S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዜማ ወይ መዝሙር ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ፡ ንእግዚኣብሔር እተሞግሰሉ፡ ቅዱስን መንፈሳዊን ስነ ጥበብ እዩ። መዝሙር (ዜማ) ዚብል ቃል ንባዕሉ፡ ምስ ቋንቋታት ዕብራይስጥን፡ ኣራማይክን ዝተተሓሓዘ

ትርጉምን ስምን ድምጸ ቃና፡ ደሃይ ጎረሮ ዘስምዕ ትርጉም ኣለዎ። ኣብ መብዛኅትኡ ሃይማኖታዊ ናይ ኣምልኾ ሥርዓት፡ ወይ ምስጋና ብወርድ ንባብ፡ ወይ ድማ ብዜማ ዝተሰነየ ኮይኑ፡ ብመሳርሒ ሙዚቃ፡ (መዳምቕቲ) ዝተወሃሃደውን ይርከቦ እዩ።

ናይ ሓበሻ ( ኣግኣዚ) ናይ ኤርትራን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ካብ ናይ ቅዱስ ያሬድ ጀሚሩ፡ ብዝተፈላለዩ ናይ ሙዚቃ (መዳምቕቲ) መሳርሒ ተሰንዩ ክካየድ ዓመታት ዘመናት ሓሊፉ እዩ። እዚ ድማ ማኅሌት ( ኀለየ) ተጻወተ ደረፈ (ሕላዪ ብቋንቋ ትግረ) ተሰንዩ ንዓመታት ዝቐጸለ እዩ።

እዚ ብዛዕባ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ታሪኻዊ ኣመጽጽኣ፡ ዝምልከት ሓጺር ጽሑፍ፡ ክቐርብ ዝተደልየሉ ቀንዲ ምኽንያት፡

1. ካብ ቀደም ጀሚራ ናይ ኣግኣዚ ቤተ ክርስቲያን፡ ናብ ኣምላኽ ምስጋና ንምቕራብ እትግልገለሎም ዝተፈላለዩ ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት፡ ካበይ ከም ዝመጹን ዝተወርሱን መግለጺ ንምሃብ።

2.ናይ ኣግኣዚት ቤተ ክርስቲያን ብዜማ ናይ መዝሙር ኣቀራርባ፡ ብውሱናት ናይ ሙዚቃ መሳርሒ፡ ጥራይ፡ ክትጥቀም ከም ዘለዋ ዝኽልክል ቀኖና፡ ዶግማ ከም ዘየለ፡ ንምርኣይ።

3.ብዝተፈላለየ ርድኢት ናይ ሙዚቃ መሳርሒ፡ ምጥቃም ዝምልከት፡ ኣብ መንጎ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹኑ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ መንእሰያት፡ መስርዑ ዘይሓዘ፡ ዝተፈላለየ ርድኢት ዘለዎም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብሓደ ርድኢትን ምስምማዕን ከም ዝኸዱ ንምግባር እዩ።

 1. ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ፡ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ኣብ ምድረ ኣግኣዚ ቤተ ክርስቲያን።

ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዎ ናይ ሙዚቃ፡ ኮነ ናይ መዝሙር መሳርሒ፡ ዝፈልሰፉን ዘተኣታተዉን ናይ ማእከላይ ምብራቕ፡  ሰባት፡ ናይ ፋርስን ባቢሎንን፡ ናይ ግብጽን ኣሶርን፡ ናይ ሚሶፖታሚያን ሱሜርን እዮም።

ንኣብነታት ዝኾኑና እዞም ዝስዕቡ ንርአ።

  • መለኸት= Trumpet
  • በገና =    Harp (kinnor)
  • ከበሮ =    Tambourine (Timbrel)
  • ጸናጽል =  Sistrum (Cymbal)
  • ኣርጋኖን = Organ
  • መሰንቆ =  Lyres (Lyre)
  • ጊታር =    Lute
  • ቀርነ መለኸት = Shophar
  • ነጋሪት =    Castanet
  • ዕንዚራ =    Accordion
  • እምብልታ = Flute
  • ሻምብቆ = Comet Sackbut ዝኣመሰሉ ኣብ ዝተፈላልየ ዘመን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ይጥቀሙሎም ነይሮም እዮም።

1. መለኸት፡ (Trumpet) ካብ ቀርኒ፡ ካብ ሓጺንን፡ ዝስራሕ ናይ እግዚኣብሔር ጉባኤ መዘመሪ ዘገልገል መለኸት ንመጀመርታ ጊዜ ዝሰርሕዎ ደቂ ቃየል እዮም። ዘፍ. 4፡ 21። ደቂ ቃየል ንናይ ጓይላ መጻወቲ፡ መሳዕስዒ፡ ዝሰርሕዎ ናይ መጀመርታ ሕገ ልቦና ዝጠሓሱ፡ ኣምላኽ ብመሰረቱ ሰብ ንምስጋና እምበር ንጓይላን ጨፈራን ኣይፈጠሮን። ሰይጣን ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ተፈጥሮ ጸጋ፡ ንምስጋናኡ ዝፈጠሮ ልሳን ሰባት ንዓለማዊ ስምዒት ክግዛእ ገበሮ። ቀርነ መለኸት ኣብ ዓበይቲ በዓላት ዝቃነዩ፡ ሕዝቢ ናብ ምኩራብ ወይ ድማ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዚጽውዕ።

2. በገና፡- ዕሰርተ ኣውታር ዘለዎ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ እዩ። ንመጀመርታ ዝተጠቕሙሉ ደቂ ቃየል እዮም። ንደርፊ ተጠቐሙሉ፡ ደቂ እግዚኣብሔር ድማ፡ ንምስጋና እግዚኣብሔር ተጠቒሞሙሉ፡ ንጥቀመሉውን ኣሎና። በገና ቅድሚ 3200 ዓመተ ዓለም ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ቶጋሚሽ ኣብ ዝተባህለ፡ ስፍራ ኣብ ስብርባር ቅርሲ ተረኺቡ። ከምኡ ድማ ኣብ 3000 ዓ.ም. ቅ.ል. ክ ኣብ ባቢሎን ኣብ መቓብር ኣብ ሓወልቲ ተቐሪጹ ተረኺቡ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ በገና ኣብዚ ዚስዕብ ክፍልታት ይርከብ ዘፍ. 4፡21፡ 1ሳሙ.16፡16-24 1ዜና 15፡21 መዝ. 33፡2 ራእ.ዮሓ. 5፡8

