S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ገብር ኄር” እቲ ሕያዋይን እሙንን ባርያ

እዛ ሻዱሸይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓቢ ጾም እዋን ‘ገብርሄ’ ተባሂላ ትጽዋዕ። አብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “መኑ ውእቱ ገብር ኄር ወምእመን፡ ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ ወይሠይሞ ዲበ ኵሉ ንዋዩ። ትርጉሙ ከአ፡ እሙን ባርያ መን እዩ፧ ሰናይ ክገብር ንዝጸንሖ ጐይታ ኣብ ኩሉ ንብረቱ ክሸሞ እዩ።” ኣብዚ ዕለት እዚ ብዛዕባ እሙን አገልጋሊ፡ ንኣገልገልቲ ዘገልግለሉ ጸጋ ዝሃበ እግዚአብሄር፡ ንሰባት ኵሎም ፍጡራት ዝሃቦም ውህበት ጸጋ፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ አምላክ ዝህቦ ውዕለት እንዳ ተዘከረ ዝዝመረሉ፡ ዝስበኸሉ፡ ዝሕሰበሉን ሰሙን እዩ።  ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፣ እንሆ፣ ከናፍረይ ኣይዐጾኹን፣ ጐይታየ፣ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ።” መዝ 40፡8-9 ዝበሎ መሰረት ብምግባር ኣብዚ ጾምን ጸሎት ጊዜ ህይወት ንዕኡ ንምግልጋል ድላዋት ክንከው ከመይ በቲ ዝተዋህበና ጸጋ ኣብዚ ከቢድ ጊዜ ሽግር ብእሙንነት ከነገልግል ምሕሳብ ከድልይ እዩ። ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ሰንበትን ሳምንትን እዚ “ገብር ኄር” ወይከኣ “ሕያዋይ ባርያ” ኢላ’ያ እትጽውዖ። ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋልን ምእመንን ብዛዕባ’ቲ ከከም ዓቕሙ ኻብ ኢድ ኣምላኽ ዝተቐበሎ ዓይነትን መጠንን ናይ መክሊት ኬስተንትን ንርእሱ ኺምርምርን ዝተሰርዐ ኣገዳሲ ጊዜ ድማ እዩ። ኣብዚ ናይ ጾም ጊዜ ኣዚና ኽንሓስበሉ ዚግብኣና ኣርእስቲ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ጾም እናጾምናዮ ኽነስና፡ ብዛዕባ’ቲ ኣምላኽ ብሕድሪ ዝሃበና መክሊት ርእስና ምምርማርን፡ ዘጉደልናዮ ምፍጻምን እንተ ረሲዕናዮ፡ ነቲ ጾምና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነትን ክብርን ከም ዜስእኖ ኸነስተውዕል ዝተመደበልና ጊዜ እዩ።

ዝበዝሕ ጊዜ መክሊት ኪበሃል ከሎ ምስ ስብከተ ወንጌል ጥራይ ዚተሓሓዝ ጥራይ’ዩ ዚመስለና። ብርግጽ ንሱ ርእሲ ዂሉ መክሊት እኳ እንተ ዀነ፡ መኽሊት ክብሃል ኸሎ ግና ንዂሉ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ ገንዘብን ሓይልን ጊዜን ንብረትን ኣእምሮን ትምህርቲን ሞያን ወዘተን ዜጠቓልል ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን። ስለዚ ዝዀነ ብህይወት ዘሎ እሞ፡ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበሎ መክሊት ዘይብሉ ሰብ ኪህልው ኣይክእልን እዩ። ናይ ገንዘብ መክሊት ካብ ኣምላኽ ዝተቐበለ ሰብ፡ ነቲ ገንዘቡ ሚእቲ ሚእታዊት (100%) ኬባዝሖ እግዚኣብሄር ይጽበዮ ማለት ግና ኣይኰነን። በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ገንዘብ ገይሩ ብሰናይ ግብሪ ብዕጽፍታት ኪህብትም ግና እግዚኣብሄር ዚጽበዮ ንዚጸባጸቦ ንሓላፍነቱ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዝተዋህቦ ናይ ጊዜ መክሊት ድማ፡ ነቲ ኣብቲ ጊዜ እቲ ኺገብሮ ዚግባእ መንፈሳዊ ዕዮ ብዕጽፍታት ከዕብዮ ይግባእ። ስለዚ ብዛዕባ ኻብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ ነፍሲ ወከፍ ዓይነትን መጠንን ናይ መክሊት ከምኡ ኽንሓስብ ይግብኣና ማለት እዩ።

