S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንስኻ መን ኢኻ ?

“ኣይሁድ፡ ‘ንስኻ መን ኢኻ፧ ... መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧’ በልዎ፡ ኣነስ...ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡” በሎም።” ዮሃ 1፡19, 22, 23

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 1-8 ንዘሎ መዓልታት “ዮሓንስ” ኢላ’ያ እትሰምዮ። ነቲ ነብያት ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ዝተነበዩሉ፡ ካብ ኣረጋውያን ወለዲ ብተኣምር ዝተወልደ፡ ብስራታዊ ገብርኤል ብዛዕባ ልደቱ ዝተዛረበሉ፡ ብልደቱ ብዙሓት ዝተሓጐሱሉ፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምምጻእ ኪእውጅን መገዱ ኺጸርግን ዝተሓርየ፡ ልዑል ትብዓትን ክቱር ትሕትናን ዝተዓደለ፡ ንመለኮት ኬጥምቕ ጸጋን ክብርን ዝተዓደለ፡ እቲ ስጕው መለኮት ብልሳኑ “ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሓንስ ዚዓቢ ሓደ እኳ ኣይተንሰአን” ኢሉ ዝመስከረሉ ቕዱስ ዮሓንስ ንምዝካር ዝዓለመ ሳምንቲ ድማ እዩ (ማቴ 11፡7-13)። ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ብእግዚኣብሄር ዓብዪ ኽብሪ ዝተዓደለ ቕዱስ ዮሓንስ እዮም፡ ፈሪሳውያን፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧ ብዛዕባ ርእስኻኸ እንታይ ትብል፧” ኢሎም ዝሓተትዎ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ዀነ ስጋዊ መንነቱ ብዙሕ ኪዛረቦ ዚኽእል ምንጪ ዝነበሮ ሰብ እዩ። ብኣቦኡ ዀነ ብኣዲኡ ካብ ዘርኢ እቲ ንኽህነት ዝተሓርየ ሌዊን ኣሮንን እዩ። ካብቶም ኣብ ዘመነ ንጉስ ዳዊት በብማይቤቶም ኣብ ዕስራን ኣርባዕተን ጉጅለታት ዝተመቕሉ ኻህናት ካብቲ ሻምናይ ዕጫ ዝወጸሉ ኻብ ኽፍሊ ኣብያ እዩ። ነዚ ወለዶ’ዚ እንተ ዚዝርዝረሎም ነቶም ብስጋ ዚምክሑ ሓተትቱ ዜዕግብ መልሲ እዩ ዝነበረ። ብዛዕባ መንፈሳዊ መንነቱ እንተ ዀነ’ውን ዜሐብን እምበር ዜሕፍር መንነት ኣይነበሮን። ቅድሚ ሾብዓተ ሚእቲ ዓመታት ነብዪ ኢሳይያስ፡ ቅድሚ 400 ዓመታት ድማ ነብዪ ሚልክያስ ብዛዕባኡ ዝተነበዩሉ እዩ፡ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ’ውን፡ “ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚ (ክርስቶስ) ኪኸይድ እዩ” ኢሉ ዝመስከረሉ እዩ (ሉቃ 1፡17)። ኣቦኡ ዘካርያስ ከይተረፈ፡ “ኣታ ህጻን፡ . . . ነብዪ ልዑል ክትበሃል ኢኻ” ኢሉ ብመንፈስ ቅዱስ ዘተነበየሉ ሰብ እዩ (ሉቃ 1፡76,77)። ብቐጥታ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኸም ዝተዛረቦውን ባዕሉ ኣብ ዮሃ 1፡33,34 ገሊጹ ኣሎ። እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ ምዃኑ ብነብያትን ብመላእኽትን ተነጊሩ ኼብቅዕ፡ “ኤልያስ ዲኻ፧” ምስ በልዎ “ኣይኰንኩን” ኢሉ መለሰ። “ነብዪ ናይቲ ልዑል” ተባሂሉ ኽነሱ፡ እቲ ነብዪ ዲኻ፧” ምስ በልዎ’ውን “ኣይኰንኩን” በሎም። ብኣይኰንኩን ሕቶኦም ምስ ጸንቀቖ፡ “መን ደኣ ኢኻ፧” ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ክንህቦምሲ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧” ብምባል፡ ናይ መንነት ምርጫታት ምቕራብ ሓዲጎም፡ ብዛዕባ መንነቱ ባዕሉ ኺዛረብ ዕድል ሃብዎ። ንሱ ድማ “ኣነስ ድምጺ እየ” እምበር ሰብ እየ ኽብሎም እኳ ኣይመረጸን። ነቶም ርእስኻ ኣዕቢኻ ምርኣይ ዝልምዶም ኣይሁድ እዚ መልሲ ፈጺሙ ኺርድኦም ኰነ ኺወሓጠሎም ኣይክእልን እዩ። ርእሱ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ስለ ዘትሓተ፡ ርእሱ ልዕል ዜብል ኪዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ዘበለ ኵሉ ኸኣ ልዕል ኪብል ዘይልወጥ ሕጊ እዩ’ሞ ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ ዅሎም ዝዓበየ ኪኸውን በቲ ትሕትና ዜፍቅርን ንርእሱ’ውን ትሑት ዝዀነ ጐይታ ኢየሱስ ክብሪ ተዋህቦ (ሉቃ 18፡14)።

