S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ግብሪ ኣምላኽ ኺገሃድ!!

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 27 ክሳብ ታሕሳስ 3 “መፃጎዕ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ይቤሉ እስራኤል። ኢርኢነ ወኢሰማዕነ ዘዕውሩ ተወልደ ወተከሥተ አዕይንቲሁ በሰንበት።”(ይበል እስራኤል። ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ብሰንበት፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን።) ኢላ ቤተ ክርስትያና  መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ በዚ መዓልታት እዚ ንዕውራት ብርሃን ተስፋ ንዝቀበጹ ተስፋኦም፡ መሕወይ ድውያን፡ ካብ እስራት ኣጋንንቲ ዘውጽእ ሓራ፡ ኣምላክ ብርሃን ፡ ዕውራትን ሕሙማትን ንዘድሓነን ንዘድሕንን ኣምላኽ ዝቀርብ መዝሙር ምስጋና ዝዝመረሉ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መአዝ እዩ ዚሐስር፧ ክሳዕ መአዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፡ ሓሶትውን ትደልዩ፡ እግዚኣብሄር ግና ነቲ ጻድቑ ኸም ዝሐረዮ፣ ፍለጡ።” ዝበሎ፡ ንሕንውን ኣብቲ ንጐይታ ዘየክብሮ ኸንቱ ዝኮኑ ነገራት፡ክንገብር ከይንርከብ ንዝዋጉኡና ነገራት ኣለሊና፡ ካብ ኸንቱነት ንምለሰሉን፡ ንሓሶት ኽንርሕቀሉ ዝተዋህበና ሰሙን እዩ ። ብሓፈሻ ኣብ ህይወትና ክገሃድ ዘለዎ ግብሪ ኣምላክ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ንምርኣይ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

 

ጐይታና ምስ ኣይሁድ ከቢድ ምጕት ገጢሙ ጸኒሑ ካብ ቤት መቕደስ ወጺኡ እናኸደ ኸሎ፡ ኣብ መንገዱ ሓደ ብዕውሩ ዝተወልደ ብልማኖ ዚናበር ሰብ ኣጓነፎ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዕውሩ ምውላዱ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ “እዚ ሰብ እዚ ብናይ መን ሓጢኣት እዩ፡ ኸምዚ ዝበለ ኸቢድ ጸበባ ወሪድዎ፧” ዚብል ሕቶ ኣብ ውሽጦም ይመላለሶም ነበረ። ብጥቕኡ ኺሓልፉ ኸለው፡ እዚ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ልቦም ኰይኑ ዚሓቕዮም ዝነበረ ሕቶ ዚምለሰሉ ጊዜ ኸም ዚኣኸለ ተሰሚዕዎም፡ እታ ሕቶኦም ንጐይታ ኣቕረቡሉ። ጐይታ እኳ በቲ፡ “መምህር ዕውር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፧ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧” ዚብል ሕቶኦም ከይተገረመ ኣይተርፍን እዩ። እቲ ቐዳማይ ንሕቶኦም ዜገርም ዚገብሮ፡ ከይተወልደ ኣብ ከብዲ ኣዲኡ ከሎ ኺብድል ከም ዘይክእል ዘይምሕሳቦም እዩ። ኣብ ከብዲ ኣዲኡ ዘሎ ዕሸል ብዑረት ኬቕጽዖ ዚኽእል በደል ኪገብር ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ምስ ዓይኑ ዚውለድ ህጻን ኣይምሃለወን ነይሩ።

 

