S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምኵራብ

እዛ ሣልሰይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓብይ ጾም እዋንምኵራብተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ ወመሀረ ቃለ ሃይማኖት፡ ወይቤሎሙ ምጽዋተ ኣበድር እመሥዋዕት። አነ ውእቱ እግዚኦ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት፡ እግዚእ ውእቱ ለሰንበት ወልደ ዕጓለ እመሕያው። ኢትግበሩ ቤተ ኣቡየ ቤተ መሥያጥ፡ ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ይሰመይ። ቦአ ምኵራብ ወገሠፆሙ። አንከሩ ምህሮቶ ሞገስ ቃሉ ወጣዕመ ነገሩ። ወሣዕሣዓ አፋሁ። ትርጉም ኢየኡስ ናብ ኣይሁድ ምኵራብ ከደ ቃል ሃይማኖት መሃረ ካብ መስዋእትስ ምጽዋት ይበልጽ በሎም። ጐይታ ሰንበት ኣቦ ምሕረት ኣነ እየ በሎም። ወዲ ሰብ ከኣ ጐይታ ሰንበት እዩ በሎም። ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት እዩ ኢልዎም ናብ ምኵራቦም አተወ፡ ስቅ ክብሉ ገንሖም። ትምህርቱን ሓይሊ ቃሉን ሞገስ፡ ናይቲ ነገር ምፍታው ናይ ቃሉ ላዛን አድነቁ። ኢሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኣብ ምኵራብ ምምሃሩ ቅዱስ ያሬድ ዘመረ።

ኣብዚ ሰሙን መድኃኒና ኣብ ምኵራብ አይሁድ ከይዱ ንዝተአሰሩ ሓርነት፡ ንዝሞቱ ህይወትን ንድካታት ወንጌል፡ ንጥቁዓት ሓርነት ኣብ ፍርዲ ንዘለዉ ዓመተ- ምሕረትን  ብዛዕባ ምምሃሩን ንትምህርቱ ከአ ብዛዕባ ምድናቆምን ይስበክ፡ ይዝመር።  ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊትቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፣ ነሕዋተይ ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ።ዝበሎ መሰረት ብምግባር ኣብዚ ጾምን ጸሎትን ጊዜ ህይወት መንቀሊ ሓሳባት ናይዚ ዕለት መልእኽቲ ካብቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 2 ሰፊሩ ዘሎ፡ ጐይታ ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፡ ቤት ዕዳጋ ኰይኑ ምስ ረኸቦ ካብ ገመድ ጭጕራፍ ሰሪሑ፡ ንኵሎም ሰጒጉ ዘውጽኣሉ ፍጻመ ህይወትናውን ሎሚ ቤት ጸሎት ዘይኮነስ ቤት ዕዳጋ ኮይና ከይትህልው፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ቤት መቕደስ ናይ ጸሎት ቦታ ክኸውን ዝተዋህቦም ቦታ እዩ ኔሩ። እዚ ቤት መቅደስ ድማ ካብታ ንጉስ ሰለሞን ዝሰርሓ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ህይወት እስራኤላውያን ማእከላይ ቦታ ዝሕዝ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ቦታ እዩ ኔሩ። ኣብ እስራኤል ምሉእ ሓንቲ ቤት መቅደስ ጥራይ ምንባራ ክንሓስብ ከለና ድማ ክሳብ ክንደይ ፍሉይ ኣገዳስነት ዝነበራ ቦታ ምንባራ ንምርድኡ ቀሊል እዩ። ካብቲ ሰለሞን ብዛዕባ እዛ ቤት እዚኣ ዝጸለዮ ጸሎት ከምዚ እናበለናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ፡ ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ ዝበልካያ ቦታ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይከፈታ። ነቲ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚጽልዮ ጸሎትው ስማዕ። ነቲ ባርያኻ ንህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚምህለልዎ ጸሎት ከኣ ስምዓዮ፡ እወ፡ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘሎኻ ቦታ፡ኣብ ሰማይ ስምዓዮ፡ ሰሚዕካውን ይቕረ በል። ከም እንዕዘቦ ኣምላኽ ስሙ ዘንበረላ፡ ኣእዛኑ ድማ ነቲ ኣብኣ ዝጽለ ጸሎት፡ ካብ መቅደሱ ንኽሰምዕ ቃል ዝኣተወላ ቦታ እያ ዝነበረት (1ነገ 829-30) ኣምላኽ ድማ ክብሩን ህልውንኡን ብደበና ዘረጋግጸሉ ቦታ ምንባሩ ንርኢ ኢና።

