S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሰንበት እዚ (2 ሓምለ 2017) ሓሙሻይ ሰንበት ናይ በዓለ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ መዝሙር ናይዚ ዕለት እዚ ድማወረደ እግዚእ ውስተ ሲኦል” (ጐይታ ናብ ሲኦል ወረደ) ዝብል እዩ። እቲ ብቕዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ዝተጻሕፈ መሪሕ ጥቕስናውን፡ ጐይታ ናብቶም ኣብ ሲኦል ብዲያብሎስ ተኣሲሮም ዝነበሩ ቅዱሳት ወሪዱ ወንጌል ከም ዝሰበኸሎም ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ስለዚ ድማ፡ እቲ ዲያቆናት ዜዝምዎ ምስባክ ዘቕዳሴ እቲ ኣቦና ዳዊት ብመንፈ ቕዱስ ተደሪኹ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሲኦል ዝነበሩ እሱራት ዝተነበዮ ክኸውን ቤተ ክርስትያን ሰርዓቶ።

መጽሓፍ ቅዱስን፡ መሰረተ እምነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን ከም ዘረጋግጾ፡ እቶም ኣብ ዘበነ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ኩሎም ቅዱሳን፡ ክርስቶስ መድሓኒና መጺኡ ምእንቲ ዅላና ተሰዊኡ ዕዳና ኽሳዕ ዝኸፍል፡ ድሕሪ ሞቶም ኣብ ሲኦል ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ሰይጣን ተታሒዞም ነበሩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቶም ኣብቲ ብስጋ ዝተገልጸሉ ዘበን ንዝነበሩ ህዝቢ ንኣስታት ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኹ፡ ናይ መስቐል ሞት ምስ ሞተ፡ ብኡ ንብኡ ናብ መዓሙቕ ሲኦል ወሪዱ፡ ነቶም ንምድሓኑ ብእምነትን ብተስፋን ዝጽበይዎ ዝነበሩ ዅሎም ነፍሳት ወንጌል ሰበከሎም። ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስውን ናብ መዓሙቕ ከም ዝወረደ፥ስለዚ ኸኣ፡ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ንሰብውን ውህበት ሃበ፡ ይብል። እዚ፤ ደየበ፡ ዚብል ግና፡ ናብቲ መዓሙቝ ክፍሊ ምድሪውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝደየበውን ንሱ እዩ።ብምባል ኣረጋጊጹልና እዩ። (ኤፌ 48-10) ናብኡ ዝወረደሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ ከናግፎም ዝግባእ፡ ኣብ ምድሪ ብህይወቶም ከለዉ ኣትሒዞም፡ ክሳብ ናብ ሲኦል ወሪዱ ምድሓኑ ዘበስሮም፡ ክጽበዩ ዝጸንሑ ቅዱሳን ስለ ዘለዉ እዩ። ክርስቶስ ጐይታና ክሳብ ዚግለጽ፡ ኵሎም እቶም ብእምነት ዝተመስከረሎም፡ ነቲ ተስፋታት ኣይረኸብዎን ነበሩ። ግናኽ ካብ ርሒቕ ብእምነት ኣምዕድዮም ብምርኣይ ተሳለምዎ እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ ብእምነት ሞቱ (እብ 21113-16, 39-40) ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፥ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።