S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን!!

ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። ብልቡ ኸኣ፥ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ ክገብር እየ ኢሉ ሐሰበ።ሉቃ 1216-1729,30። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 3 ክሳብ 9 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙርኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ” (ናይ ጥበቡ ውዕለት ድንቅን መስተንክርን እዩ።) ኣብዚ ሰሙን እዚ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ነቲ ዕቤቱ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ ዕቤቱ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ እቲ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ኣብ ጊዜ ክረምት ብዝናብ ንመሬት ዘጥልል፡ ንከዋክብቲ ሰማይ ብብርሃን ዘድመቀ፡ ንምድሪ ብኣዚዮም ዝማሩክ ብሉጻት ዕምባባታት ዝሸለመ፡ንመሬት ፍሬኣ ክትህብ ዝገበረ፡ ንቅዱሳን ኣቦታት መጐሶም  ዝኾነ፡ አምላክ ምስጋና ነቅርበሉ ጊዜ እዩ።

እንተኮነ ግን፡ ንሕና ኣብ ልብና፡ ቦታ ከሊእና ካብኡ ርሒቅና ከይንህሉ ምልስ ኢልና ነብስና ክንፍትሽ ዝሃበትና ሰሙን እዩ። ካብቲ ብዲያቆናት ኣብ ቅዳሴ ዝተነበ፡ ካብቲ ናይ ኤፌሶን ንባብ ከም ዝረኣናዮ፡ዕድመ ንሰባት ዝህብ ዘመነ ክረምቲ ኣሕሊፉ ዘመነ ሓጋይ ዘድመቐ ንሱ ሙኻኑ፡ ውሉድ ቤተ ክርስትያን ከኣ ብምእዛዝ ማዕረ ክንደይ ከመዝከብሩ ክመክር እንኮሎ፡ ካልኣይ ዲያቆን ኣብ ራእይ ዝተነበበ ከኣ እታ ሰበይቲ ኣብ ስደት ዝጸንሓትሉ ጊዜ ዘመን ይዝክር። ብፍላይ ኣብቲ ወንጌል ዘሎ ንባብ፡ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ፡ ሰማይ ብከዋክብቲ ምድሪ ብዕምባባታት ዘመልክዔ አምላኽ ብጥበቡ ፍርያቱ ከም ዘካዕበተሉ፡ እቲ ግርሁ ዝቐደወሉ ግና ነቲ ፍርያቱ ዘቐምጠሉ ሓሲቡ ኣብ ጭንቀት ከም ዝኣተወ የዘንቱ። እቲ ቐንድስ እቲ ናይ ልቢ ምጽባብ ማዕረ ክንደይ ክንጭነቐሉ ከምዝገብረና፡ ይሕብር። እቲ ዝርዝር ኩነታት ናይዚ ሃብታም ሰብኣይን ንሕናውን ብዛዕባ ሃብቲ ዘሎና ኣራዳድኣ፡ ነቲ ናይ ጥዕና ሃብት፡ ዝሃበና ረሲዕና ኣብ ምንታይ ከምዘሎና እስኪ ቐጺልና ንርኤ።

ጐይታ እናመሃረ እንከሎ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ ድምጹ ዓው ኣቢሉንሓወይ ርስተይ ክመቕለኒ በለለይበሎ። ምናልባት እቲ ንልቢ ዝረትዕ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ዝነበረ ዘረባ ጸጋ ምስ ሰምዔ ይኸውን ንሓዉ ምእንቲ ከእምነሉ ዝለመኖ (ሉቃ 422) ጐይታ ግን ኣብ መንጎኦም ዳኛን መማቐልን ገይሩ ዝሸሞ ከምዘየለ ሓበሮ። ንሱ በቲ ናይ ሓጢኣትን ጽድቅን ነገር ከዳኒ፡ ካብቲ ናይ ሰማያት ርስቱ ከኣ ክመቕለና ደኣ እዩ መጺኡ እምበር፡ ነዚ ናይ ምድሪ ነገር ክዳኒ ኣይመጸን (ዮሃ 1836) ነቲ ናይ ምድሪ ክንቀብጾ፡ ኣብ ኢድና እንተልዩ እኳ ሼጥና ንድኻታት ክንመቕሎ እሞ መዝገብና ኣብ ሰማያት ክንዓቁር እዩ ዝምዕደና (ማቴ 1921-22) 

