S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክብረቱ ኸኣ ገለጸ [መበል 20 ሰንበት: ቊ.24- ፳፬]

ኢየሱስ ነዚ መጀመርታ ተኣምራት ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ።ዮሓ 211

እዚ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ኣብቃናእትበሃል ናይ ኣውራጃ ገሊላ ዓዲ ዝተፈጸመ ተኣምራት፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚትርኽዩ። ጐይታና ምስ ስድራ ቤቱን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተዓዲሙ ኣብዚ መርዓ ዝተረኽበ። ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ፍጻመታት ናይቲ ሕብረተሰብ ምስታፍ ፍጹም ሰብ ናይ ምዃኑን ናይ ትሕትናኡን ዓብዪ መርኣያዩ።

ኣብዚ ናይ ዅሉ ምስጢራት በዅሪ ዝዀነ ምስጢረ ተኽሊል፡ በዅሪ ተኣምራቱ ኺፍጽም ምፍቃዱ ንርእሱ፡ ንተክሊል ዘለዎ ኽብሪ ዜመልክትዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኽቡርን ዜሐጒስን ኣጋጣሚ፡ ነቲ ሓጉስ ኣጥፊኡ ብሕፍረት ዚኸድን ኵነታት ምስ ተኸስተ ድማ፡ ጐይታና ነቲ መለኮታዊ ሓልዮቱን ሕያውነቱን መጋቢነቱን ብኣካለ-ስጋ ተረኺቡ ኺገልጾ መደበ። እቶም ዓደምቲይኣክልኢሎም ዘዳለውዎ ወይኒ (ነቢት) ኪውድኦም ከም ዚኽእል ኣይገመቱን። ከምኡ ገሚቶም እንተ ዚዀኑ፡ ዚኣክል መዳለው ነይሮም። እቲ ዅሉ ዚፈልጥ ጐይታ ግን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ከም ዝነበረ፡ ናብቲ ዳስ ዝመጸሉ ዕላማ ድማ ነቲ ናይ ምውዳእ ኣጋጣሚ ኽብረቱን መንነቱን ንምግላጽ ኪጥቀመሉ መዲቡ ኸም ዝመጸ፡ ምግማት ዘየድልዮ ርጉጽ ነገርዩ። ንሱ ብሓጺር ቊመትን ብጸቢብ ደረትን ኣብ ስጋ እንተ ተገልጸኳ፡ ፍጹም ኣምላኽ ምዃኑ ኺርሳዕ ኣይግባእን። ከምዚ ኸማና ዅነታት ምስ ተኸስቱን ኣብ ቅድሜና ምስ ተደቀኑን ኣይኰነን ዚፈልጥ። ይክሰቱ ዚሓድጎምን ዚፈቕደሎምን ንሱምበር፡ ባዕላቶም ብወዝቢ፡ ወይውን ብድኻምን ብርታዐን ናይ ሰባት፡ ብኢድን ፍቓድን ናይ ሰባት ዚፍጸሙ ኣይኰኑን። ከምቲ ስጋ-ምልጋሱ ቅድሚ ምስራት ዓለም ካብቲ ዘለኣለማዊ ህላዌኡ ጀሚሩ ዝተመደበ፡ ቀዳማይ ተኣምራቱ ኣበይን መዓስን ብኸመይን ከም ዚፍጸምውን ምስኡ ዝተመደበዩ። ንሱ ይትረፍ ኣብ ውሽጢ መርዓ ብዛዕባ ዚፍጸሙ ዓበይቲ ጒዳያት፡ ብዛዕባ ንሕና ኸይፈለጥናያ እትበቊልን እትረግፍን ነፍሲ ወከፍ ጸጒርና ብሉኣላውነቱን ብዅሉ-ፈላጥነቱን ዚግደስን ዜመሓድርን ኣምላኽዩ። ንዅሉ ድማ ጊዜኡ ምስ በጽሐ፡ ኣብቲ ዝተመደበሉ ጊዜ ይፍጽሞ። ነቲ ብሉኣላዊ ስልጣኑ ዝመደቦ፡ ተሃዊኽና ኸነቐልጥፎ ወይውን ረሲዕናን ዘንጊዕናን ከነደንጒዮ ኣይከኣለናንዩ። ነቲ ምዱብ ጊዜኡ ንሕና ኽንፈልጦ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። እዚ ድማ ንጸሎትና ኼብዝሖ፡ ንትውክልትና ኬዕብዮ፡ ንትዕግስትናን ትሕትናናን ኼዕዝዞ ኢሉ ዚገብሮ። እቲ ዚድለ ውጽኢት ኣባና እንተ ዘይተረኽበኳ፡ ንሱ ንዅሉ ነገር በብጊዜኡ ጽቡቕ ይገብሮን ይፍጽሞን1 ከመይሲ፡ ንዅሉ ነገርን ንዅሉ ተግባርን ኣብኡ ጊዜ ተመዲብዎ2

ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ ከኣ፡ ነዚ ተግባሩ ነቲ መለኮታዊ ኽብሩን መንነቱን ንምግላጽ፡ ነቶም ንግብርታቱ ዚዕዘቡ ዅሎም ድማ እምነቶም ንምትካልን ንምዕባይን ኢሉ ገበሮ። ጐይታና ንነገራትን ንፍጻመታትን በቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢቶም ዚመዝኖም። ዝተወድአ ወይኒ ብተኣምር እንተ መልኦኳ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ምውዳኡ ዘይተርፍዩ። ሎሚ ካብ ዜሰክሕን ከቢድን ሕማም ዝሓወየ ሰብ፡ ኣብ መጻኢ ብተመሳሳሊ ወይ ብዝተፈልየ ኻልእ ሕማም ኪጥቃዕ ይኽእልዩ። እቲ ኣብ መቓብር በስቢሱ ዝነበረ ኣልኣዛር ብተኣምር ስለ ዝተንስአ፡ ንዘለኣለም ኪነብር ኢላ ሞት ኣይነሓፈቶን። እዚ ሓላፊ ግብሪ ዘይሓልፍ ነባሪ ነገር ገዲፉ ከም ዝኸደ ግና ኪርሳዕ ኣይግብኦን። እቲ ጐይታ ዘብዝሖ ወይኒ ደኣ ይወዳእምበር፡ እቲ ብእኡ ዝተገልጸ ኽብሩን፡ እቲ በዚ ተግባሩ ደቀ መዛሙርቱ ዘጥረይዎ እምነትን ግን ክሳዕ ሕጂ ነባርን ህያውን ዀይኑ ይነብር ኣሎ። ንሕና ከኣ ናይዚ ኽብርን እምነትን ውጽኢት ስለ ዝዀንና ኢና፡ ኣብዛ ዕለትዚኣ ብዛዕባኡ ንዛረብን ንመሃርን ዘለና።

ናይ ኵሉ ተግባር ኣምላኽ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ከኣ ክብሪ ኣምላኽ ምዕዛዝን ምግላጽንዩ። ስለዚ ኻብታ ንሰማያት ንምድርን ዝፈጠረላ ዕለት ጀሚሩ፡ በቲ ድሮ ዝገበሮን ክሳዕ ሕጂ ዚገብሮ ዘሎን ኵሉ ተግባሩ ኽብሩ ይገልጽ ኣሎ። ከምኡ ምዃኑ ድማ፡ ቅዱስ ዳዊት፡ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፣ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪብምባል ገሊጹልና ኣሎ3 ስለዚ ሰማይን ምድርን ባሕርን፡ ኣብኡ ዘሎ ኵሉ ህያውን ግኡዝን ፍጥረት፡ ንእኡ ዜመሓድር ኵሉ ሕገ-ተፈጥሮ ብምሉኡ ኽብሪ ኣምላኽ ኬዘንቱ ዝቘመዩ።

