S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንዑ ተመስሑ!!

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

እዚ ሓሙሻይ ሰንበት ድሕሪ ትንሣኤ እዩ፡ ኣብዚ ዕለት ዝዝመር መዝሙር ከአአርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት። አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት፡ ንጉሠ ነገሥት ወእግዚአ አጋእዝት።ትርጉሙ ከኣ ኣርአየ ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ሞት። አርአየ ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ሞት። ናይ ጐይቶት ጐይታ ናይ ነገሥታት ንጉሥ ንስኻ ኢኻ፡፡

ድስቲ ቤተ ክርስትያን ንሎሚ ኣብ ዝሰርዓትልና ናይ ወንጌል ንባብ ከም ዘንበብናዮ፡ ጐይታና ኽልተ ጊዜ ብእኩባቶም ተገሊጹ፡ ህያው ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም ኬብቅዕ፡ ገለ ኻብ ሃዋርያት ዘይትጽበዮ ስጕምቲ ኺወስዱ ተራእዩ። ጐይታና ንሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን ሓው እንድርያስን መርከቦም እናሓጸቡን እናኣዐረዩን ከለው፡ሰዓቡኒኢሉ ካብቲ ንስድራኦም ዚጥውሩሉ ሞያ ምግፋፍ ዓሳን ብቐንዱ ኻብ ስድራ ቤቶምን ፈልዩ ወሲድዎም ነበረ (ማቴ 418-20) ካባታቶም ሕልፍ ኢሉውን ንያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ፡ሰዓቡኒኢሉ ምስ ጸውዖም ነቲ ሽማግለ ኣቦኦም፡ ነቲ ሞያኦምን ጃልባኦምን ሓዲጎም ሰዓብዎ (ማቴ 421-22) ጐይታና ምሳታቶም ኣብ ዝነበረለን ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዓመታት፡ ናብ ጃልባኦም ሞያኦምን ኰነ ናብ ስድራ ቤቶም ኣይተመልሱን።

ጐይታ ግና ካብ ሞያኦምን ስድራኦምን ጥራይ ኣይፈለዮምን። በብኽልተ ገይሩ ንዕዮ ወንጌል ኪልእኮም ከሎ፡ ናይ ወርቂ ዀነ ናይ ብሩር ገንዘብ ቋጺሮም ከይማልኡ፡ ካብኡ ሓሊፎምውን ቀለብን ቅያር ሳእንን ክዳውንትን ከይወስዱ ኸልከሎም። ንርእሶም መከላኸሊ ዚኸዉን በትሪ ኸይሕዙ ድማ ኣዘዞም (ማቴ 109,10) ንሓደ ሰሪሑ ብርሃጽ ገጹ ዚምገብ ዚመስሎ ሰብ እዚ ትእዛዝ እዚ ኣዝዩ ኸቢድ ትእዛዝ እዩ። ቀለብን ገንዘብን ምምላኦም ሓጢኣት ስለ ዝዀነ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣምላኽ (ኣብኡ) ዘለዎም እምነትን ትውክልትን ኬዕብዮ ዝተጠቕመሉ መለኮታዊ ጥበብ እዩ። ምኽንያቱ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ እቶም ወንጌል ዚሰብኩ ብወንጌል ኪምገቡ ሰሪዑሎም ነበረ። ርትዓውነት ናይዚ መለኮታዊ ሕጊ ንምርግጋጽውን፡ኣየናይ ዓቀይታይ ገዛእ ገንዘቡ እናተመገበ (ንጐይታኡ) ዚኽተል፧ ወይኒ ተኺሉስ ፍሪኡ ዘይበልዕከ መንዩ፧ ወይስ እናጓሰየ ኻብተን ዚጓስየን መጓሰ ጸባ ዘይሰትይ መንዩ፧ዚብል መጎታዊ ቓል ተጻሒፉልና ኣሎ (1ቈረ 97,9) ኣብ ምድራውን ስጋውን ዕዮ ዘይተገብረ ኣሰራርሓ፡ ኣብ መለኮታውን ሰማያውን ኣገልግሎት ኪግበር ምሕሳብ፡ ባህርይን መንነትን ናይቲ እትስዕቦ ዘለኻ እምነትን ጐይታን ዘይምስትውዓልካ ዜመልክትዩ። ጐይታና ነዛ ሓቂዚኣ፡ ካብታ ንርእሱ ዝጸውዖምን ዝፈልዮምን መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ኼስርጻ ይደልይ ነበረ።

