S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ’ሞ ባህ ይበልኪ!!”

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ነሐሴ 8 ክሳዕ ነሐሴ 14 ንዘሎ ቕንያትዛቲ ይእቲ ማርያምኢላ ትጽውዖ። ማለትዛቲ ይእቲ ማርያም። ማኅደረ መለኮት እንተ ተሰምየት፡ ሰንበተ ክርስቲያን። በከመ ይቤ ዳዊት በመዝሙር፡ አንሣእኩ አዕንቲየ መንገለ አድባር። አድባረ ድኁኃን ተሰምየት ዛቲ ይእቲ ቅድስት ድንግል። ተዓቢ እምኵሉ ፍጥረት፡ ኢያውዓያ እሳተ መለኮት።ትርጉሙ ከአ ንሳ ማርያም እያ። መሕደሪ መለኮት ዝተባህለት ሰንበት ናይ ክርስቲያን። ከምቲ ዳዊት አብ መዝሙሩ ዝበሎኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ።መዕቆቢት ኸረን ድሑናት ዝተባህለት ንሳ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።

ካብ ኩሉ ፍጥረት ትዓቢ፡ መለኮታዊ ሓዊ ዘየንደዳይብል።ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት፡ዮም ንወድሳ ለማርያም” (ገበርቲ ፍቓድ አምላኽ) ዚብል ኣርእስቲ ምርኣይና ዚዝከር እዩ። ኣብ ጊዜ ጾምን ጸሎትን ናይ ፍልሰታ ከም ዘሎና መጠን ነቲ ቅድስት ድንግል ማርያም ንእግዚአብሄር ዘስመረትሉ ህይወት ክንወርሶ፡ ብጾምን ጸሎትን ጥራይ ዘይኮነስ ብትምህርቲ ፍልጠት እውን ክንዓቢ ስለ ዝግብኣና ናብ ታሪክ ህይወት ቅድስት ድንግል ማርያም ምልስ ኢልና ካብ ወንጌል ምርኣይ ከድልየና ኢዩ።

ኣብዚ ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበበ ወንጌል፡ እቲ መልኣኽ ናብ ሓንቲ ድንግል ተላእከ። ስማ ድማ ማርያም እዩ። ትርጉም ናይ ስማ ከኣብእግዚኣብሄር ዝዓበየትማለት እዩ።ንሳ ኣብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ትቕመጥ ነበረት።እዛ ገብርኤል ዝኸዳ ዘሎ ሰብ ከኣ፡ ሰብኣይ ዘይፈለጠት ድንግል ነበረት። እዚ ድንግልና እዚ ኣብ ምምራጽ ማርያም ዓቢይ ግደ ነበሮ። ምኽንያቱ እቲ ዝውለድ ቅዱስ ኣምላኽ ስለዝኾነ፡ ንሳ ድንግል ክትከውን ብግዲ እዩ። ካልእ እንርእዮ ድማ ዝተሓጽየት ምንባራ እዩ። ከምቲ እንርድኦ ሕጽይቲ ማለት ዝተሓለወት ማለት እዩ። ማለት ነቲ ዝተሓጽያ ክትከውን ትሕሎ ንሳውን ንርእሳ ትሕሉ ማለት እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ማርያም ጠኒሳ ምስ ተረኸበት፡ ዮሴፍ ብሕቡእ ክሓድጋ ዝሓሰበ። ትርጓሜ ወንጌል ከም ዝገልጾ ዮሴፍ ናብ ጉባኤ አይሁድ ስለዝተዓደመ እዩ። ብኅቡእ ክኃድጋ ሓሰበ ዝበሎ።

