S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሆሳእና!!


‘ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡’ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም።” ማቴ 23፡38-39። እንሆ፡ ድሕሪ ሾብዓተ ሰናብትን ሳምንትን ናይ ጾም፡ ናብዚ “ሆሳእና” ዝተሰምየ ሓያሎ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ፡ናብ ሕማማት ዜስግረና በዓል በጽሒና ኣሎና። እዚ ናይ ሆሳእና ዕለት’ ዚጽምብል ደኣ ይመስል እምበር ናይ ምህለላን ምሕጽንታን መዓልቲ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ “ሆሳእና” ዚብል ናይ እብራይስጢ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ “ኣድሕን” ማለት እዩ። እዚ ቃል ትንቢት እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብኣፍ ነብዪ ዳዊት፡ “ ዎ እግዚኣብሄር ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣሰልጥን (ኣዐውት) ኰታ። እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡”

ተባሂሉ ዝተነግረ እዩ (መዝ 118፡25-26)። ኣብታ እዚ ትንቢት ዚፍጸመላ ዕለት ድማ፡ እቲ ህዝቢ፡ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም” እናበለ ንክርስቶስ ተቀበሎ። እቲ ብነብዪ ዘካርያስ፡ ዝተነግረ፡ “ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሓጐሲ፡ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም እልል በሊ፡ እንሆ ንጉስኪ፡ ንሱ ጻድቕ፡ መድሓንን ትሑትን እዩ፡ ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕቢ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ።” ዚብል ቃል ትንቢት’ውን ብተግባር ተፈጸመ (ዘካ 9፡9)። ቈልዑ ዓው ኢሎም፡ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት” ኢሎም ብምጭዳሮም፡ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ምስ ተቓወሙን ድማ፡ እቲ ብነብዪ ዳዊት፡ “ምእንቲ ተቓውምትኻ፡ ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፡ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ሓይሊ ኣዳሎኻ።” ዝተባህለ ትንቢት ፍጻመ ረኸበ (መዝ 8፡2)። ስለዚ ሆሳእና ዕለት ፍጻመ ናይቲ ቕድሚ ኣማኢትን ኣሻሓትን ዓመታት ዝተነግረ ዓበይትን ኣገደስትን ትንቢታት እዩ።

እዚ “ሆሳእና”ወይ “ኣድሕንኰታ” ዚብል ጸሎት እምበኣር ነቲ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ዚቅበሎ መከራ መስቀልን ዚሞቶ ቤዛዊ ሞትን ዜመልክት መዝሙር’ዩ ዝነበረ። ህዝቢ ኢየሩሳሌምን፡ ነቲ በዓል ፋሲካ ኣይሁድ ንምኽባር ካብ ኵሉ ዅርናዓት ናይታ ሃገርን ዓለምን ዝተኣከቡ ኣይሁድን፡ ንኢየሱስ ካብ ልቦም ስለ ዝተቐበልዎን ስለ ዘኽበርዎን ኣይኰኑን ንጐይታና ብኸምዚ ዝበለ ዓጀባ ዝተቐበልዎ። ደቀ መዛሙርቱውን እንተዀነ እንተ ወሓደ ሰለስተ ጊዜ ካብ ምድሪ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ተመላሊሶም እዮም። ከምዚ ግን ገይሮምሉ ኣይፈልጡን እዮም። እምበኣር ከምዚ ገይሮም ኪቕበልዎን ኬክብርዎን ዝደፍፋፈአን ዘለዓለን፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ እዩ። ስለዚ ድማ እዮም፡ እቶም ሃይማኖታውያን ሰበ-ስልጣንን፡ እቶም ሓያል ሰራዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሮም ሮማውያን ኪዓግትዎ ዘይከኣሉ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ዮሃንስ፡  “ስለዚ ኺሕዝዎ ደለዩ። ጊዚኡ ስለ-ዘይበጽሐ ግና፡ (ሓደኳ) ኢዱ ዘልዓለሉ የልቦን።” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ (ዮሃ 7፡30)። እቶም ሰብ ኢየሩሳሌም ድማ፡ “ እቲ ኪቐትልዎ ዚደልዩስ እዚዶ ኣይኰነን፡ እንሆ ንሱ ብግሁድ ይዛረብ ኣሎ፡ ንሳቶም’ውን ገለ ኣይበልዎን።” እናበሉ ይግረሙ ነበሩ (ዮሃ 7፡25, 26)። ስለዚ ኣብታ ህሞት እቲኣ ንስልጣኖም ብመንፈሱ ስለ ዝዓገቶ ዋላ ሓንቲ ኺገብሩ ኣይከኣሉን። እቲ መንፈሱ’ውን ነቲ ህዝቢ ስለ ዘለዓዓሎ ስቕ ኪብል ኣይከኣለን። ጐይታና ኽዳውንቶም ኣብ ባይታ ኣንጺፎም ኪቕበልዎ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ኪሕጐስ ኢኻ ትጽቢት እትገብረሉ። “ኣድሕንኰታ፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ” ዚብል ቃሎም ኬሕጕሶም ምተገብኣ ነይሩ። 

