S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ

እግዚኣብሄር ብወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚንና፣ ብመገዲ ጽድቂ ተመላሊስና፣ ናብቲ ዘዳለውልና ዘልኣለማዊ ቤት ክንኣቱ እዩ ጸዊዕና። ደቂ ሰባት ግና እግዚኣብሄር ንህይወትና ካባና ንላዕሊ ከም ዝሓልየላን ከም ዝጥንቀቐላን ብምዝንጋዕ፣ ካብቲ ቅኑዕ መገዲ እግዚኣብሄር ወጺና ንኵብልል፣

ንህይወትና ባዕልና ክንመርሓ ከኣ ንጽዕር። እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ብብዙሕ ተኣምራት ኣውጺኡ፣ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ እናመርሖም ክነሱ፣ እቲ ዝመርሖም ዝነበረ ሙሴ ምስ እግዚኣብሄር ክዘራረብ ኣብ ከረን ሲና ኣርባዓ መዓልታት ምስ ደንጐየ፣ ንኣሮን፣ነቲ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ፣ እቲ ሰብኣይ፣ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፣ ተንስእ፣ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፣ብምባል ናይ ገዛእ-ርእሶም መገዲ ብምምራጽ ካብቲ ዓቢ ምኽሪ ኣምላኽ ክዓልዉ እንከለዉ ንርእይ (ዘጻ 32 1) ንሕናኸ፣ ብሓቂዶ ኣብቲ መጀመርታ ጐይታ ካብ ዓለም ኣውጺኡ ዘርኣየናን ዝመርሓናን መገዲ ህይወትን ጽድቅን ኣለና? እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ፣ ይብል ኣሎ።’ (ሃጌ 1 7) እቲ መጀመርያ ዝነበረና ህይወት፣ ጸጋ፣ ቅንኣትን ትግሃትን ሕጂ ከመይ ኣሎ? እታ ዝነበረትና ቀዳመይቲ ፍቕሪኸ ከመይ ኣላ? እስከ ሕጂ ዘለና ህይወት፣ ቅንኣት፣ ድሌትን፣ ዕላማታትን ንመርምሮ፣ ስለምንታይ ኢና ካብዚ ኵሉ ንጐድል ዘለና፣ ስለምንታይ ኢናኸ ናብ ዓለም ንምለስ ዘለናገለ ካብቲ ብዙሕ፣ ካብ መገዲ እግዚኣብሄር ወጺእና ናይ ገዛእ-ርእስናን ናይ ዓለምን መገዲ ዘትሕዘና ዘሎ ምኽንያታት ንርአ፣

1.ዕላማ እግዚኣብሄር ዘይምስትውዓል

እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ብሉጽ ፍቕሪ ስለ ዘፍቀሮም፣ ምእንትኦም ክብል ንፈርዖን ብዝተፈላለየ መከራ ከም ዝስክሕ ገይሩ፣ ካብ ብርቱዕ ባርነት ነጻ ኣውጺኡ፣ ንባሕሪ ኤርትራ ናብ ክልተ ከፊሉ ብምስጋር፣ ኣብ ምድረበዳ ካብ ኣካውሕ ማይ ብምውጻእን፣ ካብ ሰማይ ማና ብምዝናብን፣ ብጽጋብ ኣጓዒዝዎም። እንተኾነ እዚ ኵሉ ዘሕለፎም ናብታ መዓርን ጸባን እተውሕዝ ንምእታው ምዃኑ ኣየስተውዓልዎን።ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብ ይፈልጦ እየ፣ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፣ ሓሳብ ድሓን እምበር፣ ናይ ክፉእ ኣይኮነን፣ ይብል እግዚኣብሄር።’ (ኤር 29 11) እግዚኣብሄር ኣብ ህይወትና ሓደ ዘይልወጥ ጽኑዕ ዕላማ ኣለዎ፣ ንሱ ድማ፣ በቲ ንሱ ዝመደቦ መገዲ የሕሊፉ ናብ ዕረፍቲ ከእትወና እዩ። ንሕና ግና፣ ነገራት ከምቲ ዝደለናዮን ዝተጸበናዮን ምዃን ምስ ኣበየና፣ ኵነታት ቁሩብ ምስ ከበደና፣ እግዚኣብሄር ዝረስዓና ይመስለና እሞ ናትና መውጽኢ ሃሰው ንብል።እግዚኣብሄር ከይሕሱ ሰብ ኣይኮነን፣ ከይጠዓስ ድማ ወዲ-ሰብ ኣይኮነን።ዝብል ቃል ኣሎና። እግዚኣብሄር ነቲ ዝኣተዎ ተስፋ ኣይጠልምን እዩ፣ የግዳስ ንሕና ንደልዮ ነገራት ንህይወትና ዘይጠቅም ምስ ዝከውን ይኸልኣና፣ ትዕግስቲ ምእንቲ ክንመሃር ከኣ ንገለ ዘድልየና የደናጕዮ፣ ፍቓድ ርእስናን ድሌትናን ደርቢና ብምሉእ ልብና ምእንቲ ከነፍቅሮ ድማ ናትና ንብሎ ነገራት የሕድገና፣ ከምኡውን ንሕና ብዘይንመርጾ መገዲ ብናቱ ድሌት ይመርሓና። ኣብዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ነገራት፣ ዕላማ እግዚኣብሄር ኣብ ህይወትና ጽቡቕ ምዃኑ ተረዲእና፣ ንእግዚኣብሄር ክንኣምኖን፣ ፍቓድካ እምበር ፍቓደይ ኣይኹን ኢልና ክንእዘዞን፣ ይግባኣና። በቲ ዝርኤ ጊዚያዊ ነገራት መገድና ክንመርሕ፣ ጉዳይና ከነሳልጥ፣ እንተ ጀሚርና ግን፣ ካብ ናይ እግዚኣብሄር ዕላማ ወጺእና ብመገድና ክንምራሕ ጀሚርና ኣለና ማለት እዩ፣ ውጽኢቱ ድማ ብዘይ ዕረፍቲ፣ ብጣዕሳ፣ ከም ኣብ ምድረበዳ ብደረቕ ህይወት ምዅብላል እዩ። እግዚኣብሄር ካብዚ ይሰውረና። ስለዚ ከምቲእቲ ዚርኤ ንጊዚኡ እዩ፣ እቲ ዘይርኤ ግን ንዘልኣለም እዩ እሞ፣ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፣ ነቲ ዝርኤ ኣይንጥምትን ኢና።’ (2 ቆረ 4 18) ዝተጻሕፈ፣ ነቲ ተዳልዩልና ዘሎ ዘይረአ ምድራውን ሰማያውን በረኸት ምእንቲ ክንወርስ፣ ነቲ ዝርኤ ኵሉ ኵነታትና ናብቲ እሙን ኣምላኽና ነማዕቑቦ፣ ንህይወትና ከኣ ኣብ ትሕቲ ፍቓድ እግዚኣብሄር ነግዝኣያ።

