S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኢየሱስ “እቲ መገድን ሓቅን ህይወትን”!!

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌልን ካልኦት ንባባትን ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዘብዓልናዮ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዚምልከቱ እዮም። እቲ ንምእመናንን ኣገልገልትን ዚወሃብ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ዓለም ብህይወት ክሳዕ ዘሎና ጥራይ ዘይኰነስ ኽሳዕ ዘለኣለም ምሳና ዚነብር እዩ። እዚ መንፈስ ድማ ብክርስቶስ ንዚኣምንን ንዚስዕብን ኵሉ ዚወሃብ ምዃኑ ቓሉ ኣረጋጊጹልና እዩ። እቲ ኣብ ውሽጥና ዚነብር ቅብኣት (መንፈስ ቅዱስ) ኵሉ ጊዜ ይምህረናን ይመርሓናን እዩ።

ንውልቃዊ ህይወትና ኸም ዚምህረና፡ ንኻልኦት ሰባት ምሂርና ኣብቲ ሓቅን ኣብቲ መገድን ጸኒዕና ምሉእ ህይወት ክንረክብውን ይድግፈና እዩ። ኣብ ዮሃ 612-14 ጐይታና ባዕሉ፡ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና ኣሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ክትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ። ንሱ ካባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ።ብምባል እቲ ኣባና ዚሓድር መንፈስ ቅዱስ እንታይ ከም ዚሰርሕ ገሊጹልና ኣሎ። ስለዚ ናይ መንፈስ ቅዱስ ዝዓበየ ስራሕ ብኣና ብዅለንትናና ገይሩ ንኽርስቶስ ምኽባር እዩ፡ ካብቲ ኵሉ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ዝዀነ ክርስቶስ እናወሰደ ይምህረናን ናብ ምልኣት ሓቂ ይመርሓናን። ስለዚ ድማ ጐይታ፡መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ፡ ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦንብምባል መንፈስ ቅዱስ ናብኡ፡ ንሱ ድማ ናብ ኣቦ ከም ዚመርሓና ገለጸልና። መንፈስ ቅዱስ ኣባና እንተ ዘይሓደረ ነቲ ናይ ክርስቶስ ምስጢር ክንርድኦ ዀነ ኽንጾሮ ኣይንኽእልን ኢና።ግናኸ እንተ ኸድኩ ኸም ዜሕሸኩም ሓቂ እነግረኩም ኣለኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ።ኢሉ ጐይታና ዝተዛረበሉ ምኽንያት፡ ንሱ እንተልዩ ዚጐደለና ነገር ከም ዘሎ ንምምልካት ዘይኰነስ፡ መንፈስ ቅዱስ እንተ ረዲኡናን እንተ መሪሑናን ጥራይ፡ ነቲናብ (ምሉእ) ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ ናብ እኹል ሰብኣይ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ምዕባይከም እንበቕዖ ምእንቲ ኼብርሃልና እዩ (ዮሃ 1617 ኤፌ 411-13)

