S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓደግኩምሎም ኣይሕደገልኩምን’ዩ - ቊ.13((፲፫)

ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church

ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም በደልና ሕደገልና። . . .ንሰብ በደሎም እንተ ሓደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሓድገልኩምዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሓድገልኩምንዩ።”  ማቴ 612,14,15

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 06 ጀሚሩ ክሳዕ ታሕሳስ 12 ዘሎ ቅንያት “ኣስተምህሮ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ። ኣብቲ ነዚ ዕለት ተሰሪዑ ዘሎ ንባባት ቅዱስ ወንጌል ተጠቒሶም ካብ ዘለዉ ኣገደስቲ ኣስተምህሮታት ሓደ ድማ ንዝበደለካ ሰብ ሕድገት፡ ምሕረት ወይ ይቕሬታ ምሃብዩ። ካብ መፋርቕ ሕዳር ጀሚሩጾመ-ነብያትዚጽወመሉ ቅንያት ምስ ምዃኑ ድማ፡ ካብ ቂም-በቐል ነጻ ዄንና ነዚ ሱባኤና ኽንዘልቆ ስለ ዚግባእ ብዛዕባ ሕድገት ክንመሃረሉ ዚግባእ ግቡእ ጊዜዩ። እዚ ኣበሃህላዚ፡ ኣብ ቅንያት ጾም ጥራሕ ብዛዕባ ሕድገት ክንሓስብ ከም ዚግብኣና ንምግላጽ ዝተባህለ ኣይኰነን። ሕድገት፡ ዕድሜና ምሉእ ብዘይ ምቝራጽ ክንሓስቦን ክንፍጽሞን ዚግብኣና መንፈሳዊ ስነ-ምግባርዩ። ጾም ግና ቀሊል ዘይኰነ መስዋእቲ እናገበርና ናብ ኣምላኽ ኣዚና እንቐርበሉ ቅንያት ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ጸሎትናን ጾምናን እግዚኣብሔር ከም ዚፈትዎን ከም ዚቕበሎን ጌርና ምእንቲ ኸነቕርቦ፡ ካብ ዝዀነ ዓንቃፊ ኣበሳ ርእስና ኸነንጽህ ይግብኣናዩ።

ጐይታና፡ ብዛዕባሰብ ምእንቲ ኺርእየልካኢልካ ናይ ምግባር ግብዝነት ኣብ ዜስተምህረሉ ዝነበረ እዋን፡ ነዛኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና (ኣቡነ-ዘበሰማያት)” እትብል ጸሎት ኬስተምህር ከሎ፡ ነዛ ናይ ሕድገት ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ጸሎት ብምጥቃስ ኣገዳሲ መልእኽቲ መሃረና። ኣብዛ ንሱ ዘስተምሃረና ጸሎት፡ ነቲ ዚጽሊ ሰብ እትምልከት እንኮ ኣርእስቲ፡ ንበደል ሕድገት ምግባርያ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሊቃውንቲ ሰብ ኪገብሮ ዝተኣዘዞ ትእዛዛት ኣብ ብሉይ ኪዳን ጥራሕ፡ ኣስታት 612 ከም ዝዀነዮም ዚዛረቡ። ናይ ሓድሽ ኪዳን እንተ ዚውሰኾ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ኸም ዚኸውን ዘየጠራጥርዩ። ካብዚ ዅሉ ብኣማኢት ዚቝጸር ትእዛዛት፡ ንምንታይ ነዛ ናይ ሕድገት ምግባርዚኣ ጥራሕ ኣብዛ ርእሲ ዅሉ ጸሎታት ዝዀነት ዘስተምሃረና ሓጻር ጸሎት ክትጠቓለል ከም ዝደለየ ኽንሓትት ግቡእዩ። ንዅሉ ትእዛዛት ኣብ ሓንቲ ጸሎት ክትጠቕሶ ዚከኣል ኣይኰነን። በቲ ዘይምርመር ኣእምሮኡ ካብ ኵሉ ትእዛዛት፡ ነዛ ናይ ሕድገት ተግባር ምምራጹ ግና ርእሲ-ዅሉ ዝዀነ ኣገዳስነት ከም ዘለዋ ዘየማትእ መርትዖዩ። ብፍላይ ካብ ኵሉ ኣብታ ጸሎት ዝተጠቕሰ ኣገደስቲ ኣርእስትታት፡ ንእኣ ጥራሕ ተወሳኺ መብርሂ ምሃቡውን፡ ነቲ ኣገዳስነታ መሊሱ ዜዕዝዞን ዚድርዖንዩ።