እቲ ኻልኣይ ንሕቶኦም ኣገራሚ ዚገብሮ ድማ፡ ሕማም ዝዀነ ዅሉ ብሰሪ ሓጢኣት ከም ዚመጽእ ምሕሳቦም እዩ። እግዚኣብሄር ንዝበደለ ሰብ ብሕማም ዚቐጽዕን ዚመልስን ኣምልኽ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እኳ እንተ ዀነ፡ ንዝሓጥእ ዘበለ ኵሉ ግና ብሕማም ኣይቀጽዕን እዩ (እዮ 33፡17-22)። ንሕና’ውን ኣብ ገዛእ ሰብነትና ኣብ ኣባል ስድራ ቤትና ወይ ናይ ቀረባ ፈታዊና ስቓይ ዘለዎን ንሞት ዜስግእን ስንክልና ዜስዕብን ሕማም ኬጓንፈና ኸሎ፡ ብሓሳባትና ጥራይ ይኹን ብዘረባና፡ “እዚ ኣምላኽ እንታይ በዲለዮ እዩ በዚ ሕማም እዚ ዚወቕዓኒ፧” ኢና እንብል። ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ናይ ምረትን ናይ ድፍረትን ቃላት ንምዝራብ እንቅስብ ሰባት’ውን ውሑዳት ኣይኰንናን። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ግና ድኹምን ዘይመንፈሳውን ኣተሓሳስባ እዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ንሓጢኣት ዘበለ ዅሉ ብሕማም ዚቐጽዕ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ሓጢኣትና ማእለያ ስለ ዘይብሉ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ካብ ጸጕሪ ርእሲ ጀሚሩ ክሳዕ ጽፍሪ እግሪ ዚትንክፍ ኵሉ ዓይነት ሕማማት ኣብ ሓደ ሰብ ተከሲቶም እኳ ኣይምኣኸልዎን ነይሮም። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ጥዑይ ዚበሃል ኣይምሃለወን ጥራይ ዘይኰነ ብህይወት ዚነብር ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ኣይምሃለወን ነይሩ። እግዚኣብሄር ብምሕረት እዩ ዜንብረና ዘሎ እምበር ብምጽብጻብ ኣይኰነን። ነቲ እንፍጽሞ በደላት ብትዕግስቲ ይሓለፍ ይሓድጐ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ንሓጢኣት ሸለል ከም ዝበሎ፡ ነቲ በዳሊ ድማ ከም ንጹህ ከም ዝረኣዮ ዜመልክት ኣይኰነን (ዘጸ 34፡5-7)። ንሱ ሕያዋይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብትዕግስቱ እናጾረ ብምሕረት ይቕረ እናበለ ብፍቕሩ ኪረትዓናን ኬቕንዓናን እዩ ዚመርጽ። ነዚ ሓቂ እዚ፡ ኣቦና ቕዱስ ዳዊት፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፡ መን (ብህይወት) ደው ኪብል እዩ፧ ግናኸ  ምእንቲ ኺፈርሁኻ፡ (መቕጻዕቲ ዘይኰነስ) ይቕሬታ ምሳኻ ኣሎ። ብዚብል ቃል ኣብሪሁልና ኣሎ (መዝ 130፡3,4)። ስለዚ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ብምሕረት እምበር ብቕጽዓት ኪመልሰና ኣይመርጽን እዩ። ንሕና ግና ብምሕረቱ ተዓጊሱ እንተ ጾረና፡ ብሓጢኣት ናይ ምቍምጣዕ ፍቓድ ዝሃበና መሲሉና፡ ጽዋእና ኽሳዕ ዚመልእ ነቲ ሓጢኣትና መመሊስና ኽንውስኸሉ ንርከብ። ንጉስ ሰለሞን፡ “እኩይ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩ’ሞ፡ ስለዚ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ ንምግባር ብሃቐና መልአ።” ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ (መክ 8፡11)። እንተ ዀነ፡ ነቲ፡ “ሓጥእ ሰብ ሚኢቲ ሳዕ እኳ ሓጢኣት እንተ ገበረ መዓልትታቱውን እንተ ኣንውሐ፡ ኣነስ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዚፈርሁ ፈራህቲ ኣምላኽ (ኣብ መወዳእታ) ሰናይ ከም ዚዀነሎም እፈልጥ ኣለኹ።” ዚብል ቃል ኣይንረስዓዮ (መክ 8፡12)። እንተ ዀነ፡ ሕማም ይኹን ካልእ ማሕበራዊ ጸገማት ኬጓንፈና ኸሎ ግና፡ ነዚ ወርቃዊ ኣጋጣሚ እዚ ገዛእ ርእስና ንምምርማርን ህይወትና ንምቕናዕን ክንጥቀመሉ ይግብኣና። ካብ ስጋዊ ሕማም ሕውየት ካብ ምርካብ ዝዓበየ፡ እቲ ብምኽንያት ሕማምካ ንመንፈሳዊ ህይወትካን ኣካይዳኻን ምቕናዕ እዩ፡ እቲ ዝዓበየ ግብሪ ኣምላኽ ኸኣ ንሱ እዩ።