ካብተን ጐይታና፡ኣነ እየዝበለለን መለኮታዊ መንነቱ ዝገለጸለን ጥቕስታት ሓንቲ እዛ መገድን ሓቅን ህይወትን ምዃኑ ዝገለጸላ ጥቕሲ እያ። ናብ ሓደ ኽትበጽሖ ዝደለኻ ምዕራፍ ንምብጻሕ እትጐዓዘሉ መገዲ ኺህልወካ ናይ ግድን እዩ። ንሕና ሰባት ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ እንበጽሓሉ መገዲ ድማ ክርስቶስ እዩ። ብዘይ ክርስቶስ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ኺበጽሕ ዚኽእል የልቦን። ጐይታና፡ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ፡ ወዲ ሰብ ኪጐዓዘለን ብዛዕባ ዚኽእል ክልተ ዓይነት መገዲ፡ ኣብ ማቴ 713,14 “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ግፋሕ እያ። እቶም ብእኣ ዚኣትው ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተው።ብምባል ገሊጹ ኣሎ። ኣብዛ ጥቕሲ ሰለስተ ኣገደስቲ ነጥብታት ተጠቒሰን ኣለዋ፡ ንሳተን ከኣ መገድን ደገን ህይወትን እየን። በታ ቐጣን መገዲ ዝተጓዕዘ ዘበለ፡ ናይ ግድን ናብታ ጸባብ ደገ እዩ ዚበጽሕ። እቲ በታ ጸባብ መእተዊት ደገ ኺሓልፍ ዝተኸፍተሉ ዘበለ ዅሉ ድማ ናብ ህይወት እዩ ዚኣትው። እዚ ብቐጢን መገዲ ተገሊጹ ዘሎ ጐይታና ባዕሉ እዩ። እቲ ብጸባብ ደገ ተገሊጹ ዘሎ ንሱ ምዃኑውን ኣብ ዮሃ 107,9 “እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ኸም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። . . . እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣትው ኪድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓስዩውን ኪረክብ እዩ።ብምባል ኣፍሊጡና ኣሎ። ኣብታ ቐጣን መገዲ ዘይተጓዕዘ ሰብ ኣብታ ጸባብ ደገ ኺበጽሕ ኣይክእልን እዩ። ከም መገዲ ተጓዒዝካሉ ሓሊፍካዮስ ኣብታ መእተዊት ደገ ምስ በጻሕካ ኣብኡውን ሓሊፋ ደገ ዀይኑ እዩ ዚጸንሓካ። በታ ቐጣን ከይተጐዓዝካ ዝገበርካ ጌርካ ኣብታ ደገ በጺሕካ እንተ ዃሕኳሕካውን፡ ዚኸፍተልካ ኣይህልውን እዩ። ነዚ ንምግላጽ ድማ፡ ጐይታና ሉቃ 1324-27 “ብዙሓት ኪኣትው እናደለዮስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም ኣለኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ። ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾ ምስ ሸጐረ፡ ሽዑ ኣብ ወጻኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፡ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና እናበልኩም ማዕጾ ዃሕኳሕ ከተብሉ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፡ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየኢሉ ኼምልሰልኩም እዩ። ሽዑኣብ ቅድሜኻ በሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻውን ኣብ ገዛና ምሃርካምባል ክትጅምሩ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዅላትኩም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ ካባይ ርሓቝኪብል እየ።ብምባል ኣብሪሁልና ኣሎ። እቲ ኣብታ መገዲ ዘይተጓዕዘ፡ ኣብ ክርስቶስ ዘይተረኽበን ብእኡ ዘይመጸን፡ ኣብቲ ኣፍ ደገ ኣይሰልጦን እዩ። ነቲ ኣብታ መገዲ ዘይፈለጦ፡ ኣብታ ደገውን ኣይፈልጦን እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ስለዚ ኣሕዋተይ፡ ሳላ ደም ክርስቶስ (ናብቲ እግዚኣብሄር ዘለዎ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ዜእትው እምንቶ (ወይ ትብዓት) ረኺብና ኢና። እንኣትዎ ኸኣ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስብነቱ (ብናይ ክርስቶስ ሰብነት) ዝተኸፍተ ሓድሽን ህያውን ዝዀነ መገዲ ኣቢልና ኢና።ኢሉ ዝጸሓፎ ቓል፡ እቲ ናብ ኣቦ እንኣትወሉ ህያው መገዲ፡ ክርስቶስ ምዃኑ ኣመልኪቱና እዩ (እብ 1019,20) ነቶም ካብ ዓሌት ኣህዛብ ዝዀኑ ኣረማውያን ዝነበሩ ሕጂ ግና ብክርስቶስ ዝኣመኑ ሰብ ኤፌሶን፡በቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነበርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዘይብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ሕጂ ግና ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ብደሙ ቐረብኩም።ብምባል ናብ ኣቦ ዝቐረቡሉ ምስጢር ገለጸሎም (ኤፌ 212,13) ብዘይ ክርስቶስ እንተ ዄንካ ኻብ ኣምላኽ ርሑቕ፡ ኣብ ክርስቶስ እንተሊኻ ግና ቀረባ ኣምላኽ ኢኻ እትኸውን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ብእኡ (ብክርስቶስ) ከኣ ናብዚ ዘለናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ረኺብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና። . . . ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ንዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ።ብምባል ነዚ ሓቂ እዚ ኣረጋጊጹልና እዩ (ሮሜ 52 እብ 725)

