S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን!!

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ ሰፊረን ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ሃይለ-ቃላት ናይ ጐይታ፡ ሓንቲ እዛካብ ዓለም ኣይኰንኩምንእትብል ሓሳብ እያ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ተወሊዱስ ኣብኣውን ይነብር ንዘሎ ሰብ፡ካብ ዓለም ኣይኰንካንክትብሎ ኸሎኻ፡ እቲ ሰማዒ ብቐሊሉ ኸይርድኦ ይኽእል እዩ። ጐይታና፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ መንነት ናይ ደቀ መዛሙርቱ እምበር ብዛዕባ ጂኦግራፍያዊ ህላዌኦም ይዛረብ ከም ዘየሎ ግና ኣብ መንፈሳዊ ብስለት ንዘሎ ኵሉ ሰብ ብሩህ እዩ። ካብ መንን ናይ መንን ምዃን በቲ ዘሎኻዮ ቦታ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብቲ ቦታ እቲ ዘሎካ ኣካይዳ እዩ ዚውሰን።

መንነትካ፡ ብኣካላውን ጂኦግራፍያውን ህላዌኻ ዚውስን ነይሩ እንተ ዚኸውን ክርስቶስ ጐይታናውንካብ ዓለምምተባህለ ነይሩ። እንተ ዀነ፡ ነቶም ከማታቶም ቈጺሮም ካብ ዓለም ከምዝዀነ ጌሮም ዚርድእዎ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም። ኣነ ግና ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን። ኣነ (ኻብ ላዕሊ) ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም።ብምባል ብንጹር መሊሱሎም እዩ (ዮሃ 823,24) መንፈሳዊ ኣዒንቶም ስለ ዝዖረ ደኣ ኼስተውዕልዎ ኣይከኣሉን እምበር፡ ካብቲ ኣብ መንጎ ተግባሩን ተግባራቶምን፡ ኣብ መንጎ ቓላቱን ቃላቶምን ዘሎ ፍልልይ ብምግንዛብ ጥራይ፡ ንሱን ንሳቶምን ካብ ሓደ ዓለም ዘይምዃኖም ኬለልዩ ምተገብኦም ነይሩ። ኣዝዮም ኪጸልእዎን፡ ኣብ መወዳእታውን ኪቐትልዎ ዝገበሮም ኣብቲ ዓለሞም ዘይነበረን ጋሻ ዝዀነን ዓይነት ቋንቋን ናብራን ስለ ዘተኣታተወ እዩ። ንሱ ኣብዛ ምድራዊት ዓለም እዚኣ፡ ናይታ ሰማያዊት ዓለም ናብራ ዘተኣታተወ ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን እዩ። ክብሪ ነቲ ሰራዊት ሰማይ ዚንቅጥቀጡሉ ቕዱስ ስሙ ይኹን።

ኣብታ ድሮ ዝተታሕዘላ፡ ምስጢረ ቝርባን ዝሰርዓላ ምሸት ኣብ ዝገበራ ናይ መወዳእታ ጸሎት፡ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ፡ነዞም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም። ናትካ ነበሩ፡ ንኣይ ሃብካኒ ቃልካ ሓለው። . . . ነቲ ዝሃብካኒ ቃል ሃብክዎም፡ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ከም ዝወጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፡ ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ። . . . ደጊምሲ ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርንየ፡ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለው፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ ኣለኹ። ቅዱስ ኣቦይ፡ ነዞም (ካብ ዓለም) ዝሃብካኒ፡ ከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብስምካ ሓልዎም። ኣነ ኣብ ዓለም ምሳታቶም ከለኹ፡ ብስምካ ሓለኹዎም፡ ነዞም ዝሃብካኒ ተኸናኸንክዎም። . . . ኣነ ቓልካ ሃብክዎም ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም። ካብቲ (ኣብ ዓለም ዘሎ) ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን። . . . ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፡ ከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም። . . . ዓለም፡ ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡውን ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ፡ እልምን ኣለኹ። ብሓድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና- ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፡ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ ነቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም።ብምባል ተማሕጸነ (ዮሃ 176,8,11,12,14-16,18,21-23) እምበኣር ካብዚ ጸሎት እዘን፡ ካብ ካልእ ክፍልታትን፡ ካብ ዓለም ምዃንን ዘይምዃንን፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽን፡ ኣብ ዓይኒ እቶም ንኣምላኽ ዚፈልጡን ዚፈርሁን ሰባት ኣዝዩ ልዑል ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኢና እንርዳእን፡ ክሳዕ ክንድ ልዑል ኣገዳስነት እንተልይዎ ድማ ንሕናውን ክንግደሰሉ፡ ካብ ዓለም ወይ ካብ ላዕሊ ምዃንና ሓዲኡ ኸነረጋግጽ ከም ዚግብኣና፡ ዘየማትእን ውዓል-ሕደር ዘይበሃሎን እዩ። ካብዚ ድሮ ዝተጠቕሰ ቃላት ጐይታን፡ ካብ ካልእ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳንን፡ ካብ ዓለም ወይ ካብ ላዕሊ ምዃንና ኸነረጋግጽ ይከኣል እዩ። እዞም ዚስዕቡ ነጥብታት ካበየናይ ምዃንና ኽንፈልጥ ዚሕግዙናእዮም እሞ ብኣታቶም ህይወትና ንመርምር።

