S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንምንታይ ናብ ናዝሬት፧ [መበል 19 ሰንበት: ቊ.23 -፳፫ ]

እቲ ብነብያት፡ናዝሬታዊ ኺበሃልእተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ናዝሬት ናብ እትበሃል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ።ማቴ 223

እዚ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስቲ ድንግል ማርያምን፡ ብትእዛዝ ኣምላኽ ነቲ ህጻን ኢየሱስ ሒዞም ናብ ምድሪ ግብጺ ተሰዲዶም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂውን ብእተነግሮም ትእዛዝ ኣምላኽ ናብ ምድሪ እስራኤል፡ ናብ ኣውራጃ ገሊላ፡ ናዝሬት ናብ እትበሃል ዓዲ መጺኦም ከም እተቐመጡ ኣዘንትዩልና ኣሎ።

መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ ኸኣ፡ እቲናዝሬታዊ ኪበሃልዚብል ትንቢት ምእንቲ ኺፍጸም ኣብ ናዝሬት ኪቕመጥ ዝተደልየ። እዚ ትንቢት ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠርኒፉ ዘሎ ናይ ትንቢት መጻሕፍቲ እንተ ዘይተረኽበ፡ በቲ ፍጻመኡ ግን፡ ናዝሬታዊ ወይ ናዝራዊ ዚብል መጸውዒ ስሙ ኸም ዝነበረ ኣብ ወንጌላት ብዝርዝር ሰፊሩልና ኣሎ። ንጐይታና ኺጽውዕዎ ኸለዉ፡ኢየሱስ ናዝራዊወይ ከኣወዲ ዳዊትዚብል መጸውዒኡ የዘውትሩ ነበሩ።ናዝራዊ ወይ ናዝሬታዊዚብል መጸውዒ ግን ንምንታይ ተደልየ፧ ኣብኣ ብምቕማጡኢየሱስ ናዝራዊዚበሃል ዘሎ እምበር፡ ትውልዲ ዓዱ ስለ ዝዀነ ኣይኰነን። ጐይታና ኸይተወልደ ኸሎውን፡ ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ኣብ ናዝሬትዮም ዚቕመጡ ዝነበሩ። እንተ ዀነ ዓሌቶም ካብ ነገደ-ይሁዳ፡ ካብ ዓሌት ዳዊት ኰይኑ፡ ዓዶም ድማ ቤት ልሄም ዝነበረ። ቄሳር (ንጉስ) ኣውጉስጦስ፡ ኵሉ ሕዝቢ ነናብ መበቈል ዓዱ ኸይዱ ኺምዝገብ፡ ኣብ ብዘሎ ግዝኣት ሮማውያን ምስ ተኣወጀ፡ ብጽሕቲ ወርሒ ኽነሳ ካብ ናዝሬት ናብ ቤት-ልሄም ዝኸደትሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ስለዚ ኻብ ዓሌት ዳዊት ምዃኑ ምእንቲ ኺረጋገጽ፡ ኣብ ቤትልሄም ኪውለድ ተገብረ፡ ናዝራዊ ምእንቲ ኺበሃል ድማ ኣብ ናዝሬት ከም ዚዓቢ ተገብረ። ኣብ ሕይወት ክርስቶስ ዝተፈጸመን ብእኡ ዝተገብረን ዘበለ ኵሉ፡ ስቕ ኢሉ ብሃውሪ ወይ ብወዝቢ ዝተገብረ ዘይኰነስ፡ ኣቐዲሙ ዝተነግረ ትንቢት ንምፍጻም ዝተገብረዩ። ነቲ ንናይ ብሉይ ኪዳን ትንቢታት ምስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ፍጻመታት እናገናዘበን ዜጽንዕ ግዱስ ክርስቲያን ድማ እዚ ሓቂ ኣዝዩ ብሩህን ጒሉሕንዩ። ነርባዕቲኡ ወንጌላት፡ ብፍላይ ከኣ ንወንጌል ማቴዎስ ዘንበበ ሰብ፡ ኵሉ ተግባራትን ፍጻሜታትን ምስቲ ትንቢታት ተዛሚዱ ዚረኽቦ።

