S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ህያው ተስፋ!!

ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዕለተ ትንሳኤ ጀሚርና ኽሳዕ እዚ ዕለት እዚ ንኣስታት ሾብዓተ ሰናብቲ ኽንዝኽሮን፡ ንእኡ ዚምልከቱ ንባባት ኸነንብብን፡ ከምቲ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ድማ፡ክርስቶስ ተንስኣ እምሙታንእናተባሃሃልና ክሳዕ እዛ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ብእኡ ሰላምታና ኽንለዋወጥ ኢና ጸኒሕና። ምኽንያቱ እቲተስፋ ኣቦዝተሰምየ መንፈስ ቅዱስ ኽንቅበል ዘብቅዓና ትንሳኤ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ንጐይታና ማእሰር ሞት ኣጽኒዑ ሒዙ ኣብ መቓብር እንተ ዜትርፎ ነይሩ፡ ካብ ሓጢኣትና ድሒንና መንፈስ ቅዱስ ክንቅበልን ማሕደሩ ኽንከውንን ኣይምበቓዕናን ኔርና። ክርስቶስ ብሞቱ ዋጋ ሓጢኣትና ድሕሪ ምኽፋሉ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ንሕናውን ካብ መንፈሳዊ ሞትን ካብ ምውት ግብርን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚትንስእ፡ እቲ ሃዋርያዊ ቓል፡መንፈስ ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ምውታት ዘተንስኦ (እግዚኣብሄር ኣቦ) ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ምውታት ዘተንስኦ (ኣቦ) ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ ህያው ኪገብሮ እዩ።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 811) ነዚ ብትንሳኤ ክርስቶስ ዝተጐናጸፍናዮ ተስፋ፡ህያው ተስፋዜብሎ ድማ ንሱ እዩ። እቲ ህያው ተስፋና እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ እዩ። ምኽንያቱ ድማ ህያዋን ኪገብረና ዚኽእል ንሱ ስለ ዝዀነ እዩ። ስለዚ ኸኣ ኣባና ንዘለኣለም ኪሓድርን ኪነብርን ዚወሃበና። ንሱ ኣባና ሓዲሩ ቕዱሳንን ህያዋንን ቤት መቕደስ ይገብረና። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤት መቕደስ ናይቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ። ተባሂሉ ብንጹር ተነግረና (1ቈረ 619,20) ስለዚ በዚ ህያው ተስፋ እዚ መሰረት፡ ብመጀመርታ ብኽቡር ዋጋ ዝተዓደግና ናይ ገዛእ ርእስና ዘይምዃንና፡ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ስጋና ቤት መቕደስ ናይ ምዃን ክብሪ ከም ዝረኸበ፡ ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ብሓይሊ ናይቲ ኣባና ዝሓደረ መንፈስ ቅዱስ በዚ ድኹም ብጀካ ሓጢኣት ንምግባር፡ ሰናይ ንምግባርን ንኣምላኽ ናይ ምኽባርን ዓቕሚ ዘይነበሮ ስጋና ንኣምላኽ ከነኽብር ከም እንኽእል ርጉጽነት ረኺብና ኣሎና። እቲ ነዚ ህያው ተስፋ እዚ ዝተቐበለ ሰብ እምበኣር፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብኡ ኸም ዝሓደረ ርግጸኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ማሕደር ስላሴ ንምዃን ብቝዓት ዚገብረና፡ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ፡እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልው። ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ። ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ። ነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ይሓድር ኣባኻትኩምውን ኪነብር እዩ እሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም።ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ማሕደር ስላሴ ኸም ዚገብረናእቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ . . . ኣነውን አፍቅሮ፡ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። . . . ኣቦይውን የፍቅሮ እየ፡ ናብኡውን ንመጽእ፡ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።ኢሉ ኣረጋገጸልና (ዮሃ 1516,17,21,23) ካብዚ ቓል እዚ ኸም እንርድኦ፡ ማሕደር ምልኣት ስላሴ ንምዃን ብቝዓት ገይሩ ዜዳልወና፡ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ነቲ ኣባና ዝሓደረ መንፈስ ቅዱስ እንተ ተኣዚዝናዮ ሓጢኣት ካብ ምግባር ይዓግተና፡ ብምኽንያት ባህርያዊ ድኻምና ሓጢኣት ምስ ዚጠብቀና ድማ ብዛዕባ ሓጢኣትና ረቲዑ ንንስሓ ዚበቅዕ ግብሪ እናገበርና ዘይንጠዓሰሉ ንስሓ ኸም እንኣትው ብምግባር፡ ንስጋና ብቝዕን ቅዱስን ቤት መቕደስ ይገብሮ ኣብ ከምዚ ዝበለ ቕዱስ መቕደስ ድማ፡ ኣቦን ወልድንውን ኪሓድርዎ ዜብህጎም እዩ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ጐይታ ዝበሎ፡ ክልቲኦም ናብኡ ይመጹ እሞ ማሕደሮም ይገብርዎ። እግዚኣብሄር ካብ በቲ ብኢድ ሰብ ዝተሃንጸ ቤት መቕደስ ንላዕሊ በቲ ህያውን ቅዱስን ዝዀነ መቕደስ ስጋና እዩ ዚሕጐስ። ስለዚ ድማ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ፡ኣነ እቲ ንዘለኣለም ዚነብርልዑልን ዕዙዝን ቅዱስን ዝስሙን እግዚኣብሄር እየ። ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር፡ ግናኸ ንትሑታት ህያዋን ክገብሮም፡ ነቶም ዝተጣዕሰ ልቢ ዘለዎም ህያዋን ክገብሮም ምስቶም ዝተጣዕሰ (ድቝስ) ልቢ ዘለዎምን ትሑታትን ሰባት እነብር ኣለኹ። . . . ሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኻ ከመይ ዝበለ እዩ፧ ነዚ ዅሉ ዓለም ዝፈጠርክዎ ኣነ እየ። እዚ ዅሉ ኸኣ ዀይኑ ኣሎ። ኣነ ግና በቲ ትሑትን (ሽጉርን) ዝተጣዕሰ (ድቝስ) መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ዚፍጽሞን ሰብ እየ ዝሕጐስ።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ኢሳ 5715 661,2) ልብና ተበሃግን ህያውን ዚኸውን ድማ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

