S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ደብረ ዘይት

እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንባብ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ደብረዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ኰይኑ ዝተዛረቦ እዩ። ስለዚ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነዚ ሰንበትን ሰሙንን፡ደብረ ዘይትኢላ ብምስማይ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን ኪኸውን መዲባቶ ትርከብ። ምጽኣት ጐይታ ኣብ ዓመት ንሓንቲ ሰሙን ጥራሕ ኪዝከር ኣለዎ ማለት ግና ኣይኰነን። መዓልታዊ ኽንሓስቦን፡ ንዅሉ ናብራና ድማ ጐይታ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ከም ዚመጽእ ጌርና ክንነብሮ እዩ ዚግብኣና።

እቲ ዕለታዊ ብኸምኡ ዘይነብር ሰብ ግና ኵሉ ግዜ ተዳህሊሉ ስለ ዝጸንሕ ብምጽኣት ጐይታ ኺጕዳእ እምበር ኪረብሕ ኣይክእልን እዩ። እቶም ጐይታ ብምጽኣቱ ኺገሃድ ከሎ ብህይወት ዚጸንሑ ሰባት፡ ምስቲ ሓፈሻዊ ቝጽሪ ኻብ ዘመን ኣዳም ጀሚሩ ዝነበረ እሞ ሞይቱ ዝጸንሐ ኪነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ኪከውን። እዚ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ዚረኽብዎ ዕድል፡ ኵሉ ሰብ ዘይረኽቦ እንተ ዀይኑ፡ ንምንታይ እዩ ዅሉ ወለዶታት ብዛዕባኡ እናተጨነቐ ዚነብር፧ ንምንታይከ እዩ ጐይታና ንምጽኣቱ ምስጢራዊ ኺገብሮ መሪጹ፧ እቲ ዕላማ ንጹር እዩ። ኵሉ ሰብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ህይወቱ ዅሉ ግዜ ድልው ኰይኑ ምእንቲ ኺነብር ምዃኑ ኺስወረና ኣይግባእን። ምኽንያቱ እታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ናይ መጀመርታ መዋቲ ኣቤልን፡ ነቲ ጐይታ ኺመጽእ ከሎ ብህይወት ዚጸንሕ ሰብን ማዕረ እያ እትብጽሖም። እቶም ኣቐዲሞም ሞይቶም ኣብ ኣጸደ ነፍሲ ዘለውን፡ እቶም ብህይወት ሃልዮም ኣብ ኣጸደ ስጋ ዘለውን፡ ጐይታ ብኽብሪ ኺግለጽ ከሎ ብማዕረን ብሓደን እዮም ዚርእይዎ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብህይወቱ ዝጸንሕ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓመድን እምንን ዝጸቐጦ፡ ኣራዊት ዝበልዖ ባሕሪ ዝወሃጦ ዝዀነ ይኹን ሓለፋ የብሉን። ምኽንያቱ ጐይታ ኺግለጽ ከሎ፡ ነቶም ሓያላት መላእኽቱ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ቀቅድሚኡ ኺልእኮም፡ ንሳቶም ድማ ነቶም ሕሩያቱ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ምድሪን ሰማይን ብንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ራእ 20:13 “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።ዝበሎ፡ ዝሞትናሉ ግዜን ቦታን ዘይኰነስ፡ ኣብ ምጽኣት ፍልልይ ዜምጽእ፡ እቲ ብህይወት ከሎና ዝነበርናዮ ዓይነት ግብርን ጥራይ እዩ።

