S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሳምናይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ ሆሳእና ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነቲ ጐይታና ብኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ዝተፈጸመ ታሪኽ፡ መንፈሳዊ ትርጉሙን መልእኽቱን እንሓስበሉ ግዜ ድማ እዩ።

እቲ መዓልቲ፡ መእተዊ ናይታ ናይ ጐይታ ብስጋ ዝተመላለሰላ መወዳእታ ሰሙን ነበረት። ናብ ኣጋ ምውዳእ ናይቲ ሰሙን፡ ከም ኣበር ዘይብሉ ገንሸል ርእሱ ንመስዋእቲ ክውፊ፡ ኣብ ሰሙኑ ድማ ንሓይሊ ሞት ስዒሩ ካብ ምውታት ተፈልዩ ክትንስእ እዩ። ነዛ ሰሙን ቤተ ክርስትያን ብብዙሕ ክብሪ እያ እትዝኽራ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ካብ ካልእ መዓልታት እትፍለየሉ መገዲ፡ ጐይታ ቅድሚ ግዚኡ ከይገሃድ ክጥንቀቀሉ ዝጸንሐ መሲሓዊ ንግስነቱ፡ ብግህዶ ክገልጾ ዝመረጸሉ ግዜ ምንባሩ እዩ። ነቲ ብነብዪ ዘካርያስ “ኣቲ ጓል ጽዮን፣ ኣዚኺ ተሐጐሲ፣ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፣ እልል በሊ፣ እንሆ ንጉስኪ፣ ንሱ ጻድቕ መድሓንን ትሑትን እዩ፣ ኣብ ኣድጊ፣ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ።” ተባሂሉ ዝተነግረ መሲሓዊ ትንቢት ፈጸሞ (ዘካ 9፡9)። ስለዚ ሆሳእና ህዝቢ ኣምላኽ ብምርኣይ ንጉሱ፡ ዝተሓጐሰሉን ዝዓለልሉን ክቡር መዓልቲ እዩ። ናይዚ ከምዚ ዝበለ ደስታ መሰረታዊ ምኽንያት ድማ ምምጻእ ናይቲ ጽድቅን ትሕትናን ዝመልለይኡ ንጉስና- ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ - ነበረ። እዞም ህዝቢ ቅድሚ እዚ እዋን ብዙሓት ነገስታት ርእዮም እዮም። ከምዚ ዝበለ ብጽድቂ ዝዳኒ ትሑት ንጉስ ግና ኣይረኣዩን (ማቴ 11: 29-30፣ ዮሃ 13፡14-15)።

ነቲ ናይ ምድሪ ጉዕዚኡ ንምጥቕላል፡ ካብ ገሊላ ነቂሉ ብስግር ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ወስን ይሁዳ መጸ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዛዕባ እቲ ዘይተርፍ መስዋእቱ “ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ አሎና፡ ወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጸሓፍትን ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ሞትውን ኪፈርዱሉ እዮም” እናበለ ከዳልዎም ድሕሪ ምጽናሕ ናብታ ኣብ ምብራቃዊ ሸነኽ ከረን ደብረ ዘይቲ እትርከብ ቤት ፋጌ እትብሃል - ቤት በለስ ዝትርጓሜኡ- ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ ዝዀኑ ካህናት ዝቅመጡላ ንእሽቶ ቁሸት መጸ። ኣብዛ ቁሽት ዀይኑ ናብ ኣብ ቅድሜኦም ዘላ ካልእ ቁሽት ከይዶም ተኣሲራ ንትጸንሖም ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ፈቲሖም ከምጽእሉ ንኽልተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ። ማእሰርቲ ኣዘን እንስሳ በቲ ኵሉ ፈላጥነቱ ገና ርሑቕ ከሎ ፈሊጡ ነበረ። እዚ ኽፍሊ ብዙሕ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ክፍሊ እዩ። ኦም በለስ፡ ናይታ ጐይታ ፍረ ዝጽበየላ ህይወት ኣማኒ ምሳሌ ከም ዝዀነት፡ ቤት ፋጌ ናይ ኣመንቲ ሕብረት ዝዀነት ቅድስቲ ቤተ ክረስትያን እያ። እቶም ካብ ቤት ፋጌ ዝተላእኩ ድማ፡ ጐይታ ኣገልገልቲ ሓዲሽ ኪዳን ክንኸውን ከኣልቲ ዝገበረና፡ ካብ ጐይታውን ናይ ናይ ዕርቂ ኣገልግሎት ዝተቐበልና ሰዓብቱ ኢና (2 ቆሮ 3:6፣ 2 ቆሮ 5:19)። እተን ተኣሲረን ዝነበራ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ድማ ከም ምሳሌ ናይ ሕጊ ዝነብሮም ህዝቢ እስራኤልን፡ ብዘይ ሕግን ብዘይ ኣምላኽን ዝነበሩ ኣህዛብን፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ኵነኔ ተዓጽዩ ዝነበረ ፍጥረት ሰብ (humanity) ብሓባር ዝውክላ እንስሳ እየን (ሮሜ 2። ብመሰረት ኦሪት፡ ኣድጊ ርክስቲ፡ በሃም (ዓሻ)፡ ብሓይሊውን ከም ካብ በዓል ፈረስ ዝሓመቀት እንስሳ እያ። እዚ ድማ ነቲ ንፍጥረትና ተቖራንይዎ ዝነበረ ርኽሰት፡ ዕሽነትን ድካምን ንምጉላሕ እዩ።

ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ፥ ጐይታ እምበኣር ነዚ ኣብ ከምዚ ዝበለ ርኽሰትን፡ ዕሽነትን ድኻምን ማእሰርቲ ሓጢኣት ተቆሪኑ ዝነበረ ፍጥረትና፡ ዘናግፍ ትእዛዝ ሃበ። ነቶም ስዓብቱ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም “ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ”። እዚ ቃል ነቲ ነብዪ ኢሳያስ “ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዝንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ።” ኢሉ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዝተነበዮ ትንቢት ተፈጻምነቱ ዘቃልሕ ቃል እዩ (ኢሳ 61፡1)። ጐይታ ነዚ እዩ ዝመጸ፡ ነቲ ብገመድ ሓጢኣት ሰይጣን ኣሲርዎ  ዝነበረ ኣዳም ፈቲሑ ሓራ ክገብሮ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ኣገልግሎት ዝተጠቕመሎም ሰባት ድማ፡ እቶም ንምውታት ምውታቶም ኽቀብርዎም ገዲፎም ብምስዓብ ጐይታ ህይወት ዝረኸቡ ደቀ መዛሙርቲ እዮም ዝነበሩ። ንሰባት ምስ ኣምላኽ ክተተዓርቕ፡ ንርእስካ ምስ ኣምላኽ ዝተዓረቕካ ክትከውን ግድን እዩ። ክልተ ምልኣኹ፡ ዘመሓላልፎ ምልእኽቲ ድማ ኣገልግሎት ጐይታ እናተደጋገፍካ ዝዕየ ናይ ሕብረት ዕዩ እምበር ብግሊ ዝግበር ጉያ ኣይዀነን። ብዘይ ብእኡ ሕብረት ምንጪ ሓይሊ እዩ። ከምቲ ንጉስ ሰለሞን ዝበሎ ከምዚ እናበለ “ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሓይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ። ከምኡ ኸአ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ፡ ይማሙቑ፡ ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፡ ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ፡ ክልተ እዮም ዚቃወምዎ፡ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።” ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ሕብረትን ሓድነትን እንኣምን ክንከዎን ይግብኣና (መክ 4፡9-12)። እቶም ዝተላእኩ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ምልኽት እቶም ናይ ሕብረት ኣእዳዎም ተወሃሂቦም ናብተን ዝጠፈኣ (ህዝቢ ኣምላኽ) ኣባጊዕ ቤት እስራኤልን፡ ካብዚ መጋሰ ንዘይዀና ኣባጊዕ ኣህዛብ ዝለኣኹ ዓየይቲ እዮም (ማቴ 10: 5-6፣ ዮሃ 10:16፣ ገላ 2:9)።