1. ካብ ላዕሊ ምውላድ፦ ነዚ ሓቂ እዚ ጐይታና፡ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዘየልቦ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኻ ኣለኹ። . . . ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ። ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ።ካብ ላዕሊ ኽትውለዱ ብግዲ እዩስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም።ብዝበሎ ቓል ኣረጋጊጹልና እዩ። ስለዚ ብዛዕባ መንፈሳዊ መበቈልካ ኸተረጋግጽ እንተ ዄንካ፡ ካብ መን ከም ዝተወለድካ ኸተረጋግጽ ናይ ግድነት እዩ። ናይ ዓለምን ካብ ዓለም ካብ ምዃን እነምልጥ ብጥምቀትን ብምልኣት መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ምስ እንውለድ ጥራይ እዩ። እንተ ዀነ ምውላድ ጥራይ ኣኻሊ ስለ ዘይኰነ፡ ነቲ ዝተወለድናሉ ህይወት ክንነብሮ ናይ ግድነት እዩ። ኣብ ዓለም ዚውለድ ሰብ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ገሊኡ ብምውቱ ይውለድ፡ ገሊኡ ውልድ ምስ በለ ይመውት፡ ገለ ድማ ኣብ ዕድመ ናጽላነት፡ ህጻንነት፡ ቍልዕነት፡ ንእስነት ተዀሊፉ ይመውት። ሓዘንና የብዝሕ እምበር ብልደቱ ከይተሓጐስናን ጻማ ኸይረኸብናን ንተርፍ። ገለ ድማ ጐደሎ ዀይኑ ስለ ዚውለድ፡ ነታ ዝተወልደላ ህይወት ከም ዚግባእ ከይነበራ፡ ነቶም ዝወለድዎን ዚርእይዎን እናኣሰቀቐ ይነብር። ኣብ መንፈሳዊ ልደቶም ከምዚ ዚረኣዮም፡ ነቲ ብመንፈስ ዝወለዶም ኣምላኽ ድማ እናሕዘኑ ዚነብሩ ሰባት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። እዞም ዚስዕቡ ነጥብታት ነዚ ሓቂ እዚ ዜብርሁልና እዮም።

2. ናይ ላዕሊ ምሕሳብ፦ ካብ ዓለም ምዃንና ወይ ድማ ብኣንጻሩ ካብ ላዕሊ ከም ዝተወለድና ካብ ዜረጋግጹልና ነጥብታት ሓደ ኣተሓሳስባና እዩ። ስለዚ ድማደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።ዚብል ሃዋርያዊ ቓል ተዋህበና (ቈሎ 31-3) ኣስዒቡውን፡እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ (በተሓሳስባኹም) ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።ብምባል ኣጠንቀቐና (ሮሜ 122) እምበኣር እቲ ካብ ዓለም ወይ ካብ ላዕሊ ምዃኑ ኺፈልጥ ዚደልይ፡ ቅድሚ ዅሉ ሓሳቡን ኣተሓሳስባኡን ኪፍትሽ እዩ ዚግብኦ። ስለዚ ድማ፡ስጋውያን (ዓለማውያን) ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሓስቡ፡ እቶም (ናይ ላዕሊ ዝዀኑ) መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሓስቡ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። እቶም ብስጋ ዘለው (ካብ ዓለም ዝዀኑ) ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩተባህለልና (ሮሜ 85-8 ገላ 516-22 ፊሊ 48)