እዚ ናይ ምጽኣት ሕቶ ዝተላዕለ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ ካብቲ ቤት መቕደስ ወጺኡ እናከደ ኸሎ፡ ጽባቐ ናይቲ ቤት መቕደስ ኬርእይዎ ምስ ፈተኑ እዩ። ጐይታ ግና ሓንቲ እምኒ ኣብ ልዕሊ ኻልእ እምኒ ኽሳዕ ዘይትተርፍ እቲ ቤት መቕደስ ፈጺሙ ኺፈርስ ምዃኑ ነገሮም። እዚ መልሲ ናይ ጐይታ፡ ብዛዕባ ምጽኣቱ ሕቶ ስለ ዘልዓለሎም፡ ኣብ ደብረ ዘይቲ ብሕት ምስ በሉ፡እዚ መዓስ ኺኸውንዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ኢሎም ሓተትዎ። ንሕቶኦም ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ንዅሎም ምልክታት ምጽኣቱ ዘርዘረሎም። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ምልዓሉ፡ ውግእ ምብዝሑ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ምብዝሑ፡ ኣመንቲ ክርስቶስ ብዅሉ ህዝቢ ዓለም ኪጽልኡን ንመኸራ ኺወሃቡን ምዃኖ፡ እቶም ኣመንቲ ንሓድሕዶም ኪጻልኡን ንመከራ ኣሕሊፎም ኺወሃሃቡ ምዃኖም፡ ዓመጻ ኺበዝሕ ፍቐሪ ኽትዝሕል፡ ሓሰውቲ ነብያት ኺበዝሑ፡ ነቶም ሕሩያት ከይተረፈ ምእንቲ ከስሕቱ ተኣምራት ኪፍጽሙ ምዃኖም ዘርዘረሎም። እዚ ዅሉ ምልክታት ግና ዋላ ቅድሚ ምጽኣት ኣብ ዝነበረ ዘመናትውን ኣዝዩ ዝውቱር እዩ። ንምጽኣት ዜቃልሉ ሰባትውን እዚ ምልክታት እዚ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ዝነበረ ምዃኑ ዜረጋግጽ ዜገርም ስታቲስቲክ የቕርቡ እዮም። ኣብቲ ምጽኣት ጐይታ ዝቐረበሉ ግዜ ግና ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ኺበዝሕን ኪኸብድን ምዃኑ ዜመልክት እዩ።

ጐይታና፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ምቛም መንግስቲ እስራኤል ምስ ሓተትዎ፡ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ጊዚኡን ዘመኑን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን።ኢሉ መሊሱሎም ኣሎ (ግብ 1:7) ምጽኣት ጐይታ ደኣ እዩ ኣብ ፍሉይ መዓልቲ ኪኸውን እምበር፡ ንሕና ግና ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ ምሉእ ዕድሜና ኢና ድልዋት ክንከውን ዚግብኣና። ስለዚ ድማ ነቶም ናብ ምድሪ ይሁዳ ኣብ ዘይመዓልቱ ኺድይብ ዚደፋፍእዎ ዝነበሩ ሰባት፡ጊዜይ ገና ኣይበጽሐን፡ ጊዜኹም ግና ኵሉ ሳዕ እተዳለወ እዩበሎም (ዮሃ 76) እምበኣር ኣብቲ ንኣና ዘይተፈቕደ ሕዛእቲመዓስ፧ ብኸመይ፧እናበልና ኣጐላጕል ካብ ንኸውን፡ ነቲ ወርትግ ድሉው ዝዀነ ጊዜና ብኣገባብን ብውጽኢታውን መገዲ ኽንጥቀመሉ እዩ ዜሕሸና። ምኽንያቱ እቲ ነቲ ወትሩ ድሉው ዝዀነ ጊዜኡ ንጐይታኡ ብዜኽብርን ንገዛእ ርእሱ ብዜርብሕን መገዲ ዚጥቀመሉ ኣስተውዓልን እሙንን ክርስትያን ነቲ ናይ ክርስቶስ ግዜ ፈጺሙ ክስሕቶ ኣይክእልን እዩ። ብቐደሙውን ጐይታናኣብዚ ዕለትን ዓመተ ምሕረትን ክመጽእ እየዘይበለሉ ምኽንያት፡ እዚ ሓበሬታ እዚ ዘይጠቕመና እምበር ሰንፈላል ኪገብረና ስለ ዝደለየ ኣይኰነን። ንሕናውን ዕለተ ሞትና ወይ ዕለተ ምጽኣቱ ብንጹር እንተ ዚንገረና፡ ዓይነት ኣካይዳና እንታይ ከም ዚመስል ኣይንስሕቶን ኢና። ክሳዕ እታ ዝተመደበት ዕለት፡ ከም ድላይና ዓንዲርና ኣብታ ድሮኣ ኽንሳሕ ምመረጽና ኔርና። እቲ መለኾታዊ ኣተሓሳስባ ግና ካብቲ ናትና ስጋዊ ኣተሓሳስባ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። ኸምኡ ኸም ዜሕሸና ስለ ዝፈለጠ ድማ በቲ ሰናይ ባህርዩ፡ ነቲ ንሱ ዝመደቦ ግዜን ዘመንን ከይንፈልጥ ወሰነ። ስለዚ ድማ ጐይታና፡ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሐ፡ ቤቱ ኽትኰዓት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። እምበኣር ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ግዜ ኺመጽእ እዩሞ፡ ንስኻትኩም ድማ (ኵሉ ግዜ) እተዳለኹም ኵኑ።ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። ንስኻትኩም ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ እሞ፡ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡብኡ ዚኸፍትሉ ሰባት ምሰሉ። እቶም ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ፡ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት ብጹኣን እዮም። ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡውን (ባዕሉ) ኸም ዜገልግሎም ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣብ ካልኣይቲ ወይስ ሳልሰይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸምዚ እንተ ረኸቦም፡እቶም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም።ኢሉ ምዒዱናን ኣጠንቂቝናን ኣሎ (ማቲ 2442, 44 ሉቃ 1235-38)