ናብቲ ሕቶና ንመለስ እምበኣር። ንምንታይ ናብ ናዝሬት ከይዱ ኺዓቢ ተዳልዩ፧ ንምንታይከ ናዝራዊ ኺበሃል ተደልዩ፧ እዚ ናዝሬት እትርከበሉ ኣውራጃ ገሊላ፡ ሙሴ ንነገድ ዛብሎንን ንፍታሌምን ዘውረሶም ርስቲዩ። ብምኽንያት ሓጢኣት ንጉስ ሰለሞን መንግስቲ እስራኤል ኣብ ክልተ ኽትምቀል እግዚኣብሔር ምስ ፈረደ፡ ምድሪ ገሊላ ምስታ ዓሰርተ ነገዳት ዝሓቘፈት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ኰነ። እታ ደቡባዊት መንግስቲ እስራኤል (መንግስቲ ይሁዳ) ድማ ክልተ ነገድ ሒዛ ተረፈት። እቲ ሰሜናዊ መንግስቲ ካብ እምነት ኣይሁድ ብወግዒ ወጺኡ፡ ናይ ጣኦት ኣምልኾ ምስ ተተሓሓዞ፡ እግዚኣብሔር ንንጉስ ኣሶር ኣለዓዒሉ፡ ንዅሎም እስራኤላውያን ብምርኮ ተወሲዶም ናብ ብዘላ ዓለም ፋሕ ከምዚብሉ ገይሩ፡ ካብ ርስቶም ነቐሎም። ንጉስ ኣሶር፡ ንእስራኤላውያን ምስ ኣግዓዘ፡ ካልኦት ኣሕዛብ ኣምጺኡ ኣብ ምድሪ እስራኤል ኣስፈረ። በዚ ምኽንያት ከኣ ገሊላ፡ ናይ ኣሕዛብ ምድሪ ዀይና ተረፈት። ኣይሁዳውያን፡ካብ ገሊላ ነብዪ ኣይትንስእንዩ፡ ካብ ናዝሬት ሰናይ ኣይመጽእንናብ ዚብል መደምደምታ ዘብጽሖም ድማ ንሱዩ። እግዚኣብሔር ካብ እስራኤላውያን እምበር ካብ ኣሕዛብ ነብዪ ኣተንሲኡ ዘይፈልጥ ምዃኑ ዘበገሶ ብሂል1 ስለዚ ምድሪ ገሊላ ዀነ ምድሪ ሰማርያ፡ ብኣይሁድ ኣዝዮም ንዑቓትን ፍንፉናትንዮም ዝነበሩ። እግዚኣብሔር ግና ነዛ ብጸልማትን ሞትን ዝተዋሕጠት ናይ ኣሕዛብ ገሊላ፡ ኣብ ሓደ እውን በቲ ዝደመቐ ብርሃን ዓለም፡ ብክርስቶስ ኪበጽሓን ኬብርሃላን ወሲኑ ስለ ዝነበረ፡ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ቃል ተስፋ ሃበ። ነዚ ተስፋ ድማ ኣብ ምዱብ ጊዜኡ ፈጸሞ።

ኢየሱስ፡ ማእሰርቲ ዮሓንስ ሰሚዑ። ናብ ገሊላ ድሕር በለ። ናዝሬት ሓዲጉ ድማ፡ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተበህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ገሊላ ኣሕዛብ፡ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም።”” ማቴ 412-16

ግናኸ ኣብታ እትሽገር ሃገርሲ ጸልማት ኣይኪነብርን እዩ። ኣብቲ ዘመን ቀደም ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ከም ዘቃለለን፡ ከምኡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ንመገዲ ባሕሪ፡ ንማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ነታ ናይ ኣሕዛብ ገሊላ ኬኽብራ እዩ።ኢሳ 91

ኣይሁድ፡ንሕና ሕዝቢ ኣምላኽ ኢና፡ ካብ ካልኦት ኣሕዛብ ዝተፈለና ቅዱስ ሕዝቢ ኢናዚብል ትምክሕቲ ስለ ዝነበሮም፡ ነዞም ኣብ ምድሪ ገሊላን ሰማርያን ዚነብሩ ኣዝዮም ይፍንፍንዎም ነበሩ። እግዚኣብሔር ከኣ ንኸምዚ ዘመሰለ ትዕቢታዊ ኣተሓሳስባ ኣዝዩ ዚጽየፎ።

እቲ፡ ካብኻ ኣነ ኣዝየ ቅዱስ እየ እሞ፡ ካባይ ርሓቕ፡ ኣይትቕረበኒ፡ ዚብል ሕዝቢ፡ እዚኣቶም ኣብ ኣፍንጫይ ትኪ፡ ምሉእ መዓልቲ ዚነድድ ሓዊዮም።ኢሳ 655