ጐይታና ግና፡ ከምቲ ወንጌላዊ ሉቃስ ገሊጹልና ዘሎ፡ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረበ ከምዚ ኢሉ ኣልቀሰላ፡ “ ኣየ-ንስኺ! በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ!!  ሕጂ ግና ካብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ፡ ጸላእትኺ ቀጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ክትመጸኪ እያ እሞ፡ ኪኸቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም። ዘመን ምሕረትኪ ስኣን ምፍላጥክስ፡ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኪ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሓድጉልክን እዮም።” ብምባል ነገራ (ሉቃ 19፡41-44)። ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ኵሉ ዚፈልጥ ፍጹም ኣምላኽ ስለ-ዝዀነ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ዚገብርዎ ዘለዉ ደጋዊ ኣቀባብላን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ውሽጢ ልቦም ዘሎ ዘይምእማን ንዘሎ ዓብይ ፍልልይ ይፈልጥ እዩ። “ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ” ኢሎም ተቐቢሎምዎ ኽነሶም፡ ደጊሙ፡  “ኢየሩሳሌም፡ ኢየሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትጭፍልቒ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆን ጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ክእክቦም ዘይደሌኹም እሞ ኣቤኹም። ደጊም፡  “ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡” ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ፡ እንሆ፡  “ቤትኩም ዓንያ ኽትተርፍ እያ፡’ እብለኩም ኣለኹ።” በሎም (ማቴ 23፡37-39)። ካብዚ ኣበሃህላኡ ኸም እንርድኦ እምበኣር፡ ነዚ ሽዑ  “ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ” ዝብልዎ ቓሎም ኣይተቐበሎን ኣሎ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ልቢ እዩ ዚደልያ። ነቲ ብኸናፍሩ ዚቐርቦ ብልቡ ግና ዚርሕቆ ግብዝ ውልቀ ሰብን ህዝብን ኣይቕበሎን እዩ። እቲ መዝሙሮምን ኣቀባብላኦምን ግብዝ ምንባሩን ኺቃላዕ ድማ ሓደ ሰሙን እኳ ኣይወሰደሉን። ተታሒዙ ንፍርዲ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ምስ ቀረበ እሞ ጲላጦስ ንበርባንን ንክርስቶስ ኣቕሪቡ ንመን ኪፈትሓሎም ከም ዚደልዩ ምስ ሓተቶም ንባርባን፡ ነቲ ቐታሊኦም፡ ኪፈትሓሎም መረጹ። “ንክርስቶስከ እንታይ ክገብሮ፡” ኢሉ ደጊሙ ምስ ሓተቶም ከኣ፡ በቲ “ሆሳእና ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ” ዝበለሉ ልሳኖም፡ “ ንየው በሎ፡ ስቐሎ፡ ስቐሎ” ኢሎም ኣሕሊፎም ሃብዎን ኣቕተልዎን። እዚ ድማ እቲ ኣቀባብላኦም ናይ ሓቂ ዘይምንባሩ ንድሕሪት ተመሊስካ ክትግንዘቦ ዚገብር እዩ። ክርስቶስ ኣብታ ኽብሪ ዝረኸበላ እንኮ መዓልቲ ኺበክይን ኪድጉዕን ዚገበሮ ድማ ንሱ እዩ።