ንቑሕን ድሉውን ምዃን ግን እንታይ ማለት እዩ፧ሎሚ ደዀን ይመጽእ ወይስ ጽባሕ፧ኢልካ ምሕሳብ ከም ዘይዀነ ርዱእ እዩ። እቲ ንቝሕን ድሉውን ሰብ፡ ሃንደበታዊ ትዕግስቲ ዚጠልብ ኵነታት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ብዘይጽንቀቕ ትዕግስቲ ዚገጥሞ፡ ንጽልእን ቂምታን ዚዕድም ኵነታት ኪኽሰት ከሎ ብፍቕርን ምሕረትን ዚገጥሞ ሰብ እዩ። ሰናይ ግብሪ ኪገብር ዚዕድሞን ዚብድሆን ኵነታት ኬጓንፎ ኸሎ፡ ዚዕወተሉ እምበር ዘይከስሮ ሰብ ብሓቂ ንምጽኣት ጐይታ ድሉው እዩ። ከምዚ ዚዓይነቱ ድሉውነት ከየርኣኻ፡ ንምጽኣት ጐይታ ምጽባይ ከቢድ ዕሽነት እዩ። እምበኣር ናይ ብሓቂ ንምጽኣት ጐይታ ድሉው ምዃኑ ኺፈልጥ ዚደልይ ክርስትያን፡ ነቲ ዕለታዊ ህይወቱ እዩ ዚፍትሽ። ኣብታ እንነብረላ ቤትን ከባብን፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ዝምድናታትና ኣብ ቤተ ክርስትያን፡ ብሓፈሻ ኣብ ኵሉ መኣዝናት ናይ ህይወትና ዚህልወና ዓይነት ናብራ ንምጽኣት ጉይታ ዘሎና ድልውነት ወይ ዝንጉዕነት ዚገልጽ እዩ። ኣብ ዝሙትን ሓሶትን ስሰዐን ጽልእን ባእስን ቂምታን ወዘተ ዘሎ ሰብ፡ ንምጽኣት ጉይታ ይትረፍ ድሉው ኪኸውን፡ ብእምሮኡውን ከም ዘይሓልፍ ዘየጠራጥር እዩ። እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ኵሉ ቦታን መንፈሳዊ ሓላፍነቱ ዘይፍጽም ክርስትያን ምእመን ይኹን ኣገልጋሊ ንምጽኣት ጐይታ ድሉው ኣይዀነን። እቲ ንምጽኣቱ ዝተዳልወ ግና፡ ከምቲ እሙንን ኣስተውዓልን ኣገልጋሊ፡ ንዅሉ ነገር በብጊዚኡ ብብቕዓት ይገብሮ። እቲ ጐይታ ኸም ዚድንጕይ ወይ ፈጺሙ ኸም ዘይመጽእ ዚሓስብ ሰብ ግና፡ ከምቲ ኽፉእ ባርያ ምስ ብጾቱን ኣሕዋቱን ይዋቓዕ፡ ምስ ሰኽራማትን ኣመናዝርን ዀይኑ ይበልዕን ይሰትን። ማይ ኣይሂን ጥፍኣት ሰዶምን ጎመራን ልክዕ ናይ ምጽኣት ጐይታ ጽላሎት ስለ ዝነበረ፡ ጐይታና፡ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትውን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ምስ መጸ ድማ ንዅሎም ኣጥፍአ። ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነ። ይበልዑን ይሰትዩን፡ ይሸጡን ይሻየጡን፡ ይተኽሉን ይሃንጹን ነበሩ። በታ ሎጥ ካብ ሰዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ። ንዅሉ ኸኣ ኣጥፍአ። በታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።ብምባል ኣፍሊጡና ኣሎ (ሉቃ 1726-30) ንዓናውን ጐይታ እናበላዕናን እናሰተናን፡ እናእቶናን እናተኣታቶናን፡ እናሸጥናን እናዓደግናን፡ እናተኸልናን እናሃነጽናን ከሎና እዩ ኺመጸና። ስለዚ ነቲ እንገብሮ ዘሎና ዕዮን፡ ነቲ እንዋስአሉ ዘሎና ዝምድናታትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ጌርና እንተ ገበርናዮን እንተ ነበርናዮን ጥራይ ኢና ድልዋት ምዃንና ነረጋግጽ። ነቲ ናብራና እናነበርናዮ ኸሎና ንዝፈጸምናዮ በደል ድማ ምስቲ መባድልትና ብይቅሬታ፡ ምስ ኣምላኽ ድማ ብንስሓ እናተዓረቕና፡ ንፍስናን ስጋናን ክነጽርይ ይግብኣና። እቲ ነዚ ብብቕዓት ኪገብሮ ዚኽእል ድማ፡ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲን ኵነታትን ንምጽኣት ጐይታ ዚሓስብ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ጥራይ እዩ ወርትግ ምጽኣቱ ንዘክር።