ናይ ኣሶራውያን በገና ካብ ናይ ግብጻውያን ብቕርጽን ብኣቀማምጣን ፍልይ ዝበለ እዩ።

ኣብ ናይ ፈርዖን ራምሰስ ሣልሳይ መቓብር  ካህን ብበገና እናዘመረ። ካልእ ቅርጺ ናይ ግብጻውያን በገና

3. ከበሮ፡- ንኽብሪ ኣምላኽ ዝውዕል ናይ መዝሙር መሳርሒ እዩ። ናይ ዓወት መዓልቲ መእወጂ እዩ። ንኽብሪ ኣምላኽን ንዓወት ኣምላኽ መዘመሪ ይውዕል። ንኽብሪ ታቦት ይዝመረሉ። መዝ. 149፡4, 1 ሳሙ. 18፡6, 2ሳሙ.6፡5 ብኣንጻሩ ድማ ንጓይላ ይጥቀሙሉ ግን ንኽብሪ ማኅሌት ኣየጉድሎን።

4. ጸናጽል፡-  ዝመሃዝዎ ግብጻውያን ክኾኑ ከለዉ፡ ISIS (ኣይሲስ) ንዝተባህለት ጣዖቶም በዚ መሳርሒ ሙዚቃ የመስግኑላ ዝነበሩ ምዃኑ ይፍለጥ።

ጸናጽል ካብ ነሓሲ ወይ ካብ ብሩር ተሰሪሑ፡ ብስም ኣምላኽ ተቐዲሱ ሎሚ ንኣገልግሎት እግዚኣብሔር ንጥቀመሉ።

ጽናጽል ሎሚ ካብቲ ሓደ ብልጫኡ ካብ ጓይላ ተመንዚዑ ንእግዚኣብሔር መገልገሊ ጥራይ ምውሳኑ የሕጉስ። 2ሳሙ. 6።5 መዝ.150፡5 1ዜና. 5፡13 1ቈሮ. 13፡1

ISIS ተባሂሉ ዝፍለጥ ብስም ናይ ጓል ኣንስተይቲ ትጽዋዕ ናይ ግብጺ ጣዖት ትምስገነሉ ጸናጽል፡ ኣብ ርእሲ እቲ ጸናጽል ድማ፡ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ቅርጺ ይርአ እዚ ድማ ናታ ምስሊ እዩ። Sistram ይበሃል።

እዚ ፍልይ ዝበለ ጸናጽል ብክልተ ብኢድ እናጋጮኻ ዝድሀ እዩ። cymbals ይበሃል።

5. መሰንቆ፡- (ክራር) ሰንቀወ፡ ኣድሃየ፡ ወቕዐ፡ ኣዜመ፡ ገጠመ፡ ማለት እዩ። ጥዑም ዜማ ዘለዎ፡ ብዝተገተረ ጅማት (ኣውታር) ከም ኦርጋን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ተጠቒሱ ይርከብ። ኢሳ.5፡12 ኢሳ. 23፡16, መዝ. 150 ኣብ ካልእ ኣዝዩ ብዙሕ ጊዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ብኣምሓርኛ ንመሰንቆ ጭራ ዋጣ ለዊጦይ ይትርጉምዎ።

6. ጭራ ዋጣ፡- እዚ መሳርሒ ሙዚቃ እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ካልኦት እኳ ብብዙሕ እንተዘይተጠቕሰ፡ ግን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ይርከብ እዩ። ኢሳ. 5፡ 12, ዳን. 3፡ 5-7 ኣብ ካልእ ምዕራፋትውን ይርከብ እዩ። ጭራ ዋጣ፡ ኣብ ዘመንና ካብ ንኣምላኻዊ ምስጋና ንዓለማዊ ምስጋና ዝያዳ ኣገልግሎቱ ይዓዝዝ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ፡ ጭራ ዋጣ፡ ንሰብ ዛርን ቆለን መሸረጢ ምውዓሉ እዩ። ዓለምን ኣብ ዓለም ዝነብር ኩሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ባህ ዘብልን ጽቡቕን ዝነበረ ሎሚ ብኣንጻሩ ዘጉሂ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ።

7. ኣርጋኖን፡- ኦርጋን እዚ ናይ መዝሙር መሳርሒ፡ ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዎ ፍሉይ ድምጺ ዘለዎ፡ ንኣምላኽ ንምምስጋን ዝተዳለወ እዩ።

ካብዚኦም ጣዕሚ ዜማኡ ዝማርኽን ዝመስጥን ሓደ ኦርጋን እዩ። ኣብ መዝሙራት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ንልብኻ ዝመስጥን ጥዑም ቃልን ኣርጋኖን ኢልካ ይጽዋዕ።

መዘመር ዚብል ቃል ኣብ ብሉይ ኪዳን 309 ጊዜ ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ 36 ጊዜ ተጠቒሱ ይርከብ። እንተ ኾነ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን፡ ኣብ ዘመነ ክርስቶስ ዝኾነ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ይጥቀሙ ከም ዝነበሩ ዝገልጽ ጽሑፍ የለን። ብጀካ እቲ ኣብ ርእየ ዮሓንስ ዘሎ በገና ዚብል። በዚ ድማ ማኅሌት ቅዱስ ያሬድ ኣምሳለ ዝማሬ መላእክት ተባሂሉ ይጥቀስ።

