S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን!!

“በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርሁዎም፡ መዓጹ ተሸጕሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይዅን፡ በሎም።” ዮሓ 20፡19።

“ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትኀሠይ ምድር፡ ወይንፍሑ ቀርነ መሠረታተ ኅምዝ” ትርጉም ሰማይ ትታሓጐስ፡ ምድሪ ከኣ ምስጋና ትሃብ ፡መሰረታት ምድሪ  መለኸት ንፍሑ”። እዚ ዕለት እዚ ዓመት መጸ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ተኽብረሉን፡ናይ ትንሣኤ ብርሃን ተመስግነሉ፡ ስዕረት ሞት፡ ድሕሪ መቃብር ህይወት ከምዘሎ ነቲ ሞት ዘይሰዓሮ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተክብረሉ፡ ብትንሣኤኡ ዝተረከበ ህይወት ንምእመናን ትሰብክ፡ ትዝምር፡ ትውድስ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኃይሊ ከም ዝተንሰኤ ከምኡ ድማ ብክብሪ ከም ዝመጽእ ብምእማን ትዝምርን ተመስግነሉን ፍሉይ ብዓል እዩ። ሎሚ ዓመት ዝበዓለሉ ዕለት ትንሣኤ ካብቲ ዝሓለፉ ዓመታት ፍልይ ዝበለ እዩ፡፡ ምእመናን ብሰንኪ ንዓለም ዘጽንት ዘሎ ለበዳ ሕማም ነብሶም ከድሕኑ ኣብ ቤቶም ተዓጽዮም ብመሳኩቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝከታተሉሉ ዘለዉ ጊዜና ብሙዃኑ፡ ንዅሉ ምእመን ርሑስ ብዓል ትንሳኤ እንዳበለት ፡በዚ ናይ ጐይታ ቃል ዝበሎ ጌራ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን!” ትብል።