ነቲ ጐይታ ዝመሃረና ጸሎት ኣዚና ምስ እነቕልበሉ ድማ፡ ነዛ ጸሎትዚኣ ድሮ ኸም ዝሓደግካ ዄንካ ጥራሕ እምበር፡ ሕድገት ክትገብር መደብ ከም ዘሎካ፡ ወይ ትሓስብ ከም ዘለኻ ዄንካ ኽትጽልያ ኣይፈቅድንዩ።ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎምክትብል ከለኻ፡ ድሮ ኸም ዝተፈጸመ ሕድገት ጌርካ ኣብ ቅድሚ ኽትሕስዎን ከተታልሎን ዘይትኽእል ኣምላኽ ኢኻ ትጽሊ ዘለኻ። ስለዚ ሕድገት ዘይገበርካ ኽነስኻ፡ከም ዝሓደግናሎምእናበልካ እንተ ጸሊኻ፡ ውጹእ ሓሶት ትሕሱ ኣለካ ማለትዩ። እቲ ምሕሳውካ ንሰብ ነቲ ብቐሊሉ ኸተታልሎ እትኽእል ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጥ ሰብ ከይከውን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ ምዃኑ ዝኸበደ ይገብሮ። ዋላ ኽንጽልዮ ኸሎናውን፡ ልማድ ኰይኑና ተረር ኣቢልና እንብሎ፡ እንታይ ንብል ከም ዘለና ሓሲብናውን ኣይንጽልዮን ኢና። ንነፍሲ ወከፍ ትሕዝቶ ናይታ ጸሎት ብምስትውዓል ማለትና ዀይኑ ንብላ እንተ ንኸውን፡ ኣብ ገለ እዋን ዘይገበርናዮ ገይረ ኢልና ንዛረብ ከም ዘሎና ኽነስተውዕል ምኸኣልናሞ፡ ወይ ነቲ ብሓሶት ምጽላይ መቘምናዮ ወይ ከኣ ንበዳሊና ሕድገት ጌርና ኽንጽሊ ምኽኣልና ንኸውን። ሕድገት ከይገበርና፡ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎምኢልና ምጽላይና ግን፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ድፍረት እምበር ጸሎት ነቕርብ ከም ዘለና ጌርና ኽንሓስብ ኣይግባእንዩ።

ንምንታይዩኸ ሕድገት ምግባር ኣብ ቅድሚ ጐይታ ኽሳዕ ክንድ ኣገዳሲ ዀይኑ፧ኢልና ኽንሓትትውን ግቡእዩ። ምድሪ ዀነ ዅሉ ህይወት፡ ብሕድገት ብስርየት ኣበሳ ኽሳዕ ሕጂ ቈይሙ ዘሎ።ብዝሒ ኣበሳ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቝጽሪ ህዝቢ ዓለም እንተ ዚባዛሕ ነይሩ፡ ነቲ መጠኑ ኽንገልጸሉ እንኽእል ኣሃዝ ንምዃኑ ኣብ ዓለም ይህሉዶ ይኸውን፧ኢልና ኽንሓትት ግቡእዩ። እቲ ኣበሳና ድማ ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ እናወሰኸን እናኸፍአን ዚኸይድ ዘሎ። ግብረ-ሶዶማዉያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ቃል ኪዳን ኣብ ዚኣስሩሉ ዘመን ኢና ንነብር ዘሎና። ብዛዕባ ኣበሳኡ ብቕንዕና ሓቀኛ ንስሓ ዚኣቱ ድማ ሓደ ሚእታዊት ምእካሉ ዜጠራጥርዩ። ስለዚ ንቝጥዓኡ ብትዕግስትን ብምሕረትን እናዓገተ ዜንብረና ዘሎምበር፡ ከምቲ ቕዱስ ዳዊትን ኤለሁን ዝበልዎ እግዚኣብሔር ንኣበሳ ሰብ እንተ ዚሓስቦን እንተ ዚጸባጸቦን ቀደም ብቝጥዓኡ መጥፍኦ ነይሩ፡

