S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰሙን’ዚ (ካብ መስከረም 16 ክሳዕ መስከረም 25 ግእዝ) መስቀል ተባሂሉ ይጽዋዕ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዝተነበበ ወንጌል፡ እቲ ንእኡ ኺስዕብ ዝመረጸ ሰብ ኬማልኦ ዚግብኦ ረቛሒታት እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። ነዚ ረቛሒታት እዚ ንሕና ኸነማልኦ ቅድሚ ምእዛዙ ግና፡ ኣርኣያና ሰለ ዝዀነ ንሱ ኺፍጽሞ ናይ ግድን ኰነ። ብእኡ ድማ ገዛእ ርእሱ ብምቕባጽ መስቀሉ ኣልዒሉ ናብ ቀራንዮ ደዪቡ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ። በዚ ናይ መስቀል ቅንያት፡ ስቕለቱን ሞቱን እናዘከርና በዓል ስቕለቱን በዓል መስቀልን ክነብዕል ይግብኣና።

ቤተ ክርስትያንና ምስ ኣገልገልታን ህዝባን ንመስቀል ክርስቶስ ከም ሰንደቕ ዕላማ ስለ ዘልዓለቶ ኣብ ኩሉ ህንጻታታን ንዋየ ቅድሳታን ተኺላቶ ኣላ። ካህናታ ኣብ ኢዶም ይጾርዎ፡ ምእመናና ድማ ኣብ ክሳዶም ብማዕተብ ይኣስርዎ፡ ምእመናታ ኣብ ክዳውንተን ኣብ ስልማተን ኣብ ቈርበተን ይገብርኦ ኔረንን ኣለዋን። እቲ ኣብ መስቀል ዝተኸፍለ መስዋእቲን ዝተዋህበ ምሕረትን ድማ ዳርጋ ዕለታዊ ስብከት ቤተ ክርስትያንን ኣገልገልታን እዩ። ብደረጃ ትእምርቲ ወይ ሰንደቕ ዕላማ እቲ ዚግብኦ ክብሪ ረኺቡ እዩ። እቲ ኺስዕብ ዘለዎ ኣገዳሲ ሕቶ ግናመስቀል ትእምርቲ ወይ ሰንደቕ ዕላማ ጥራይ ድዩ ወይስ ኪንበር ዚግብኦ ናብራ እዩ፧” ዚብል እዩ። ኣብ ዘመንና "መስቀል ትእምርቲ ካብ ምዃን ዚሓልፍ ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ'ዶ፧ ኢልና እንተ ሓተትና ብእወታ ኺምልስ ትብዓት ዚህልዎ ሰብ ካብ ቍጽሪ ኣጻብዕትና ኸ ዘይበዝሕ ኩሉ ሰብ ዚፈልጦ እዩ። መስቀል ክንነብሮ ዚግብኣና ናብራ ድማ እምበር ትእምርቲ ወይ ምልክት ጥራይ ኣይኰነን። ንትእምርተ መስቀል ኣዝዩ ዜፍቅሮ፡ ዚሳለሞ ዜኽብሮ ሰብ፡ ናብራ መስቀል ዘይነብር እንተዀይኑ ዋላ ሓንቲ ትርጉም የብሉን፡ ረብሓ ኸኣ ኣይረኽበሉን እዩ። ናብራ መስቀል ምንባር ማለት ከምቲ ክርስቶስ ዝነበሮ ዓይነት ናብራ ምንባር ማለት እምበር ካልእ ትርጉም የብሉን። ናይ ብሓቂ ፍቕሪ መስቀል ከም ዘሎና እነረጋግጸሉ መገዲ ንሱ ጥራይ እዩ።

ክርስቶስ ጐይታና ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብኣካል ኪመላለስ ከሎ ዘርኣየና ባህርያትን ዝመሃረና ትምህርትን ክንስዕቦን ክንእዘዞን እንተ ጀሚርና፡ ሽዑ ናይ በሓቂ መስቀሉ ኣልዒልና ንክርስቶስ ንስዕቦ ኣሎና ማለት እዩ። ንሱ ብመለኮቱ ምስ እግዚኣብሄር ኣብን ምስ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስን ማዕረ ኽነሱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኺእዘዝ ብምፍቃዱ ትሕትና ኣርኣየና። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፥ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ ነቲ ማኣዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ ሰብ'ውን መሰለ፡ ብናብራኡ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሓተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ፡" ብምባል ንትሕትናኡን ተኣዝዞኡን ገለጾ (ፊሊ 268) እዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ሓቅታት፡ ገዛእ ርእሱ ናይ ዝቐበጸ ሰብ ባህርያት እዩ። ርእሱ ዘይቀበጸ ሰብ ትሕትናን ተኣዝዞን ኬንጸባርቅ ኣይክእልን እዩ። ንሓድሕድና ኸይንገዛዛእ ዚዓግተና ኣብ ኣባይትና፡ ቦታ ስራሕና ዀነ ኣብያተ ክርስትያንና ሰላምና ዘሪፉ ሓዊ ዜእትወልና ዘሎ እቲ ኻብ ሰይጣን ዝወረስናዮ ትዕቢትና እዩ።

