S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንስኻ ግዳ ስዓበኒ!!

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ። ዛቲ ዕለት ንትፈሣሕ ባቲ። ንትፈሣሕ ባቲ ወንትኀሠይ ባቲ። ትርጉምእዛ ዕለት እዚኣ ቅድስት እያ። በዛ ዕለት እዚኣ ንዑ ንተሓጐስ።ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን።ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታና፡ ነቶም ብኸንቱ ሃልኪ ብጥምየት ሃለፍ ዝበሎም ደቀ መዛሙርቱንዑ ተመስሑኢሉ ድሕሪ ምዕንጋሉ፡ መገብቲ መጓሴኡ ኪዀኑ፡ ነባጊዑ ዀነ ንዕያዉቱ ብምምጋብን ብምሕላዉን ነቲ ብሉጽ ፍቕሮም ኪገልጹሉ ተማሕጸኖም።

ጐይታና፡ ሃዋርያ ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣዝዮም ከም ዜፍቅርዎ ዝዀነ ጥርጥር ኣይነበሮን። ነታካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧እትብል ሕቶ ደጋጊሙ ዝሓተቶም፡ ደጊሞምነዚ ሰብኣይ ኣይፈልጦንከይብልዎ ዝዀነ ዓይነት ስግኣት ስለ ዝነበሮ ኣይኰነን። ንፍቕሮም ዜብልጾ እንታይ ምዃኑ ግን ሓድሽን ነባርን መገዲ ኺገልጸሎም ደለየ። ሃዋርያ ጴጥሮስ እታ ሕቶ ምስ ተደጋገመት፡ እታ ገና ዝኽራን ቃንዛኣን ዘይሃሰሰ ሓዳስ ቍስሊ ተጐዲኣቶ፡ ጓሂ ኺስምዖ ጀመረ። ጐይታ ነዛ ሕቶ ዝደጋገማ፡ ነቲ ብመሪር ብኽያት ዝተኣትወ ሓቀኛ ንስሓ ስለ ዘይተቐበሎ፡ ነታ ናይ ክሕደት ቍስሊ ኺሓክካ ስለ ዝደለየ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ግና ነታ ሕቶ እምበር፡ ነቲ ድሕሪ ዝሃቦ አዋንታዊ መልሲ ዝተዋህቦ ጽውዓን ተልእኾን ብዙሕ የድህበላ ኣይነበረን። ጐይታ ግና ካብቲ ተወራሲ ናይ መጋቢነት ባህርዩ ኼካፍሎ ይጋደል ነበረ። ጐይታ ብመጋብነቱ ነቲ ናይ ለይቲ ምሉእ ድኻሞምን ስግኣቶምን ከም ዝፈወሰሎም፡ እቶም ነዚ ዕላማ ብሃዋርያት ኬገልግሉ ዝተሓርዩ ደቀ መዛሙርቲ ድማ፡ ነቲ ንሱ ብሕድሪ ዝሓደገሎም መጓሰ ሕያዎት መገብቲ ዀይኖም ብልጫ ናይቲ ንእኡ ዘለዎም ፍቕሪ ኼንጸባርቑ ኣዘዞም።

