S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብጥበብን ብጸጋን ዓበየ!!

ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ብጥበብ: ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።” ሉቃ 452 ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥሪ 11 ክሳብ ጾመ ነነዌ ዘሎ ጊዜኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ማለት ካብ ጥሪ 19 ክሳብ ጥሪ 25 ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣእሙነ ኮነ ልደቱ ለመድኃኒነ ክርስቶስ። እምሰማያት ወረደ ወእመላእክት ተአኵተ፡ ወእማርያም ተወልደ።ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እሙን ኮነ፡ካብ ሰማይ ወረደ፡ ብመላእክቲ ተመስገነ፡ ካብ ማርያም ተወልደ።ከምቲ ዘማራይ ዳዊትእግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፡ ንሱውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።መዝ 11827

ቤተ ክርስቲያን እምበኣር ንምእመናን ፡ምልኣት ዘለዎ እግዚኣብሄር ብስጋ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ከምቶም ብስሙ ዚማህሩ ሃዋርያት ኣብነት ወሲድና ነዚ ሰሙን እዚ ነብስና ንምርምረላና፡ ምኡውን ኣብነት ሰማዕታት ሲዒብና መከራ ክንቅበል፡ ጽቡቅ ስራሕ ሰሪሕና ንነብስና ዕረፍቲ ዝከውን ኣብ ሰማይ ርስቲ ንእክበሉ፡ ነቲ ዝተዋህበና ሕድሪ መስቀል እነክብረሉ፡ ዝተዋህበና ሰሙን እዩ። ሎሚ እቲ ንዓና ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልዪ ልደቱ እሙን ዝኮነብጥበብን ብጸጋን ዓበየ!’ ዝተባህለ ጐይታ ኢየሱስ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ጐይታና ኢየሱስ፡ ካብታ ዝተወልደላ ዕለት ጀሚሩ ከም ኵሉ ኣተዓባብያ ሰብ፡ ብኣካል ብስጋን በእምሮን ዓበየ፡። ኣብ ሉቃ 240እቲ ህጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽውን ምስኡ ነበረ።ብዚብል ቃል እቲ ዂለንተናዊ ዕብየቱ ተገሊጹ ኣሎ። ብኣካል ስጋ ጥራይ ዓብዩ፡ ብመንፈስ እንተ ዘይዓብይ ነይሩ፡ ዕብየቱ ንዕብየት መብዛሕትና መሲሉ ምተረፈ ነይሩ። ኣብቲ ናትና ኣተሓሳስባ፡ ዝዀነ ህጻን ተወሊዱ ብስጋ ኺዓብየልና እምበር ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕብየት ውላዱ ዚሓስብ ዳርጋ የብልናን። ነዚ መንፈሳዊ ዕብየት ፈጺምና ኻብ ኣእምሮና ስለ ዘዋደቕናዮ፡ ዋላ ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን በጺሕና ኽሳዕ ሽምግልናውን በቒዕና ኽነስና ገና ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ተደሪትና ክንነብርን ክንመውትን ንረኣ ኣሎና። ጐይታና ግና እቲ ኽንዓብዮ ዚግባና ዓይነታዊ (ideal) ማለት መንቅብ ኣልቦ፡ ምሉእ ፍጹም፡ ዚወጾ ዘይብሉ ዓይነት ኣተዓባብያ እንታይ ከም ዚመስል ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።ብምባል ካብ ዕድመ ቝልዕነትናን ኣተዓባብያናን ጀሚርና ኣርኣያን ኣስሩን ናይ ምስዓብ ትእዛዝን ሓለፋን ተዋሂቡና ኸም ዘሎ ነገረና (1ጴጥ 221) ጐይታና ኻብቲ ብቝመት ኪዓብየሉ ዝጀመረ እዋን ኣትሒዙ ብመንፈሳዊ ዕብየትውን ካብ ዓበየ፡ ዝዀነ ኻብ ክርስትያን ስድራ ቤት ዝተወልደ ህጻን ድማ ነዚ ናይ ክርስቶስ ጐይትኡ ዚመስል መንፈሳዊ