ኣብቲ ጐይታ እተገልጸሉ እዋን ግና፡ እዛ ከምዚ ዝበለ ክብሪ ዝረኸበት ቤት መቕደስ፡ ብሰንኪ እቲ ህዝቢ ወዲቕዎ ዝነበረ መንፈሳዊ ድኻም፡ መንፈሳዊ ክብራ ስኢና፡ ቦታ ዕዳጋ ኰይና ከም ዝጸንሐቶ ኢና እንዕዘብ። ኣብቲ ሓደ እዋን ስም እግዚኣብሄር ዝኸበረሉ፡ ኣምላኽ ክብሩ ብደበና ዝገለጸሉ ቤት መቕደስ፡ ዕዳጋ ኰይኑ ምስ ረኣየ፡ ጐይታ ብቕንኣት ቤቱ ተቓጺሉ ብቚጥዓ ሰጎጎም። ብቕንኣት ቤቱ ከም ዝጉሂ ብነብዪ ዳዊት ተገሊጹ ነበረ (መዝ 699) ፈሪሳውያን ነዚ ቃል ትንቢት ኣዝዮም ይፈልጥዎ እኳ እንተነበሩ፡ ኬስተውዕልዎ ግን ኣይከኣሉን። ደቀ መዛሙርቲ ግን እቲ ጽሑፍ ተዘኪርዎም። ስለዚ ከኣ ቅንኣት ቤቱ በሊዕዎ ደኣ እምበር ብካልእ መንፈስ ተደሪኹ ከም ዘይገበሮ ተረድኡ። እቲ ብቤቱ ቀናእ ዝኰነ ጐይታ ግና ዘይከም እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና እናበሉ ዝምክሑ ዕውራት መራሕቲ፡ ነቲ ኩነታት ክጻወሮ ኣይከኣለን። እቲ ኣነ ለዋይ እየ ልበይውን ትሑት ኢሉ ንዕረፍቲ ዝጽውዕ ጐይታ፡ ጭጕራፍ ሰሪሑ ክዋቓዕን ክሰጉግን ጀመረ። ካብቲ ጐይታ ዝገብሮ ዘሎ ተበጊስና ክንመሃሮ እንኽእል ሓቂ እንተ ኣልዩ፡ ጐይታ ንቤቱ ንዘማሰነ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ክጻወረሉ ዝኽእል ትዕግስቲ ከም ዘይብሉ እዩ። እቲ ነዚ ዝገብር ቅንኣት ድማ መበገሲኡ እቲ ናይ ዋንነት ስምዒት ምዃኑ እዩ።ንቤት ኣቦይብምባል ፍጹም ዋንነት ናይታ ቤት ከም ዘለዎ ኣመልከተ።

ኣምላኽ ብዛዕባ ቤት መቅደሱ ዘለዎ ኣተሓሳስባ እምበኣር እዚ እዩ። ቤት መቅደስ ኣምላኽ ከም ማሕደር ኣምላኽ ንምዃን ዝተሓርየ ቦታ መጠን፡ ቅድስንኡ ክሕሉ ከም ዘለዎ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ትምህርትና ከም ዝረኣናዮ፡ ቅድስና ማለት ንግሉል ጥቅሚ ኣምላኽ ንክትኸውን ምፍላይ ማለት ምዃኑ ተማሂርና ኔርና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ትምህርትና ድማ፡ ነዚ ፍጹም ፍቃድ ኣምላኽ ዝዀነ ነገር፡ ንሱ ድማ ቅድስናና፡ ኣምላኽ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእትዎ ጉዳይ ምዃኑ ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ፡ ቅድስና ቤቱ ንምዕቃብ ዝወስዶ ስጉምቲ ኢና ንርኢ። ቤት መቕደስ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ዝቅደሰላ ቦታ እምበር ናይ ካልእ ጉዳይ መናሃርያ፡ ወይውን መካዚኖ ክትከውን ኣይተጸወዐትን። ስለዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ከምዚ ዝበሎም፥ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም።” (1ቈረ 316-17)

