S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝምድና ፍረን ዕብየትን

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 9 ክሳዕ 15 ዘሎ ሳምንቲ፡ፍረተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙርን ምስባኽን ንባባትን ኵሉውን ፍረ-ጠቀስ እዩ። ኣብ ዝሓለፋ ናይ ክራማት ንባባትና ብዛዕባምስላ ዘርእን ዘራእን፡ከምኡ ድማ፡ምስላ ስርናይን ክርዳድንከም ዝተመሃርና ዚዝከር እዩ። እዚ ኸም መሪሕ ጥቕስና ተጠቒሱ ዘሎ ኽፋል ጥራይ ዘይኰነ እቲ ልዕል ኢሉ ኣብ 426-29 ተጠቒሱ ዘሎ፧መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብኣይ እያ።

ንሱ ለይትን መዓልትን ይድቅስን ይትንስእን። እቲ ዘርኢ ድማ፡ ንሱ ኸይፈለጠ፡ ይበቍል ይዓቢውን፡ እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪይ፡ ቅድም ጮማ ብቝሊ፡ ደሓር ሰዊት (ዘለላ) ኣብቲ ሰዊት (ዘለላ) ድማ  ብጹሕ ስርናይ (ይፈሪይ) (እቲ ስርናይ) ምስ በጽሐ፡ ቀውዒ ኣትዩ እዩሞ፡ ማዕጺዱ ይሰድድ።ብምባል፡ ዝምድና ምዕባይን ምፍራይን ብንጹር ስእሊ ገሊጹልና ኣሎ። ምዕባይ እንተ ዘየልቦ፡ ምፍራይ ከቶ ኺህልው ኣይክእልን እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ኵሎም ህይወታውያን እንስሳታትን ኣትክልትን ሰብን ብማዕረ ዝተረጋገጸ እዩ። ኣብቲ ፍጥረታዊ ዓለም ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለምውን ዚሰርሕ ሓቂ ድማ እዩ። እዚ ሳምንቲ እዚ ድማምድሪ ፍሪኣ እትህበሉ ጊዜ ብምዃኑ ንኣምላኽ ከነመስግንን፡ ብዛዕባ ንሕና ኸም መንፈሳውያን ግራት ከነፍርዮ ዚግብኣና ፍረውን ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ምኽንያቱ ጐይታና ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱን ብዛዕባ ህይወትና ብግራት መሲሎም ምሂሮምና እዮም። እቲ ሃዋርያዊ ጳውሎስ፡ኣነ ተኸልኩ፡ ኣጵሎስ ኣስተየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። እምበኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዘስቲ ዚዓብስዎ የብሎምን። . . . ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።ዝበሎ ቓል ንሕና ግራት ኣምላኽ ምዃንና ብንጹር ዜርእየና እዩ (1ቈረ 36,7,9) ስለዚ ኸም ግራት ኣምላኽ መጠን ነቲ ኣባና ዝዘርኦ ቓሉ ኣብቍልና፡ ኣዕቢና ኣፍሪና ኽንመልሰሉ ሰብ ሕድሪ ኢና።

ካብኡ ሓሊፉውን፡ ከምቲ ጐይታ ባዕሉ ንርእሱ ብጕንዲ ወይኒ ዝመሰለ፡ ንኣናውን ብተኽሊ ወይንን ብኦም በለስን ኣውልዕንውን ይምስለና እዩ። ንኣብነት ብሓፈሻ ንህዝቢ እስራኤል ኣመልኪቱ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ፡እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናይ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ቤት እስራኤል እዩ። እቲ ተኽሊ ደስታኡ ኸኣ ሰብ ይሁዳ እዮም።ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ኢሳ 57) ሊቀ  መዘምራን ኣሳፍውንጉንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፡ ኣህዛብ ሰጕጉካውን ተኸልካያ።ኢሉ ኣሎ (መዝ 808) ኣስዒቡ ብዛዕባ ህዝቡ ክጽሊ ከሎ ድማ፡ ኣምላኽ ሰራዊት ተመለስ፡ ካብ ሰማይ ኣንቈልቍልካ ርአ። እንሆ ኸኣ ነዛ ወይንን፡ ነዛ የማነይትኻ ዝተኸለታ ኦምን፡ ነቲ ንኣኻ ኢልካ ዘጽናዕካዮ ጨንፈርን ብጽሓዮም።ኢሉ ናብ ኣምላኽ ተማሕጸነ (መዝ 8014,15) ስለዚ እንተ ከም ግራት እንተ ከም ተኽሊ፡ ብምዕባይ ፍሬኻ ናይ ምብዛሕ ሓላፍነት ከም ዘሎና ኽንዝንግዖ ኣይግባእን።

