S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መፃጕዕ

እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 15, 2020 ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ።መፃጕዕተባሂላ ድማ ትስመ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣአምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበት ሠርዐ።አምላክ ኣዳም ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዓሉ (ዝፈጠረሉ) እዩ፡ዚብል። ኣብዚ ዕለት እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕሙማት ብዛዕባ ምፍዋሱ፡ ትእምርቲ ምግባሩ፡ዝጎበጠ ምቅንዑ፡ ለምጻማት ምንጽሁ፡ ብዛዕባ መለኮታዊ ታአምራት ሓይሉ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ይዝመር፡ ይስብከን፡ ይዝከርን።

ብሰንበት ዕውራት ክርእዩ ምግባሩ፡ ዝጎበጡ ቀኒዖም ኪከዱ ምግባሩ፡ ኣብ ዓራት ሕሙማት ዝነበሩ፡ ፈውሲ ኮይኑ ምፍዋሱ፡ኢዶም ዝለመሰ ኢዶም ክጥዕይ ምግባሩ፡ ኣምላክ ኣዳም  ሰንበት ንዕረፍቲ ዝፈጠርካያ እዩ፡ ይብሉ። እዚ ብምግባሩ፡ ጐይታ ንሰንበት ኣየክበራን ክበሃል ኣይግበኦን፡ ጐይታ ሰንበት ድአ ክበሃል ይግበኦ እምበር፡ እንዳበሉ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ንኣይሁድ እንዳወቀሱ፡ ነቲ መሲሕ ክርስቶስ እንዳ ወደሱ፡ ንሰንበት እንዳተርጉሙ፡ መድኃኒና ብመዓልቲ ሰንበት ዝገበሮ ተአምራት እናዳዘከሩ ይዝምሩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ኣብ ጾምን ጸሎትን ንዘሎና ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት እግዚኣብሄር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ። ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ”(መዝ 62-3)  ሎሚ እቲ ንዓናን ንምድርናን ካብ ሕማምና ክፍውሰና ብጸሎትን ጾምን ምህልላን ንዘላ ህይወትና፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡፡ መሰረተ ሓሳብ ናይዚ በዛ መዓልቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ድማ ካብ ታሪኽ ናይቲ ን38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እሞ ጐይታ ዝፈወሶ ዝነቐለ እዩ። እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

በዓል ኣይሁድ ቀሪቡ ስለ ዝነበረ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ኣብ እምነት ኣይሁድ፡ ዝዀነ ተባዕታይ ክኸደን ዚግባእ ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ በዓል ፋሲካ፡ በዓል ሓምሳን በዓል ዳስን እየን (ዘዳ 16፡16)። ብዘይካ’ዚ እውን ኻልኦት ኣርባዕተ በዓላት ማለት በዓል ሰንበት፡ በዓል ሰዊት፡ በዓል መለኸትን በዓል ዕርቅን ኣለዋኦም (ዘሌ 23፡1-38)።