ንሱ ንሰብ እንተ ዚሓስቦስ፡ ንመንፈሱን ንስትንፋሱን ናብ ርእሱ ምመለሶ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ሓቢሩ ምጠፍአ፡ ሰብ ከኣ ናብ መሬት ምተመልሰ ነይሩ።እዮ 3414,15

እግዚኣብሔር፡ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፡ ጐይታየ፡ መን ደው ኪብል እዩ፧ ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ፣ ይቕሬታ ምሳኻ ኣሎ።መዝ 1303,4

ስለዚ ሳላ መሓርን ሓዳግን ባህርዩ ተጼርና እናነበርና፡ ኣብ ልዕሌና ንዚፍጸማ ሒደት በጻብዕ ዚቝጸራ ኣበሳ ናይ ሰባት ኣብ ልብና ኣሕዲርና ብቒምን-በቐልን ብጽልእን ክንመላለስ ከለና፡ ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ድሮ ዝፈጸምናዮ ኣበሳ ብዕጽፍታት ዜኽብዶ ዚኸውን። ይትረፍ ነቲ ብባህርዩ በደለኛ ዝዀነ ሰብ ዝወረዶ በደል፡ ኣብ ልዕሊ ብባህርዩ ሓጢኣት ዘይርከቦ ንጹህ ኣምላኽ ዝወረደ በደልውን ሕድገት ይረክብ ኣሎ።

ንዝበደሉኻ ሕድገት ምግባር ዘይግባእ ኰይኑ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እግዚኣብሔር ነቲ ናትካ በደል ምሕዳጉ ድማ ከም ዕሽነት እምበር ከም ሕያውነትን ምሕረትን ኣይትርእዮን ኣለኻ ማለትዩ። ስለዚ እቲ ሕድገት ዘይምግባርካ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣምላኽ ሕድገት ከም ዝተገብረ ልግጫ ዚቝጸርዩ። ንሓደ ተግባር ወይ ንሓደ ኣካል፡ ኣምላኽ ይኹን ሰብ፡ ብተግባር፡ ብቓላት ወይ ብስምዒት ክትጻረሮን ከተባጭዎን ይከኣልዩ። ኣንጻር ናይዚ ዝገበሮ ትገብር እንተሊኻ፡ ግብራዊ ላግጺ ወይ ግብራዊ ተቓውሞ ትፍጽም ከም ዘለኻ ምግንዛብ ግቡእን ሓጋዝንዩ። እቲ ጐይታና ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 18 ተሪኽዎ ዘሎ ትምህርታዊ ምስላ፡ ሕድገት ዘይምግባርና ኣዝዩ ከም ዜቘጥዖን፡ ነቲ ዝገበረልና ሕድገት ኺጠዓሰሉን ኪስርዞን ከም ዚገብሮ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። እልፊ መክሊት ናብ ዲናር ምስ ተሸርፈ፡ ብሕሳብ ሓደ መክሊት ብሽድሽተ ሽሕ (6000) ዲናር፡ ኣስታት ሱሳ ሚልዮን ዲናር ዚኸውን። ሓደ ዲናር ድማ ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ ናይ ሓደ ሰራሕተኛዩ። ናይ ሱሳ ሚልዮን ዲናር ዕዳ ብኸምኡ ተሓዲጉሉ ነጻ ዝተገድፈ ሰብ፡ ካብቲ ቤት ናይቲ ዘለቅሖን ዝመሓሮን ውጽእ ምስ በለ ንዝረኸቦ ሓደ ሚእቲ ዲናር ጥራሕ ንዝተዓድዮ ሰብ ረኺቡ ኺሓድገሉ ዘይኰነስ ክሳዕ ዚኸፍሎ ኺዕገሶ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ምስተሰምዐ፡ ይትረፍ ነቲ ዝመሓሮ ጐይታ ንኻልኦት ኣዝዩ ኣሕዘኖም። እቶም ንኽልቲኡ ተግባር ዝተዓዘቡ ሰባት፡ ብተግባር ናይቲ ሕድገት ምግባር ዝተጸየፈ ሰብ ምሒር ስለ ዝሓዘኑ፡ ናብቲ መሓሪ ጐይታ ኸይዶም ናይ ትዕዝብቶም ጸብጻብ ኣቕረቡ። እቲ ተማሒሩሉ ዝነበረ ምሕረት ተሓዲጉ ድማ፡ ናይ ዕድመ ምሉእ ፍርዲ ተዋህቦ።

