S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ገበርቲ ፍቓድ ኣምላኽ!!

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ዮም ንወድሳ ለማርያም። በእንተ ዘተወልደ እምኔሃ። መንክር ግርማ ኃይለ ልዑል ጸለላ። ፆረቶ በከርሣ ውእቱኒ ቀደሳ። መንክር ግርማ ኃይለ ልዑል ጸለላ፡ እግዚአ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት። መንክር ግርማ ኃይለ ልዑል ጸለላ አማን መላእክት ይኬልልዋ። ትርጉሙ ከኣ ሎሚ ንማርያም ነመስግና፡ ምእንቲ እቲ ካብኣ ዝተወልደ እቲ ሓያል ልዑል ምላክ ጽለላ። ኣብ ማህጸና ጸረቶ ንሱውን ቀደሳ። እቲ ሓያል ልዑል ምላክ ጽለላ፡ እቲ ጐይታ ሰንበትን ኣቦን ምሕረትን። እቲ ሓያል ልዑል ምላኽ ጽለላ። ብሓቂ መላእክቲ ይኸብዋ።) እንዳበሉ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ዝዝምርዎ መዝሙር እዩ።

ኣቲናዮ ዘሎና ወርሒ ነሓሰ ጾመ ፍልሰታ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዕረፍታ፡ ፍልሰታ ዝዝከረሉን ብቀንዱ ከኣ ካባና ዝረሓቁን ዝተሰወሩን እግዚአብሔር ክሕልዎም፡ ሃለዋቶምን ደሃዮምን፡ እግዚአብሔር ክገልጸልና ብጾምን ጸሎትን ከምቲ ንሃዋርያት ዝገለጸሎም ክገልጸልና ኣብ ጾምን ጸሎትን እነሕልፎ ጊዜ እዩ። ብተወሳኪ ከኣ እቲ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝነበረ ባህርይ ንእግዚአብሔር ዘሐጐሰ ባህርይ ክህልወና ኣብ ጾምን ጸሎትን እንጽመደሉ ጊዜ እዩ።

ኣብዚ ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበበ ወንጌል፡ ጐይታና ነዚ መሪሕ ቃል ዝተዛረበ፡ ንህዝቢ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ይህበሉ ኣብ ዝነበረ  እዋን፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኪረክብዎን ኬዛርብዎን ኢሎም  ናብኡ መጹ። ኣብ ምልእቲ እስራኤል ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናዞረ ይምህር ስለ ዝነበረ ምስ ስድራ ቤቱ ዜሕልፎ ጊዜ ነይርዎ ኪበሃል ኣይከኣልን እዩ። መብዛሕትኦም ኣዝማዱ ብእኡን ብትምህርቱን ስለ ዘይኣመኑ፡ተጸሊሉዚብል እምነት ስለ ዝነበሮም፡ ካብቲ ዚምህረሉ ቦታ ሒዞም ኪወስድዎ ኸም ዝመጹ ወንጌላዊ ማርቆስ ኣዘንትዩልና ኣሎ (ማር 321) ሃዋርያ ዮሃንስውን ኣብቲ ጊዜ እቲ እቶም ደቂ ዮሴፍ ኣሕዋቱ ብእኡ ኸም ዘይኣመኑ ነጊሩና ኣሎ (ዮሃ 73-5) ኣብዛ እዋንዚኣ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝመጹ ግና ኣይተገልጸን። ስድራኡ ከም ዝመጹ ኺንገሮ ኸሎ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ (ማቴ 1246-50)