ጐይታ ይደልዮም ኣሎ፥ እቲ መፍታሕ ኣብ ህይወትና ክውን ዝኸውን ድማ ጐይታ ስለ ዘለየ፡ ጐይታ ስለ ዝፈተው ከም ዝኸውን ከርኢ “ሓደኳ ገለ እንተ በለኩም፡ ጐይታ ይደልዮም ኣሎ፡ በልዎ” በሎም። “ንሱ በለ፣ ኰነ ድማ፣ ንሱ ኣዘዘ፣ ቈመ ኸኣ” ከም ዝበለ ኣቦና ዘማራይ ንጉስ ዳዊት፡ ነቲ ንሱ ዝበሎ ክቃወሞ ዝኽእል ኣይነበረን (መዝ 33: 8-9)። ዋና እዛ ኣድጊ ከም ደቀ መዛሙርቱ፡ ንጐይታ ዝስዕቡ ዝነበሩ ኣይመስልን። ጐይታ ስለ ዝድለየ ግና ክኽልክል ዝኽእል የለን። እዚ ሰብ እዃ ኣድጉ ንጥቕሚ ጐይታ ካብ ወፈይ፡ ከመይ ግዳ ንሕና ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ዘለና ኩሉ ጐይታ ክኽብረሉ ብሓጐስ ክንህብ ዘይግብኣና። ኣብዚ እቲ ዘሐጐስ ዜና፡ ጐይታ ንክፍታሕ ዘይፈተወሉ ሰብ ዘይምህላዉ እዩ። ፍታዉ ንምፍታሕ ኣብ ኩሉ ግዜን ኣብ ንኩሉ ሰብን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ገለ እዋን ምስ ወግዒ ኣይሁድ ዝተራጸመሉ ግዜያትውን ኔሩ እዩ (ሉቃስ 13:10-16፣ ሉቃስ 6:5-11)። ኣምላኽ ንኵሉ ሰብ ዘለዎ ፍታው ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸምዚ ይገልጾ “እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ።” (1ጢሞ 2: 3-4)። ብወገን ኣምላኽ ዘሎ ድልውነት እዚ ካብ ኰነ፡ ኣብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ምጽናዕና ጠንቁ ንሕና እምበር ጉድለት ጸጋ ኣምላኽ ወይ ድሌት ኣምላኽ ኣይኰነን። ስለዚ ነቲ ናብ ሓርነት ዝጸውዓና ኣምላኽ ከይንኣብዮ ንጠንቐቅ (ገላትያ 5:13፣ ዕብራውያን 12:25)።

ተፈቲሐን ድሕሪ ምምጽአን ነዘን ኣእዱግ ዝተገብረለን ነገር እንተኔሩ፡ ኣብ ዝባነን ክዳውንቲ ምንባር እዩ። እዚ ድማ እቲ ህዝቢ ንጐይታ ከም ንጉስ ከም ዝተቐበልዎ ዝተቐበሎ ዘርኢ እዩ (ኢሳ 3:6)። ንክርስቶስን ጽድቁን ብሓጐስ ክውንዘፍዎ፡ ነቲ ኣረጊት ክዳውንቶም ኣብ ቅድሚኡ ደርበዩ። ናይ ሓርነት ልብሲ ካብ ንጉስም ክቅበሉ ናይ ማእሰርቲ ክዳኖም ኣብ ቅድሚኡ ደርበዩ (ኤር 52:33)። ገሊኣቶም ድማ እቲ መግለጺ ሓጐስን ዓወትን ዝዀነ ጨንፈር ስየ ክንስንስሉ ተራእዩ። ዓው ኢሎም ድማ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም ይብሉ ነበሩ። እዚ ናይ እብራይስጢ ቃል ካብቶም ከይተተርጐሙ ዝውሰዱ ቃላት ሓደ እዩ። ሆሳእና ማለት “ኦ ጐይታ ኣድሕን ኰታ” ማለት እዩ። እዚ ቃል ናይ ደስታ ቃል እኳ እንተዀነ ናይ ልማኖ ቃል ድማ እዩ። ካህን ዘካርያስ ኣብኡ ንዮሃንስ መጥምቕ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ብዛዕባ እቲ ብምምጻእ እቲ ጻድቕን ትሑትን ንጉስ ዝትስፈውዎ ዝነበሩ ተስፋ ከምዚ ኢሉ ተነብዩ ኔሩ፥ “ብቕድስናን ብጽድቅን ብዅሉ ዕለትና ኣብ ቅድሚኡ ኻብ ኢድ ጸላእትና ድሒንና ብዘይ ፍርሃት ከነምልኾ ኢና።” (ሉቃ 1፡74-75)። ስለዚ ካብ ኢድ ጸላእቶም ክድሕኑ፡ ነዚ ንጉስ ኣድሕን ኮታ ክብልዎ ንዕዘብ። በቲ ዝነበርዎ ናይ ሮማውያን መግዛኢ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ እምሮኦም ዝነበሩ ጸላእቲ ሮማውያን እዮም ዝነበሩ። መንዚዕም ከንግስዎ ዝተደናደንሉ ግዚኣትውን ኔሩ እዩ (ዮሃ 6:15)። እቲ ነብይ ዘካርያስን ካህን ዘካርያስን ብትንቢት ምምጻእ ናይቲ ጻድቕን ትሑትን ንጉስ፡ ዝስዕረልና ጸላኢ ግና ሰይጣንን ሓጢኣትን እዩ ዝነበረ። ንጸላኢና ንምግላጽ ካብ ዝተጠቕመሉ ቃላት ብውሕዱ እቲ መጻርርትኩም፣ ከሳሲ ኣሕዋትና፣ መዐንቀፊ፣ ጸላኢ፣ መስሓቲ፣ መጥፍኢ፣ ሓራዲ፣ ቀታሊ ነፍሲ ወዘተ ዝብል ርኢና ንሰብ ኣብ ምድሪ ብዘይ ሰይጣን ጸላኢ ከም ዘይብሉ ኢና እንርዳእ። ክርስቶስ ድማ ኣብ ክንዳና፡ ብሰብነት ሰብ ብምግላጽ ንሰይጣን ኣብ መስቀል ሰዓሮ። “ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም” (ቆሎሴ 2:15)። ሓርነት ድማ ኣልበሰና።