ጐይታና፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ብፍርሃት ተዋሒጦም ፡ነቲ ዝነበሩሉ ገዛ ኣጽኒዖም ሸጒሮም ይነብሩ ኸም ዘለው ምስ ረኣየ፡ ካብ ዘሳቒ ፍርሃትን ዘይምእማንን ምእንቲ ኼናግፎም ኪረኣዮም ወሰነ። ከምቲ ዝነበሮም ፍርሃትን ምጥርጣርን፡ኣብ ኣፍ ደገ ማዕጾ ደዉ ኢሉ ብምዅሕኳሕ ኪኸፍትዎ እንተ ዚሓቶም ኪኸፍትዎ ምተጸገሙ ነይሮም። ምኽንያቱ ኸምቲ ንሓደ ገዛ ስጋጥን መሸጐርን መፍትሕን ከምዘይክፈት ገይሩ ኣጽኒዑ ዚዓጽዎ፡ዘይምእማን ድማ ንልቢ ሰብ ካብኡ ዝበኣሰ ኣጽኒዑ’ዩ ዚዓጽዎ። ብዘይ ምእማን ኣብ ዝተዓጸወ ልቢ ድማ ጭንቀትን ስምባደን እምበር ሰላም ዚበሃል ከቶ ኣይርከብን እዩ። ስለዚ ጐይታና ናብቲ ዝተዓጽወ ገዛ ጥራይ ዘይኰነ ናብቲ ዝተዓጽወ ልቢ’ውን ኣትዩ ዝጠፋኣ ሰላሞም ኪመልስ ናይ ግድነት ኰኖ። ከምዝዀነ ሰብ ማዕጾ ኸፊቱ እንተ ኣተወ እኳ እቲ ዝተዓጸወ ልቢ ግና ብቐሊሉ ኣይክፈትን እዩ። ስለዚ ነቲ ዝተዓጽወ ልቦም ከፊቶም ንትንሳኤኡ ብእምነት ምእንቲ ኪቕበልዎ፡ ተኣምራዊ ብዝዀነ መገዲ ኣብ ማእከሎም ጥብ ኪብል መረጸ። እቲ ንባህርይ መለኮት ባህርይን ገንዘቡን ዝገበረ ግዙፍ ስጋኡ ሒዙ ድማ፡ ማዕጾ ኸይሰበረ፡ መንደቕ ከየፍረሰ፡ናሕሲ ኸይነቐለ ኣብ ማእከሎም ህሩግ በለ። “ሰለም ንኣኻትኩም ይኹን” ኢሉ ድማ ኣወጀሎም። እዚ ቓል እዚ ከምቲ ንሕና ኣብ ንሕድሕድና እንለዋወጦ ቃል ሰላምታ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ ልቦም ዘሎ ፍርሃትን ስምባድ ንነቒሉ፡ብሰላምን ህድኣትን ዚትክእ መለኮታዊ ቓል እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ምስጢረ ቊርባን ዝሰርዓሉ ምሸት “ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ፡ ብኣይውን እመኑ፡ … ሰላም እሓድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ (ሰላም)፡ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን።ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።” ብምባል ኣዝዩ ዓብዪ መለኮታዊ ህያብ ሂብዎም ነበረ (ዮሃ 14፡ 1, 27)። እንተዀነ ሕጂ ልቦም ብፍርሃትን ስምባደን መሊኡ ስለዝነበረ ፡እቲ መስፍን ሰላም ዝዀነ ጐይታኦም ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” እንተበሎም፡ ምትሃት መሲልዎም ኣዝዮም ሰምበዱ።ምትሃት ማለት ብኣካላዊ መልክዕ ዚግለጽ ሰይጣናዊ (ርኹስ) መንፈስ ማለት እዩ። ርኹስ መንፈስ፡ ኪርብሽን ኪሓርድን ኪሰርቕን ስለዚመጽእ፡ነቶም ግዳያቱ ሰላምን ሰናይን ክምነየሎም ኰነ ኺህቦም ኣይክእልን እዩ። ኪህብ እንተደለየ እኳ ኣይክእልን’ዩ።ምኽንያቱ ንሱ ናይ ሽበራን ራዕድን ናይ ሞት ንመስፍን እዩ።እምነት ንሰላም ንዝረሓቖ ልቢ፡ነቲ ቅዱስ ጐይታን ነቲ ርኹስ ምትሃትን ፈልዩ ኼለልይ ክሳዕ ዘይክእል ክሳዕ ክንድ’ዚ እዩ ዚጕዳእ። ጐይታ በቲ ንመንነቱ ዘርኣይዎ ግብረ መልሲ ኣዝዩ ስለዝጐሃየ፡ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም (ክሳዕ ክንድዚ) እትስምብዱ፧ ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል፧” ብምባል ብኣግርሞት ሓተቶም። ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ምሉእ ካባታቶም ከይተፈልየ ዝመሃሮምን ዘሰልጠኖምን ከምዚ ንኪዀኑ ኣይነበረን። ምእንትኦም እዚ ዅሉ መሪር ዋጋ ኸፊሉ ሰላሙን እምነቱን ኣውሪስዎምን ኣብ ልቦም ተኺሉን ኬብቅዕ፡እቲ ሰላም ኰነ እቲ እምነት ጠፊኡ ኺጸንሖ ኣይተጸበየን። እምነት ዘጕደለ ሰብ፡ ሰላሙ ይጠፍእ፡፡ ሰላሙ ዘጥፍኣ ልቢ ድማ ምስትውዓሉዩ ዚድፈን። ጐይታ ኸም ምትሃት ኰይኑ እንተ ተራእይዎ፡ ብኣንጻሩ ድማ እቲ ምትሃት ጐይታ ዀይኑ ይረኣዮ እሞ፡ ንእኡ ይስዕቦ። ከይተረድኣካ ድማ ናይ ጐይታ ለውጢ ትገብር ማለት እዩ። ኣእምሮ ሰብ ብናይ ኣምላኽ ሰላም ጥራይ’ዩ ተሓልዩን ረጊኡን ኪነብር ዚኽእል።ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንሰብ ፊሊጲ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቚ።እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ኪሕልዎ እዩ።” ብምባል ጸሓፈሎም (ፈሊ 4፡6,7)።ኣዝዩ ብሉጽን ልዑል ደረጃ ብልሒ (IQ) ዘለዎ ኣእምሮ ኻብ ዚህልወካ፡ ሰላም ኣምላኽ ክህልወካ ኣዝዩ ዝበለጸን ተመራጽን እዩ። ኣእምሮ ኽንዲ ዝደለዮ እንተ በልሐ፡ ተመሊሱ ድኣ ነቲ ወናኒኡ ይሓርዶን ይጐድኦን እምበር ዚጠቕም የብሉን። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታ፡ ጥበብ ጠቢባን ኬጥፍእ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ኬፍርስ ዝተገልጸ። ስለዚ ኸኣ፡ “ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣባይ ኣሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም ዚኣኸ ኣባይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም ዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧” ዚብል ቃል ተጻሕፈልና። ሰላም ኣምላኽ ዝሓደሮ ልብን ኣእምሮን ግና እቲ ዝዓበየ ሃብቲ እዩ። ካብ ስምባድን ሻቕሎትን፡ ካብ ሓጥእ ሓስባትን ተግባራትን ንጹህ እዩ። ሰላም ዘይብልካ ምዃን ናይ ረሲእነት ምልክትን ጻማን ምዃኑ፡ ነብዪ ኢሳይያስ፡ “ እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ዚናወጽ ባሕሪ እዮም፡ ኪሃድእ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ማያቱ ጭቃን ርስሓት የውጽእ። እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን፡ ይብል ኣምላኸይ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ኢሳ 57፡20,21)። እምበኣር ሰለም ብዘይ ምኽንያት ከምዘይጠፍእ ነስተውዕል። ምስ ገዛእ ርእስና፡ ምስ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት፡ ምስ ኣምላኽ ዘለና ሰላም ኪዝረግከሎ፡ ኣብ ህይወትና ሓጢኣት (ረሲእነት) ነጊሱ ኸም ዘሎ ፈሊጥና ርእስና ንመርምር። ናይ ነብዩ ዮናስ ዘይምእዛዝ፡ ንርእሱ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዅሎም መጓዕዝቱ፡ ነታ መርከብ፡ነቶም ኣብ ውሽጢ’ቲ ባሕሪ ዚነብሩ ዓሳታትን ሰላም ኣይሃበን። ነቲ ሓጢኣትን ነቲ ሓጥእን ኣውጺኦም ምስ ደርበይዎ ግን ኵሉ ነገር ጸጥ በለ፡ እቲ ዝጠፍኣ ሰላም ተመልስ። ነቲ ንሰላምና ዝዘረገ ሓጢኣት ካብ ህይወትና ኸየርሓቕና፡ ሰላም ኪህልወና እንተደለና፡ ዘይክውን ነታ ዊንታን፡ ባህግን ትጽቢት ንዀይኑ እዩ፡ ዝተርፍ። ጐይታና ሰማያዊ ኽብሩ ሓዲጉ ሰብ ዝዀነን፡ እዚ ዅሉ ሓሳረ መከራ ዝጸገበን ነቲ ዝጠፍኣ ሰላምና ምእንቲ ኺመልስ እዩ። ቅዱሳን ነብያት፡ እቲ ንምድሓንና ዚውለድ ህጻን ኢየሱስ፡ ስሙ “ብርቱዕ ኣምላኽ ፡ ኣቦ ዘለኣለም ፡ መስፋን ሰላም” ከምዚስመይ ነገሮምና እዮም (ኢሳ 9፡6)።ኣብ መብልዕ ማል ምስ ተወልደልና ድማ፡ ሰራዊት ሰማይ፡ “ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ስላም ድማ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት “ ኢሎም ብምዝማር፡ እቲ ብክርስቶስ ዝርከብ ሰላም ነቶም ንኣምላኽ ዘስመርዎ ሰባት ጥራሕ ከም ዝተዳለወ ኣበሰሩና (ሉቃ 2፡13-14)። ክርስቶስ መከራ መስቀል ዝተቐበለሉ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ብትንቢት፡ “ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ በሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና።” ብዚብል ቃል ተገልጸልና (ኢሳ 53፡5)። ምእንቲ ሰላምካ እዚ ዅሉ ስቓይ ተቐቢሉልካ ኼብቅዕ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ሰላምካ ምጥፋእ እምበኣር ነዚ ዅሉ ዝኸፈሎ ዋጋ ከንቱ ምግባር ማለት እዩ። ክርስቶስ ምእንቲ ሰላምና ኸም ዝሞተ፡ሃዋርያት’ውን “ንሱ ነዞም ክልተ (ኣህዛብን ኣይሁድን) ሓደ ዝገበረ ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ከልካሊ ቐጽርውን ዘፍረሰ ሰላምና እዩ። ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡…ነቲ ጽልኢ፡…ብስጋኡ ስዒሩ፡ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ቐቲሉ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ከኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም (ናባኻትኩም) መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም።” ኢሎም ገለጹልና (ኤፌ 2፡14-18)። እምበኣር እቲ ብኸምኡ በዘይ ዋጋ ዝተቐበልናዮ ሰላም ኣምላኽ ደም ክርስቶስ’ዩ ዋጋኡ። ንሕና እኳ ዝኸፈልናሉ እንተዘይብልና፡ ክርስቶስ ግና ልዕሊ ዚግባእ ከፊሉሉ እዩ። ሰላምካ ኣጥፊእካ፡  ዋላ ሓንቲ ኸምዘይጠፈኦ ሰብ ሸለል ክትብሎ ኣይግብእን እዩ። ብገንዘብ ዝዓደግካዮ ወርቂ ኣጥፊእካ ደቂስካ ኣይሕደርን እዩ። እቲ ሕጂ ብዘይ ክፍሊት ዝተቐበልካዮ ሰላም ብኸንቱ እንተ ኣጥፍእካዮ፡ ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ ግና ክትከፍሎ ኺብየነልካ እዩ። ነቲ ስቓይን ደምን ሞትን ናይ ክርስቶስ ድማ ከፊልካ ስለዘይትወጾ ንዘልኣለም ኣብቲ ናይ መሪር ጸበባ ስፍራ ኽትነብር ኢኻ ማለት እዩ።

ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከምዘሎኻ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ትምራሕን ሓሳብ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ኸም ዘሎ እትፈልጥ ሰላም ኣምላኽ ንልብኻ ይገዝኦ እንተ’ልዩ ጥራይ እዩ (ሮሜ 8፡6 14፡17 ገላ 5፡22-23)። እግዚኣብሄር ነቶም ናቱ ዝዀኑ ብሰላሙ እዩ ዚባርኾም (መዝ 29፡11)። እቶም ንሕጊ ኣምላክ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም (መዝ 119፡65 ምሳ 3፡17)።ነቲ ኣብኡ ዝተማሕጸነ ጽኑዕ ሃቐና (እምነት) ዘለዎ ሰብ፡ እግዚኣብሄር ፍጹም ብዝዀ ሰላም እዩ ዚሕልዎ (ኢሳ 26፡3)። ስለዚ ድማ፡ “ኣየ! ትእዛዛተይ ሰሚዕካ (ተኣዚዝካ) እንተ ትኸውንሲ ሰላምካ ኸም ወሓዚ ፡ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ” ብምባል፡ ነቶም ዚኣምንዎን ዚእዘዝዎን ከም ዛራ ማይ ብዘየቋርጽ ሰላም ከምዚባርኾም ገለጸልና (ኢሳ 48፡18)።እምበኣር ከምቶም ሓሰውቲ ናይ ጥበራ ነብያት፡ “ሰላም ዘየልቦስ፡ “ሰላም፡ ሰላም” እናበሉ፡ ነቲ መውቃዕቲ (መስበርቲ) ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ” ዝተባህለሎም ከይንኸውን፡ ሰላም ዘይብልና ኽንስና፡ ሰላም ዘሎና እናመሰልና፡ ነዚ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎ፡መሪር ዋጋ ዜኽፍለና መንፈሳዊ ቚስልና ብሸለልትነት ኣይንሓዞ። ሰላም ኣምላኽ ዘይብልካ ምዃን ናይ ኣምላኽን ናይ ወንጌልን ሰብ ዘይምዃንካ፡ ካብቲ ወሃብ ሰላም ዝዀነ ኣምላኽ እዚኻ ርሒቕካ ከም ዘሎኻ፡ ንመከራን መስዋእትን ናይ ክርስቶስ ኣባኻ ኣባኺንካዮ ኸምዘሎኻ ዜመልክት ናይ ሞት ምልክት እዩ እሞ ፡ኵላትና ሰላም ክርስቶስ ንቀበል።ነቲ ዝተቐበልናዮ ደም ክርስቶስ ዝዋጋኡ ሰላም ድማ ክሳዕ ዕለት ሞትና ንዓቅቦ። ኬራስነናን ኬቐንዝወናን  ከሎ ምሕማምና ተረዲእና ናብ ሓኪም ከም እንጓየይ፡ ሰላምና ኺጠፍእ ከሎ ድማ፡ ናብቲ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክ ብዝሞተልና መስፍን ሰላም ንጉየ፡ ነእጋርና ድማ ናብ መገዲሰ ላምነቕንዓየን። ኣምላኽ ሰላም ይርድኣና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። 

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 19 ሚያዝያ 2020 (ሚያዝያ 11, 2012 ግእዝ)

 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባትን ስብከትን

 

መዝ 77/78፡ 65-66 “ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም። ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን። ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ።” “ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ።ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፣ ንዘለአለማዊ ነውሪ ሀቦም።”

ዓዲ

(መዝ 117/118፡24-25) “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ ኣድኅንሶ።” “እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣድሕን ኰታ፣ ኣታ እግዚኣብሄር፣ ኣሰልጥን ኰታ።”

 

 

 

ኣንባቢ

ንባብ

 

ዲያቆን

1ቆሮ  15፡20-41

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ዲያቆን

1ጴጥ 3፡15-22

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ካህን

ግብ 2፡22-36

 

ካህን 

ወንጌል: ዮሃ 20፡1-18

 

ቅዳሴ ዘድዮስቆሮስ

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div