S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣበይ ትፈልጠኒ፧

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 7 ክሳብ ታሕሳስ 13  ስብከት  ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ ወልዶ መድኅነ ንሰብክ። ዘእምቅድመ ዓለም ሀሎ።(ቅድሚ ዓለም ንዝነበረ፡ ምድሓን ወዱ ክነግር ኢና) ዝብል እዩ። ካብ ኦሪት ብሙሴ ብኩሎም ብነብያት ኣቐዲሞም ምውላድ ክርስቶስ ብስብከቶም ሰቢኮሞ ንዝነበሩ ሎሚውን ንሱ ህያው ምዃኑ ንምዝካር እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊትኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረቡ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።እዚ ማለት ከ ኣታ ትማልን ሎምን፡ ንዘልኣለም ህያው ዝኾንካ፡ ጐይታ ርድኣና ዘይንስኻ ክረድእ ዝኽእል የሎን ንምባል እዩ። ኣብ ህይወትና ሎሚ ዝያዳ ኩሉኣበይ ትፈልጠኒንብሎ ከይንህሉው፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ጐይታ፡ ንፊሊጶስ ኪስዕቦ ምስ ጸውዖ፡ ፊሊጶስ ድማ ንናትናኤል ረኺቡ፡ንኢየሱስ ረኺብናዮኢሉ ብምብሳር ናብ ጐይታና ሒዝዎ መጸ። ብድሕር ጐይታናን ናትናኤልን ኣዝዩ ኣገዳሲ ናይ ቃላት ልውውጥ ገበሩ። ንናትናኤል ናብኡ ገጹ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ጐይታና ብዛዕባኡ፡እንሆ፡ ጒርሒ ዘይብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊብምባል ዜገርም ምስክርነት መስከረሉ። በቲ ገና ናብኡ ኸይመጸ ኸሎ፡ ንፊሊጶስ፡ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይክእልዩ፧ኢሉ ዝተዛረቦ፡ ንዕቀት ሓዘል ዚመስል ዘረባ፡ ጐይታ ኺፈርደሉ እምበር ኪንእዶ እትጽበዮ ኣይኰነን። እንተ ዀነ በቶም ንገሊላ ዜስተናዕቑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ካብ ገሊላ ነብዩ ክትንስእ ኣይኽእልን እዩዚብል ግጉይ ርድኢት ሰሪጹ ስለ ዝነበረ፡ ብእኡ ተጸልዩ እምበር፡ ባዕሉ ዘማዕበሎ ናቱ ኣተሓሳስባ ኣይነበረን (ዮሃ 752) ናትናኤል ንርእሱ ገሊላዊ ስለ ዝዀነ፡ ንገሊላ ኬስተናዕቕ ዚከኣል ኣይነበረን። ናዝሬት ድማ ሓንቲ ኻብ ከተማታት ገሊላ እያ ዝነበረት። ጐይታና ገና ናብኡ ከይመጸ ኸሎ፡ ንናትናኤል ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ኮፍ ኢሉ ኸሎ ርእይዎ ነበረ። ነቲ ብጕርሒ ዘይኰነ ብገርህነት ዝተዛረቦውን ሰሚዕዎ እዩ። ፍጹም ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ገና ቕድሚ ምስራት ዓለም ፈሊጥዎን ጸዊዕዎን ሓርይዎን ኣጽዲቕዎን እዩ (ሮሜ 829,30) ንምቕማጡን ምትንሳኡን ይፈልጦ፡ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሱ ኸየላ፡ ንሓሳቡ ኻብ ርሑቕ የስተውዕሎ እዩ። ኣብ ዝሃለወ ይሃልው፡ ንሱ ብመለኮቱ ኣብ ኵሉ ምሉእ ስለ ዝዀነ ኣበይ ከም ዘሎ ይፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስኡውን ነይሩ፡ ይትረፍ ምስ ተወልደ ዝዀኖን ዚገብሮን ገና ድቂ ዀይኑ ኣብ ማህጸን ወላዲቱ ብሕቡእ ኪፍጠር ከሎውን ኣይተሰወሮን (መዝ 1391-16)

ሃዋርያ ናትናኤል ግና፡ ገና ነዚ መለኮታዊ መንነት ናይ ክርስቶስ ስለ ዘይፈለጦ፡ በቲ ብዓይኑ ጥራይ ዚርእዮ ዘሎ ሓጺር ቁመቱን ጸቢብ ደረቱን ጥራይ ስለ ዝሓሰበ፡ኣበይ ትፈልጠኒ፧ዚብል ዜገርም ሕቶ ሓተቶ። ጐይታ፡ፊሊጶስ ከይጸውዓካ ኣብ ትሕቲ በለስ ከለኻ ርእየካምስ በሎ፡ እቲ ገርህነቱን ቅንዕናኡን ረዲእዎ፡መምህር፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስካ ንጉስ እስራኤል ኢኻዚብል ዜገርም ተኣምኖ ተኣመነ።