ህይወት ብብዝሒ ገንዘብ ከምዘይኮነት ክንፈልጥን ክንጥንቀቕን፡ ንልብና ካብ ስስዔ ክንሕሉ እዩ ምዒዱና። ህይወት ብብዝሒ ገንዘብ ትርከብ ዘይኮነትስ ትጠፍእ እያ። ገንዘብ ሕሱም ጐይታ፡ ንዘፍቀርዎ መወዳእታኦም ብዙሕ ስቓይን ሞትን ኣምጺኢሎም እዩ (ማቴ 273-5 1ጢሞ 69-10) ካብቶም ንጊዜ ምጽኣት ንኸይንዳሎ ንልብና ዘኽብዱ ነገራት ሓደ ስሰዐ እዩ (ሉቃ 2134-35) ስለዚ ልብና ካብዚ ተሓልዩ ክነብር ይግባእ።

ጐይታ ነዚ ኩነታት እዚ ንምግላጽ ሓደ ጽቡቕ ዝኾነ ምስላ ተጠቕመ። ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግራቱ ስለዝቐደወሉ ብዙሕ እኽሊ ኪረክብ ምዃኑ ረኣየ። ገና እቲ እኽሊ ከይኣከቦ ከሎ ብዛዕባ ዘቐምጠሉ ቦታ ክጭነቕ ጀመረ። ብዙሕ ምስ ሓሰበ፡ ነቲ ዘለዎ ንኣሽቱ ቆፎ ኣፍሪሱ ኣግፊሑ ክሰርሖ ወሰነ። ከምኡ ምስ ገበረ፡ እኽሉ ከኣ ምስ ኣከበ፡ ንነፍሱ ከምዚ ኢሉ ክዛረባ መዲቡኣቲ ነፍሰይ ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል ዝተደለበ ሃብቲ ኣለኪ እሞ ዕረፊ ብልዒ ስተዪ ተሓጎሲክብላ ሓሰበ። ብዙሕ እኽሊ ስለ ዝሓዘ ብዙሕ ዕድመ ዝህልዎ መሰሎ። መመሊሳ እንተበልዐት እንተሰየት ጥራይ ነፍሲ እትዓርፍ መሰሎ። ናይ ነፍሲ ዕረፍቲ ብኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ብብልዕን መስተን ኣይርከብን እዩ። ብዙሓት እናበልዑ ዘይጸግቡ እናሰተዩ ከኣ ዘይረውዩ ከም ዘለዉ ቃል ነብያት ብተደጋጋሚ ኣረጋጊጹልና እዩ (ሚክ 614-15 ሃጌ 16-11) ቅዱሳን ከኣ ጥራይ ኢዶም ከለዉ ሓለፋ እቶም ወይኖምን እኽሎምን ምስ በዝሐ ዝሕጎስዎ ተሓጎሶም እዮም (መዝ 47 ኣን 317-19)ኣቱም ጻድቃን፣ ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፣ ንቕዱስ ስሙውን አመስግንዎ።" እቶም ንሓጎሶም ኣብ ኣምላኽ ዝገበሩ ጥራይ እዮም እናተሓጉሱ ነፍሶም ከኣ ዓሪፋ እትነብር (መዝ 856 መዝ 9712 ኣን 318 ሮሜ 1212 ፊሊ 31)