ስለዚ ከኣ ኢየሱስ ውሉዶም (ወዲ ዳዊት) ክነሱ፡ ኣብ ማእከልቶም ንሳቶም ዝተጸየፍዎም ኣሕዛብ ኪዓብይ ተወሰነ። እዚ ውሳነ ኸኣ ነዞም ምኩሓት ኣይሁድ እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ መንሳተትን ኰይኑ ዓንቀፎም2 እቲ እግዚኣብሔር ንጐራሓት ብጒርሖም ከም ዚሕዞም ዚገልጽ ጽሑፍ ድማ ኣባታቶም ተፈጸመ3

ካብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንግንዘቦ፡ እግዚኣብሔር ንዅሉ ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ኣዝዩ ዚጽየፎ። ስለዚ ዅሉ ጊዜ ነቲ ትምክሕቶም ከንቱ ኺገብር ዚመክር። ነዚ ሓቂ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዜደንቕ ኣገላልጻ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

“‘ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ፡ዚብል ጽሑፍ እሞ፡ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ ኣሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ . . . ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፡ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ። ኣሕዋተየ፡ ኣብቲ ጽውዓኹም እማ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማት፡ ብዙሓት ስልጡናት፡ ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን። ኣምላኽ ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ። ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነ ገለ እየ፡ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሓረየ።” 1ቈረ 118-20,25-29

ስለዚ ነቲ ብትርኢቱ፡ ብወለዶኡ ብሃብቱ፡ ብትምህርቱ፡ ብስልጣኑ፡ ብሓይሉ፡ ብጥበቡ ብጥዕናኡ፡ ብወዘተ ዚምካሕ ዘበለ ዅሉ ምእንቲ ኼሕፍር፡ ክርስቶስ እዚ ሰባት ንትምክሕቲ ዚጥቀሙሉ ዅሉ ዘይብሉ ዀይኑ ኺግለጽ መረጸ። ብዛዕባ ትርኢቱ፡መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ረኣናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮንተባህለሉ4 ብዛዕባ ጥዕናኡውን፡ንዑቕን ብሰብ ድርቡይንዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዜጐልብቡሉ ሰብ እተዋረደዩ፡ ንሕናውን ገለ ኣየቋጸርናዮን። ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዐን ብእግዚኣብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ።ተጻሒፉሉ ኣሎ5 ብዛዕባ መንፈሳዊ ሕይወቱ፡ ከም ጻድቕን ከም ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዘይኰነስ ከም ሓጥእን ገበነኛን ከም ዝተራእየን፡ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮን። ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ።ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ6 ብዛዕባ ወለዶኡ፡ካብቶም ወለዶኡ መን ሓሰቦ፧ብዚብል ቃል ካብቲ ወለዶ እቲ መድሓኒ ክርስቶስ ኪውለድ ከም ዚኽእል ዝሓስቦ ሰብ ከም ዘይነበረ ኣመልኪቱና ኣሎ7 እቶም ኣይሁድ ድማ ብዛዕባ ዮሴፍን ማርያምን፡ ኵሎም ደቂ ዮሴፍ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ብምስትንዓቕ ይዛረቡ ነበሩ8 ብደረጃ ሃብቲ፡ ማሕደር ዘይብሉ፡ ቅያር ክዳን ዘይብሉ ድኻ ዀይኑ ተመላለሰ9 ንሕና ብድኽነቱ ምእንቲ ኽንህብትም ምእንታና ደኸየ10 ብደረጃ ትምህርቱ፡ ዝዀነ ትምህርቲ ዘይነበሮዩ። ከይተማህረ ልዕሊ ምሁራት ኪዛረብ ምኽኣሉ ድማ ንኣይሁዳውያን የገርሞም ነበረ። ደቀ መዛሙርቱውን ዘይተማህሩ ጭዋታት ነበሩ11 ብስልጣን ድማ መንግስታዊ ዀነ ሃይማኖታዊ ስልጣን ዘይብሉ ተራ ሰብ ነበረ። ኣብ ቤት መቕደስ ነቶም ነጋዶ ኺሰጒጎም ምስ ረኣዩ ድማ፡መን ስልጣን ሂቡካ፧እናበሉ ይቃወምዎ ነበሩ። ሕዝቢ ዚፈልጦ ጥበብ ስለ ዘይነበሮ፡ ብዛዕባ ዜርእዮ ጥበብ ከኣካበይ ረኸቦ፧እናበሉ ይግረሙ ነበሩ12 መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ባዕሉ ኽነሱ ብጥበቡ ዓያሱ ሰባት ነዓቕዎ። ንሱ ግና በቲዕሽነቱንዅሉ ጥበብ ሰብ ረትዖ፡ ብድኻሙ ድማ ንዅሉ ሓይሊ ሰብ ሰዓሮ13 ልደቱ ንሰብ ኣብ እተሃንጸ ገዛ ዘይኰነ ኣብ መብልዕ ማል ኪኸውን ዜገርም ምርጫ መረጸ። ኣብ መዓልቲ ሆሳእና ንግስነቱን መንግስቱን ክትጽምበል ከላ፡ ካብ ኣፍራስን ኣባቕልን ሰረገላታትን፡ ኣድጊ መረጸ14 ምስጻድቃን ኢናዚብሉ ሊቃውንትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዘይኰነስ፡ ምስ ተገውትን ኣመናዝርን መኣዲ ኺስራዕ ዓርኮም ኪኸውን መረጸ15 እቲ ናይ ምድሓን ወንጌል ካብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ተሓቢኡ፡ ንህጻናት ስለ ዝተገልጸ ይሕጐስ ነበረ16 እምበኣር ብምኽንያት ኣብ ናዝሬት ምዕባዩን ናዝራዊ ምስማዩን፡ ዳርጋ ንዅሉ ዘንጸባረቖ ዕዙዝ ትሕትናኡ ዘርዚርና ርኢናዮ ኣሎና። ባዕሉውን፡ኣነ ለዋህየ፡ ልበይውን ትሑትኢሉና ኣሎ።

