S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናብ ፈተና ኸይትኣትው፡ ጸልዩ!!

ጐይታ፡ ኣብታ ዝተታሕዘላ ለይቲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሒዝዎም፡ ናብቲ ኣዘውቲሩ ዚጽልየሉ፡ጌተሰማኔዝተባህለ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኸደ። ወንጌላዊ ማቴዎስን ማርቆስን ኣዘንትዮምዎ ኸም ዘለው፡ ናብቲ ስፍራ ጸሎት ምስ ወሰዶምነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ ኣላ፡ ኣብዚ ዀኑ፡ ምሳይውን (ብጸሎት) ንቕሑኢሉ ተዛረቦም። እዞም ደቀ መዛሙርቲ ንጐይታኦም ከምዚ ዀይኑ ርእዮምዎ፡ ከምዚ ኺዛረብውን ሰሚዖምዎ ኣይፈልጡን እዮም።

ስለዚ እዛ ምሕጽንታ እዚኣን እቲ ኵነታቱን ብጸሎት ንምንቃሕ ኪድርኾም እኹል ዝነበረ። ቅድሚ ሕጂ ደጋጊሙውን፡ዝጥመቓ ጥምቀት ኣላትኒ፡ ክሳዕ እትፍጸምሲ ኸመይከ ዘይጸብበኒ!. . . ሕጅስ ነፍሰይ ጕህያ ኣላ፡ እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ! ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ። ግናኸ ምእንት ናብዛ ሰዓትዚኣ መጻእኩ።ኪብል ከሎ ሰሚዖምዎ እዮም (ሉቃ 1250 ዮሃ 1227) ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ኪሕዝዎን ኬላግጹሉን ኪገርፍዎን፡ ኣብ መወዳእታውን ሰቒሎም ኪቐትልዎ ምዃኖም ደጋጊሙ ገሊጹሎም እዩ (ማቴ 1621 1722,23 2017-19) እቲ ዅሉ ነገሮም ሓዲጎም ዝሰዓብዎ፡ ኣዝዩ ዜፍቅሮም፡ ንሳቶም ኸኣ ኣዝዮም ዜፍቅርዎ ጐይታኦም፡ ጸቢባቶ ኸም ዘላ ገሊጹ ምስኡ ኪዀኑን ብጸሎት ኪነቕሑን ኪነግሮም ከሎ ሓለፋኡ ኺጨንቆምን ኪነቕሑን ምተገብኦም ነይሩ።

ዋላ በቲ ናቱ ጉዳይ ኪነቕሑ እንተ ዘይከኣሉ እኳ፡ ኬደቅሶም ዘይግባእ ንኣታቶም ዝተዳለወ ፈተና ኸም ዘሎ፡ “ ‘ንጓሳ እወቕዖ እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ይብላ።’ (ዚብል) ተጻሒፉ ኣሎ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅላትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም።ዚብል ዘየደቅስ ትንቢት ነጊርዎም ስለ ዝነበረ፡ ዜደቅስ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይነበሮምን፡ ገና ኻብቲ ምስጢረ ቍርባን ዝተሰርዓሉ ዝተነጽፈ ኣዳራሽ ከይወጹ ኸለውውን፡ስምኦን ስምኦን እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሓሕየኩም ተመነየ። ኣነ ግና እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ለመንኩ።ብምባል ድሮ ኣብ ሚሔ ሰይጣን ተቐሚጦም ንፈተና ተዳልዮም ከም ዘለው ነጊርዎም እዩ። ብፍላይ ንሃዋርያት ጴጥሮስ፡ምስ ተመለስካ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮምስለ ዝበሎ፡ ካብታ መገዲ ተኣልዩ ኣርሒቝ ዝኸዶ ኸም ዘለዎ ኣረጋጊጹሉ ነበረ። እንተ ዀነ ንሱ ንሓሳባትን መልእኽትን ናይ ጐይትኡ ስለ ዘይተረድኦ ምጕት ገጠመ፡ጐይታይ ካብዛ ምዕንቃፍን ውድቀትን እዚኣ ባልሃኒኢሉ ኣብ እግሪ ጐይትኡ ወዲቑ ብመሪር ብኽያት ኪልምን እናተገብኦ፡ኵላቶም እኳ ብኣኻ እንተ ተዓንቀፉ። ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየኢሉ ተመክሐ። ጐይታ ድማ ቍርጹ ኼፍልጦ ኢሉ፡ ጊዜን ቍጽርን ናይ ኽሕደቱ፡በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኸይነቀወ ሰለስተ ሳዕ ክትክደኒ ኢኻ።ብምባል ኣፍለጦ። ብከምዚ ዝበለ ልክዕነት (precision) እታ ሚሔ ሰይጣን ኣዳልያትሉ ዘላ ፈተና እናተነግሮ እኳ፡ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነውን፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየኢሉ ድርቕ ኢሉ መጐተ። እቶም ዓቕሞም ፈሊጦም ኣጽቂጦም ዝጸንሑ ኻልኦት ደቀ መዛሙርቲውን ሽዕኡስ፡ በቲ ናቱ ስጋዊ ትብዓት ተሳሒቦም፧ ካብ መን ሓሚቐብዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ኸምቲ ናቱ በሉ።