እቲ መልኣኽ ማርያም ምልእቲ ጸጋ ምዃና መስከረ። አብ ርእሲ ድግልናኣ፡ ብጸጋ ዝመልኤት ምዃና ኣዝዩ ብሉጽ ባህርያ ነበረ። እግዚኣብሄር ምስኣ ምንባሩን መድሓኒአ ምኳኑን ድማ ናይ ሓጎሳ መሰረት እዩ። ምኽንያቱእግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ ባህ ይበልኪኢሉ እቲ መልኣኽ ስለዘበሰራ እዩ። ቅድስሪ ድንግል ማርያምውን ክትጽሊ ከላብአምላኸይ በቲ መድሓኒየይ።ኢላ ጸልያ ኢያ። ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ምዃናውን ተነጊርዋ። ካብ ኣንስቲ ካብ እተወልዱ ዮሃንስ መጥምቕ እቲ ዝዓበየ ከምዝኾነ፡ ከምኡን ማርያም ካብተን ዝተወልዳ ኣንስቲ ኩለን ብርኽቲ ምዃና ቅዱስ ገብርኤል መልአኽ አበሲርዋ እዩ። ምኽንያቱ ኩለን ኣንስቲ ብርክብ ስጋን ብምልዓል ትምኒትን ክወልዳ ከለዋ፡ ማርያም ግን ብድንግልና እሞ ብዘይ ትምኒትን ርክብን ናይ ስጋ ብምውላዳ፡ ናይ ብሓቂ ናይ በረኸት ዓቢይ ምልክት እዩ። እቲ ካልእ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ዝገበራ ከኣ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ ኣምላኽ ኣብ ማህጸና ብምጻራ እዩ። ሓደ እዋን ንጐይታ፡ ሓንቲ ሰበይቲዝጾረትካ ከርስን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብጹኣን እየንምስ በለት ንሳቶም ዘይኮኑስ፡እቶም ንቃለይ ሰሚዖም ዝሕልዉ እዮም ብጹኣንበላ (ሉቃ 1127-28) ስለዚ ብጽእና ማርያም ኣብ ምጻር ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ምስማዕ ምእዛዝን ናይቲ ጸይራቶ ዘላ ኢየሱስ ክርስቶስውን ዝምርኮስ እዩ (ዮሃ 25)

እዚ ሕጂ ንማርያም ከም ብስራት ዝንገራ ዘሎ ኣቐዲሙ ብነብዪ ኢሳይያስ ብትንቢት ተነጊሩ ነበረ (ኢሳ 714) ስለዚ እቲ መልኣኽ ፍጻሜ ናይቲ ትንቢት ኣብ ህይወት ማርያም እዩ ዘበስር ዘሎ። ከምኡውን መልኣኽ እግዚኣብሄር ንማርያም ጥራይ ዘይኮነ ንዮሴፍውን ነዚ ነገር እዚ ገሊጽሉ ነበረ (ማቴ 121) ከምቲ ካብቲ ጽሑፍ እንርእዮኢየሱስማለትመድሓኒማለት እዩ።

ንሱ ዓቢይ ኪኸውን ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩመንነት ናይቲ ዝውለድ ሕጻን ክገልጸላ ጀሚሩ። እቲ ዝውለድ ሕጻን ዓቢይ ኪኸውን እዩ፡ ወዲ ልዑል ተባሂሉ ድማ ኪስመ እዩ። እዚ ስም እዚ መልኣኽ ጥራይ ዘይኮነ ኣጋንንቲ ከይተረፉውን ሰምዮምዎ እዮም (ማር 57 ሉቃ 635፣ግብ 1617) ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ከምዝወርስን እውን ኣብዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ብዙሕ ጽሑፋት ተረጋጊጹ ኣሎ (2ሳሙ 712 መዝ 26)

እቲ ሕቶ ናይ ማርያም ኣዕሚቝና እንተዘይርኢናዮ፡ ካብ ዘይምእማን ዝተላዕለ ዝተሓተተ ሕቶ ክመስል ይኽእል እዩ። ግን ኣይከምኡን እዩ። ሰበይቲ ሰብኣይ ከይፈለጠት ክትወልድ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ ከመይ ኢሉ ከምዝኸውን ንኽትፈልጥ ዝሓተተቶ ሕቶ ደኣ እምበር፡እዝስ ኪኸውን ዘይክእል እዩዝብል መልእኽቲ ዝሓዘለ ሕቶ ኣይኮነን። ማርያም ዋላ ከምኡ እንተበለትውን፡ ነቲ ዘረባኣ ከም ዘረባ ዘካርያስ ብዙሕ ክንነቕፎ እንኽእል ኣይመስልን። ምኽንያቱ:

