S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣእምሮኦም ከፈተሎም!!

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝዝመር መዝሙርበሰንበት ዐርገ ሐመረ ገሠፀ ባሕረ። ወገሠፆም ለነፋሳት። ወይቤሎሙ ኢትናፍቁ ወኢይምጻእ ኑፋቄ ውስተ ልብክሙ በከመ ፈነወኒ አቡየ አነኒ እፌንወክሙ ውስተ ቤተ አቡየ ብዙኅ ማኅደር ቦቱ፡ ካዕበ እመጽእ ወእነሥአክሙ። ከመ ተሀልዉ ምስሌየ በመንግሥተ አቡየ ዘበሰማያት።ኮይኑ ፡ትርጉሙ ከኣ ፡ብሰንበት ዓረገ ብሓይሊ ንንፋስን ማዕበል ባሕሪ ገንሖ። ስለምንታይከ ትጠራጠሩ ከምዚ ዝብል ሓሳብከ ከመይ ተልዓለ፡ ከምቲ አቦ ንኣይ ዝልአኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ምሳይ አብ መንግስቲ አቦይ ኣብ ሰማይ ክትህልዉ ኢኹም።

እዚ ናይ ዕለት ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ኻብ ዝገለጸልና ዓበይቲ ረብሓታት ትንሳኤ ሓደ፡ ምኽፋት ኣእምሮዩ። ኣብዚ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ቅድሚ ሞቱን ትንሣኤኡን ብኣካል ስጋ ምሳታቶም እናተመላለሰን እናነበረን ከሎ፡ እቶም ሕጊ-ሙሴን፡ ትንቢት ነብያትን መዝሙራት ቅዱስ ዳዊትን ካልኦት ዘመርትን ብዛዕባኡ ዝበልዎ ዅሉ ቓላት በብሓደ እናልዓለ ይገልጸሎም ነበረ። ንመጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ንሕና እንተ መርመርናዮምውን ዳርጋ ዅሉ ትሕዝቶኦም ብዛዕባ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። ነዚ ሓቂ ምግንዛብ ድማ፡ ነቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተገልጸ ምስጢራት ከምዚግባእ ኣብ ምርዳእን እምነትካ ኣብ ምዕባይን ኣዝዩ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ጐይታ ንትምህርቱ ምስ ጽሑፋት  ብሉይ ኪዳን እናዛመደ ዚምህረሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ ነበረ። እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ብነብያት ገይሩ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝተዛረበሉ ምኽንያት፡ እቲ ዝተነግረ ቓል ኪፍጸም ከሎ ምስ ረኣዩ፡ ወይ ከም ዝተፈጸመ ምስ ሰምዑ ምእንቲ ኺኣምኑ ኢሉ እዩ። ናይዚ መረጋገጺ ዝዀነና ድማ፡ ይሁዳ ኸም ዚጠልምን ንደቀ መዛሙርቱ ድማ መከራ ኸም ዚወርዶምን ምስነገሮም፡ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም ኣለኹ” (ዮሃ 1319)ጊዚኦም ምስ በጽሐት፡ ኣነ ኸም ዝበልኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ግና፡ ነዚ (ኣቐዲመ) ነገርኩኹም። ምሳኻትኩም፣ ስለ ዝነበርኩ ኻብ  መጀመርታ ነዚ ዘይነገርኩኹም።ኢሉ ኣፍለጦም (ዮሃ 164)