ኣይደንጐየትን እታ ናይ ፈተና ሰዓት ኣኺላ፡ እታ ሚሔ ኽትሓሕይ ጀሚራ፡ ጐይታ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ምስ ኣተወ ግና፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዅላቶም ሓዲጎምዎ ሃደሙ። እቲ ብዙሕ ዝተመክሓ ሃዋርያውን፡ ሓቦ ገይሩ ኽሳዕ እንዳ ሊቀ ኻህናት ደድሕሪኡ እንተ ሰዓበ እኳ፡ ብምፍርራህ ሓንቲ ገረድ ግና ልክዕ ኣብታ ብጐይታ ዝተነግረቶ ሰዓት ሰለስተ ሳዕ ብዜሕፍር መገዲ ኸሓደ። እቲ ልብን ኰላሊትን ዚፈልጥ፡ ዓቕምና ድማ ዚመዝን ጐይታ፡ እዚ ምንእቲ ኸይስዕብ እዩ፡ናብ ፈተና ኸይትኣትው ንቕሑን ጸልዩንኢሉ ዝኣዘዘን ዝመዓደን።

ናብ ፈተና ከይትኣትው ጸልዩኺብለና ከሎ ግና ፈጺሙ ፈተና ንኸይገጥመና ኽንጽልይ ማለት ከም ዘይኰነ ብሩህ እዩ። ብዘይ ፈተና ኽንነብር እንተ ዄንና እሞ፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ወጺእና፡ ሰይጣን ናብ ዘይቀርባ ኻልእ ዓለም ክንከይድ ኬድልየና ማለት እዩ። ፈተና ንክርስትያን ክብረቱን፡ ናብ ብጽእና ዚድይበሉ መሳልሉን እዩ። ንክርስትያን ሓቀኛ ፈተናኡ፡ ነቲ ዝገጠሞ ፈተና ብዓወት ናይ ዘይምስጋር ሓደጋ ጥራይ እዩ። ንሃዋርያ ጴጥሮስ ፈተናኡ እተን ኣግራድ ኬዋጥራኦ ምፍታነን ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እምነቱ ብትብዓት ደው ዚብለሉ ጽንዓት ዘይነብሮ ምዃኑ እዩ። እቲ ጽንዓትን ትብዓትን ኣብ ቦትኡ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ምፍትታን ናይተን ኣግራድ ንምግላጽ ዕብየት መንፈሳውነቱ ከም ጽቡቕ ዕድል ኰይኑ መገልገለ ነይሩ። ብጸላእቲ ወንጌል ዚቐርበልና ፈተናን መከራን እሞ፡ ትዕድልትናን ሓለፋናን እምበር ከይገጥመና እንፈርሆ፡ ክንሃድመሉ ዘሎና ዅነታት ኣይኰነን። ጐይታና፡ምእንቲ ጽድቂ ዚሰደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናይቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፡ ብጹኣን ኢኹም፡ ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሓጐሱ ባህውን ይበልኩም።ዝበለሉ ምኽንያት ንሱ እዩ። (ማቴ 510-12) መከራን ፈተናን ናብ ብቕዓት ኬሰጋግረና ዚወሃበና ህያብ ኣምላኽ እዩ። ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ እግዚኣብሄር ከምኡ ኺበጽሓና ፈጺሙ ኣይምፈቐደን ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘለኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቝዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቍጸሩ፡ እዚ መከራኹም (ፈተናኹም) ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ። . . . እቲ ኣባይ ዝረኣኹምዎ ሕጂውን ኣባይ እትሰምዕዎ ዘለኹም ገድሊ፡ ከምኡ ዝበለ እናበጽሓኩም፡ ሳላ ክርስቶስ ምእንታኡ መከራ ድማ ኽትጸግቡ እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን ጸጋ ተዋሂብኩም ዘሎ።ዝበሎ ቓልውን ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዜብርሃልና (2ተሰ 15 ፊሊ 129,30) ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ ምስ በጽሑ ግና፡ እቶም ብምፍርራህ ኣግራድ ሊቃውንቲ ኻህናት ንጐይታኦም ዝኸሓዱ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ቅድሚ እቶም ንሞት ናይ ምፍራድ ስልጣን ዘለዎም ዋዕላ ኣይሁድ ደው ኢሎም፡ንኣምላኽ እምበር ንኻልእ ኣይንእዘዝንብምባል ርእሶም ንመከራ ኣሕሊፎም ሃቡ። ኣብ ጥራይ ዝባኖም ብሓለንጊ ነርብዓ ሓደ ጐደል ተገሪፎም ምስ ወጹ ድማ፡ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ኪሓስሩ ብቝዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ ኻብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሓጐሱ ወጹ (ግብ 541) ኣብታ ቐዳመይ ኣጋጣሚ ናብ ፈተና ኣትዮም ወደቑ፡ ኣብዚ ኻልኣይ ኣጋጣሚ ግና ናብ ፈተና ኣትዮም ተዓወቱ፡