ናብ ኢየሩሳሌም ዘእቱ ሓያሎ ደጌታት ነበሩ። ንሳቶም ከኣ ደገ ኣባጊዕ፡ ደገ ዓሳ፡ ደገ ለሰ፡ ደገ ጐዱፍ ፡ደገ ዔላ፡ ደገ ኣፍራስን ደገ ምብራቕን እዮም (ነህ 3፡1-29)። ኣብታ ደገ ኣባጊዕ ኣብ ጥቓኣ ሓሙሽተ ገበላ ዘለዎ ቀላይ ነበረ። እቲ ገበላ እቶም ንኽሕጸቡ ዝመጹ ሰባት ዘጽልልሉ እዩ። ደገ ኣባጊዕ ብእብራይስጢ ቤት ሄስዳ ይበሃል። ንሓንሳእ መልኣኽ እግዚኣብሄር መጺኡ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ’ሞ ካብቶም ሕሙማት ቀዲሙ ናብቲ ቀላይ ዝኣተወ ይሓዊ ነበረ ።ስለዚ ዝረድእዎ ሰባት ምስኡ ዘለዎ ወይከኣ ዝሓሸ ጉልበት ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ ነዛ ፈውሲ እዚኣ ክዕወተላ ዚኽእል ሕሙም ኣይነበረን። ነዛ ሳሕቲ እትርከብ ዕድል ከኣ ኣዝዮም ብዙሓት ሕሙማት ይጽበይዋ ነበሩ። ስለዚ ንነፍሲ ወከፎም ኺበጽሓሉ ዚኽእል ዕድል ዝማህመነ’ዩ። ኣብ መንጎ እዞም ሕሙማት ድማ ሓደ ን38 ዓመታት ምሉእ ዝሓመመ ሰብኣይ ኣብቲ ገበላ ደቂሱ ነበረ። ጐይታ ናይቲ ሕማም ምንዋሕ ዘመን ንከምኡውን እቲ ሕሙም ኪረድኦ ዚኽእል ከም ዜብሉን ተረደአ፡፡ ሕማምና ክጸውርን መርገምና ኣብ ነብሱ ክጽዕን ዝመጸ ጐይታ፡ ሕማም ናይዚ ሰብ’ዚ ከሕዊ ብልቡ ተደረኸ (ኢሳ 53፡4)። ንዝሓመመ ዅሉ ምሕዋይ ከም ዜድልዮ ግሁድ ክነሱ ድማ “ክትሓዊ ትደሊ’ዶ፧” ኢሉ ሓደ ዜገርም ሕቶ ሓተቶ። ምናልባት “ስለ ምንታይ ከምኡ ኢሉ ይሓቶ” ኢልና ክንሓስብ ይከኣል’ዩ ። እንተ ዀነ እዚ ሕቶ’ዚ ዝሓተተሉ ናይ ርእሱ ዝዀነ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘለዎ ከኣ ክንዝንግዕ የብልናን። እቲ ሰብኣይ ግን ንጐይታ ስለ ዘየስተውዓሎ፡ ቅልጡፍን ቅኑዕን ዝዀነ መልሲ ክንዲ ዝህብ፡ ዘይሓወየሉ ምኽንያት ክዝርዝር ጀመረ።

ጐይታ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣልዒሎም ናብቲ ቀላይ ዘብጽሕዎ ሰባት ዘይኰነስ ባዕሉ ዓራቱ ኣልዒሉ ዝኸደሉ ጥዕናን ጉልበትን ሃቦ። ከምቲ ነቲ መፃጉዕ ዝገበረሉ፡ ነዚ ከኣ ዓራቱ ክጸውር ፈቐደሉ (ማቴ 9፡5-6)። እቲ ሰብኣይ ዓራቱ ኣልዒሉ ከደ። ካልኦት ተኣምራታት ኣብ እነንብበሉ ጊዜ ድሕሪ እቲ ፈውሲ ብዙሕ ኣድናቖት ንምስጋና ንእምነት ንምስዓብን ኣሎ። እዚ ሰብኣይ ግን ዓራቱ ኣልዒሉ ከም ዝኸደ እምበር ከም ዝተሓጎሰ እኳ ኣይተጻሕፈን። ምናልባት እቲ ጸሓፊ ደኾን ረሲዕዎ ይኸውን፧

