S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኒቆዲሞስ

እዚ ሻብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓብይ ጾም፡ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያን “ኒቆዲሞስ”ተባሂላ ትጽዋዕ። አብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅ ንሕነ ነአምን ብከ። ከመ እምኀበ አብ መጻእከ ከመ ትኩን መምህረ። ትርጉም “ ኒቆዲሞስ  ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን። ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ።” እዚ ዕለት እዚ ኒቆዲሞስ ተባሂሉ ዝስመይ ኰይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ካልኣይን ዓብይን ልደትና ክንሓስብን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ።” (መዝ 17፡3)

ብርግጽ እቲ ቐዳማይ ልደትና እቲ ካብ ኣብራኽ ወለድና ዝተወለድናዮ ስጋዊ ልደት እዩ። በቲ ካብ ምዕራባውያን ዝተወርሰ ባህሊ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ነቲ ስጋዊ ልደቱ’ዩ ዓመት መጸ ብብዙሕ ወጻኢታት ኬኽብር ዚረኣይ። ነቲ ዝዓበየን ንዘለኣለማዊ ዕጫኡ ዚውስንን ካልኣይ ልደቱ ዚዝክር ግና ዳርጋ የልቦን ኪብሃል ዚከኣል እዩ። እቲ ቐዳማይ ልደትና ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ናይ ምንባር ዕድል ኪፈጥረልና ኸሎ፡ እቲ ኻልኣይ ልደት ግና ኣብታ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምንባር ረብሓን ክብርን እዩ ዜውርሰና። ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣብዚ ጾምን ጸሎትን ጊዜ ዓለም ብምሉኣ ብሕማም ኮረና ቫይረስ ኣብ ጨንቀት ኣብ ዘላትሉ ጊዜ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ብመሰረት ሰረተ-እምነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ እንረኽቦ ሓዲሽ ልደት፡ ኣብ ዕለተ ጥምቀትና እዩ ዚፍጸም። ነቲ “ካብ ማይን ካብ መንፈስን ዘይተወልደ” ዚብል ቃል መሰረት ብምግባር፡ ብምስጢረ ጥምቀትን (ነቲ ካብ ማይ ምውላድ) ብምስጢረ ሜሮን ድማ ነቲ ካብ መንፈስ ምውላድ ትፍጽሞ። እዚ ምስጢራት እዚ ብሓላፍነት ቤተ ክርስትያንን ወለድን ደኣ’ዩ ዚፍጸም እምበር፡ እቲ ህጻን ኣብዚ ምስጢር’ዚ ዝዀነ ውሳኔን ሓላፍነትን የብሉን። ዘይከም ኣብ ካልእ ኣብያተ እምነት፡ ደቅና ገና ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም ኣካል ናይቲ ኪዳንን ተማቐልቲ ጸጋ መንፈስ ቅዱስን ኪዀኑ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ተግባር እዩ። ኣብቲ ጽላሎት ናይ ጥምቀት ዝዀነ፡ ናይ ግዝረት ኪዳን፡ እግዚኣብሄር እቶም ናጽላታት ገና ደቂ ሸሞንተ መዓልቲ ኸለዉ፡ ናይቲ ወለዶም ምስ ኣምላኽ ዝኣተውዎ ኪዳን ኣካል ኪዀኑ ምድላዩ፡ ንኣና ዓብይ መልእኽትን ኣርኣያን እዩ። ከምቲ ብዛዕባ’ዚ ኻልኣይ ልደቶም ሓላፍነት ንምውሳድ ዝተጋህና፡ ነቲ ሰማያዊ ልደቶም ዓቂቦም ኪነብሩ ሓላፍነት ወሲድና ኸነዕብዮም ዘይምኽኣልና ግና ናይ ቤተ ክርስትያንን ኣገልገልታን፡ ከምኡውን ናይ ወለዲ ዓብይ ብዅረት ኰይኑ ይርከብ ኣሎ።

