S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዓበኒ

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 16 ክሳዕ 25 ንዘሎ ቕንያትመስቀልኢላ ትጽውዖ። ነቲ ንግስቲ ኢለኒ ነቲ ጐይታ ዝተሰቕለሉ፡ ኣይሁድ ግና ኣዕሚቖም ዝቐበርዎ መስቀል ዝረኸበትሉ መዓልቲ ዚዝከረሉ መዓልቲ ዘጠቓለለ፡ ብዓብዩ ግን ነቲ ብጐይታ መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ድሕነት ክንዝክርን ነቲ ናትና መስቀል ኣብ ጸጽባሕ ነልዕሎ ምህላውናን ዘይምህላውናን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና ቕንያት ድማ እዩ።

በቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰሉ ደምን ዝተቘርሰሉ (ዝሞተሉ) ስጋን ዘይደሓነን ዘይተቐደሰን ሰብ፡ እቲ ጐይታ ዝተሰቕለሉ መስቀል ዝተረኽበሉ መዓልቲ እንተ ኣብዓለ ዚረኽቦ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የልቦን። ነቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ስርየት ሓጢኣትን ድሕነትን ከም ዚግባእ ተረዲኡን ኣሚኑን ኬብቅዕ፡ እቲ ኸም ሰዓቢ ክርስቶስ ከም ክርስትያን መጠን ገዛእ ርእሱ ቐቢጹ ናይ ገዛእ ርእሱ መስቀል ተሰኪሙ ዘይስዕብ ሰብውን ብመስቀል ክርስቶስ ዚረኽቦ ዝዀነ ይኹን ረብሓ የልቦን። መስቀል ኣብ ህይወትና ዓብይ ረብሓ ዚህልዎ እቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ምስጢር ኣብ ኣካላትና ኣብ ናብራና ኣብ ኵሉ ኣካይዳና መዓልታዊ ምስ ዚገሃድ ጥራይ እዩ።