ክርስቶስ ኣብ ዘመን ኣገልግሎቱ ንዝወረዶ ተቓውሞን ጸርፍን ማህረምትን ቅትለትን ብቓላት ንኽትገልጾ እዃ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ነዚ ኹሉ ፈተና እዚ ዝሰዓረሉ ትዕግስቱ ግና ኣዝዩ መስተንክር እዩ። ንሱ ፍጹም ኣምላኽ ክነሱ፡ ኣዝዮም ሓጥኣን ብዝኾኑ ሰባትን ዝወረዶ ግፍዒ ካብ ተዓገሰ፡ እቶም ንዑኡ እነፍቕርን እንስዕብን ክርስትያን ነቲ ኻብ ከማና ሰብ ዝዀነ ሰብ ዚወርደና በደልን ዓመጽን ብሓጐስ ብምዕጋስ ኢና ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃንናን ንመስቀል ደማ ሰንደቕ ዕላማናን ከም ዝገበርናዮን እነረጋግጽ። መስቀል ኣብ ኢድና ጨቢጥና ኣብ ክሳድና ኣንጠልጢልና ኣብ ቆርበትና ወቂጥና ኣብ ክዳንና ጠሊፍና ኸነብቕዕ፡ እቲ ክርስቶስ ዝነበሮ ናብራ መስቀል ዘይንነብር እንተዄንና ግን ነቲደድሕረይ ኪስዕብ ዝደልይ እንተሎ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መሰቀሉ ኣልዒሉ ኸኣ ይስዓበኒዚብል ቃል ኣየኽበርናዮን ማለት እዩ። ጐይታና ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ካብ ዘርኣየና ቕዱስ ባህርያት ሓደ ግና፡ ንበደልትኻ ምሕረት ምግባር እዩ። ገና ኣብ መስቀል ተንጠልጢሉ ኸሎ ኣብ እግሩ ዀይኖም እናኣላገጽሉ ንጽምኣቱ ሓሞትን ከርበን ዝተሓወሰ መጺጽ መስተ እናኣስተይዎ ኸለዉዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎምብምባል መስቀሉ ናይ ዘልዓለ ሰብ ህይወት እንታይ ከም ዚመስል ብኣርኣይነት ኣርኣየና። ስለዚ እቲ ንበደልቱ ምሕረት ኪገብር ዘይፈተወ ሰብ ናይ መሰቀል ሰብ ከም ዘይኰነ ንትእምርቲ መሰቀል እምበር ንናብራ መስቀል ዘይፈቱ ሰብ ምዃኑ ብግብሪ ኣረጋጊጹ ኣሎ ማለት እዩ። ጐይታና ኣስዒቡንሕይወቱ ኼድሕና ዝደልይ ኸጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ምእንቲ ወንጌል ዘጥፍኣ ግና ኬድሕና እዩብምባል ህይወትና እነድሕነላ ጥበብ ገለጸልና። እቲ ቐዳማይን ቐጥታውን መልእኽቱ፡ ክርስትያን ብምዃንና ካብ ዝገጥመና ፈተና ኽንሃድም፡ ካብቲ መኸራ ኽንድሕን እንደልይ ሰባት፡ ካብዚ ሓጻርን ምድራውን መከራ እንተ ኣምለጥና እዃ፡ ብምጽኣቱ ግና ኣብቲ ናይ ዘልዓለም ስቃይ ከም እንኣትው ዜመልክተልና እዩ። ብኣንጻሩ እቶም ንነፍስና ካብ ዘልዓለማዊ ሞትን ስቃይን ከነድሕና እንደልይ ግን፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ብምኽንያት እምነትና ንዚወርደና መከራ ብትብዓትን ብሓጐስን ብምቕባል ነቲ ሰማያዊ ክብሪ ርእስና ብቑዓት ከም እንገብርውን የመልክተና ኣሎ። ከምቲ ሎሚ ኣብ ሃገርና ንርእዮ ዘሎና ብምኽንያት ንቤተ ክርስትያን ወሪድዋ ዘሎ ፈተና፡ ቅዱስ ኣቦና ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንህይወቶም ካብቲ ኣብ ቅድሚኦም ተገቲሩ ዝጽበዮም ዝነበረ መከራ ኬድሕንዋ ኣይመረጹን። ብኣንጻሩ ምእንቲ ጐይታን ምእንቲ ወንጌልን ርእሶም ኣሕሊፎም ብምሃብ ንልዕሊ 11 ዓመታት ኣብ ናይ ሽምግልና ዕድሚኦም ብማእሰርቲ ይሓልፍ ኣለዉ። ብዙሓት መስቀል ኣብ ክሳዶም ዘንጠልጥሉ ውቁብ መስቀል ኣብ ኢዶም ዝጨበጡ ጳጳሳትን ካህናትን ግን ካብ መከራ ርእሶም ክሕልዉ ክብሉን ስጋዊ ረብሓን ክብረትን ስልጣንን ምእንቲ ኺረኽቡን ኣንጻር መስቀል ክርስቶስ ደው ኢሎም ንክርስቶስ ይዋግእዎ፡ ንቤተ ክርስትያን ድማ የፍርስዋ ኣለዉ። እዞም ከምዚ ዚገብሩ ግና፡ ንህይወቶም ዜድሕንዋን ዜርብሕዋን ዘለዉ እናመሰሎም ድሮ ንዘልኣለማዊ ጥፍኣት ወፍዮምዋ እዮም። እቶም ምእንቲ ክርስቶስን ወንጌሉን ኢሎም ርእሶም ኼጥፍኡ ዝፈቐዱ ግና ብማእስአርትን ምስጓጉን ውግዘትን ይሓልፉ ኣለዉ።