ስለዚ በደል ናይ ኣሕዋትና ዝዀኑ ሰባት ምሕዳግ ይኸብደና እንተልዩ፡ ንጥፍኣትና ዘሎና ባህጊ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ኽንግንዘብ ይግባእ። ንሕና ነዚ ሓቂ ባዕላትና ኽንርድኦ እንተ ዘይከኣልናኳ፡ እቲ ነዚ ነገር ኣጸቢቑ ዚፈልጦን ባዕሉ ዝሓገጎን ኣብ መወዳእታውን ባዕሉ ዚትግብሮ ጐይታ ይነግረና ስለ ዘሎ፡ ከም ዘለዎ ኽንቕበሎ ኣብ ውሽጥና ድማ በዚ ሓቂ ኽንርታዕን ክንእዘዝን ይግብኣና። ስለዚ ኪሕደገልካ እትደልዮ ኣበሳታት ቅድሚ ምጽብጻብካ፡ ኣብ ልብኻ ነኺስካ በደሎም ዝሓዝካሎምን ዝተቐየምካዮምን ሰባትን በደላቶምን ክትጽብጽብ ዚሓይሽ። ምኽንያቱ ናይ ቂምታ በደል ልዕሊ ዅሉ ኻልእ በደላት፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ዝኸበደ ስለ ዝዀነዩ። ከምኡ ስለ ዝኹነ ድማዩ፡ ኣብዛ ዘይተባትኽ ጸሎትና ንበይኑ ተጠቒሱ ዝረኸብናዮ። ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝገበርናዮ ምሕረት፡ ንርእስና ምሕረት ኣምላኽ ንምርካብ ናይ ዘሎና ባህጊ ሓቀኛ መለክዒዩ። በደል ካልኦት ከይሓደግና፡ ኣምላኽ ንሓጢኣትና ኺሓድገልና ኣይሂ እናነባዕና ብመሪር ገዓር እንተ ጸሌና ግና፡ ኣብቲ መሓሪ ኣምላኽን ኣብቲ ኽቡር ምሕረቱን ዘሎና ንዕቀት ንገልጽ ስለ ዘለና፡ ጸሎትና ሓጢኣት ዚዀነና1

በደል ሰባት ነኺስና ኽንሕዝን ክንቅየምን ዚገብረና ዘሎ እንታይዩ፧”  ኢልና ኽንሓትት ከኣ ግቡእዩ። ንዅሉ ኽንዝርዝሮ እንተ ዘይከኣልና ንገሊኡ ኽንጠቅስ ንኽእል ኢና።

1. እቶም በደልትና ብፍላይ፡ ኵሉ ሰብ ድማ ብሓፈሻ፡ ከማና ዝድኻሞም 

ሰባት ምዃኖም ምርሳዕ፦ እግዚኣብሔር ንድኻምና እንተ ዘይርድኣልና፡ ንኺምሕረና ፍቓደኛ ኣይምዀነን ነይሩ። ኣብ መዝሙር ዳዊት  ተጠቒሱልና ዘሎ ጥቕስታት ነዚ ሓቂ ዜረጋግጸልናዩ።

ስጋ ምዃኖም፡ ሓሊፉስ ዘይትምለስ ትንፋስ ምዃኖም ዘከረ”  መዝ 7839

ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።”  መዝ 10314

ነብዪ ኤርምያስውን ብዛዕባ ድኻም ወዲ ሰብ ቅኑዕ ተኣምኖ ተኣሚኑልና ኣሎ።

ጐይታየ፡መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።”” ኤር 1023

እዚ ሓቂ ድማ ደገፍን ረድኤትን ናይ ኣምላኽ ኣዝዩ ኸም ዜድሊ ዜረጋግጸልና። ክንዕንቀፍ ከሎና፡ ናብ ሓጢኣት ከነንደልህጽ ከለና፡ ሰንከልከል ክንብል ከለና፡ ብጸጋኡ ብሕያውነቱ ብመሪሕነቱ ብምድጋፍ የቝመና።