ኣነ ለዋህየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።ማቴ 1129,30

እዚ ዅሉ ዕዙዝ ትሕትና ንምንታይ ኣድለየ፧ ብብሉጹ ስለ ዝመረጸኸ ተዓብዩ ማለት ድዩ፧ ኣብዚ ዝጠቐስናዮ ጥቕሲ፡ካባይ ተመሃሩኢሉና ኣሎ። ምኽንያቱ፡ ንሱ ንኣርኣያናን ንትምህርትናን ዝወረደ።

ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።” 1ጴጥ 2:21

ከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦም፡ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፡ ከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧ በሎም።ንስኻትኩምመምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም፡ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም።ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩም እዩ። ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን፡ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም።ዮሓ 1312-17

እቲ ሓቂ እዚ ኻብ ኰነ፡ ካብ ክርስቶስ ክንመሃሮ ዚግብኣና እንታይ እዩ፧

1. ክርስቶስ ኪሓርዮምን ኪግለጸሎምን ዚበቕዑ ሰባት ምእንቲ ኽንከውን፡ ካብቲ ዓንቃፊ ዝዀነ፡ኣነ ኸምዚ! ኣነ ካብ ከምዚ! ኣነ እዝን እትን ዘሎኒ!” ዚብል ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ርእስና ኸነጽሪ ይግብኣና። እዛ ማይ ብሑቕዚኣ ኣብ ኵሉ ኣተሓሳስባናን ኣካይዳናን፡ ብሓሳባት፡ ብስምዒት፡ ብቓላት ወይ ብግብሪ ደረጃ ትግለጽ እንተልያ፡ ካብ ክርስቶስ ውጉዳትን ድርቡያትን ምዃንና ኸነስተውዕል ይግብኣና። በቲ ኣብ 1ቈረ 126-29 ዝረኣናዮ መሰረት ነቶም ጠቢባን ምዃኖም፡ ብርቱዓት ምዃኖም ወዘተ ዚሓስቡ፡ኣነ ገለዚብሉ ኼሕፍሮምን ከንቱ ኺገብሮምን ዚዕጠቕ። ደላዪ ክርስቶስ ኴንካ ኸተብቅዕ፡ ንርእስኻ ካብዚ ማይ ብሑቕ ትምክሕቲ እንተ ዘየጽሪኻ፡ ነቲ እትደልዮውን ኣይትፈልጦን ኢኻ ማለትዩ። ምናልባት ንክርስቶስውን ካልእ መመክሒ ረቛሒ ኪዀነልካ ስለ ዝሓሰብካ ትደልዮ ኽትህሉ ትኽእል ኢኻ። ልብን ኰላሊትን ሰንጢቑ ዚምርምር ፈላጥ-ኵሉ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብቲ ብትምክሕቲ ዝተበከለ ልብኻ እቲ ትሑት ክርስቶስ ኪሓድረልካ ኢልካ ኽትጽበ ኣይግባእንዩ።