ነዛ ሓቂዚኣ ምስትውዓሎምን ዘይምስትውዓሎምን ኬረጋግጽን ደጊሙ ኼዘኻኽሮምን ስለ ዝደለየ፡ ኣብታ ምስጢረ ቍርባን ሰሪዑ ናብ ጌተ ሰማኔ ዝተበገሰላ ሓሙስ ምሸት፡እቲ ብዘይ ማሕፉዳ፡ ብዘይ ስንቂ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲ ገለዶ ጐዲልኩም፧ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይጐደሎም ብቕንዕና ተኣመኑ (ሉቃ 2235)ጐይታ ንምንታይ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ሰዓት ነዛ ሕቶዚኣ ኣልዒልዋ፧ኢልና ኽንሓትት ይግብኣናዩ። ኵሉ ዚፈልጥ ፍጹም ኣምላኽ ስለ ዝዀነን፡ ብዘይካ ሓጢኣት ንኻልእ ኵሉ ድኻምና ዝተኻፈለን ዚርድኣናን ፍጹም ሰብ ስለ ዝዀነን፡ እዚ ናይ መሰረታዊ ጠለባት (Basic needs) ነገር፡ ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን ከም ዜሸግሮም ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ነበረ።

ኣይደንጐየን ከኣ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ክልተ ጊዜ ብእኩባቶም ተራእይዎም ክነሱ፡ ማሕበራዊ ውሕስነቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ዀይኑ ስለ ዝተሰምዖም፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኪሓልዩ፡ ናብቲ ቐደም ቀቢጾም ዝሓደግዎ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ሞያኦም ኪምለሱ ተላዕሉ። እቲ ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ዝተዋህቦም መንፈሳዊ ሞያ ዘብቅዐ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ነበረ። እቲ ብዅሉ ነገሩ፡ ማለት ብጽውዓ፡ ብተኣምኖ፡ ብኽሕደት ወዘተ ቐዳማይ ዝነበረ ርእሰ ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድብምባል ነቶም ድሮ ልቦም ከምኡ ሓሳብ ኬሰላስል ዝጸንሐ ብጾቱ ደገ ኸፈተሎም። ንሳቶም ድማ ምስኡ ኸዱ እንተ ዀነ እቲ ምርጫኦም ኣይሰመረሎምን። መርበቦም ሰበባ እምበር ሓደ ዓሳ ኣይሓዘን። እቲ ቕድሚ ሕጂ ኣብ ስእነቶም ብበረኸት ተገሊጹ ሞያኦም ዝለወጠሎም (ሉቃ 51-11) ጐይታ ድማ ንረዲኤቶም ደጊሙ ተገልጸ።ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ ኣሎኩም፧ኢሉ ሓተቶም። ልዑል ናይ ምግፋፍ ዓሳ ተመክሮ ዝነበሮም፡ ደቂ ባሕሪ ገሊላ ዝዀኑ ሾብዓተ ጠላዓት ሰብኡት፡ ይትረፍ ንሾብዓቲኦምን ንስድራኦምን ዚኸውን ዚብላዕ ኪረኽቡ፡ ንኸስዐ ሓደ ሰብኣይ ዜዐንግል ምግቢ እኳ ኣይነበሮምን። ምኽንያቱ እቲ መጋቢ ዅሉ ፍጥረት ኢዱ እንተ ዘይዘርጊሑልካ፡ ክትረክብን ክትእክብን ኣይከኣልንዩ። ምግቢ ዕለት ዚህብ ጐይታ እምበር ባሕሪ ወይ ምድሪ ኣይኰነን። መርበቦም ንየማን ኪድርብዩ ነጊርዎም ምስ ተኣዘዙ ግና፡ መርበቦም ኪጾሮ ዘይክእል መጠን ዓሳ ረኺቡ። ንፍጡራቱን ፍቁራቱን ምእንቲ ኺምግብ ድዩ በቲ መለኮታዊ ስልጣኑ ነቶም ዓሳ ኸካብ ዘለውዎ ጸዊዑ ኣኪብዎም ወይስ ሽዑ ፈጢርዎም ንሱ ጥራይ ዚፈልጦ። ንሱ ኸይሃቦ ዚረክብን ዚዕንገልን ፍጡር ከም ዘየልቦ ግን፡ መጋቢነቱ ብግብሪ ኣረጋገጸ። እቲ ፍቁር ወደ መዝሙር ድማ፡ ብመልክዑን ብድምጹን ኬለልዮ እንተ ዘይከኣለ ብግብሩ ኣለልይዎስጐይታና እምበርበለ። መርበቦም ኪጾሮ ዘይክእል በረኸት ሓፊሶም ክነሶም፡ ካብ ክብደቱ ዝተላዕለ መርበቦም ከይተቐድደ ምስ ተረፈ ንመርበቦም ዘጽንዓሎምውን ንሱ ምዃኑ ተገንዘቡ። ናብቲ ጐይታኦም ዘለዎ ደንደስ ባሕሪ ምስ መጹ ግና፡ ካልእ ተኣምር ጸንሖም፡ ዝተኣጕደ ጓህሪ ሓውን፡ ኣብ ልዕሊኡ ዚጥበስ ዓሳን፡ መቛስዪ እንጌራን ረኸቡ። ነቲ ሓዊ መን ኣጐዶ፧ መዓስከ ተኣጕደ፧ እቲ ዓሳኸ ካበይ መጸ፧ ነቲ እንጌራኸ መን ሰንከቶን ኣምጽኦን፧ ነገሩ ኸይተሓተተ ዝተመለሰ፡ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ ነበረ፡ ብሕም ኪብልን ደፊሩ ኺሓትትን ዝተረኽበ ኣይነበረን። ሕያዋይ መጋቢ እዩሞ፡ ካብቲ እንጌራን ጥቡስ ዓሳን ዓዲሉ ዓንገሎም። ደቂ ትንሳኤ ስለ ዝኰኑ፡ እቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአን ጐይታ ናይ ዕለት እንጌራኦም ምስናይ ትርፉ ሃቦም።