ኣብ ልዕሊ ግኡዝን ህያውን ተፈጥሮ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ከም መልክዑን ምስሉን ገይሩ ዝፈጠሮ ሰብ ዚገብሮ ኵሉ ድማ፡ ንኽብሩ ኢሉ ዚገብሮ። ብመሰረቱ ወዲ ሰብ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ኪኸውን እተፈጥረ ኣቕሓ ኽብሪ4 ወዲ ሰብ ግን በቲ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊኡ ዚፍጽም ግብርታት ጥራሕ፡ ክብሪ ኣምላኽ ኪገልጽ ኣይተፈጥረን። ዘይከም ካልኦት ፍጥረታት ብምሉእ ኣእምሮ ብምሉእ ፍታው ፍቓዱ ንእግዚኣብሔር ዜኽብር ግብርታት ብምዝውታር፡ ክብሪ ኣምላኽ ኬዕዝዝ ዝተፈጥረ ኣቕሓ ኽብሪዩ። እንተ ዀነ፡ ብሰይጣን ተታሊሉ፡ ካብ ኣቕሓ ኽብሪ፡ ኣቕሓ-ውርደት ናብ ምዃን ስለ ዝወደቐ፡ ካብቲ ዓብይን ዘለኣለማውን ተልእኾኡ በዅሩዩ። ብኣንጻሩ ደኣ፡ መዓይይቲ ሰይጣን ኰይኑ፡ ክብሪ ኣምላኽ ካብ ገጽ ምድሪ ንምህሳስ ዚጋደል ውዱቕ ፍጡር ኰነ። እግዚኣብሔር ንሰብ ናብቲ መበቈላዊ ተልእኾኡ ንምምላስ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ብዘለዎም ሕሩያት ቅዱሳት ገይሩ እንተ ዓየየኳ፡ ነቲ ብስሙ ዝተሰምየ እንኮ ሕዝቢ፡ ንሕዝቢ እስራኤልውን ኣቕሓ ኽብሪ ናብ ምዃን ኺመልሶ ኣይከኣለን። እዚ ድማ ናይ ክእለት ሕቶ ዀይንዎ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንሰብ ፈትዩ ዝሃቦ ናይ ነጻ ፍቓድ ስልጣን ኪግህሶን ኬፍርሶን ስለ ዘይፈተወዩ።

እቶም ክርስቶስ ብስጋ ኽሳዕ ዚግለጽ ዝተንስኡን፡ ንሰብ ንምምላስ ዘገልገሉን ኵሎም ቅዱሳን፡ ኵላቶም ከምዚ ኸማና ብሓጢኣት ዝውደቐ ስጋ ለቢሶም ዚመላለሱ ስለ ዝነበሩ፡ ኣገልግሎቶም ምሉእን ፍጹምን ኣይነበረን። እቶም ብኣገልግሎቶም ኣዝዮም ቀረባ-ኣምላኽ ዝነበሩ ነብዪ ሙሴን ካህን ኣሮንንኳ፡ ይትረፍ ነታ ሰማያዊት ተስፋ፡ ነታ ብከንኣናውያን ዝረኸሰት ምድሪ ተስፋ ኪርእዩን ኪኣትውንውን ኣይበቕዑን። ስለዚ ድማ ዝዀነ ኣበር ዘይብሉ ፍጹም ኣርኣያን መራሕን ኣድለየና። እዚ ድማ ብዓቕሚ ስጋ ጥራሕ ኪፍጸም ስለ ዘይክእል፡ መለኮት ስጋና ለቢሱ ሰብ ኪኸውን ብግዲ ኣድለየ። ሓዋርያ ጳውሎስውን ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ከምዚ ዘመሰለ ኽፍኣትን ርኽሰትን ዜብሉ፡ ካብ ሓጥኣን እተፈልየ፡ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ ቅዱስ ሊቀ ኻህናት ኣድለየና።እብ 726

ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ተገሊጹልና ዘሎ፡ ጐይታ ኽብረቱ ኺገልጽ ዝኸኣለ፡ ግብሪ ኣቦኡ ብምግባርዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንኣቦኡ ብምኽባር ንርእሱ ኬኽብር ዝኸኣለ። ነዚ ድማ ብኸምዚ ዚስዕብ ተኣምኖ ገይሩ ገለጾ።