ገና ኣብ ደረጃ ሳዕሪ ወይ ጮማ ብቝሊ ዘሎ ዘርኢ ስርናይ ፍረ፡ ኺህብ ኣይክእልን እዩ። ዋላ ዘለላ ኣውጺኡ ምፍራይ ኣብ ዚጅምረሉ ጊዜውን ከምኡ፡ ፍረ ኽትጽበዮ ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ እቲ ዘርኢ ፍረ ኺህበካ ዚኽእል ብመንጽር እቲ ዝተተኽለሉ ጊዜ እናዓበየ ምስ ዚኸይድ እዩ። እንተ ብስእነት ማይ እንተ ብዋሕዲ መኣዛዊ ማዕድናት ከይዓበየ ምስ ዚተርፍ ግና ፍረ ኺህብ ኣይክእልን እዩ። እታ ፍረ ኣድሪ ካብ ኵሉ ዓይነታት ዘርኢ ኣሕምልቲ ኣዝያ ዝነኣሰት ክነሳ፡ ዕብየት ስለ ዘይተቋርጽ ናብ ደረጃ ኦም ዓብያ ካብታ ፍረ ኣድሪ ብተዓጻጻፊ ንዚዓብያ ሓያሎ ኣዕዋፍ እንዳን መጽለሊትን ክትከውን ትበቅዕ። እቶም ዝዓበዩ ዘርኢ ኣሕምልቲ ግን ሓጺር ናይ ዕብየት ዓቕሚ ስለ ዘለዎም ንኻልኦት ህይወታውያን ኪጾሩን ኬጽልሉን ኣይክእሉን እዮም።

ጐይታ በዚ ኽልተ ምስላታት ገይሩ ዘየቋርጽ ዕብየት ብምዕባይ ንፍሬና ከነብዝሕ ምዒዱና ኣሎ። ብኣካል እናዓበና ኽንከይድ ከሎና እናደልደልና ናይ ምግባር ዓቕምና እናወሰኸ፡ ፍሬና እናበዝሐ ኸም ዚኸይድ፡ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትናውን እናዓበና ምስ እንኸይድ ኢና ንፍሬና እነብዝሖ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ህጻናት ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ።ብምባል ምድሓንናውን እናዓበየ ኪኸይድ ከም ዚግብኦን፡ ምሉእን ቅልጡፍን ዕብየት ንምዕባይውን ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ፡ ማለት ሕዋስ ዘይብሉ ቃል እግዚኣብሄር ክንምገብ ከም ዚግብኣና ኣመልኪቱና ኣሎ (1ጴጥ 22,3) ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ብኣምላኽ ተደሪኽና ብግርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣለና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሓዋውሱ ኣይኰንና።ብምባል ተኣመነ (2ቈረ 217)