እቲ ናይ ሕቶን መልስን መስርሕ ምስ ተወድአ ጐይታና፡ ቅድሚ እዋንዚኣን ድሕሪ እዋንዚኣን፡ ኣብ ህይወት ሃዋርያ ጴጥሮስ ዚህልው ዓብይ ፍልልይ ኪገልጽ ጀመረ። ንህይወት ሃዋርያኡ ድማ ኣብ ክልተ ኸፊሉ ተንተኖ። እቲ ቐዳማይ ናይ ብጽሕና (ጕብዝና) ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ናይ እርጋን ነበረ። እዚ መግለጺ ግና ብዛዕባ መንፈሳዊ ህይወቱ እምበር ብዛዕባ ስጋዊ ዕድሚኡ ዘይምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ጐይታና ብብጽሕና ዝገለጾ ዓይነት ህይወት ነቲ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ምኻድዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንፍቓድ ጐይታኻ ዘይኰነስ ንፍቓድካ ምግልጋል ማለት እዩ። ተዋሂብዎ ዘሎ ማዕርግኣገልጋሊ ክርስቶስ፡ ሃዋርያ ክርስቶስዚብል እዩ። ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ ኰይኑ ግና ዝደለዮ ዕጥቂ ተዓጢቑ ናብ ዝደለዮ መገዲ ይኸይድ ምንባሩ ገለጸሉ። እዚ ቕዲ ህይወት ኣዝዩ ሓደገኛን ንስዕረት ዚምጥውንዩ።መንና ዀን ይዓብይ፧እናበሉ ኺወዳደሩ ዝገበሮም እዚ ብጽሕና (ሉቃ 946 2224) ጐይታና ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ብግልጺ ምስ ነገሮም ሃዋርያ ጴጥሮስ ንጐይታ ንበይኑ ፍልይ ኣቢሉ፡ይባልህካ እባ ደኣ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ!!” ኢሉ ንጐይታኡ ኺገንሕ ዘድፈሮ ድማ ንሱ ብጽሕና (ማቴ 1621-23) ብጽሕና ሕሱምዩ፡ ሓሳብ ሰብ እምበር ሓሳብ ኣምላኽ ክትሓስብ ኣይፈቕደልካንዩ።ሃዋርያተባሂልካ ብዝተሰሜኻሉ ልሳን፡ሰይጣንክትስመይ ዚገብር፡ስዓበኒተባሂልካ ብዝተዓደምካሉ ልሳንካባይ ርሓቕተባሂልካ ኽትስጐጕ ኣሕሊፉ ዚህብዩ። መዓስ እዚ ጥራሕ። እቲ ንጽባሕ ጥራይ ዘይኰነስ ንዘለኣለም ኸም ከብዲ ኢዱ ዚፈልጣ ጐይታ፡ብኣይ ክትዕንቀፍ ኢኻ፡ ከም ዘይትፈልጠኒ ጌርካ ኽትክሕደኒ ኢኻምስ በለካ፡ጐይታይ ባልሃኒ እባ ደኣ፡ እዝስ ኣይብጽሓኒ፡ ብጽንዓትካ ኣጽንዓኒ፡ ንዓቕመይ ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒኢልካ ብመሪር ብኽያት ኣብ እግሪ ጐይታኻ ወዲቕካ ኣብ ክንዲ ትግዕር፡ጐይታይ መን ምዃነይ ዝፈለጥካ ኣይትመስልን ኢኻብዝዓይነቱ ስምዒት፡ኵሎም ብኣኻ እንተ ተዓንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን ብዚብል ትምክሕቲ ኽትግተር ይገብረካ። ንዓኻ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ይጠቕም ይኸውንኢሉ ብሕያውነቱበዛ ለይቲዚኣ ደርሆ (ሓንሳእ) ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻእንተ በለካ ድማ፡ ጭራሽ ልብኻ ኣትሪርካ፡ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነውን፡ ከቶ ኣይክሕደካንኢልካ ነቲ ፈላጥ-ኵሉ  “ተጋጊኻክሳዕ ምባል ይድርኸካ (ማቴ 2633-35) ድሕሪ መዓልታት እኳ ኸይከውን ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ግና እቲ ምስ ጐይታ ኽትማጐት ዘድፈረካ ብጽሕና፡ ባዕሉ ይደፍረካ። ንውርደትካ ምእንቲ ኼዕብዮ፡ ብዕጡቕ ዓቀይታይ ዘይኰነስ ብገንዘብ ብእተዓደገት ገረድ ገይሩ፡ ነቲ ፈቲኻ ዝተዓጠቕካጽፉፍዕጥቅኻ ብቐሊሉ ይፈትሖ። ንኽትዋግኣሉ ተዓጢቕካዮ ኸተብቅዕ፡ ንማለቱ ከይፈተንካዮ፡ ዕጥቅኻ መዋግኢኻ ዘይኰነስ መላገጺኻ ይኸውን። እታ ተጻባኢትካ ገረድ፡ኢየሱስ ናዝራዊኢላ ዝጸውዓቶ ስም ምጽውዑ ኸቢዱካ፡እዚ እትብልዮ ዘለኺ ሰብኣይ ኣይፈልጦንእናበልካ ንርእስኻ እናረገምካ ትምሕል (ማቴ 26 69-75) ብጽሕና ስጋ፡ ዕጥቂ ስጋ ኽንደይ ኰን ሕሱም!! ካልእ ሕሰም ናይ ብጽሕና ድማ፡ ኣበየናይ ሰዓት፡ ክንደይ ሳዕ ከም እትኽሕድ ብግልጺ ተነጊሩካ፡ እንደገና ድማ፡ “ (እዚ ተዓጢቕካዮ ዘለኻ) ስጋ ድኹም፡ መንፈስ ግና (ንረድኤትካ) ተዳልዩ ኣሎሞ፡ ናብ (ዘይትወጾ) ፈተና ኸይትኣትውስ፡ ንቓሕን ጸልይንዚብል ንጹር መጠንቀቕታ ተዋሂቡካ ኼብቅዕ ድማ ብጽሕናኻ ኣብ ልዕሊታ ሚሔን መጻወድያን በጥ ኢልካ ናይ ውርደት ሰዓታትካ ኽትጽበየን ይገብረካ (ማቴ 2640-46) እምበኣር ጐይታና ንቕዱሳን ሃዋርያቱ ኻብ ከምዚ ዝበለ ንውድቀትን ንውርደትን እምበር ንኻልእ ዘየገልግል ብጽሕና ምእንቲ ኼናግፎም ብሕያውነቱ ንሳልሳይ ጊዜ ዝተገልጸሎም።