ኣብ 270 ዓ.ም. መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እብራይስጢ ናብ ግሪኽ ዝተርጎሙ ሰብዓ ሊቃናት፡ Ugab ዚብል ቃል ኦርጋኖን ኢሎም ተርጒመምዎ ኣለዉ። ዘፍ. 4፡21፡ ኢዮ.21፡12፡ 30፡31፡ መዝ.150፡4 (Revised Standard Version) ድማ  Pipe ኢሉ ተርጒምዎ ኣሎ።

ኣርጋኖን ናይ ግሪኻውያን፡ ሮማውያን፡ ናይ ኦሬትናት ኣብያተ ክርስቲያን ዝጥቀሙሉ ጣዕሚ ዘለዎ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ እዩ።

ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ኣርጋኖን ምስ ኣውታሩ። (image omitted)

8. መሰንቆ፡ በገና ጊታርን እምብልታን።

ናይ ግብጽን ፋርስን ናይ ባቢሎንን ኣሶራውያንን ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ታሪኽ ንውሕ ዝበለ ታሪኽ ኣለዎ። ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ 3200. ቅድም ኢሉ ዝነበረ ብምዃኑ ንናይ ብሉይ ኪዳን ሰባትን ንናይ ርሑቕ ምብራቕ ሰባት መሠረት ኮይንዎም እዩ።

ካብ ሓጺንን ዕንጸይትን ዝተሰርሑ መሰንቆ፡ በገና፡ ጊታርን እምብልታን ከምኡውን መለኸት፡ ካብ መቓብር ቱታንኬሜን (Tutankhamen) 1347-1338 ቅ.ል.ክ ዝተረኽቡ እዮም።

ናይ ኣሶራውያን ክራር ኣሶራዊ መሰንዎ እናሰንቀወ ዘርኢ ።(image omitted)

እንዚራ

ኣዝዮም ምልኩዓት፡ ብነሓሲ ዝተሰርሑ፡ ትሸዓተ መሰንቆታትን ኣርጋኖናትን ኣብቲ ናይ ኣብርሃም ሃገር ኣብ ዑር ኣብ ርእሲ ናይ ነገስታት መቓብር፡ ቱኣቢ ትበሃል ንግሥቲ፡ ንኽብራ ተባሂሉ፡ ካብዚ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየት፡ ምስ ኣስከሬና ኣግራዳ ምስ ሕይወተን ኣብ ዝተቐብራሉ፡ ቦታ ኣብ 2650 ዓ.ም.ቅ.ል.ክ ተረኺቡ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ሌዋውያን ካህናት ኮኑ ካልኦት ብበገና፡ ብመሰንቆ፡ ብዕንዚራ ብኸበሮ፡ ይዝምሩ ዝነበሩ፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ካብ ጎረባብቶም ካብ ፋርሳውያንን፡ ባቢሎናውያንን፡ ኣሦራውያንን ሚሶፖታማውያንን ዝወረስዎም እዮም። ዋላኳ ኣብ ዘፍ. 4፡24 ደቂ ቱባል ናይ መጀመርታ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ እንተ ሓዘ፡ ብፍላይ ግና፡ ንጉስ ዳዊት፡ 1010-970 ቅ.ል.ክ. ናይ ሓዘን ይኹን ናይ ሓጎስ ናይ መዝሙር መሳርሒ፡ ብመሰንቆን በገናን ፍሉጥ ተጻዋቲ ምንባሩ መልክዕ ኣትሓዞ።

ቅድሚኡ ዝነበረ 2093-2045 ቅ.ል.ክ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ሱማሪያን (ኡር) ንጉስ ቩልጌ ዝበለጸ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ልምዲ ክጽዋት ከም ዝነበሮ ይንገር።

(Harper’s Bible dictionary pp 668,1985 London)

ኣብ ግብጽን ግሪኽን ኣብ ሮማን ማእከላይ ምብራቕን፡ ጣዖታት ዝምለኸሎም ዝነበረ ቦታታት፡ ኣብያተ ጣዖታት ይትዓጸዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ይትረኃዋ፡ ኮይኑ፡ ካብ ቤት ጣዖት ናብ ቤት ጸሎት ተለዊጡ፡ 24 ሰዓታት እግዚኣብሔር ዝምለኸሉ፡ ኮይኑ ኣሎ።

ከምኡ ድማ፡ ጣዖታት ዝምለኸሉ ዝነበረ መሳርሒ ሙዚቃ፡ ክቡር ቃል ኣምላኽ ይምለኸሉ ኣሎ።

ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ኣብ ናይ ኣግኣዚት ቤተ ክርስቲያን።

እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ቅድሚ ናብ ሓድሽ ኪዳን እምነት ክርስትና ምምጽኣ፡ ብናይ ብሉይ ኪዳን እምነት እትምራሕን እትግልገልን ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን እያ።

ኣግኣዚት ቤተ ክርስቲያን፡ ካብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ጀሚራ ክሳዕ ዘመነ ቅዱስ ያሬድ ክሳብ ዘመን ኃፀይ ገብረመስቀል፡ ዘመነ ንግስነት፡ 515- 529 ድ.ል.ክ. ኣብ ምኩራብ ኮነ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ዝፍጸም ዝነበረ ናይ ኣምልኾ እግዚኣብሔር ምስጋና ኣቀራርባ፡ ብወርድ ንባብ እምበር ብዜማ ኣይነበረን።

ዜማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣግኣዚት ብገላጽነት መንፈስ ቅዱስ ንቅዱስ ያሬድ ድሕሪ ምግላጹ ብሰፊሑ ተኣታተወ።

ዜማ ኣብ ክልተ ክንፈፍሎ ንኽእል። መንፈሳዊ ዜማን ሕዝባዊ (ዓለማዊ) ዜማን።

መንፈሳዊ ዜማ እንብሎ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ዓበይቲ በዓላትን ኣብ ጉባኤ ምእመናን፡ ብሊቃውንቲ ዜማ ብናይ ያሬድ ደቀ መዝሙር ብምሁራት ናይ ኣቋቋም፡ ድጓዓ፡ ጾመ ድጉዓ፡ ዝማሬ፡ መዋስዕት፡ ቅዳሴ፡ ቅኔ ወዘተ…ዝቐርብ ናይ ምስጋና ክፍሊ እዩ።