ሀ). መኻናት ዝነበሩ ክወልዱ ካብ ኣብርሃምን ሳራን ጀሚሩ ዝነበረ ታሪኽ እዩ። ድንግል ክትጥንስን ክትወልድን ግን መጀመርያ ጊዜ እዩ ዝስማዕ ዘሎ።

ለ). ዘካርያስ ብዕድመ ዝደፈአ ሽማግለ እዩ። ስለዚ ከኣ ኣብ ዘመን ህይወቱ ብዙሕ ስራሕ ኣምላኽ ከምዝረኣየ (ጻድቕ ከም ምዃኑ መጠን) ኣየጠራጥርን። ማርያም ግን ንእሽቶ ድንግል እያ።

ሐ). ዘካርያስ ነብዪን ካህንን ዝነበረ ሰብኣይ እዩ። ስለዚ ከም ኣገልጋሊ መጠን ዝሓሸ ርድኢትን እምነትን ክህልዎ፡ዝኾነ ሰብ ዝጽበዮ እዩ። ማርያም ግን ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ኣይነበራን።

ንሕቶ ማርያም፡ እቲ መልኣኽ ግቡእ መልሲ ኪህብ ከሎ ንርኢ። ክርስቶስ ካብ ማርያም ስጋ ክለብስ፡ ማለት ምስጢረ ስጋዌ ክፍጽም ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስን እግዚኣብሄር ኣቦን ኣብኡ ከምዝሓበሩ የርእየና። እዚ ድማ ሓድነትን ሰለስትነትን ናይ ኣምላኽ ብንጹር ይምህረና። ኣብቲ ዝፍጸም ዘሎ ምስጢር ኲሎም ይዋስኡ ነበሩ። ስለዚ ድማ እቲ ቓል ዝኾነ ክርስቶስ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ብሓይሊ ናይ እግዚኣብሄር ኣቦን ኣብ ማርያም ስጋ ከምዝለብስ ኮነ። ስለዚ ክርስቶስ ከም ፍቓድ ስጋን ደምን ዘይኮነስ ከም ፍቓድ እቲ ቅዱስ ኣቦኡ ስለዝተወልደ፡ ከም ፍቓድ እቲ ቅዱስ አቦኡ ክንብል ከሎና ፍቓዱን ፍቓድ አቦኦን ፍቓድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ እዩ። ሥላሴ ብፍቓድ፡ ብስልጣን፡ ብመለኮት፡ ብባህሪ ሓደ እዮም። ካብ ሓጢኣት ከኣ ነጻ ስለዝኾነቅዱስ ወዲ ኣምላኽዝብል ስም ክጸውር በቕዐ (2ቆረ 521 1ዮሃ 35)

ከምቲ እቲ ቓል ኣብ ማርያም ሓዲሩ ስጋ ንኪኸውን መንፈስ ቅዱስ ዘድለየ (ማቴ 118,20) ከምኡ ድማ ነቲ ንሕና ዝሰማዕናዮ ቃል ኣብ ልብና ሓዲሩ ምሳና ምእንቲ ክወሃሃድ መንፈስ ቅዱስ ከምዜድሊ የርእየና (ኤፌ 113) እቲ መልኣኽ ኣቐዲሙ እቲ ጥንሲ ከመይ ኢሉ ከምዝፍጸም ምስሓበረ፡ ነዚ መረጋግጺ ዝኸውን፡ ንቓሉ ዘረጋግጽ ምስክርነት ኪህብ ጀመረ። ኣሽንኳይ ኣብ ህያው ማህጸን ግናኸ ዕጽው (ድንግል) ኣብ ዝሞተ ማህጸን እኳ ህይወት ክዘርእን ከዕብን ንኣምላኽ ከምዘይሰኣኖ ነገራ። ኣብ ናይ ሕክምና ዓለም ድንግል ክትወልድ ደኣ እዩ ዘይከኣል እምበር ድንግል ክትጠንስ ይከኣል እዩ። ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር ከምዜልቦ ከኣ ኣብ ቅዱሳን ጽሑፋት ተረጋጊጹ እዩ (ኤር 3217 ሉቃ 1827 ሮሜ 421) እዚ ምስክርነት እዚ ንሕቶ ማርያም ከም ዝምልሶ ዘየጠራጥር እዩ። ውጽኢት ናይዚ ምስክርነት እዚ ከኣ ኣብዚ ዝስዕብ ጥቕሲ ክንርኢ ኢና።

እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይበለት። እቲ ምስክርነት ኣብ ማርያም ዘምጽኦ ውጽኢት ብግሁድ ይረአ ኣሎ። ማርያም ነቲ ዝተባህለላ ነገርእስኪ እንተኾይኑ ንርእዮዘይኮነስከምኡ ይኹነይለይኢላ ብእምነት ተቐበለቶ። ማርያም ምስቲ ዝሰምዓቶ ቃል ብስራት ብእምነት ስለዝሓበረት ማሕደር ኣምላኽ ክሳዕ እትኸውን ክሳዕ ክንድዚ ጠቐማ (እብ 42) ንሕናውን ከምኡ፡ ቃል ኣብ ዝተነግረልና እዋን፡ ነቲ ዝተነግረልና ቃል ብእምነት ምሕባር ጥራይ እዩ ዘድልየና። ምኽንያቱ ንኣምላኽ ብዘይ እምነት ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ (እብ 116)

ከም ናይ ቅድስቲ ማርያምእኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄርዝብል ናይ ትሕትና ቃላት ንርእሱ ዓቢይ ትምህርቲ ይህበና እዩ። ናይ ኣምላኽ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ከም ባርያ ናይ እግዚኣብሄር ይሰምዩ ነበሩ። ኤልሳቤጥንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ ፍረ ከርስኺውን ብሩኽ እዩብምባል ናይ ማርያምን ናይቲ ፍረ ከርሳ በረኸትን ኣሕቢራ ክትጠቅስ ከላ ንርኢ። እዚ ድማ ንናይ ማርያም በረኸት ምኽንያት እቲ ጸይራቶ ዘላ ፍረ ከርሲ ምዃኑ ይሕብረና።

ማርያም ቅዱስ ገብርኤል መልአኽ ብዛዕባ ጽንሲ ናይ ኤልሳቤጥ ስለ ዘበሰራ፡ ነዚ ምስጢር ብስራት፡መሰረት ጌራ እያ ናብ ኤልሳቤጥ ከይዳ። እዚ ምብጻሕ እዚ ከአ ነቲ ጐይታ ሰማይን ምድርን ኣብ ከብዳ ጸይራ ስለ ዝመጸት እዩ። ንኤልሳቤጥኣደ ጐይታ ናባይ ክትመጺ እዚ ካበይ ኮነለይዘብላ ዘሎ ከኣ ነቲ ጐይታ እውን ምስ ማርያም ስለዝተቐበለቶ እዩ። እዚ ረቂቕ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተደረኸ መለኮታዊ ሓጐስ ድማ ንኤልሳቤጥ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ዕሸል፡ ከምቲ ንኣኣ ብዓቢይ ድምጺ ዘጨደራ፡ ንእኡ ድማ ከም ዘሰራሰሮ ገለጸት።

ብዘይካ እዚ ዂሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቃላት፡ ኣብ መደምደምታ ሓደ ዓብይ ቃል ተዛረበት። እዚ ድማ እግዚኣብሄር ነቲ ዝተዛረቦ ከምዝፍጽሞ ብምርግጋጽ እዩ። ኣምላኽ ተዛሪቡ ከይተፈጸመ ዝተረፈ ነገር ዋላ ሓንቲ የልቦን። ኣሽንኳይ ከይተፈጸመ ክተርፍሲ፡ ካብቲ ዝተመደበሉ ጊዜ እኳ ኣይድንጉን እዩ (ህዝ 1225,28 ዘሁ 2319 1ሳሙ 1529 ህዝ 2414) እቲ እተነግረላ ነገር ገና ከይተፈጸመ ከሎ ብእምነት ስለዝተቐበለቶ ብርኽቲ ምዃና ተነግራ። እዚ ካብቲ ልዕሊ ኩለን ኣንስቲ ብርኽቲ ዝገብራ ነጥብታት ሓደ እዩ። ከምቲ ኣብርሃም ምስ ኣመነ ንጽድቂ እተቖጽረሉ ከምኡ ድማ ንማርያም ንበረኸታ ከምዝተቖጸረላ ንርኢ (ሮሜ 420-22)

