S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ!!

ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ ‘ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ’ በለቶም። ...ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ፡በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። ሽዑ፡ ‘ሕጂ ቕድሕዎ ነቦ ዳስ ውሰዱሉ” በሎም፡ ንሳቶም ከኣ ወሰዱ።” ዮሃ 25-8። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ካብ ጥሪ 12 ክሳብ ጥሪ 18  ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣሖረ ኢየሱስ ብትፍሥሕት ውስተ ከብካብ (ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓጐስ ናብ መርዓ ከደ)  እዚ ከኣ ሕጊ ዝሰርዔን ዝማሃረን፡ በረከት ናይ ስጋን ነፍስን ከካፍለና ከምኡውን ነቲ ስራሕ ሰይጣን ከፍርስ እቲ ንደቂ ሰባት ዝፈጠረ አምላክ ኣማልክቲ ጐይታ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ስጋ ምግላጹ ንምዝካር ዝተሰርዔ ዕለት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊትብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፣ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።” (መዝ 84 6, 7)  ሎሚ እቲ ንዓና ብቅድስት ድንግል ማርያም ጌሩ ንሰብ መርዓ ናይ ቃና ዘገሊላ ዝተዋህበና ንሱ ዚብለኩም ኵሉግበሩኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

እዛ ዕለት እዚኣ እግዚኣብሄር ወልድ ብኣካል ስጋ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ቃና ዘገሊላ ቐዳመይቲ ተኣምራቱ ዝፈጸመላ፡ ኽብሩ ድማ ዝገለጸላ እንዝክረላ መዓልቲ እያ። እቲ ስጉው ቃል፡ ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ስጋዊ ህይወቱ ኰነ ኣብ ማሕበራዊ ሓላፍነታቱ፡ ብዘይካ ብሓጢኣት ብዅሉ ነገር ከምዚ ከማና ኰይኑ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብ መርዓ እንተ ዓደምዎ ይኸይድ፡ እንዳ ፈተውቱ፡ እንዳ ጸላእቱ ከይተረፈ፡ ብቓላቱ ኼፈንጥርዎ ኢሎም ኣብ ዝዓደምዎ ዕድመ ኸይተረፈ ይኸይድ ነበረ። ዝዀነት ትኹን ዓይነት መድረኽ ወንጌል ንምስባኽ ይጥቀመሉ ነበረ። ነዛ ተዓዲሙላ ዝነበረ መርዓ ድማ፡ መለኮታዊ ኽብሩ ንምግላጽ ዝመረጻ መድረኽ ነበረት። ናብቲ መርዓ ምስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲቱን ምስ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱን ተዓዲሙ ኸደ። ምናልባት ብስጋ ብዝምድና ናይ ዚብጽሕዎም ሰባት መርዓ ነይሩ ኪኸውን ይክእል እዩ።

እንተ ዕዱም ልዕሊ ዝተጸበይዎ በዚሑ፡ እንተ እቶም ሰብ ውራይ ዚኣክል ምድላዋት ዘይገበሩ ኰይኖም፡ እቲ ዝጸመቝዎ ወይኒ ተወዲኡ፡ ማሕበራዊ ክብሪ ናይታ ስድራ ቤት ዚጕድኣሉ ዅነታት ተፈጥረ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ፈታኒ ዅነታት፡ እቶም ሰብ ውራይ ኣብታ መዓልቲ ሓጐሶምን ኣበባኦምን፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ዘይጽወር ጭንቀትን ሕፍረትን ከም ዚኣትው ንምርዳእ ነጋሪውን ዜድልዮ ኣይኰነን። እቶም ሰብ ውራይ ኪናወጹ ዝረኣየት ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ናብ ጐይታና መጺኣ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ሓበረቶ። ብመሰረት ዮሃ 211 ቕድሚ እዋን ጐይታና ተኣምራት ኣይፈጸመን። ስለዚ ድማንምንታይን እንታይ ክገብርን እያ ዝነገረቶ፧ዚብል ሕቶ ዜልዕል እዩ። ዋላ ተኣምራት ኪገብር ቅድሚ ሕጂ ኣይትርኣዮ፡ መንነቱ ግና ገና ኣብ ማህጸና ኸይሓደረ ኸሎ ትፈልጦ ነበረት። ስለዚ ፍቓዱ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ጸገም እዚ ኺፈትሕን፡ ነቲ ማዕበል ጭንቀትን ሕፍረትን ድማ ኬህድኦ ከም ዚኽእል ኣይሰሓተቶን። ነቲወይኒ እምበር የብሎምንዚብል ቃላ፡ገና ጊዜይ ኣይበጽሐንዚብል መልሲ ሂብዋ ኼብቅዕ፡ ናብቶም ተዓጣቖ ከይዳ፡ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩኢላ መዓደቶም። ንሳቶም ከኣ ንቓላ ተኣዚዞም ኣብ ቅድሚ ጐይታ ኸይዶም ደው በሉ።ናብኡ እንኸይድሲ ንሱ እንታይ ኪገብረልና እዩ፧ ሕጂዶ ወይኒ ፈጢሩ ኼምጽኣልና ዀይኑ፧ወዘተ ዚብል ምስምሳት ኬቕርቡን ንእኣ ዀነ ንእኡ ንዘይምእዛዝ ኪመጣልዑ ይኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ነዚ ዘየርብሕ ኣካይዳ ኣይመረጽዎን። ብኣንጻሩ ነቲ ቕዱስ ምኽራ ተኣዚዞም ትኽ ኢሎም ናብኡ ኸዱ።