ሕዝባዊ (ዓለማዊ) ዜማ፡ መሠረቱ ካብ መንፈሳዊ ዜማ እዩ ተወሲዱ። እንተ ኾነ ስሙን ግብሩን ከም ዘመልክቶ፡ ናይ ሕዝቢ ባህሊ፡ ወግዒ፡ ማሰ፡ ወዮ፡ ደርፊ፡ ወዘተ እዩ።

እቲ ሕዝቢ: ሕዝቢ እግዚኣብሔር እንተደኣ ኮይኑ፡ ነቲ ዜማ እግዚኣብሔር የመስግነሉ፡

ኣብ ባህልና እንተ ኸድና፡- “ኣደይ ማርያም ወድኽን ዶ ኣለዉየ፡ እወ ኣለዉ ኣላምናና ግዳ። ሚኪኤለየ ምሳኻ ምዓለየ። ኣብ ወፈራ ስራሕ፡ ሆይ ማርያም ሓግዛና፡ ወዘተ ዝብሉ፡ ክብሪ እግዚኣብሔርን ቅዱሳንን ዝዝክሩ፡ ስለ ሃገሩን ወገኑን ብሓጎስ ኮነ ብሓዘን፡ ኣብ ዓወት ኮነ ኣብ ስዕረት፡ ኣብ ኲናት ኮነ ኣብ ሰላም ዝዝመርውን ኣሎ።

ካብ እግዚኣብሔር ኣምላኹ ዝተፈልየን ዝረሓቐን ሕዝቢ ግና፡ ኣብ ሕይወቱ ብዘጋጠሞ፡ ስለ ሥጋዊ ፍትወት ምልዕዓል፡ ስለ ዓለማዊ ትምኒት፡ ነቲ ዜማ ይገልጸሉ። “ኣብ ሓደ ጊዜ ሰብ ካብ ኣምላኽ ንምሽፋት ዘስምዕ ዜማ “ኣዋልድየ ኪዳ ዕበዳ ላዕላይ ሰማይዶ ኣለዎ ሜዳ”  ወዘተ ዝብል ንጥፍኣትን ዕብዳንን ዝዕድም ደርፍታት ነይሩ እዩ

ከምኡውን ኣቦታት ካህናት ቤተ ክርስቲያን ኣብ በዓል ኣብ ቤት ኮይኖም፡ ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ፡ ሓድሽ መዝሙር እናደረሱ፡ እናተጻወቱ ዝዝምርዎ መዝሙር ማኅሌተ ጎምቦ፡ ከም መልክዕ ሳዕስዒት (ሸብሸቦ) ዝበሃል ኣሎ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምእታዉ ብዙኃት ዓበይቲ ሊቃውንቲ እኳ ዘይሰማምዑሉ እንተ ኾነ፡ ሕጂ ግና ምእመናን ንምንቕቓሕ ተባሂሉ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ወረብ፡ ይሽብሸብ ይርአ፡ (ፈጺሙ ምስ ያሬዳዊ ዜማ ግና ኣይቁጸርን።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣግኣዚት ብዜማ ምምስጋን ዝተጀመረሉ፡ ቅዱስ ያሬድ ንዜማ ብሠለስተ ዓይነት ናይ ኣዘማምራ ቅዲ ኣትሒዙ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ምስ ደረሶ እዩ።

ቅዱስ ያሬድ ብቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተራቐቐ፡ ብጸጋ እግዚኣብሔር ዝተቓነየ፡ ዜማ ምስጋና መላእኽቲ ዝሰምዐ ህያብ ዜማ ዝተዋህቦ፡ ቅዱስ ሰብ እዩ። መስከረም 25 ስንክሳር ተመልከት።

ጥቕሲ፡- “ወሰምዐ በህየ ቃለ እንዚራ ወቃለ ኣርጋኖን፡ ወቃለ መሰናቅው፡ እንዘ ይሴብሕዎ ወይዌድስዎ፡ ወየኣኵትዎ ለፈጣሬ ሰማያት ወምድር በስብሓት ወበማኅሌት በቅኔ ወበልዑል ዜማ ነግሀ ወሰርከ ይሴብሕዎ ለንጉሥ ዓቢይ በዓውደ መንበሩ ቅዱስ…. ኣነ እነግረከ ዘትሌቡ ጸውዕ ስሞ ሓዲሰ ለእግዚኣብሔር ዝውእቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ወትነስእ ማኅሌተ እምዕስራ ወኣርባዕቱ ካህናተ ሰማይ በበዜማሁ ወይቤ ጐስዐ ልብየ” ሥርዓተ ማኅሌት ዘኣቡነ ያሬድ ገጽ 23-24

ትርጉም፡- ኣብኡ ድማ ናይ እንዚራ (ኣኮርዲያን) ኦርጋን፡ ድምጺ መሰንቆ፡ ከምኡ ድማ ናይቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ዓቢይ ንጉሥ እግዚኣብሔር ለይትን መዓልትን ብምስጋናን ብማኅሌትን ቅኔን ዓው ብዝበለ ዜማ ዕስራን ኣርባዕተን ካህናት ሰማይ ከመስግንዎ ሰምዐ።

እምበኣር እተስተውዕሎ ክነግረካ እየ፡ ሓድሽ ስም እግዚኣብሔር ጸውዕ፡ ንሱ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ካብ ዕስራን ኣርባዕተን ካህናት ሰማይ ድማ፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ዜማ ክትመሃር ኢኻ ዝብል ቃል ሰምዐ። ድሕሪ እዚ ልበይ ሰናይ ቃል ገንፈለ፡ ኢሉ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ፡ ድማ ናይ ዜማ ሃብቲ ተዋህቦ።