ኣብ ብሉይ ኪዳንውን ልክዕ እዚ ሓሳባት ተደጋጊሙ ተጻሒፉልና ኣሎ (ኢሳ 485) ስለዚ ትንቢታት ነቶም ኣብቲ ዘመን ዝነበሩ ተስፋ ኪዀኖም፡ ነቶም ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ዝተፈጠርና ድማ ንእምነት ኪዀነና እተጻሕፈ። እዚ ሓቂ ምዃኑ ድማ፡ ኣብቲ ንቤት መቕደስ ቤት ዕዳጋ ካብ ምዃን ዘጽረየሉ መዓልቲ ተገሊጹዩ። ፈሪሳውያን፡ከምዚ ትገብር ካብ ኰንካስ እንታይ ትእምርቱ ኸተርእየና ኢኻ፧ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ ጐይታ ድማ፡ነዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየኢሉ ሓደ ዓብይ ምስጢር ገለጸሎም እቶም ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ዘይተዋህቦም ፈሪሳውያን ፈጺሙ ኺርድኦም ኣይከኣለን። ንሱ ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ ዝተዛረበ ደቀ መዛሙርቱውን ክሳዕ ትንሳኤ ኸም ሰቦም ኣይተረድኦምን ድሕሪኡ ግና፡ስለዚ ኸኣ ካብ ምውታት ምስ ተንስአ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበሎም ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ ኢየሱስ ዝበሎ ቓልን ኣመኑ።ዚብል ምስክርነት ተጻሕፈሎም (ዮሃ 218-22) ቅድሚ ትንሳኤ እንታይ ኰይኖምዮም ነቲ ዝተጻሕፈ ቃል ትንቢትን ነቲ ጐይታ ዝብሎ ቓልን ኬስተውዕልዎ ዘይከኣሉ፧ ኣዝዩ ዜገርም ምስጢር እዩ። ወንጌላዊ ሉቃስ ብዛዕባ ዘይምስትውዓል ናይ ደቀ መዛሙርቱ፡ ደጋጊሙኵላቶም ድማ ብዕብየት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኵላቶም በቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ዅሉ ኼስተንክሩ ኸለው ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪወሃብ ንስኻትኩም ነዚ ነገር ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትውዎበሎም። ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባዚኣ ኣየስተውዓልዎን ከየስተብህልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት እሞ፡ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ።ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ (ሉቃ 1831-34) እዚ ኣበሃህላ ብጣዕሚ ዜፍርሕዩ። እዞም ሕሩያት  ሃዋርያት፡ ዝዀነ ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣይነበሮምን። እቲ ናይ ጐይታ ቓል ድማ፡ ብላዕለ ላዕሊ ክትርእዮ ኸለኻ ብዙሕ ዝተሓላለኸን ከቢድን ኣይመስልንዩ። ናይ ብሓቂ ኸም ዘየስተውዓልዎ ድማ፡ በቲ ድሕሪ ትንሣኤኡ ዘርኣይዎ ዘይምእማን ብዘየጠራጥር መገዲ ተረጋጊጹ እዩ።

ኣብዚ ኸቢድን ዝተናውሐን ዘይምስትውዓል ኸኣ ሳልሳይ ኢድ ከም ዘለዎ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ከምቲ እግዚኣብሄር ምስትውዓልና ንምኽፋት ዚተግህ፡ ኣእምሮናን ምስትውዓልናን ንምድፋን ዚተግህ ሕሱም ጸላኢ ድማ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ እቲ እኩይ ድያብሎስዩ። ንኣእምሮ ሰብ ደፊኑ ካብ ምስትውዓል ዚዓግት ንሱ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡እቲ ወንጌልና ስዉር እንተዀነ ኸኣ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ ዝተሰወረ እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለምዚኣ ንሓሳብ (ንኣእምሮ) ናይቶም ዘይኣምኑ ደፈኖብምባል ገሊጹልና ኣሎ (2ቈረ 43,4) ጐይታናውን ኣብቲምስላ ዘርእን ዘራእንዚብል ምስላኡ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ መገዲ ዝወደቐ ዘርኢ ኣዕዋፍ ከም ዚምንጥላኦ ድሕሪ ምንጋሩ፡ ንእኡ፡ቃል መንግስቲ ሰሚዑ ዘየስተውዕሎ ዅሉ፡ እቲ ኽፉእ (ድያብሎስ) ይመጽእ ነቲ ኣብ ልብ ዝተዘርአ ይምንጥሎብምባል ተርጕሙልና ኣሎ (ማቴ 133-9) ስለዚ ብዘየደናግር መገዲ ብንጹርን ተደጋጋምን ዝስማዕካዮ ቓል ምስትውዓሉ እንተ ተሳኢኑካ፡ እቲ ኽፉእ ድያብሎስ ዕዮ ገዛኡ ኸም ዘስለጠ ርግጸኛ ምዃን ይከኣልዩ።