ነቲ ሃብታም ማለት ብገንዘብ ሃብታም በእምሮ ግና ድኻ ዝነበረ ዓሻ ሰብኣይ ኣምላኽ ነቐፎ።ኣታ ዓሻ፡ ነፍስኻ በዛ ለይቲ እዚኣ ካባኻ ክወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉበሎ። ንነፍሱ ዝኸውን እንጌራ ሒዙላ፡ ነፍሱ ኮፍ ኢላ እትበልዓሉ ዕድመ ግን ኣይሓዘላን። ይትረፍ ብዙሕ ዓመታት ኬብልዓስ ንሓንቲ ለይቲ እኳ ኬጽንሓ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ቆፎ ንርእሱ ጥራይ ክእክቦ ዘይኮነስ፡ ንድኻታት ብምሃቡ ኣብ ሰማያት ክእክቦ፡ ማለት በቲ ናይ ስጋ ሃብቲ ብሰናይ ግብሪ ሃብቲሙ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ንምዃን ሓሲቡ እንተዝኸውን፡ ፍሪኡ ዝእክበሉ ዕድመ ምረኸበ ነይሩ ይኸውን (ዳን 427) እንተኾነ ነፍሲ ረሲኣን ብድንገት ክትምንጠል፡ ነፍሲ ጻድቃን ንንስሓን ንለበዋን ዝኸውን ጊዜ ክትረክብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንቡር እዩ (ኢሳ 381 መዝ 7318-19) ረሲእ ክእክብ፡ እንተኾነ ንኻልእ ሓዲግዎ ክኸይድውን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ልሙድ ተርእዮ እዩ (መክ 226 ምሳ 1322 ኢሳ 82 እዮ 2717)

እቲ ንርእሱ መዝገብ ዝእክብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድኻ እምበር ሃብታም ኣይኮነን። እቲ ንርእሱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ ምዃኑ ቅዱሳት ጽሑፋት የረጋግጹ እዮም (ማቴ 1039) እቲ ምእንቲ ጐይታ ኢሉ ንርእሱ ዜጥፍኣን ዚውፍያን ግን ክረኽባ እዩ። ስለዚ እቶም ካብቲ ምድራዊ መዝገቦም ንድኻታት ዝመቐሉ ብሰናይ ግብሪ ኣብ ሰማያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት እዮም ዝስመዩ።

ዝተፈተኩም ሕዝቢ እግዚኣብሄር ኣብዚ ሰሙን ቤተ ክርስቲያን ክንሓስቦን ከነስተውዕሎን ደልያትና ዘላ፡ ኩሉ ጊዜ ነቲ መጋባይን ሓብሓባይ እግዚኣብሄር ክንዝክሮ፡ ብፍላይ ምስ እዚ ወቅቲ ሓጋይ ፡ቅንዕ ኢልና ሰማይ ብከዋክብቲ ዘመልክዔ ጥበቡ ክንደይ ዓቢ ሙኻኑ ንሕሰብ፡ ነንዕለቱ ንደቂ ሰባት ዘድልዮም በረከት ከም ክፉእ ግብሪ ከይረኤ ዝህብ እግዚኣብሄር ጥበቡን ስርሑን፡ ድንቂን መስተንክር እዩ፡ እሞ ሎሚ ኣብ ማዓልታዊ ህይወትና ነቲ ዘደንቅ ስነ ጥበብ ኣምላኽ ዝገብሮ ሪኢና፡ ነመስግኖዶ ኣሎና፧ ሎሚ ኣብዚ ዘመን እዚ ኪኖው እቲ ሰራሕ ኩሉ ዝኮነ እግዚኣብሄር ምርኣይ ሲኢና ንዕለታዊ ስራሕናን ሰብ ዝሰረሖ ስሩሕ ነገራት ሪእና ጥበቡን ውዕሎቱን ንእግዚኣብሄር ኣምላክና ረሲዕናዮ ከይንህሉው ርእስና ክንመርምር፡ እግዚኣብሄር ይሓግዘና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ።

ዕለት፥ ሰንበት ጥቅምቲ 20, 2019 (ጥቅምቲ 9, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

“መዝ 102/103፡14-15 

ተዘከር ፡ እግዚኦ ፡ ከመ ፡ መሬት ፡ ንሕነ ።ሰብእሰ ፡ ከመ ፡ ሣዕር ፡ መዋዕሊሁ ፤ወከመ ፡ ጽጌ ፡ ገዳም ፡ ከማሁ፡ ይፈሪ ።”

ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ኤፌ 6፡1-10 

ዲያቆን

ቅዳሴ፡  ዘእግዝእትነ። (ጐሥዓ)።)

ራእ 12፡1-13

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል: ሉቃ 12፡16-32

ግብ 7፡23-30

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div