S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ ሕያዋይን እሙንን ባርያ

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ሰንበትን ሳምንትን እዚገብር ሄርወይ ከኣሕያዋይ ባርያኢላ እትጽውዖ። ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋልን ምእመንን ብዛዕባ ከከም ዓቕሙ ኻብ ኢድ ኣምላኽ ዝተቐበሎ ዓይነትን መጠንን ናይ መክሊት ኬስተንትንን ርእሱ ኺምርምርን ዝተሰርዐ ኣገዳሴ ጊዜ ድማ እዩ። ኣብዚ ናይ ጾም ጊዜ ኣዚና ኽንሓስበሉ ዚግብኣና ኣርእስቲ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ጾም እናጾምናዮ ኽነስና፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ብሕድሪ ዝሃበና መክሊት ርእስና ምምርማርን፡ ዘጉደልናዮ ምፍጻምን እንተ ረሲዕናዮ፡ ነቲ ጾምና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነትን ክብርን ከም ዜስእኖ ኸነስተውዕል ዝተመደበልና ጊዜ እዩ።

ዝበዝሕ ጊዜ መክሊት ኪበሃል ከሎ ምስ ስብከተ ወንጌል ጥራይ ዚተሓሓዝ ጥራይ ዚመስለና። ብርግጽ ንሱ ርእሲ ዂሉ መክሊት እኳ እንተ ዀነ፡ መኽሊት ክብሃል ኸሎ ግና ንዂሉ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ ገንዘብን ሓይልን ጊዜን ንብረትን ኣእምሮን ትምህርቲን ሞያን ወዘተን ዜጠቓልል ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን። ስለዚ ዝዀነ ብህይወት ዘሎ እሞ፡ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበሎ መክሊት ዘይብሉ ሰብ ኪህልው ኣይክእልን እዩ። ናይ ገንዘብ መክሊት ካብ ኣምላኽ ዝተቐበለ ሰብ፡ ነቲ ገንዘቡ ሚእቲ ሚእታዊት (100%) ኬባዝሖ እግዚኣብሄር ይጽበዮ ማለት ግና ኣይኰነን። በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ገንዘብ ገይሩ ብሰናይ ግብሪ ብዕጽፍታት ኪህብትም ግና እግዚኣብሄር ዚጽበዮን ዚጸባጸቦን ሓላፍነቱ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዝተዋህቦ ናይ ጊዜ መክሊት ድማ፡ ነቲ ኣብቲ ጊዜ እቲ ኺገብሮ ዚግባእ መንፈሳዊ ዕዮ ብዕጽፍታት ከዕብዮ ይግባእ። ስለዚ ብዛዕባ ኻብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ ነፍሲ ወከፍ ዓይነትን መጠንን ናይ መክሊት ከምኡ ኽንሓስብ ይግብኣና ማለት እዩ።