እምበኣር ከምዚ ዝበለነ አእምሮ ዚደፍን ንዝተዘርኣልካ ዘርኢ ድማ ቦግ ኣቢሉ ዚምንጥል ዝተራቐቐን ሕሱምን ጸላኢ ካብ ሃለወና፡ ኣብ ገዛእ ምስትውዓልና ኽንምርኰስ ከቶ ኣይግብኣናን ናይዚ ጸላኢ ሕሰም ግና በዚ ጥራይ ኣይድረትንዩ። ከምታ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝገበሮ፡ ክፉእ ሓሳብ ናብ ኣእምሮና ኣስሊኹ ብምእታውውን የበላሽወና (ዮሃ 132)

ኣእምሮና እንተተደፊኑን ብርኹስ ሓሳባት እንተተበኪሉን ድማ፡ ኵሉ ኣካይዳና ዚበላሸው መጽሓፍ ቅዱስና ንልብን ኣእምሮን ከም ተተኻኻኢ ቓል ዚጥቀመሉ። ስለዚ ድማ፡ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ (ንኣእምሮኻ) ሓልዎወደየ ልብኻ ሃበኒኢሉ ይምሕጸነና (ምሳ 423 2326) ነዚ ለቢስናዮ ዘሎና ስጋና ቕዱስ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ንህያው፡ ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርና ኸነቕርቦ እንኽእል፡ በቲ ናይ ኣእምሮና መንፈሳዊ ኣገልግሎት እዩ። ኣእምሮና ንኣምላኽ እንተ ዘይተቐዲሱ ግና፡ መስዋእትና ዀነ መቕደስና ብምሉኡ ርኹስ ዚኸውን፡ ስለዚ ነእምሮና ብምሕዳስ ንክርስቶስ ናብ ምምሳል ክንልወጥ እምበር ነዛ ርኽስቲ ዓለም ከይንመስላ ጽኑዕ ሃዋርያዊ መጠንቀቕታ ተዋህበና። ነቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ መርሚርና ኽንፈልጦን ኣብ ህይወትና ኽንነብሮን እንኽእል ኣእምሮና ብብርሃን ትንሣኤኡ ምስ ዚበርህን ምስ ዚፍወስን (ሮሜ 121,2) እቲ ካብ ረብሓ ትንሣኤ ዘይተኻፈለ ሰብ ግና ኣእምሮኡን ዓይነት ህይወቱን እንታይ ከምዚ መስል፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡እምበኣርሲ ኸምቲ ኣህዛብ ብናይ ክንቱ ሓሳቦም ዚመላለስዎ ኸይትመላለሱ፡ እዚ እብል ብጐይታውን እምስክር ኣሎኹ። ንሳቶም ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡ ድንዙዛት ኰይኖምውን ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ።ብምባል ገሊጽዎ ይርከብ (ኤፌ 417-19) እቶም ደቂ ትንሣኤ ግና፡ ኣተሓሳስባ ኣእምሮኦም ብመንፈስ ቅዱስ ተሓዲሱ፡ ነቲ ብመልክዕ ንኣምላኽ ዝተፈጥረ ንኣምላኽ ዚመስል ሓድሽ ሰብ ስለዚለብሱ ብሓቅን ብጽድቅን ብቕንዕናንዮም ዚመላለሱ (ኤፌ 420-24) እቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ኣእምሮኦም ዝጸልመተ ሰባት፡ ብናይ ዓለም ትምህርትን ጕዳያትን ኣዝዮም ሊቃውንቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠት ኣእምሮኦም ግምት ሂቦም ኬቋጽርዎ ስለዘይፈቕዱ ግና፡ እግዚኣብሄር ከኣ በቲ ጻድቕን ፍትሓውን ፍርዱ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ይህቦም (ሮሜ 128) ነቲ ዘየስተውዕል ልቦም ከም ሲኦል የጸልምቶ እሞ፡ ለባማት ዝዀኑ እናመሰሎም፡ ብዘለኣለማዊ ዕሽነት ይወሓጡ (ሮሜ 121-23)