ዕብየት ኪዓብይ ይግብኦ ማለት እዩ። ጐይታና ኸም ፍጹም ኣምላኽን ከም ፍጹም ሰብን መጠን፡ ብዘይ ናይ መዕበያ ረድኤት ኪዓብይ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ግና በቲ ንሕና እንሓልፎ ዅሉ ናይ ህይወት ደረጃታትን መስርሓትን ኪሓልፍን ንዓና ኣርኣያ ኺሓድግን ስለ ዝደለየ፡ በቲ ንሕና ብኣካል እንሓልፎ ኵሉ ደረጃታት ዕብየት ኪሓልፍ ፈቐደ። ስለዚ ድማ እቲ ንብዘላ ዓለም ብቓሉ ዝፈጠረን ዘጽንዐን ዝጾረን ጐይታ ኣብ ማህጸንን ሕቝፍን ወላዲቱ ተሓቝፈ፡ ኣብ ዝባና ተሓዝለ፡ ከም ኵሉ ህጻን ተንፋሓዀን ታተ በለን። እቲ ህያው ንዘበለ ዅሉ ዚቕልብ ጐይታ፡ ካብ ኣጥባት ወላዲቱ ጸባ ተዓንገለ፡ ብርሃጽ ቅዱስ ዮሴፍ ተመገበ። እቲ ንሕጊ ሙሴ ዝሰርዐ፡ ንነብያት ዘናበበ ባዕሉ ኽነሱ፡ ብወለዱ እቲ ናይ ኣይሁድ እምነትን ትምህርትን ተማህረ። ቅድስቲ ድንግል ወላዲቱን ቅዱስ ዮሴፍን እቲ ንህጻንነቱን ቍልዕነቱን ዚግባእ ኣተዓባብያ ገበሩሉ። ጻድቃን ስለ ዝነበሩ ንውላዶም ዜድልይ ኵሉ ግብሪ ጽድቂ ኼጕድሉዮም ኢልካ ዚሕሰብውን ኣይኰነን።

ንሕናውን ከም ክርስትያን ስድራ ቤታት መጠን፡ ናይቲ ብስጋን መንፈስን ከነዕብዮ ብሕያውነትን ብሕድርን ዝተዋህበና ውሉድ ሓላፍነት ክንወስድ ይግብኣና እዩ። ስለዚ ድማ ነዚ መንፈሳዊ ተልእኾና ኸም ዚግባእ ምእንቲ ኽንፍጽም ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ንነፍሲ ወከፍ ዝተወልደ ህጻን ኣበ-ነፍስን ኣበልገን ኪህልዎ ሰሪዓትልና ትርከብ። ንሕና ግና ነቲ ጐይታ ዝሓደገልና ኣርኣያን ቤተ ክርስቲያን ዝስርዓትልና ኣገባብን ጐሲና ብዛዕባ ዚምገቦን ዚለብሶን ብዛዕባ ብጥዕናን ብዘይ ሓደጋ ኪኸውን ምሕላውን፡ ብዛዕባ ትምህርቱን ስራሑን መርዓኡን እምበር፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕብየቱ ፈጺምና ኣይንሓስብን ኣይንሓልየሉን ከኣ ኢና። እግዚኣብሄር ዝዀነ ኣበሳ ዘይብሉ ንጹህ ህጻን ኣሕቝፉና ኽነሱ፡ ንሕና ከይተረድኣና ብዙሕ ናይ ሓጢኣት ስልጠናታት ሂብና ዝያዳና ወዲ ገሃነም ከም ዚኸውን ጌርና ነዕብዮ። ኣብ ህይወቱ ፈሪሃ እግዚኣብሄርን ቅዱስ መንፈሳዊ ባህርያትን ኣይነውርሶን ኢና። ጐይታናተመሃራይ ከም መምህሩ ጊልያ ኸም ጐይትኡ እንተ ዀነ ይኣኽሎ።ኸም ዝበለ፡ ውሉድ ኸም ወላዲኡ እንተ ዀነውን እኹል እዩ (ማቴ 1024,25) ተመን፡ ተመን እዩ ዚወልድ፡ በጊዕ ድማ በጊዕ ዚወልድ። ስለዚ እቲ ዘርእና ናትና ናይቶም ወለዲ ነጸብራቕ እዩ።