ካብዚ ጥቕሲ ከም እንመሃሮ ሕጂ ቤት መቅደስ ኣምላኽ ነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ክርስቶስ ከም ዝዀነ እዩ። ኣምላኽ ኢድ ሰብ ኣብ ዝሰርሖ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ባዕሉ ዝሰርሖ ቤት መቅደስ ልብና ከም ዝሰፍር ገሊጹልና እዩ (ኢሳ 5715 ኢሳ 661-2) ነዚ ሓቂ እዚ ጐይታ ኣብቲ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብ ዝነበሮ ዝርርብውን ኣብሪህዎ ኣሎ። ንሳኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፡ እታ ኺስገደላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ፡ ኢኹም እትብሉኢላ ምስ ሓተተቶ ንሱ ድማኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ከም እትመጽእ፡ እመንኒ ።ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ። ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።ኢሉ መለሰላ (ዮሃ 420-24) ንሓደ ቦታ መቅደስ ኣምላኽ ዝገብሮ ህልውናን ምሕዳር ኣምላኽን ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ርኢና ነኤርና ኢና። ድሕሪ እቲ ኣምላኽ ብነብዪ ዮኤል ዝተነበዮ ትንቢት፡ ከምዚ ዝብልመንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየኢሉ ንዝሃቦ ተስፋ ካብ በዓለ ሓምሳ ኣትሒዙ ዝፈጸመላ ግዜ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ናይ ምድሓኑ ወንጌል ዝተቐበለ ክርስትያን ነፍሲ፡ መንፈስ ቅዱስ ዝሃደሮ ቤት መቅደስ እዩ ዝኸውን። (ኤፌ 113, ዮኤ 228, ግብ 216-20 ዮሃ 1417)

ከም መንፈስ ኣምላኽ ዝሓደሮም ሰባት መጠን፡ ጉዳይ ምጽራይ ቤት መቅደስ ጉዳይ ምቅዳስ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ክርስቶስ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ካብዚ ናይ ጐይታ መቅደስ ናይ ምጽራይ ፍጻሜ፡ ንህይወትና እንመሃሮ እንታይ እዩ፧ ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ነጥቢ፡ ዕላማ ህይወትና፡ ዕላማ ናብራና እንታይ ምዃኑ ኣነጺርና ክንዝክር ዝሕግዘና ነገር ዘለዎ ምዃኑ እዩ።ቤትይ ቤት ጸሎት ትብሃልብምባል ዕላማ ህልውና እታ ቤት መቅደስ ንኣምልኾ ኣምላኽ ምዃኑ ገለጸልና። ጸሎት ድማ እቲ ቀንዲ መገዲ ኣምልኾ እዩ። ጸሎት ናይ ትውክልትን ተጸባይነት መርኣዪ ስለዝዀነ፡ ነዚ ኢና እቲ ዝዓበየ መገዲ ኣምልኾ ንብሎ ዘሎና። ንሕና ድማ ንኣምልኾን ክብርን ኣምላኽ ከም ዝተፈጠርና መጠን፡ ህይወትና ንኣምላኽ ንበይኑ ክግዛእን ክውከልን ይግብኦ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ደጊሙ ከምዚ ይብለናብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።” (1ቈረ 619-20) ከምቲ ኣቐዲምና ክንብሎ ዝጸናሕና ንኣምላኽ ካብ እነክብረሉ መገድታት እቲ ቀንዲ ኣብ ኣምላኽ ብምውካል እዩ። እንውከሎ ዘበለ ኵሉ ኣምላኽ ከም ዝዀነና ርዱእ እዩ። እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ። ኣምላኽ ምልኣት ናይ ኵለንተናን ከም ዝደሊ፡ ምልኣት ትውክልትና ድማ ይደሊ። እቲ ጽሩይ ማይ ነጺጉ፡ መንፈሱ ኣፍሲሱ ካብ ጣኦታት ዘጽረዮ ህይወትና፡ መሊስና ጣኦታት ክነእትወሉ ብሓጢኣት ድማ ክነርስሖ እንተ ተረኪብና ምስ ኣምላኽ ኣብ ከምይ ዝበለ ምትህልላኽ ንኣቱ ከም ዘሎና ክርድኣና የድልይ (ህዝ 3625) ነዚ እዩ ድማ ቃሉ፥ ሓደ እዃ ነዛ ቤት መቕደስ እንተ ኣማሰና ኣምላኽ ከማስኖ እዩዝብለና (1ቈረ 317)