ብምባል ዝገለጾ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ኸለዉ ዝነበሮም ዕዳ ሓጢኣት ብደሙ ኸፈሉን ስርየት ሂቡን፡ ነቶም ሕልቕነታትን ስልጣናትን ናይ ሰይጣን፡ ነቶም ነፍሳት ከም ምሩኻትን እሱራትን ክሕዙሉ ዝኽእሉ ኣጽዋር (ክሲ፡ ዕዳ) ገፊፉ ኣስተሓፈሮም (ቆሎ 214-15) ብዘይካ ክርስቶስ ናብ ሲኦል ኣትዩ፡ ነፍሳት ቅዱሳኑ ማሪኹ ከውጽእ ዝክእል ሓደ እኳ ኣይነበረን። ስለዚ ብሞት ናብ ሲኦል ብምውራድ ነቶም ምውታት ነፍሳት ብስራት ወንጌል ሰበኽሎም። እቶም ኣብኡ ተእሲሮም ዝነበሩ ቅዱሳን ድማ ድሮ ነታ ተስፋ ተቐቢሎምዋስ፡ ካብ ርሑቕ ብእመነት ተሳሊሞምዋ ስለ ዝነበሩ፡ መድሓኒኦም ምስ መጸ ተቐበልዎ። ንሱ ድማ ካብ ኢድ እቲ ኣጽኒዑ ሒዝዎም ዝነበረ ጸላኢ መንዚዑ ኣውጽኦም፡ ምርኮኡ ጌይርዎም ድማ ናብ ሰማያት ናብ ላዕሊ ዓረገ። ጐይታና ኣብ መስቐል ነፍሱ ምስ ወጸት፡ እንታይ ከም ዝተከስተ፡ ሃዋርያ ማቴዎስ፥ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት። እንሆ፡ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ። መቓብራትውን ተኸፍቱ፡ ብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቅዱሳን ተንስኡ። ድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ኣተዉ፡ ንብዙሓት ከኣ ተራእዩ።ብምባል ገሊጺልና ኣሎ (ማቴ 27:50-53) እዚ ምስኽርነት እዚ ጭቡጥ መርኣያ፡ ናይቲ ጐይታና ናብ ሲኦል ወሪዱ ነፍሳት ቅዱሳኑ ምምራኹ እዩ። ነዞም ካብ ካብ ሲኦል ማሪኹ ናብ ገነት ዘእተዎም ቅዱሳኑ ድማ፡ ሓደ መዓልቲ ብኽብሪ ተገልጹ ምስ መጸ፡ ካብ ገነት ናብ መንግስተ ሰማያት ከእትዎም እዩ። ጐይታ ኣብ መስቐል ሞይቱ ዕዳ ዅሉ ዘርኢ ኣዳም ቅድሚ ምኽፋሉ፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ዅሉ ሰብ፥ ሓጥኡ ይዅን  ጻድቕ፡ ናብ ሲኦል ይኣትው ነበረ። ምኽንያቱ ገነት፡ ሓደ እኳ ከይኣትዋ ተኸልኪሉ፡ እተንበልብል ሃልሃልታ ሴፍ ብዝሓዘ ኪሩቤል ትሕሎ ነበረት። ክርስቶስ ብኽቡር ደሙ ዕዳ ሓጢኣትና ምስ ከፈለ ግና፡ ደጌታት ገነት ስለ ዝተከፍተ እቲ ብክርስቶስ ብምእማን ብቕድስና እናነበር ዝዓረፈ ዅሉ ትኽ ኢሉ ናብ ገነት ናብ ስፍራ ዕረፍቲ እዩ ዝኣቱው። እዚ ድማ በቲ ጐይታ ነቲ ኣብ የማኑ ዝተሰቕለ (ፈያታዊ ዘየማን)ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትከውን፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹዝበሎ ቓል ሓቂ ዝተረጋገጸ እዩ (ሉቃ 2343)