እዛ ሓሙሸይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓቢ ጾም እዋንደብረ ዘይትተባሂላ ትጽዋዕ። አብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ትርጉሙ ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኮፍ ምስ በለ። ኣብዚ ሰሙን መድኃኒና  ካልኣይ ብግርማ መለኮቱ፡ ብዝከበረ ትስብእቱ፡ (ብመለኮታዊ ግርማኡ ከም ፍጹም ሰብ መጠን) ከም ዝመጽእ ናይ ዓለም መወዳእታ ከመይ ከም ዝከውን ንሃዋርያት ኣብ ደብረ ዘይቲ ምምሃሩን ከምኡውን  ብክብሪ ዝዓረገ ጐይታ ንዝጽበይዎ ዓስቦም፡ ንዘይተቀሉዎ፡ ፍርዶም ከምዝህቦም እንዳዘከረት ፈጣሪኣ ቤተ ክርስትያን እተምልኸሉ ሰሙን እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊትኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፣ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ።።ዝበሎ መሰረት ብምግባር ኣብዚ ጾምን ጸሎት ጊዜ ህይወት ንምጽአት ድላዋት ክንከው ከመይ ከም ነዳልዋ ምሕሳብ ከድልይ እዩ። ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 22 መጋቢት 2020 (መጋቢት 13, 2012 ግእዝ)

 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባትን ስብከትን

 

መዝ 50(49) 3

እግዚአብሔርሰ ገሃደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም እሳት ይነድድ ቅድሜሁ።

ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፣ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ።

 

 

 

ኣንባቢ

ንባብ

 

ዲያቆን

ተሰ 413-ፍጻሜ

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ዲያቆን

ጴጥ 37-15

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ካህን

ግብ 241-22

 

ካህን 

ወንጌልማቴ 241-28

 

ቅዳሴ ኣትናቴዎስ

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div