መንፈሳዊ ሓላፍነት ናይዚ ሰማያዊ ልደት ዝረኸበ ህጻን ኪወስዱ ዚግብኦም እቲ ኣበ ነፍሲ ዀይኑ ዘጥመቐ ካህንን እቶም ወለድን እቲ ኣባልገ ዀይኑ ኣብ መዓልቲ ጥምቀት መንፈሳዊ ሓላፍነት ዝወሰደ ውልቀ ሰብን እዮም። እንተ ዀነ ዝበዝሕ ካብ ህዝብና ድሕሪ መዓልቲ ጥምቀቱ፡ ብዘይካ ኣብ መዓልቲ መርዓኡን ሞቱን፡ ወይ ከኣ ደቁ ኼጠምቕን ኬመርዕውን እንተ ዘይኰይኑ ናብ ቤተ ክርስትያን ገጹ ኣይመጽእን እዩ። ካብ ኣምላኽ ሰማያዊ ልደት ከም ዘለዎ’ውን ኣይፈልጥን እዩ። ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፈልጦ’ውን ውሑድ እዩ። ህይወቱ ድማ ከም ወዲ ኣምላኽ ኰይኑ ብመንፈሳውነት ዘይኰነ፡ ከም ውሉድ ሰይጣን ኰይኑ ብዓለማውነት’ዩ ዚነብር። እዚ ድማ ፍሽለት ናይቶም ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን ክሳዕ ዚበጽሕ ሓላፍነት ናይ ህይወቱ ወሲዶም ከም ውሉድ ኣምላኽ ጌይሮም ኬዕብይዎ ዝነበሮም ኣካላት’ዩ ዜመልክተና። ውሉድ ኣምላኽ ናይ ምግባሩ ሓላፍነት ባዕልኻ ብፍቓድካ እንተ ወሲድካ፡ ከም ውሉድ ኣምላኽ ኰይኑ ከም ዚዓብይን ከም ዝመላልለስን ናይ ምግባር ሓላፍነት’ውን ክትወስድ ምተገብአ ነይሩ። እቲ ኣበ ነፍሲ፡ ናይቶም ብሓላፍነቱ ዘጥመቖም ደቂ ሓላፍነት ወሲዱ ብቐጻሊ ኺምህሮምን ሰማያዊ ልደቶም ኪነብርዎን ኪዕቅብዎን ኪረድኦም ይግብኦ። እቲ ኣባልገ’ውን ዓመት መጸ ኣብ ዕለተ ልደት ሓዲሽ ክዳን ካብ ምኽዳን ሓሊፉ ብመንፈሳዊ ህይወቱ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ኺጓስዮ ምተገብኦ። እቶም ዝወለድዎ ወለዱ’ውን ብዛዕባ ምግቡ፡ ጥዕናኡ፡ ትምህርቱ ጥራይ ካብ ምሕላይ ሓሊፎም ብዛዕባ መንፈሳዊ ህይወቱ ብዙሕ ኪሓልዩ ምተገብኦም። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ብቑዕን ጥዑይን ዜጋ ገይሮም ኣዕብዮም፡ ብዛዕባ ሰማያዊ ልደቱ ዋላ ሓንቲ ኸይፈለጠ ዓብዩ፡ ኣብዛ ምድሪ ብዓለማውነት ነቢሩ ናይ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት እንተ ኣተወ፡ እቶም ወለዲ ናይ ወላዲ ሓለፍነቶም ፈጺሞም ኪብሃል ይከኣልዶ፧ እምበኣር ኣብ ቤተ ክርስትያንናን ህዝብናን ገኒኑ ዚረኣይ ዘሎ ጸገም፡ ሰማያዊ ልደት ምርካብ ዘይኰነስ፡ ሰማያዊ ልደትካ ክሳዕ ዕለተ ሞትካ ዓቂብካ ምንባር እዩ። ቤተ ክርስትያንና እዚ “ኒቆዲሞስ” ኢላ ዝሰርዓቶ ሳምንቲ ብዛዕባ’ዚ ሰማያዊ ልደትና ኣዕሚቝና ምእንቲ ኽንሓስብን ክንምርምርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ካህን ናይ ገዛእ ርእሱን ስድራ ቤቱን ናይቶም ኣበ ነፍሶም ዝዀነ ዅላቶም ምእመናን ሰማያዊ ልደት፡ ነፍሲ ወከፍ ወላዲ ናቱን ናይ ደቁን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባልገ ድማ ናቱን ናይቶም ብማሕላ ዝተቐበሎም ሰባትን ሰማያዊ ልደት መርሚሩ ጐደሎኡ ኺምልእ ሓላፍነቱ ዜሐድሰሉ ኣገዳሲ ሳምንቲ እዩ። ሓደ ሰብ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ውልድነት ዓቂብዎዶ ኣሎ ወይስ ኣጥፊእዎ ንኺፈልጥ ህይወቱን ኣካይድኡን ጥራይ’ዩ ኺምርምር ዚግብኦ። ኣብቲ ሰማያዊ ውልድነትና ጸኒዕና ምህላውና ንዘይምህላውናን እንፈልጠሉ ንጹራት መንፈሳውያን ምልክታት ተዋሂቦምና እዮም።

