S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብትንሣኤ ሙዉታን ተስፋ ንገብር (1ይ ክፋል)

መእተዊ (ካብ ጸሎተ ሃይማኖት ተኣምኖ ዶግማዓንቀጽ ፲፩)

ኣብ መጀመርታ ትምህርቲ ጸሎተ ሃይማኖትና ከም እንርእዮ ኣቦታትና "ንኣምን" "ንኣምን" "ንኣምን" ዝበልዎ ክሳብ ዓንቀጽ ዓሰርተው ሓደ ይወስደና።

ካብ ዓንቀጽ ዓሰርተው ሓደ ክሳብ ዓንቀጽ ዓሰርተው ክልተ ግና "ተስፋ ንገብር" ኢሎም ንጸሎተ ሃይማኖት ይዛዙሙ። ተስፋ ዝግበሮ ነገር ንጽቡቕ ነገር ጥራይ እዩ። ምእማን ግን ብዙሕ ነገራት ሒዙ ኣሎ። እምነት ክንብል ከሎና፡ ዝነበረን ዘሎን ዝመጽእ እዩ ዘመልክተና። ተስፋ ግና ነቲ ዝመጽእ ኣማዕድያ ተርእየካ ጥራይ እያ። እምነት ጽቡቕን ኩፉእን ከም ዘሎ ተፍልጠና፡ ተስፋ ግና ነቲ ጽቡቕ ነገራት ጥራይ ተማዕዱ። ንኣብነት መንግሥተ ሰማያትን ገሃንመ እሳትን ክልቲኦም ከም ዘለዉ ንኣምን ድኣ ንብል እምበር፡ ንኽልቲኦም ተስፋ ንገብርሲ ኣይንብልን። እምነት ብዛዕባ ክልቲኡ ክኸውን ይኽእል እዩ። ተስፋ ግና ንሓንቲ ጥራይ እያ። ንመንግሥተ ሰማያት ድኣ ተስፋ ንገብር እምበር፡ ንገሃንመ እሳት ተስፋ ኣይንገብርን፡ ዝምነዮ ሰብ'ውን የልቦን። ስለዚ እቲ ተስፋ ንገብሮ ዘበለ፡ ንወዲ ሰብ ዝጠቕሞ፡ ሓጐስን ደስታን ዘምጽኣሉ፡ ተፈታዊ ነገራት ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።

እሞኸድኣ ንሕና ክርስቲያናት ተስፋና ኣብ ምንታይ ዝተመርኮሰ እዩ፧ ኢልና እንተ ንሓትት፡ ካብዘን ዝቕጽላ ክልተ ዓናቅጻት ክንረኽቦ ንኽእል። ሰብ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብህይወት ክነብር ከሎ፡ ክኸላኸሎን ክዕወተሉን ከሰንፎን ዘይከኣለ፡ ሓያል ጸላኢኡ ሞት ከም ዝዀነ፡ ኩላትና ንፈልጦ ሓቂ እዩ። ንብርሃን ህይወትና ዘጥፍእ እዚ ሞት ዝተባህለ ጸላኢና ኣብ መጨረስታ ዘመን ብሓይሊ እግዚኣብሔር ከም ዝድምሰስ፡ ወዲ ሰብ ድማ ነቲ ዘይጠፍእ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከም ዝረክብ፡ ሓጐስን ደስታን ዘለዎ መንግሥተ ሰማያት ከም ዝወርስ ኣብ ወንጌል ጥዑም ዜና(ቅዱሳት ጽሑፋት)  " ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፡ ኣንታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ" ከም እንብሎ ተገሊጹ ኣሎ (1ቆረ፡1555) ስለዚ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽ ፲፩. ብዛዕባ ምሥጢረ ትንሣኤ ሙዉታን ተስፋ ንገብር ኢሎም ኣቦታት ዘትሓዙና ክንመሃር ኢና። ቀጺልና ድማ ዓንቀጽ ፲፪  ነቲ ዚመጽእ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንጽበ  ዝብል ክንመሃር ኢና።