ንሳውን እንተ ዀነ እቲ ጐይታኣን ፈጣሪኣን ዝዀነ ወዳ፡ጊዜይ ገና ኣይበጽሐንእናበለ ከሎ፡ ንምንታይ እያ፡ ጊዜኡ ከም ዝበጽሐ ገይራ ነቶም ተዓጣቖ ናብኡ ዝለኣኸት፧ ነቲ ዝበላ ከይትሰምዕን ኣብቲ መለኮታዊ ፍቓዱ ኢዳ ኸተእትውን ስለ ዝደለየት ድያ፧ ኣይፋሉን፡ ንሳ ፍቓድ ኣምላኽ ብምፍጻምን ትእዛዛቱ ብምኽባርን ምልእተ-ጸጋ ካብ ኵላተን ኣንስቲ ዝተባረኸት ምዃናን ዘረጋገጸት ቅድስቲ ኣደ እያ። ንሳ ኸምኡ ዝበለት እቲ ምስጢር ስለ ዝተገልጸላን ስለ ዘስተውዓለቶን እዩ። እቲ ንሕና ነቲ ዝበለና ዅሉ እንገብረሉ ጊዜ፡ እቲ ንሱ ግብሩ ዚገብረሉ ጊዜ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠት እያ፡ በቲ መስተንክር ግብሩ ንጸገሞም ምእንቲ ኺፈትሓሎም ንሱ ዝኣዘዞም ኵሉ ኺገብሩ ዝመዓደቶም።

እቶም ተዓጣቖ ድማ ኣዝዮም መስተውዓልቲ ነበሩ። ዓይነት ናይቲ ንሱ ዝሃቦም ትእዛዝ ብዘየገድስ፡ ዝበሎም ኵሉ ንምግባር ኣብ ቅድሚኡ ድው በሉ። ኣብ ስርዓት ኣይሁድ ኢድካ ከይተሓጸብካ ምብላዕ ከም ርኽሰት ይቝጸር ስለ ዝነበረ ኣብ ውራያት ይኹን ኣብ ኣባይቲ ንምጽራይ ዚኸውን ማይ ኪቕረብ ናይ ግድን ነበረ። ኣብቲ ቦታ ድማ ንኸምኡ ዕላማ ካብ 75-115 ሊትሮ ማይ ኪሕዝ ዚኽእል ሹድሽተ ኣጋንእ ተተኺሉ ነበረ። ስለዚ በዚ ናይ ሎሚ ኽልተ ሚእቲ ሊትሮ ዚሕዝ ፊስቶታትና፡ ካብ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ፍስቶን ፈረቓን ማይ ዚሕዝ ማለት እዩ። ንሳቶም እቲ ናይ ወይኒ ኣጋንእ ወይኒ ኺመልኣሎም እናተጸበይዎ ከለው ንሱ ግና ነቲ መሕጸቢ ኪኸውን ዝተዳለወ ኣጋንእ ማይ ኪመልእዎ ኣዘዞም። ከምዚ ናይ ዘመንና ሽዑ ብቡምባ ማይ ይመልኡ ኣይነበሩን፡ ስለዚ ኻብ ዒላ ወይ ካብ ሩባ እዮም ማይ ኬምጽኡ ማለት እዩ። ንሳቶም ግና ነታ ናይ ቅድስቲ ማርያም ምኽሪ ኣጽኒዖም ብምሓዝ ነዚ ስግንጢር ዚመስል ትእዛዝ ተኣዚዞም ነቲ ኣጋንእ ኣፍ ንኣፍ መልእዎ። ኣብ ኣእምሮኦም ብዙሕ ዘይተደላዪ ሓሳባት ተገማዲሑ፡ ንሓድሕዶምውን ሒደት ቃላት ሕሹኽ ተባሂሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ስምዒታት ግና ንተኣዛዝነቶም ኪዕንቅፎ ኣይፈቐደሉን።