እቲ ቀዳማይ ምልክት ድማ እምነት እዩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምልኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።” ከም ዝበለ፡ እቶም ኣብ እምነት ዘለው ጥራይ እዮም ኣብቲ ሰማያዊ ውልድነቶም ዚህልዉ (ዮሃ 1፡12)። እቶም ሃዋርያት ንምዃን ዝተሓርዩ ደቀ መዛሙርቲ፡ ብክርስቶስ ብምእማኖም እዮም ክርስትያን ካብ ምዃን ሓሊፎም ንሃዋርያነት ዝበቕዑ። እንተ ዀነ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ጐይታና፡ “ኣቱም ጕዱላት እምነት” እናበለ ይነቕፎም ነበረ (ማቴ 6፡30፣ 8፡26፣ 14፡31፣ 16፡8፣ ሉቃ 12፡28፣ ማቴ 17፡19-20)። ንሳቶም’ውን ድኻሞም ስለ ዝተረድኦም፡ “እምነት ወስኸና” ኢሎም ይልምኑዎ ነበሩ (ሉቃ 17፡5)። ብኣንጻሩ ካብ ዓሌት ኣህዛብ (ዘይ-እስራኤላውያን) ዝዀኑ ሰባት ንዘርኣይዎ ዓብይ እምነት’ውን ኣዝዩ ኼድንቕ ከሎ ተሰሚዑ እዩ (ማቴ 8፡10፣ 15፡28)። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ኣብ ህይወትና እናወሰኹ ኪኸዱ ካብ ዘለዎም መንፈሳውያን ሃብታት ሓደ፡ እምነት ምዃኑ ነጊሩና እዩ (2ጴጥ 1፡5)። ሃዋርያ ጳውሎስ’ውን ነቶም ብክርስቶስ ኣሚኖምሲ ብዙሕ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉ ኣገልገልቲን ምእመናንን ናይ ቈረንቶስ ቤተ ክርስትያን “ኣብ እምነት ምህላውኩምን ዘይምህላውኩምን ምእንቲ ኽትርድኡ፡ ንገዛእ ርእስኹም መርምሩ፡ ከምኡውን ፈትኑ። ጨሪስኩም ኣብ መርመራ ወዲቕኩም እንተ ዘይኴንኩምሲ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎ ክትፈልጡ ኢኹም” ከም ዝበሎም ንሕናውን ርእስና ኽንምርምር ይግብኣና እዩ። እቲ ኣብ ናይ እምነት መርመራ ዝወደቐ ሰብ ክርስቶስ የብሉን። ስለዚ ድማ ውልድነት የብሉን ማለት እዩ። (2ቈረ 13፡5 ካ.ት.)

እቲኻልኣይ ምልክት ድማ “እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዩ’ም፥ ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 8፡14)። ፍቓድ ኣምላኽ ክንፈልጥን ክንፍጽሞን ዜኽእለና መንፈስ ቅዱስ እዩ። እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘይምራሕ እምበኣር ብፍቓድ ርእሱ ስለ ዝምራሕ ውልድነት ኣምላኽ ከም ዘይብሉ ዝተረጋገጸ እዩ።

እቲ ሳልሳይ ምልክት ውልድነትና፡ “ገብርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ኪብሃሉ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም” ብምባል ጉይታ ገሊጹልና ኣሎ (ማቴ 5፡9)። ነቲ ናይ ሰላም ንጉስ ዚስዕብ ሰብ ገባሪ ሰላም ኪኸውን ናይ ግድነት እዩ። ስለዚ ኣብ ኵሉ ማሕበራውን መንፈሳውን ዝምድናታቱ ብሰላም ኪነብር ዘይክእል ሰብ፡ ውሉድ ሰላም ተባሂሉ ኺስመይ ኣይበቕዕን እዩ። ምኽንያቱ ኣብዛ ህውከትን ዕግርግርን ዝመልኣ ዓለም፡ እግዚኣብሄር ልኡካት ሰላም ክንኰኖ እዩ ዚደልይ። “እቲ ብስራት ዜበስራ፡ ሰላም ዜውርይ፡ ሰናይ ዘበስራ፡ ምድሓን ዜውሪ. . . ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን” ከም ዝተባህለ እቲ ናይ ሰላም ሰብ ጥራይ እዩ ኣብዛ ሓጥእ ዓለም ብጽድቂ ኺስጕም ዚኽእል (ኢሳ 52፡7)። ስለዚ ድማ “ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝረኸብኩምዎ ሕብረት፡ ብማእሰር ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልውዎ ተጋደሉ። … ብወገንኩም ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክትነብሩ ዚከኣለኩም (ኵሉ) ግበሩ።” ተባህለልና (ኤፌ 4፡3፣ ሮሜ 12፡18 ካ.ት.)። 