እቲ ዜማ ድማ ዕዝሊ፡ ኣራራይ፡ ግእዝ ይበሃል።

ግእዝ፡- ማለት ቀዳማይ ናይ ዜማ መጀመሪ ማለት እዩ

እዝል፡- (ሕዙል) ኣብ ርእሲ ግእዝ ተሓዚሉ፡ (ተደሪቡ) ዚዝየም ናይ በዓላትን ናይ ኣውደ ዓመታትን እዩ።

ኣራራይ (ኣራሕራሒ)  ዘራሕርሕ ልቢ ዘረስር ዝመስጥ ጣዕሚ ዜማ ማለት እዩ።

ኣብ ዕረፍቲ ቅዱስ ያሬድ ግንቦት 11 ኣብ ምልጣን ዝተደርሰ፡ ፡” ኢየዐዱ እንስሳ ወሰብእ፡ እምነ ሠላስ ዜማሁ፡

ትርጉም፡ ናይ ሰብ ኮነ ናይ እንስሳ ዜማ ካብዘን ሠለስተ ናይ ያሬድ ናይ ዜማ ዓይነት ኣይወጽእን። ዝበሎ ቅዱስ ያሬድ ኣብዚ ዜማ እዚ ተመርኲሱ፡ ህልውና እግዚኣብሔር፡ ስለ ፍጥረተ ዓለም፡ ስለ ምሥጢረ ሥጋዌ፡ ብሓፈሻ ትምህረት ሃይማኖት፡ ነገረ መለኮት፡ ክብረ ቅዱሳን መሠረት ገይሩ ዘሚሩሉ።

ሓሙሽተ ናይ ቅዱስ ያሬድ ናይ ዜማ መጻሕፍቲ

1, ድጓ (ድጉዓ)፡ 2, ጾመ ድጓ (ጾመ ድጉዓ)፡ 3, ምዕራፍ፡ 4, ዝማሬ፡ 5, መዋስዕት: ብትኽክል ናይ ቅዱስ ያሬድ ትምህርቲ ዜማ ዘረድኡና እዮም።

ካብዚ ከም ዝተረዳእናዮ፡ ናይ ኣግኣዚት ቤተ ክርስቲያን እትጥቀመሎም ናይ ሙዚቃ መሳርሒ፡ ካብ 3000 ዓ.ም.ቅ.ል. ዝነበረ ናይ ግብጺ፡ ፋርስ፡ ባቢሎን፡ ኣሦርን ዝተረኽበ እዩ እምበር ካብ ምዕራባውያን፡ ወይ ካብ ዕብራውያን ዝመጸ ኣይኮነን።

ብካልእ መዳይ ክፍለጥ ዘለዎ፡ እዚ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ጥራይ ናይ ውዳሴ፡ ዝማሬ፡ መገልገሊ ክውዕል ዝግብኦ፡ እዚ ግና ኣይግባእን ዝብል ቀኖና ይኹን ዶግማ የለን።

ብኦርጋን፡ ብኣኮርዲያን፡ ምዝማር፡ መናፍቅነት እዩ፡ ብጸናጽል፡ ብከበሮ ብዋጣ፡ ሻምብቆ፡ ምዝማር ግና ጥንታዊ ናይ ኣግኣዚት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መለለዪኣ እዩ፡ ዝብሉ ታሪኻዊ መሠረት ዘይብሉ እዩ።

ብኦርጋን ምዝማር ኣይግባእን ዝብሉ፡ ኣብ እግሪ መምህር (የኔታ ዘይወዓሉ፡ ታሪካዊ ዕቤት ናይ ቤተ ክርስቲያን ዘይተረድኡ እዮም። ብዓቢኡ ድማ፡ እቲ ናይ ያሬድ ዜማ እናበሉ ዝዛረቡሉ ቃል ዘይፈልጥዎ እዮም ኢልካ ክትዛረብ የገድድ።

ምኽንያቱ፡ ናይ ቅዱስ ያሬድ ናይ ዜማ መጻሕፍቲ፡ ኣርጋኖነ ማርያም፡ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ መጽሓፈ ስንክሳር፡ ሰዓታት ዘሌሊት ዘጊዮርጊስ ዘጋስጫን ካልእ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን ጽሑፋት ዘየንበቡ እዮም።

ቅዱስ ያሬድ ኣብ ናይ ዜማ መጽሓፉ፡

1. ኣርጋኖን፡ 2 ዕንዚራ (ኣኮርዲያን) 3ይ መሰንቆ (ክራር) 4, ጸናጽል, 5, ከበሮ, ንማኅሌተ እግዚኣብሔር ዓበይቲ መሳርሒ ምዃኖም ከምዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣስተጋብአተነ ቤት፡ እስመ ለዓለም፡ ሰባኬ ወንጌል ዮሓንስ ኣርጋኖነ ማኅሌት ዘይደምጽ፡ ለቤተ ክርስቲያን ቀርን ነባቢ ዘይጼውዕ መሓይምናነ።

ትርጉም፡ ወንጌል ዝሰብኽ ዮሓንስ ድምጹ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጥዑም ኣርጋኖን ናይ ማኅሌት እዩ። ዮሓንስ ከም ቀርኒ ማኅሌት ምእመናን ናብ ቤተ ክርስቲያን ይጽውዕ። (ድጓ ዘመነ ልደት ጥሪ 4 ዮሓንስ ወልደ ነጎድጓድ)

ብፍላይ ኣብ ናይ ኣግኣዚት ቤተ ክርስቲያን እቶም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ቅዱሳት መጻሕፍቲን ዜማን ዝደረሱ፡ መሠረተ ዜማ ቅዱስ ያሬድ፡ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ሰዓትታን ካልእ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጸሓፉ ኣቦታት፡ ድርሳናትን፡ ብብዝሒ ተጠቒሱ ንረኽቦ።

