S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከምታ ዝኣዘዘኒ እገብር!!

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ፡ ኣርኣያ ክርስቶስ ኣድሚቝ ዜርእይ ቃል ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብዛ ጸልማትን ውረድ ደይብን ዝበዝ ዓለም፡ክትክተሎ ዚግብኣካ ኣሰርን ኣርኣያን ካብ ምስኣን ዚኸፍእ ፈተና ኣሎ፡ኪበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ ብዘይ ኣርኣያ ኪሓድገና ኣይፈተወን። ስለዚ ድማ፡ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵስ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።ብምባል ክቡር ጽውዓ ኣቕረበልና (ማቴ 1129,30) ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ፡ ነቲ ዝተዋህበካ ኣርኣያ ምኽታል ከም ዚግባእ ንምስትምሃር፡ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገብ።ኢሎም ምዒዶምና ኣለው (1ጴጥ 221)

ብመሰረት ናይ ሎሚ ኣርእስትና ክርስቶስ ዝሓደገልና፡ ንነፍስና ዕረፍቲ ዚህብ ኣርኣያ፡ ድማ ከምታ ዝተኣዘዝካያ ኸየጕደልካን ከይወሰኽካን ምእዛዝ (ወይ ምግባር) እያ። ቃል እግዚኣብሄር፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመለኮቱ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦኡ ማዕረ ምዃኑ እዩ ዚነግረና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ እዚ ምእንቲ ኼብርህ ኣብ ፊሊ 26-8ንሱ (ክርስቶስ) ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ (ብባህርዩ ኣምላኽ ክነሱ) ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ዝተመንዝዐ ገይሩ ኣይርኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብናብራኡ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ፡ ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሓተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ።ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ። ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ፡ማዕሬኻ እንድየኢሉ ምእዛዝ እንተ ዚኣብይ፡ እቲ ሓድነትን ሰለስትነትን ናይ ስላሴ ምፈረሰ፡ ንሕና ኸኣ ድሕነት ኣይምረኸብናን ኔርና። ስለዚ ናይ ምድሓንና መሰረት፡ ኣብ ውሽጢ ስላሴ ዝተራእየ፡ ሓድሕዳዊ ምትእዝዛዝ እዩ። ኣምላኽ ነቲ ማዕሪኡ ዝዀነ ኣምላኽ ፍጹም ምእዛዝ ኪእዘዞ እንተ ዘይከቢድዎ እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ዝዀነ ሰብ ንኣምላኽ ምእዛዝ ኪኸብዶ ፈጺምካ ኪሕሰብ ዘይግብኦ እዩ።

ንምእዛዝ ጐይታ ዕውት ዝገበርዎ መሰረታውያን ሓሳባት ጐይታ ባዕሉ ገሊጹልና ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ነጥቢ፡ ፍቓድ ኣቦኡ እምበር ፍቓዱ ዘይደልይ ምዃኑ እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ኣገልግሎቱ ዀነ ኣብ መከራኡ፡ኣቦይ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ፡ ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር ኣነ ከም ዝደልዮ ኣይኹን። . . . ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ።ይብል ነበረ (ማቴ 2639 ዮሃ 530) እቲ ኻልኣይ ሓሳብ ድማ ምብላዕ፡ መሰረታውን ቀዳማይን ድልየት ናይ ወዲ ሰብ ከንሱ፡ ንሱ ግና፡ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እየብምባል፡ ናይ ህይወቱ ቐዳምነት ፍቓድ ናይቲ ዝለኣኾ ኣቦኡ ምፍጻም ምዃኑ ምግላጹ እዩ። ካብ ማሕበራዊ ተመክሮና ጽቡቕ ጌርና ኸም እንፈልጦ፡ ብመደብ ከይተመገበ ኺጸንሕ (ኪድንጕይ) ወይ ድማ ንዝተወሰነ ሰዓታትን መዓልታትን ምምጋብ ኪገድፎ ወሲኑ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምምጋብ ዚርስዕ ሰብ ፈጺሙ የልቦን። ንጐይታ ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ምግብን ኣየርን ንላዕሊ እዩ ዝነበረ። ዋላ እቲ ዝኸፍአ ናይ መስቀል ሞት ከየተረፈ ፍቓድ ኣቦኡ እንተ ዀይኑ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ኸይተፈጸመ ኻብ ዚተርፍ፡ ነዛ መራር ናይ ሞት ጽዋእ ኪጭልጣ፡ ኵሉ ጊዜ ቀዳማይ ምርጫኡ ነበረ። ናይቲ ኺፍጸም ዚድለይ ዘሎ ተግባር ዓይነት ማለት ጥዑም ድዩ መሪር፡ ጽቡቕ ድዩ ኽፉእ ኣይኮነን ዚምርምር። ፍቓድ ኣምላኽ ድዩ ኣይኰነን ንእኡ ዜገድሶ። ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ዋላ ውርደትን ስቓይን ሞትን ዜስዕበሉ፡ መሪር ዋጋ ዜኽፍሎ ይኹን፡ እቲ ነገር ኣብኡ ኺፍጸም ወይ ባዕሉ ኺፍጽሞ ሕጉስን ፍቓደኛን እዩ።