ዋላ እቶም ኣሕዋቱን ኣዝማዱን ደኣ ብእኡ ኣይእመኑ እምበር፡  ቅድስቲ ድንግል ግና በቲ ብቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ዝተነግራ ቓል ብስራት ኣሚናስ፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብልሳን ቅድስቲ ኤልሳቤጥ፡ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ከርስኺውን ብሩኽ እዩ። ኣደ ጐይታይ ናባይ ኽትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ . . . እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ።ኢሉ መስኪሩላ እዩ። እግዚኣብሄር ካብዘን ኵላተን ኣብ ዓለም ዝነበራ ደናግል ንእኣ ፈልዩ ዝመረጻ፡ ወላዲተ-ኣምላክ ክትከውን ዝሓረያ፡ ፍቓድ ኣምላኽ መሊኣ እትኸይድ ቅድስቲ ስለ ዝነበረት እዩ። ስለዚ ድማ እቲ ቕዱስ መልኣኽ፡ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ ባህ ይበልኪ፡ ካብ (ኵለን) ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺበላ (ሉቃ 128) ፍቓድ ኣምላኽ እትፍጽም ቅድስቲ እንተ ዘይትኸውን ነይራ፡ ኣደ ክርስቶስ፡ ማሕደር መለኮት ክትከውን ፈጺማ ኣይምበቕዐትን ነይራ።

ስለዚ ድማ ጐይታና ንምምጻእ እታ ፍቓድ ኣምላኽ ብምፍጻም ብጸጋ ክትመልእን ካብ ኵላተን ኣንስቲ ዝተባረኸት ክትከውን ዝበቅዐትን ቅድስቲ ድንግል ወላዲቱ ተጠቒሙ፡ ሓደ ዓብይ መልእኽቲ ኼመሓላልፍ ደለየ። ስለዚ ድማ ሓደ ሰብ፡ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኬዛርብዎ፡ ካብቲ ቤት ጸሎት ወጻኢ ዀይኖም ይጽበዩ ኸም ዘለው ምስ ነገሮ፡ ነተን ኣብኡ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮን፡ ኣብኡ ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮን ኵሎም፡ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩበሎም። ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ኣደ ኽትህልዎ ኣይትኽእልን እያ። እንተ ዀነ ንሱ ኣብቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ዅሎም ስለ ዚሓድር ነተን ፍቓዱ ዚፍጽማ ዅለን ከም  ኣሓቱን ኣዴታቱን ይቕበለን ማለት እዩ። እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ብምፍጻሞም ኣብ ውሽጦም ዜሕድርዎ ድማ፡ ኣሕዋቱ ይዀኑ። ንፍቓድ ኣምላኽ ድማ ካብ ትእዛዛቱ ኢና እንረኽቦ። ስለዚ እቲ ንትእዛዛቱ ዚሕልው ንሱ እዩ እቲ ንፍቓዱ ዚፍጽም።

ሓደ እዋን ጐይታ፡እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ፡ ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን አፍቅሮ፡ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ።ኢሉ ምስ ተዛረበ እቲ ዘይኣስቆሮታዊ ይሁዳ፡ጐይታይ፡ እቲ ርእስካ ንዓለም ዘይኰነ፡ ንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩኢሉ ሓተቶ። ጐይታ ድማ፡ዜፍቅረኒ እንተሎ ቓለይ ይሕልውዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።ኢሉ መለሰሉ (ዮሃ 1421-23) ስለዚ ትእዛዛቱ ምሕላው (ፍቓዱ ምግባር) ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን ክብሪ ዜጐናጽፍ እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ነቶም ፍቓዱ ብምፍጻም ዘኽበርዎ ደቀ መዛሙርቱ፡ ኢዱ ናባታቶም ዘርጊሑ፡ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነውኢሉ መስከረሎም።