ስጋና ኣዝዩ ድኹምን ዓቕሚ ኣልቦን ስለ ዝዀነ፡ ንእግዚኣብሄር ዜኽብር ዓቕሚ ከቶ ኣይርከቦን እዩ። ብዓቕሚ ስጋ ብዝተገብረ ሰናይ ተግባር ንኣምላኽ ከነኽብር ዚከኣል እንተ ዚኸውን፡ ክርስቶስ ናባና ወሪዱ ስጋና ለቢሱ ዚዋረደሉን ዚሞተሉን፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ካብ ሰማያት ወሪዱ ኣብ ስጋና ዚሓድረሉ ምኽንያት ፈጺሙ ኣይምሃለወን ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ውዱቕ ዓቕሚ ስጋና ኺገልጽ ከሎ፡ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣሎኒ እምበር፡ ምግባር ሰናይሲ የብለይን። ስለዚ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ሰብኣዊ (ስጋዊ) ባህርየይ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ።ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ።” (ሮሜ 720) ነቲ ኽገብሮ ዝደልዮ ሰናይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኽገብሮ ዘይደልዮ (ኽፉእ) ነገር ዝገብር ዘለኹ። ሰናይ ክገብር ኣብ ዝደሌኹስ ኽፉእ እገብር። ነዚ ሕጊ እዚ ድማ ባህርያዊ ዀይኑ ረኸብክዎ። ብውሽጠይሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ሰብነተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርእይ ኣለኹ። ይዋእ ኣነ ምግዳር ሰብ፡ ካብዚ ናብ ሞት ዚወስደኒ ዘሎ ሰብነትሲ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧ ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ (ሮሜ 1820-24) ናይቲ ኣብ ናይ ስጋኡ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዚምርኰስ ሰብ፡ መወዳእታ ነዚ ዚመስል። ኣብ ስጋኡ ዚውከል ብሓጢኣት ዚግዛእ፡ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዚውከል ግና ብመንፈስ ቅዱስ እዩ ዚግዛእን ዚምራሕን። እቲ ኣምላኻዊ ቓል፡ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ (ብልኻ ኰይና) ትቃጸወካ ኣላ። ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ። ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግብኣካ።ኢሉ ዚምዕደናን ዚእዝዘናን (ዘፍ 47) እንተ ዀነ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ኣብ ልዕሊ ስጋናን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ናይ ምግዛእ ስልጣንና ስለ ዘጥፋእናዮ፡ ኣብ ልዕሊ ፍቓድናን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ስልጣን የብልናን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ሰይጣንን ሓጢኣትን ኣብ ልዕሌና ዘለዎም ስልጣን ገፊፉ፡ ነቲ ዝጠፍአ ስልጣንና ምእንቲ ኺመልሰልና እዩ ካብ ሰማያት ወሪዱ ምእንታና ዝሞተ። ብሞቱ ንሓይሊ ሞት ስዒሩ ስለ ዝተንስአ ድማ፡ ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ። ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ።ኢሉ ዓወቱ ገለጸ (1ቈረ 1555,56) ነቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ ዝዀኑ፡ ሓይሊ ናይታ እትመጽእ ሰማያዊት ዓለም ዝጠዓሙ ኣብ ህይወት ናይ ምግዛእ ስልጣን ተመሊሱሎም እዩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ሞት፡ ብሰሪ ሓጢኣት ሓደ ሰብ፡ ማለት ብሰሪ ሓደ ሰብ (ኣዳም) ኻብ ነገሰ (ኻብ ገዝአ) እቶም ብዙሕ ጸጋ ኣምላኽን ውህበት ጽድቅን ዝረኸቡ ደኣ፡ በቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ክንደይ ኣብሊጾም ዘይነግሱ (ዘይገዝኡ)ኢሉና ኣሎ (ሮሜ 517) እዞም ኣብ ህይወት ዚገዝኡ ሰባት፡ ውህበት ጸጋን ጽድቅን ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉ እዮም። ነቶም ብኽቱር ፍርሃት ኣብ ጊዜ ጸበባኡ ንጐይታ ሓዲጎምዎ ዝሓደሙ ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ንዋዕላ ኣይሁድ ብዘደነቐ ትብዓት ዝመልኦም፡ ንሰማእትነት ንጥምየትን ድኻምን ብሓጐስ ኪቕበልዎ ዘኽኣሎም፡ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቖን ንጽፋዕን ኣሎና። ማሕደር የብልናን። ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣሎና። እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ እናተሓሜና ንምዕድ ኣሎና።ኢሉ ዝተኣመነሉ መስተንክር ህይወት፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝተበጽሐ እዩ (1ቈረ 411-13) ምኽንያቱ እግዚኣብሄርብመንፈሰይ እምበር ብኽእለትን ብሓይልን (ናይ ሰብ) ኣይኰነንኢሉ ኣረጋጊጹልና እዩ (ዘካ 46,7) ስለዚ ድማንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፡ ብትእዛዛይ ከመላልሰኩም፡ ፍርደይ (ሕገይ) ከሓልወኩምን ከግብረኩምን እየዝተባህለልና (ህዝ 3627) እምበኣር እቲ ህያዋን ዚገብረና ህያው ተስፋና፡ ንሱ እቲ ኣብ በዓል ሓምሳ ናብ ደቂ ሰብ ዝወሓዘ ቅዱስ መንፈስ እዩ። ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፡ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ። . . . መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና ሓይሊ ኽትቅበሉ . . . ክሳዕ ወሰን ምድሪ ድማ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም።ዝበለሉ ምኽንያት ኸኣ ንሱ እዩ (ሉቃ 2449 ግብ 18) ኣብ ህይወትን ኣብ ኣገልግሎትን ክትዕወትን ክትገዝእን ዜኽእል ንሱ ስለ ዝዀነ ህያው ተስፋና ንሱ እዩ። እቲ በዚ ሓይሊ ዚነብርን ዚዓይይን ሰብ ንሓጢኣት ይገዝኦ እምበር ኣይግዝኦን እዩ። በዓል ህያው ተስፋ ምዃኑ ዜረጋግጽ ድማ ብእኡ እዩ። ነዚ ህያው ተስፋ እዚ ዘውሓሰልና ድማ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቶም በቲ ንጉስ ትንሳኤ ዝዀነ ኢየሱስ ዚኣምኑን፡ ንእኡ ዚስዕቡን ዜገልግሉን ደቂ ትንሳኤ ስለ ዝዀኑ፡ ብትንሳኤ ሙታን ንክርስቶስ ኣብ ሰማያት ኪሓብርዎ እዮም። ናይ ክርስትያን ህያው ተስፋ ንሱ እዩ። እምበኣር

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት ግንበት 27, 2018            (ግንበት 19, 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 118:24-25

ዛቲ ዕለተ እንተ ገብረ እግዚኣብሄር። ንትፌሣሕ ወንትሐሰይ ባቲ። እግዚኦ ኣድኅንሶ።

እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፡ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን። እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ቈረ 1520-41

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 201-10

1ጴጥ 11-13

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)

ግብ 222-37

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div