እቶም ብእምነቶም ኰነ ብምእዛዞም ዘኽበርዎ ቕዱሳን ኣቦታትናውን ብኸምኡ እዮም ንኣምላኾም ዘኽበርዎ። ኣቦና ኣብርሃም፡ካብ ምድርኻን፡ ኣዝማድካን፡ ቤት ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእዚብል ትእዛዝ ምስ ተዋህቦ፡ናበይ ትወስደኒ ኸም ዘለኻ ኣቐዲምካ ንገረኒ፡ እቲ ህዝቢ ኸመይ ዝበለ እዩ፡ እቲ መሬቱኸ ወዘተዚብሉ ሕቶታት ኣይሓተተን። እዚ ሓበሬታታት እዚ ዘይምርካቡ፡ ኣብ ውሽጡ ዘይጥዑም ስምዒታት ፈጢሩሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተ ዀነ ንስክፍታታቱ እምበር፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምልክት ሕቶ ኼእትዎ ኣይመረጸን። ብኣንጻሩ፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ።ኢሉ ዝመስከረሉ፡ ከምታ ዝተኣዘዘ ገበረ (እብ 118) ናይቲ ተኣዚዝዎ ዘሎ ትእዛዝ ኩውንነታውነት፡ ካብ መሬቱን ስድራ ቤቱን ምፍላዩ ኼስዕበሉ ዚኽእል ሓደጋን ወጽዓን ንምስላሕን ንምቕማርን ኮፍ ኢሉ ናይ ኣእምሮ ስራሕ ኪሰርሕ ፈቲኑ እንተ ዚኸውን ግና፡ ምእዛዝ ከቢድ ዓቐበት ምኾኖ ነይሩ።