ንፍቓድ ስጋኻ ምስ ኣረግካ ግና፡ ታሪኽካ ኣዝዩ ዝተፈልየን ዝኸበረን ዚኸውን። ኣብቲ ባህርያዊ ናይ ስጋ እርጋን ኵሉ ጊዜ ኸም ንዕዘቦ፡ ኣብ ጊዜ ብጽሕናኻ እትገብሮ ዝነበርካ፡ ኣብ ጊዜ እርጋንካ ፈጺምካ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንእኡ ምግባር ዘይሓውይ ሃስያ ኸም ዜምጽኣልካ ስለ እትፈልጥ ከም ሓሳብ ከም ሃቐና ብኣምሮኻ ኣይሓልፍንዩ። ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ንፍቓድ ስጋኻ ምስ ኣረግካ ባዕልኻ ንርእስኻ ምዕጣቕን ናብ ዝደለኻዮ ምኻድን ደኣ ኢኻ ትገድፎ እምበር ብዘይ ዕጥቅን ብዘይ ተልእኾንሲ ኣይትኸውንን ኢኻ። ሽዑ ጐይታ ንስኻ ዘይትፈልጦ ዕጥቂ ባዕሉ የዕጥቐካ፡ ናብ ቅድሚ ሕጂ ዘይትፈልጦን ዘይትደልዮን ቦታ ይወስደካ። ባርያ ፍቓድካ ካብ ምዃን ኣናጊፉ ባርያ ፍቓዱ ይገብረካ። ነቲ ንሱ ዜዕጠቐካ ዕጥቂ ይትረፍ ሓንቲ ገረድ፡ ከም ጐልያድ ዝበለ ዕጡቕ ጸላኢ እኳ ኺፈትሖ ኣይክእልንዩ። ጸላኢ፡ ርሱን ናይ ሓጢኣት መንትግ ምስ ወርወረልካ፡ ብዋልታ እምነት ተምክኖ፡ ብሰይፊ ቓል ወንጌል ትወግኦ፡ ብዕጣቕ ሓቂ ንሓሶት ኸንቱ ትገብሮ፡ ብድርዒ ጽድቂ ንፍላጻ ዓመጻ ትምክቶ፡ ወንጌል ሰላም ከም ኣሳእን ወዲኻ ኣብቲ እሾኽ ዝተዘርኦ ምድሪ ብዓወት ትስጕም (ኤፌ 611-17) ጐይታና ግና ነቶም ንፍቓድ ርእሶም ዘይኣረጉ ሰባት ነዚ ኽቡር ደሙ ዝኸፈለሉ ኽቡር ዕጥቂ ኸቶ ኣይህቦምዩ። ዕጥቅን ተልእኾን ናይ ኣምላኽ፡ ብጽሒት ናይቶም ንፍቓድ ኣምላኽ ዝጐበዙ ንፍቓድ ርእሶም ዝኣረጉ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንብጽሕና ስጋ ደርብዩ ብጽሕና መንፈስ ምስ ተዓጥቀ፡ ንኣምላኽ ኢዱ ኣልዒሉ ምስ ተማረኸ እሞ እግዚኣብሄር ብመንፈስ ቅዱስ ኣጽዋር ብርሃን ምስ ኣዕጠቖ፡ ካልእ ሰብ ተሰርሐ። ብታህዲድ ኣግራድ ዚርዕድ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ብትብዓቱ ንዋዕላ ኣይሁድ ኣስክሐ (ግብ 413,19,20) ብዛዕባ መከራ ኺሰምዕ ከሎይባልሃናእናበለ ዜስካሕክሕ ዝነበረ፡ ኣብ ዋዕላ ኣይሁድ ነርብዓ ሓደ ጐደል ተገሪፉ ሰብነቱ ደም እናነዝዐ ኸሎ፡ ብሓጐስን ብሓበንን ካብ ቅድሚ ዋዕላ ርእሱ ኣቕኒዑ ወጸ (ግብ 527-29,40-42) ጐይታ ነዛ ታሪኽዚኣ ምእንቲ ኺሰርሓሉንስኻ ግዳ ሰዓበኒዝበሎ።