2. ኣማኅኩኪ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከብካብ ኮነ በቃና ዘገሊላ፡ ዕንዚራ ደምጸ በውስተ ጽርሕ። “ትርጉም፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሰላም ኢለኪ፡ ክርስቶስ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጦ ዝገበሮ ተኣምር እናዘከርኩ፡ ብዕንዚራ (ኣኮርዲያን) ኣብ መቕደሱ ክዝምር እየ።” (ዘመነ ልደት ኣስተርእዮ ድጓ ብሰንበተ ክርስቲያን ዝዝመር ምድቡ ምስ መወድስ)

3. ስረዩ ቤት፡ በክልኤ፡ ኣቡን፡ ስቡሕ በኃይልከ፡ ወኢትምህክ ቃልከ፡ ቃለ ማዕነቅ ተሰምዐ በምድርነ፡ ዮሓንስኒ ይቤ ከመ እንዚራ፡ ውስተ ጽርሐ ንጉሥ።

ትርጉም ብምሉእ ኃይሊ ድምጽኻ ከይቆጠብካ፡ እግዚኣብሔር ኣመስግን፡ መስከረም ስለ ዝበረቐ ኳዅውን ናብ ምድርና እናዘመረ መጸ። ዮሓንስ ድማ እዚ መዝሙር እዚ ኣብ ኣዳራሽ ንጉሥ ብእንዚራ (ኣኮርዲያን) ከም ዝዝምር ዓይነት እዩ።

 4. ደብተራ ፍጽምት ዘጳውሊ፡ ለማኅደሩ ዘጽድቅ ዘገብራ ከሃሊ፡ ፈለሰት እምዘ ይበሊ፡ ኀበ ኢይበሊ፡ በመሰንቆሁ እንዘ የሃሊ፡ ዳዊት ኣቡሃ ዘወለዳ ወዓሊ።

ትርጉም፡ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ካብዚ ሓላፊ ዓለም ዳዊት ኣቡኣ ብመሰንቆ እናዘመረላ ናብ ዘይሓልፍ ዓለም ከይዳ። (እግዚኣብሔር ነግሠ ዘመነ ክረምት ድጓ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ነሓሰ 16)

5. ሃሌ ሉያ ለኣብ ንሴብሕ፡ ከመ ቀስተ ደመና ዘኣሜ ክረምት፡ ኣክሊል ንጹሕ ዲበ ርእሶሙ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ፡ ንዜምር ሃሌ ሉያ ወለመንፈስ ቅዱስ ንሴብሕ፡ ወንዜምር ኪያሁ መድኅነ ከመ ዝብጠተ መሰንቆ ኣርጋኖን፡ ስብሓቶሙ እሙንቱ ለካህናት። ትርጉም፡- ከም ናይ ክረምቲ ቀስተ ደመና፡ ንጹህ ኣኽሊል ንካህናት ዘሰርገወ እግዚኣብሔር ኣብ፡ እግዚኣብሔር ወልድን እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስን ነመስግን። ንእግዚኣብሔር ዘቕርብዎ ናይ ካህናት ምስጋና፡ ብመሰንቆን ብኣርጋኖንን ከም ዝዝመር መዝሙር ጣዕመ ዜማኡ ማራኺ እዩ (ናይ ጾም ምዕራፍ ኣርያም ናይ ሠሉስ)

6. ቅዱስ ያሬድ ንመጀመርታ ጊዜ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ዜማ ክደርስ እንከሎ፡ ካብ ማኅሌተ መላእክት ዝሰምዖ ዜማ ከምዚ ዚስዕብ ክብል ጠቒስዎ ኣሎ።

“ወሰምዐ በህየ ቃለ እንዚራ ወቃለ ኣርጋኖን ወቃለ መሰናቅው፡ እንዘ ይሴብሕዎ ወይዌድስዎ ወየኣኵትዎ ለፈጣሬ ሰማያት ወምድር በስብሐት ወበማኅሌት በቅኔ ወበልዑል ዜማ ነግሀ ወሠርከ ይሴብሕዎ ለንጉሥ ዓቢይ በዓውደ መንበሩ ቅዱስ”

ትርጉም፡-  ብቃል ኣኮርዲያን ብኦርጋን ብመሰንቆን ነቲ ፈጣሪ ሰማያትን ምድርን ብምስጋናን ብማኅሌትን ኣብ ከባቢ ቅዱስ ዓውዲ መንበሩ፡ ክውድስዎን ከመስግንዎን ሰምዐ።” ጥንታዊ ሥርዓተ ማኅሌት ዘኣቡነ ያሬድ ገጽ 23-24

7. “ወሶበ ቀርቡ፡ ወበጽሑ ኀበ ሃገር ሰምዑ ድምጸ ኣርጋኖን ወመሰንቆ፡ ወብዕዛ፡ ወይቤሉ ምንትኑ ዝንቱ።”

ትርጉም፡ ኣብቲ ስፍራ ምስ በጽሑ፡ ናይ ክራርን ናይ ኣርጋኖንን ናይ እምብልታን ድምጺ ሰሚዖም እዚ ነገር እዚ እንታይ እዩ በሉ” በኣቅርንት ወብዕዛ፡ ኣርጋኖን ወብዕዛ፡ ቃለ ቀርን ወእንዚራ፡ ወመሰንቆ ወብዕዛ ማኅሌት። ወምስሌሁ መዘምራን እለሂ በጸናጽል፡ ወእለሂ በከበሮ፡ ወእለሂ በብዕዛ ወበኣቅርንት።

ትርጉም፡ ብመለኸትን ብእምብልታን፡ ብኣርጋኖን። ብቐርኒ መለኸት፡ ብእንዚራ፡ ብመሰንቆን ብእምብልታን ምስኡ ድማ ብጸናጽልን ብእምብልታን ብቀርኒ መለኸትን ይዝምሩ ነበሩ። መጽሓፈ ስንክሳር መስከረም 18፡ 2ይ ዜና 5፡ 12-14 2ዜና 13፡12, ዳን.15፡14 2ይሳሙ. 6፡5 ኪዳነወልድ ክፍሌ መዝገበ ቃላት ገጽ 277። ሰነ 12 ስንክሳር ተመልከት።

