S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ’ዩ!!

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ። ተንሥአ ኵሎ ሙታነ፡ ወፈትሖሙ ለሙቁሐን። ተንሥአ፡ በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን ወአግዓዘ ነፍሰ ጻድቃን።ትርጉም ክርስቶስ ተንሲኡ ሙውታት ኩሎምውን አተሲኡ፡ንኩሎም እሱራት ፈትሐ ብዓቢ ሓይሊ ስልጣንን ነፍሲ ጻድቃን ሓራ አውጽኤኣዚዩ መሳጢ ብዝኾነ ቃላት ጌሩ ቅዱስ ያሬድ ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ብመንፈሳዊ ቃላት ጌሩ ካብ ዝገለጾ ሓረግ ዝተወስደ ቃላት እዩ።

ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ሰብ-ኤማሁስ ኣዒንቶም ተኸፊተን ንጐይታ ምስ ኣለለይዎ ብኡንብኡ ኼበስሩ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ኣሕዋቶም ተመልሱ። ንሳቶም ቅድሚ ምዝራቦም ግና፡ እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ቐዲሞም፡ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡዩ፡ ንስምኦን ተራእይዎኢሎም ኣበሰርዎም። ብስራት ትንሳኤኡ ምዝራብ፡ ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎም ምእማኑ ተጸጊሞም ዝጸንሑደቀ መዛሙርቲ ሕጂ ግና፡ ጐይታ ብሓቂ ኸም ዝተንስአ ኽኣምኑ ምብቅዖም፡ ብሓቂ ኣዝዩ ዜሕጕስ ብስራትዩ። እቶም ናይ እምነት መርከቦም ተሰቢራቶም ዝነበሩ ሰብ ኤማሁስ፡ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ ኢልና ተስፋ ጌርና ኔርና፡ኢሎም ሕጂ ግን እቲ መድሓኒ ንሱ ኸም ዘይኰነ ገይሮም ኪዛረቡ ምስ ሰምዐ፡ ጐይታኣቱም ነብያት ብእተዛረብዎ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዓያሱኢሉ ገኒሕዎም ነበረ። እዚኣቶም ግና ነብያት ንዝተዛረብዎ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ነቲ ርእሲ ዅሎም ነብያት ዝዀነን፡ ንነብያት በብዘመኑ ዝለኣኸን፡ ባዕሉ እቲ ሞይቱ ዚትንስእ  ጐይታ ንዝነገሮም ሓቂ ንምእማን ዝደንጐዩ ሰባት ነበሩ። ይትረፍ ፈጺምና ምእማን ክንኣብይ፡ ንምእማን ብዝደንጔና መጠን፡ ዕሽነትና ነግህድ ከም ዘሎና ኸነስተውዕል ይግብኣና። ምኽንያቱ ንምእማን ብዝደንጔና መጠን ንምእዛዝውን ንድንጕይ ኣሎና ማለትዩ።

ጐይታና፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ለመንኩድሕሪ ምባሉ፡ንስኻ ምስ ተመለስካ ድማ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮምኢሉ ተማሕጺንዎ ነበረ። እዛምስ ተመለስካእትብል ቃል ካብ እምነት ርሒቑ ከም ዝነበረ ዜመልክተና እዩ። ኣብታ ህሞትቲኣ ኻብ እምነት ስለ ዝረሓቐ ድማ ብቐሊል ምፍርራህ ኪኽሕድ ዝኸኣለ። ምስ ተመልሰ ኼጸናንዖም ዚንገሮ ዘሎ፡ ንሳቶምውን በታ ሚሔ ናይ ሰይጣን ካብ እምነቶም ተዳኺሞም ስለ ዝነበሩ እዩ። ምኽንያቱ፡ ወንጌላዊ ማርቆስ፡ድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተው ሓደ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለው፡ ተጋህደ፡ ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን እዮም እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖምን ትሪ ልቦምን ከኣ ዘለፎም።ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ማር 1614)