እቲ ካልኣይ ካብዚ እንመሃሮ ነገር ድማ ከም ኣገግልቲ ካብ ጐይታ ክንክተሎ ዘሎና ምሳሌ እዩ። ጐይታ ቅንኣት ቤቱ በሊዕዎ፡ ንምጽራይ ቤቱ ተላዕለ። እዚ ቅንኣት ዝብል ኣምር፡ ሰባት ነቲ ስጋዊ ድርኪቶም መተንፈስን መመኽነይን ክጥቐምሉ ዝረኣዩ ስለዝዀነ እቲ ቅኑዕ ቅንኣት ኣየናይ እዩ ኢልና ክንምርምር ኣገዳሲ እዩ። እዛ ቤት መቕደስ ዕላማኣ ስሒታ ከላ ተጻዊሮሞ ክኸዱ ጸኒሖም፡ ነቲ ንሓቂ ክምስክር ንዝመጸ ጐይታ ግና ብቅንኣት ሃይማኖቶም ተለዓዒሎም ክሳብ ቅትለት በጽሑ። ሳውል (ጳውሎስ) ብተመሳሳሊ ብቅንኣት ስጓጊ ማሕባር ምንባሩ ንርኢ ኢና። ንቅንኣትቅንኣት ኣምላኽዝገብሮ ደኣ እንታይ እዩ፧ እቲ ምስጢር እቲ ፍልጠት እቲ ሓቂ እዪ። ክርስቶስኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንትዚ ተወለድኩ፡ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝኰነ ኵሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ፡ ኢሉ መለሰ።ብምባል ቅንኣቱ መንቀሊኡ ፍልጠት እቲ ሓቂ ምንባሩ ኣግሃደ (ዮሃ 1837) እቲ ሓቂ ዘይተገልጸሉ ኵሉ ክህልዎ ዝኽእል ቅንኣት ስጋዊ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ሰይጣን ዝጥቀመሉ ቅንኣት ኰይኑ እዩ ዝርከብ። ኣብ ዓለምና ብስም ሃይማኖት ብዙሓት ዓይነታት በደላት ተፈጺሞም እዮም። ንኣብነት ክጥቐሱ ካብ ዝክእሉ ካብ 11 ክፍለ ዘመን ክሳብ 13 ክፍለ ዘመን ዝተካየዱ ኽሩሰይድ ተባሂሎም ዝፍለጡ ውግኣት ንብዙሓት ሰባት ንክርስትና ዝባኖም ንክህብዎ መዕንቀፊ ዝኹኑ እዮም። እዞም ዝተፈጸሙ በደላት ካብ ፍልጠት ሓቂ ዘይነቐሉ ቅንኣታት ኰይኖም ኢና ንረኽቦም። ስለዚ ቅንኣትና ኣብ ፍልጠት ሓቂ ክኸውን ይግብኦ። ነታ ሓቂ ዝፈለጠ ኵሉ ሓራ ከም ዝወጽእ ድማ ንርእስናን ነቲ ብቅንኣት ተላዒልና ክነቅንዖ እንደልን ክነድሕን ኢና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ 

ዕለት፥ ሰንበት 8 መጋቢት 2020 (የካቲት 29, 2012 ግእዝ)

 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባትን ስብከትን

 

መዝ 68(69)፡8-9

እስመ ቅንዐተ ቤትከ በልዐኒ።ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ። ወቀፃዕክዋ በጾም ለነፍስየ።

ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፣ ነሕዋተይ ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ።

 

 

 

ንባብ

ኣንባቢ

 

ቈሎ 2፡16-ፍጻሜ

ዲያቆን

 

ያዕቆ 4፡1-12

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ዲያቆን

 

ግብ 5:17-30

ንፍቅ (ተሓጋጋዚ) ካህን

 

ወንጌልዮሃ 2፡12-ፍጻሜ

ካህን

 

ቅዳሴ ዘእግዚእነ (ንኣኵተከ)

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div