እቲ ኣብ ታሪኽ ዝተፈጸመ ዓወት ክርስቶስ፡ መዓልታዊ ተመኽሮና መታን ክኸውን ግና “ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ” ከም ዝበለ ኣቦና ዳዊት፡ ንክርስቶስ ኣብ ህይወትና ከም ንጉስ ሸምና፡ ሆሳእና ክንብል ይግብኣና (መዝ 2፡6)። ውግእና ተዋጊኡ፡ ዓወት ዝህበና ንሱ ስለ ዝዀነ “ኦ ጐይታ ኣድሕን ኾታ” ንበል። ከምቲ እታ ዝተፈትሐት ኣድጊ ንምጻር ጐይታ ዝባና ለጠቕ ዘበለት፡ ንሱ ክጉይተተልና ህይወትና ንዕኡ ትሕት ነብል። ንኽልተ ጐይቶት ክግዛእ ዝኽእል ስለዘየለ እቶም መሊኾምና ዝነበሩ ጐይቶት ርሒቖም ክንርኢ ኢና (ማቴ 6፡4)። ኣብዚ ኻልኦት ጐይቶት መሊኾምና ኣለው ክፉእ ዘመን፡ ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ ሆሳእና ክንብለሉ ዝግብኣና ግዜ እዩ (ኢሳ 26:13)። ነዚ ድማ ብዘይ እቲ ነብዪ ኢሳያስ ዝበሎ ከምዚ እናበለ “እግዚኣብሄር ፈራዲና፡ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፡ ንሱ ኼድሕነና እዩ።” ምባል ካልእ መፍትሒ የብልናን (ኢሳ 33:22)። እቲ ንጉስና ዝበልናዮ ጐይታ ንሱ ከድሕነና እዩ። ንጉስ ሓበንን ጽላልን ዋሕስን ህዝቡ እዩ። “እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።” (ያእ 4:7)።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥  ሰንበት 9 ሚያዝያ 2017 (ሰንበት 1 ሚያዝያ 2009 ግእዝ)

ናይ መዓልቲ ስብከት

መዝ 8፡2

"እም ኣፈ ደቂቅ ወሕፃናት ኣስተዳሎከ ስብሓተ በእንተ ጸላኢ፡ ከመ ትብሥቶ ለጸላኢ ወለገፋዒ።

ምእንቲ ተቓወምትኻ ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ሓይሊ ኣዳሎኻ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 9፡11-28

ዲያቆን

ወንጌል ማቴ 211-11

1 ጴጥ 4፡1-21 

ንፍቅ ዲያቆን

ቅዳሴ ቅዳሴ ጎርጎሬዎስ

ግሃ 28፡ 11-22

ንፍቅ ካህን 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div