ከምቲ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበበከምቲ ንሱ አብ ብርሃን ዘሎ፡ አብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት አሎና። ደም ኢየሱስ ክርስቶስ  ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢአትና የንጽሃና እዩ።(1 ዮሓ 1:7) ዝበሎ ዝተፈተኩም ሕዝቢ እግዚኣብሄር ኣብዚ ሰሙን ቤተ ክርስቲያን ክንሓስቦን ከነስተውዕሎን ደልያትና ዘላ፡ ኩሉ ጊዜ ነቲ መጋባይን ሓብሓባይ እግዚኣብሄር ክንዝክሮ፡ ብፍላይ ምስ እዚ ወቅቲ ጾምን ጸሎትን ምህላውና ፡ቅንዕ ኢልና ሰማይ ብከዋክብቲ ዘመልክዔ ጥበቡ ክንደይ ዓቢ ሙኻኑ ንሕሰብ፡ ነንዕለቱ ንደቂ ሰባት ዘድልዮም በረከት ነቲ ክፉእ ግብሪ ደቂ ሰባት ከይረአየ ዝህብ እግዚኣብሄር ብምሕረቱን ብበረኸትን ዝምግብ አምላኽ፡ ጥበቡን ስርሑን፡ ድንቂን መስተንክር እዩ፡፡ እሞ ሎሚ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ነቲ ዘደንቅ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝገበሮ ሪኢና፡ ነመስግኖ ኣሎናዶ፧ ሎሚ ኣብዚ ዘመን እዚ ኪኖ እቲ ሰራሕ ኩሉ እግዚኣብሄር ነቲ ስሩሕ ሪኢና ጥበቡን ውዕሎቱን ረሲዕናዮ ከይንህሉው ርእስና ንመርምር፡፡ ከምቲ ንቅድስቲ ድንግል ማርያምእግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ ባህ ይበልኪዝተባህለቶ አብዚ ጾምን ጸሎትን ከነስተውዕሎ ዝግባአና ኣምላኽ ምሳና እዩ።እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ።ንሕሰብ አብዚ ከቢድ ጊዜ ፡ኢኮነሚ ዓለም ኣብ ቅልውላው አብዘለዎ፡ ሕማም ለበዳ ብዙሓት ሕዝብ አብ ዘርግፈሉ ዘሎ ሰዓት ሃዲና ከነስተውዕል ይግባእ።ኣምላኽ ምሳና ኻብ ዀነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧  ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ . . .  ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧  ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና። ኢልና ከምቶም ቅዱሳን ደው ክንብል እግዚኣብሄር ይሓግዘና። ኣሜን

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። 

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 16 ነሓሰ 2020 (ነሓሰ 10, 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ዕብ 118-16

1ዮሓ 11-7

ግብ 2739-44

ሉቃ 125-35

ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)

መዝ 131/13213-14

እስመ ኃረያ እግዚአብሔር ለጽዮን። ወአብደራ ከመ ትኩኖ ማኅደሮ።ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም።

እግዚኣብሄር ንጽዮን ሓርይዋ እዩ እሞ፡ መሕደሪኡ ኽትከውን በሃጋ፡ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፣ ብሂገያ እየ እሞ፣ ኣብዚኣ ኽነብር እየ።

ዓዲ

መዝ 120/121 1-2 “አንሣእኩ አዕይንቲየ መንገለ አድባር። እምአይቴ ይምጻእ ረድኤትየ። ረድኤትየሰ እምኀበ እግዚአብሔር።

ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ፧ ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ።

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div