S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንድሕሪት ኣይትመለስ!!

ግብረ ዘወሀብከኒ ፈጸምኩ። ወነገርኩ ስመከ ለሰብእ። ትርጉም “ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ። ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” ሓይለ ቃል ናይዚ መልእክቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 17 እዩ ዝርከብ። በዚ መዓልቲ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ካልኣይ ጊዜ ከምዝተራኣዮም ብምዝካር ናይ ቶማስ ታሪክ እንዳገለጽ ተስተምህረሉ፡ ትዝምረሉ፡ ተመስግነሉን መዓልቲ እዩ።

እዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ኣብ ምድሪ ገሊላ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ዝተፈጸመ ኣስተርእዮ (ግልጸት) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቲ ኽሳዕ እዚ እዋን’ዚ ብእኩባቶም ክልተ ሳዕ ዝተራእዮም፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም’ዩ ዝነበረበቲ፡ “ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ” ዝበሎም መሰረት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነበሩ፡ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝሻብዓዮም ሾብዓተ ኻብቶም ሃዋርያት ብሓደ ነበሩ። እቲ “ከይረኣኹን ከይዳህሰስኩን ኣይኣምንን’የ” ኢሉ ዘቕበጸ እሞ፡ ጐይታ ብሕያውነቱ ዳግም ተገሊጹ ኢዱ ኣብቲ ብገዘፍቲ ምስማር ዝነኾለ ኣእዳውን ኣብቲ ብዅናት ዝተወግአ ጐድኑን ኣእዳው ኣእትዩ ኺድህሰስ ዝተፈቕደሉ፡ ምስ ዳህሰሰ ድማ ብገጹ ተደፊኡ “ጐይታይን ኣምላኸይን” ኢሉ ዝሰገደ፡ “ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ተባሂሉ ዝተማዕደ ሃዋርያ ቶማስ ካባታቶም ሓደ ነበረ። እቲ ጐይታ ምስ ረኣዮ፡ “እንሆ ጕርሒ ዘይብሉ ቅኑዕ እስራኤላዊ” ኢሉ ዝመስከረሉ፡ “መምህር፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ ዝተኣመነ እሞ፡ በዛ ንእሽቶ ነገር ካብ ኣመነን ተኣመነን፡ ካብዚ ዚዓብይ ማለት ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽ’ውን ናብ ልዕሊ ጐይታኡ ኺወርዱን ኪድይቡን ከም ዚርእይ ዝተነግረሉ ሃዋርያ ናትናኤል’ውን ምሳታቶም ነበረ። እቶም ጐይታ ኻብ ብጾቶም ፍልይ ኣቢሉ እናወሰደ ፍሉይ ምስጢራት ዘርኣዮም ክልተ ደቂ ዘብዴዎስ ዮሃንስን ያእቆብን ከምኡ ድማ ጴጥሮስን ኣብኡ ነበሩ። መንነት ናይቶም ካልኦት ክልተ ግና ኣይተገልጸልናን። እዞም ሰለስተ ምርኡያት ሃዋርያት፡ ኣብ ደብረ ታቦር ብመለኮታዊ ግርማኡ ኸም ጸሓይ ደሚቝ፡ ንሊቀ ነብያት ሙሴ ካብ ብሔረ ሙታን፡ ንነብዪ ኤልያስ ድማ ካብ ብሔረ ህያዋን ጸዊዑ ኼዘራርብ ከሎ ብገዛእ ኣዒንቶም ዝረኣዩ ህያዋን መሰኻኽር እዮም። ካብ ሞት ተንሲኡስ ምስናይ’ቲ ዚድህሰስን ዚምገብን ግዙፍ ስጋኡ ብዕጹው ቤት ኪኣትው ከሎ ዝረኣዩ ሰባት ድማ እዮም።