ገርህነትን ቅንዕናን እንተ ዘይነብሮ ግና፡ፊሊጶስ ወይ ዝዀነ ኻልእ ሰብ ኣቐዲሙ ሓቢርዎ ኣሎ ማለት እዩ፧ወይ ድማ፡እዚ ሰብ እዚ ጠንቋሊ ደኾን ኪኸውን ይኽእል፧ዚብል ካብ ምእማን ዚዕንቅፍ እኩይ ሓሳባት ምተቐላቐሎ ነይሩ። ዋላ ፈጺሙ ኻብ ምእማን እንተ ዘየብኰሮ እኳ፡ ንምእማን ኬደናጕዮ ግና ምኸኣለ ነይሩ። ጐይታ ድማ በዛ ንእሽቶ ብርሃን እዚኣ ኽንድዚ ዚኣክል ናይ እምነት ዝላ ኸም ዝዘለለ ምስ ረኣዮ፡ ገና ኻብዚ ድሮ ዝረኸቦ ዝዓበየ ምግላጽ ከም ዜርእዮ ኣተስፈዎ።

ነዚ ሃዋርያ ናትናኤል ብገርህነትን ብቕንዕናንኣበይ ትፈልጠኒ፧ዝበሎ ቓል፡ ብኣፍና ዀነ ብተግባርና እንደጋግሞ ሰባት ኣዚና ብዙሓት ኢና። እዚ ኣተሓሳስባን ሕቶን እዚ ብቕንዕናን ብገርህነት ስለ ዘይሕተት፡ ንብዙሓት ሰባት ንጥፍኣት ምኽንያት ኰይንዎም እዩ። እግዚኣብሄር ከም ዚፈልጠካ ዘይምርዳእን ኣፍልጦ ዘይምሃብን ንዅለንተናዊ ህይወት ወዲ ሰብ ኣዝዩ ዜበላሽዎ ኽሕደታዊ ኣተሓሳስባ እዩ። ብዙሓት ብህላውነት ኣምላኽ ዚኣምኑ ንርእሶምውን ከምክርስትያንዚፈልጥዋ ሰባት፡ ክርስቶስ ከም ዘይፈልጦምን ከም ዘይርእዮምን ከም ዘይሰምዖምን ኰይኖም እዮም ዚመላለሱ። እዚ ድማ በቲ ዚነብርዎ ዓይነት ህይወት እዮም ዜግህድዎ። ካብ ሰብ ተሓቢኡ ዚሰርቕን፡ ዚምንዝርን፡ ዚቐትልን ሰብ፡ እግዚኣብሄር ይርእዮን ይፈልጦን ምዃኑ እንተ ዚሓስብ፡ ነቲ ኣበሳ እቲ ኺገብሮ ኣይምደፈረን ነይሩ። ቅዱስ ዳዊት፡ ናይ ረሲኣን ሕቡእ ኣተሓሳስባ እንታይ ከም ዚመስል፡ረሲእ ብትምኒት ልቡ ይጀሃር፡ ንገፋዒ ይምርቖ፡ ንእግዚኣብሄር ይንዕቆ ኣሎ እሞ፡ ጥቑዕሲ ብትዕቢት ረሲእ ይስቀይ ኣሎ። . . . ኵላ ሓሳባት እቲ ረሲእ፡ኣምላኽ የልቦንእዩ። ብልቡ ኸኣ፡ኣይምርምርን እዩይብል ኣሎ። . . . ብልቡከቶ ኣይክናወጽን፡ ካብ ወለዶ ንወለዶ ኽፉእ ኣይኪመጸንን እዩ።ይብል ኣሎ። ኣፉስ መርገምን ጥልመትን ዓመጻን መሊኡ እዩ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እከይን ጥፍኣትን ኣሎ። . . . ንሱ ብልቡ፡ኣምላኽ ረሲዑ፡ ገጹ ኸዊሉ፡ (ነዚ ዝገብሮ) ከቶ ኣይኪርእዮን እዩ ይብል። . . . ስለምንታይ ረሲእ ንኣምላኽ ዚንዕቆ፧ ብልቡ ኸኣኣይክትምርምርን ኢኻዚብሎ፧ኢሉ ዝጸሓፎ ቓል፡ ብኸመይ ንእግዚኣብሄርኣበይ ትፈልጠኒ፧ከም እንብሎ ዜርእየና እዩ (መዝ 102-4,6,7,11,13) ኣብ መዝ 943-9ክሳዕ መኣዝ እቶም ረሲኣን፡ ጐይታ፡ ክሳዕ መኣዝ ረሲኣን ኪዕወቱ እዮም፧ ዘረባ ድርቅና የፈልፍሉ፡ ኵሎም ገበርቲ እከይ ይጀሃሩ ኣለው። . . . ንመበለትን ስደተኛን ይቐትሉ፡ ንዘኽታማት ከኣ ይሓርዱ እዮም እሞ፡እግዚኣብሄር (ንተግባርና) ኣይርእዮን፡ ኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህሎን እዩ፡ይብሉ ኣለው። ኣቱም ዳንዴታት ህዝቢ፡ ኣስተውዕሉ ኣቱም ዓያሱ፡ መኣዝ ኢኹም እትልብሙ፧ እዝኒ ዝተከለሰ ኣይሰምዕንዶ፧ ዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእይንዶ እዩ፧ኢሉ ዝገለጾ ቓልውን፡ ነቲ ሓቂ እቲ ዚድርዓልና። ስለዚ ዝዀነ ሓጢኣት ንምፍጻም ክንደፍር ከሎና፡ ብግብርና፡እግዚኣብሄር እንታይ ይፈልጥ፧ እንታይከ ይርእይ፧ዚብል ናይ ንዕቀት መልእኽቲ ነመሓላልፍ ከም ዘሎና ከነስተውዕል ይግብኣና። ከም ዮሴፍ፡ከመይ ገይረ ነዚ ዓብዪ ኽፍኣት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክገብር እኽእል፧ኪብል ዚኽእል ሰብ ግና፡ እቲ ሰብ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይመላለስ ከም