ትንሣኤ ሙውታን ተስፋ ክርስቲያን እዩ

ምሥጢረ ትንሣኤ ምውታን ማለት፡ ናይዚ ንነብረሉ ዘሎና ዓለም መፈጸምታ ምስ ኰነ፡ ምውታን ድምጺ እግዚኣብሔር ፈጣሪኦም ሰሚዖም፡ ሥጋኦምን ነፍሶምን ከም ብሓድሽ ተዋሃሂዱ ካብ መቓብር ተንሲኦም፡ ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዝትንሥኡሉ እዩ። እዚ ሕጂ ዓብይ ምሥጢር ኰይኑና ዘሎ፡ ንሽዑ ግና ዓብይ ጋህዲ ክዀነልና እዩ እሞ እቲ ምሥጢር፡ ድሕሪ ትንሳኤ ምስጢር ኣይክኸውንን እዩ።፡ እቲ ሕጂ ኣሚንና እንመሃሮ እምነት ክርስትና ሃይማኖት ኣብ ሥጋ ተደሪትና ስለ ዘሎና ምሥጢር እዩ። ምሥጢር ዝተባህለሉ ምኽንያት ከምቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዝጠቐስናዮ፡ ሙውታን ዝትንሥእሉ ከመይን መዓሰይን ብኸመይ ዝኣመሰለ ኣገባብን ንዝብል ሕቶ፡ ሰሚዕናዮ ድኣ እምበር፡ ብተግባር ተመኲርናዮ ስለ ዘይንፈልጥ፡ ኣሰራርሓኡ ንኣምላኽ ግሁድ፡ ንስብ ግና፡  ልዕሊ ዓቕሙ ስለ ስለ ዝዀነ፡ በኣእምሮና ክንግምቶ ስለ ዘይከኣለና፡ ብመለኮታዊ ሓይሊ ስለ ዝፍጸም፡ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ምሥጢር ዝበለና ንሕናውን ምሥጢር ኢልና ኢና ንገልጾ።

ሰብ ሞይቱ በስቢሱ ናብ ሓመድ ተለዊጡ ክነሱስ፡ ከመይ ገይሩ ድጊሙ ህያው ኰይኑ ክትንሥእ ይከኣሎ፧ ኢልና ክንሓስብ ግድን እዩ። ኣብዚ ክርሳዕ ዘይግብኦ ግና፡ ሰብ ክፍጠር ከሎ፡ ካብ ሓመድ ምድሪ ከም ዝተፈጥረ ክንዝንግዕ ኣይግብኣናን። (ዘፍ፡ 27) ሕጂውን እንደገና ከምቲ ብመጀመርታ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ኣልዒሉ ህያው ዝገበሮ፡ እንደገና ካብ ሓመድ ምድሪ ኣልዒሉ ህያው ክገብሮ ንኣምላኽ እንታይ ዘጸግሞ ኣሎዎ። "ንእግዚኣብሔርዶ ዝጨንቖ ኣሎ እዩ" ይብል ጽሑፍ። እምብኣርከስ  እግዚኣብሔር ኣምላኽና ከምቲ ንወዱ ካብ ሙዉታን ዘተንሥኦ፡ ንኣመንቱ ድማ ትንሣኤ ሙዉታን ኣለዎም ኢሉ ስለ ዘተስፈወና፡ ንኣምንን ብተስፋ ንጽበን ኣሎና (ዮሃ፡ 2429)

እሞኸ እታከመይ ኢሉም እዮም ዝትንሥኡ፧እትብል ሕቶዶ ጌና ሕርኽርክ ትብለና ኣላ፡ እወ እዚ ብርግጽ ሕቶ እዩ። መልሱ ግና ሓዋርያ ጳውሎስ ቀደም ከይተወለድና ከሎና መሊሱልና ስለ ዘሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ቆረንቶስ ምዕራፍ 15 ጥቅሲ 35 ክሳዕ መወዳእታ እንተ ተመልከትና ክርድኣናን ንሕቶና መልሲ ክንረኽበሉን ንኽእል ይመስለኒ። ሕጂ ግና ናብቲ ጀማሪ ትንሣኤና ዝዀነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንስገር።