እግዚኣብሔር ረዲኤተይ ነይሩ እንተ ዘይከውንሲ፣ ነፍሰይ አብ ስቕታ ንምሕዳር ምቐረበት ነይራ። ጐይታየ፣እግረይ አንደልሃጸ ምስ በልኩ፣ ጸጋኻ ደገፈኒ።”“  መዝ 9417,18

ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ከኣ፣ ካብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽኣኒ፣ ኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቚሙ፣ ንስጉምተይ ኣጽንዖ።”  መዝ 402

ኣእጋረይ ከይሰናኸላስ፣ ንመገደይ ኣብ ትሕቲ ስጕምተይ ተርሕባ ኢኻ።”  መዝ 1836

ይትረፍ ብዓቕምና ንሓጢኣት ክንስዕር፡ ብዘይ ረድኤት መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ዚቕበላ ዝዀነ ዓይነት ጸሎት ክንጽሊውን ኣይንኽእልን ኢና2 ኵሉ ኽእለትና ኻብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ብዘይካኡ ዝዀነ ነገር ክንገብር ከም ዘይንኽእልውን ቃሉ ነጊሩና3 ስለዚ እቲ በዳሊና ሰብውን ከምዚ ኸማና ድኹም ምዃኑ ኣስተውዒልና፡ ነቲ ናብ ሓጢኣት ዝደረኾ ድኻሙ ኻብ ምንታይ ከም ዚብገስ ተረዲእና ኽንድንግጸሉ ብጸሎትን ምኽርን ምሕረትን ካብ ድኻሙን ዝፈጸሞ ሓጢኣትን ምስ ኣምላኽ ኴንና ኸነናግፎ ኽንጽዕር ይግብኣና።

2. ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ድኻምን በደልን ድማ ሰይጣን ከም ዘሎ ዘይምፍላጥ፦ ከምቲ ድሕሪ ዅሉ ሰናይ-ግብሪ ኣምላኽ ዘሎ፡ ብድሕሪ ዅሉ እኩይ ግብርን በደልን ድማ ሰይጣን ከም ዘሎ ምስትውዓል፡ ውግእ ምስ ሰይጣንምበር፡ ምስቲ ግዳዩ ዝዀነ ሰብ ከይትገብር ይሕልወካዩ። ቃል ቅዱስ ወንጌልውን፡

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።

ብምባል ውግእና ምስቲ ንኺብድለና ብሰይጣን ዝተበደለን ዝተደረከን ሰብ ዘይኰነስ፡ ምስቲ ገዛኢ ዓለም ዝዀነ ሰይጣን ኽንገብር ከም ዚግብኣና ኣለቢሙና ኣሎ4 ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሰማያዊ ሓቂ ዝገለጸ፡ ብዛዕባ ምብድዳል ውሉድን ወላድን፡ ከምኡውን ብዛዕባ ምብድዳል ጐይቶትን ባሮትን ድሕሪ ምስትምሃሩ5 ውግእና ምስቲ መንፈስ ዝዀነ ሰይጣን እንተ ዀይኑ፡ ኵሉ ንውግእ እንጥቀመሉ ኣጽዋርውን መንፈሳዊ ኪኸውን ዚግባእ። ስለዚ ድማ እቶም ንሓጢኣት እንቃወመሎም ኣጽዋርና፡ ሓቂ፡ ጽድቂ፡ ሰላም፡ እምነት፡ ምድሓን፡ ቃል ኣምላኽ፡ ምሕረት፡ ትዕግስቲ፡ ትሕትና ጸሎት፡ ለውሃት ኪኸውን ዝተነግረና6 ኣብዛ ምድሪዚኣ ስጋ ለቢስና ንመላለስ ስለ ዘለና፡ ምስ ስጋ ዝለበሱ ኸማና ሰባት ብስጋዊ መገዲ ኽንዋጋእ ኣለና ማለት ኣይኰነን። ነቲ ኣብ ልብን ኣእምሮን ናይ ሰባት ጽኑዕ ዕርድታት ዝተኸለ ድያብሎስ፡ በቲ ብርቱዕ መንፈሳዊ ኣጽዋር ክንዋግኦ ዚግባእ7