ከምዚ ምባልና ግና፡ ወለዶና ኽንቅይር፡ ምሁራት፡ ሃብታማት፡ ወዘተ ምዃን ክንሕሰም ኣሎና ማለት ድዩ፧ ከምቲ እስራኤላውያን ንጣኦታቶም ኣብ ልቦም ዜሕድርዎም ዝነበሩ፡ ንሕናውን ነዚ ማሕበራዊ ጣኦታት ኣብ ልብና ኣሕዲርና ዓንቃፊ ጣኦታትና ካብ ምግባር ክንጥንቀቕ ጥራሕ ዜድልየና17 ብዓይኒ ክርስቶስ ብኽብሪ ኺረኣይን ኪምረጽን ዚደሊ፡ ክርስቶስ ኪጥቀመሉ ዚመርጾ ኣቕሓ ኽብሪ ኪኸውን ዚደሊ ኵሉ ክርስቲያን፡ ካብዛ ነቶም ምኩሓት ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከይጽንበሩ ዝዓገተት ሰራም ትምክሕቲ ክንጸሪ ይግብኣና።

2. ናብ መንግስቲ ክርስቶስ ተጸምቢርካ ክርስቲያን ምስ ኰንካውን፡ እቲ ሕሱም ሰይጣን በቲ ኸም ክርስቲያን ኴንካ ዝገበርካዮን ዝበጻሕካዮን ኵሉ ኸም ትዕንቀፍ ኪገብረካ ይኽእልዩ። ኣገልጋሊ እንተ ዄንካ ብደረጃ ፍልጠትካን ብዓይነት ኣገልግሎትካን፡ ውፉይ ምእመን እንተ ዄንካውንከምቲ ፈሪሳዊ፡ ብጸሎትካን ጾምካን፡ ብዕሽርካን መባእካን፡ ብቕድስናኻ ወዘተ ናብ ትምክሕቲ ኽትወድቕ ይፈታተነካዩ። ሽዑ ካብ ሰባት ውዳሴ ኸንቱ ትጸምእ፡ ንሳቶም እንተ ደንጐዩኻን እንተ ኣውሓዱልካን ድማ ብገዛእ ልሳንካን ልብኻን ንገዛእ ርእስኻ ብዘይ ስፍሪ ኽትውድስ ትጅምር። ነቲ ጐይታና ዝሃበና ፈዋሲ መድሃኒት ዝዀነ፡

እቶም ኣሕዋት ግና ንጳውሎስን ሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ሰደድዎም። ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተዉ።ዚብል ቃል ፈቲኻ ትርስዖን ትድርብዮን18 ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሓለፋ ዅሎም ካልኦት ሓዋርያት ሰፊሕ ናይ ወንጌል ዕዮ ዓይዩ ኽነሱ፡ ኣሰር ክርስቶስ ብምስዓቡ ዝበሎ ቃል ኪስዓብ ዚግብኦ ኣርኣያናዩ።

ድሕሪ ዅላቶም ድማ ንኣይ፡ ቍላዕ ንዝመስል፡ ተራእየኒ። ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጒክዋ፡ ምንኣስ ኵላቶም ሓዋርያት እየ እሞ ሓዋርያ ኽስመ ብቚዕ ኣይኰንኩን። እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኵላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዓርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን።” 1ቈረ 158-10

ብሓጺሩ ንዅሉ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪዚኣ ካብ ዝመጸላ ዕለት ጀሚሩ፡ ብኽብሪ ናብ የማን ኣቦኡ ኽሳዕ ዚዓርግ ዝገበሮን ዝበሎን ዝዀኖን ኵሉ፡ ክሳዕ ዕለተ-ሞትና ኽንስዕቦን ክንትግብሮን ይግብኣና። ልክዕ ከም ሰይጣን፡ ርእስና እንተ ኣልዓልና፡ ኣዋድቓና ዓብዪ፡ መስበርትና ድማ ዘይሓዊ ዚኸውን። ብኣንጻሩ ከም ጐይታናን ከም ኵሎም ቅዱሳኑን ርእስና ባዕላትና እንተ ኣዋረድና ድማ፡ ምልኣት ጸጋኡ ናባና ኺውሕዝ፡ ባዕሉ ኸኣ ክሳዕ ሰማያት ልዕል ኬብለናዩ።