ስለዚ ነቲ ዝወለድናዮ፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ፡ ብጸጋ ብጥበብ ብመንፈስ እንተ ዘይኣዕበናዮ፡ ናይ ሸለልትነትና ነጸብራቕ ኣብቲ ውላድና ኽንርእይ ኢና። ነብዪ ሚልክያስ ገሊጽዎ ከም ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ቃል ኪዳን ዝመስረተን ክንፋረይን ክንባዛሕን ዝኣዘዘ፡ዘርኢ ኣምላኽዚዀኑ ቘልዑ ምእንቲ ኽንፈርየሉ እዩ (ሚል 215) ዘርኢ ኣምላኽ ጌርና ኸነዕብዮም ዝተዋህቡና ደቂ ውሉድ ሰይጣን ከም ዝዀኑ ጌርና እንተ ኣዕበናዮም፡ ተጻረርትን ኣፍረስትን ናይቲ ዓብይን ዘለኣለማውን መደብ ናይ ኣምላኽ ንኸውን ከም ዘሎና ኸነስተውዕል ይግባእ።

ዘርኡ ኪዀኑ ዚግብኦም ዝነበሩ ወለዶታት ነስእኖ ኣለና ማለት እዩ። ነቲ ስጋዊ ነገራት ንፍቓድ ናይቲ ህጻን ወይ ቈልዓ ኣሕሊፍና ኣይንህቦን ኢና።ኣይምገብን፡ ኣይሕከምን፡ ኣይክደንን፡ ኣይመሃርንኢሉ ንዝኣበየና ውሉድና፡ኣብዩኒ እንድዩኢልና ኣይንሓድጎን ኢና። እንተ ኣቀባጢርና እንተ ቐጺዕና ነቲ ይጠቕሞኢልና ዝኣመንናሉ ስጋዊ ሓልዮታት ንፍጽመሉ እምበር ብምርጫኡ ኣይንግዛእን ኢና። ኣብቲ መንፈሳዊ ጉዳይ ግና ብመሰረቱውን ኣይንሓስቦን ኢና። እንተ ሓሰብናዮውን ንፍቓዱ ደኣ ንሓድጎ እምበር፡ ከምቲ ስጋዊ ሓልዮት ግዴታና ንፍጽም የሎናን። ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ኣብ ልዕሊ ደቃ ዘለዋ መንፈሳዊ ሓላፍነት እንተ ትፍጽም፡ ሎሚ ካብ ኣምላኽን ቤተ ክርስቲያንን ርሒቑ ዚነብር ወለዶ ኣይምሃለወን ነይሩ። ጐይታ ግና፡ንቘልዑ ናባይ ኣምጽእዎም ኣይትኸልክልዎምኢሉ ዝኣዘዘና (ማቴ 1914) ነቶም፡ቈልዑ ንክርስቶስ እንታይ ኬድልይዎ እዮምወይ ድማክርስቶስ ንቘልዑ ኣየድልዮምንዚብል መርገጺ ዘርኣዩ ደቀ መዛሙርቱ ገንሖም (ማቴ 1913 ማር 1013-15)መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከም ዚኣቶም እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም። ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ከም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።ብምባል ከኣ ካባና ንላዕሊ ንኣታቶም ከም እትበጽሖምን፡ ኣዝዮም ቀረባኣ ምዃኖምን ኣረጋገጸሎም (ማር 1015)