እቲ ንክርስቶስ ዚኣምንን ብእኡ ዚመላለስን እዩ ነቲ ፍልጠት ሓቂ ዚረኽቦ። ምኽንያቱ ዅሉ ሓቂ ኣብቲ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ዝዀነ ክርስቶስ እዩ ዘሎ (ቈሎ 23) ጐይታና ኣገዳስነት ሓቂ ንምግላጽ፡ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድንስኻትኹም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም፡ ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ።ኢሉ ገለጸሎም (ዮሃ 931,32) ሓቂ ካብ ሓጢኣት እያ ሓራ እተውጽእ። እቲ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ዝወጸ ድማ፡ ካብ ፍርድን ቍጥዓን ናይ ኣምላኽ ሓራ ይወጽእ ማለት እዩ። ከምቲ፡ቍጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዅሉን፡ ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ።ዚብል ተጻሒፉልና ዘሎ፡ ብግብሪ ዓመጻ ምምልላስ፡ ነታ ሓቂ ኽትደፍናን ከተጥፍኣን ምፍታን እዩ። እግዚኣብሄር በቶም ንሓቂ ዚደፍንዋ ኣዝዩ ዚቝጥዓሉ ምኽንያት፡ ንሓቂ ምድፋን ማለት ንኣምላኽ ምድፋን ማለት ስለ ዝዀነ እዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ባዕሉ ሓቂ እዩ። ከምቲ ክርስቶስ ሓቂ ዝዀነ ኣብን መንፈስ ቅዱስንውን ሓቂ እዮም። ስለዚ ድማኣምላኽ ሓቂ፡ መንፈስ ሓቂተባሂሎም ይስመዩ። ጐይታና ንጲላጦስ፡ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንት ተወለድኩ፡ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ፡ ካብ ሓቂ ዝዀነ ሰብ ከኣ ድምጸይ ይስምዕ እዩ።ኢሉ ምስ ተዛረቦ፡ ተገሪሙ፡ሓቂ እንታይ እዩ. . . ኢሉ ሓተቶ (ዮሃ 18:37,38) ወንጌላዊ ዮሃንስ፡ ብዛዕባ ጐይታእቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሓደረ . . . ሕጊ ብሙሴ ተዋህበ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ።ብምባል መስኪሩሉ ኣሎ (ዮሃ 114,16,17) በቲ ሓቂ ዝዀነ ክርስቶስ ብምእማን፡ ካብ ሓቂ ዝዀነ ዅሉ፡ ክብሪ ኣምላኽ ኪርእይ ኣብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ድማ ኪኸውን እዩ። ከምቶም፡ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ቅንዕና ኺኣትው ኣይተኻእሎን፡ እወ፡ ሓቂ ተሳእነ. . . እግዚኣብሄር ነዚ ረኣየ፡ ቅንዕና ስለ ዜልቦ ኸኣ ጐሃየ፡ . . . ሓቂ ጠፍአ ካብ ኣፎምውን ኣቋረጸዝተባህለሎም ከይንኸውን ርእስና ንሓልው (ኢሳ 59,14,15 ኤር 728) ንጉስ ሰለሞንንሓቂ ዓድጋ እሞ ኣይትሽጣብምባል ምዒዱና ኣሎ (ምሳ 2323)

እቲ ኣብቲ መገድን ሓቅን ዝዀነ ክርስቶስ ዝጸንዐ ዅሉ ድማ ህይወት እዩ ዚረክብ። ምኽንያቱ ድማ፡ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት (ናቱ) ኸኣ ብርሃን ሰብ ነበረትተባሂሉላ እዩ (ዮሃ 14) ስለዚ ኸኣ ነቶም ኣሚኖምን ንዅሉ ሓዲጎምን ዝሰዓብዎ ደቀ መዛሙርቱ፡ኣነ ህያው እየ ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹምኢሉ ኣረጋገጸሎም (ዮሃ 1419) ንሳቶምውን፡ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማትውን ረብሓይ እዩእናበሉ ንስግኣትን ብሓጐስ ተቐበልዎ (ፊሊ 120,21) ህይወት ኢየሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋኦም ምእንቲ ኽትገሃድ ህይወቶም ንመከራ ሞትን ኣሕሊፎም ሃቡ (2ቈረ 410,11) ህይወትና ክርስቶስ ምዃኑ፡ “. . . እዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ፡ እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት ኣላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዘይብሉ ህይወት የብሉንብዚብል ቃል ተገሊጹልና እዩ እሞ፡ ናብ ኣቦ ምእንቲ ኽንበጽሕ በቲ መገድን ሓቅን ህይወትን ዝዀነ ክርስቶስ ንመላለስ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት ሰነ 3, 2018        (ግንበት 26, 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 68:18

ዐረገ ውስተ አርያም ፄዊወከ ፄዋ። ወወሀብከ ጸጋከ ለዕጓለ-እመሕያው። እስመ ይክህዱ ከመ ይኅድሩ።

ናብ ላዕሊ ደየብካ፡ ምርኮ ማረኽካ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኪነብሩስ፡ ካብ ሰብ፡ ካብቶም ተጻረርቲ እኳ ውህበት ተቐበልካ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ኤፌ 41-17

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 141-22

1ዮሃ 21-18

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)

ግብ 21-14

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div