እታ እዚ ተኣምራት ዝተፈጸመላ መዓልቲ ሰንበት ነበረት። ዓራቱ ኣልዒሉ ክኸይድ ኸሎ ድማ ፈሪሳውያን ረኸብዎ። ብመዓልቲ ሰንበት ክግበር ዘይግብኦ ስለምንታይ ከም ዝገብረ ድማ ሓተትዎ። እዚ ድማ ነቲ ዓራቱ ተሰኪሙ ምኻዱ ዘመልኽት እዩ። ኣይሁዳውያን ንሰንበት ኣዝዮም እዮም ዘኽብርዋ። “ሰንበት” ዝብል ቃል ቋንቋ እብራይስጥ ትርጉሙ “ምሕዳግ” ወይ “ምቁራጽ” (ጠጠው ምባል) ምባል ማለት እዩ። ሰንበት ክትክበርን ክትቅደስን ዝኣዘዘ እግዚኣብሄር እዩ (ዘጸ 20፡8-11)። ሰንበት ኣብ መንጎ ሰብን ኣምላኽን ምልክት እያ (ዘጸ 31፡17)። ስለዚ ሰንበት ዘይምኽባር ከቢድ መቕጻዕቲ የስዕብ ነበረ (ዘሁ 15፡32-36)። ሰንበት ስራሕ እግዚኣብሄር ተዘክር እያ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣብ ሳብዓይቲ መዓልቲ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ከምኡ ከኣ ሰብ ካብዚ ናይ ምድሪ ዕዮ ዝዓርፈላ ሰንበት ከም ዘላ ይሕብረና (ዘፍ 2፡2-3፣ዘጸ 20፡8-11፣እብ 4፡1-11)። ከምኡ ከኣ ሰንበት ነቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ካብ ናይ ግብጺ ባርነት ዘውጸኣሉ የመልክት እዩ (ዘዳ 5፡12-16)። እስራኤላውያን ነታ መዓልቲ ከም ዝግባእ ስለ ዘየኽብርዋ ተወቒሶምን ተቐጺዖምን እዮም (ዘጸ 16፡27-28፣ዘጸ 31፡14፣ዘሁ 15፡32,35፣ነህ 13፡15፣ኤር 17፡27፣ህዝ 20፡12-16፣ህዝ 22፡8,15፣ኣሞ 8፡4-6)። ንሰንበት ኬኽብርዋ ዘተባብዕ ቃል ተስፋ ከኣ ተዋሂቡ እዩ (ኢሳ 56፡2-4፣ኢሳ 58፡13-14)። ብሰንበት ሰናይ ዝዀነ ነገር ዅሉ ክንገብር የፍቅደልና እዩ (ማቴ 12፡12፣ማር 6፡2፣ሉቃ 6፡6፣ዮሃ 7፡23፣ዮሃ 9፡14፣ግብ 16፡13፣ግብ 17፡2፣ግብ 18፡4-5)። ክርስቶስ እኳ ጐይታ ሰንበት ክነሱ ንሰንበት ኣኽቢሩ እዩ (ሉቃ 4፡16፣ማቴ 12፡1-14)። ናይ ፈሪሳውያን ናይ ሰንበት ኣከባብራ ግን ኣትሪሩ ተቓዊምዎ እዩ። ንሳቶም “ሸዊት ኣይትቐንጥብ፡ ድዉይ ኣይትፈውስ” እናበሉ ክሳዕ ዝኽልክሉ ፡ብዙሕ ወግዕን ሕግን ደንጊጎም ንሰንበት ዘይመልክዓ ኣትሒዞምዋ ነበሩ። እዛ ሎሚ እነብዕላ ዘሎና ሰንበት፡ ካብታ እግዚኣብሄር ዝኣዘዛ ኣይሁድ ዘብዕልዋ ሰንበት ዝተፈልየት እያ። ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሰሙን ክርስቶስ ምስ ተንስኤ፡ ሰዓብቲ ጐይታ በታ መዓልቲ እቲኣ ክእከቡ ጀመሩ። “መዓልቲ ጐይታ” ኢሎም ከኣ ሰመይዋ (ሉቃ 24፡1፣ግብ 20፡6፣ 1ቈረ 16፡2፣ ራእ 1፡10)። እዚ ከኣ ምስቲ ናይ መዓልቲ ሰንበት መሰረታዊ ሓሳብ ዝሰማማዕ እዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ብትንሳኤ ድሕነት ፈጺሙ እዩ። ኣመንቲ ከኣ ብስርሖም ዘይኰነ ክርስቶስ ብዝፈጸሞ ስራሕ ናብ ናይ ዘለኣለም ዕረፍቶም ይኣትዉ (እብ 4፡1-11)። ስለዚ ሰንበት ክርስትያንን ሰንበት ኣይሁድን (ቀዳም) ዝፈላልየሉ ቀንዲ ሓሳባት ንሱ እዩ።