ኣቱም መንእሰይ፡ ከምኡ ነቶም ዚዓብዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ፡ ትሕትና ተዓጠቑ። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ።” 1ጴጥ 55,6

ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። . . . ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ።ሮሜ 1213,16

እምበኣር ምርጫና ነጸብቕ። ልዕልና ኣብ ጊዜኡ ኣብ ሰማያት ምእንቲ ኽንቅበል፡ ኣብዛ ምድሪዚኣ ኽሳዕ ዘሎና ትሕት ምባል ንምረጽ። ጥበብ ክርስትና ንሱዩ። ኣብዛ ብትዕቢቱ ዝወደቐ ገዛኢ ዚገዝኣ፡ ትዕቢት ዝባህላ ዓለም፡ ብዕዙዝ ትሕትና ምምልላስ ጥበብ ክርስትና!! ጐይታና፡ ትሕቲ ኣቦኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ትሕቲ ዅሉ ሰብ ክሳዕ ምዃን ርእሱ ስለ ዘትሓተዩ፡ እቲ ብትሕትናኡ ዝሰመረ ኣቦ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ።

እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም ኢየሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኣቦ ኢሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሃቦ።ፊሊ 25-11

ንሕናውን ኣሰሩ ንስዓብ ናብ ናዝሬት ናብ መብልዕ ማል፡ ናብ መስቀል፡ ኣጸቢቕና ንውረድ። ነዚ ድማ ብሓጐስ እምበር ብጓህን ብምዕዝምዛምን ኣይኹን። ነቶም ፈትዮም ክሳዕ መዓሙቕ ዘትሓቱ፡ ክሳዕ ሰማይ ዜልዕልን ዜዕርግን ኣምላኽ ምዱብ መዓልቲ ሰሪዑ ይጽበየናሎ። ኣብቲ ግቡእ ጊዜ ምስቲ በዅሪ ወዱን በዅሪ ሓውናን ኣርኣያናን ኣብ የማኑ ኺሰርዓና19 መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ትሕትና ዝጥበቦም ዝተዳለወት መንግስቲያ። ከምቶምከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሓቑዝተባህለሎም ደቂ መርገም ዘይኰነስ፡ ከምቶም፡ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ . . . ዝተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱዚበሃለሎም ምእንቲ ኽንከውን፡ ክሳዕ ናዝሬት ንውረድ!!

ቃለይ ካብ ዝሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ጥሪ 9, 2013 ግዕዝ (17 ጥሪ  2021)  - መበል 19 ሰንበት: ቊ.23 [፳፫]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 151-14

ዮሃ 414-ፍጻ

ግብ 1332-44

ማቴ 219-ፍጻ

ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመዓለም)

መዝ 131(132)6,7

ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ። ወረከብናሁ ውስተ ዖመ ገዳም። ንበውእ እንከሰ ውስተ አብያቲሁ ለእግዚአብሄር።

እንሆ፡ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፡ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ። ናብ ማሕደሩ ንእቶ፡ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ።

1ዮሃ 1፡46፣ 7፡52: 2ኢሳ 8፡14፣ 1ጴጥ 2፡7,8፣ ኤር 6፡2 3እዮ 5፡13፣ ኢሳ 5፡21፣ 1ቈረ 1፡20፣ 3፡18-20:4ኢሳ 53፡2 5ኢሳ 53፡3,4 6ኢሳ 53፡5 [ማቴ 21፡23] 7ኢሳ 53፡8 8ማቴ 13፡54-58፣ ዮሃ 6፡42 9ማቴ 9፡19,20፣ ዮሃ 19፡23,24 102ቈረ 8፡9 11ዮሃ 7፡14፣ ማር 6፡2፣ ግብ 4፡13 12ማር 6፡2፣ ማቴ 13፡54-56 13ቈሎ 2፡3፣ 1ቈረ 1፡24,25 14ማቴ 21፡1-11 15ማቴ 9፡10-13፣ 11፡18,19 16ማቴ 11፡25:17ህዝ 14፡1-8፣ ኤር 9፡23,24፣ 1ጢሞ 6፡17-19፣ ማቴ 19፡16-25 18ሉቃ 17፡10:19ሮሜ 8፡29፣ እብ 2፡11,12,17 ፣ ማቴ 12፡48-50

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div