ኣብቲ ጐይታ ዝነበረሉ ዘመን ሓደ መክሊት ሽዱሽተ ሽሕ ዲናር ይሽረፍ ነበረ። ኣብቲ ዘመን እቲ ሓደ ዲናር ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ እዩ ዝነበረ። ስለዚ እቲ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ኣስታት ሰላሳ ሽሕ ዲናር ተቐቢሉ ነይሩ ማለት እዩ። ነዚ ዲናር ናብ ጊዜ እንተ ለዊጥናዮ ንኣስታት ሰማንያን ክልተን ዓመታት ዚኣክል ደሞዝ ተዋሂብዎ ኣሎ። ስለዚ ድማ ንዕድሚኡ ምሉእ ዚኸውን ጸጋን ሕድርን ተዋሂብዎ ኣሎ ማለት እዩ። ብኸምዚ ዘርዚርና እንተ ረኣናዮ እዩ እቲ ሓቀኛ ኽብደት ናይቲ ዝተዋህበ መክሊት ዚረኣየና። እምበኣር እዚ በዓል ሓሙሽተ መክሊት እዚ ኣብ ዕድሚኡ ምሉእ ኪዓይየሉ ንኪፈርየሉ ንዚግብኦ ተልእኾ ተዋሂብዎ ኣሎ። በቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ዕጽፊ ጽዒሩ ዕጽፊ ኼፍርይ ድማ ትጽቢት ይግበረሉ።  እቲ በዓል ሓሙሽተን፡ እቲ በዓል ክልተ ንመክሊት ልክዕ ከምቲ ጐይታ ኦም ዝመደበሎም ፈረዩ፡ እቲ በዓል ሓንቲ መክሊት ግን ይትረፍ ዕጽፊ ኺፈርየሉ፡ ንእኣ ነታ ሓንቲ መክሊት እኳ ኣይተጠቕመላን። ኪነብረላን ኪፈርየላን ፈቲኑ፡ ስለ ዘይሰለጦ ሓንቲ ጥራይ ሒዙ እንተ ዚጸንሕ እቲ ጐይታኡ ምተረድኣሉ ነይሩ። እዚ ሰብ እዚ ግና፡ ነዛ መክሊት ቀቢሩ፡ ካልኡ ኺሰርሕን ኪባኽን ንጊዜኡ ኣቃጸለ። ስለዚ ድማ እቲ ጐይታኡ “ኣታ ኽፋእ ሃካይ ባርያ” ኢሉ ሰመዮ። ዓቕሚ ስለ ዝሰኣነ፡ ወይ ስለዝፈርሀ ዘይኰነስ፡ ክልተ ዓንቀፍቲ ባህርያት ስለ ዝነበሮ እዩ። እቲ ሓደ ባህርይ ትህኪት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ክፍኣት እዩ። ከምቲ ትግሃት ኣምላኻዊ ባህርይ ዝዀነ፡ ትህኪት ድማ ሰይጣናዊ ባህርይ እዩ። ትግሃት ኣዝዩ ሃናጽን ኣርባሕን ባህርይ እዩ። ነቲ ዝለኣኸካ ጐይታን ንኣኻን ዜርብሕ እዩ። እቶም ዕጽፊ ዜፍረዩ፡ ነቲ ዝለኣኾም ጐይታ ጥራይ ዘይኰነ ዜርብሑ፡ ንርእሶም ዝረኸብዎ ክብርን ረብሓን ድማ ዓብዪ ነበረ። እቲ በዓል ሓደ መክሊት ግና ብውሽጡ ኽፋእ ስለ ዝነበረ፡ ንጐይትኡ ምእንቲ ኸየርብሕ ኢሉ እዩ ብትህኪት ኣእዳውን ኣእጋኡን ዓጺፉ ጸጋኡን ዕድሚኡን ዘበኸነ። ስለዚ እቲ ኽንገብሮ ዝተዋህበና ተልእኾ ካብ ምግባር ክንበኵር ከሎና እቲ ዚስምዓና ንእነቕርቦ ንምኽንያት ካልእ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ልቢ ዚምርምር ኣምላኽ፡ ዚፈልጦ ሓቀኛ ምኽንያት ግና ካልእ እዩ። እግዚኣብሄር ነታ ሓንቲ መክሊት ክህቦ ኺውስን ከሎ፡ ዓቕሙ ምዃና ፈሊጡ እዩ ዝሃቦ፡ ምኽንያቱ፡ እቲ ጽሑፍ ንዂሎም ከከም ዓቕሞም ከም ዝሃቦም እዩ ገሊጹልና ዘሎ። ዓቕምና ድማ ባዕሉ ስለ ዝፈጠረናን ሰፊሩ ስለ ዝሃበናን፡ ካባና ንላዕሊ ንሱ እዩ ዚፈልጦ። ስለዚ ነቲ ኣምላኽ ዓቕምኻ መዚኑ ዝሃበካ ዕዮ ወይ ተልእኾ ናይ ህይወት፡ ልዕሊ ዓቕምኻ ከም ዝዀነ ሓሲብካ እንተ ዘይፈጸምካዮ፡ ዓመጸኛ ምዃንካ እዮ ዜርእይ እምበር ካልእ ምኽንያት ከም ዘይብልካ ርጉጽ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ዓቕሞም ዜባኽኑ ሰባት ከቢድ ፍርዲ ዚፈርደሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ።