ስለዚ እቲ ባህርዮምን ተፈጥሮኦምን ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀረባ ገይርዎም ከሎ ሓላፍነትና ፈጺምና ብመንፈሳውነት ከነዕብዮም እንተ ዘይክኢልና ከም ጐባጥ ተኽሊ ተጣሚሞም ምስ ዓብዩን ካብ ኣምላኽን ካብ መንግስቱን ኣዝዮም ምስ ረሓቝ ከነቕንዖምን ከነቕርቦምን እንተ ደሌና ፈጺሙ ኣይኰነልናን እዩ። ንፍቶ ንጽላእ ድማ፡ ብዕዳ ደም ናይ ገዛእ ደቅናን፡ ብምፍራስ ፍቓድን ብጥልመት ሕድርን ናይ ገዛእ ፈጣሪናን ክንሕተትን ክንፍረድን ኢና። በቲ ስጋዊ ሓልዮት ኣዚና ተኸናኺንና ስለ ዘዕበናዮምን ኣብ ዚብጻሕ ስለ ዘብጻሕናዮምን ናይ ወላዲ ሓላፍነትና ዝፈጸምና ዀይኑ ኺስምዓና ኣይግባእን እዩ። ነዚ ዝዓይነቱ ሓልዮት እሞ እቶም በሃማት እንስሳታት እኳ ዚፍጽምዎ እዩ። ካብቶም ወላዳት እንስሳታት ዝተፈልዩ ዚገብረና ነቲ መንፈሳዊ ሓላፍነት ናይቲ ሰብኣዊ ተፈጥሮና ምስ እንፍጽም ጥራይ እዩ።