መስቀል፡ ጐይታና ሓጢኣትና ጸይሩ ዝተሰቐለሉ፡ ንስርየት ኣበሳና ነቲ ክቡር ደሙ ዘፍሰሰሉ፡ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዝለዓለ ፍቕሪ ዝገለጸሉ፡ እቲ ዝለዓለ ትሕትናን ተኣዝዞን ዘንጸባረቐሉ፡ ንበደልቱ ገና እናበደልዎ ኸለው ባዕሉ ምህረት ገይሩስ እግዚኣብሄር ኣቦኡ ድማ ምሕረት ኪገብር ዝለመነሉ፡ ምስ ኣምላኽን ምስ ሓድሕድናን ዕርቂ ዘስፈነሉ፡ ነቲ ናይ ስጋና ዘይኰነስ ነቲ ናይ ነፍስና ዘለኣለማዊ ሞት ተኪኡ ብስጋ ኣብ መስቀል ዝሞተሉ እዩ። ስለዚ ንመስቀል ኣኽብሮትን ፍቕርን ኣሎና ማለት ነዚ ክርስቶስ ጐይታና ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዝፈጸሞም ዓበይትን ዘለኣለማውን ምስጢራት ኣኽብሮትን ፍቕርን እምነትን ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቶም ምስጢራት እቲኣቶም ኣብ ህይወትና ተፈጺሞምን ይፍጸሙን ኣለው እዩ ዜስምዕ። እምበኣር እዚ እነብዕሎ ዘለና ቅንያት መስቀል፡ ብጐይታ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ምስጢራትን፡ ብመንጽር እዚ ምስጢራት እዚ ህይወትና እንታይ ከም እትመስልን እንምርምረሉ ቅንያት እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ መስቀል ዝተሰከመሉን ኣብኡ ተሰቒሉ ዝሞተሉን ቀዳማይ ዕላማ ንሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ምእንቲ ኼርሕቕን ኪድምስሶን እዩ። ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርናዮ ዀነ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚግበር ኵሉ ሓጢኣት ብደሙ ሓጺቡ ዘርሓቐሉ ቦታ፡ መስቀል እዩ። እቲ ኣብ መስቀል ምእንታኡ ዝተፈጸመ መስዋእቲ ዚኣምን ክርስትያን እምበኣር፡ ሓጢኣት ዚፍጽመሉን ብሳዕቤን ሓጢኣት ዚሳቐየሉን ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ጸጋ ኣምላኽ (ኣብ መስቀል) ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ ነቲ ብሩኽ ተስፋ ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን (ሓጢኣትን) ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን (ርእስኻ ብምግታእን) ብጽድቅን ብኣምልኾን (ብመንፈሳውነት) ክንነብር ይምህረና ኣሎ። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ሓራ ምእንቲ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ፡ዝበሎ ቓል፡ ዕላማ መስቀልን፡ መስቀል ኣብ ልዕሌና ዜንብሮ ሓላፍነትን ኣመልኪቱና ኣሎ (ቲቶ 211-14) ብመስቀል ክርስቶስ ዚኣምንን ዚሕበንን ክርስትያን ክነስኻ፡ ካብ ሓጢኣትን ዓለማዊ ትምኒትን ግብሪ ዓመጻን ከይነጻህካ፡ ኣብኡ ተዋሒጥካ ትነብር፡ ሰናይ ግብሪ ይትረፍ ክትገብሮ ፈጺሙ ዘየቕንኣካ እንተ ዀይኑ ንመስቀል ክርስቶስ ተፍቅሮ ዘይኰነስ ተላግጸሉ ኢኻ ዘሎኻ ማለት እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ እቶም ኣፍቀርቲ መስቀል እንታይ ዚመስል ህይወት  ከም ዘለዎም፡ንሱ (ክርስቶስ) ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ ኣብኡ (ኣብ ክርስቶስ) ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ሰብ፡ (ንክርስቶስ) ኣይረኣዮን ኣይፈለጦንው ደቀየ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዚገብር ሰብ ከኣ ጻድቕ እዩ፡ ዲያብሎስ ካብ መጀመርታ (ኣትሒዙ) ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ ካብ ዲያብሎስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዘርኢ ኣምላኽ (ባህርይ ኣምላኽ) ኣብኡ ይነብር እዩ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። ጽድቂ ዘይገብርን ንሓው ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ዲያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ።ብምባል ኣነጺሩልና ኣሎ (1ዮሃ 34-10) ስለዚ ካብዚ ብተኸታታሊ ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ ቓላት እምበኣር መስቀል ትእምርቲ ወይ ምልክት ጥራይ ዘይኰነ፡ ግብራዊ ናብራውን ምዃኑ ኢና እንርዳእ። ንመስቀል ከም ምልክት እምነትና ኣብ ክዳንና እንተ ጠለፍናዮ፡ ኣብ ቈርበትና እንተ ወቀጥናዮ፡ ኣብ ክሳድና ብማዕተብ እንተ ኣንጠልተልናዮ፡ እንተ ተሳለምናዮ፡ እንተ ኣብዓልናዮ፡ ኣብቲ ዕለታዊ ማሕበራዊ ናብራና ግን እንተ ዘይነበርናዮ፡ ብኣንጻሩ ነቲ ግብሪ ዲያብሎስ ዝዀነ ሓጢኣት ነዘውትር እንተ ዄንና፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ዝተባህለ ብጐይታና ድማ ዝተደግመ፡እዚ ህዝቢ እዚ ብኣፉ የምልኸኒ (ይቐርበኒ) ብኸናፍሩ ድማ የኽብረኒ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። እቲ ንኣይ ምፍርሁ ኸኣ ብምህሮ ባህሊ ሰብ ካብ ዚኸውን፡ ስለዚ እንሆ፡ ኣብ ማእከል እዚ ህዝቢ እዚ ዜደንቕ ተግባር፡ እወ ዜደንቕ (ናይ መቕጻዕቲ) ተግባርን ተኣምራትን ወሲኽ ክገብር እየ፡ ጥበብ እቶም ጥበበኛታቱ ከጥፍእ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቱ ኺድፈን እዩ።ዚብል ቃል ኣባና ይፍጸም ኣሎ ማለት እዩ (ኢሳ 2913,14 ማቴ 157-) ካብዚ ቓል እዚ ከም እንርድኦ፡ ብዛዕባ እምነት ካብ ኣፍን ከናፍርን ሓሊፍካ ብልባውን ግብራውን መገዲ ትስዕቦ እንተ ዄንካ፡ እቲ እምነትካ ግብዝነት ዘይብሉ ሓቀኛ እዩ፡ ብኣንጻሩ ኣምልኾኻ ኣፋዊ ኻብ ምዃን ዘይሓልፍ እንተ ዀይኑ ግና ነቲ መንፈሳዊ እምነትካ ናብ ሰብኣዊ ባህሊ ለዊጥካዮ ማለት ስለ ዝዀነ እግዚኣብሄር ብዜደንቕን ዜሰክሕን ፍርዲ ኪቐጽዓካ ትድርኾ ከም ዘሎኻ ምርዳእ ኣገዳስን ብልህነትን እዩ።