ኣቐዲምና ኣብቲ መእተዊ ኸም ዝበልናዮ፡ ካብ ኣምላኽ እንቕበሎ ዓይነታት መክሊት ብዙሕ እዩ። ንዅላትና ብማዕረ ዚወሃቡና ዓይነታት መክሊት ኣለዉ። ንኣብነት ጊዜ ንዅላትና ብማዕረ ዝተዋህበ ናይ ሓባር መክሊት እዩ። ብህይወት ይነብር ንዘሎ ዅሉ ሰብ ናይ ጊዜ መክሊት ኣለዎ። ዝበዝሕ ሰብ ንጊዚኡ ብኸንቱ እዩ ዜባኽኖ። ገሊኡ ሰብ ድማ ንጊዚኡ ብዕጽፍታት ተጠቒሙ፡ ካዕበት ይፈርየሉ። ንኻልኦት ወንጌል ናይ ምስባኽ ሓላፍነት፡ ብዝያዳ ነቶም መንፈሳዊ ናይ ኣገልግሎት ማዕርግ ዘለዎም ዲያቆናትን፡ ካህናትን ጳጳሳትን ከምዚምልከት ርዱእ እዩ። ንሳቶም ሰብ  ሓሙሽተ ንክልተ ንመክሊት’ዮም ማለት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ምእመን’ውን ኣብ ቤቱን ኣብቲ ዚነብረሉን ዚስርሓሉን ከባቢታትን፡ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ንጥፈታቱን ዝምድናታቱን ወንጌል ናይ ምስባኽ ሓላፍነት ኣለዎ። ስለዚ እንተ ወሓደ ሓንቲ መክሊት ከም ዘላቶ ዘየማትእ እዩ። ገለ ገለ ዝተባረኸ ኣእምሮን ፍቓድ ንዘለዎም ምእመናን፡ ካብቶም ወንጌል ምስባኽ ዝተልእኾኦም ኣገልገልቲ ንላዕሊ ወንጌል ኪሰብኩ ይረኣዩ እዮም። እዚኣቶም እቶም ንሓንቲ መክሊት በርባዕተ ሓሙሽተ ዕጽፊ ዜበዝሑ እዮም። ገለ ገለ ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ ኣገልገልቲ ድማ ካብ ምፍጻም ምስ ጢራት ንምሕደራ ቤተ ክርስትያንን ሓሊፎምን ህዝቦም ፈጺሞም ወንጌል ዘይምህሩ ኣለዉ። እዚ ማለት ግና ምፍጻም ምስጢታትን ምሕደራን ኣየድልን እዩ ማለት ኣይኰነን። እዚኣቶም፡ ወንጌል ብዘይ ምምሃሮም ከምቲ ንዝተዋህቦ መክሊት ኵዒቱ ዝቐበረ እዮም። ኣብ ሰማያት ዚጽበዮም ፍርዲ ድማ ካብ ናይቲ ሓንቲ መክሊቱ ዝቐበረ ሰብ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ እዩ።