ድሕሪ ዅሉ ድኻምን ምጥርጣርን፡ ኣብ መወዳእታ፡ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡኺብሉ ምብቅዖም፡ ነቲ ንእምነቶም ዳግም ህይወት ዝሰዅዓላ ጐይታ ናኣታቶምን ንርእሶምውን ኣዝዩ ዓብይ ዓወትዩ። ከምቲኣብ ጽንዓት ልቦም ሓደግኩምዎዝተባህለ፡ ንይሁዳን ንሳኦልን ንኻልኦት ብዙሓትን ዝሓደጎም፡ ሓዲግዎም እንተ ዚኸውን ደቂ-ጥፍኣት ኰይኖም ምተረፉ ነይሮም። ነቲ ንሕሩያቱ ዜፍቅርን ዜኽብርን ጐይታ ኽብሪ ይኹኖ!! እምበኣር ንሕናውን ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና ዘሎና እምነት፡ ኣዕሚቝና ኽንፍትሽ ይግብኣና።ጐይታና ኻብ ሞት ተንሲኡ ድዩ ኣይተንስአን፧ዚብል ኣጥብቕ ኣቢሉ ዚሓትት ሰብ እንተ ዜጓንፈና፡ ወይውን ባዕላትና ኣጥቢቕና ንርእስና እንተ ንሓትት፡ ጐይታ ብሓቂ ኸም ዝተንስአ ሚእቲ ሚእታዊት ርጉጽነት ይህልወና ደዀን ይኸውን፧ ከምኡ እናሰማዕና ስለ ዝዓቤና፡ ዓመት መጸ እነብዕሎ በዓል ስለ ዝዀነ፡ ብደረጃ ባህሊ ነብዕሎ ስለ ዘለና ኸምኡ ንኣምን ዘሎና ይመስለና ኸይህልው ክንጥንቀቕ ይግብኣና። እቲ ጐይታና ነቶም ምእማን ዝኣበይዎ ህዝቢ፡ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡እዚ ህዝቢ ብኣፉ ኻብ ዚቐርበኒ፡ ብኸናፍሩውን ካብ ዜኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ካብ ዚርሕቕ፡ እቲ ንኣይ ምፍራሁ ኸኣ ብምህሮ ባህሊ ሰብ ካብ ዚኸውን (ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሃሩ) ንኸንቱ የምልኹኒ፡ዝብሎ ቓል ብፍርሃትን ብራዕድን ከነቕልበሉ፡ ብዛዕባና ኸምኡ ኸይበሃል ድማ ክንጥንቀቕ ይግብኣና (ማቴ 157-9 ኢሳ 2913,14) ምኽንያቱ፡ እቲ ዘይምእማንን ትሪ ልብን ንሃዋርያቱን ኣርድእቱን እንተ ዘይንሒፉዎም፡ ንዓና ኼናሕስየልና ኢልና ኽንትስፈው ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ንትንሳኤ ክርስቶስ ቅድሚ ኽልተ ሽሕ ዓመታት ከም ዝተፈጸመ ታሪኻዊ ሓቂ ዘይኰነስ፡ ሕጂውን ኣብ ልብና ዚገዝእ ንእምነትና ዜማእዝን ህልዊ ሓቂ ምዃኑ ብቓልን ብግብርን ከነረጋግጽ ይግብኣና።

ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡዚብል ህያውን ጽኑዕን እምነት ከም ዘሎና ብኸመይ ኢና እነረጋግጽ፧ ትንሳኤ ክርስቶስ ሰረት-እምነት ናይ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ኣይኰነን። መግለጺ መንነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ድማዩ። ጐይታ ነቶም ብትንሳኤ ሙታን ዘይኣምኑ ሰዱቓውያን ነቲ ኸንቱ ናይ ስሑታት ሕቶኦም ኪምልሰሎም ከሎ፡እቶም ነታ (እትመጽእ) ዓለም እቲኣን ንትንሳኤ ሙታንን ኪወርሱ ዚበቕዑ ግና . . .ከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑ ድሕሪ ደጊም ኪሞቱ ኣይክእሉን እዮም። ደቂ ትንሳኤ ስለ ዝዀኑ ድማ ደቂ ኣምላኽ እዮም።ኢሉ ተዛሪብዎም ነበረ (ሉቃ 2034-36 .) ትንሳኤ መንነትካ ዚገልጽ ናብራ እምበር ናይ ሓጺር ጊዜ ቕጽበታዊ ፍጻመ ኣይኰነን ማለት እዩ። ስለዚ እቶምጐይታ ብሓቂ ተንሲኡኢሎም ዚኣምኑ ሓቀኛታት ኣመንቲ፡ ንሳቶም ደቂ ትንሳኤ እዮም። ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሞት ኣጽኒዑ ኺሕዞ ዘይከኣለ ንጉስ-ትንሳኤ፡ ኣብ ምጽኣተ-ዓለም፡ ብጭድርታ መላእኽትን ብዓብይ ክብርን ዚግለጽ፡ ነዞም ደቂ-ትንሳኤ ከካብ ዘለውዎ ለቒሙ ኣኪቡ፡ በቲ ንሱ ኣብ የማን ኣቦ ዝኸበረሉ ኽብሪ ምእንቲ ኬኽብሮም እዩ። ፈጺሙ ብጐይታን ብትንሳኤኡን ዘይኣምን ሰብ ኴንካ ውሉድ ትንሳኤ ዘይምዃን ከቢድ ዕሽነትን ወጽዓንዩ። ካብኡ ዚኸፍእ ግና ትንሳኤ ጽኑዕ እምነት ኣብ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን እናሃለኻ፡ ብትንሳኤ ክርስቶስን ብትንሳኤ ዘጕባኤን እናኣመንካ ውሉድ ትንሳኤ ኸይኰንካ ምትራፍ እዩ። ንኸምዚ ዝበለ ዘይጽወር ጉድ ኣሕሊፉ ዚህበና ድማ፡ ትንሳኤ መሰረተ እምነት ጥራይ ዘይኰነስ ናብራን መንነትን ምዃኑ ዘይምፍላጥና እዩ። ኣይሁድደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢናዚብል ሓበን እኳ እንተ ነበሮም፡ ነቲ ሙሴ ዝኣመኖ ኢየሱስ ስለ ዘይኣመኑ፡ እቲ እምነቶም ትምክሕቲ ጥራሕ ኰይኑ ተረፈ።ደቂ ኣብርሃም ኢናእናበሉ ኸለው ድማ ኣብርሃም ዝገበሮ ገዲፎም ዘይገበሮ ኺገብሩ ምስ መረጹ፡ ዘይደቂ ኣብርሃም ኰይኖም ተረፉ። ጐይታና ንዅሉ ግብሮምን ኣካይዳኦምን ድሕሪ ምዕዛቡ፡ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ ኣለኹምበሎም። ንሳቶም ብነድሪ፡ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን፡ ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽኢሎም መለሱሉ። ጐይታና ደጊሙ፡ “. . . ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። . . .ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ ነታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ ኣለኹም። ንሱ ኻብ መጀመርቲ ቐታል ነፍሲዩ። ሓቂ ኣባኡ ስለ ዘየልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።ብምባል ሓቀኛ መንነቶም ኣፍለጦም (ዮሃ 837-45) እዞም ሰባት ከመይ ዝበሉ ውጹዓትን ዝተጠበሩን ሰባት ኰን እዮም፧ ደቂ ኣምላኽ ምዃኖም ዝዀነ ጥርጥር ኣይነበሮምን። እቲ መዛኒ ዅሉ ግብርታትን መርማሪ ዅሉ ልብታትን ዝዀነ፡ ኣብ መወዳእታዉን ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ብጽድቂ ዚፈርድ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ደቂ ድያብሎስ ምዃኖም ገና ኣብ ምድሪ ብህይወት ከለው ዘለኣለማዊ ፍርዶም ኣፍለጦም።