ዝኸበርካ ፍቁር  ክርስትያን እዛ መለኮታዊት ጽውዓ ኣብ ጕንዲ እዝንኻ ደዀን ተቃልሕ ትህልው፧ እንሆ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንጐይታኣ ወኪላ ትነግረካ ኣላ!! ንፍቓድ ርእስኻ ኽትኣርግ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ናይ ምኻድ መንፈሳዊ ሽፍትነት ክትሓድጎ እንሆ ትዕደም ኣለኻ!! ባርያ ፍቓድካ ምዃን ናብ ውርደትን ስቓይን ናይ ገሃነም ንዘለኣለም ዚነቑት። ንክርስቶስ ሰዓቢኡ ዘይኰነስ ዓንቃፊኡ ገይሩ ዜበላሽውዩ። ናይ መወዳእታ ጻማኻ ድማ ካባይ ርሓቕ ሰይጣንዚብል ዚኸውን። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ቅዱሳን መላእኽቲ ናይ ምዃን ኽብሪ እናተጸበየካ ኸሎ፡ ንምንታይ ከም ኣጋንንቲ ኣብ ገሃነም ንዘለኣለም እትሳቐይን እትዋረድን፧ ነዚ ዓሻ ምርጫ ደርብዮ እሞ ቀልጢፍካ ንክርስቶስ እረግ!!  ኣእዳውካ ናብ ኣምላኽ ኣልዒልካ ተማረኽ!! ጐይታኻ ብመንፈስ ቅዱስ ኣጽዋር ኣምላኽ ኬዕጥቐካ፡ ስጋኻ ፈጺሙ ናብ ዘይመርጾ ዘየጣዕስ መፈጸምታ ኺመርሓካዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ኵሉ ቦታ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታትንስኻ ግዳ ሰዓበኒኢሉ ብመንፈስ ቅዱስ ይጽውዓካ ኣሎ እሞ፡ ብመነባብሮኡ ዘይጠላለፍ እሙን ሰዓቢ ኹን። እቲ ንሰዓብቱ ዚጻማ ዝህብ ጐይታ ክብርኻ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት ግንቦት 24, 2020          (ግንቦት 16, 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

2ቆሮ  51-10

1ጴጥ 44-11

ግብ 1039-43

ዮሐ 211-14

ዘዴስቆሮስ

ናይ መዓልቲ ስብከት

መዝ 117/118:24-25 “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። እግዚኦ አድኅንሶ።

እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን።ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣድሕን ኰታ፣ ኣታ እግዚኣብሄር፣ ኣሰልጥን ኰታ።

ካህን ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን

ሕዝብ ብዓቢይ ኃይል ወሥልጣን

ካህን ኣሠሮ ለሰይጣን

ሕዝብ ኣግዓዞ ለኣዳም፡

ካህን፦ ሰላም

ሕዝብ እምይእዜሰ 

ካህን፦ኮነ

ሕዝብ ፍሥሓ ወሰላም

ካህንክርስቶስ ካብ ሙውታት ተንሲኡ

ዝብ፦ ብዓብይ ሓይልን ስልጣን

ካህን ኣሰሮ ንሰይጣን

ዝብ፦ ንኣዳም ፈተሖ

ካህን፦ ሰላም

ዝብ፦ ካብ ሕጂ ንዳሓር

ካህን፦ ይኹን

ዝብ፦ፍስሓን ሰላምን

Priest: Christ is risen from the dead

People: In great power and authority  

Priest: He bound Satan

People: And  freed Adam

Priest: Peace

People: Henceforth

Priest: Let there be

People: Joy and Peace

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div