይብሉ ሕዝቢ ዝነበረ። ምኽንያቱ ሎሚ ሰንበትሆሳእናኢሉ ተቐቢሉ ኼብቅዕ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዓርቢ ግን፡ነቲ ክርስቶስ ዚበሃል ኢየሱስከ እንታይ ክገብሮ፧ኢሉ ብጲላጦስ ምስ ተሓተተ፡ንየው በሎ፡ ስቐሎኢሉ ዝጨደረ ሕዝቢ2 ንሕናውን ብኣፍና ጐይትነቱ እናተኣመንና፡ ብግብሪ ግን ብሓጢኣትና ክንስቕሎ ንውዕል እንተሊና፡ ኣብታ ኦም በለስ ዝወረደ መርገም ኣብ ርእስና ኣንጠጥዩን ተጠንጠልጢሉን ከም ዘሎ ኣይንዘንግዕ። ማሕጸ (ፋስ) ድሮ ኣብ እግሪ ነፍሲ ወከፍ ገረብ ተቐሚጡ ከም ዘሎ ኣይንረስዕ። ነቲ ብዙሕ ፍረ ክሳዕ ምፍራይ ዘይዓበየ፡ ብስጋ ጥራይምበር ብመንፈስ ዘይዓበየ፡ ምቁር ዘቢብ ዘይኰነስ ሞት ዚጥዕም መሪር ፍረ ዘፍረየ፡ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ3 እምበኣር እቲ ዅለንተናዊ ተመጣጣኒ ዕብየት ክሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ካብ ኰነ ከምኡ ዝዓይነቱ ዕብየት ምዕባይና ነረጋግጽ። ዘይምዕባይ ሓጢኣትዩ። ዘይምዕባይን ንኣምላኽ ምብዳል ንኣምላኽካ ጻማ ናይ ምኽላእ ሕሱም ግፍዒዩ። በቲ ኣምላኽ ዚደልዮ ዓይነት ዕብየት ኣይዓበናን ማለት ግን፡ ከይዓበና ተሪፍና ማለት ኣይኰነን። በቲ እግዚኣብሔር ዚጒህየሉ፡ ሰይጣን ግን ዚዓግበሉ ዓይነት ዕብየት ግን ንዓቢ ምህላውና ኣይንዘንግዕ። እቲ ብምፍቃርን ብምልጋስን ዘይዓበየ፡ ብምጽላእን ብምኽላእን ኣዝዩ ዓብዪ ከም ዘሎ ባዕሉ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚፈልጥ ነጋሪውን ኣየድልዮንዩ። እምበኣር ምዕባይና ካብ ዘይተረፈስ፡ በቲ ንዘለኣለም ዜርብሓና ዓይነት ዕብየት ደኣ ንዕበይ።

ኣብ ቅድሚ መን ኢናኸ ኽንዓቢ፧ ናይዚ ሕቶ መልሲ በቲ ግብራዊ ዕብየት ናይ ጐይታና ረኺብናዮ ኢና። ንሱ ብምንታይ ኪዓቢ ከም ዚግብኦ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ቅድሚ መን ኪዓቢ ከም ዚግብኦውን ስለ ዘስተውዓለ፡ መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ከም ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብምልኣት ዓበየ። ኣብ ዕብየትና ንሓዲኦም እንተ ጐሲና፡ ዕብየትና ጥዕና ዝጐደሎ ምዃኑ ብሩህዩ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ጥራሕ እንተዀይኑ፡ በቲ ዝኸፍአ ሓጢኣት፡ ብግብዝነት ኢና ንውሕልልን ንዓብን ዘሎና ማለትዩ።ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምዕባየይ ጥራሕ ዜገድሰኒእንተ ኢልና ከኣ፡ ኣብ ህዋ ዝተንሳፈፈ፡ ኣብ ባይታ ዘይረገጸ፡ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ጥበራዊ ዕብየትነመዝግብኣሎና ማለትዩ። ንሕና ኣብ ማእከል ሰባት እንነብር ምድራውያን ፍጡራት ኢናምበር፡ ኣምላኽ ጥራሕ ዚርእዮ ስዉር ሰማያዊ ሕይወት የብልናን። እቲ ኸምኡ ዝበለ መለኮታዊ መንነት ዘለዎ ጐይታ ከምኡ ዘይበለስ፡ ንሕና ኸምኡ እንተ በልና የኽዕበናምበር ኣየንእደናንዩ። ጐይታና ኣብ ቅድሚ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ግሁድ መንፈሳዊ ዕብየት ስለ ዝዓበየ፡ ኣብ መወዳእታ ሕይወቱ፡

“... ‘እቲ ናይ ኢየሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኵሉ ሕዝብን ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ።’”

ዚብል ምስክርነት ተጐናጸፈ4 ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣርኣያ ጐይታኡ ስለ ዝሰዓበ፡ ኣብ መወዳእታ፡

ስለዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እንታ ዜብሉ ሕሊና ኺህልወኒ፡ ኵሉ ጊዜ እጽዕር ኣሎኹ።

ኣባኻትኩም እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ብቕድስናን ጽድቅን ብዘይ መንቅብን ምንባርና፡ ንስኻትኩምን ኣምላኽን ምስክር ኢኹም።

ኢሉ ኣብ ቅድሚ ኸሰስቱ ኣብ መጋባእያ ኣሕዛብ ብትብዓት ኪእመን በቕዐ5 ንዅላትና ሰዓብቱውን ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣርኣያኡ ኽንክተል መዓደና።

እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰክካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ዅሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ። ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰሞዑኻን ከተድሕን ኢኻ።” 1ጢሞ 415,16

““ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሐ ኪኸይድ፡እዚ እልምን አሎኹ።ፊሊ 19-11

ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን።ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሔር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ንጽሊ አሎና።ቈሎ 19,10

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ብኸመይ ኢና እንዓቢዚብል ሕቶ ኽንምልስውን የድልየናዩ። ከምቲ ሓደ ህጻን ወይ ሓደ ተኽሊ፡ እቲ ንምዕባይ ዜድልዮ ኵሉ ብምርካብ ዚዓቢ፡ ብመንፈሳዊ ሕይወትና ኽንዓቢ እንተ ዄንናውን ዜድልዩና ኣገደስቲ መንፈሳዊ ሃብታት ከም ዘለዉ ርጉጽ ሓቂዩ። ቅድሚ ኵሉ ዜድልየና፡ ቃል እግዚኣብሔርዩ። ብምስማዕ፡ ብምንባብ፡ ብምስትንታን እንመሃሮ ቃል እግዚኣኣብሄር ንመንፈሳዊ ሕይወትና ብምህናጽ የዕብየናዩ። ስለዚ ኸኣዩ፦

እግዚኣብሔር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ።

ዝተባህለልና6 ብፍልጠት ቃሉ እናዓበና ብዝኸድና መጠን፡ ብዅሉ ገጻት ናይ መንፈሳውነትና ኸኣ እናዓበና ንኸይድ7 ካልኣይ ክንዓብየሉ ዚግብኣና ድማ ብጸሎትዩ። ዝዀነ ተኽሊ ነቲ ካብ መሬት ዝረኸቦ መኣዛ ብናይ ጸሓይ-ጸርጊ ናብ ምግቢ ለዊጡ ከም ዚዓቢ፡ ክርስቲያን ነቲ ዝተመገቦ ቓል እግዚኣብሔር ናብ ምዕባይ ኪጥቀመሉ ዚኽእል ድማ ብጸሎትዩ። ብገዛእ ርእስና ጥራይ ኽንዓቢ ከም ዘይንኽእል፡

ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ። ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዚረክብ።

ብዚብል ቃል ተገሊጹልና8 ነቲ ዝረኸብናዮ ቓል ምሳና ብእምነት ተወሃሂዱ ንኼዕብየና ድማ ንእግዚኣብሔር ብጸሎት ምምሕጻን ኣድላዪዩ። ብጸሎት ዘይዓበየ ክርስቲያን፡ ኵለንተናዊ መንፈሳዊ ዕብየት ኪጐናጸፍ ከቶ ኣይክእልንዩ። ስለዚ ከኣ፦

““ዝለመነ ኹሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሃበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ፡ተባህለልና ማቴ 77,8

ሳልሳይ ናብ እግዚኣብሔር ጸሎትን ብቓሉን እናቐረብና ብዝኸድና መጠን እግዚኣብሔር ነቲ ዜዕብይ ጸጋኡ ብምውሓዝ የዕብየና። ጸጋ ኣምላኽ ዜኽእል ሓይሊ ነዚ ድማ ጐይታና ባዕሉ ኣርእዩና9

ራብዓይ ክንዓቢ ዜኽእለና ድማ ርእስኻ ምምርማርዩ። ምኽንያቱ ዝዓበኻሉን ዘይዓበኻሉን ገጻት ሕይወትካ ኮፍ ኢልካ ርእስኻ ብምምርማር ኣገዳሲ መስርሕ ዕብየትዩ። ስለዚ ከኣ፦

ብእምነት እንተ አሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ። ወይስ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባካትኩም ከም ዘሎዶ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እዚ እንተ ዘይኰነስ፡ መኸታ ዘይተጽንዑ ኢኹም።ተባህለልና10

ሓምሻይ ናይ ዕብየት ረቛሒ ድማ ንስሓዩ። ሓጢኣት፡ ሓይልኻ ዚበልዕ ቊንቊነዩ። ጸሓይ ከይዓረበ ንሓጢኣትና ብንስሓ እንተ ዘይቈረጽናዮ፡ ብጻህያይ ከም እተበልዐ ዘራእቲ፡ ፍረ ኣልቦ ዄንና ኢና ንተርፍ11 እምበኣር ኵለንተናውን ተመጣጣንን ዕብየት ንዓቢ ምህላውና ነረጋግጽ። ብዘይ ምዕባይና ዕብየት ኣምላኽ ኣብ ምድርና ካብ ምግሃድ ከይንዕንቅፍ፡ ንዕብየት ዜፍቅሩን ዚጽዕቱን ንኹን!!

ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። በለ ጐይታ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ጥሪ 23, 2013 ግዕዝ (31 ጥሪ  2021)  - መበል 20 ሰንበት: ቊ.25(፳፭)ቊ.26(፳፮)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

2ቈረ 113-ፍጻ

1ዮሃ 222-ፍጻ

ግብ 1320-28

ሉቃ 242-ፍጻ

ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመዓለም)

መዝ 117(118)27

እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ። ግበሩ በዐለ በትፍሥሕት በኅበ እለ ያስተሐም እስከ አቅርንቲሁ ለምሥዋዕ።

እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፡ ንሱውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።

1ማቴ 21፡18-20 2ማቴ 27፡20-26 3ሉቃ 13፡6-9፣ ማቴ 3፡10-12፣ 7፡16-23፣ ዮሃ 15፡1,2:4ሉቃ 24፡19 5ግብ 24፡16፣ 1ተሰ 2፡10:61ጴጥ 2፡2,3 72ጴጥ 3፡18፣ ቈሎ 3፡10፣ ሆሴ 4፡6 ፣ ኢሳ 5፡13 8ኤፌ 4፡14-16 9ሉቃ 2፡ 42,52፣ 2ጴጥ 3፡18 102ቈረ 13፡5 11ማቴ 13፡22፣ እብ 3፡12,13፣ 12፡15-17

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div