እምበኣር ዮሓንስ፡ መጥምቀ መለኮት፡ ኪጸርጎ ዝመጸ መገዲ እዚ ከም ዝዀነ ነስተውዕል። እግርና ዚረግጾ መገዲ ዘይኰነስ፡ ልብናን መንፈስናን ኪኸዶ ዚግባእ መገዲ እዩ ዚጸረገ። እዚ ንቕዱስ ዮሓንስ ዝቐረበሉ ሕቶ ንነፍሲ ወከፍና ኣንተ ዚቐርበልና፡ ናትና መልሲኸ እንታይ ምዀነ ነይሩ፧ ምናልባት ነዚ ሕቶ’ዚ ኸም ዘለዎ ዚሓተና ሰብ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ኸየጋጥመና ይኽእል እዩ። እንሓልፎምን ዜጋጥሙናን ኵነታት ግና ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ምቍራጽ ኪሓቱና እዮም ዚውዕሉ። ንሕና’ውን ሕቶታት ምዃኖም እኳ ኸየስተውዓልናዮም ኣሉ ብዘይበሃል ግብራዊ መገድታት ክንምልሶም ኢና እንውዕል። እቲ ብቓላት ተሓቲትና እንህቦ መልሲ ዘይኰነስ፡ እቲ ብግብሪ ብዛዕባ መንነትና እንህቦ መልሲ ድማ’ዩ እቲ ሓቀኛ መግለጺ ናይ መንነትና ዚኸውን። “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሉ ዚሓትት ፈታዊ ይኹን ጸላኢ እንተ ዘይረኸብና እኳ ልብናን ሕልናናን ግና ኵሉ ጊዜ ኪሓተና ዚግባእ ሕቶ እዩ። እዚ ሕቶ እዚ ኣብ ውሽጡ ዘየቃልሕ ሰብ፡ ርእሱ ምምርማርን ምፍታሽን ዝረስዐ ሰብ እዩ። ርእሱ ምምርማር ዝረስዐ ሰብ ድማ ርእሱ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዝመጠወ ሰብ እዩ።

ሓደ ሰብ ኪብድለካ፡ ኪጸርፈካ ወይ ኪሃርመካ ኸሎ፡ ቀጥታዊ ደኣ ኣይኰነን እምበር ብተዘዋዋሪ መገዲ፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሉ ይሓትተካ ከም ዘሎ ምስትውዓል ኣዝዩ ዓብይ ብልህነት እዩ። ምኽንያቱ መን ምዃንካ ነቲ ነዚ በዳሂ ኵነታት ንእትህቦ ዓይነት መልሲ ይውስኖ እዩ። ስለዚ መልሲ ቕድሚ ምሃብካ ነቲ “ኣነ መን እየ፡” ዚብል ሕቶ ክትምልሶ ይግባእ። ነዚ ሕቶ’ዚ ዘሎካ መልሲ፡ “ክርስትያን፡ ውሉድ ኣምላኽ፡ ወደ መዝሙር ክርስቶስ፡ ውሉድ ብርሃን፡ ኣቕሓ ክብሪ እየ” ዚብል እንተ ዀይኑ፡ እትህቦ መልሰ ግብሪ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ምሕረት ኪኸውን እዩ። ብኣንጻሩ መልስኻ፡ “ዓለማዊ (ስጋዊ)፡ ውሉድ ዲያብሎስ፡ ኣቕሓ ውርደትን ቍጥዓን፡ ውሉድ ጸልማት” ዚብል እንተ ዀይኑ ድማ፡ ዝገደደ ምጽራፍ፡ ምትህርራም፡ ምኽሳስ፡ ምጽላእ፡ ምቕያም፡ ምሕማይ፡ ሕነ ምፍዳይ ወዘተ ይኸውን ማለት እዩ። ስለዚ ሓደ በዳሂ ዅነታት ኪገጥመኻ ኸሎ፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧ መንነትካ ኣግህድ” ይብለካ ኸም ዘሎ ኣስተውዒልካ ዝዀነ ግብረ መልሲ ቕድሚ ምሃብካ ርእስኻ ገቲእካ መንነትካ ኽትምርምር ይግብኣካ።