ጀማሪ ትንሣኤ ሙውታን ጐይታ ባዕሉ እዩ።

ንሕና ክርስቲያናት ትንሣኤ ሙውታን እንኣምነሉ ምኽንያት ኣብ ወንጌል ጥዑም ዜና፡ ተጻሒፉ ስለ ዘንበብናዮ ጥራይ ኣይኰነን። እቲ ሓቅስ እኹልን ትርፍን ዘለዎ ብቑዕ መርትዖ ስለ ዘሎና እዩ። ጐይታ ባዕሉ ካብ ሙዉታን ተፈልዩ ከም ዝተንሥኤ ታሪኽ ኣይሁድን፡ ታሪኽ ሮማውያንን፡ መቀይሮ ታሪኽ ዓለምን ምስክር ስለ ዝዀነ ድማ ኢና እምበር፡ ካብ ባይታ ተበጊስናስ ኣይኰናን። ክርስቲያናዊ እምነት መጀመርታኡን መወዳእታኡን ኣብ ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ዝተመርኰሰ እዩ እንተ ተባህለ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይመስለንን። ከመይሲ እቲ ክርስቶስ ሰብ ኰይኑ ናብ ዓለም ዝመጸሉ ቀንዲ ዕላማ፡ መሰረቱ ሞት ክስዕር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሞት ብትንሣኤኡ ከም ዘይነበረ ገይሩ ኣጥፊኡ ኣብ ባሕሪ ምርሳዕ ኣእትዩ፡ ንኣመንቱ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከጓናጽፈም ኢሉ ከም ዝተገልጸ፡ ኣብ ወንጌል ጥዑም ዜና ተመዝጊቡ፡ ኣብ ኦሪት ድማ ብትንቢት ተነጊሩ ኣሎ። እምብኣርከስ ክርስትና ሃይማኖት ንሰብ ዘበለ ክስበኽ ዝተደልየሉ ምኽንያት፡ ክርስቶስ ካብ ሙዉታን ንባዕሉ ተንሢኡስ፡ ንኹሉ ወዲ ኣዳም ትንሣኤ ከም ዘሎ ስለ ዘበሰረ እዩ። ነዚ መረጋገጺ ዝዀነና ድማ፡ እቲ ኣብ በዓላት ሓምሳ ኣብ ምጅማር ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያ ጰጥሮስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት እኩባት ህዝቢ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝመስከሮ ብቑዕ ምስክርነት ክረጋገጽ ይከኣል (ግብ፡ 214-36) ኣይሁድ ግና እቲ ተስፋ ቅድም ንዓኣቶም ተዋሂቡ ክነሱ፡ እምነቶም ስለ ዝረስዑ፡ ተስፋኦም ስለ ዘቕሃሙ፡ ትንሣኤ ሙዉታን ከም ዘሎ ኣይዘከሩን፡ ነቲ ዝቐተልዎ ንጉሶም፡ ካብ መቓብር ከይትንሥእ ብዓቢ እምኒ ገይሮም ዓጽዮሞ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ብሚኢቲ ሓለቓ ዝምራሕ ጭፍራ ገይሮም ከይትንሥእ ይሕልዉዎ ነበሩ። እንተዀነ ንሱ እቲ ሓቀኛ ተስፋ ትንሣኤና ስለ ዝዀነ፡ በዚ'ውን ኣይተታሕዘን (ማቴ፡2762-66) እቲ ኹሉ ሥልጣን ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ ጐይታ መቓብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ፡ ለይቲ ዀይኑኒ ጸሓይ ይብረቐለይ ከይበለ፡ መቓብር ተዓጽዩ ከሎ፡ ብመለኮታዊ ሥልጣኑ ካብ ማእከል ሙዉታን ተፈልዩ ብሣልሰይቲ መዓልቲ ካብ መቓብር ተንሥኤ: መቓብር ድማ ጥርሑ ተረፈ። እቲ ካብ ማእከል ሙዉታን ተፈልዩ ዝተንሥኤ ክርስቶስ፡ ነቶም ሰብዓን ክልተን ደቀ መዛሙርቱ ተገልጸሎም፡ ነቲ ዝተሸንከረ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ጕድኑን ድማ ኣርኣዮም። መሊሱ ድማ ነቶም ሓሙሽተ ሚእቲ ተገልጸሎም።