እቲ ራብዓይ ምልክት ውልድነትና ድማ “ጽድቂ ዘይገብርን ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ዲያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ።”ብዝብል ንጹር ቃል ተነጊሩና ኣሎ (1ዮሃ 3፡10)። ስለዚ ብጥምቀት ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተወልደ ሰብ፡ ምፍቃርን ካልእ ኵሉ ግብሪ ጽድቅን ሓዲጉ፡ ሓጢኣት ዜዘውትር እንተ ዀይኑ፡ ካብ ውልድነት ኣምላኽ ናብ ውልድነት ሰይጣን ከም ዝተሰጋገረ ነጋሪ ኸየድለዮ ባዕሉ ርግጸናኛ ኪከውን ይኽእል እዩ።

እቲ ሓሙሻይ መለለዪ ምልክት ሰማያዊ ልደት ድማ ኣብ ፊሊ 2፡15 “ከምቲ ከዋክብቲ ኣብ ዓለም ዜብርሁ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ እንታ ዘይብሎምን ንጹሃትን ኣበር ዘይብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም ኣብርሁ” ብምባል ኣፍሊጡና ኣሎ። እቲ ነቲ ምስኡ ዘሎ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ መሲሉ ኣበርን መንቅብን ዝመልኦ፡ ንጽህና ዝረሓቖ፡ ብግብሪ ጸልማት ዝተመልአ ህይወት ዚመርሕ ሰብ ግን፡ ብደም ክርስቶስ ዜላግጽ ካብ ውልድነት ኣምላኽ ኣዝዩ ዝረሓቐ ሰብ እዩ። ስለዚ እቲ ውሉድ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምንን፡ ናይ ብሓቂ ድማ ውሉድ ዝዀነ ሰብ፡ ነቲ ግብርታት ጸልማት ኣርሒቑ ግብሪ ብርሃን ብምግባር ውሉድ ናይቲ ብርሃን ዝዀነ ኣምላኽ ምዃኑ ኼረጋግጽ ይግብእ። እምበኣር፡ ብክርስቶስ ተጠሚቕና፡ ኣብቲ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀን መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕና ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ዝዀንና ኵላትና፡ ነቲ ብደም ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ዝረኸብናዮ ውልድነት ክንነብሮ፡ ክንፈርየሉ፡ ንኣምላኽ ከነኽብረሉ እምበር፡ ንእኡ ኣጥፊእና ውሉድ ዲያብሎስ ኴንና ኸይንርከብ፡ ርእስና እናመርመርና ኽንነብር፡ እዚ ዝተነብበልናን ዝተነግረናን ቃል ወንጌል ይምዕደና ኣሎ። ኣብዚ ጊዜ ጾምን ጸሎትን ዓለም ብሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዝረግፍሉ ዘለዉ እዋን ፡ኣምላኽ ውልድነትና ኸነጽንዕ ብጸግኡ ይርድኣና!! ኣሜን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 5 ሚያዝያ 2020 (መጋቢት 27, 2012 ግእዝ)

 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባትን ስብከትን

 

መዝ 16/17፡3

“ሐወፅከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ። አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመፃ በላዕሌየ። ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ ዕጓለ እመሕያው።”

“ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ።”

 

 

 

ኣንባቢ

ንባብ

 

ዲያቆን

ሮሜ 7፡1-14

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ዲያቆን

1ዮሃ 4፡1-10

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ካህን

ግብ 5፡34-ፍጻሜ

 

ካህን 

ወንጌል: ዮሃ 3፡1-21

 

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ ማርያም (ጐሥዓ)

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div