ኣብቲ ጐይታ ዝነበረሉ ዘመን ሓደ መክሊት ሽዱሽተ ሽሕ ዲናር ይሽረፍ ነበረ። ኣብቲ ዘመን እቲ ሓደ ዲናር ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ እዩ ዝነበረ። ስለዚ እቲ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ኣስታት ሰላሳ ሽሕ ዲናር ተቐቢሉ ነይሩ ማለት እዩ። ነዚ ዲናር ናብ ጊዜ እንተ ለዊጥናዮ ንኣስታት ሰማንያን ክልተን ዓመታት ዚኣክል ደሞዝ ተዋሂብዎ ኣሎ። ስለዚ ድማ ንዕድሚኡ ምሉእ ዚኸውን ጸጋን ሕድረን ተዋሂብዎ ኣሎ ማለት እዩ። ብኸምዚ ዘርዚርና እንተ ረኣናዮ እዩ እቲ ሓቀኛ ኽብደት ናይቲ ዝተዋህበ መክሊት ዚረኣየና። እምበኣር እዚ በዓል ሓሙሽተ መክሊት እዚ ኣብ ዕድሚኡ ምሉእ ኪዓይየሉን ኪፈርየሉን ዚግብኦ ተልእኾ ተዋሂብዎ ኣሎ። በቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ዕጽፊ ጽዒሩ ዕጽፊ ኼፍረይ ድማ ትጽቢት ይግበረሉ። እቲ በዓል ሓሙሽተን፡ እቲ በዓል ክልተን መክሊት ልክዕ ከምቲ ጐይታኦም ዝመደበሎም ፈረዩ፡ እቲ በዓል ሓንቲ መክሊት ግን ይትረፍ ዕጽፊ ኺፈርየሉ፡ ንእኣ ነቲ ሓንቲ መክሊት እኳ ኣይተጠቕመላን። ኪነብረላን ኪፈርየላን ፈቲኑ፡ ስለ ዘይሰለጦ ሓንቲ ጥራይ ሒዙ እንተ ዚጸንሕ እቲ ጐይታኡ ምተረድኣሉ ነይሩ። እዚ ሰብ እዚ ግና፡ ነዛ መክሊት ቀቢሩ፡ ካልኡ ኺሰርሕን ኪባኽንን ጊዜኡ ኣቃጸለ። ስለዚ ድማ እቲ ጐይታኡኣታ ሃካይን ክፍእን ባርያኢሉ ሰመዮ። ዓቕሚ ስለ ዝሰኣነ፡ ወይ ስለ ዝፈርሀ ዘይኰነስ፡ ክልተ ዓንቀፍቲ ባህርያት ስለ ዝነበሮ እዩ። እቲ ሓደ ባህርይ ትህኪት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ክፍኣት እዩ። ከምቲ ትግሃት ኣምላኻዊ ባህርይ ዝዀነ፡ ትህኪት ድማ ሰይጣናዊ ባህርይ እዩ። ትግሃት ኣዝዩ ሃናጽን ኣርባሕን ባህርይ እዩ። ነቲ ዝለኣኸካ ጐይታን ንኣኻን ዜርብሕ እዩ። እቶም ዕጽፊ ዜፍረዩ፡ ነቲ ዝለኣኾም ጐይታ ጥራይ ዘይኰነ ዜርብሑ፡ ንርእሶም ዝረኸብዎ ክብርን ረብሓን ድማ ዓብዪ ነበረ። እቲ በዓል ሓደ መክሊት ግና ብውሽጡ ኽፋእ ስለ ዝነበረ፡ ንጐይትኡ ምእንቲ ኸየርብሕ ኢሉ እዩ ብትህኪት ኣእዳውን ኣእጋኡን ዓጺፉ ጸጋኡን ዕድሚኡን ዘበኻነ። ስለዚ እቲ ኽንገብሮ ዝተዋህበና ተልእኾ ካብ ምግባር ክንበኵር ከሎና እቲ ዚስምዓናን እነቕርቦን ምኽንያት ካልእ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ልቢ ዚምርምር ኣምላኽ፡ ዚፈልጦ ሓቀኛ ምኽንያት ግና ካልእ እዩ። እግዚኣብሄር ነታ ሓንቲ መክሊት ክህቦ ኺውስን ከሎ፡ ዓቕሙ ምዃና ፈሊጡ እዩ ዝሃቦ፡ ምኽንያቱ፡ እቲ ጽሑፍ ንዂሎም ከከም ዓቕሞም ከም ዝሃቦም እዩ ገሊጹልና ዘሎ። ዓቕምና ድማ ባዕሉ ስለ ዝፈጠረናን ሰፊሩ ስለ ዝሃበናን፡ ካባና ንላዕሊ ንሱ እዩ ዚፈልጦ። ስለዚ ነቲ ኣምላኽ ዓቕምኻ መዚኑ ዝሃበካ ዕዮ ወይ ተልእኾ ናይ ህይወት፡ ልዕሊ ዓቕምኻ ከም ዝዀነ ሓሲብካ እንተ ዘይፈጸምካዮ፡ ዓመጸኛ ምዃንካ እዮ ዜርእይ እምበር ካልእ ምኽንያት ከም ዘይብልካ ርጉጽ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ዓቕሞም ዜባኽኑ ሰባት ከቢድ ፍርዲ ዚፈርደሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ። ኣቐዲምና ኣብቲ መእተዊ ኸም ዝበልናዮ፡ ካብ ኣምላኽ እንቕበሎ ዓይነታት መክሊት ብዙሕ እዩ። ንዅላትና ብማዕረ ዚወሃቡና ዓይነታት መክሊት ኣለዉ። ንኣብነት ጊዜ ንዅላትና ብማዕረ ዝተዋህበ ናይ ሓባር መክሊት እዩ። ብህይወት ይነብር ንዘሎ ዅሉ ሰብ ናይ ጊዜ መክሊት ኣለዎ። ዝበዝሕ ሰብ ንጊዚኡ ብኸንቱ እዩ ዜባኽኖ። ገሊኡ ሰብ ድማ ንጊዚኡ ብዕጽፍታት ተጠቒሙ፡ ካዕበት ይፈርየሉ። ንኻልኦት ወንጌል ናይ ምስባኽ ሓላፍነት፡ ብዝያዳ ነቶም መንፈሳዊ ናይ ኣገልግሎት ማዕርግ ዘለዎም ዲያቆናትን፡ ካህናትን ጳጳሳትን ከም ዚምልከት ርዱእ እዩ። ንሳቶም ሰብ ሓሙሽተን ክልተን መክሊትዮም ማለት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ምእመንውን ኣብ ቤቱን ኣብቲ ዚነብረሉን ዚስርሓሉን ከባቢታትን፡ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ንጥፈታቱን ዝምድናታቱን ወንጌል ናይ ምስባኽ ሓላፍነት ኣለዎ። ስለዚ እንተ ወሓደ ሓንቲ መክሊት ከም ዘላቶ ዘየማትእ እዩ። ገለገለ ዝተባረኸ ኣእምሮን ፍቓድን ዘለዎም ምእመናን፡ ካብቶም ወንጌል ምስባኽ ዝተልእኾኦም ኣገልገልቲ ንላዕሊ ወንጌል ኪሰብኩ ይረኣዩ እዮም። እዚኣቶም እቶም ንሓንቲ መክሊት በርባዕተ ሓሙሽተ ዕጽፊ ዜበዝሑ እዮም። ገለገለ ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ ኣገልገልቲ ድማ ካብ ምፍጻም ምስጢራትን ምሕደራ ቤተ ክርስትያንን ሓሊፎም ንህዝቦም ፈጺሞም ወንጌል ዘይምህሩ ኣለዉ። እዚ ማለት ግና ምፍጻም ምስጢታትን ምሕደራን ኣየድልን እዩ ማለት ኣይኰነን። እዚኣቶም፡ ወንጌል ብዘይ ምምሃሮም ከምቲ ንዝተዋህቦ መክሊት ኵዒቱ ዝቐበረ እዮም። ኣብ ሰማያት ዚጽበዮም ፍርዲ ድማ ካብ ናይቲ ሓንቲ መክሊቱ ዝቐበረ ሰብ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ እዩ።