 

ጐይታና ንሕቶ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ብዕውሩ ከም ዝተወልደ” እምበር ብናይ ዝዀነ ሰብ ሓጢኣት ምኽንያት ከም ዘይዓወረ ገለጸሎም። እቲ ግብሪ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኼርእዮም ድማ ናብ ምድሪ ምራቑ ጡፍ ብምባል ጸብሪ ኣዳልዩ፡ ብእኡ ኣዒንቲ ናይቲ ዕውር ለኽዩ፡ ኣብ ቀላይ ሰሊሆም ኪሕጸብ ነገሮ። ንሱ ድማ ዝተኣዘዞ ብምፍጻም ሓውዩ ተመልሰ። ቅድሚ እታ መዓልቲ እቲኣ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ዝተፈወሰሉ ተኣምራት ተፈጺሙ ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ነዚ ግብሪ እዚ ነቲ ውልቀ ሰብን ኣብ ከባቢኡ ንዝነበረ ህዝብን፡ ብድሕሪኡ ድማ ነዞም መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ነዚ ታሪኽ እዚ እንፈልጥ ሰባትን ምእንቲ ኼግህድ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም እዚ ሰብ እዚ ብዕውሩ ኺውለድ ፈቐደ። ብኣተሓሳስባ ሰብ ዓይነ ስውር ምዃን ከቢድ ወጽዓ እዩ። ብምኽንያት ዑረትካ ግብሪ እግዚኣብሄር ንዅሉ ዘርኢ ሰብ ኪግለጸሉ ምኽኣል ግና ኣዝዩ ዓብይ ክብርን ረብሓን እዩ። ምኽንያቱ ናይ ሓጺር ዕድመ ዑረትን ናይ እግዚኣብሄር ሓንቲ ግብርን ኪወዳደር ዘይክእል ዓብይ ፍልልይ እዩ ዘለዎ። ዅሉ ህዝቢ ዓለም ብዑረት እንተ ዚውቃዕ እኳ፡ ክብደቱ ኽንዲ ሓንቲ ግብሪ ኣምላኽ ኪኸውን ኢልካ ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። ምኽንያቱ ይትረፍ፡ ሕማም ሓደ ሰብ ወይ ሕማም ኵሉ ዘርኢ ሰብ፡ ዓለምን ኣብኣ ዘሎ ኵሉ ፍጥረትን፡ እዚ ዅሉ ብቢልዮናት ዚቝጸር ኣብ ህዋ ዘሎ ፍጥረትን ኣብ ሚዛን ኣምላኽ ተቐሚጡ ክንዲ በሰር እኳ ኸም ዘይኣክል ቃሉ ኣረጋጊጹልና እዩ (ኢሳ 40፡12-13)። ስለዚ ዋላ ሞትን ስንክልናን ዜስዕብ ሕማም ይኹን፡ ምስቲ ኣባና ኺገሃድ ዚድለይ ዘሎ ግብሪ ኣምላኽ ብምንጽጻር ክንርእዮን፡ እግዚኣብሄር ነቲ ኣባና ኺገሃድ ዚደልዮ ዘሎ ግብሩ ኺገልጸልና ኽንምሕጸኖን እዩ ዚግብኣና። ካብ “ኣሕውየኒ” ኢልካ ምጽላይ ንላዕሊ፡ “ግብርኻን ክብርኻን ኣብ ህይወተይ ይገሃድ” ኢልካ ኽንጽልይ እዩ ዜሕሸና። ምኽንያቱ ዋላ ሎሚ ኻብቲ ሒዙና ዘሎ ሕማም እንተ ሓወና፡ እሾኽን ተዀርባን ኪበቝላ ኣብ ዝተረግመት ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ጽባሕ ንግሆ ብኻልእ ሕማም ምትሓዝና ዘይተርፍ እዩ። ከምቲ መሬት ብሰሪ መርገም ናይ ሓጢኣት፡ እሾኽን ዳንዴርን ዘብቈለት፡ ስጋናውን ብዙሕ ግራጫትን ኣእሻዅን ኬብቍል ተፈሪዱ እዩ። ሓደ ኻብቲ ብቐጥታ ብምኽንያት ሕማምና ዚገሃድ ግብሪ ኣምላኽ፡ ካብ ሕማምካ ምሕዋይ እኳ እንተ ዀነ፡ ልዕሊኡ ኽብሪ ዘለዎም ዓበይቲ ግብርታት ኣምላኽ’ውን ይገሃዱ እዮም።