ብፍላይ እቶም ሰለስተ ምርኡያት ሃዋርያቱ፡ ብተኣምራዊ ምግፋፍ ዓሳ ናብ እምነት ዘምጽኦምን፡ ካብ ሞያ ምግፋፍ ዓሳ ኣውጺኡ ናብ ሞያ ምግፋፍ ሰብ ዘእተዎም ደቀ መዛሙርቲ ምዃኖም ኪርሳዕ ኣይግባእን እዩ (ሉቃ 5፡1-11)። ኣብተን ንእኡ ዝሰዓቡለን ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ጊዜ ዓሳ ብምግፋፍ ተመጊቦም ኣይፈልጡን እዮም። ኪልእኮም ከሎ፡ ናይ ወርቂ፡ ብሩር ወይ ኣስራዚ ገንዘብ ከይቋጽሩ፡ ቅያር ክዳውንትን ሳእንን ከይማልኡ ኸልኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መወዳእታ ኺፋነዎም ከሎ፡ “እቲ ብዘይ ሳእኒ ብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ማሕፉዳ ምስ ለኣኽኩኹምሲ ገለዶ ጐዲሉኩም፧” ኢሉ ሓቲቶዎምሲ፡ “ሓንቲ እኳ ኣይጐደለናን” ኢሎም ዝመለሱ መግቦተ-እግዚኣብሄር (providence of God) ዝተኣመኑን ዝመስከሩን ሰባት እዮም። (ማቴ 10፡9,10 ሉቃ 22፡25)። ድሕሪ ትንሳኤኡ ኽልተ ጊዜ ብተኣምራዊ መገዲ ተገሊጹን ተዳህሲሱሎምን ኬብቅዕ፡ ሕጂ ናይ ምግፋፍ ሰብ ተልእኾኦም ሓዲጎም ንድሕሪት ናብ ምግፋፍ ዓሳ ዚምለሱሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ እዩ፧

እዚ ታሪኽ እዚ ንምህሮና ንመለበሚና ዝተጻሕፈ ኽቡር ቃል እዩ። ድኻም ቅዱሳት ኣብ መጽሓፍ ሓቲሙ ዚህብ ኣምላኽ ኢና እነምልኽ። እዞም ከምዚ ዝበለ ግብርን ክብርን ናይ ክርስቶስ ዝረኣዩ፡ ንእኡ ንምስዓብ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉ ምርኡያት ሃዋርያት ከምዚ ዝበለ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ሓደጋ ዜንጸላልዎም እንተ ዀይኑ፡ ንሕና እዞም ዚበዝሕ ክፋል ህይወትናን ናብራናን ኣብ ዓለም ጥሒሉ ዚርከብ ድኹማት ሰባትከ ደኣ ማዕረ ኽንደይ እቲ ሓደጋ የንጸላልወና ኣሎ ማለት’ዩ፧ ስለዚዶ ኣይኰነን ቃል እግዚኣብሄር “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ ኸይወድቕ ይጠንቀቕ። . ፍራህ ደኣ እምበር፡ ብልብኻ ኣይትተዓበይ።” ኢሉ ዜጠንቅቐና (1ቈረ 10፡12 ሮሜ 11፡20)።  