እግዚኣብሄር ነቲ ሓደን ኣዝዩ ዘፍቅሮን ወዱ ሓሪዱ ኺስውኣሉ ኣብ ዝሓተቶ እዋንውን፡ ብዛዕባ እቲ ስግንጢር ዚመስል ትእዛዝ ኪመራመር ዘይኰነስ ኪእዘዝ ጥራይ እዩ መሪጹ።እግዚኣብሄር ካብ መዓስ ከምዞም ኣረማውያን ናይ ሰብ መስዋእቲ ዚሓትት፧ እንድሕር ክስውኣሉ ዚደልይ ኰይኑ ደኣ ንምንታይ ውሉድ ዚህበኒ፡ ምስዋእ ዘይተርፍ እንተ ዀይኑ፡ ንምንታይ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዒዘ ዝስውኦ፡ ንምንታይ ኣብዚ ጥቓይ ዘሎ ኸረን ዘይስውኦ፧ዚብሉ ንክውንነታውነት ናይቲ ትእዛዝ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዜእትው ሕቶታት ኣየልዓለን። ነቲ ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ተጸቢኻ ዝረከብካዮ እንኮን ፍቁርን ውላድ ምስኣን፡ ንገዛእ ውላድካ ብገዛእ ኣእዳውካ ምሕራድ፡ ይትረፍ ንሓደ ጻድቕ ሕልና ዘለዎ ሰብ፡ ንሓደ ምውት ሕልና ዘለዎ ሰብ እኳ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። እንተ ዀነ ይሕሰም ይጥዓም፡ ይኽፋእ ይጸብቕ ብዘየገድስ፡ ንፍቓዱ ሓዲጉ ንፍቓድ ኣምላኹ ኪእዘዝ ንዝመረጸ ሰብ፡ ዝዀነ ዓይነት ትእዛዝ ኣይከብዶን እዩ። ንነብዪ ህዝቅኤልን ንነብዪ ሆሴእን ዝተዋህበ ትእዛዝ፡ ኣሽንኳይ ክትገብሮ ንኽትሰምዖውን ዜሰቅቕ ዝነበረ (ህዝ 41-15 ሆሴ 12-9 32-5) ፍቓዶም ዝኸሓዱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ልቦም ዘንገሱ ሰባት ስለ ዝነበሩ ግና፡ ነቲ ትእዛዝ ንምፍጻም ፈጺሞም ሰገጥ ኣይበሉን።