 

1ይ. ንስሓ፦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንስሓ ናይ ሓደ ሓጥእ ንምልእቲ ሰማይ ብሓጐስ ከም ዚመልኣ፡ “ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ፡ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ፡ ሓጐስ ይኸውን  እዩ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ፡ (ሉቃ 15፡6,10)። ንስሓ ድማ እቲ ዝዓበየ ግብሪ ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ብሕማም ስጋ ኽንሓልፍ ኻብ ዚፈቕደሉ ምኽንያታት ሓደ፡ ንስሓ ኺህበና ስለ ዝደለየ እዩ። ገሊኡ ሰብ ነቲ ሓሳብ ኣምላኽ ኣስተውዒሉ ነቲ ንህይወት ዚኸውን ንስሓ ይቕበሎ፡ እቲ ኣብቲ ቓንዛ ናይቲ ሕማም እምበር ኣብቲ ግብርን ህያብን ናይ ኣምላኽ ኬቕልብ ዘይመረጸ ሰብ ድማ ነቲ ንስሓ ሓዲጉ፡ መሊሱ ኻልእ ሓጢኣት ኪውስኽ’ዩ ዚመርጽ።

 

2ይ. ባልሆት፦ እግዚኣብሄር ካብ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ኪባልሃና ምስ ዚደልይ፡ ንሕማም ከም ክቡር ህያብ ኪህበና ይኽእል እዩ። ነቲ ቕዱስ ሃዋርያኡ ንጳውሎስ ፡ ናብ ሳልሳይ ሰማይ ዘሪፉ ወሲዱ፡ ወዲ ሰብ ኪርእዮን ኪዛረቦን ዘይተፈቕደሉ ዓበይቲ ምስጢራት ምስ ግለጸሉ፡ ሰይጣን ብትዕቢት ኪፍትኖ ይህንደድ ከም ዘሎን፡ ጳውሎስ ድማ ብናቱ ዓቕሚ ስጋ ነቲ ፈተና እዚ ኺስዕሮ ኸም ዘይክእል ስለ ዝፈለጠ፡ ኣብ ስጋኡ ሕማም ኪህቦ ወሰነ። ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ዕላማ ናይቲ ዝተዋህቦ ሕማም ምስ ተረድአ፡ “ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበይ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ።” ኢሉ መስከረ (2ቈረ 12፡7)። ብትዕቢት ተወቒዕካ ንዘለኣለም ኣብ ገሃነም መናብርቲ ሰይጣን ካብ ምዃን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብኸቢድ ሕማም ስጋ  ተሳቒኻ ምሕላፍ ኣዝዩ ይሓይሽ። ምኽርን ጥበብን ናይ ኣምላኽ ኣዝዩ ረቂቕን መስተንክርን እዩ።

 