ሓደ ኣንጻር ጾታኻ ዝዀነ ሰብ ምስ ዘጓንፈካ እሞ፡ ምስኡ ኽትምንዝር ብኣፋዊ ቓላት ኰነ ብኣካላዊ ቛንቋ ኺዕድመካ ኸሎ፡ ሕጂ’ውን እታ ሕቶ ኣብ ቅድሜኻ ተገቲራ ኸም ዘላ ዘክር። “ኣነ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ናይ ክርስቶስ ሰዓቢ እየ” ዚብል መልሲ እንተልዩካ፡ ልክዕ ከምቲ ዮሴፍ፡ ኣብ ልዕሊኡ ናይ ዋንነት ስልጣን ዘለዋ እመቤቱ ብኽዳኑ ቀጥ ኣቢላ ሒዛ “ምሳይ ደቅስ” ምስ በለቶ፡ “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኸኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ዝበላ፡ ንስኻ’ውን መንነትካ ዘይፈቕደልካ ተግባር ካብ ምፍጻም ርእስኻ ኣብ ምግታእ ክትዕወት ኢኻ (ዘፍ 39፡7-12)። ዮሴፍ ካብ ንጊዜኡ ምስኣ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎ፡ ንጽህናኡን ቅድስናኡን ዓቂቡ ንመንነቱን ንኣምላኹን ኣኽቢሩ መከራ ኪጸግብ መረጸ። ብኣንጻሩ “ውሉድ ዲያብሎስ፡ ኣመንዝራን ርኹስን እየ” ዚብል መንነት እንተ መሪጽካ ግና፡ ሰብ ኪፈታተነካ’ውን ኣየድልየካን እዩ። ከምቲ ሰይቲ ጶጢፋር ዝገበረቶ፡ ባዕልኻ መስሓቲ፡ ዓማጺ፡ በዓል ኪዳንካ ጠሊምካ ምስ ካልኦት ብምዝማው ኣመንዝራ ምዃንካ ኢኻ እተረጋግጽ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ንዕዮ ወንጌል ንቤተ ክርስትያን ዕሽርካን ናይ ፍታው ህያብካን ክትህብ፡ ንዝደኸየ ዝጠመየ፡ ዝዓረቐ፡ ዝሓመመ፡ ዝተኣስረ፡ ዝሓዘነ ክትረድእ፡ ክትበጽሕ፡ ከተጸናንዕ ዚዕድምን ዚብድህን ኵነታት የጋጥመካ። ኣብዛ ህሞት እዚኣ፡ “ኣነን እቲ ዘሎኒ ዅሉን ናይ እግዚኣብሄር እዩ” ዚብል ንጹር መንነት እንተልዩካ፡ ንዕዮ ወንጌል ዀነ ነቲ ረድኤትካ ዜድልዮ ሰብ ዓቕምኻ ዚፈቕዶ ዅሉ ትህብን ትረድእን። ብኣንጻሩ ንስኻን ትሕዝቶኻን ናይ ገዛእ ርእስኻ ምዃንካ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዘይኰነ ከም ፍቓድ ርእስኻ እትመላለስ “ጐይታ ርእሱ” እንተ ዄንካ ግና ንኣምላኽ ዕሽሩን መባኡን ትኸልኦ። እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ኣብ ሚል 3፡8 “ናባይ ተመለሱ፡ ኣነ’ውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ’፡ . . . ንስኻትኩም ግና፡ ‘ብምንታይ’ሞ ኢና ንምለስ፧’ በልኩም። ሰብዶ ንኣምላክ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ሰረቕኩምኒ። ‘ብምንታይ’ሞ ኢና ዝሰረቕናካ፧’ ከኣ ትብሉ። ብዕሽርን ብመባእን ኢኹም፡ ንስኻትኩም፡ ህዝቢ ብምሉኣትኩም ሰሪቕኹምኒ ኢኹም እሞ፡ ብመርገም ተረገምኩም።” ኢልዎ ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ከም “ሰራቕን፡ ውሉድ መርገምን” እዩ ዚፈልጠካ። ንስኻ ግና ነቲ ገንዘብካ ሰሪሕካ ዘምጻእካዮ፡ ኣብ ጁባ ሰብ ኢድካ ኣእቲኻ ስለ ዘይሰረቕካዮ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ መንነትካ እንተ ትሕተት፡ “ብረሃጹ ዚናበር ወረጃን ጭዋን ሰብ” ጌርካ ምገለጽካያ (ሚክ 3፡7-9)። ኣብቲ ኣብ ሉቃ 10፡29-37 ተገሊጹ ዘሎ “ምስላ ሕያዋይ ሳምራዊ”፡ ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወዲቑ ተዘሚቱ ተኸትኪቱ ዚደምይ ዝነበረ ግዳይ፡ እቶም ብእኡ ዝሓለፉ ኻህንን ሌዋውን ሓንቲ ኸይረድእዎ ረጊጾምዎ ሓለፉ። ነፍሲ ወከፎም “መን ኢኻ” ተባሂሎም እንተ ዚሕተቱ ግና “ኣነ ኻህን ልዑል ኣምላኽ እየ” እቲ ኻልኣይ ድማ “ንኣገልግሎት ኣምላኽ ዝተፈሌኹ ሌዋዊ (ዲያቆን) እየ” ምበሉ ነይሮም። ግብሮም ግና ጥቓ ኣምላኽ ዚቐርብ መንነት ከም ዘይብሎም ኣቃሊዕዎም እዩ። እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ግን፡ በዞም ካህንን ሌዋውን ከም ኣምላኽ ዘይብሉ ርኹስን ኣረማውን ሰብ እዩ ዚግለጽ። በቲ ዝገበሮ ግብሪ ሕያውነት ግና ካብቲ ናይቲ ካህንን ሌዋውን ንላዕሊ ናብ ኣምላኽ ዝቐረበን ዝኸበረን መንነት ከም ዘለዎ ኣረጋገጸ።