በቲ ምሕዋዪ ክንዲ ዝሕጎስሉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ዓራቱ ስለ ዝጸረ ጥራሕ ተጻረርዎ። እተን 38 ዓመታት ሕማሙ ጸይሩ ዜሕለፈን ሰናብቲ ግን ኣይግዶምን እየን። ነቲ ናብቲ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር ማለት ምሕረትን ፍትሕን ገዲፎም ብዘይጠቅም ስርዓት ተኣሲሮም ነበሩ (ማቴ 23፡23-24)። ካብቲ ንሱ ጸይርዎ ዘሎ ዓራት ግን ንሳቶም ጸይሮምዎ ዘለዉ ኣበሳ ይገድድ (ማቴ 7፡3-5)። እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ዝተፈወሰ ሰብ፡ እቲ ክሲ ናብ ጐይታ ከሕልፎ ደልዩ “እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራተይ ኬልዕል ዝኣዘዘኒ” ኢሉ ንጐይታ ኣጥበቐሉ። “ንሱ መን እዩ፧” ንእትብል ሕቶኦም ግን መልሲ ኣይነበረቶን ።ጐይታ እቲ ሰብኣይ ነዊሕ ዘመን ዝሓመመ ሰብ ምዃኑ ፈሊጡ ፈወሶ። እቲ ሰብኣይ ግን ይትረፍ መንነቱስ በቲ ስጋዊ መልክዑ እኳ ኣየለለዮን። ከምቲ ኣብ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ፡ ምናልባት ክፈልጦ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ክህሉ ይኽእል ይኸውን። ብዝሒ ህዝቢ፡ ከምኡ  ከኣ ጐይታ ድሕር (ርሕቕ) ኢሉ ምንባሩ እዩ። ድሕር ድኣ ይበል እምበር ጐይታ ከዘራረቦ ኣብ ዝኽእለሉ ርሕቀት እዩ ነይሩ። ዋላድኣ ሰብ ይብዛሕ እምበር ክልቲኦም ግን ይረኣኣዩ ነይሮም። እንተዀነ ግን እቲ ሰብኣይ ነቲ ፈዋሲ ይትረፍ፡ ነቲ ንርእሱ ዝተቐበሎ ፈውሲ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ምስተ ፈወሰ “ኣመስገነ”፡ “ተሓጎሰ” ወይ “ሰዓበ” ዝብል ኣይነንብብን ኢና። ስለዚ እቲ ኣካላዊ ስጋ እምበር ኣእምርኡ መንፈሱን ግን ኣይተፈወሰን። እንተዀነ ጐይታ ምእንቲ ፈውሲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ውሽጣዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ለውጢ ኢሉ እዩ ዝህበና ። ከምቲ ዝተመሃርናዮ እግዚኣብሄር ዝዀነ ተግባር ዝገብር ንሱ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ክንፈልጥ እዩ። ናይ ምግባር ልማድ (ወልፊ) ሃልይዎ ወይ ከኣ ንኸንቱ ኢሉ ዝገብሮ የልቦን (ኢሳ 45፡3፣ ህዝ 6፡7-13፣ ኤር 24፡7)። ክርስቶስ ከኣ ንዂሉ ግብሩ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ክገልጽ ኢሉ እዩ ዝገብሮ (ማቴ 9፡6፣ዮሃ 10፡38፣ዮሃ 14፡31፣ዮሃ 17፡23)። እንተ ዀነ እዚ ሰብኣይ ናይ ስጋ ጥራይ ዘይኰነስ ብርቱዕ ናይ መንፈስ ደዌ ነበሮ።

ስለዚ ከኣ ጐይታ ኣብ ቤት መቕደስ ዳግም ምስ ረኸቦ “መሊስካ ኣይትበድል” በሎ ። ስለዚ እቲ ቀዳማይ ሕማሙ ብምኽንያት በደል ምንባሩ ንርዳእ። ከምኡ እንተዘይከውን “መሊስካ ወይ ዳግም ኣይትበድል” ኣይምበሎን። ካብቲ ዝነበሮ ሕማም ዝገድድ ኣይነበረን ። ጐይታ “ካብዚ ዝገድድ ከይረኸበካ” ዝበሎ ከኣ ነቲ መንፈሳዊ ሕማም ወይ ከኣ ነቲ ብነፍሲ ዝቕጽዖ መቕጻዕቲ ክሕብር ስለዝደለየ እዩ። ጐይታ ነተን ብዙሕ ተኣምራት ገይሩለን ግን ከኣ ዘይተነስሓ ከተማታት ናተን ፍርዲ ካብ ሶዶምን ጎሞራን ዝገደደ ከምዝኸውን ነጊርወን እዩ (ማቴ 11፡20-24)። ነዚ ሰብኣይ ከኣ ከምኡ እዩ ዚብሎ ዘሎ።

እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ እቲ ሰብኣይ እዚ ምስ ሰምዔ ክንዲ ዝጥንቐቕ ጎይዩ፡ ነቶም ከሰስቱ እቲ ዘሕወዮ ክርስቶስ ምዃኑ ነገሮም። ክርስቶስ ፈዋሲ ምዃኑ ክምስክረሎም ዘይኰነስ ምእንቲ ክሕዝዎ ወይ ከኣ ንርእሱ ካብ ክሲ ነጻ ኪኸውን ደልዩ ይኸውን ።ካብ ዚዝኸፍእ በደል የለን። መሊሱ ካብ በደለ ከኣ ዝገደደ ነገር ክረክብ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ሰብ ዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ (ገላ 6፡7-10፣ሮሜ 8፡13)። ብሰንኪ እዚ ከኣ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ይሃድንዎ ነበሩ።

ስለዚ ንሕና ድማ ካብዚ ሰብኣይ ተማሂርና፡ ነቲ ካብ ብዝሒ ምሕረቱ ዝተላዕለ ካብ ዝነበርናዮ መንፈሳዊ ሞት ኣሕውዩ ቅድስቲ መቅደሱ ክንኸውን ንዝገበረና ጐይታ ብዘመስግን ልቢ፡ መን ምዃኑ ክንፈልጦ ክንስዕቦ ይግብኣና (ሆሴ 6፡3)። እንተ ዘይዀነ ግና ወገን ጸላእቲ ጐይታ ዀንና ነቲ ፈዋሲና ኣብ ምጽራር፡ በዚውን ዳግማይ በደልቲ ኴንና ምርካብና ዘይተርፍ እዩ።

ዝከበርኩም ኣንበብቲ መዓልቲ ሰንበት ዕዉራት ክርእዩ፡ ሓንካሳት ክኸዱ፡ ለምጻማት፡ ክነጽሁ፡ ጸማማት ክሰምዑ፡ ምዉታት ክትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ክስበከሎ ዝተሰርዐ ዕለት እዩ። እዚ ስለዝኮነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰንበት ተርጉምዎ እምበር ኣይሰዓሮን። ሎሚ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝኮና ክርስቲያናት ብመዓልቲ ሰንበት ሕሙማት ክንበጽሕ፡ብቃል ወንጌል ከነጻናንዖም፡ ንእሱራት ክንበጽሕ፡ ንሕዙናት ከነጸናንዕ፡ ይግባኣና።ብመዓልቲ ሰንበት ከም ሕሙም ደቂስና ምውዓል ንሰንበት ምክባር ኣይኮነን። ብመዓልቲ ሰንበት ክነቅሕ ይግባኣና። ነቲ ዕረፍቲ ነፍስን፡ ዕረፍቲ ሥጋን ዝሃበ ጐይታ ክብርን ምስጋናን ይኩኖ። ኣሜን።

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 15 መጋቢት 2020  (መጋቢት 6, 2012 ግእዝ)

 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባትን ስብከትን

 

መዝ 6፡ 2-3

“ተሠሀለኒ ፡ እግዚኦ ፡ እስመ ፡ ድዉይ ፡ አነ። ወፈውሰኒ ፡ እስመ ፡ ተሀውካ ፡ አዕፅምትየ ።ነፍስየኒ ፡ ተሀውከት ፡ ፈድፋደ።”

“ዎ እግዚኣብሄር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ። ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ” 

ዓዲ (ወይ) መዝ 40/41፡3-4

“እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ። ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ። አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ።”

 

ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፣ እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ። ጐይታየ፣ በዲለካ እየ እሞ፣ ምሐረኒ፣ ንነፍሰይ ኣሕውያ፣ በልኩ።

 

 

 

ኣንባቢ

ንባብ

 

ዲያቆን

 ዕብ 12፡11-17

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ዲያቆን

ያዕቆ 5፡14- ፍጻሜ

 

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ካህን

ግሃ 3፡1-12

 

ካህን 

ወንጌልዮሃ 5፡1-18

 

ቅዳሴ ወልደ ነጐድጓድ

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div