S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ!!

ካብ ኣካላት ቅድስቲ ስላሴ ኽንመሃሮም ካብ ዚግብኣና ዓበይቲ ኣርኣያታት ሓደ፡ እዚ ከም መሪሕ ጥቕሲ ናይዚ ርእስናትና መሪጽናዮ ዘሎና ሓሳባት እዩ። ብመሰረት ምስጢረ ስላሴ ናይ ሰረተ-እምነትና፡ እግዚኣብሄር ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብስም፡ ብግብሪ፡ ብኣካል ሰለስተ ኪኾኑ ከለው፡ ብመለኮት፡ ብፍቓድ፡ ብስልጣን፡ ብባህርይን ብህልውናን ሓደን ምብልላጽ ዘይብሎም ማዕረን እዮም። ስለዚ ነፍሲ ወከፎም ከካብ ርእሶም ኪዛረቡ ዀነ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ብዅሉ ነገሮም ሓደ ስለ ዝዀኑ ድማ ዚሓስብዎ ዚዛረብዎ ዀነ ዚገብርዎ ፍልልይ ኣይምሃለዎን ነይሩ።

እንተ ዀነ፡ እዚ ጥቕስና ሓቢሩና ኸም ዘሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ርእሱ ናይ ምዝራብ ስልጣንን ዓቕምን እናሃለዎ፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ። እቲ ዜገርም ድማ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ጥራይ ዘይኰነ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ድማ፡ ካብ ርእሱ ኸም ዘይዛረብ፡እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦይ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ ዘለኹ።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 1410,24) ጐይታና፡ ኣብዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትውን፡ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ) እዩ እምበር ናተይ ኣይኰነን። ፍቓዱ ኺገብር ዚደልይ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይነ ዝዛረቦ ዘለኹ፡ ኪፈልጥ እዩ። . . . ምኽንያቱ ኣነ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ባዕሉ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ዝኣዘዘኒ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን (ዝዛረብ) እቲ ትእዛዙ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ፡ ስለዚ ነዚ ዝዛረቦ ኸምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ገይረ እየ ዝዛረቦ ዘሎኹ።ብምባል ደጋጊሙ ገሊጹ ኣሎ (ዮሃ 716,17 1249,50) ክርስቶስ፡ እቲ ፍጹም ኣርኣያና፡ ከምዚ ገይሩ ደጋጊሙ ዚዛረብ፡ ንገዛእ ርእሱ ኼነኣእስ ደልዩ ዘይኰነ፡ ንኣና ዓብይ መልእኽቲ ኼመሓላልፈና ስለ ዝደለየ ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግባና። መንፈስ ቅዱስ ካብ ርእሱ ኸም ዘይዛረብ ዝነገረናውን ንሱ እዩ። ጐይታና ግና ብዛዕባ ካብ ርእሱ ኸም ዘይዛረብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብ ርእሱ ኸም ዘይገብርውን፡ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከኣሎን፡ ኣይከኣሎን፡ ኣይከኣሎን፡ ነቲ ንሱ (ኣቦ) ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለይገብር እዩ።. . . ካብ ርእሰይ ገለ ክገብር ኣይክእልን እየ። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ። . . . ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ (ምስ ሰቐልኩምዎ) ኣነ ንሱ (እቲ ወዲ ሰብ) ከም ዝዀንኩን፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸም ዝገብር እምበር፡ ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም።ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 519,30 828)

እግዚኣብሄር ወልድን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስን ካብ ገዛእ ርእሶም ኪዛረቡን ኪገብሩን እቲ ስልጣንን ክእለትን እናሃለዎም፡ ንእኡ ገዲፎም ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ዝሰምዕዋ ኪዛረቡ ምምራጾም፡ ንኣና ኣዝዩ ዓብይ ትምህርቲ እዩ ዚህበና። ንሕና ግና ድኹማት ስጋውያን ፍጥረት ስለ ዝዀንና ብመሰረቱ ካብ ርእስና ናይ 27 ምዝራብን ናይ ምግባርን ስልጣን ኰነ ዓቕሚ የብልናን። እቲ እንዛረቦ ዓይነት ዘረባ፡ በቲ ዚገዝኣና ዓይነት ጐይታ እዩ ዚውሰን። እግዚኣብሄር ዚገዝኦም ሰባት እንተ ዄንና፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝዛረቦ ጥራይ ኢና እንዛረብ። ብኣንጻሩ ብእግዚኣብሄር ሓዲግና ብሰይጣን ንግዝእ እንተ ዀንና ድማ ካብ ሰይጣንን ካብታ ናይ ሰይጣን ዓለምን ኢና እንዛረብ። ግብርናውን ልክዕ ብኸምኡ እዩ ዚውሰን። ንኣና ዝተዋህበትና ስልጣን ብመን ከም እንግዛእ ክንመርጽ ጥራይ እያ። ሓንሳእ ገዛእ ርእስና ባሮት ሰይጣን ክንመርጽ ጥራይ እያ። ሓንሳእ ገዛእ ርእስና ባሮት ሰይጣን ክንገብር እንተ ወሲንና፡ ብድሕሪኡ ባሮቱ ስለ እንኸውን ንሱ ዝኣዘዘናን ዘቐመጠልናን ጥራይ ኢና ኽንዛረብን ክንገብርን እንኽእል። ኣብ ልብናን ህይወትናን መን ይገዝእ ከም ዘሎ እንፈልጥ ብዓይነት ዘረባናን ተግባርናን እዩ። ጐይታና ኣብ መስቀል ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቶም ዝሰቐልዎን ኣብ እግሪ መስቀሉ ዀይኖምውን ዜላግጹሉ ዝነበሩ ሰባት፡! ኣቦይ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎምኢሉ ዝጸለዮ ጸሎት፡ እቲ ዚገብርዎን ዚብልዎን ንዝነበሩ፡ ካብ ገዛእ ርእሶም ከም ዘይነበረ ዜነጽር እዩ (ሉቃ 2334) ወንጌላውያን ማርቆስ ሉቃስ፡ ኣብ ደብረ ታቦር፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡መምህር፡ ንኣና ኣብዚ ኽንነብር ጽቡቕ እዩ፡ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደውን ንኤልያስ፡ብዛዕባ ዝበሎ ቓል ኪገልጹ ኸለው፡ዚብሎ ኣይፈልጥን ነበረኢሎም መስኪሮም ኣለው (ማር 96 ሉቃ 930)