3. ካብ በቲ ንሱ ንኣኻ ዘውረደልካ ጊዝያዊ ጕድኣት ንላዕሊ፡ ንኣኻ ብምብዳሉ ኣብ ርእሱ ዘውረዶ ዘለኣለማዊ ጕድኣት ከም ዚኸብድ ዘይምስትውዓል፦ እቲ ሰብ ብበደል ኣብ ልዕሌኻ ዜውርዶ ጕድኣት፡ ዋላ ቕትለትውን እንተ ዀነ፡ ቀሊልን ጊዝያውንዩ። ምኽንያቱ ንዘለኣለም ኪቐትል ዚኽእል ሰብ የለን። እቲ ኣብ ስጋ ዜውርዶ ቕትለትውን ብትንሳኤ ኺከሓስዩ። ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ ብኣምላኽ ዚብየኖ ሞት ግን ዘለኣለማዊዩ። ስለዚ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ጕድኣት ሓውኻ ዘየተሓሳሰበካስ፡ ብዛዕባ ጊዝያዊ ጕድኣትካ ብጓህን ጽልእን ቂምታን ክትሓርር ከለኻ ካብ ኣምላኽን ካብ መንፈሳዊ ህይወትን ርሑቕ ምህላውካ ኣብ ርእሲ ምቅላዕካ፡ ካብቲ በዳሊኻ ኣብ ልዕሌኻ ዘውረዶ ጕድኣት እቲ ብቒምታኻ ኣብ ልዕሌኻ እተውርዶ ዘለኣለማዊ ሞት ከም ዚኸብድ ዘየስተውዕል ዝጸልመተ ኣእምሮ ኸም ዘሎካ ዜመልክትዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ሰማእት እስቲፋኖስን፡ ነቶም ብዝኸሓነ ጽልኢ ዚቐትልዎም ዝነበሩ ሰባት፡ዚገብርዎ ኣይፈልጡንዮም ሕደገሎምኢሎም ዝጸለዩ ነዚ ንዛረበሉ ዘለና ሓቂ ከም ዚግባእ ስለ ዝተገንዘቡዮም8

ስለዚ ንሕናውን ምሕረትን ሕድገትን ናይ ኣምላኽ ከነስተማቕር ንደሊ እንተ ዄንና ነዚ ንእኡ ዜውሕሰልና መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ከነስተውዕሎን ከነጥርዮን፡ ምእንቲ ሕድገትና ኢልና ንኻልኦት ንኽንሓድገሎም ክንቅልጥፍን ክንተግሃሉን ይግብኣና። ምኽንያቱ እቲ ፍትሓዊ ኣምላኽ፡ በቲ ፈቲናን መሪጽናን ባዕላትና ዝሰፈርናሉ መስፈር፡ ሰጊዱን ነኽኒኹን ኪሰፍረልናዩ። ስፍሪ ኣምላኽ ካብ ስፍርና ኣዝዩ ኸም ዚበዝሕን ከም ዚኸብድን ኣስተውዒልና፡ እታ ብእኡ ኽትስፈረልና እንደልያ ምሕረት፡ ሎሚ ንዅሎም በደልትና ንስፈረሎም!!

ሰማይን ምድርን ክሓልፍ፣ ቃለይ ግና ኣይከሓልፍን እዩ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሕዳር 6, 2013 ግዕዝ (15 ሕዳር 2020)  - 10ይ ሰንበት: ቊ.13((፲፫)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 5:10-ፍጻ

1ዮሃ 2:1-17

ግብ 22:1-11

ማቴ 6:5-15

ዘእግዚአ (ንአኵተከ)

መዝ 78(79)8

ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ።” “አዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፣ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፣ ቀልጥፍ፣ ምሕረትካ ትቃባበለና።” 

 1 መዝ 80:4፣ 109:7:2ሮሜ 826 3ዮሃ 155 2ቈረ 34-6:4ኤፌ 6፡11,12 5ኤፌ 6፡1-9 6ኤፌ 6፡13-18፣ ቈሎ 3፡12-15፣  72ቈረ 103-5 8ሉቃ 2334 ግብ 760

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div