ጐይታን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝጾሮ መስቀል ጥራይ ዘይኰኑ፡ ብዛዕባ ንሕና ኽንጾሮ ዚግብኣና መስቀልውን ደጋጊሞም ገሊጾምልና እዮም። ስለዚ ድማ ጐይታዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ ሰብ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ መስቀሉውን የልዕል እሞ ይስዓበኒ።ኢሉ ብንጹር ኣፍለጠና። ከምቲ ክርስቶስ ኣብቲ ዝጾሮ መስቀል ባዕሉ ዝተሰቕለ፡ ንሕናውን ኣብቲ እንጾሮ መስቀል ክንስቀል ናይ ግድን እዩ። እንተ ዀነ ብኣካል ስጋ ኣይኰንናን እንስቀል። ክርስቶስ ንሓጢኣት ካብ ማእከልና ኼርሕቖ እተሰቕለ። ነዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ (ናይ ሓጢኣት) ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ፡ ንእኡ (ነቲ ሓጢኣት) ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከልና ኣርሓቖ።ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ቈሎ 214) እምበኣር ነቲ ክርስቶስ ካብ ማእከልና ኣርሒቑ ኣብ መስቀል ዝሸንከሮ ሓጢኣት ኵሉ ጊዜ ካባና ርሒቑ ኺነብር እምበር ካብኡ ኣውሪድና ኽንፍጽሞን ክንነብሮን ኣይግብኣናን እዩ። ስለዚ ድማ፡ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፡ ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተጠመቕና ዘበልና ዅላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ . . . ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዄንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሓብሮ ኢና። ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፡ እቲ ሓጥእ ሰብነትና (ባህርይና) ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስኡ ከም እተሰቕለ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እቲ (ተሰቒሉ) ዝሞተ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ።ተባህለልና (ሮሜ 61-7) እምበኣር መስቀሉ ኣልዒልካ ደድሕሪኡ ምስዓብ ማለት፡ ካብ ሓጢኣት ምፍጻም ሓራ ምውጻእ፡ ብሓዳስ ጽድቂ ብዝመልኣ ህይወትን ምምልላስ ማለት እዩ።እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ስቒሎምዎ እዮም።ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ (ገላ 524) እቲ መስቀሉ ዘልዓለን ንሓጢኣት ዝሞተን ሰብ፡ ህይወት ክርስቶስ ኣብኡ ብምልኣት ትገሃድ ማለት እዩ (2ቈረ 410,11) ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎን ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለን ንፈተውቱን ንጸላእቱን ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ምሕረት፡ ለውሃት፡ ሓልዮት፡ ተኣዝዞ፡ ተበጃውነትን ድማ ኣርእዩና እምበር ሓጢኣትና ጥራይ ኣየርሓቐን። ንሓጢኣት ሞይትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ (ኣብ መስቀል) ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም (ካብ ሓጢኣት) ዝሓዌኹም።ተባሂሉልና እዩ እሞ፡ ኣብዚ እነብዕሎ ዘሎና ቕንያት በዓል መስቀል፡ ዕላማ መስቀል ኣብ ህይወትና ምፍጻሙን ዘይምፍጻሙን ርግጸኛታት ንኹን (1ጴጥ 224) ንእምነትናን ሃይማኖትናን ከም ወግዕን ባህልን ዘይኰነስ፡ ብግብራዊ መንፈሳውነት ንንበሮ። እቲ ቕዱስ ሃዋርያ፡ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደሌናስ፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና ካብ ተረኸብና፡ እምበኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ፧ ኣነስ ንኣምላኽ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር . . . ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ።ኢሉ በዲሁና ኣሎ እሞ፡ ስቕለት ክርስቶስ ጥራይ ዘይኰነ ስቕለትናውን ደሪብና ነብዕል ምህላውና ነረጋግጽ (ገላ 217,19) ንክርስቶስ ሰቒልካ ኸተብቅዕ፡ ንርእስኻ ከይተሰቐልካ ምትራፍ ካብ ናይ ይሁዳ ዘይንእስ ክሕደትን ጥልመትን እዩ ርእስና ንሓውስ። ምስቲ ቕዱስ ሃዋርያኡ ደኣ፡በቲ መስቀል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት (ዝሞተት) ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰይኑስ፡ (ካልእ) ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሓቕብምባል ብመስቀልን ብዕላማታቱን ንተኣመን፡ ኣብ ጸጽባሕ ድማ ናብራ መስቀል ንንበር። ንምስሊ እተሰቕለ ክርስቶስ ድማ ንልበሶ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ። 

 ዕለት፥ ሰንበት መስከረም 29, 2019 (መስከረም  18, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 60፡4, 5

“ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅሥት ወይድኃኑ ፍቁራኒከ”

ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዐል፡ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሀብካዮም። ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ።ብየማነይትኻ ኣድሕን እሞ ስምዓና።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ቈረ 1፡10-ፍጻ

ዲያቆን

ቅዳሴ፡  ዘኣትናቴዎስ

1ጴጥ 4፡1-12

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ማር 8፡27-ፍጻ

ግብ 2፡22-37

ንፍቀ ካህን

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div