እምበኣር፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር፡ ምስ ክርስቶስ፡ ምስቲ ስጉው መለኮት፡ ናይ ኣደን ውሉድን፡ ናይ ሓውን ሓብትን ዚኣክል ጥቡቕ ዝምድና ዚፈጥር ኣዝዩ ኣገዳሲ ተግባር እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻም ክንድዚ ዚኣክል ክቡር ዝምድና ዜውሕሰልካ እንተ ዀይኑ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይምፍጻም ድማ ብኣንጻሩ፡ ምስ ኣምላኽ ናብ ብርቱዕ ጽልኢ የእትወካ ማለት እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ንዘይምፍጻምን ንምጽራርን ዝተዓጥቀ ጸላኢ፡ ሰይጣን እዩ። ስለዚ እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ብምፍራስ ዚሓብርዎ ዘበሉ ዅላቶም፡ ውሉድ ዲያብሎስን ጸላእቲ ኣምላኽን እዮም። እቲ ሓቂ ኸምዚ ኻብ ኰነ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻምን ዘይምፍጻምን መንነት ናይ ሓደ ሰብ ዚገልጽ እዩ። ሰማያዊ ዲኻ ምድራዊ፡ ክርስቶሳዊ ዲኻ ሰይጣናዊ፡ መንፈሳዊ ዲኻ ዓለማዊ፡ ውሉድ ብርሃን ዲኻ ውሉድ ጸልማት፡ ብመንጽር ፍቓድ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዚንጽር። ከምቲ ፈሪሳውያን፡ዘርኢ ኣብርሃምብምዃኖም ጥራይ ኪድሕኑ ዘይከኣሉ፡ ንሕናውንደቂ እዛ ዓባይን ጥንታዊትን ሃይማኖት ተዋህዶብምዃንና ጥራይ ክንድሕንን ደቂ ኣምላኽ ክንከውንን ኣይንኽእልን ኢና።

ጐይታና ኣይሁድ፡ንስኻትኩም (ብስጋ) ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ ኣለኹ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግና ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም። ኣነ ኣብ ኣቦይ ዝረኣኽዎ እዛረብ ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ኸኣ ካብ ኣቦኹም ዝረኣኹምዎ ትገብሩ ኣሎኹም።ምስ በሎም፡ኣቦናስ ኣብርሃምዚብል ህልኸኛ መልሲ ሃብዎ። ጐይታ ድማውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩምበሎም (ዮሃ 837-39) ተዋህዶ ማለት ድማ ክርስቶስ ማለት እዩ። መለኮትን ስጋን ዘዋሃደ ንሱ እዩ። ስለዚ እቲኣካል እምነት ተዋህደ እየዚብል ሰብ፡ኣካል ክርስቶስይብል ከም ዘሎ ኼስተውዕል ይግብኦ። ብዛዕባ እቲ ብናይ ስጋን መለኮትን ተዋህዶ ዘድሓነና ክርስቶስ፡ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኺስልጥ እዩከም ዝተባህለ ተጻሒፉልና ኣሎ (ኢሳ 5310) ባዕሉውንብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።” . . . (ኣነ) ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር ፍቓደይ ኣይደልን እየ፡ . . . ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ።ኸም ዝበለ ወርትግ ንዘክር (ዮሃ 434 530 638) ዋላ ነታ ሓጢኣት ዅላ ዓለም ጼርካ ናይ ሞት ጽዋእ ምስታይ ኣመልኪቱውንኣቦይ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽምዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን . . .” ኣቦይ እዚ (ጽዋእ) ኸይስቴኽዎ ኪሓልፍ ዘይከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን።ኢሉ ብምጽላይ ንፍቓድ ኣምላኽ ብኸመይ ብጸጋ ከም እትቕበሎን እትፍጽሞን ኣርእዩና እዩ (ማቴ 2639,42)