ናይ ቅዱሳን ናይ መወዳእታ ምዕራፎም ግን ገነት ኣይኰነን። ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ቅዱሳንሲ መንግስተ ሰማይ ደኣ እያ። ስለዚ ኣብቲ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ፡ ካብ ፍጥረት ክሳብ ምጽኣት ዝነበርና ኵላትና፡ ከካብ ዝነበርናዮ ተኣኪብና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደው ክንብል ኢና። ጐይታ ድማ ነቶም ኣባጊዑ ብየማኑ፡ ነቶም ኣባጊዑ ዘይኰኑ ድማ ናብ ጸጋሙ ገይሩ ክፈላልየና እዩ። ሽዑ ነቶም ኣባጊዑ ዝዀንና፡ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ እቲ ካብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኹም መንግስቲ ውረሱኢሉ ናብ መንግስተ ሰማያት ከእትወና እዩ። ነቶም ኣብ ምድሪ ከለና ኣባጊዑ ምዃን ዝተሓሰምና ግናኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን ካባይ ረሓቑክብለና እዩ (ማቴ 723) እቶም ሃዋርያትን ደቀ መዛሙርትን ናይ ጐይታ፡ ኣብ ዕርገቱ ከፋንውዎ ደው ኢሎም ከለዉ፡ ክልተ መላእኽቲ ተገሊጾም፡እዚ ካባኻትኹም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝረኤኽምዎ፡ ኸምኡ ኸኣ ኽመጽእ እዩኢሎም ተዛረብዎም። ስለዚ ኣብ ምጽኣቱ ከምቶም ኣብ የማኑ ዚዀኑ ኣባጊዑ ዄንና መንግስቲ ኣምላኽን ክብሩን ክንወርስ ምእንቲ ኽንበቕዕ፡ ኣብ ኵለን እዘን ኣብ ምድሪ እነሕልፈን ዘለና ዓመታት ዕድሜና ብፍርሃት እግዚኣብሔርን ብመንፈሳውነትን ክንመላለስ ይግብኣና። ኣብ ኵሉ እዚ ዝተነብበልና ንባባት፡ ዝተዘመረ መዝሙር፡ ጐይታና ነቶም ኣብ ማእሰርቲ መዓሙቕ ሲኦል ዝነበሩ ሰባት፡ ወንጌል ሰቢኹ ካብ ማእሰርቶም ከም ዝፈተሖም ዝምህረና። ኣብዚ ምድሪ እዚ ኣብ ዝተመላለሰለን ሰላሳን ሰለስተን ዓመትን መንፈቕን ምሉእ፡ ንወንጌል ብግብርን ብቓልን ሰበከልና። ንቕዱሳን ሃዋርያቱኪዱ ወንጌል ስበኹኢሉ ኣዘዞም። ንሳቶም ድማ ንፍቓዱ ተኣዚዞም ከቢድ መኸራ እናተቐበሉ፡ ኣብ መወዳእትኡ ድማ ብኣሰቃቒ ሞት ብሰማእትነት እናሞቱ ንወንጌል ሰቢኾም ክሳብ ወሰን ምድሪ ኣብጽሕዋ። ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቐ ዘበለ ኵሉ ኣማኒ፡ ብወንጌል ህይወቱ ክመርሕን፡ ወንጌል ብምስባኽ ድማ ንጐይትኡ ከገልግልን ይግብኦ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደው ምስ በልና፡ በቲ ንሱ ዝሰበኾ ወንገል ኢና እንፍረድ። ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ንወንጌል ዝነዓቀ፡ ዝጸለአ፡ ዘይተኣዘዘ ሰብ፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ እቲ ብወንጌል ገይሩ ንህያዋንን ንምውታንን ህይወት ዝሃበ ጐይታ፡ እንታይ ከም ዝፍረዶ ሕቶ ኣየድልዮን እዩ። ስለዚ እቲ ንምድሓን ዝለበመ ክርስትያን፡ በዘን ኣብ ምድሪ ዘሕልፈን ሃጸርቲ ዓመታት፡ ዘለኣለማዊ ህይወትን ክብርን ክጐናጸፍ ይኽእል እዩ። ንሱ ድማ ነቲ መድሓኒኡ ዝዀነ ክርስቶስ፡ ህይወቱ ከፊሉ ዝሰበኾ ወንጌል ብምፍላጥ፡ ብምቕባልን ምእዛዝን እዩ።