እምበኣር ንድሕሪት ምምላስ፡ ደረጃ ዕድመ ደረጃ ማዕርግ መንፈሳዊ ተመክሮ ወዘተ ዘይፈልይ ንዅሉ ሰብ ኬጋጥሞ ዚኽእል ሓደገኛ ክስተት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ሰለስተ ዓይነት ንድሕሪት ናይ ምምላስ ኵነት ከም ዘሎ ኢና እንግንዘብ ። እቲ ቀዳማይ ኣቦኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ፡ ከም ናይ ዴማስ ዝበለ፡ ብፍቕሪ ዓለም ተማሪኽካ ንጐይታ ዝባንካ ሂብካ ምኻድ እዩ (2ጢሞ4፡10)።  ምስላ ናይቲ ጥፉእ ወዲ፡ ጐይታ ንኸምዚ ዓይነት ውድቀት ንምግላጽ ዝተጠቕመሉ ምስላ እዩ (ሉቃ 15፡11-32)። እቲ ኻልኣይ ዓይነት ድማ፡ ብኣካል ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም እናሃሎኻን ልብኻ ግና ናብ ዓለም ኪምለስ ከሎ እዩ። እግርኻ ንቕድሚት ይኸይድ፡ ኣእዳውካ ዕርፊ ጨቢጡ ማሕረስ ይቕጽል ኣሎ፡ ኣዒንትኻን ልብኻን ግና ንድሕሪት ናብ ዓለም ይጥምት እንተ’ዩ፡ ከምቲ ስራሕ ሃዋርያነቱ ኸይገደፈ፡ ብፍቕሪ ገንዘብ ተለኺፉ ንድሕሪት ዝተመልሰ ሃዋርያ ይሁዳ ትኸውን ኣሎኻ ማለት እዩ። እዚ ዓይነት ምምላስ እዚ፡ “እንተ ዘይውለድ ምሓሸ ነይሩ” ዜብል ሓደገኛ ዅነት እዩ። “ተመለስ” ከይብሉኻ ዕርፊ ጨቢጥካ ካብቲ ዕዮ ከም ዘይተፈለኻ ይርእዮ ኣለው። “ጽቡቕ ኣለኻ ቀጽል” ከይብሉኻ ድማ፡ ኣዒንትኻን ልብኻን ንድሕሪት ተሳሒቡ፡ በቲ ማሕረሻ ነቲ መሬት ዘይኰነስ እግሪ ኣብዑር እናወጋእካ ነቲ ዕዮ ከተብኵሮ ይዕዘቡኻ ኣለው። ስለዚ ኣሎ እናተባሃልካ ክትጠፍእ ዚገብር ሓደገኛ ኵነት እዩ። እቲ ሳልሳይ ዓይነት ድማ ካብ ጸጋ ኣምላኽ ምጕዳል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድል፡ ንብዙሓት ዜርክስ ገለ መሪር ሱር (ሓጢኣት) በቝሉ ኸየጨንቐኩም ተጠንቀቑ” ብምባል ኣጠንቂቝና ኣሎ (እብ 12፡15)። ቃል እግዚኣብሄር እናወሰኽናን እናዓቤናን ክንከይድ እዩ ዚምዕደና (1ጢሞ 4፡15 2ጴጥ 1፡8)። 

ይትረፍ ክትጐድል፡ ከይወሰኽካ ኣብቲ ዘለኻዮ ደሪቕካ ምትራፍ’ውን ንድሕሪት ምምላስ ምዃኑ ኣይንዘንግዓዮ። ምኽንያቱ እቶም ዚውስኹ ዘለው ሓዲጎምኻ ይኸዱን ንድሕሪት ትተርፍ ስለ ዘለኻን እዩ። እቲ በዓል ሓንቲ መክሊት ሃካይ ባርያ፡ ነታ ዝተዋህበቶ እኳ እንተ ዘየጥፍኣ፡ ስለ ዘይወሰኸላ ግና ካብ ፍርዲ ኼምልጥ ኣይከኣለን። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽስቲ ዓለም ኣምሊጦም፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን ማለት ንሳቶም እናፈለጥዋ ካብቲ ዝተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሓሾም ነይሩ። ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ ‘ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመልሰ፡ ሓሰማ’ውን ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡’ ዚብሎ በጺሕዎም ኣሎ።” ብምባል ክብደት ናይዚ ኣበሳ’ዚ ገሊጹልና ኣሎ (2ጴጥ 2፡20-22)። እግዚኣብሄር በቶም ንድሕሪት ዚምለሱ ኣዝዩ ይሓዝን እምበር ባህ ኣይብሎን እዩ። እቲ ሃዋርያዊ ቓል ድማ ንሕና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚኣምኑ እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኽንከውን ከም ዘይግብኣና ኣፍሊጡና እዩ (እብ 10፡38,39)። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቶም ሰማያዊ ጕዕዞ ብስጋ ኺፍጽሙ ዚደናደኑ ዝነበሩ ሰብ ገላትያ፡ “ሕጂ ደኣ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም (ኣፍልጦ ምስ ሃበኩም፡ ምስ ተቐበለኩም) ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ ኣለኹም፧ ከም ብሓድሽ’ውን ካብ መጀመርታ ሒዝኹም ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩ ኣሎኹም፧” ብምባል ንድሕሪት ምምላስ ፈጺሙ ኺሕሰብን ኪኽሰትን ከም ዘይብሉ ኣመልከተሎም (ገላ 4፡9,10)። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ኣኽሊል ኵሉ ምስጢራት ዝዀነ ምስጢር ቍርባን (ካብ ስጋኡን ደሙን ምውሳድ) ንህይወትን ንምድሓንን ኪዀኖም ኢሉ ምስ ገለጸሎም፡ “እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧” ኢሎም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቲ ንድሕሪት ተመልሱ (ዮሃ 6፡52-66)። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብኣካል ቈምና እናሃለና በዚ ምስጢር እዚ ንድሕሪት ዝተመለስና፡ ካብ ሓጢኣት ካብ ምፍላይ፡ ካብ ቅዱስ ቍርባን ምፍላይ ዝምርጫና “ክርስትያን” ህዝቢ እግዚኣብሄር ይቝጸረና።