ነቶም ብሓቂ ደቂ ትንሳኤ ዝዀንና ዅልና እዚ ዓብይ ተኣምር ኣርእስቲ ስብከትናን ትምህርትናን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ክፍልናን ብጽሒትናን እዩ። እቲ ንጉስ ትንሳኤ ነቶም ንትንሳኤ ናብራኦምን መንነቶምን ዝገበርዎ ደቁ፡ ብሓቂ እሙን መጋቢ እዩ። ንመርበብና ዚመልኦን ከይቅደድ ዜጽንዖን ንሱ እዩ። ጕልበትናን ሞያናን ኣይኰነን ዚቕልበና። ደቂ ትንሳኤ ነዛ ሓቂዚኣ እንተ ረሲዖምዋ፡ ካብ ዚጸግብዎ እንጌራ ንላዕሊ፡ ዚጸግብዎ ጭንቀት ዚበዝሕ። እዞም ደቂ-ትንሳኤ ሃዋርያት፡ መርበቦምን ባሕሮምን ዚቕልቦም መሲልዎም ለይቲ ምሉእ ድኽም ሓዲሮም፡ ነተን ኣብ ውሽጦም ተኸዚነን ዝነበራ ብካሎሪ ዚዕቀና ጸዓት ደኣ ኣህሊኾምወን እምበር ኪምገቡ ኣይከኣሉን። ይትረፍ ኣብዛ ብዙሕ ዘሪእካ ሒደት ዚሕፈሳ ዝተረግመት ዓለም፡ ኣብታ እትመጽእ ሰማያዊት ዓለም እኳ ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜገልግለና፡እቶም ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ፡ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣንዮም ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቕምጦም፡ ቀሪቡውን ከም ዜገልግሎም ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።ብምባል ኣረጋጊጹልና እዩ (ሉቃ 1236) ነቶም ምግቢ ነፍሲ ኺምገቡ ደልዮም ደድሕሪኡ ናብ በረኻታት ዝሰዓብዎ ህዝቢ ኣመልኪቱ፡እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እሞ፡ ዚበልዕዎ ስለ ዘይብሎም የደንግጹኒ ኣለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ ጾሞም ከሰናብቶም ኣይፈቱንየ።ዝበሎ ቓል፡ መጋቢነት ናይዚ ንጉስ ትንሳኤ ብንጹር ዚገልጸልና እዩ (ማቴ 1532) ነቲኣሎኢልካ ኣብ ግምት ከተእትዎ ዘይትኽእል መጠን ምግቢ ብተኣምር ባሪኹን ኣብዚሑን ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ትሽዓተ ሽሕ ሰብኡት ዚርከብዎም ማእለያ ዘይብሎም ቈልዓ ሰበይቲ ኣጽጊቡ፡ ልዕሊ 19 መሶብ ዘትርፈ መጋቢ ኸኣ (ማቴ 1415-21 1532-39) በቲ ዅሉ ዚኽእልን ደንጋጽን ባህርዩ ተደሪኹ፡ ጭንቀትና ንኺፍውስ ድማ፡ንህይወትኩም ብእትበልዕዎን እትሰትይዎን ንስጋኹም ብእትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ። እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም ኢሉ ተዛረበና (ማቴ 625,33) ነቶም ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ቀዳምነት ዚህቡ ደቂ ትንሳኤ ምግብን ክዳንን ወሰኽ (ለጠፍ) እምበር ቀንዲ ነገር ኣይኰነን። ነቶም ዘይደቂ ትንሳኤ ግን፡ ምግብን ክዳንን ቀዳምነቶም ጽድቂ ግና ለጠፍዩ። እቶም ደቂ ትንሳኤ እታ ናብ ባሕሪ ዝደርበይዋ መርበቦም በረኸት ሒዛ ኽትመጾም ከላ፡ ነቲ ወሃቢ፡ ጽቡቕ ገይሮም ስለ ዚፈልጥዎጐይታና እምበር (ዝሃበና)” እዮም ዚብሉ። መኣዲ ኪቕረቡ ኸለው ድማ፡ ነቲንዑ ተመስሑዚብል ድምጹ ይስምዕዎ። እቶም ደቂ ዓለም ግና፡ጨቐቕ ኢለ፡ ደም ርሂጸ ዘምጻእክዎ እምበር፡ ከም ቈጽሊ ካብ ገረብ ቀንጢበ ኣየምጻእክዎንኢሎም ነቲ መጋቢኦም ይጀሃርሉ። ነቲ ንጻድቃንን ንረሲኣንን ብማዕረ ዜናብር መጋቢነቱ ፈትዮም ይኽሕድዎ። ደቂ ትንሳኤ ዲና ደቂ ዓለም፧ ኣብ ዝወፈርናሉ ዓውዲ ሞያ፡ ናብቲ ዜብልዓና ሞያ ኢድና ክንዝርግሕ ዝነገረና ድምጹ፡ ነቲ ንዑ ተመገቡ፡ንቐደም በሉኢሉ ዝመገበና ሕያውነቱ ንስምዖን ነቕልበሉ፡ ካባኡ ሓሊፍና ንሕያውነቱን መጋብነቱን ዚምጥን ምስጋናን ክብርን ንህቦ ደዀን ንህልው፧ ኣቱም ደቂ ትንሳኤ፡ንዑ ተመስሑ፡ ንቐደም በሉ”!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥   ሰንበት 17 ግንቦት 2020 (ግንቦት 9, 2012 ግእዝ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ቆሮ  1550-58