እቶም ኣብ ናይ እምነት ነጻነት ኣብ ዘለዎ ሃገር እንነብር ዘሎናኸ፧ እዚ ጥቕሲ እዚ ብኸመይ እዩ ዚምልከተና፧ ዋላ እምነትና ኽንሕድግ ዜገድደና ሰብን መንግስትን እንተዘይብልና እዃ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሔር ዚእዝዘና ንኸይንነብር ዚኽልክለና ኵነታት ግና ኣብ ዝኸድናዮ ቦታን ኣብ ዘለናዮ ኹሉን ኣይፍለየናንዩ። ብምኽንያት እቲ ኹነታት መነባብሮ ነቲ ንክርስቶስ ከም ቃሉ ናይ ምስዓብ ሓላፍነት ኸይንፍጽም ይዕንቅፈና እንተ'ልዩ፡ ኣብ ክንዲ ንክርስቶስ ንዓለምን ንፍትወታን ክንስዕብ መሪጽና ኣሎና ማለት እዩ። ንህይወትና በቲ ቓል መስቀል ዘይንመርሓ እንተሊና ወገን ናይ መስቀል ዘይኰንናስ ጸላእቲ መስቀል ኬንና ኸም ዘሎና ኺርደኣና ይግባእ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ብናብራኦም ንመስቀል ዚጻረርዋ ሰባት ኣመልኪቱከምቲ ብዛዕባኦም ብዙሕ ሳዕ ዝበልኹኹም ሕጂ'ውን እናበኼኩ እብል ኣሎኹ፡ ብዙሓትሲ ጽላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይመላለሱ እዮም፡ መወዳእቶም ጥፍኣት እዩ። ኣምላኾም ከብዶም እዩ። ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ። ሓሳሞብ ከኣ ናይ ምድሪ እዩ።ብምባል ገሊጹ ኣሎ (ፊሊ 1819) እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ፊሊጲ ዘነበሩ ምእመናን ኣገልገልትን እዮም። እንተዀነ ካብ ንኣምላኽ ንላዕሊ ንኸብዶም (ንስጋዊ መነባብሮኦም) ዜምልኹ ናይ ምድሪ እምበር ናይ ሰማይ ምሕሳብ ዘይኰነሎም፡ ኣብ ክርስትና ነውሪ ዝዀነ ነገር ምግባር ክብረት ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ነበሩ። ናይዞም ከምዚ ዝበሉ ሰባት መወዳእታ ጥፍኣት ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ እቲ ሕያዋይ ሃዋርያ ነዚ መልእኽቲ እዚ እናበኸየ እዩ ዝጸሓፎ። እዞም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ንዓለምን ዓለማውን ነገር ምፍቃር ንኣምላኽ ምጽላእ ማለት ምዃኑ ዘይተረደኦም ሰባት እዮም (ያእ 44 1ዮሃ 21517))