ነቶም ካብ ደረጃ ጽውዓት ናብ ደረጃ ሕሩያት ዝተሳገሩ ባሮቱ ግን ጐይታና ይጥፍኡ ኣይሓደጎምን። ናብታ መጀመርታ ኺጽውዖም ከሎ ዝነበርዋ ባሕርን ጃልባን ተመሊሱ መጾም፡ ከምቲ መጀመርታ ኺጽውዖም ከሎ ዘርኣዮም ተኣምር፡ ሕጂ’ውን ብሞትን ብትንሳኤን ተፈልዩ ከሎ’ውን ኪገብርን፡ ንናብራኦም ኪሓልየሎምን ኪመልኣሎምን ከም ዚኽእል ምእንቲ ኼረጋግጸሎም፡ ኣብቲ ንድሕሪት ዝተመልሱሉ ቦታን ሞያን ተረኽበ። ሾብዓተ ምኩራት ገፈፍቲ ዓሳ ምሉእ ለይቲ ኺጋደሉ ሓዲሮም ሓደ ንእሽቶ ዓሳ ኺሕዙ ኣይከኣሉን። ናብቲ ምሉእ ለይቲ ኺድርብዩሉ ዝሓደሩ ሸነኽ መርበቦም ኪድርብዩ ብምእዛዝ፡ ኪስሕብዎ ዘይክእሉ መጠን ዓሳ ሃቦም። ዋላ ኣብቲ ዚመልክዎ ሞያ እኳ፡ ንሱ እንተ ዘይሂብዎም ዝዀነ ነገር ኪረኽቡን ኪገብሩን ከም ዘይክእሉ ኣረጋገጸሎም። ሃዋርያ ጴጥሮስ እታ ቐዳመይቲ ናብ እምነትን ሃዋርያነትን ዘብቅዓቶ ተኣምራት ምስ ተደግመትሉ፡ “ጐይታና እምበር’ዩ” ብምባል ኣለለዮ እሞ፡ ኽዳውንቱ ተኸዲኑ ናብቲ ባሕሪ ተወርወረ፡ ነቲ ዝረኸቦ ዓሳ ኣብቲ ባሕሪ ሓዲጉ፡ ናብቲ “ሰዓበኒ” ኢሉ ዝጸውዖን ዝሓረዮን ጐይታ ተመልሰ። ሎሚ’ውን እግዚኣብሄር ርእሱ ብዘይ ምስክር ዘይሓድግ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ “ጐይታና እምበር’ዩ” ዜብለና ሓያሎ ተኣምራት ኣብ ናብራን ኣገልግሎትናን ይገብር ከም ዘሎ ኣስተውዒልና፡ ካብቲ ንድሕሪት ዝተመለስናሉን ዝጐደልናሉን ገጻት ህይወት፡ ናብ ጐይታ ገጽና ብምምላስ ንጕድለትናን ድኻምናን ንምልኣዮ እሞ፡ ንጐይታና ባህ ነብሎ!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 26 ሚያዝያ 2020 (ሚያዝያ 18, 2012 ግእዝ)

 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባትን ስብከትን

 

መዝ 77/78፡ 65-66 “ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም። ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን። ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ።” “ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ።ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፣ ንዘለአለማዊ ነውሪ ሀቦም።”

ዓዲ

(መዝ 117/118፡24-25) “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ ኣድኅንሶ።” “እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣድሕን ኰታ፣ ኣታ እግዚኣብሄር፣ ኣሰልጥን ኰታ።”

 

 

 

ኣንባቢ

ንባብ

 

ዲያቆን

1ቆሮ  15፡20-41

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ዲያቆን

1ጴጥ 3፡15-22

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ካህን

ግብ 2፡22-36

 

ካህን 

ወንጌልዮሃ 20፡1-18

 

ቅዳሴ ዘድዮስቆሮስ

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div