ዝኸበርካ ፍቁር ክርስትያን፡ ናብ ርእስኻ ምልስ በል ብዝተኸፍተ ኣእምሮ ወይ ከኣ ብዝተደፍና ኣእምሮ ትመላለስ ምህላውካ ርእስኻ መርምር። ብርሃን ትንሣኤኡ ኣብ ኣእምሮኻ ኣብሪሁልካዶ ይኸውን፧ ወይስ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ከም ሓደ ተራ ፌስታ (ጽምብል) ኣብዒልካ እትሓልፎ ማሕበራውን ባህላውን ተርእዮ ጥራሕዩ። ጐይታና ነቶም ምሉእ ህይወቶም ዝወፈዩሉ ቕዱሳን ሃዋርያት ነቲ ብፍርሃት ዝተደፍነ ኣእምሮኦም ከፊቱ ብብርሃን ትንሳኤኡ ምስ ደጕሖ፡ ንኹሉ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዕምቈት ኣስተውዓልዎ፡ ዓይነት ህይወቶም ድማ ኣዝዩ ተለወጠ። ስለዚ ንስኻውን ኣብቲ ባህርያዊ ምስትውዓል ናይ ኣእምሮኻ ኣይትመርኰስ። ብሓቂ ኣብቲ ክርስቶስ ርእሲ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝቖመ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ኣእምሮኻ ብክርስቶስ ከም ዝተኸፍተ፡ ብርሃን ትንሳኤኡ ኸም ዝበርሃሉ፡ ሓሳብ ትንሳኤ ኺሓስብ፡ ነቲ መቕደስን መስዋእትን ዝዀነ ስጋኻ ድማ ናብራ ትንሳኤ ኺነብር ከም ዘኽእሎ ኣረጋግጽ። ናብዚ ጸጋ ገና ዘይበቓዕካ እንተ ዄንካ ድማ፡ ነቲ ንሱ በይኑ ንኣእምሮ ኪኸፍት ዚኽእል ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቕኑዕን ቅቡልን ጸሎት፡ ! ንጉስ ትንሣኤ፡ ነዚ ምስትውዓል ዝረሓቖ ዕጹው ኣእምሮ ይክፈተለይኢልካ ተማሕጸኖ!! ንሱ ደንጋጽን መሓርን ብረብሓ ትንሣኤኡ ኪባርኸካ እዩ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥   ሰንበት ግንቦት 31, 2020 (ግንቦት 23, 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 101-13

1ጴጥ220-25

ግብ 16-11

ዮሐ 141-12

ዘዴስቆሮስ/፫፻ት

ናይ መዓልቲ ስብከት

መዝ 67/6832-33 “ነገሥተ ምድር ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር። ወዘምሩ ለአምላክነ። ዘምሩ ለእግዚአብሔር ዘዓርገ ውስተ ሰማይ።

አቱም መንግስትታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ እንሆ፣ ንሱ ንድምጹ፣ ነቲ ብርቱዕ ድምጹ፣ የስምዕ ኣሎ።

ካህን ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን

ሕዝብ ብዓቢይ ኃይል ወሥልጣን

ካህን ኣሠሮ ለሰይጣን

ሕዝብ ኣግዓዞ ለኣዳም፡

ካህን፦ ሰላም

ሕዝብ እምይእዜሰ 

ካህን፦ኮነ

ሕዝብ ፍሥሓ ወሰላም

ካህን ክርስቶስ ካብ ሙውታት ተንሲኡ

ዝቢ ብዓብይ ሓይልን ስልጣን

ካህን ኣሰሮ ንሰይጣን

ዝቢ፡ ንኣዳም ፈትሖ

ካህን፦ ሰላም

ዝቢ፦ ካብ ሕጂ ንዳሓር

ካህን፦ ይኹን

ዝቢ፡ ፍስሓን ሰላምን

Priest: Christ is risen from the dead

People: In great power and authority  

Priest: He bound Satan

People: And  freed Adam

Priest: Peace

People: Henceforth

Priest: Let there be

People: Joy and Peace

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div