S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን ….(1 ተሰ 4፡3,7)  

እዛ ካልኣይቲ ሰንበት (ለካቲት 26, 2017) ናይ ጾመ ኣርበዓ “ዘቅድስት” ተባሂላ ትጽዋዕ። ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንዓና ዝዀነ ቅድስናና እነስተንትነሉን እንጽልየሉን ሰሙን ድማ እዩ። ምቕዳስ ማለት ምፍላይ ማለት እዩ። ካብቲ ብባህሪ ወይ ብዕላማ ዘይመስለካ ተፈሊካ ንሕዙእ

ጥቕሚ እቲ ዝፈልየካ ዘሎ ኣካል ምውዓል ማለት እዩ። ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ድማ ካብ ዓለምን፡ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ተፈሊኻ ንጥቅሚ ኣምላኽ (ንሱ ድማ ንኽብሪ ኣምላኽ) ርእስካ ምውፋይ ማለት እዩ። ዕላማ ምቕዳስና፡ ነብዪ ኢሳያስ ከምዚ ኢሉ “… ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል ኣሎኹ” (ኢሳ 43:7)፥ “እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ እዩ።” (ኢሳ 43፡21)፥ ንኽብሪ ኣምላኽ ምንባር ምዃኑ የነጽረልና። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ድማ ኣምላኽ ዝጸውዓና ነዛ ዕላማ ምዃኑ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸምዚ ምሂሩና ኣሎ። “ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸብር፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትከብሩ፡ ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ኪቘጽረኩም” (2 ተሰ 2:12)። ምትግባር እዚ ከምዚ ዝበለ ዕላማ ኣምላኽ ድማ፡ ከመይ ዝበለ ምፍላይ ከም ዝጠልብ ንምግማቱ ኣየጸግምን እዩ። ኣብ ኵሉ ዘመናት፡ እግዚኣብሔር ህዝቡ ንፍሉይ ዕላማን ርስትን ዝፈሊ ኣምላኽ ዀይኑ ኢና እንረኽቦ። እቲ ኣቦ ብዙሓት ዝተሰምየ ኣብርሃም፡ ንናይ ኣምላኽ ፍሉይ ህዝብነት ካብ ማእከል ዓሌቱን ኣዝማዱን ተፈልዩ ወጸ። ዕላማ ኣምላኽ ንዕኡ ድማ፡ ዓሌታት ዅላ ምድሪ ዝባረኽሉ ዘርኢ ከፍሪ ነበረ። ነቶም ካብ ቤት ባርነት ግብጺ፡ ብመርሒነት ነብዪ ሙሴ ዝወጹ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ከምዚ በሎም “ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ ኪዳነይ’ውን እንተ ሐሎኹም፡ ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትዛረቦም ነገር እዚ እዩ።” (ዘጽ 19፡5-6)። ኣብ ዝተፍላለየ እዋን ናይ ታሪኽ እዚ ህዝቢ ድማ፡ ኣምላኽ ምቕዳሶም ይጠልብ ምንባሩ ንርኢ ኢና። “እያሱ ነቶም ህዝቢ፡ እግዚኣብሔር ጽባሕ ኣብ ማእከልኩም ዜገርም ነገር ኪገብር እዩ እሞ፡ ተቐደሱ፡ በሎም።” (ኢያሱ 3:5)። እዚ ድማ ካብ ዘርኽሶም ናይ ሓጢኣት ኣካይዳ ክፍለዩ ዝጽውዕ ጠለብ ነበረ። ኣምላኽ ብመገዲ ሓጢኣት ክብሩ ክገልጽ ስለ ዘይዀነሉ፡ ምቕዳስ ኣማራጺ ዘይብሉ እንኾ መገዲ ኣምላኽ እዩ።

