S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመንከ ትደልዪ ኣሎኺ፧

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ወበእሑድ ሰንበት ጌሠት ማርያም መግደላዊት በጽባሕ ኀበ መቃብር። እንዘ ዓዲ ጽልመት ወረከበት እብነ እቱተ እምአፈ መቃብር። ወበጽሐት ኀበ ስምዖን ጴጥሮስ ወኀበ ካልእ ረድእ ዘያፈቅሮ ኢየሱስ። ወትቤሎሙ ነሥእዎ ለእግዚእየ እም ውስተ መቃብር፡ ወኢየአምር ኀበ ወሰድዎ፡ እንዘ ይረውፁ ክልኤሆሙ ኅቡረ። በደሮ ለጴጥሮስ ዝኩ ካልእ ረድእ ዘያፈቅሮ ኢየሱስ። ትርጉም፡በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ።

ስለዚ ንሳ ጐይያ፡ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዜፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ፥ ንጐይታና ካብ መቓብር ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን፡ በለቶም።ጴጥሮስን እቲ ሓደ ወደ መዝሙርን ከኣ ወጹ፡ ናብቲ መቓብርውን ከዱ። ክልቲኣቶም ብሓንሳእ ጐየዩ እሞ እቲ ሐደ ወደ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀደሞ። ኣብቲ መቓብርውን ቅድም በጽሔ።