ኣቦና ኖህውን ቀላይ፡ ባሕሪ ይኹን ውቅያኖስ ኣብ ዘይብሉ የብሲ (ደረቕ ምድሪ) ብዕብየታ ይትረፍ ብሓንቲ ስድራ ቤት፡ ብናይ ሓንቲ ኸተማ ህዝቢ እኳ ኽትሰርሓ እትኸብድ ግዝፍቲ መርከብ ኪሰርሕ ምስ ተኣዘዘ፡ ኣሽንኳይ ኪኣብይ ኪሓትትን ኪድንጕይን እኳ ኣይፈተወን። ካብኡ ዝኸበደ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ኣለው ዚበሃሉ ግዙፋትን ሓደገኛታት እንስሳታትን ኣኪቡ ምስናይ ቀለቦም ናብታ መርከብ ኬእትው ተኣዘዘ። ብዛዕባ ትእዛዛት እዝን ኣተገባብራኦምን፡ ብዛዕባ ዚህልዎ ድኻምን ሓደጋታትን እንተ ዚመራመር፡ ኪእዘዝ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ሓዲጉ ኸም ሰቡ ነቶም ጣኦታውያን ኣማልኽቲ ኼምልኽ ምተደረኸ ነይሩ። ንሱ ግና ይኽበድ ይቕለል፡ ይጥዓም ይምረር፡ ብዘይካ ፍቓድ ኣምላኽ ካልእ ምርጫ ኸየልዕል ዝወሰነ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ብሓጐስ ተቐቢሉ ተግበሮ። ከምዚ ዓይነት ሰብ ስለ ዝዀነ ድማ እዩኖህ፡ ካብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዘይብሉን ሰብ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ (ኣብ ካልኣይ ትርጉምኖህ፡ ጻድቕ፡ ካብቶም ብዘመኑ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ድማ እንታ ዘይብሉ ሰብ ነበረ። ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ድማ ይነብር ነበረ”) ተባሂሉ ኽሳዕ ዚመስከረሉ ንሰብን ንኣምላኽን ዘገረመ እዩ (ዘፍ 69) ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ህዝብን፡ ኪጽወር ክሳዕ ዘይክእል ተበላሽዩን ጋዕዝዩን ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣምላኽ ንሰብ ብምፍጣሩ ኽሳዕ ዚጠዓሰ ኣብ ዝዀነሉ ዘመን መንቅብ ኣልቦ ጻድቕ ክሳዕ ምዃን ዘዐወቶ፡ ንርእሱ ባርያ ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝገበረ እዩ። እምበኣር ንሕናውን ብኸምዚ ዝበለ ደበና ምስክርን ኣርኣያታትን ተኸቢብና ስለ ዘሎና፡ ኣርኣያ ክርስቶስን ቅዱሳኑን ክንስዕብ እምበር ካልእ ኣማራጺ የብልናን። ከም ክርስቶስን ኵሎም ቅዱሳኑን፡ከምቲ ዝተኣዘዝናዮ ብምግባርጥራይ ኢና፡ ናይ ክርስቶስ መዋርስትን ናይ ግደ ርስቲ ቕዱሳንን ተኻፈልትን ክንከውን እንኽእል። መንፈስ ቅዱስ ዚወሃበና ድማ፡ ነዚ ምርጫና ኽንመርጽ፡ ነዚ ስጕምቲ እዚውን ክንወስድ ምእንቲ ኬኽእለና እዩ። ጐይታና ኸምቲ ኣቦኡ ዝኣዘዞ ኺገብር ዘብቅዖ፡ ነቦኡ ኣዝዩ ስለ ዜፍቅሮ ኸም ዝዀነ ገሊጹልና። ናትና ጥበብውን ንሱ ኪኸውን ስለ ዚግብኦ፡ ጐይታና ደጋጊሙ፡ተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሓልው፡. . . እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። . . . እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ።ብምባል ኣጽኒዑ ነገርና (ዮሃ 1415,21,24) እምበኣር ፍቓድና ሓዲግና ንፍቓድ ኣምላኽ ጥራይ ክንእዘዝ ክሳዕ እንኽእል፡ ንኣምላኽናን ንጐይታናን ዘሎና ፍቕሪ ኣዚና ነዕዝዞ። ሽዑ፡ ብዘይ ዝዀነ ዕጥይጥይ ከምታ ዝኣዘዘና ኣብ ምግባር ዕውታት ክንከውን ኢና። ንምስሊ ወዱ ኽንመስል ዝተፈጠርናን ብኽቡር ጽውዓ ዝተጸዋዕናን ኢና እሞ፡ ዝመሰልናዮን ዘይመሰልናዮን በቲ ደረትን ዕቃበታት ዘይብሉ ምእዛዝና ነረጋግጽ። እግዚኣብሄር፡ ሰብ ኪእዘዞ ዘይክእል ዘይኩውንነታዊ ትእዛዝ ፈጺሙ ኣይእዝዝን እዩ።ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕልው እዩ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ።ዝተባህለልና ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ (1ዮሃ 53) ምእዛዝ ዘይብላ እምነት፡ ህይወት ዘይብላ ምውትትን ጠባሪትን እምነት እያ። እቲ ህያው ክርስቶስ ንኣቦ ኺእዘዝ ከም ዝኸኣለ፡ እቶም ህያዋን ክርስትያን ጥራይዮም ንኣምላኽ ናይ ምእዛዝ ዓቕሚ ዘለዎም። ስለዚ ድማ፡ንሕና፡ ነሕዋት ነፍቅሮም (ንኣምላኽ ንእዘዝ) ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርና ንፈልጥ ኣሎና። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር።ተባህለልና (1ዮሃ 314) እምበኣር ብምእዛዝ ህያውነትናን ክርስቶሳውነትናን ነረጋግጽ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት ሰነ 10, 2018     (ሰነ 3, 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 51:10-11

ልበ ንጹሐ ፍጥር ሊተ እግዚኦ መንፈስ ርቱዕ ሓድስ ውስተ ከርሥየ ኢትግደፈኒ እምቅድመ ገጽከ

“ዎ ኣምላኽ፡ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፡ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ። ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፡ቅዱስ መንፈስካ’ውን ኣይተግድፈኒ።”

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ቈረ 121-12

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 1422-ፍጻ

1ዮሃ 220-ፍጻ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)

ግብ 214-22

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div