ዕላማ ምውራድ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማያት፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝነብሩ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ምዕዳግ ምንባሩ ርኢና ኣሎና። ኽብሪ ኣምላኽ ክንርኢ፡ ካብኡ ሓሊፍና ድማ ንኽብሪ ኣምላኽ ክንነብር፡ ክንቕደስ ከድልየና ብግዲ እዩ። ከምቲ ቃሉ ዝምህረና “ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሔር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኵሉ ሰብን ስዓብወን” (እብ 12:14)፥ ብዘይ ምቕዳስ ንኣምላኽ ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ቃል ኣማራጺ ዘይህብ ቃል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንዓና፡ ነቶም ክርስቶስ በቲ ክቡር ደሙ ዘጥረየና ሰዓብቱ፡ ከም ብዋጋ ዝተዓደግና ትሕዝቶን፡ ንብረትን፡ ኣቕሓን፡ ቤት መቕደስን ወዘተ ጌሩ ይገልጸና እዩ። ምስ እዚ ኣርእስቲ ተኣሳሲሩ ብዙሕ ዝምህረና ክፍሊ፡ እቲ ኣብ 2 ጢሞ 2:20-ፍጻሜ ዘሎ ክፍሊ እዩ። “ግናኸ ኣብ ዓብዪ ቤት ካብ ዕጨይትን መሬትን ዝዀነ ኣቓሑ ድማ እምበር፡ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ፡ ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንውርደት ይኸውን። እምብኣርሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ፡ ንተግባር ብዓል ቤት ዚጠቅም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን እዩ።”። ኣብዚ ጥቅሲ ቀልጢፍና ክነስተብህለሉ እንኽእል ሓቂ፡ ክልተ ዓይነት ኣቅሑ ምህላዎም እዩ፥ ናይ ውርደትን፡ ናይ ኽብረትን። ናይ ኽብረት ኣቕሓ ናይ ምዃን ምስጢር ክገልጽ ከሎ እቲ ሃዋርያ፡ “ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ…ይኸውን እዩ” ይብል። ‘ካብ እዚኣቶም’ ዝብሎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ኣብቲ ምዕራፍ ጠቂስዎ ዘሎ ሓጢኣታት ዘመልኽት ሓረግ እዩ። ረሲእነት፡ ነቶም ዚሰምዕዎ ዜስሕቶም፡ ረብሓ ዜብሉ ቓል፡ ከም መንሽሮ እናለሓመ ዝኸይድ ፍረ ዜብሉ ዘረባ፡ ትምኒት ጉብዝና፡ ክርክር ዕሽነት ላግጺ፡ ወዘተ ክንጠቅስ ንክእል ኢና። እቲ ሕልናና ብደም መድሓኒና ኣንጺህና ካብኡ እንፍለየሉ ሓጢኣታት ግና ኣብዚ ጥራይ ዝውሰን ኣይዀነን።

ስለዚ እቲ ንምቕዳስና ቀዲሙ ዝመጽእ ጉዳይ ምጽራይና ወይ ምንጻህና እዩ። ምኽንያቱ ንሓጢኣት ካባኻ ከይሓጸብካ ንኣምላኽ ክትፍለ እይትኽእልን ኢካ። ‘ካብ እዚኣቶም’ ርእሱ ዘጽረየ ንሱ እዩ ዝተቐደሰ ኣቕሓ ኽብሪ ዝኸውን። እዚ ድማ ብንስሓ ነቲ ዝጠብቀካ ሓጢኣት ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ መድሓኒና፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ምንጻህ ክትረኽበሉ ብምቕራብ እዩ። “ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስካትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ” (እብ 9፡14)። “… ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ። … ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኪብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።” (1ዮሃ 1:7, 9)። ስለዚ ሕልናና ካብ ምውት ግብሪ ከይነጽሀ፡ ኣምላኽ ዝጥቀመሉ ምፍላይ (ምቕዳስ) ክንፍለ ስለ ዘይንኽእል ብንስሓ ንቅረብ፡ ብደም መድሓኒና ንተሓጸብ። እቲ ነጺሁ ዝተቐደሰ ኣቕሓ፡ ንጥቕምን ተግባርን እቲ ብዓል ቤት ከም ዝጠቅም፡ እቲ ሕልናኡ ካብ ምዉት ግብሪ ዝነጽሀ ኣማኒ ድማ ንተግባር እቲ በዓል ቤት ዝዀነ ኣምላኽ ዝጠቕም ኣቕሓ ኽብሪ እዩ ዝኸውን። ነቲ ዝተደኰነሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ናይ ምንባር ዕላማ ድማ ብቁዕ ይኸውን። ኣብዚ ምቕደስ ምስ ተረኸብና ኣምላኽ፡ ኣብቲ ንኽብሩ ናይ ምንባር መስርሕ ዘሕልፈና ደረጃታት ንርአ፥

1. እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሉ ኣባና የንብር፥ ብደም መድሓኒና ሕድገት ሓጢኣት ረኺብና ምስ ነጻህና፡ እቲ ወሃቢ ህይወት ዝዀነ መሕወዪና መንፈስ ቅዱስ ናይ ዋንነቱ ማሕተም ብምግባር ኣብ መቕደሱ ይሓድር። “ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሓተምኩም።” (ኤፌ 1:13)። “ግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና።” (2 ቆረ 4:7)። “ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።” (1 ቆረ 6:20)።