1ዮሐ 33-24

ግብ 222-32

ዮሐ 2115-25

ዘዴስቆሮስ

ናይ ዕለት'ዚ መዝሙር ዳዊት (ስብከት)

መዝ 106/107:15-16 “ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ። ወመንክሮሂ ለዕጓለ እመሕያው። እስመ ሰበረ ኆኃተ ብርት

መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፣ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፣ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።

ካህን ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን

ሕዝብ ብዓቢይ ኃይል ወሥልጣን

ካህን ኣሠሮ ለሰይጣን

ሕዝብ ኣግዓዞ ለኣዳም፡

ካህን፦ ሰላም

ሕዝብ እምይእዜሰ 

ካህን፦ኮነ

ሕዝብ ፍሥሓ ወሰላም

ካህን ክርስቶስ ካብ ሙውታት ተንሲኡ

ህዝቢ ብዓብይ ሓይልን ስልጣን

ካህን ኣሰሮ ንሰይጣን

ህዝቢ፦ ንኣዳም ፈተሖ

ካህን፦ ሰላም

ህዝቢ ካብ ሕጂ ንዳሓር

ካህን፦ ይኹን

ህዝቢ፦ፍስሓን ሰላምን

Priest: Christ is risen from the dead

People: In great power and authority  

Priest: He bound Satan

People: And  freed Adam

Priest: Peace

People: Henceforth

Priest: Let there be

People: Joy and Peace

             

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div