“. . . “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር ኺገብር ኣይከአሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር። ኣቦ ንወዲ የፍቅሮ እዩ እሞ፡ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ። ንስካትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ፡ ካብዚ ዚዓቢ ግብሪውን ኬርእዮዩ። ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ። ኵሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሃቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። . . . ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ። . . . ግናኸ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሃበኒ ግብሪ፡ እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ፡ ንሱ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ኣነ ኻብ ምስክር ዮሓንስ ዚዓቢ ምስክር አሎኒ።ዮሓ 519-23,30,36

ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ፡ ዓው ኢሉንኣይ ትፈልጡኒ፡ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ብርሰይ ኣይመጻእኩን፡ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፡ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም።”“ ዮሓ 728

መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ ኺዓየላ ዘይከአሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ።ዮሓ 94

ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ። እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ።ዮሓ 1037,38

“ “ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ። እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ።ዮሓ 1410,11

ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።ዮሓ 174,5

ካብዚ እኩብ ጥቕስታት ተገንዚብናዮ ከም ዘለና፡ እቲ ጐይታና ዚገብሮ ኵሉ፡ ናይ ውልቁ ዘይኰነስ ናይ ኣቦኡ ግብሪ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተኣሚኑ ኣሎ። በዚ ግብርታት ኸኣ ኽብሩ ዝገለጸ። ምኽንያቱ በቲ ነቦኡ ዜኽብር ግብርታት ጥራሕ ንርእሱ ከም ዜኽብር ይፈልጥ ነበረ። ናይ ፍርዲ ዀነ ዅሉ ኻልእ ተግባሩ ኺገብር ዝተዋህቦ ድማ፡ኵሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮዩ። እቲ ነቲ ግብሪ-ኣቦ ዚገብር ወልድ ዘየኽብር ሰብ፡ ብቐንዱ ነቲ ኣቦውን ኬኽብር ዘይደሊ ሰብዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ማለት እግዚኣብሔር ወልድ፡ ብዅሉ ነገር ማዕረ ኣቦኡ ኽነሱ፡ ሰብ ብምዃን ማዕረ ኽንድ ርእሱ ዘትሓተ፡ ንሕና ሰባት ከመይ ጌርና ንኣቦን ንወልድን ከም እነኽብር ምእንቲ ኼፍልጠናዩ። ኵላትና ርእስና ናይ ምኽባር ጥሙሕ (ወይ ባህጊ) ኣሎና። ብኸመይ ክንገብሮን ክንረኽቦን ከም እንኽእል ግን ኣይንፈልጦን ኢና። እቲ ሰይጣን ዝመሃረና ርእስኻ ናይ ምኽባር መገዲ፡ ንጊዚኡ ዝኸበርካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ብምግባር ዚጥብር ኰይኑ፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ግን ዘለኣለማዊ ውርደትዩ። እዚ ክርስቶስ ጐይታና ዝመሃረና ርእስኻ እተኽብረሉ ሰማያዊ ጥበብ ግና፡ ኣዝዩ ዝተፈልየዩ። እታ ነባሪት ክብሪ ግና ካብ ኢድ እግዚኣብሂር ኣቦን ብመገዱን ጥራሕ እትርከብ። እቲ ንርእስኻ ኸተኽብር ዚግበር ባዕላዊ ፈተነ ብላሽ ምዃኑ ግና ብቓልን ብግብርን ብኸምዚ ዚስዕብ ኣርእዩናሎ።

“”ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፡ ነታ ካብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩ፡ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩም፡”“ ዮሓ 544

እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን።ዮሓ 718

ሽዑ ኢየሱስ፡ኣነስ ነቦይ ደኣ አኽብሮ አሎኹ እምበር፡ ጋኔንሲ የብለይን። ንስኻትኩም ከኣ ተሕስሩኒ አሎኹም። ኣነ ንርእሰይ ክብረት ኣይደልን እየ፡ እቲ ዝደልን ዚፈርድን ግና አሎ።” . . . ‘ኣነ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩ፡ ክብረተይ ፍረ የብሉን። ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ።’ “ ዮሓ 849,50,54