ነቲ ቐዳማይ ትእዛዝ ብዓወት ምስ ፈጸምዎ፡ ካልእ ዝኸበደት ትእዛዝ ኣዘዞም። ኪጽልይ ከሎ፡ ወይ ነቲ ማይ ኢዱ ዘርጊሑ ኺትንክዮ ወይ ኪባርኾ ከሎ፡ ወይ ዝዀነ ነገር ኬእትወሉ ኸሎ ኣይረኣይዎን። ገለ ነገር ኪገብር ግና ምልእቲ ዳስ ኣዒንታ ኣፍሊጣ ትጽበዮ ከም ዝነበረት ዘየጠራጥር እዩ። ኣብ ልዕሊ ማይ ዋላ ሓንቲ ነገር ከይገበረ፡ሕጂ ኻብኡ ቕድሑ እሞ ነቦ ዳስ ውሰዱሉኢሉ ኣዘዞም። እቲ ኣጋንእ ንመሕጸቢ እምበር ንምስታይ ኣይተዳለወን። እቲ ኣቦ ዳስ ድማ ማይ ኣይጸምአን። ኣብ መርዓ መዓልቲ ማይ ዝመልኣ ዋንጫ ሒዝካ ነቦ ዳስ እንካ ኽትብሎ ከሎኻ እሞ፡እንታይኢሉ እንተ ሓተተካ እንታይ ኢልካ ክትምልስ ምተኻእለ፧ ቅድም ነቶም ተዓጣቖ ጥዓምዎ ኢሉ ደሓር ነቦ ዳስ ኪወስዱሉ እንተ ዚእዝዞም፡ እቲ ትእዛዝ ምቐለለሎም ነይሩ። ጐይታ ግና ንናይ መልሓሶም ናይ ምስትምቓር ህዋሳት ድዮም ዚኣምኑ ወይስ ንእኡዮም ዚኣምኑ ዚፍትሽ ቀጢን ትእዛዝ ሃቦም። ንኣታቶም ግና እዚ ትእዛዝ እዚውን ኣይከበዶምን። ከምታ ዝበሎም ብምግባር ነቲ ኣቦ ዳስ ኣስተንከርዎ። ተኣዝዞኦም ተኣምር ከም ዝተገብረ በቲ ኣቦ ዳስዮም ዝተበሰሩ። ንምኽሪ ቅድስቲ ወላዲቱ ሰሚዖም፡ ንትእዛዝ ቅዱስ ወዳ ምስ ኣኽበሩ፡ ነቲ ቐዳማይ ተኣምር ወዲ ኣምላኽ ኪርእዩ በቕዑ።

መብዛሕትና ብዛዕባ ተኣምር እዚ ኽንሓስብ ከሎና፡ ዝበዝሕ ጊዜ ኣብቲ መስተንክር ግብሪ ክርስቶስ እምበር፡ ኣብቲ ንክርስቶስውን ዜስተንክሮ ተኣዝዞ ናይቶም ሰባት ፈጺምና ኣይነድህብን ኢና። ወይኒ ናብ ማይ ኪልወጥ ካብ ምርኣይ፡ ሰባት ንክርስቶስ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥርን ምድንጓይን ኪእዘዝዎ ምርኣይ ዝዓበየ ተኣምር እዩ። እዞም ሰባት ነቲ ጐይታ ዝኣዘዞም ሕራይ ኢሎም እንተ ዘይእዘዙ ነይሮም፡ እዚ ተኣምራዊ በረኸት እዚ ኸቶ ኣይምተፈጸመን ነይሩ። ሰይጣን ነቲ ዜርብሓናን ዚልውጠናን ሓቂ ምእንቲ ኸይነቕልበሉ፡ ናብቲ ሓላፊ ናይ ስጋ ነገር እምበር ናብቲ መንፈሳውን ዘለኣለማውን ነገር ከነድህብ ኣይፈቕደልናን እዩ። እቲ ብተኣምር ዝተዳለወ ወይኒ ተወዲኡ፡ ንስርዓተ ሽንቲ ሓሊፉ ሽንቲ ዀይኑ ፈሲሱ እዩ። እቲ ብእምነት ዝተፈጸመ ተኣዝዞ ግና ነባርን ኣብ ሰማያት ዓስቢ ዜውህብን ተግባር እዩ። ስለዚ ምእዛዝ ዓቐብ ከም ዚዀነና ሰባት መጠን፡ ካብ በቲ ተኣምራዊ ለውጢ ንላዕሊ፡ በቲ ፍጹም ተኣዝዞ ብዝያዳ ክንድነቕ እዩ ዚግብኣና። ንጐይታ ደኣ ኣሽንኳይ ንማይ ናብ ወይኒ ምልዋጥ፡ ነቲ ወይኒ ምስ ናይ ኣጋንኡ ኻብ ዘየለ ኺፈጥሮ ኣይመጸገሞን ነይሩ። ከም ክርስትያን መጠን፡ በቲ ክርስቶስ ዚድነቐሉ እምነትን ምእዛዝን ክንድነቕ እዩ ዜጥዕመልናን ዜርብሓናን። ጐይታ ድማ ብእምነትን ተኣዝዞን ናይ ሰባት እዩ ዚድነቕ።

ነዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ከምዚ ዝበለ ግሩም ተኣዝዞን ዓወትን ዘብጽሖም። ነቲ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብልሳን ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም ዝተነግሮም መለኮታዊ ቓል ምስማዖም እዩ። ንሕናውን ከም መፍቀርቲ ማርያም መጠን፡ ነዚ ንዅሎም ቅዱሳን ዘዐወተ ምኽራ እዚ፡ ዕድሜና ምሉእ ክንሰምዖን ከነተግብሮን እዩ ዚግባእ።አፍቅራ እየእናበልና፡ ነቲ ንሳ፡ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩኢላ ብዛዕባ ፍቁር ወዳ ዝተዛረበቶ ቓል ዘይነኽብሮ እንተ ዄንና ንእኣ ግብዝ እምበር ሓቀኛ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከም ዘይብልና ዜቃልዓና እዩ። ነቲ ንሳ ዝበለቶ ዘይንሰምዖን ዘይነተግብሮን እንተ ዄንና፡ ነቲ ብስማ እንገብሮ ጸሎትን ምህለላንውን እግዚኣብሄር ኣይኪሰምዖን እዩ።

እቲ ጐይታና ዚብሎ ዅሉ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሕን ብንጹርን መገዲ ተገሊጹልና ኣሎ። ከነፍቅር ክንትሕት፡ ምሕረት ክንገብር፡ ክንልግስ፡ ክንዕገስይኣኽለኒኢልና ካብ ስሰዐ ኽንሕለው፡ ብጽድቅን ብቕድስናን ክንመላለስ፡ ከነገልግል ወዘተ ኢሉናን ኣዚዙናን እዩ።ግበርዎጥራይ ዘይኰነ፡ኣይትግበርዎኢሉ ዝሃበና ትእዛዛትውን ብዙሕ እዩ። እምበኣር ነቲግበርዎን ኣይትግበርዎንኢሉ ዝኣዘዞ ዅሉ ምስ እንገብሮ ናይ ብሓቂ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ናይ ቅድስቲ ወላዲቱ ኣፍቀርቲ ምዃንና ሽዑ ዚረጋገጽ። ነቲ ንሱ ዚብሎ ዚገብር ሰብ ኣብ ሰማይን ምድርን፡ ኣብ መንፈሳውን ስጋውን ነገሩ ይቐንዖን ይሰልጦን። ከምኡ ዚገብሩ ሰባት እናበዝሑ ብዝኸዱ መጠን፡ ሰላም ናይ ቤተ ክርስቲያንና ገዛውትና ከተማና ሃገርና እናዓዘዘ ይኸይድ። ኣምላኽ ኣብ ማእከልና ይነብር፡ በረኸትና ድማ ይዓዝዝ። ነቲ ንሱ ዚብለና ዅሉ ሓዲግና፡ ነቲ ጽቡቕ ኰይኑ ዝተራእየና ፍቓድና ኣብ ምፍጻም ጥራይ እንተ ተጸሚድና ድማ ምስታ ንምዕዶኣ ዝረገጽናዮ ኣዴና ማርያምን፡ ምስቲ ትእዛዛቱ ዘፍረስናዮ ፍቁር ወዳን ጸላእቲ ንኸውን። ስለዚ ዂላቶም ነብያትን ሃዋርያትን ቅዱሳንን ክርስቶስ ዝበሎም ኵሉ ብምግባር ተዓዊቶም እዮም እሞ፡ ንሕናውን ኣሰሮምን ኣርኣያኦምን ብምስዓብ ዘለኣለማዊ ዓወት ንተዓወት!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። 

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

ዕለት፥ ሰንበት 26 ጥሪ 2020 (ጥሪ 17, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 84 6-7: እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ። ወየሐውር እምኃይል ውስተ ኃይል። ወያስተርኢ ኣምላከ ኣማልክት በጽዮን።

ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፣ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 21-11

ዲያቆን

ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ

1ዮሃ 51-13

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 21-14

ግብ 10 34-39

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div