ዳርጋ ንዂላትና ድማ ናይ ገንዘብ መክሊት ተዋሂቡና እዩ። ናይ ገሊኡ ሰብ ብማኢት ኣሽሓትን ሚልዮናትን ዚቚጸር ኪኸውን ከሎ፡ ናይ ገሊኡ ድማ ብሒደት ኣማኢትን ኣሽሓትን ዚቚጸር እዩ። ከከም ዝተዋህበና መጠን መክሊት፡ ብሰናይ ግብሪ ብዕጽፍታት ናይ ምህብታም ሓላፍነት ዜስክመና እዩ። እቲ ዝበዝሐ መክሊት ዘለዎ ከምቲ በዓል ሓሙሽተ መክሊት በእኡ መጠን ኪረብሕ ኣለዎ። ነቶም መክሊቶም ከም ዚግባእ ኣሽሪፎም ንጽጉማት ብዚብላዕን ዚስተይን ዚኽደንን ብኻልእ መሰረታዊ ድልየታትን ዝደገፉ ሰባት ጐይታናን መድሓናን ኢየሱስ ክርስቶስእቲ ኻብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ፡ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።ኢሉ ብዕጽፍታት ኪፈድዮምን ኣብ የማኑ ኬቚሞምን እዩ። ነቶም መክሊቶም ዝቐበሩ ግና፡ በኣንጻሩ ኺዛረቦምን ኪፈድዮምንን እዩ።