እምበኣር ንሕና’ውን ኣብዚ ኽቡር ዕለት ምልስ ኢልና ርእስና ንመርምር ።እዚ ቕዱስ ጽሑፍ እዚ መለበሚና ኪዀነና’ዩ ዝተጻሕፈልና። ሰብ ኢየሩሳሌም ዝገበርዎ ዕሽነት ከይንደግም ንጠንቀቕ። “ሆሳእና” ኢልና ብድምቀት ዘሚርናን ኣሸብሺብናን ከነብቅዕ፡ ኣብቲ ማሕበራዊ ህይወትና ግና ንክርስቶስ ብሓጢኣትና ንሰቕሎን ንሽንክሮን ከይንህልው፡ ንሕና እናዘለልና ኸሎና ጐይታና ግን ኣብቲ ስፍራ ሓጐስን ናይ ክብሪ ዝፋንን ኰይኑ ብዛዕባና ይበክይን የልቅስን ከህይልው ንሕሰብ። እቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ክነሶም ኣብ ሓጢኣት ዚነበሩን፡ ፈትዮም ኣብኡ ዚወድቁን፡ ደጊሞም ንክርስቶስ ሰቐልቱ ኸምዚዀኑ፡ ነቲ ኣብ መስቀል ዝፈስስ ደሙ ኸም ዚረግጽዎ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሃሎም እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ፡ እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ (ናብ ሓጢአት)፡ እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ ብግሁዶውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኺሕደሱ ኣይከአሎምን እዩ። እታ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናብ ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ብዛዕባኦም ዚሐርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረኽብ እያ። እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ ንቅፍትን ጥቓ መርገምን እያ፡ መወዳእታኣውን ምንዳድ እዩ።” ድሕሪ ምባል ኣስዒቡ’ውን  “ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን። እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ብዘይ ድንጋጽ ዚመውት። ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ንመንፈስ ጸጋውን ዝጸረፈ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም ፡ንሕናስ ነቲ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ፡ ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኺፈርዶ እዩ፡ ዝበለ፡ ንፈልጦ ኢና። ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜስክሕ እዩ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (እብ 6፡4-8 ፥እብ 10፥ 26-31)። እዚ ቓላት’ዚ ሓጢኣት ብዓይኒ ኣምላኽ ብኸመይ ከምዚረኣይ ጽቡቕ ስእሊ ንኺህበና እምበር ንስሓን ምሕረትን ከምዘየለ ገይሩ ተስፋ ኬቚርጸና ዝተጻሕፈ ኣይኰነን። ይዕበይ ይንኣስ፡ ይኽበድ ይቕለል ብዘየገድስ ኣብ ልዕሊ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ በደል እዩ ዜውርድ። ስለዚ ብኸናፍርናን ብቓላትናን ብዜደንቕ መገዲ ንሆሳእና ዘሚርናን ሰቢኽናን ፡ብናብራናን ብግብርናን ግና ንወዲ ኣምላኽ እንተ ኣዋረድናዮን እንተ ሰቐልናዮን፡ ክርስቶስ ኣብቲ ንሕና “ብሓጐስ” ንጭድረሉ ዘሎና ጊዜ ይነብዕን ይሓዝንን ከምዘሎ ንሕሰብ። 

ሆሳእና ወይ “ኣድሕን ኰታ” ማለት “ካብ ሓጢኣት ኣድሕነና” ማለት ስለ ዝዀነ፡ ፈቲና ሓጢኣት እናገብርናስ “ኣድሕን ኰታ” እንተበልናዮ፡ መዝሙርናን ብዓልናን ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ከም ላግጺ ኸይቍጸረልና ንጠንቀቕ፡ እቲ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ፡ “ኣድሕን” ዝተባህለ ኢየሱስ፡ ጻድቕን መድሕንን ትሑትን እዩ’ሞ ንሕና ድማ ኣብ ጽድቅን ትሕትናን ኴንና ነኽብሮ፡ ከመይሲ፡ “ንሓጢኣት መዊትና (ካብ ሓጢኣት ርሒቕና)፡ ብጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር እዩ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ስጋኡ ዝጾሮ (1ጴጥ 2፡24)። ኣይሁድ ክዳውንቶም እዮም ኣብ እግሩ ዘንጸፍሉ። ክርስትያን ህዝቢ ግን ንህይውቱን ኣናብራኡ’ን እዩ ኣብ ትሕቲ እግሩ ዜግዝእ። እቶም ዘይተቐበልዎ ኣይሁድ ጨንፈር ኦም ስየ ሰሊዖም ኬንጽፍሉ ኸለው፡ እቶም ዝተቐበልናዮ ክርስትያን ህዝቢ ግና፡ ነቲ ንሕና ከም ጨንፈር ናቱ ኼንና ዘፍሬናዮ ፍረ-ጽድቂ ሔዝና ኢና እንቕበሎ። ንሱ ድማ ብፍሬና ስለ ዜለልየና፡ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ነቲ ዓለም ኪፈጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግስቲ ኽትወርሱ ንዑ’ ኢሉ ኪቕበለና፡ ምስቶም ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ኣብ እዳዎም ስየ ሒዞም፡ ብደጌታት እታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዚኣትው ኪቚጸሩ ዘይክኣሉ ቕዱሳት ኺጽምብረና እዩ። እምበኣር ነዚ ኣብ ምድሪ ነብዕሎ ዘሎና ሆሳእና ፡ኣብቲ ናይ ሰማይ ሆሳእና ኸም ዘጸምብረና ጌርና ነብዕሎ። እግዚኣብሄር ይሓግዘና!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 12 ሚያዝያ 2020 (ሚያዝያ 4, 2012 ግእዝ)

 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባትን ስብከትን

 

(መዝ 117/118፡26-27)

ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር ። ባረክናክሙ እምቤተ እግዚአብሔር። እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ።

“እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፣ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና።  እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱውን ኣብረሀልና፣ .. ..።

 

 

 

ኣንባቢ

ንባብ

 

ዲያቆን

እብ 9፡11-ፍጻሜ

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ዲያቆን

1 ጴጥ 4፡1-12

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ካህን

ግብ 28፡11-ፍጻሜ

 

ካህን 

ወንጌል: ዮሃ 5፡15-29

 

ቅዳሴ ዘጎርጎርዮስ

 ሰንበት 12 ሚያዝያ 2020 (ሚያዝያ 4, 2012 ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div