ናይ ስነ ልቦና ሊቃውንቲ፡ ወዲ ሰብ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ኽልተ ሚእቲ ውሳነታት ከም ዚውስን ይገልጹ እዮም። ስለዚ መዓልታዊ ልዕሊ 200 ጊዜ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ዚብል ሕቶታት ይቐርበልና ኣሎ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ውሳነታትናን፡ እቲ ኣብ ውሳነታትና ተመርኵስና እንወስዶ ስጕምትታትን እዮም ንመንነትና ዜቝሙ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ መንነቱ እንተ ዚሕተት “ሃዋርያ እየ” ኺብል ድሕር ከም ዘይብል ዜጠራጥር ኣይኰነን። ግብሩ ግና “ወዲ ጥፍኣት” ምዃኑ ብዓውታ መስከረሉ። እቶም ንርእሶም ከም “ገበርቲ ተኣምራትን ነብያትን” ዚፈልጥዋ፡ ጐይታ ግና ነዚ መንነቶም እዚ ኸም ዘይፈልጦ፡ ንሱ ከም “ገበርቲ ዓመጻ” ጥራሕ ከም ዚፈልጦም ነገሮም (ማቴ 7፡21-23)። ንሕና ድማ መጸውዒና “ክርስትያን ተዋህዶ”፡ ግብርና ግን እግዚኣብሄር ዘይጸሮ “ጋዶ” ኰይኑ ኣብ ናይ መንነት ቅልውላው ከይንህሉ ርእስና ንመርምር። ክቡር መንነት ዘለዎ ሰብ ኣምላኽ ዜኽብሮ ኽቡር ሓሳብ ይሓስብ፡ ክቡር ቃላት ይዛረብ፡ ክቡር ግብርታት ከኣ ይገብር። ብኣንጻሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘይበቅዕ ሕሱር መንነት እንተልዩና ድማ ኵሉ ነገርና ሕሱር ኪኸውን እዩ። እምበኣር ነፍሲ ወከፍ ዜጋጥሙና ውሳነን ስጕምትን ክንወስድ ዚሓትት ኵነታት፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሎም ይሓቱና ኣለው እሞ፡ ነቲ ኺህልወና እንደልዮ መንነት ዚምጥን ግብረ መልሲ ብምሃብ፡ መንነትና ንርእስናን ንኣምላኽን፡ ንዚዕዘበና ዅሉ ሰብን ነግህድ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ።

ዕለት፥ ሰንበት 15 መስከረም 2019 ( መስከረም 4, 2012 ግእዝ) 

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 84/85፡10

“ሣህል ወርትዕ ተራከባ ጽድቅ ወሰላም ተሰዐማ ርትዕሰ እምድር ሠረጸት”

“ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፣ ጽድቅን ሰላምን ተሳዓዐማ። ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቊል ጸድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ።”

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ቈረ 11፡17-ፍጻ

ዲያቆን

ቅዳሴ  ዘአትናቴዎስ

ያእ 2፡1-14

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል: ዮሃ 1፡15-38

ግብ 18፡24-ፍጻ

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div