ናብ ፈተና ምእታው ግን ብምኽንያት እምነትካ ኣብ ዚጋጥመካ ተቓውሞታት ጥራይ ኣይኰነን ዚኽሰት። ኣብ ውሽጢ እቲ ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራኻን፡ ኣብ መንፈሳዊ ሕብረትካንውን እትፍተነሉ ሓያሎ በዳሂ ኵነታት የጋጥመካ እዩ። ገሊኡ ነቲኣይትግበሮዝተበሃልካዮ ኽትገብር፡ እቲ ገሊኡ ድማ ነቲግበሮዝተባሃልካዮ ኸይገበርካዮ ኽትተርፍ ዚፈታተን ዅነታት እዩ።ኣይትመንዝር ኣይትጻረፍ፡ ኣይትቐየምንዚብሉ ትእዛዛት ምእዛዝ ክትስእን ከሎኻ፡ ሽዑ ኣብ ከቢድ ፈተና ኣቲኻ ከም ዘሎኻ ኣስተውዕል። ትዕግስቲ ዚጠልብ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ እቲ ዅነታት ኣይኰነን ፈተና ዚዀነ። ንሱስ፡ ትዕግስቲ ክርስቶስ ከተንጸባርቕ ዝተዋህበካ ጽቡቕ መድረኽን ሓሊፋን እዩ። ፈተና ዚዀነካ፡ እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ኣንነትን፡ ርእስኻ ዘይምግታእን፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ድኻማት እዮም።ትዕግስቲ ካብ ዚጠልቡ ዅነታት ኣድሕነኒኢልካ ኺጽለይ መቸም ኣይከኣልን እዩ። ኣምላኽ ዝኣዘዞን ዚቕበሎን ጸሎት፡ትዕግስቲ ዘይበለይ ካብ ምዃን ኣድሕነኒዚብል እዩ። ምኽንያቱ ትዕግስቲ ኻብ ምግባር ዚዕንቅፈካ ዘሎ ትዕግስቲ-ኣልቦ ምዃንካ እምበር፡ እቲ ዘጋጠመካ ዅነታት ኣይኰነን።ንዝሙት ዚፈታተን ኣንጻር ጾታ ከየጓንፈኒ ኣድሕነኒ፡ወይ ድማ፡ነቶም ንጾታዊ ፍትወት ዜላዓዕሉ ነዝዕታት (ሆርሞናት) ካብ ሰብነተይ ኣርሕቐለይኢልካ ኽትጽልይ ፈጺምካ ዚሕሰብ ኣይኰነን፡ብቕድስና ኽመላለስ ርዳኒዚብል ጸሎት ግና ኣዝዩ ቕቡል ጸሎት እዩ። እምበኣር፡ እቲ ፈተና ኣባናን ኣብ ውሽጥናን እምበር ኣብ ከባቢና ኣብቲ ዜጋጥመና ዘሎ ዅነታትን ከም ዘየሎ ኽንርዳእ ይግብኣና።ናብ ፈተና ኣይተእትወናኢልና ኽንጽልይ ዝተነግረና ድማ ብእኡ ምኽንያት እዩ። ክርስቶስ ንዝጸረፍዎ እንተ ዘይጸሪፉ፡ ንሕና ስለ ዝተበደልና ስለ ዝተጸረፍና ኽንጸርፍ ኣይግብኣናን እዩ።ምእንታይ እንተ ጸረፍኹም ብጹኣን ኢኹምእናተባህለልና፡ ንጸርፊ ከም ፈተና እንተ ተረዲእናዮ፡ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባና ኸም ዘየሎ ዜቃልዕ ከቢድ መንፈሳዊ ድኻም ምዃኑ ንረዳእ። ስለዚ ዅሉ ጊዜ ብምኽንያት እቲ ኣብ ውሽጥና ዀይኑ ዚዋግኣና ትዕቢት፡ ፍርሓት፡ ፍትወት፡ ንፍገት፡ ግዝብነት፡ ቍጥዓ፡ ስሰዐ ወዘተ ናብ ፈተና ከይንኣትው ንርእስና ነቒሕና ብጥንቃቐ ንሓልው፡ እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ኺረድኣና ድማ ንጸልይ።