ስለዚ ንሕናውን ካብ ርእስና ንዘይምዝራብ ኣርኣያ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ክንስዕብ ይግባና። ዘረባና ኻብ ኣምላኽ ምዃኑ ኸየረጋገጽና ኽንዛረብ ኣይግባእን እዩ። ስለዚ ድማ ኢና ንምስማዕ ቅልጡፋት፡ ንምዝራብ ግና ደንጐይቲ ኽንከውን ዝተመዓድና (ያእ 119,20) ቃል እግዚኣብሄር፡እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮምኢሉ ዚገልጸልና። ብመንፈስ ኣምላኽ ኪምራሕ ካብ ዚግብኦም ናይ ህይወትና ተግባራት፡ እቲ ሓደን ቀንድን፡ እቲ ናብ ብዙሕ ኣበሳ ኬውድቐና ዚኽእል ልሳንናን ዘረባናን እዩ። ብልሳንና እነስዕቦ ዕንወት ከቢድ ምዃኑ ካብ ዕለታዊ ማሕበራዊ ተመክሮና እንርድኦ ሓቂ ኽነሱ፡ ልሳንና ንእግዚኣብሄር ከነግዝእ ኣይንፈትውን ኢና። ቃል እግዚኣብሄር ግና፡ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ፡ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ፡ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቓላትካ ሒደት ይኹን። ስጋኻ ሓጢኣት ከይገብርስ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሃቦ፡ ኣብ ቅድሚ ልኡዅን፡ጌጋ እዩኣይትበል። ስለ ምንታይከ ኣምላኽ ብደሃይካ ዚዅርን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ዜጥፍኦን፧ ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃዮ ደኣ፡ኢሉ ዚምዕደና (መክ 52,3,6,7) መብዛሕትና ግና ክንዛረብ ከሎና ይትረፍ ንእግዚኣብሄር ፈሪህና ልሳንናን ዘረባናን ከነማእዝን፡ ህላውነቱ እኳ ትዝ ኣይብለናን እዩ። ብኣንጻሩ ከምቶም፡ሳላ መልሓስናን ንብርትዕ ኣሎና፡ ከናፍርና ናትና እየን፡ መን እዩኸ ጐይታና፧ዚብሉ ረሲኣን ክንከውን እዩ ዚቐልለና (መዝ 123,4) ብዛዕባ ጥዕናን ሳዕቤናትን ናይ ዘረባና፡ ተዛሪብናዮስ ብዙሕ ጕድኣት ምስ ኣውረደ ኢና እንሓስበሉ። ንናይ ልሳን ሓይሊ፡ ንጉስ ሰለሞን፡ሞትን ህይወትን፡ ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ፡ እቲ (ልሳኑ) ዜፍቅራ ኸኣ ፍሬኣ ኺበልዕ እዩብምባል እዩ ዚገልጾ (ምሳ 1821) እዚ ናይ ሞትን ህይወትን ስልጣን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ተዛራባይን ሰማዓይን ብማዕረ ዚሰርሕ እዩ። ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ከቢድን ተጓዳእን ቃላት ምስ እትዛረብ፡ ዋላ እቲ ቓላት ብቐጥታ ኣካላዊ ሞት እንተ ዘየስዓበሉ፡ ናብ ባእስን ጽልእን ቂምታን ብምሽማም ዘለኣለማዊ መንፈሳዊ ሞት ኬስዕበሉ ይኽእል እዩ። ብሰንኪ ዘይተኣደበት ልሳን ዝተበትከን ዝሻሕከረን ዝምድናታት ኪቝጸርውን ኣይከኣልን እዩ። ኣቦታትና ኺምስሉ እኳ፡መልሓስ ዓጽሚ ዘይብላ 28 ኽነሳ ዓጽሚ ትሰብርእዮም ዚብሉ። መጽሓፍ ምሳሌውን፡ከም ዚቝርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ ኣሎ። መልሓስ ጠቢባን ግና ጥዕና እዩኢሉ ዜለብመና (ምሳ 1318) ነዛ ጥዕና ክትከውን እትኽእል ዝነበረት ልሳን፡ ከም ሰይፍን ከም ሓውን ኰይና ኽትቈርጽርን ከተቃጽልን ዚገበራ ዘሎ፡ ካብ ርእስና እንዛረብ ብምዃንና እዩ። እቲ ኻብ ርእሱ ሓዲጉ፡ ካብ ኣምላኽ ብዝዀነ ቓላት ዚዛረብ ሰብ ግና፡ ኣብ ዘረባኡ ዝዀነ ኣበር ኣይርከብን እዩ። እቶም ጥዕና ዘለዎ፡ ንሰብ ዚሃንጽን፡ ንኣምላኽ ድማ ዜኽብር ቃላት ኪዛረቡ ዚደልዩ ግና፡ ልክዕ ከም ቅዱስ ዳዊት፡ጐይታየ፡ ንኣፈይ ቀፊር (ሓላዊ) ግበረሉ፡ ደገ ከናፍረይ ሓሉኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርዮም ዚውከሉ (መዝ 1413) ምኽንያቱ፡ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉ፡ መልሓስ እትመልሶ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩብምባል ቓል እግዚኣብሄር ዜረጋግጸልና (ምሳ 161) እግዚኣብሄር ነቶም ኵለንትናኦም ንእኡ ዜግዝኡ ሰባት፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ኪዛረብዎ ዜድልዮም ቃላት ኣብ ኣፎም ዜንብረሎም (ኢሳ 5016 ኤር፡ 19) እግዚኣብሄር መንፈሳዊ መልእኽቲ ኸነመሓላልፍ ከሎና ጥራይ ኣይኰነን ኣብ ልሳንና ቓላት ዜቐምጥ። ምስ ሰባት እንገብሮ ዅሉ ዓይነት ምዝርራብ፡ መንፈሳዊ እዩ። ስለዚ ኣብ ኵሉ ቦታን ምስ ኵሉ ሰብን ኣብ እንገብሮ ዝርርብ፡ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነንብምባል ንእንዛረበ ዘበለ ዅሉ ቃል ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ከም እንህበሉ ብወግዒ ዝተነግረና (ማቴ 1237) ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ኣምላኽ ደው ምስ በለ፡ መጀመርታ ዝተራእዮ ነገር ርኽሰት ከናፍሩ ስለ ዝነበረ፡ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ፡ ኣብ ማእከል እቲ ርኹስ ዝኸናፍሩ ህዝቢ ኸኣ እነብር ኣለኹ እሞ፡ ወይለይ ኣዒንተይ ንንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየን እየን እሞ ጠፋእኩኢሉ ዝጨደረ። እንተ ዀነ እቲ ሱራፌል፡ ብጓህሪ ገይሩ ንኣፉ ተንከዮ እሞ፡እንሆ እዚ (ሓዊ) ንኸናፍርካ ተንከዮ፡ ኣበሳኻ ረሓቕልካ፡ ሓጢኣትካውን ጸረየልካ፡ኢሉ ኣህድኦ (ኢሳ 65-7) ኣብ ጊዜ ምጽኣት ጐይታ ግን እዚ ነብዪ ኢሳይያስ ዝረኸቦ ዕድል ከቶ ኣይርከብን እዩ። ሎሚ ብህይወት ከሎና፡ ርኽሰት ከናፍርና ተራእዩና ናብ እግዚኣብሄርወይለይ፡ ጠፋእኩኢልና ንጨርሕ እሞ፡ ንሱ ድማ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ኣጽርዩ፡ ቃላቱ ኣብ ከናፍርና ኼንብር እዩ። ካብ ርእስና ምዝራብ ኣቋሪጽና፡መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረበ፡ ቃሉ ኸኣ ኣብ ልሳነይ ነበረንምባል ክንበቅዕ ኢና (2ሳሙ 232)

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት ሰነ 24, 2018 (ሰነ 17, 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 51:12-13

ወበመንፈስ ኣዚዝ አጽንዐኒ። ከመ እምሓሮሙ ለኃጥኣን ፍኖተከ። ወረሢዓን ይትመየጡ ኅቤከ።

ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ፡ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ። መገድኻ ንመፍረስቲ ኽምህሮም እየ፡ ሓጥኣን ከኣ ናባኻ ኺምለሱ እዮም።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ኤፌ 11-15

 

ዲያቆን

ወንጌል  ዮሃ 161-17

2ጴጥ 11-12

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)

ግብ 814-25

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div