እምበኣር ንመስቀልካ ምልዓል ማለት ንሓጢኣትን ነታ ምንጩ ዝዀነት ዓለምን ጸሊእካ፡ ንኣምላኽን ንፍቃዱን ምፍቃር ማለት እዩ። ክርስቶስ መስቀል ዝተሰከመ ነቲ ግብሪ ድያብሎስ ዝዀነ ሓጢኣት ምእንቲ ኸፍርስን ኸርሕቅን እዩ (1ዮሃ 3 4 5 8) ስለዚ እቲ ነቲ ክርስቶስ ብመስቀሉ ዘፍርሶን ዘርሕቆን ንሓጢኣት ኣብ ዕለታዊ ህይወቱ ዚነድቕን ዜቅርብን ሰብ ንሱ ጸላኢ መስቀል ክርስቶስ እዩ። በኣንጻሩ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ብምስዓብ ንሓጢኣት ካብ ህይወቱ ኣርሒቁ ንጽህናኡን ቅድስናኡን ዝሕልው ሰብ ድማ ኩሉ ግዜ መስቀል ክርስትስ ጸይሩ ዝመላለስ ሰብ እዩ። ንበዳሊኻ ምዕጋስ፡ ደጋጊሙ ንዝበደለካ ሰብ ማዕረ ብዝሒ በደሉ ይቕረ ምባል፡ ንዝጸልኡኻ ምፍቃር፡ ንዝረግሙካ ምምራቕ፡ ቀሊል መስቀል ኣይኰነን። ስለዚ ድማ ኢና ንዘይምስካሙ ክንሃድም ንርአይ ዘሎና። ብኻልእ ኣዘራርባ ንህይወትና ኻብ ከምዚ ዝበለ መስቀል ከነድሕና ንጋደል ኣሎና ማለት እዩ። እቲ ነዚ መስቀል እዚ ዘይጾረ ናብራ መስቀል ዘይነበረ ሰብ ግና ህይወቱ ኣብ ሰማያት ክስእና እዩ። እቲ ናብራ መስቀል ምንባር ዘጽልኦን ዘሕፍሮን ሰብ፡ ኣብ ግዜ ምጽኣቱ ጐይታና በዚ ሰብ' ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቡኡን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ክሓፍር እዩ። ካብ ናብራ መስቀል ሃዲምካ ዋላ ንምልእቲ ዓለም ናትካ እንተገበርካያ እሞ ንነፍስኻ ግን እንተ ኣጥፋእካያ ዋላ ሓንቲ ዋጋ ስለዘብሉ ካብ ከምዚ ዝበለ ህይወት ንርእስና ንሓልው። ኣብ ሰማያት ንኣምላኽ ወረስቱ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኽንኸውን እንኽእል ኣብዛ ሓጻር ምድራዊት መዋእልና መስቀልና ኣልዒልና ብምጉዓዝ ናብራ መስቀል ክንነብር እንተኸኣልና ጥራይ እዩ። ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተሰረትና ክርስትያን እንተዄንና ነቲ ጐይታና ምስናይ ነብያቱን ሃዋርያቱን ዀይኑ ዝሓደገልና ኣርኣያ ክንስዕቦ ናይ ግድን እዩ።

እግዚኣብሔር ብጸግኡ ይደግፈና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት ጥቅምቲ 1, 2017   (መስከረም 21, 2009 ግእዝ)

 

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 60፡4-5

“ወወሃብኩሙ ትእምርት ለእለ ይፈርሁከ ከመ ይምስጡ እም ገጸ ቅስት ወይድሃኑ ፍቁራኒከ"

"ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ኺድሕኑ፡ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም። እቶም ንስኻ እተፍቕሮም ህዝቢ ምእንቲ ክድሕኑ ጸሎትና ሰሚዕካ ብሓይልካ ኣድሕነና።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ቈረ 1፡10-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡ ሉቃ 9፡18-28

1ጴጥ 2፡20-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዝእግዚእነ (ንኣኵተከ)

ግሃ 4፡19-31

ንፍቀ ካህ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div