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን ዝተረከበ መንእሰይ ጢሞቴዎስ ብኸመይ ኣብ ውልቀ ህይወቱ ዀነ ኣብ ኣገልግሎቱ ዕውት ኸም ዚከውንነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። . . . ነዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገር ብምሉእ ርእስኻ ወፍይብምባል ጸሓፈሉ (1ጢሞ 412,13,15) ስለዚ ንሓደ ብዙሕ ብምፍራይ ንኣምላኽ ኼኽብር ዘንቀደን ዝተዓጥቀን ክርስትያን ብዛዕባ እናዓበኻን እናወሰኽካን ምኻድ ብዕምቈት ኪሓስበሉን ኪግደሰሉን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብምሉእ ፍቓዱን ዓቕሙን ኪውፍየሉ ናይ ግድን እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ “. . . ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩም፡ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ። ኣብ እምነትኩም ድግነት ወስኹ፣ ኣብታ ደግነትውን ፍልጠት (ወስኹ) ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ (ወስኹ) ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ (ወስኹ) እዚ ነገር እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሓድገኩምን እዩ።ተባህለልና (2ጴጥ 14-8) እምበኣር ካብዚ ቓል እዚ ኸም እንርድኦ፡ ካብቲ ባህርያት ኣምላኽ ነቲ ዘዝጐደለካ ክትውስኽ፡ ነቲ ዘዝወሰኽካዮ ድማ እናኣብዛሕካዮን እናኣማዕበልካዮን ክትከይድ ይግባእ። ንኣብነት እቲ ዘይነበረካ እሞ ዝወሰኽካዮ ባህርይ ፍቕሪ እንተ ዀይኑ እቲ መጠን ናይ ፍቕሪኻ እናወሰኸ ኪኸይድ፡ ከምቲ ክርስቶስ ጐይታና ህይወቱ ምእንታና በጃ ኣሕሊፉ ኽሳዕ ምሃብ ዘፍቀረና፡ ንሕና ድማ ህይወትና ነቶም ዘፍቀርናዮም ህይወትና ምእንታኦም በጃ ኽገብር ክሳዕ እንኽእል ፍቕርና እናዓበየ ኪኸይድ ይግብኦ ማለት እዩ (1ዮሃ 316) ቅድሚ ሕጂ ንዘይበደለና ሓውና ጥራይ ከነፍቅር እንተ ጸኒሕና፡ ሕጂ ግና ዋላ እናበደለና ኸሎውን እቲ ፍቕርና እንተ ቐጺሉ እንተ ዘይጐዲሉ፡ አረ ኻብኡ ሓሊፉ ፍቕርና መሊሱ እንተ ወሲኹ፡ ሽዑ ብፍቕሪ እናዓበና ንኸይድ ከም ዘሎና ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንዚፈትዉና ጥራይ ነፍቕር እንተ ዄንና ግና እዚ ፍቕሪ ዓለም እምበር ፍቕሪ ክርስቶስ ኣይኰነን። እቲ ፍቕርና ዝተማልአ ዕብየት የርእይ ከም ዘሎ እንፈልጥ፡ እቲ ኣብ 1ቈረ 134-7 ተዘርዚሩ ዘሎ ባህርያት ፍቕሪ ዅሉ ይማላእ እንተልዩ እዩ። ብትዕግስቲ እንተ ዀነውን ልክዕ ከምኡ ኽንዓቢ ይግብኣና። ቅድሚ ሕጂ ንእሽቶ በደል እንተ ወሪዱና፡ ዕጽፊ እንምልስን እንጸልእን እንቅየምን ሰባት ዝነበርና፡ ቍሩብ ትዕግስቲ ምስ ኣጥረና፡ ዕጽፊ ኻብ ምምላስ ብኽንደይ ገድሊ ርእስና ንዓግት፡ ኣብ ውሽጥና ግን ጓሂ ይስምዓና፡ ነቲ ሰብ ዝነበረና ፍቕርን ኣኽብሮትን ግን ይጐድል። ትዕግስትና እናዓበየ እንተ ኸይዱ ግና፡ እቲ ብኽንደይ ገድልን ጓህን እንዕገሶ ዝነበረና፡ ብቐሊሉን ብሓጐስን ክንዕገስ የኽእለና። ካብ ትዕግስቲ ክርስቶስ ዝበዝሐ ተኻፊልና ንትዕግስትና እንተ ኣብዚሕናዮ ግና፡ የማናይ መልትሕና ንዝወቕዓና ነታ ጸጋመይቲውን ነዳልወሉ፡ ነቲ ቐምሽና ኺወስድ ዚማጐተና እታ ኽዳንናውን ንሓድገሉ፡ ማለት ተወሳኽን ዝኸበደን በደል ንምቕባል ድልዋት ንኸውን። ነቲ ንሱ ዜሕድገናን ዚብድለናን ዘሎ ዘይኰነስ፡ ነቲ ክርስቶስ ዜካፍለና ዘሎ ባህርያቱን፡ ነቲ ንሱ ንትዕግስትና ኣዳልይዎ ዘሎ ኽብረትን ብምርኣይ ንሕጐስን ንጸናናዕን ማለት እዩ። ትዕግስትኻ ፍቕርኻ ወዘተ ኣብቲ መባእታዊ ደረጃ (ኣብቲ ደረጃ ጮማ ብቝሊ) ደው እንተ ኢሉ ግና፡ እቲ ዚድለ ፍረ ኣይህብን እዩ። ዘየፍሪ ዘበለ ዅሉ ድማ ተቘሪጹን ተዓጺዱን ናብ ሓዊ እዩ ዚድርበ። ህይወትና፡ ልክዕ ከምታ ፍረ ኣድሪ፡ ብዘይ ደረት እንተ ዓብዩ ግና፡ ፍሬና ይበዝሕ፡ ካባና ንዚኸብዱ ኵነታትን ሰባትን ክንጸውርን ክንዕገስን ንኽእል። እናዓበና ብዝኸድና መጠን ንክርስቶስ ናብ ምምሳል ኢና እንዓቢ፡ ንክርስቶስ ብባህርያትና ብዝያዳ እናመሰልናዮ እንተ ኼድና ድማ፡ ኵሉ ኣተሓሳስባናን ቓላትናን ተግባራትናን ልክዕ ነቲ ናቱ ይመስል፡ ብኣገልግሎትና ዀነ ብህይወትና፡ ከምታ ፈራዪት ወይኒ ዙብ ኢልና ንፈሪ፡ እግዚኣብሄር ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ከኣ ኣባናን ብኣናን ይኸብሩ። ከይዓበና፡ ዕድሜና ምሉእ ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ተደሪትና እንተ ነበርና ግና ፍረ-መንፈስ፡ ፍረ ጽድቂ ዘይርከበና ንመርገም እተቓላዕና፡ ንጥፍኣት ዝተመደብና ዓያሱ ኢና እንኸውንሞ፡ ብዕብየት ፍሬና ንምብዛሕ ኣጸቢቕና ንሕሰብ፡ ምሉእ ሓይልናን ርእስናን ድማ ንወፍየሉ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ።

ዕለት፥ ሰንበት መስከረም 22, 2019 (መስከረም  11, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 676,7

ምድርኒ ትሁብ ፍሬሃ ወይባርከነ እግዚኣብሄር ኣምላክነ ወይባርከነ እግዚኣብሄር

ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ። ኣምላኽ ይባርኸና፡ብዘሎ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ይፍርሃዮ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

2ቈረ 91-ፍጻ፣

ዲያቆን

ቅዳሴ ዘወልደነጐጓድ

ያእ 51-10

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል: ማር 424-39

ግብ 1921-ፍጻ፣

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div