ጐይታና ነቲ ኽብሪ ካብ ኣቦኡ ጥራሕ ይደልዮ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ኣቦኡ ደኣ ደጋጊሙ ኬኽብሮ ይልምኖ ነበረምበር፡ ንርእሱ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ባዕሉ ኣይተተሓሓዞን።

““ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ።ሽዑ ኻብ ሰማይ፡ኣነ ኣኽቢረዮ አሎኹ፡ ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ፡ዚብል ድምጺ መጸ።ዮሓ 1228

ንሱ ምስ ወጸ፡ ሽዑ ኢየሱስ በለሕጂ ወዲ ሰብ ከበረ፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ኸበረ። ኣምላኽ ኣብኡ ኻብ ከበረ፡ ኣምላኽ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኬኽብሮ እዩ፡ ቀልጢፉውን ኬኽብሮ እዩ።”“ ዮሓ 1331,32

““ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ኣቦይ፡ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።”’ ዮሓ 174,5

ግብሪ ኣቦይኢሉ ዚውጽዖ ድማ ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሕዝብን ዚፍጽሞ ተኣምራትን ነቲ ንሕዝቢ ናይ ምስትምሃርን ምጒሳይን፡ ሓጢኣቱ ምሕዳግን ተግባራቱዩ። ብሓጺሩ፡ ነቲ ሕዝቢ ካብ ኣካላውን፡ ማሕበራውን፡ መንፈሳውን ጸገማቱ ንኼድሕኖ ዚገብሮ ዝነበረ ዅሉ ተግባሩ፡ ኣቦኡ ዝኣዘዞን ኪገብሮ ኢሉ ዝለኣኾን ስለ ዝዀነ፡ግብሪ ኣቦይኢሉ ሰመዮ።

እዚ ዅሉ ድማ ንኣርኣያና ኢሉ ዝገብሮዩ። ዝዀነ ይኹን ብኣምላኽ ከም ዚኣምን ዚእመን ክርስቲያን፡ ሰማያዊን ዘለኣለማውን ክብሪ ዚጐናጸፈሉ መገዲ ከኣ እቲ እግዚኣብሔር ኣቦ ኺገብሮ ኢሉ ብቓሉ ዝኣዘዞ ግብሪ ኣቦ ምግባርዩ። ግብሪ ኣቦ ኸይገበርካ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ዀነ ንርእስኻ ከተኽብር ኣይከኣልንዩ። ካብቲ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ወጻኢ ዝዀነ ኻልእ ኵሉ ግብርታት፡ ድማ ካብ ዲያብሎስዩ። ከምቲ ቕዱስ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ ኣነጺሩ ገሊጽዎ ዘሎ፡ ውሉድ ዲያብሎስ ውሉድ ኣምላኽን ብግብሮምዮም ዚልለዩ።

ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ። ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ፡ ዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። ጽድቂ ዘይገብር ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚዮም ዚግለጹ።” 1ዮሓ 38-10