2.እግዚኣብሄር ዝገበረልካ ነገር ምርሳዕ

እታ ሓንቲ ለይቲ፣ ነታ ሓንቲ ፍልጠት ተሕልፈላከም ዝተጻሕፈ፣ እግዚኣብሄር ሰናይ ዝገብረልና ምክንያት ምእንቲ ከነመስግኖን ምስኡ ዘለና ዝምድና ዓሚቑ እምነትና ምእንቲ ክትድልድል ኢሉ እዩ። ንኹሉ እግዚኣብሄር ዝገበረልና ረሲዕና ምስቶም ኣህዛብ ክንጭነቕ፣ ክንፈርሕ፣ ናትና መውጽኢ መገዲ ክንደልይ፣ ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ዝተገብረልካ ነገር ምርሳዕ ሓጢኣት እዩ፣ ካብ ብዙሕ በረኸት ከኣ እዩ ዘትርፍ። ንኣብነት፣ ሙሴ ብዙሕ ተኣምራታዊ ዝኾነ ኢድ እግዚኣብሄር ርእዩ፣ ምስ እግዚኣብሄር ከም ሰብ ተዘራሪቡ፣ ንእግዚኣብሄር ኣብ ህይወቱ ብቐረባ ፈሊጥዎ ክነሱ፣ እቶም ዝመርሖም ዝነበረ ህዝቢ ማይ ስኢና ኢሎም ምስ ኣጕረምረሙሉ፣ ነቲ ዝሓለፈ ኢድ እግዚኣብሄር ረሲዑ ምስ ኣንጸርጸረን፣ ዘይተባህሎውን ስለ ዝገበረ፣ እግዚኣብሄር ተቖጢዕዎ፣ ንከንኣን ካብ ምእታው ድማ ከልኪልዎ።


እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ፣ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ።’ (መዝ 145 9) ከም ዝተጻሕፈ፣ እግዚኣብሄር ሰናይ ዘይገበረሉ ሰብ የለን። ዋላውን እቲ ንዓና ሰናይ ኮይኑ ዘይስምዓና ነገር፣ እግዚኣብሄር ንጽቡቕና ኢሉ እዩ ብፍቕሪ ዝገብሮ። ጐይታ ነቶም ዓሰርተ ለምጻማት ሓደ ዓይነት ፈውሲ እዩ ሂብዎም፣ እንተኾነ ካብኦም ሓደ ጥራይ እዩ ውሬታ ክህብ ናብ ጐይታ ተመሊሱ። ስለዚ፣ ይዕበ ይንኣስ፣ እግዚኣብሄር ዝገበረልና ሰናይ ነገራት ሓሲብና መመስገንቲ ክንከውን ይግብኣና። ኣብ ምስጋና እንተ ሃሊና፣ ኵሉ ግብርታት እግዚኣብሄርን ከኣልነቱን ፍቕሩን ምሕረቱን ከነስተንትን ብእኡ መጠን ድማ ከነስተውዕል ይሕግዘና እዩ፣ እዚ ከኣ ካብ ምጕርምራምን ሓጢኣት ካብ ምፍጻምን ክሕልወና እዩ።