ልበ -ኣምላክ ዘማሪ ቅዱስ ዳዊትውን ኣብ መዝሙር ዳዊት 150 ሰብሕዎ በኣውታር ወበእንዚራ”

ትርጉም፡- ኣውታር ማለት፡- ዝግተር ጅማት፡ ስልኪ፡ ጭራ ፈትሊ (እዚ ድማ ከም ክራር፡ ጊታር፡ ፒያኖ፡ ጭራ-ዋጣ) እንዚራ ማለት ድማ ከም ዘለዎ ኣኮርዲያን፡ ንኣምላኽ ኣመስግንዎ ክብል ብግልጺ ኣስፊርዎ ኣሎ።

ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ኣብ ጽሑፋቶምውን ከምዚ ኢሎም ኣስፊሮም ኣለዉ።

ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ኣብ መጽሓፈ ሰዓታት (በብሰዓቱ ዚጽለ፡)

ኣባ ጊዮርጊስ ኣብ ዘመኖም ዝነበረ ናይ ውዳሴ እግዚኣብሔር መቕረቢ፡ ኦርጋን ኣብነት እናኣስተንተኑ፡ ስለ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ምስጋና መጽሓፍ ከዳልዉ እንከለዉ፡ ብኦርጋን መሲሎም፡ ጣዕሚ ምስጋናኣ፡ ላዛ ጣዕሚ ዘለዎ ምዃኑ፡ ጠቒሶም፡ ኣርጋኖነ ማርያም ንዝተባህለ መጽሓፎም ክጅምርዎ እንከለዉ፡

“ ንጽህፍ ዘንተ መጽሓፈ ዘይሰመይ ኣርጋኖነ ውዳሴ፡ ወመሰንቆ መዝሙር ወእንዚራ፡ (ኣርጋኖን ዘሰኑይ)

ትርጉም፡- ናይ ምስጋና ኦርጋን/ኣርጋኖን፡ ናይ መዝሙር መሰንቆ እንዚራ(ኣኮርዲያን) እዚ መጽሓፍ ንጅምር።

ኣርጋኖን/ኦርጋን፡ መሰንቆ፡ እንዚራ፡ ናይ ምስጋና ጣዕሚ ዘለዎ ቃና ከም ዝህቡ፡ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስጋና ኣዕጽምቲ ዘጥልል ናይ ምስጋናኣ ጣዕሚ ውዳሴ ይምሰል።

1. ስኩራነ መንፈስ ነቢያት፡ ወደቂቀ ልዑል ሓዋርያት፡ ኣርጋኖነ መቅደስ ካህናት፡ እለ በክርስቶስ ዲያቆናት።

ትርጉም፡- ብመንፈስ ቅዱስ ዝመልኡ ዝሰኸሩ፡ ነቢያት፡ ውሉድ ልዑል ሓዋርያት፡ ናይ ቤት መቕደስ ኣርጋኖን ጥዑም ዜማ ዝምሰል ካህናት፡ ኣብ ክርስቶስ ዘለዉ ድማ ዲያቆናት እዮም። (ኵሎሙ ዘኪዳነ ምሕረት ኣዋልዲሃ ሰዓታት)

2. ምንተ ረባኁ ለመሰንቆ ጽሩዕ ለእመ ኣልቦ ዘይሰነቅዎ፡ ወምንተ ይደምጽ ንቃወ ዘስቁል ለእመ ኢተነፍሓ በድርገታተ ማኅሌት።

ትርጉም፡-  ዝተቐመጠ መሰንቆ ዝቓንዮ (ዝጻወቶ እንተዘየለ ንምንታይ ይጠቅም፡ ዝተሰቕለ እንዚራ (ኣኮርዲያን) ኣብ ጊዜ ማኅሌት እንዘ ዘየድሃየ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ። (እሴብሕ ጸጋኪ ዘዘወትር ሰዓታት)

3. በነቀልቃለ ስብሐት ሁኪዮ ለኣርጋኖነ ሕሊናየ፡ ከመ ኢያርምም እምስብሐታተ ፍቅርኪ።

ትርጉም፡- ካብ ምስጋና ስብሓታት ፍቕርኺ ሒልናይ ከይዓርፍ፡ ነቲ ጥዑም ኣርጋኖን ሒልናይ፡ ብምስጋናኺ ቃንይለይ። (እሴብሕ ጸጋኪ ዘዘወትር ሰዓታት)።

4. ኣርጋኖነ ማርያም መጽሓፍ ብዓቢኡ፡ ጥዑም ቃል ውዳሴ ቅድስት ድንግል ማርያም።

እምበኣር፡ እዚ ኩሉ ብዝርዝር ዝረኣናዮ፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፡ ዝኾነ ናይ መዝሙር መሳርሒ ነገራት፡ ንእግዚኣብሔር ምምስጋን ዝተማህዘ እዩ። ከመይሲ ኣምላኽ ኩሉ ፍጥረት ፈጢሩ ብጊሓት ኮነ ብምሸት ዝፈጥሮ ኩሉ ጽቡቕ ነበረ ዘፍ. 1።

ቅዱስ ዳዊት ውን ሰብሕዎ በኣውታር ወበእንዚራ። ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣውታር ማለት ብጅማት ወይ ብስልኪ ዝተገተረ፡ ተወጢሩ ድምጺ ከውጽእ ዝኽእል እዩ።

ኣብነት ክራር፡ ኦርጋን፡ ጊታር፡ በገና ጭራ ዋጣ ወዘተ እዮም። ቅዱስ ዳዊት ካብቲ ዝነበሮ ጽቡቕ ናይ ሙዚቃ ፍልጠት፡ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ገይሩ ይዝምር ከም ዝነበረ ይገልጽ እዩ።