ፍቕሪ፡ ምሕረት፡ ትዕግስቲ ወዘተ ዝኣመሰሉ ባህርያትን ግብርታትን፡ ግብሪ ኣምላኽ እምበር ግብሪ ሰብ ኣይኰኑን። ሰብ ነዞም ግብርታትዚኣቶም ብምርጫኡ ኺገብሮም ዚኽእል፡ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ብምዃኑዩ። እቶም በሃማት እንስሳታት ግን ይትረፍ ኪገብርዎ፡ እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥዎንዮም። እቲ ኣብ መንጎ ሓድሕዶም ዜርእይዎ መጠናዊ ፍቕሪ ድማ ባሕረታዊ (instinctive) እምበር መንፈሳዊ ኣይኰነን። ኵሉ ኽንገብሮ ዝተዋህበና ግብርታትን ከነንጸባርቖ ዚግብኣና ባህርያትን ብምሉኡ፡ ግብሪ ናይ ኣምላኽዩ። ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍን ሰብከትን ንዅሉ ዘርዚርና ኽንርእዮ ዘይከኣል ስለ ዝዀነምበር፡ እግዚኣብሔር ዘይገብሮ ንሕና ኽንገብሮ ዝተኣዘዝናዮ ተግባር የልቦን። እግዚኣብሔር ሓጢኣት ዘይብሉ ፍጹም ስለ ዝዀነ፡ ባዕሉን ብዛዕባ ርእሱን ዘይፍጽማ ተግባር እንተልያ ንስሓ ጥራሕያ። ሰብ ግን ሓጥእ ፍጥረት ስለ ዝዀነ፡ ቀንዲ ተግባሩ ንስሓዩ። እንተ ዀነ ነታ ንስሓውን ብግብሪ ኣምላኽ ተደሪኹምበር፡ ባዕሉ ብገዛእ ርእሱ ኺፍጽማ ስለ ዘይክእል፡ ግብሪ-ሰብ ክትብላ ኣይከኣልንዩ።

እግዚኣብሔርን ኵሉ ግብርታቱን ኣዝዩ ኽቡርዩ። እግዚኣብሔር፡ ብዓይኒ ስጋ ኺረአ ዘይክእል ረቂቕ መለኮት ስለ ዝዀነ፡ ክብሩ ብግብርታቱ ዚገልጽ። ናይቲ ኽቡር ኣምላኽ ክቡር ግብርታት ከነዘውትር ከለና ከኣ፡ ንሕናውን ካብቲ ኽብሩ ተኻፈልቲ ንኸውን። ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግብሪ-ኣቦኡ ብምግባር ዝኸበረ፡ ንሕናውን ነዚ ንሱ ዝገለጸልና ምስጢር ክብረት ኣስተውዒልና፡ ግብሪ-ኣቦ ብምግባር ንርእስና ኸነኽብር ይግብኣና። ኣብዛ ናይ ውርደት ዓለም፡ ግብሪ ኣቦ ብምግባር ርእሱ ዘየኽበረ ሰብ፡ ድሕሪ ምጽኣት ጐይታን ሕልፈት ዓለምን ኣብ ዚግለጽ ክብሪ-ኣምላኽ ዚቕበሎ ግደ ኸቶ ኣይኪህልዎንዩ። ምኽንያቱ ኣቕሓ ኽብሪ ካብ ምዃን ኣቕሓ ውርደት ምዃን መሪጹ።

ግናኸ ኣብ ዓብዪ ቤት ካብ ዕጨይትን መሬትን ዝዀነ ኣቓሑ ድማ እምበር፡ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ፡ ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንውርደት ይኸውን። እምብኣርሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ፡ ንተግባር ብዓል ቤት ዚጠቅም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን እዩ።” 2ጢሞ 220-21