ኵሎም እቶም ናይ እግዚኣብሄር ቅዱሳን ንፍቓድ ኣምላኽ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ዕቃበታት ብምእዛዝ እዮም ንኽብሪ ኣምላኽ ዝበቕዑ። ኣቦና ኣብርሃም፡ እቲ ኣቦ እምነት፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትፍጸም ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። ኣብ ዓድኻ ኣብ ማእከል ቤት ኣቦኻን ኣዝማድካን ምንባር ሓጢኣት ኣይነበረን። እግዚኣብሄር ካባታቶም ተፈልዩ ኺወጽእ ምስ ኣዘዞ ግና ናቱ ስነ-መጎት ኣልዒሉ ንእግዚኣብሄር ኣይመጐቶን። ይረድኣዮ ኣይረድኣዮ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዘበለ ዅሉ ኺፍጸም ስለ ዘለዎ፡ ከይተወላወለን ዓይኑ ኸይሓሰየን ናብታ እግዚኣብሄር ዝመርሖ ቦታ ወጸ። ወድኻ ብኻራ ሓሪድካ ብሓዊ መስዋእቲ ጌርካ ምቕራብ ናይቶም ኣረማውያን ኣማልኽቲ እምበር፡ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላከ-ሰማይ ስርዓት ኣይነበረን። ነቲ ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ተጸብዩ ኣብ መበል ሚእቲ ዓመቱ ዝወለዶ እንኮን ዜፍቅሮን ወዱ፡ መገዲ ስለስተ መዓልቲ ተጓዒዙ ኺስውኣሉ ምስ ሓተቶ፡ ካብ ይስሃቅ ንላዕሊ ኣምላኽ ስለ ዚዓብዮ ፈጺሙ ኣይተማትአን። እቲ ንሓጢኣትን ንጽድቅን ዚምልከት ትእዛዛት እሞ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትሓተሉ እኳ ኣየድልየካን እዩ። ምኽንያቱ ግበርን ኣይትግበርንዚብሉ ትእዛዛት ብንጹር ተገሊጹ እዩ። ንሕና ግና ይትረፍ ነቶም ከም ናይ ኣብርሃም ዝበሉ ፍሉይ ምግላጽ ዚሓቱ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ፡ ነቲ ኣብ ቃሉ ብንጹር ዝተነግረና ፍቓዱ ንምፍጻም እኳ እነዕለብጥ ወለዶ ኢና። ስለዚ ኸምቲ ጐይታ ዝበሎ፡ ናይ ክርስቶስ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ምዃን ርሒቕና ንነብር ከም ዘሎና ኣካይዳና ግሁድ መርትዖ እዩ። ክርስትያን ተሰሚኻን ፍቓድ ኣምላኽ ተሓሲምካን ነዛ ቐጣንን ነዋሕን መገዲ ኽትዘልቃ ኣይከኣልን እዩ።

ስለዚ ኸም ኵሎም ቅዱሳንን ከም ቅዱስ ዳዊትን፡ጐይታየ፡ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፡ . . . ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ምግባር ፍቓድካ መሃረኒ፡ ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒንበል (መዝ 40 7, 8 14310) እቲ ሃዋርያዊ ቓልውን፡ምእንት እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኹኑ። . . . እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምስልዋኢሉ ኣዚዙና ኣሎ (ኤፌ 517 ሮሜ 122) ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ዄንና ኽንመላለስ ክርስትያናዊ ጽውዓና እዩ (ቈሎ 412) ከምቶም ፍቓድ ርእሶም ምእንቲ ኺፍጽሙ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ መስዋእቲ ዚገብሩን ዚረግጹን ዓለወኛታት ኣይንኹን። እግዚኣብሄር ከም ልቡን ከም ነፍሱን ዚገብር ሰብ እዩ ዚደልይ (1ሳሙ 235 1314) ከምቲዝኸም ልበይዝተሰምየ ቕዱስ ዳዊት፡ ኣብዛ ሓጻር ምድራዊት ዕድሜና ንፍቓድ ኣምላኽ ኣገልጊልና ንሕለፍ (ግብ 1322,36) ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ውልድነት ዝተዋህበና፡ ኣሕዋትን መዋርስትን ክርስቶስ ክንከውን ዝተዓደልና፡ ንኣምላኽ ፍቓዱ ብምፍጻም ምእንቲ ኸነገልግሎ እዩሞ፡ ነዚ ኣገልገልቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ክርስቶስ ናይ ምዃን ክብሪ ኣይንተሓሰሞን ኣይንኽሰሮን። ኣብዚ ናይ ፍልሰታ ጾምን ጸሎትን ዘሎናዮ እዋን እግዚአብሔር ክረድኣና ኣጸቢቕና ንለምኖ። እግዚአብሔር ይሓግዘና። ኣሜን

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 9 ነሓሰ 2020 (ነሓሰ 3, 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 86/875

እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ። ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ። ወውእቱ ልዑል ሣረራ።

ብዛዕባ ጽዮን ድማ፡ እዝን እትን ኣብኣ

ተወሊዶም፡ ኪበሀል እዩ፡ እቲ ልዑልውን

ባዕሉ ኼጽንዓ እዩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ገላ 41-11

ዲያቆን

ወንጌል ማቴ 1238-ፍጻ

1ጴጥ 16-12

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)

ግብ 112-15

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div