3ይ. ግህደት ፍጽምና፦ እዚ ግብሪ ኣምላኽ እዚ ኣብ ኣቦና እዮብ እዩ ዝተጋህደ። ብዛዕባ ፍጹምነት ናይ ኣቦና እዮብ እግዚኣብሄርን ሰይጣንን ምስ ተኸራኸሩ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዮብ ምሉእ ፍልጠትን ምትእምማንን ስለ ዝነበሮ፡ ሰይጣን ብብርቱዕ ሕማም ኪፍትኖ ፍቓድ ሃቦ። ሰይጣን ድማ በቲ ኣሎ ዚበሃል ዝኸፍአ ሕማም፡ ብርቱዕ ስቓይ ዘለዎ፡ ብሰሪ ብርቱዕ ጨና ሰብ ኪፍንፍነካን ኪርሕቀካን ብዚገብር ሕማም ወቕዖ። ኣቦና እዮብ ግና “እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽውን (ኣባይ) ክሳዕ ዘሎ ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይ’ውን ሓሶት ኣይከተውስእን እያ። . . . ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጉድለት (ካብታ ፍጹም) ምዃነይ ኣየግልስን። ንጽድቀይ ኣጽኒዐ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰድዶን። ካብተን መዓልትታተይ ልበይ ብዛዕባ ሓንቲ እኳ ኣይክትነቕፈንን እያ!” ብምባል ነቲ ብኣምላኽ ዝረኸቦ ፍጹምነት ኣግሃዶ (እዮ 27፡3-6)። እግዚኣብሄር ንጽድቅኻ ኬድምቖ ንፍጹምነትካ ኼግህዶ ኺደልይ ከሎ፡ ነዚ ንሕና እንፈርሆን እንጸልኦን ሕማም ኪጥቀም ምምራጹ፡ ዜገርም ግብሪ ኣምላኽዶ ኣይኰነን፧ እዚ ዓቕሚ ጽሑፍና ስለ ዘይፈቐደልና ዝሰገርናዮም ብሕማም ዚገሃዱ ሓያሎ ኻልኦት ዓበይቲ ግብርታት እግዚኣብሄር ኣለው። ኣብ ሕማምና ዀነ ኣብ ዝዀነ ኻልእ ማሕበራዊ ጸገማትና፡ ግብሪ ኣምላኽ ወይ ግብሪ ሰይጣን ኪገሃድ እንመርጽን እንውስንን ግና ንሕና ኢና። ንህይወት ዚኸውን ንስሓ ምእንቲ ኺህበካ ኢሉ ብዘውረደልካ ሕማም ምንሳሕ እንተ ኣቤኻ፡ ካብ ሓጢኣት ምእንቲ ኺባልሃካ ኢሉ ብዘውረደልካ ሕማም ብዝበኣሰ እንተ ሓጥእካ፡ ናብ ፍጹምነት ኬዕብየካ ኢሉ ብዘውረደልካ ሕማም ቍልቍል ናብ ገሃነም እንተ ተነቘትካ፡ ሽዑ ሕማምካ ድርብ ወጽዓ፡ ንኣኻን ንኣምላኽን ዓብይ ክሳራ፡ ነቲ ብጉድአትካ ዚሕጐስ ሰይጣን ድማ ዓብይ ዓወት እዩ’ሞ፡ ኣብ ጊዜ ሕማምናን ጸገማትናን፡ ንሕናን ኣምላኽን ሓቢርና ምእንቲ ኽንከብር፡ ግብርታቱ ምእንቲ ኺገሃድ ብምስትውዓል ምስ ኣምላኽ ንተሓባበር።

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

 

ዕለት፥ ሰንበት 8 ታሕሳስ 2019 (ሕዳር 28, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 4፡2 

ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማዕዜኑ ታከብዱ ልብክሙ። ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሓሰተ ። ኣእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚኣብሔር በጻድቁ”

ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መአዝ እዩ ዚሐስር፧ ክሳዕ መአዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፡ ሓሶትውን ትደልዩ እግዚኣብሄር ግና ነቲ ጻድቑ ኸም ዝሐረዮ፣ ፍለጡ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

2ቆረ 4፡1-12

ዲያቆን

ቅዳሴ፡  ዘእግዝእትነ/ዘእግዚእነ (ነአኵተከ) 

1ዮሃ 5፡11-ፍጻ

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል: ዮሃ 9፡ 1-ፍም

ግብ 4፡14-23

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div