ማርያም መግደላዊት ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ሓንቲ ዀይና፡ ካብተን ንጐይታና ናብ ዝኸዶ ዅሉ ዝሰዓባኦ ቅዱሳት ኣንስቲ ነበረት። ጐይታ ነቶም ኣብኣ ዝሓደሩ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ኣውጺኡ ምሕረት ዝሃባ ፈዋሲኣ ስለ ዝነበረ ኣዝያ ተፍቅሮ ነበረት (ሉቃ 82-3) እንተ ዀነ፡ ነቲ እተፍቅሮ ጐይታ፡ እቲ ሕሱም ሞት ካብኣ ፈልዩ ስለ ዝወሰዶ ናብ ዓሚቚ ሓዘን ኣተወት። እቲ ቕድሚ ሞቱ ኺግበረሉ ዚግባእ ኵሉ ተማሊኡ ዘይተገብረሉ ዀይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ ገና ጸልማት ከሎ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት። እቲ መቓብር ዚኽደነሉ እምኒ ተፈንቒሉ፡ ስጋ ጐይታኣ ድማ ኣብኡ ዘየሎ ዀይኑ ጸንሓ። ብስምባደ ናብ ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስ ከይዳ እቲ ዝዀነ ኪትነግሮም ተመልሰት። ንሳቶም ነቲ ዝበለቶም ኣረጋጊጾም ናብ ቤቶም ተመልሱ። ንሳ ግና ካብቲ መቓብር ከይከደት፡ ሞቱ ኸይኣክል ስጋኡ ተሰሪቕዋ ሓዘና ተደራሪቡ ተልቅስ ነበረት። ንምምላስ ዘይምህዋኻ፡ ኣብቲ ንሱ ዝነበሮ ኣብቲ ቕድሚ ሳልስቲ ዝሓደገቶ ኽትጸንሕ ምምራጻ ግና ኣዝዩ ጠቐማ። ክልተ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸድኑ መላእኽቲ ተገሊጾም ተራእይዋ እሞ፡ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ኢሎም ሓተትዋ። ሕቶኦም ንርእሱ መልሲ እዩ ዝነበረ። እንተ ዀነ ንሳ ኣየስተውዓለቶን። ጊዜ ብኽያት ከም ዘብቅዐ ኼዘኻኽርዋ እዮም ዝሓተትዋ እምበር፡ እቲ ዘብክያ ዘሎስ ጠፊእዎም ኣይነበረን። ስለዚ እታ ነቶም ክልተ ምርኡያት ሃዋርያት ዝገበረቶም ቃል ደገመትሎም።ንጐይታ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥንበለቶም። ነቲ ጐይታኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ፡ መሊስውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር፡ ካባይ ዚወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን ኣሎኒ።ዝበሎ ቓል ፈጺማ ኣይዘከረቶን (ዮሃ1017-18) ነቲ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ ንበይኖም ፈልዩ፡እንሆ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ ንወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጻሓፍትን ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ሞትውን ኪፈርዱሉ እዮም። ኬላግጹሉን፡ ኪገርፍዎን ኪሰቕልዎን፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎን እዮም፡ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ግና ኪትንስእ እዩ።ኢሉ ስለስተ ሳዕ ዝነገሮም ቃላት፡ ከም ሰባ ሰሚዓቶ ኽነሳ ፈጺሙ ትዝ ኣይበላን (ማቴ 2017-20 ማቴ 1722-23 ማቴ 16 21) ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ይባልህካ እባ ደኣ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካኢሉ ንጐይታ ኺገንሖ ብምፍታኑ፡ ጐይታኣ ተቘጢዑካባይ ርሓቕ፡ ሰይጣን፡ ናይ ሰብ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻኢሉ ዝተጋንሓሉ መዓልቲውን ርሑቕ ኣይገበረን (ማቴ 1622-23) እዚ ዅሉ ጸገም ዘጋጠመ ድማ፡ ነቲ መከራን ሞትን ከም ዝቕበል ዝተዛረቦ እምበር፡ ነቲ ብሳልሳይ መዓልቲ ኸም ዚትንስእ ዝተዛረቦ ቓል ፈጺሞም ስለ ዘየቕለቡሉ እዩ። ኣቕሊቦምሉ እንተ ዚዀኑ፡ በቲ ብትንሳኤ ዚዛዘም ሞት ምተሓበኑን፡ ንምርኣዩ ምተሃንጠዩን እምበር ከቶ ኣይምጐሃዩን ነይሮም። ዓዲ ደሓን ከሎን፡ ሽዑ ብውዑዩ ኸሎ ዘየቕለቡሉ ቓል፡ መዓልቲ ምስ በልዐን፡ ሞትን ፍርሃትን ንልቦም ምስ ከበዶን ኪዝክርዎ ፈጺምካ ዘይሕስብ እዩ። ምስጢራዊ ብዝዀነ ኣገላልጻ ድማ፡ ትእምርቲ ዮናስ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዚፍጸምዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ስለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ስለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብርብምባል ብድሕሪኡ ግና ኸም ዚትንስእ ነጊርዎም እዩ (ማቴ 1238-41) ብድሕሪኡ ንቤት መቕደስ ቤት ዕዳጋ ኻብ ምዃን ኣጽረያ፡እዚ ትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ከተርእየና ኢኻ፧ኢሎም ንዝሓተትዎ ተቓወምቱ፡ነዛ ቤት መቕደስ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየኢሉ ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ ኺዛረብ ከሎውን ሰሚዖምዎ እዮም (ዮሃ 219) ማርያምውን ከም ኵሎም ደቀ መዛመርቱ ሰሚዓቶ ኽነሳ፡ ንጐይታኣ ሰብ ከም ዝወሰደላ እምበር ንሞት ስዒሩ ምትንሳኡ ኽትዝክሮን ክትኣምንን ኣይከኣለትን።