ጐይታ ናብ ፈተና ኸይንኣትው ኽንገብሮ ዚግብኣና ቐንዲ ተግባር ጸሎት ምዃኑ ኣብሪሁልና እዩ። ንስምኦን ጴጥሮስ ክትሓሕይ ዝተዳለወት ሚሔ ሰይጣን ከም ዘላ ምስ ረኣየ ጐይታና፡እምነትካ ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩእዩ ዝበሎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ሳላ ጐይታ ዝለመነሉ እዩ ኻብ ክሕደት ብንስሓ ናብ እምነት ኪምለስ ዝበቕዐ እምበር፡ ንሱን ብጾቱን ኣብ ዝባን እታ ሚሔ እዮም ልዋም ድቃስ ዝደቀሱ። እግዚኣብሄር ነቶም ብጸሎት ነቒሖም ኣብ ቅድሚኡ ደው ዝበሉ እዩ ሓይሉን ኣጽዋሩን ዜዕጥቖም እምበር ነቶም ኣብ ልዕሊ መጻወድያ ሰይጣን ደቂሶም ዘለው ኣይኰነን። ንዝደቀሰ ሰብ ዋላ እንተ ኣዕጠቕካዮውን ኪጥቀመሉ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ድማ ጐይታ፡ካብቲ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቑን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባል ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።ኢሉ መዓደና (ሉቃ 2136) ጐይታና ባዕሉውን መዓልተ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ እናመሃረ፡ ለይቲ ብምልእታ ኸኣ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቒሑ እናሓደረ እዩ ንፈተናታት ሰይጣን ከም ዝሰዓረ ተጻሒፉልና ኣሎ (ሉቃ 2137,612) እቲ ኣብ ጸሎት ዝደኸመ፡ ኣብቲ ፈተናውን ድኹምን ተሰዓርን እዩ። ስለዚ ድማከየባተኽኩም ጸልዩተባህለልና (1ተሰ 517 ሮሜ 1212) ምኽንያቱ ፈተና ኸቶ ዘየባትኽ ኵነተ- ህይወት እዩ። ስለዚ ኻብቲ ብጸላኢና ሰይጣንን መዓይይቱን ዚጻወደልና ፈተና ብዓወት ክንወጽእን ክንድሕንን እንተ ዄንና፡ ናብቲ ሞሳ ዚግብኦ እግዚኣብሄር ብጸሎት ንማህለልን ነእውይን፡ ንሱ ድማ ካብ ጉድጓድ ጥፍኣት፡ ካብቲ ረግረግ ጸብሪ ኼውጽኣና፡ ነእጋርና ኣብ ከውሒ ኣቝሙ ንሰጕምትና ኼጽንዖ እዩ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት ሓምለ 01, 2018 (ሰነ 24, 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 68:17-18

ሠረገላቲሁ ለእግዚኣብሄር ምዕልፊተ ኣዕላፍ ፍሡሓን እግዚኣብሄር ውስቴቶን በሲና መቅደሱ ዐረገ ውስተ ኣርያም ጸዊወከ ፄዋ

ሰረገላታት ኣምላኽ ክልተ እልፊ፡ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ሲና፡ ኣብ መቕደሱ፡ ኣብ ማእከሎም እዩ። ናብ ላዕሊ ደየብካ፡ ምርኮ ማረኽካ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኪነብሩስ፡ ካብ ሰብ፡ ካብቶም ተጻረርቲ እኳ ውህበት ተቐበልካ።”

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ጢሞ 314-ፍጻ

ዲያቆን

ወንጌል ሉቃ 2231-46

1ጴጥ 315-ፍጻ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ያዕቆብ ዘሥሩግ (ተንሥኡ)

ግብ 16-12

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div