እቲ ንደቅኻ ብመንፈሳዊ ጸጋን ጥበብን ከይተዕብይ ዘይምኽኣል፡ ንርእስካውን ብመንፈስ ከም ዘይዓቤኻ ዜመልክት እዩ። ቈልዓ ንኸምኡ ቘልዓ ኬዕብዮ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ። እቲ ኻብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ዘይተላቐቐ ወላዲ ድማ፡ ናይ ደቁ መንፈሳዊ ዕብየት ኬውሕስ ኣይክእልንዩ። ምኽንያቱ ንርእሱ መንፈሳዊ ዕብየት እንታይ ምዃኑ ኣይጠዓሞን። ሰብ ከኣ፡ ንርእሱ ዘይጠዓሞን ዘይገበረላን ነገር ንኻልእ ሰብ፡ ዋላ ውላዱ ይኹን፡ ኪገብረሉ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ነቲ ንደቅና ደቂ ኣምላኽ ጌርካ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ኽንፍጽም ቅድሚ ምብጋስና፡ ቅድም ንገዛእ ርእስና ብመንፈሳዊ ዕብየት ምዕባይና ምርግጋጽ ይግባእ። ነዚ ኸየረጋገጽካ ናብ መውስቦን ቈልዑ ናብ ምውላድን ምዕባይን ምእታው ማለት ናብ ዓብይ ዕዳን ፍርድን ምእታው ማለት እዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ሓቂ እዚ ንነፍሲ ወከፍ ምእመና ኣጸቢቓ ኽትምህር ሓላፍነታ እዩ። ከም ክርስቶስ ጐይታኡ ብጥበብን ብጸጋን ብመንፈስን ብቓል እግዚኣብሄርን ዘይዓበየ ካህን ወይ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ስለ ዝቐሰመ ጥራይ ኣገልግሎትን ሓላፍነት ኣማኢትን ኣሽሓትን ምእመናን እንተ ወሲዱ፡ ንርእሱ ናብ ሓደጋ ከም ዜእቱን ግብሪ ኣምላኽ ብምፍራስ ዕዳ ደም ብዙሓት ከም ዚጸውርን ኪፈልጥ ይግብኦ። መንፈሳዊ ወላዲ እዩ ንርእሱ ከም ክርስቶስ ጐይታኡ ብምልኣት እንተ ዘይዓብዩ፡ ነቶም ናይ መንፈስ ደቁ ዚዀኑ ምእመናን ኬዕብዮም ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እቶም ንዘዝተወልደ ህጻን ብመንፈስ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ዚስከሙ ወለድን ኣበልገን ካህናትን ንገዛእ ርእሶም ከምቲ ጐይታ ዝሓደገሎም ኣርኣያ ገይሮም ምዕባዮምን፡ ነቶም ብሕድሪ ዝተቐበልዎም ዓበይትን ንኣሽቱን ነፍሳት ብመንፈስ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ብዘየሕትቶም መገዲ ከም ዝፈጸምዎ ኼረጋግጹ ይግባእ። እቲ ንምዕባይ ዜድልየና ዅሉ ብክርስቶስ ተዳልዩልና እዩ። ነቲ ብጥበብ ኣምላኽ ኪዓብይ ዚደልይ፡ ብዛዕባ ጥበብ ክርስቶስ፡ንስኻትኩም ግና ኣብኡ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም፡ ንሱ (ክርስቶስ) እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወህበና ጥበብ እዩ፡ በዚ ጥበብ እዚ ድማ ጽድቅን ቅድስናን ድሕነትን ኰነልና። . . . ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ እዩ ተሰዊሩ ዘሎተባሂሉሉ ኣሎ (1ቈረ 130 ቈሎ 23) ነቲ ብጸጋ ኺዓብይ ዚደልይ ድማ፡ሕጊ ብሙሴ ተዋሂቡ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምበኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና።ተባሂሉሉ ኣሎ (ዮሃ 116,17) ኵለንተናዊ ዕብየት ኣብቲ ፍጹም ሰብ ዝዀነ ክርስቶስ ተራእዩ ምሉእ ዕብየት ድማ ካብ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ዚርከብ፡ ምኽንያቱ እቲ ሃዋርያዊ ቓል፡ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበይ፡ ብዘሎ እቲ ስጋ . . . ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዚረክብኢሉ ኣረጋጊጹልና እዩ (ኤፌ 415,16) እምበኣር ንሕናውን ብክርስቶስ ተረዲእና ንባዕሉ ንክርስቶስ ናብ ምምሳል ንዕበይ። ነቶም ብመንፈስ ኣዕቢና ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚበቕዑ ውሉድ ኣምላኽ ክንገብሮም ዝተዋህቡና ገንዘብ ሕድሪ ዝዀኑ ደቅና ድማ ማዕረ ዕብየት ኣካላቶም ብመንፈስ ነዕብዮም ከም ዘሎና ርግጸኛታት ንኹን። ምኽንያቱ እቲ ብስጋ ጥራይ ዚዓብይ ናብ ጥፍኣት ገሃነም ገጹ እዩ ዚዓብይ፡ እቲ ብመንፈስ ዚዓብይ ግና፡ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወትን ክብረትን ዚዓብይ እሞ፡ ከምቶም ብስጋ ለቢሞም ብመንፈስ ዚዕሽው ሰባት ካብ ምዃን ርእስና ንሓልው።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 2 ለካቲት 2020 (ጥሪ 24, 2012 ግእዝ)

 

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባትን ስብከትን

 

መዝ 118፡27 “እግዚኣብሄር እግዚእ ኣስተርአየ ለነ። ግበሩ በዐለ በትፍሥሕት በኅበ እለ ያስተሐምምዎ። እስከ አቅርንቲሁ ለምሥዋዕ።” 
“እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፡ ንሱ’ውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።”

 

 

 

ንባብ

ኣንባቢ

 

2 ቈረ 1፡13-ፍጻ

ዲያቆን

 

ዮሃ 222-ፍጻ

ንፍቀ ዲያቆን

 

ግብ 12 20-28

ንፍቀ ካህን

 

ወንጌልሉቃ 242-ፍጻ

ካህን

 

ቅዳሴ ዘድዮስቆሮስ

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div