ነቲ ባዶ መቓብሩ ዝባና ሂባቶ ኽትከይድ ዘይምድላያ፡ ይትረፍ ብህይወቱ ኸሎ ኣብ ጊዜ ሞቱውን ንእኡ ኻብ ምድላይ ከም ዘየቋረጸት ዝረኣየ ጐይታ ግና፡ ኣብቲ ጊዜ ሓጐስ ክትሓዝን ስለ ዘይደለየ፡ ሕቶ ናይቶም መላእኽቲ ደጊሙ፡ኣቲ ሰበይቲ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመንከ ትደልዩ ኣሎኺ፧በላ። ንሳ ብትርኢቱ ኣየለለየቶን፡ በታ ወርትግ ዚጽውዓ ስማማርያምምስ በላ ግና፡ እቲ ሓላው ኣታኽልቲ መሲሉ ዝተራእየ ሰብ፡ ጐይታኣ ምዃኑ ፈሊጣ፡ረቡኒ፡ መምህረይኢላ መለሰትሉ። ጐይታ ድማ ቀዳመይቲ ኣበሳሪት ትንሳኤኡ ናይ ምዃን ክብሪ ሃባ። ነቶም ምስክር ትንሳኤኡ ኪዀኑ ዝተሓርዩ ሃዋርያት፡ ምስክር ኰይና ዘበሰረቶም ንሳ ዀነት።

ተስፋ ትንሳኤ ዘጥፍኣ ኣእምሮ ዅሉ ጊዜ ብሓዘን እዩ ዚምላእ። ዋላ ኣብቲ ኪሕጐስሉ ዚግባእ ጊዜ እዩ ዚሓዝን። ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ሰብ ብሓይሊ ሞት እናረዓደ እዩ ዚነብር። እቲ ነዚ ዝፈለጦ ሃዋርያ፡ ንሰብ ተሰሎንቄግናኸ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም (ሞይቶም) ዘለዉ በዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ።ምስ በሎም፡ ኣብ መወዳእታ፡ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑኢሉ መዓዶም (1ተስ 413,18) ተስፋ ትንሳኤ ዚህልወና ድማ ብትንሳኤ ክርስቶስ እዩ። በቲ ጐይታና ዝተንስኦ ተንሳኤ ኢና ንሕናውን ትንሳኤ እንረክብ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንሰብ ቈረንቶስ፡ንምውታት ዘየተንስኦም እንተ ዀይኑ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኣን። ክርስቶስ ዘይተንስኣ እንተ ዀይኑ ድማ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ ንስኻትኩምውን ገና ኣብ (ምስ) ሓጢኣትኩም ኢኹም ዘሎኹም። እቶም ኣብ እምነት ክርስቶስ ከለዉ ዝሞቱ ኸኣ ጥፉኣት እዮም። ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ እንተደኣ ዀይና፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ሄርና።ብምባል ትርጉም ትንሳኤ ገለጸሎም (1ቈረ 1516-20)

ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ሰብ፡ ኣብ ኵሉ ዕድሚኡ ብፍርሃት ሞት ተዋሒጡ ኸም ዚነብርውን በቲ፡እቶም ውሉድ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝዀኑ፡ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኰነ። እዚ ኸኣ፡ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኺስዕር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባሮቱ ዀይኖም ዝነበሩ ኸኣ ሓራ ምእንቲ ኼውጽእ ኢሉ እዩ።ዚብል ሃዋርያዊ ቓል ተረጋጊጹልና ኣሎ፡ (እብ 214) እምበር ካብዚ ቓል እዚ ኸም እንርድኦ፡ እቲ ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ሰብ እዩ ባርያ ሓጢኣትን ሞትን ኰይኑ ዚነብር። እቲ ተስፋ ትንሳኤ ኣብ ልቡ ዘለዎን፡ ንእኡ እናሓስቦ ዚነብርን ስብ ግና፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። ምኽንያቱ፡ ሓጢኣት ውሉድ ትንሳኤ ኻብ ምዃን ከም ዜትርፎ ይፈልጥ እዩ። ዕዳ ሓጢኣትካ ምእንቲ ኪኸፍልን ቅዱስ ህይወት ክትነብር ምእንቲ ኬኽእለካን ኢሉ ነቲ ኽቡር ደሙ ብመሪር ስቓይን ውርደትን ድሕሪ ምፍሳሱ ኣብ ሓጢኣት ትቈማጣዕ እንተ ዀንካ ነቲ ናይ ክርስቶስ ናይ ሞቱን ትንሳኤን ዕላማ ተቃልሎን ትጻረሮን ኣሎካ ማለት እዩ። ትንሳኤ ክርስትስ ሓጐስናን በዓልናን ዚኸውን፡ ንሕና ካብቲ ትንሳኤኡ፡ ተኻፈልቲ ምስ እንኸውን እዩ። ኣብ ትንሳኤ ዘጉባኤ ተንሲእና ተኻፈልቲ ክብርን ህይወትን ናይ ክርስቶስ ዘይንኸውን እንተ ኼንና፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ብድምቀት ምብዓልና ዋላ ሓንቲ ዋጋ የብሉን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ምስጢረ ጥምቀት ምስ ናይ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን እንሓብረሉ ምስጢር ምዃኑ፡እምበኣርከ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፧ ያእ ኣይፋልናን። ንሕና (ብጥምቀት) ካብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዅልና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርሲ ከምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምውታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ብሓዳስ ህይወት (ብዘይ ሓጢኣት) ምእንቲ፡ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና፡ ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ኼንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሓብሮ ኢና። እቲ (ብጥምቀት) ዝሞተ፡ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኸይጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ ፈሊጥና ኣሎና። እቲ ኻብ ምውታት ዝተንስኣ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፡ ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና (ካብ ሓጢኣት )ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ድማ ብህይወት (ብጽድቂ) ከም እንነብር ንኣምን። ማለት፡ ሞቱ ሓንሳእ ንዅሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት እዩ ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዚነብር። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቍጸሩ።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 6 1-11) እምበኣር እቲ ኻብ ሓጢኣት ሞይቱ ብጽድቂ ዚነብር ኵሉ፡ ንሱ ውሉድ ትንሳኤ እዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ ንእኡ ዓወቱን ክብረቱን እዩ። እዚ ሰብ እዚ ንበዓለ ትንሳኤ ብድምቀት እንተ ኣኽበረ፡ ዚግብኦ እዩ ዝገበረ፡ ብጽሒቱ እዩ ዘልዓለ። እቲ ብኣንጻሩ ንጽድቂ ምውት ንሓጢኣት ግና ህያው ኰይኑ ዚነብርክርስትያንግና ትንሳኤ ክርስቶስ ልክዕ ከም ሰይጣን ኬፍርሆን ከሰምብዶን እምበር በዓል ኪዀነሉን ኬሕጕሶን ኣይግባእን። ምኽንያቱ እቲ ንሓጢኣት ኬርሕቕ ዝሞተን ዝተንስኣን ክርስቶስ፡ ኣብ መዓልቲ ትንሳኤ ዘጕባኤ (ትንሳኤ ሙታን)ኣታ ገባር ዓመጻ፡ ካበይ ምዃንካ ኣይፈልጠካን እየሞ፡ ኪድ ካባይ ርሓቕ ኪብሎ እዩ። እምበኣር ዝኸበርካ/ ክርስትያን፡ ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትካ/ኪ፡ ንጽድቂ ድማ ከም ዝተንሳእካ/ ርግጸኛ ብምዃን፡ ገዛእ ርእስካ/ ተኻፋሊ() ትንሳኤን ክብርን ናይ ክርስቶስ ግበራ/ እሞ፡ ንትንሳኤ ጐይታ ብኽብሪ ኣብዕሎ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 3 ግንቦት 2020 (ሚያዝያ 25, 2012 ግእዝ)

 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባትን ስብከትን

 

መዝ 11/12፡ 5 “ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚአብሔር።እሬሲ መድኃኒተ ወአግህድ ቦቱ። ቃለ እግዚአብሔር ቃል ንጹሕ።”

“ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፣ ነቲ ዚናፍቖውን ምድሓን ከምጽአሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።”

 

 

 

ኣንባቢ

ንባብ

 

ዲያቆን

1ቆሮ  15፡1-15

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ዲያቆን

1ጴጥ 1፡1-9

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ካህን

ግብ 5፡29-33

 

ካህን 

ወንጌል: ዮሃ 20፡1-18

 

ቅዳሴ ዘድዮስቆሮስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div