2. መኣዛ ፍልጠቱ ብኣና ኣብ ኩሉ ስፍራ ይገልጽ፥ እቲ ኣባና ዝሓደረ ኣምላኽ ብኣና መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኩሉ ይገልጽ። ከም ጨው ኣብ ዘይመቀረ እናኣተና እነመቅር፥ ከም ብርሃን ኣብ ዝጸልመተ ብርሃን እንህብ፡ ሰላም እንገብር ውሉድ ኣምላኽ፡ ምኽንያት ህድኣትን ቅሳነት ዝዀንና ህዝቢ ዄንና ንርኸብ። (ማቴ 5:9, 13-14)። ከምቲ ጐይታና ንኣቦ ከግህዶ ዝመጸሞ “ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ” (ዮሃ 17:4)። ኢሉ ነቲ ዝመጸሉ ነቦ ናይ ምግሃድ ስራሕ ምፍጻሙ ዝመስከረ፡ ናትና ናይ ሰዓብቱ መደብ ድማ እዚ እዩ፥ ንኣምላኽ ኣእዳውን ኣእጋርን፡ ኣፍን ልሳን፡ ኵሉ ኣካላትን ክንኰነሉ እሞ፡ ብኣና ባህርያቱ ክገልጽ። “ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ኵሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ።” (2 ቆረ 2:14)።

3. ኣህዛብ ንኣምላኽ የመስግኑ፥ እቲ ሽታን መኣዛን ክርስቶስን ዀይኑ ዝነብር ሰዓቢ፡ ኣካይድኡ ርእዮም ኣህዛብ ንኣምላኽ ከመስግኑ ባህርያዊ እዩ። (ማቴ 5:16)። ኸምቲ “ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም፣ እግዚኣብሔር ምስኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ፣ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” (ዘካርያስ 8:23)፥ ንብዙሓት ምኽንያት ምምላስ ናብ ኣምላኽ ክኸውን እዩ። “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም።” (ዮሃ 15:8)። “ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን አሎኹ።” (ፊሊጲ 1:11)።

እዚ ዝተጠቕሰ ንኽብሩ ናይ ምንባር መደብ ኣምላኽ፡ ብምቕዳስ ጥራይ ኢና እንበቕዖ። ምኽንያቱ ንሱ ቅዱስ ከም ዝዀነ፡ እቶም ዝጥቀመሎም ድማ ንዕኡ ንበይኑ ዝተፈልዩ (ዝተቐድሱ) ክዀኑ ይግብኦም። ናይ ቅዱስ ኣቦና ሃዋርያ ጳውሎስ መትከል እዚ እዩ ዝነበረ፥ ‘ብህይወት እንተ ዀይኑ ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር እዩ’ ዝብል። ነዚ ድማ እዩ፡ ብምሕዳስ ሓሳቡ ዝተለወጠ፡ እንታ ዘይብሉ ሕልና ክህልዎም፡ ካብቲ ስጋን መንፈስን ዘርክስ ዘበለ ኩሉ እናተፈልየ ዝነበረ። በዚ ናይ ጾምና ሰሙን እምበኣር እዚ ንሕሰብ፡ ንኣምላኽ ተፈልየዶ (ተቐዲሰዶ) ኣለኹ፧ ካብ ሓጢኣትና ነጺህና ንኣምላኽ ርእስና ንፍለ።

2 ቆረ 6:14-ፍጻሜ፥ “….ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፡ ኣምላኽ፤ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሔር፡ ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ።”

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥  ሰንበት 26 ለካቲት 2017 (ሰንበት 19 ለካቲት 2009 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 96 (95)5-6

እስመ ኣማልክተ ኣህዛብ ኣጋንንት፡ ወእግዚኣብሔርሰ ሰማያተ ገበረ። ኣሚን ወሠናይት ቅድሜሁ፡ ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ።

ኵሎም ኣማልኽቲ አህዛብ ከንቱ እዮም፣ እግዚኣብሔር ግና ሰማያት ገበረ። ግርማን ክብረትን አብ ቅድሚኡ፣ ሓይልን ጽባቐን አብ መቕደሱ እዩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1 ተሰ 4፡1-13

ዲያቆን

ወንጌል ማቴ 6፡16-25

1 ጴጥ 1፡13-25 

ንፍቅ ዲያቆን

ቅዳሴ ኤጲፋንዮስ

ግሃ 10፡7-30

ንፍቅ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div