እቶም ጐይታና፡ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ ነቲ ቅድሚ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱዝበሎም ቅዱሳን፡ እቶም ንወንጌል ኣሚኖም ዝሰዓብዎ፡ ብግብርን ብቓልን ድማ ዝተኣዘዝዎ ሰባት እዮም። መጀመርታ ንህይወቶም በቲ ቅዱስ ቃል ወንጌል ዘንጽሁን ዝቐደሱን እዩም። ጐይታና፡ ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፡ንስኻትኹም ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል (ወንጌል) ድሮ ንጹሃት ኢኹም፥ብዝበሎም ቃል መሰረት፡ ንህይወትና ዘጽርያን ዘንጽሃን ቃል ወንጌል ምዃኑ ኣረጋጊጹልና እዩ (ዮሃ 153) እቲ ቃል ወንጌል ካብ ዝሙትን፡ ርኽሰትን ካብ ጽልእን ቂምታን፡ ካብ ስርቕን ሓሶትን፡ ነዚኣቶም ካብ ዝመስሉ ኣበሳታት ምስ እንጽሃና፡ ብድሕሪኡ እቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት እንገብሮ ግብሪ ሕያውነት ኣብ ቅድሚኡ ከም ምኡዝ መስዋእቲ ዀይኑ ናብ እግዚኣብሔር ናብ መንበረ ጸባኦት ይበጽሕን ቅቡል ይዀነልናን። ልብና ምስ ካልኦት ሰባት ብቒምታን ብጽልኢን ተመሊኡ፡ ኣብዚ ናይ ዝሙትን ርኽሰትን ሓጢኣት እናተጨማለቕና ኸሎና፡ ንዝጠመየ፡ ንዝጸመአ፡ ንዝዓረቐ እንተ ረዳእና፡ ንዝሓመመን ዝተኣስረን እንተ በጻሕና እንተ ኣጸናናዕናን፡ ተግባርና ንኣምላኽ ከሐጉሶን ሰመያዊ ዓስቢ ኸውህበናን ኣይኽእልን እዩ። ነዚ ሰናይ ግብሪ እዚ ንክርስቶስ ዘይኣምንዎ ሰባትውን ይገብርዎ እዮም። እዞም ንክርስቶስ ዝተሓሰሙ ሰባት ኣብ መወዳእታ ከም ኵሉ ሰቦም  ብክርስቶስ እዮም ዝፍረዱ። ንእኡ ነጺጎም ንወንጌልውን ተሓሲሞም፡ ነዘን ዝተዘርዘራ ግብረ ሰናያት ስለ ዝፈጸሙ ጥራይ ኣብ የማኑ ክቖሙ፡ ንመንግስቱውን ክወርሱ እዮም ማለት ኣይኰነን። እቶም ኣብ የማን ኣምላኽ ክቖሙ ዝበቕዑ፡ እቶም ንክርስቶስን ንወንጌሉን ብምሉእ ፍቓዶምን ብምሉእ ሓይሎምን ዝተቐበልዎን ዝሰዓብዎን ዘገልገልዎን ጥራይ እዮም። እግዚኣብሔር ቅድሚ ገንዘብናን ካልእ ተግባራትናን፡ እቲ መቕደሱ ዝዀነ ሰብነትና ክቕደሰሉን ክነብረሉን እዩ ዝደልይ። ሰብነትና ብሓጢኣት ማሲኑ ኸሎ፡ እንተ መጽወትና፡ እንተ ጸሌናን እንተ ጾምናን፡ እግዚኣብሔር ክቕበሎ ኣይክእልን እዩ። እምበኣር ናይቶም ጐይታ ዝነኣዶም ሰባት ግብረ ሰናይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ኪኸውን ዝኽኣለ፡ ቅድም ንህይወቶም ሳላ እቲ ዝሰምዕዎ ቃል ወንጌል ብንጽህና ዝሓለዉ ንጹሃት ሰባት ስለ ዝዀኑ እዮም። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡  ነቲ ምስ ሓዉ ተባኢሱ ከሎ መባእ ኪህብ ዝመጸ ሰብ መባኡ ምስ ሰባት ኣጽኒሑ፡ ቅድም ምስቲ ዝተባእሶ ሓዉ ክዕረቕ፡ ብድሕሪኡ ተመሊሱ መባኡ ንኣምላኽ ከቕርብ ከም ዝነገሮ ኣብ ማቴ 5 23-24 ተገሊጹልና ኣሎ። ስለዚ እቲ እንፍጽሞ ግብሪ ሕያውነት፡ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ክዀነልናን፡ ወጽዓ ዀይኑ ምእንቲ ከይተርፍን፡ ርእስና ብቓል ቅዱስ ወንጌል ክነንጽህን ክንቅድስን፡ ድሕሪኡ ድማ በቲ ጐይታ ዝዘርዘሮ ሽዱሽተ ግብርታት ሰናይ ክንተግህ ይግብኣና።

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥     ሰንበት ሓምለ 2, 2017     ሰነ 25, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 68፡17-18

ሠረገላቲሁ ለእግዚኣብሔር ምዕልፊተ ኣዕላፍ ፍሡሓን እግዚኣብሔር ውስቴቶን በሲና መቅደሱ ዕረገ ውስተ ኣርያም ፄዊወከ ፄዋ። 

ሰረገላታት ኣምላኽ ክልተ እልፊ፣ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ሲና፣ ኣብ መቕደሱ፣ ኣብ ማእከሎም እዩ። ናብ ላዕሊ ደየብካ፣ ምርኮ ማረኽካ፣

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1 ጢሞ 3፡14-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡    ሉቃ 22፡31-46

1 ጴጥ 3፡15-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ያዕቆብ ዘሥሩግ (ተንስኡ)

ግሃ 1፡6-12

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div