ንኣእምሮና እቲ ሕሱም ዲያብሎስ ስለ ዘጸልመቶ ግዳ፡ ብፍቕሪ ኣምላኽ ንሓድሕድና ምፍቓር፡ ብምሕረት ኣምላኽ ንዝጐድኡና ይቕረ ምባል፡ ብትዕግስቲ ኣምላኽ ንሓድሕድና ምጽውዋር፡ ከም ዕሽነትን ሕመቕን ውርደትን ቈጺርና፡ በቲ ዘለኣለማዊ ውርደትን ሕፍረትን ነውርን ዜልብሰና ጽልእን ቂምታን ካልእ ኵሉ ሓጢኣታትን ክንመላለስ ንመርጽ ኣለና። ንጉስ ሰለሞን፡ጽድቂ ንሕዝቢ ልዕል የብሎ (የኽብሮ) ሓጢኣት ግና ውርደት ሕዝብታትዩ።ከም ዝበለ፡ ክብረት እንጐናጸፈሉን ክብረትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እንገልጸሉ እንኮ ጥበብናን ዕድልናን፡ እቲ ንእግዚኣብሔር ኣቦን ነቲ ሓደ ቕዱስ ወዱን ዘኽበረ ግብርታት5 ነዚ ሓሳብ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ጐሊሑን ደሚቑን እንረኽቦ ሓቂዩ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነዛ ሰማያዊት ጥበብዚኣ ኺምህረናሞ፡ ክንመልካን ከነዘውትራን ኪረድኣና ዝተገልጸ። ነቲ ናይ ስጋና ሓላኺ ዕንቅፋት ብዓወት ምእንቲ ኽንሰግሮ ድማ፡ ነቲ ንድኻምና እናደገፈ ኣብቲ መገዲ ጽድቂ ብዘይ ምሕላል ክንጐዪ ምእንቲ ኺረድኣና፡ ነቲ ቅዱስ መንፈሱ ብዘይ ስፍሪ ሃበና። ብዘይ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንኣምላኽ ኰነ ንርእስና ኸነኽብር ከቶ ኣይከኣለናንዩ። ስለዚ ኸኣዩ፡ብመንፈሰይምበር፡ ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነንዝተባህለልና6 ብግብሪ ኣምላኽ ንርእስኻን ንኣምላኽን ምኽባር ኪስገር ዘይከኣል ግዙፍ ከረን (እምባ) ዀይኑ ኣብ ቅድሜና እንተ ተራእየና፡ ነቲ ዜኽእል ጸጋ ናብ ውሽጥና እናወሓዘ፡ ጐልጐል ዚገብረልና፡ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስዩ። ብዘይ መንፈስ ቅዱስ፡ ነዛ ቐጣን መገዲ ብዓወት ዛዚምካ ናብታ ጸባብ ደገ ሕይወት ክትበጽሕ ማለት ዘበትዩ። እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵነታት ክንፍጽሞ ዚግብኣና ፍቓድን ግብርን ናይ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ዚገልጸልናን ክንገብሮ ዜኽእለናን ንሱዩ። ስለዚ ኸኣዩ፡ስጋ ድኹምዩ፡ መንፈስ ግና (ንረድኤትኩም) ተዳልዩ ኣሎዝተባህለልና። እምበኣር ነዚ ናብ ክብረት ኬብቅዓና ዚወሃበና መንፈስ ቅዱስ ነፍቅሮን ንተኣዘዞን። ብረድኤት መንፈስ ቅዱስን ብኣርኣያ ክርስቶስን፡ ግብሪ-ኣቦ ብምዝውታር፡ ክብረት ንጐናጸፍ፡ ክብረትና ድማ ንግለጽ። ድሕር ነቲ ጐይታና፡

ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።

ዝበሎ ቃል ንምባል ብቕዓትን ትብዓትን ክንረክብ ኢና7 ሓዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ ኸማና ዝድኻሙ ሓዋርያ፡ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲአ፡ ነታ እምነት ሓልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።”8 ክሳዕ ምባል ተዓዊቱሞ፡ንኣይ ምሰሉ ሰዓብተይ ኵኑንዚብል ድምጹ ሰሚዕና፡ በቲ ሰናይ ግብሪ ኣምላኽ ክብረትና ንግለጽ!!9

ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ጥሪ 16, 2013 ግዕዝ (24 ጥሪ  2021)  - መበል 20 ሰንበት: ቊ.24[፳፬]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

እብ 21-11

1ዮሃ 51-13

ግሃ 1034-ፍጻ

ዮሃ 21-14

ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመዓለም)

መዝ፡ 83(84)6

እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ። ወየሐውር አምኃይል ውስተ ኃይል። ወያስተርኢ ኣምላከ አማልክት በጽዮን

ብለሰ ብኽያት ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፡ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፡ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።

1መክ 3፡11 2መክ 3፡17:3መዝ 19፡1 4ኢሳ 43፡6,7,11: 5 ምሳ 14፡34 6ዘካ 4፡6,7 7ዮሃ 17፡4,5 82ጢሞ 4፡7,8 91ቈረ 4፡17፣ 11፡1

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div