ዘሎ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኣብኡ ተተኺለን ከም ዘለዋ ዚፈልጥ፡ ነቲፈላጥ ኵሉን፡ ከኣል ኵሉን፡ ኣብ ኵሉ ዚርከብንዚብል መለኮታዊ ባህርያት እግዚኣብሄር ዚኣምነሉን ኣፍልጦን ዝሃበን ሰብ ምዃኑ የረጋግጽ ኣሎ። እቲህላውነት ኣምላኽ እኣምን ክርስትያን ከኣዚብል እሞ ኣብ ሓጢኣት ዚጸንዕ ሰብ ግና፡ ዋላ ብኸናፍሩ እንተ ተኣመነ፡ ብግብሩ ግና ፈትዩ ዚኽሕዶ ዘሎ ሰብ እዩ። ዋላነቲ ዝገብሮን ዝዛረቦን ዘለኽዎ ቦታን ይፈልጥኢሉ ዚኣምን እንተ ዀነ፡ ሓጢኣት ምዝውታር እንተ ቐጺሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ክቱር ንዕቀት ከም ዘለዎ የረጋግጽ ኣሎ። ንጉስ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ባትሴን በዓል ቤታን ኣነዋሪ ግፍዒ ኺፍጽም ከሎ፡ኣምላኽ የለን ኣይርእዮንን ድማዚብል እምነት ስለ ዝነበሮ ኣይኰነን። ካብ ንኣምላኽ ግና ንስጋኡን ንስምዒቱን ኬኽብር ስለ ዝመረጸ ጥራይ እዩ ነቲ ሓጢኣት እቲ ዓይኑ ዓሚቱ ዝኣተዎ። እግዚኣብሄር ብነብዪ ናታን ገይሩ ኼገንሖ ኸሎ ድማ፡ ንእኡን ንቓሉን ከም ዝነዓቖ ገለጸሉ። ንሒደት ደቓይቕ ጾታዊ ዕግበት ንምርካብ ኢሉ ብዝገበሮ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ቕጽዓት ከኣ፡ ዋላ ሓደ ሚልዮን ጊዜ ንዝዓገብካሉ ሓጢኣት እንተ ተቐጻዕካሉ እኳ መሪር እዩ ዝነበረ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘለካ ክሕደትን ንዕቀትን ምዃኑ ነስተውዕል። ከምቲ ናይ ሃዋርያ ናትናኤል ብገርህነትን ብቕንዕናን ዝተባህለ ዘይኰነስ፡ ብድርቅናን ብንዕቀትን ንኣምላኽ፡ኣበይ ትፈልጠኒ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎኒ፧ ካባኻን ካብ ሕግኻን ንላዕሊ ባህገይን ፍቓደይን እዩ ዜገድሰኒ፧ዚብል ግብራዊ መልእክቲ ኢኻ ተምሓላልፍ። ምሉእ ህይወትካ፡ኣይፈልጠካ ኣይትፈልጠኒዝቛንቋኡ ህይወት ንብር ኔርካ፡ ኣብ ምጽኣቱ ብዘይነዓቕ ስልጣን ክብርን ምስተገልጸ ግና፡ኣታ ገባር ዓመጻ፡ ካበይ ምዃንካ ኣይፈለጠካንየ፡ ካባይ ረሓቕምስ በለካ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእካዮ ክሕደትን ንዕቀትን ኣብ ሰማያት ዘለኣለም ምሉእ ዓጺድካ ዘይትውድኦ ስቓይ ፈርዩ ምስ ጸንሓካ፡ ኣበይ እዩ ዚእተዎ፧ ጐይታስ ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ ምዃኑ እናተፈለጠ፡ ንምንታይኣይፈልጠኩምንዚብል፡ ንሱከ ኸማና እናፈለጠ ኸሎ ድዩ ዚኽሕድ ዘሎ፧ ካብኡ ይርሓቕ!! ንሱ ጻድቕ ኣምላኽ እዩ፡ ኣብኡ ከምዚ ዝበለ ኣጋንንታዊ ባህርይ ፈጺሙ የልቦን። ንሱ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝተናዕቀን ዝተረግጸን፡ መስተንክርን ዘለኣለማዊ ፍትሑን እዩ ዚፍጽም ዘሎ። ሰብ ዚዘርኦ ኸም ዚዓጽድ፡ በቲ ዝሰፈረሉ መስፈር ተሰጊዱ ኸም ዚስፈረሉ ደጋጊሙ ገሊጹን ኣጠንቂቑን እዩ (ሉቃ 638 ገላ 67,8) ንሱ ጻድቕን ፍትሓውን እዩሞ፡ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ፡ (ብቓሉ ይኹን ብግብሩ) ንዝተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ (ብቓሉ ይኹን ብግብሩ) ንዝኸሓደኒ ግና፡  ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።ኢሉ ብወግዒ ኣፍሊጡና እዩ (ማቴ 1032,33)         