ንሕናኸ ኣበይ ኰን ንህልው፧ደቂ ኣምላኽ፡ ደቂ ቤተ ክርስትያን ደቂ ነብያትን ሃዋርያትን ኢናእናበልና ኸሎና፡ ጐይታ ብኣካል ምስ ተገልጸ እንታይ ኢሉ ዀን ይጽውዓና ይኸውን፧ ኣብዛ ምድሪዚኣ ከም ደቂ ኣምላኽ፡ ከም ደቂ ትንሳኤ ዄንና እንተ ነበርና፡ ኣብ ትንሳኤ-ሙታን ከነርክብን ክንወርስን ኢና። ጐይታና፡ኣብ መቓብር ዘለው ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ (ኵነኔ) ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።ኢሉ ኣረጋጊጹልና እዩ (ዮሃ 528,29) ምኽንያቱ ሰብ ዝዘርኦ እንተ ዓጸዶ፡ እንታይ ዜገርም ነገር እሞ ኺህልዎ እዩ፧ ስለዚጐይታ ብሓቂ ተንሲኡኢልካ እትኣምን ዉሉድ ትንሳኤ ምዃንካ ዘረጋግጽ ናብራ ትንሳኤ እትነብር፡ (ሰናይ እትገብር) እንተ ዄንካ እዩ።እናበሉኻ ምግጋይ ዘለኣለማዊ ኵነኔን ስቓይን ዚፈድይ ዕሽነት ስለ ዝዀነ፡ ንትንሳኤ ብድምቀት እናኣብዓልና ዘይደቂ ትንሳኤ ዄንና ኸይንርከብ ንጠንቀቕ። ናብራ ትንሳኤ ንንበር፡ ፍረ ትንሳኤ ድማ ንፍረይ!! ንትንሳኤ ዓመታዊ በዓልና ጥራይ ዘይኰነስ ዕለታዊ መንነትና ንግበራ!! ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ “. . .ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣሎኹ። ብዝዀነ ዀይኑ ናብ ትንሳኤ ምዉታት እንተ ኣርከብኩ ኢለ፡ ብሞቱ እናመሰልክዎ፡ ንእኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ኽፈልጥ፡ (ንዅሉ ኻልእ)  ኸም ወጽዓ እቘጽሮ ኣሎኹ።” (ፊሊ 38-11) እቲ ናብ ትንሳኤ -ህይወት ከነርክበሉን ውሉድ ትንሳኤ ኽንኰነሉ እንኽእል ሃዋርያዊ ጥበብ እምበኣር፡ ምእንቲ ትንሳኤ ኢልካ፡ ንዓለምን ኵሉ ረብሓታትን ከም ወጽዓን ከም ጐሓፍን ምቝጻር እዩ። ጐሓፍ ክትረብሕን ክትእክብን ኢልካ፡ ትንሳኤ ዚኣክል ረብሓ ምጕሓፍ መዳርግቲ ኣልቦ ዕሽነት እዩሞ፡ ሃየ ነዚ ሃዋርያዊ ጥበብ ንጠቐመሉ!! ንጉስ ትንሳኤ፡ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይደግፈና!! ኣሜን!!!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 10 ግንቦት 2020 (ግንቦት 2, 2012 ግእዝ)

 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባትን ስብከትን

 

መዝ 3፡ 5-6 “አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ። ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ።”

“ተገምሰስኩ ደቀስኩውን፣ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ እሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን እየ።”

 

 

 

ኣንባቢ

ንባብ

 

ዲያቆን

ቈሌ  3፡1-11

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ዲያቆን

1ጴጥ 3፡15-22

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ካህን

ግብ 13፡27-42

 

ካህን 

ወንጌል: ሉቃ 24፡33-40

 

ቅዳሴ ዘድዮስቆሮስ

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div