ዳርጋ ንዂላትና ድማ ናይ ገንዘብ መክሊት ተዋሂቡና እዩ። ናይ ገሊኡ ሰብ ብማኢት ኣሽሓትን ሚልዮናትን ዚቚጸር ኪኸውን ከሎ፡ ናይ ገሊኡ ድማ ብሒደት ኣማኢትን ኣሽሓትን ዚቚጸር እዩ። ከከም ዝተዋህበና መጠን መክሊት፡ ብሰናይ ግብሪ ብዕጽፍታት ናይ ምህብታም ሓላፍነት ዜስክመና እዩ። እቲ ዝበዝሐ መክሊት ዘለዎ ከምቲ በዓል ሓሙሽተ መክሊት በእኡ መጠን ኪረብሕ ኣለዎ። ነቶም መክሊቶም ከም ዚግባእ ኣሽሪፎም ንጽጉማት ብዚብላዕን ዚስተይን ዚኽደንን ብኻልእ መሰረታዊ ድልየታት ንዝደገፉ ሰባት ጐይታናን መድሓናን ኢየሱስ ክርስቶስ “እቲ ኻብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ፡ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ኢሉ ብዕጽፍታት ኪፈድዮምን ኣብ የማኑ ኬቚሞምን እዩ። ነቶም መክሊቶም ዝቐበሩ ግና፡ በኣንጻሩ ኺዛረቦምን ኪፈድዮምን እዩ።