እምበኣር ፍቁራት ኣሕዋት፡ ሓንቲ መዓልቲ ሓንቲ ፍረ ብርቱኻን ዘሪኡ ንዓሰርተታት ዓመታት ብኣማኢት ኵንታላት ብርቱኻን ከም ዚእክብ፡ ሓንቲ ዘርኢ ኽሕደት ድማ ዘለኣለም ምሉእ ክትዕጸድን ክትነብርን ዘይልወጥን ዘይገሃስን ሕጊ መለኮት እዩ። ስለዚ ዘርእና ነጸብቕ። እቲ ኣብ ሰማያት ንዘለኣለም ክንዓጽዶ እንደልይ ደኣ ሕጂ ንዝራእ። ከምቶም ብኣፎምንፈልጠካ ትፈልጠና ኢካዝበሉ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘይብቝዓት ብምዃን ግና ዝኸሓድዎ ሰብ ቅሬጥስ ኣይንኹን (ቲቶ 116) ንሕና ብግብርናኣበይ ትፈልጠኒ፧ኢልና እንተ ኸሓድናዮ፡ ኣብ ስልጣኑን መንነቱን ክብሩን እነውርደሉ ጕድኣት የልቦን። ንሱኣይፈልጠኩምንእንተ ኢሉና ግን ኣብ ልዕሌና ዚወርድ ዕንወት ዘይጽወርን ዘለኣለማውን እዩ። እምበኣር ነቲ ፈላጢና ኣጸቢቕና እንተ ፈለጥናዮን ኣፍልጦ እንተ ሃብናዮን ዜሕሸና። ምኽንያቱ እቲ ኣዋጅ መለኮት፡እቲ ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ ግና ቈይሙ ኣሎ፡ እዚ ማሕተም እዚውን ኣለዎ፡እግዚኣብሄር ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚሰምይ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ካብ ዓመጻ ይርሓቕ።እዩ ዚብል እሞ፡ ካብ ዓመጻ ብምርሓቕ ናቱ ምዃንና ማሕተሙ ኸም ዝወደቐና ነረጋግጽ፡ ንሱ ድማ ኣብ ደጌታት መንግስቱ፡ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑኢሉ ብኽብሪ ኺቕበለና እዩ። ማራንታ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት 22 ታሕሳስ 2019 (ታሕሳስ 12, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 143/144 7-8

ፈኑ እዴከ እምኣርያም። ኣድኅነኒ ወባልሐኒ እማይ ብዙኅ። ወእምእዴሆሙ ለደቂቀ ነኪር

ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ። ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረቡ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 11-ፍጻ፣

ዲያቆን

ቅዳሴ  ዘእግዚእነ

2ጴጥ 31-10

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 144-ፍጻ

ግብ 317-ፍጻ፣

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div