ነቶም እሙናት ኰይኖም፡ መክሊታቶም ብዕጽፊ ዜብዝሑእታ ሕያዋይን እሙን ባርያ” ( ገብርኄር ወምእመን) ዚብል ሰማያዊ መዓርግ ካብ ልሳን ናይቲ ቕዱስ ገንሸል ኪቕበሉ እዮም። ብኣንጻሩ እቶም መክሊቶም ካብ ምብዛሕ ዝበዀሩ ድማኣታ ሃካይን ክፍእን ባርያ” (እክይይ ገብር ውሀካይ) ኪበሃሉ እዮም። ነቶም ሕያዎትን እሙናትን፡ ከም ናይ ጐይታኦም ክርስቶስ ዝበለ ሓጐስን ክብርን ኪወሃቦም ከሎ፡ ነቶም ክፉኣትን ሃካያትን ግና፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርብዮም እዩ። ኣብኡ ድማ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን ኪነበሩ እዮም። እቲ ኣስናኖም ዜሐርቅሞም ድማ እቲ ጣዕሳ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡በታ (ጐይታ) ብቕዱሳት ዚኸብረላን፡ በቶም ዚኣምኑ ዘበሉ ዂሎምግሩም ኢኻዚበሃለላን መዓልቲ፡ ንሳቶም (እቶም ሃካያትን ክፋኣትን) ካብ ገጽ ጐይታ ዀነ ካብ ግርማ ሓይሉ ኺርሕቁ፡ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ከኣ ኪቕጽዑ እዮም።ብምባል ዘለኣለማዊ ዕጫኦም እንታይ ከም ዚመስል ገሊጹልና ኣሎ (2ተሰ 1 10 ) እቶም በቲ ዝተዋህቦም መክሊት ዚፈርዩ፡ ከምቲ ነብዩ ዳንኤልእቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፡ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለም ኪበርሁ እዮምዝበሎ፡ ኪረኽቡ እዮም (ዳኒ 123) ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ምምራሕ ኣዝዩ ዓብይ ግብሪ ሕያውነት እዩ። ካብ ዘለኣለማዊ ስቓይን ብኽያትን ንሰባት ካብ ምንጋፍ ዚዓብይ እንታይ ካልእ ሕያውነት ኣሎ፧ እቲ ሕያውነት ግን ንሰባት ጥራይ ዘይኰነ ንኣምላኽውን ዚምልከት እዩ። እግዚኣብሄር፡ ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ ድማ፡ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፡ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩዚብል ሕያዋይ ኣምላኽ እዩ (ህዝ 3311) እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ድማ፡ ምስዚ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ሕያውነት ባህርይ ዝተሓባበሩ፡ ዕዮኡ ዚዓይዩ፡ ንኣምላኽ ጻማ ሕያውነቱ ዚፈድዮ ሕያዎት እዮም። እምበኣር ኵላትና በበቲ ዝተዋህበና ዓይነታት መክሊትን፡ ከከምቲ ዝተዋህበና መጠን መክሊትን፡ ተማቐልቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ኰንና ንኣምላኽን ንሰባትን ሕያውነትና ነርእዮም፡ ብሕያውነትና ነገልግሎም፡ ንርእስናን ንኻልኦትን ካብቲ ናይ ስቓይ ቦታ ንበጀው። ነቲ ብሕድሪ ዝተቐበልናዮ ዅሉ መክሊታት ካብ ብኽነት ብምድሓን ልክዕ ከም ጐይታና እሙናት ንኹን። ከምኡ እንተ ገበርና፡ኣታ ሕያዋይን እሙንን ባርያዚብል መንፈሳዊ ማዕርግ ካብ ልሳን ናይቲ ምእንታና ዝተሓርደ ገንሸል ክንሰምዕ ኢና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት 18  መጋቢት 2018 (9 መጋቢት 2010 ግእዝ) 

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 40(39)፡ 8

ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላክየ ወሕገከኒ በማዕከለ ከርሥየ ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዐቢይ።

ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

2ጢሞ 2፡ 1-17

ዲያቆን

ወንጌል፡ ማቴ 25፡ 14-31

1ጴጥ 5፡ 1-12

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘባስልዮስ

ግብ 1፡ 6-9

ንፍቀ ካህን

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን (ሰሙናዊ ግጽዊ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div