ነቶም እሙናት ኰይኖም፡ መክሊታቶም ብዕጽፊ ዜብዝሑ “አታ ሕያዋይን እሙን ባርያ” (ኦገብርኄርወምእመን) ዚብል ሰማያዊ መዓርግ ካብ ልሳን ናይቲ ቕዱስ ገንሸል ኪቕበሉ እዮም። ብኣንጻሩ እቶም መክሊቶም ካብ ምብዛሕ ዝበዀሩ ድማ “ኣታ ሃካይን ክፍእን ባርያ” ኪበሃሉ እዮም። ነቶም ሕያዎትን እሙናትን፡ ከም ናይ ጐይታኦም ክርስቶስ ዝበለ ሓጐስን ክብርን ኪወሃቦም ከሎ፡ ነቶም ክፉኣትን ሃካያትን ግና፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርብዮም እዩ። ኣብኡ ድማ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን ኪነበሩ እዮም። እቲ ኣስናኖም ዜሐርቅሞም ድማ እቲ ጣዕሳ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “በታ (ጐይታ) ብቕዱሳት ዚኸብረላን፡ በቶም ዚኣምኑ ዘበሉ ዂሎም “ግሩም ኢኻ” ዚበሃለላን መዓልቲ፡ ንሳቶም (እቶም ሃካያትን ክፋኣትን) ካብ ገጽ ጐይታ ዀነ ካብ ግርማ ሓይሉ ኺርሕቁ፡ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ከኣ ኪቕጽዑ እዮም።” ብምባል ዘለኣለማዊ ዕጫኦም እንታይ ከምዚ መስል ገሊጹልና ኣሎ (2ተሰ 1፡ 10 )። እቶም በቲ ዝተዋህቦም መክሊት ዚፈርዩ፡ ከምቲ ነብዩ ዳንኤል “እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፡ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለም ኪበርሁ እዮም” ዝበሎ፡ ኪረኽቡ እዮም (ዳኒ 12፡3)። ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ምምራሕ ኣዝዩ ዓብይ ግብሪ ሕያውነት እዩ። ካብ ዘለኣለማዊ ስቓይን ብኽያትን ንሰባት ካብ ምንጋፍ ዚዓብይ እንታይ ካልእ ሕያውነት ኣሎ፧እቲ ሕያውነት ግን ንሰባት ጥራይ ዘይኰነ ንኣምላኽውን ዚምልከት እዩ። እግዚኣብሄር፡ ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ ድማ፡ “ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፡ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ” ዚብል ሕያዋይ ኣምላኽ እዩ (ህዝ 33፡11)። እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ድማ፡ ምስዚ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ሕያውነት ባህርይ ዝተሓባበሩ፡ ዕዮኡ ዚዓይዩ፡ ንኣምላኽ ጻማ ሕያውነቱ ዚፈድዮ ሕያዎት እዮም። እምበኣር ኵላትና በቢቲ ዝተዋህበና ዓይነታት መክሊትን፡ ከከምቲ ዝተዋህበና መጠን መክሊትን፡ ተማቐልቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ኰንና ንኣምላኽን ንሰባትን ሕያውነትና ነርእዮም፡ ብሕያውነትና ነገልግሎም፡ ንርእስናን ንኻልኦትን ካብቲ ናይ ስቓይ ቦታ ንበጀው። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ዓለም ሙሉእ ብሕማም coronavirus (covid-19) እትሳቀየሉ ዘላ እዋን፡ “በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።” (2ቆረ 1፡4) ከም ዝተባህለ፡ ኣብ ሞትን ሓዘን ጭንቀትን ተስፋ ምቁራጽን ዘለዉ፡ ሰባት ሎሚ ከነጸናንዖም ሓላፍነትና እዩ። ከምቲ ሓዋርያት ኣብ ጸበባ ንዝነበሩ “ነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዑ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ፡ እናበሉ ኸኣ ኣብ እምነት ኪጸንዑ ይምዕድዎም ነበሩ።” (ግሃ 14፡22) ተበሂሉ ዝተጻሕፈሎም፡  እምበአር ክቡራት ሕዝቢ አምላኽ፡  ነቲ ብሕድሪ ዝተቐበልናዮ ዅሉ መክሊታት ካብ ብኽነት ብምድሓን ልክዕ ከም ጐይታና እሙናት ንኹን። ከምኡ እንተገበርና፡ “ኣታ ሕያዋይን እሙንን ባርያ” ዚብል መንፈሳዊ ማዕርግ ካብ ልሳን ናይቲ ምእንታና ዝተሓርደ ገንሸል ክንሰምዕ ኢና። 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። 

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 29 መጋቢት 2020 (መጋቢት 13, 2012 ግእዝ)

 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባትን ስብከትን

 

መዝ 39(40)፡ 8-9

ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ። ወሕግከኒ በማእከለ ከርሥየ። ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዓቢይ።”

“ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፣ እንሆ፣ ከናፍረይ ኣይዐጾኹን፣ ጐይታየ፣ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ።”

ዓዲ

መዝ 133/134፡ 1-2 “ናሁ ይባርክዎ ለእግዚአብሔር። ኵሎሙ አግብርተ እግዚአብሔር። እለ ይቀውሙ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።” 

“እንሆ፡ ኣቱም ብለይቲ ኣብ ቤት እግዚአብሄር እትቘሙ ኵሉኹም ባሮት እግዚአብሔር፡ ንእግዚአብሔር ባርኽዎ። ኣእዳውኩም ናብ መቕደሱ አልዕሉ፡ ንእግዚአብሔር ከአ ባርኽዎ።”

 

 

 

ኣንባቢ

ንባብ

 

ዲያቆን

1ቆሮ 4፡1-9

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ዲያቆን

1ጴጥ 2፡11-19

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ካህን

ግብ 16፡9-18

 

ካህን 

ወንጌልማቴ 25፡14-30

 

ቅዳሴ ኣትናቴዎስ

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div