3. በቲ እግዚኣብሄር ዘሕልፈካ ንምሕላፍ ትዕግስቲ ዘይምግባር

ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም ነታ ተስፋ ምእንቲ ክትረኽብዋስ፣ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ።’ (እብ 10 36) ኣብዛ ምድሪ ክሳብ ዘለና፣ ንጐይታ ብዅሉ ተኣዚዝና፣ ብትዕግስቲ ኣብ ኣምላኽና ሃዲእና ምስ ንጽበ፣ ሽዑ ኢድ እግዚኣብሄር ብኸመይ ከም ዘሕልፈና ክንርኢ ንኽእል ኢና። ብትዕግስትኹም ህይወትኩም ከተጥርይዋ ኢኹም ከም ዝተጻሕፈ፣ ስኣን ንእሽቶ ትዕግስቲ፣ ብዙሓት ከም ዝጠፍኡ እቲ ንመለበሚና ዝተጻሕፈ ቃል እግዚኣብሄር ይነግረና እዩ። ነዚ ጽቡቕ ኣብነት ዝኾነና ሳኦል እዩ። ንሱ፣ ንሳሙኤል ንምጽባይ ሓይሉ ምስ ወደአ፣ ንሱ ክገብሮ ዘይግብኦ ተግባር ፈጺሙ፣ ሽዑ እግዚኣብሄር ንዒቕዎ፣ ካብ ስልጣኑ ድማ ስዒርዎ፣ ከም ዝመውትውን ጌርዎ (1 ሳሙ 13 12-13)


ብትዕግስቲ ንኣምላኽካ ሃዲእካ ምጽባይ፣ ንመልሲ ጸሎት የቕላጥፎ እዩ፣ ብኣንጻሩ ድማ፣ ትዕግስቲ ዘይምግባር ንመልሲ ጸሎትና የድናጕዮ እዩ። ህዝቢ እስራኤል እቲ ናይ ኣርብዓ መዓልታት ጉዕዞ፣ ትዕግስቲ ስለ ዘይገበሩን፣ ኣብ ኣምላኽ ስለ ዘጕረምረሙን፣ ኣርብዓ ዓመታት ተጓዒዞሞ፣ ብዘይካ ክልተ ሰባት ድማ ነቲ ጕዕዞ ክፍጽምዎ ኣይከኣሉን። ስለዚ፣ ቅልጡፍ መልሲ ንኽንረክብ ብትዕግስቲ ንጽናዕ። ንመልሲ ጸሎትና ባዕልና ከይነደናጕዮ ንጠንቀቕ።መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ፣ ትዕግስቲ ንዓብዪ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፣ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።’ (መክ 104)


ኣብ መወዳእታ ንርእዮ ኣብነት ናይቲ ጥፉእ መንእሰይ እዩ። ንሱ ካብ ኣቦኡ ኮብሊሉ፣ ነቲ ዝነበሮ ጸጋ ብርኽሰት ዓለም ኣጥፊኡ፣ ኣደዳ ጥሜትን ጭንቀትን ምስ ኮነ፣ ሓደ ጽቡቕ ሓሳብ ሓሲቡ፣ ንሱ ድማ፣ ናብ ኣብኡ እንተ ተመሊሱ ብምሕረት ከም ዝቕበሎ ኣሚኑ፣ ተመሊሱ ኸኣ። ኣብኡ ድማ፣እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፣ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፣ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፣ ንብላዕ፣ ንተሓጐስ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ።’ (ሉቃስ 15 23-24) ስለዚ፣ ንሕናውን ብልብና ካብ እግዚኣብሄር ኣቦና ኮብሊልና ከይንህሉ ርእስና ንመርምር። ከምዚ ናይዚ መንእሰይ ዝነበረና ጸጋ ደርቢና፣ ኣብ መንፈሳዊ ዕርቃንን፣ ተስፋ ምቑራጽን፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ሞይትና ወይ ጠፊእና ከይንህሉ፣ ደጊምና ህይወትና ንመርምር። እግዚኣብሄር ኣቦና ብምሕረት ተቐቢሉ፣ ዝነበረና ህይወት፣ ጸጋ፣ ፍቕሪ፣ ቅንኣትን ትግሃትን ከም ዘሐድሰልና ኣሚና፣ ብምሉእ ልብና ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።


ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዝነብር፣ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ።’ (እብ 10 38-39)

እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘልኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ፣ ንሱ ክሳዕ ሞት ኪመርሓና እዩ።’ (መዝ 48 14) ኣሜን።


እግዚኣብሄር ይደግፈና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div