ንገለ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ምጥቃም። ንገለ ምኽልካል ኣብ ቀኖና ቤተ ክርስቲያንና የለን። ባሕርን ዓሳታትን፡ ጎቦታትን ኮረቢትን፡ ፀሓይን ወርሕን፡ በረድን ግመን፡ ኣብ ምድሪ ዝበቁል ኩሉ ንእግዚኣብሔር የመስግኖ። (ቅዱስ ያሬድ ድጓ ይትፌሳሕ ሰማይ ዘትንሣኤ። ጸሎተ ሠልስቱ ደቂቅ፡ 3፡57

እምበኣር፡ ኦርጋን፡ እምብልታ፡ ጸናጽል፡ እንዚራ ከበሮ፡ ወዘተ… ናይ ማእከላይ ምብራቕ ሰባት ደኣ እምበር፡ ናትና ኮነ ናይ ዕብራውያን ኣይኮነን።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ከበሮ፡ ጸናጽል፡ ሻምብቆ፡ በገና ናትና እዩ፡

ኦርጋን እንዚራ፡ ወዘተ ግና ናይ ካልኦት እዩ ዚብል ርድኢት፡ ናብ ግጉይ መንገዲ ዝመርሕ እዩ።

ካልእ ኣዝዮም ሰፋሕቲ መግለጽታትን መረድእታትን ብዛዕባ ኣርጋኖን (ኦርጋን) ካብ ጥንቲ ጀሚሩ መገልገሊ ኣምላኽ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ሎሚ ግና ስሙ እምበር መልክዑ ዜናኡ እምበር ግብሩ ከየናጻጸርካን ሓቀኛ ታሪኽ ከይፈለጥካን። ብኦርጋን ክንዝምር ኢና፡ ብኦርጋን ኣይንዝምርን ኢና፡ ዝብል ክርክር ካብ ናይ ሃይማኖት ክሕደትን እምነትን መግለጺ ክገልጽዎ ዝፍትኑ፡ ፍርሓት እግዚኣብሔርን ፍልጠቱን ዝጎደሎም። ነቲ ኣቦታትና ሊቃውንቲ ቤተ-ክርስቲያን፡ ድርዕቶን ዲኖን ተኸዲኖ፡ ቁርን ዋዕን ተጻዊሮም፡ ለሚኖም ዓቢቖም፡ ቆሚሎም ዓለምን ፍትወታን ሓዲጎም፡ ንኽብሪ ዓለም ከም ኢምንት ቆጺሮም፡  ዝተማህርዎ ያሬዳዊ ዜማ፡ ሎሚ እንተ ክኢልና ተማሂርና ጥንታውነትን ታሪኻውነትን ቤተ ክርስቲያንና ክንሕሉን ከነጽንዕን፡ ካብኡ ዝተረፈ ግና ብካልእ ብዘይመስል መገዲ ነቲ ዜማ ከይንልውጦን ከይነበላሽዎን ክንጥንቀቀሉ ይግባእ።

እቲ ሕጂ ኣዝዩ ዘሰክፍ ጉዳይ ድማ፡ ብጉልባብ ሸብሸቦ (ማኅሌተ - ገንቦ) ልክዕ ዓለማዊ ጓይላ ኩዳ ብዝመስል መገዲ፡ ክብሪ ቤተ ክርስቲያንና ዚግህስን፡ ከምቲ ኣብ መልክዓ ማርያም፡ ነቲ “ዘኣስተማሰሎ በተውኔት ለማኅሌተ ንግሥኪ ዝንቱ ጌጋ ወኃጢኣቱ ኢይትሓደግ ሎቱ”

ትርጉም፡ ነዚ ቅዱስ ማኅሌትኪ ብመልክዕ ጓይላ ዘስተማሰሎ፡ ሰብ ኃጢኣቱ ገበን እዩ ኣይኅደገሉን እዩ።” ዚበሎ፡ ዚስዕር ኮይኑ ይኸይድ ኣሎ። ነዚ ድማ ብፍላይ ሊቃውንቲ ኣቦታት ክቆጻጸርዎን ክሓቡሉን ዚግባእ ይመስለኒ።

Bibliography

  1. ቅዱስ ያሬድ መጽሓፈ ድጓ፡ ካብ ዘመነ ጽጌ ናይ ዘወትር ኣቡን፡ ሥረዩ ቤት፡ ሰብሕ በኃይልከ።
  2. ቅዱስ ያሬድ መጽሓፈ ድጓ፡ ዘመነ ልደት ጥሪ 4 ዮሓንስ ወንጌላዊ ድጓ፡ ኣስተጋብኣተነ ቤት ዮሐንስ ኣርጋኖነ ማኅሌት።
  3. ቅዱስ ያሬድ መጽሓፈ ድጓ፡ ካብ ዘመነ ልደት ኣስተርእዮ፡ ዘቃና ዘገሊላ፡ ዘሰንበተ ክርስቲያን፡ መወድስ፡ ኣማኅኩኪ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከብካብ ኮነ።
  4. ቅዱስ ያሬድ መጽሓፈ ድጓ ዘመነ ክረምት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ድጓ ነሓሰ 16። እግዚኣብሔር ነግሠ ደብተራ ፍጽምት ዘጳውሊ…።
  5. ቅዱስ ያሬድ ናይ ጾም ምዕራፍ ናይ ሠሉስ ኣርያም፡ ሃሌ ሉያ ለኣብ ንሴብሕ ከመ ቀስተ ደመና።
  6. ኪዳነ ወልድ ክፍሌ መጽሓፈ ሰዋስው ወግስ ወመዝገበ ቃላት ሓዲስ፡
  7. ደስታ ተክለወልድ 1948፡ ገጽ 239።
  8. መጽሓፈ ስንክሳር መስከረም 18, ሰነ 12
  9. ኣርጋኖነ ድንግል ማርያም ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ።
  10. እሴብሕ ጸጋኪ ዘዘወትር ሰዓታት ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ።
  11. ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዘውገ ምሁራን   መርጌታ ይትባረኽ በርሀ
  12. የመዝሙር/የሙዚቃ መሣርያዎች ታሪካዊ ኣመጣጥ መርጌታ ፀሓይ ብርሃኑ

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div