3. ካብ ላዕሊ ምዝራብ፦ ዮሃንስ መጥምቕ ብዛዕባ እቲ ኻብ ላዕሊ ዝመጸ ጐይታ ኺምስክር ከሎ፡እቲ ካብ ላዕሊ ዚመጽእ፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። እቲ ኻብ ምድሪ ዝዀነ ግና ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። . . .” ከም ዝበለ ተጻሒፉልና ኣሎ (ዮሃ 331) ስለዚ ዘረባና ናይ መበቈልናን መንነትናን ንጹር መለለዪ ምዃኑ ኺስወረና ኣይግባእን። ሃዋርያ ዮሃንስውን፡ኣቱም ደቀይ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ (ዲያብሎስ) እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ (ኣምላኽ) ዚዓብይ ስለ ዝዀነ ንስኻትኩም (ንዲያብሎስ) ስዒርኩምዎ ኣሎኹም። ንሳቶም ግና ካብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ ኣለው። ዓለምውን ትስምዖም ኣላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ (ካብ ኣምላኽ ንዛረብ ኣሎና) ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይስምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይስምዓናን እዩ።ብምባል ነቲ ሓቂ ደሪዑልና ኣሎ (1ዮሃ 44-6) ጐይታናውንኣነ ግና፡ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰባት ዚዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕም ቃል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮምእብለኩም ኣለኹ።ብምባል ኣረጋጊጹልና እዩ (ማቴ 1237) ስለዚ መንነትና ንምፍላጥ እንዛረቦ ቓላት ንመርምር። ካብ ላዕሊ ዝዀነ ንኣምላኽ ዜኽብሮ ንሰብ ድማ ዚሃንጾ ብጸጋ ዝተቓመመ ቃላት ምዝራብ የጸግመና እንተልዩ፡ ብርግጽ ካብ ዓለም ኢና።

4. ጽልኢ ዓለም፥- እቲ፡ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተው፡ ሓደ እኳ ንዓለም እንተፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ (ካብ ላዕልስ) ኣይኰነን።ዚብል ሃዋርያዊ ቓል፡ ብዛዕባ ዓለም ዘሎና ኣረኣእያ፡ ንመንፈሳዊ መንነትና ኸም ዚገልጺ ኣነጺሩልና ኣሎ (1ዮሃ 215,16) እቶም ካብ ላዕሊ ዝተወልዱ ዘበሉ ግና፡ ዓለም ንኣታቶም ዘይተበቅዕ ጐድፍን ወጽዓን ኰይና ትረኣዮምን ይጽየፍዋን እምበር ከቶ ኣየፍቅርዋን እዮም (እብ 1138 ፊሊ 38,9) ምኽንያቱ ዋላ ንምልእቲ ዓለም ናይ ውልቆም ኪገብርዋ እንተ ኸኣሉ እኳ ክትልክሞም እምበር ፈጺማ ኸም ዘይትጠቕሞም፡ ካብቲ፡ንሰብከ ዅላ ዓለም ረቢሑስ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍእ እንታይ ይጠቕሞ፧ ወይስ ሰብ በጃ ነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ፧ዚብል ቃል ጐይታ ተረዲኦም እዮም (ማቴ 1627) እዛ ሓላፊት ዓለም ብምልእታ ተተሚና፡ ዋጋ ናይ ሓንቲ ዘይትሓልፍ ነፍሲ ኽትከፍል ኣይትኽእልን እያ። ስለዚ እቲ ነቲ ንእሽቶን ሓላፍን ረብሓ ዓለም ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ፡ ነታ ደምን ሞትን ናይ ክርስቶስ ዝዋጋኣ ኽብርቲ ነፍሱ ዜባኽን ሰብ ኣዝዩ ዓሻ ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግብኣና። ዓለም ነቶም ንምድሓን ዘይለበሙ ዓያሱ ጥራይ እያ እትጥብሮም። እቶም ካብ ዕሽነት ዝተናገፉ ኸም ሙሴ ዝበሉ ለባማት ግና፡ ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎም፡ ምስ ኣምላኽን ናይ ኣምላኽን ኰይኖም መከራ ኺጸግቡ፡ ብመንጽር እቲ ዘለኣለማዊ ዓስቢ ብምጥማት ካብ ረብሓ ዓለም ንላዕሊ ነቲ ጸርፊ ናይ ክርስቶስ ከም ብዙሕ ሃብቲ ገይሮም ኪቈጽርዎ እዮም ዚሓርዩ (እብ 1125,26) ስለዚ ከም ክርስቶስ ካብ ላዕሊ፡ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ዓለም ዘይምዃንና በተሓሳስባናን ብቓላትናን ብግብራዊ ኣካይዳናን ንዓለም ብዘሎና ጽልእን ነረጋግጽ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት ሰነ 17, 2018    (ሰነ 10, 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 51:11

ኢትግድፈኒ እምቅድመ ገጽከ ወመንፈስከ ቅዱስ ኢታውጽእ እምላዕሌየ ዕሥየኒ ፍስሓ ወኣድኅኖተከ

ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፡ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ። ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ፡ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ቈረ 141-26

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 1517 ፍጻ

1ዮሃ 41-9

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)

ግብ 1044-48

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div