ሓዋርያት ድማ ነቲ በዒንቶም ዝረኣይዎን በእዛኖም ዝሰምዕዎን በእዳዎም ዝዳህሰስዎን፡ ካብ ማእከል ሙውታን ዝተንሥኤ ጐይታ፡ ናይ ዓይኒን እዝንን መሰኻክር ኰይኖም ንትምህርቲ ትንሣኤ ሙውታን ናብ ምልእቲ ዓለም ኣብጽሑዎ። ነቶም ገበርቲ ሰላም ዝዀኑ ብልቦም ትንሣኤ ሙዉታን ዝጽበዩ ዝነበሩ ድማ፡ ትንሣኤ ኣበሰርዎም። ነቶም ላንጋ ላንጋ ዝነበሩ ኣጽንዕዎም፡ ነቶም ዝተሓለሉ ኣበርትዕዎም፡ ነቶም ትንሳኤ ዘይኣምኑ ኣእመንዎም፡ ነቶም ትንሣኤ ከም ዘሎ ዝኽሕዱ ድማ ኣፎም ኣትሓዝዎም።

ሓዋርያት ስለቲ በእዛኖም ዝሰምዕዎ፡ በዒንቶም ዝረኣይዎ፡ በእዳዎም ዝዳህሰስዎ ሓቂ፡ ነቲ ዘጋጠሞም መከራ ማእሰርትን ጥሜትን ጽምእን ድኻምን መስጐግትን ከም ሓጎስ ገይሮም ተቐበልዎ። ኤረ ኣብቲ ዝመጽእ ትንሣኤ ሙዉታን ብልቢ ስለ ዝኣመኑ ክሳዕ ሞት ንህይወቶም ኣየክበርዋን። መከራ ድምብርጽ ከይበሎም ብሥራት ትንሣኤኡ ንዓለም ኣበሰሩ። እቲ ቀንዲ ንሞት ዘይፈርሕሉ ምኽንያት ከኣ፡ ትንሣኤ ክርስቶስ ሓቂ ስለ ዝነበረን ንባዕላቶም ድማ ኣብ ትንሣኤ ክርስቶስ ክፍሊ ክህልዎም ተስፋ ስለ ዝገበሩን እዮም።

እምብኣርከስ ንክርስቶስ በኵሪ ምዉታን ተባሂልሉ ዘሎ ምኽንያት ቅድሚ ኩላትና ስለ ዝተንሥኤ እዩ እሞ፡ ንሕና ድማ ነዚ በኵሪ ትንሣኤ ሕይወትና ዝዀነ ፍቱን መድኃኒት: ነፍስናን ሥጋናን ዝዀነ ክርስቶስ ካብ ቓሉ እናተመሃርና፡ ትንሣኤ ሙዉታን ከም ዘሎ እናኣመንና ከነእምንን ክንክተሎን ተጸዊዕና ኣሎና። "እቲ ብእኡ ዝኣመነ እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ክነብር እዩ" ከም ዝተባህለ፡ እቲ ዝኣመነ ሕጂ ብሥጋ እንተ ሞተ እኳ፡ ኣብታ ምድብቲ መዓልቲስ ብርግጽ ክትንሥእ እዩ (ዮሃ፡ 1125-26)

ደቂ ቆረንቶስ ዳርጋ ነዛ ሕጂ ዘላ ዓለም እዮም ዝመስሉ ዝነበሩ እሞ፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ንሶም ክብልዎ ዝደልዩ ግሁድ ትንሣኤ ከምዚ ገይሩ ይምልሰሎም "ክርስቶስ ካብ ምዉታን ከም ዝተንሥኤ ካብ ዚስበኽ ድኣ ከመይ ኢሉም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም ትንሳኤ ምዉታን የልቦን ዚብሉ ዘለዉ፧"ትንሣኤ ምዉታን ዜልቦ እንተ ዀይኑስ ክርስቶስ ድማ ኣይተንሥኤን። ክርስቶስ ዘይተንሥኤ እንተ ዀይኑስ እምብኣርከስ ስብከትና ከንቱ እዩ፡ እምነትኩም'ውን ከንቱ እያ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሢእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ  ዘየተንሥኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘይተንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና። ምዉታት እንተ ዘይተንሥኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡ ክርስቶስ ዘይተንሥኤ እንተ ዀይኑስ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም። እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም። ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀና ኔርና።ይብል  (1ቆረ፡1512-32)

እዚ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝተዋህበ ሓቅኛ ምስክርነት ስለ ዝዀነ፡ ንዘለዓለም ጸኒዑ ክነብር ግድን እዩ። ነዚ መልእኽቲ እዚ ዘንበቡ ዘበሉ ድማ ሓቀኛነትን ግሉጹነትን ናይዚ መልእኽቲ እዚ ክርድኦም ግድን እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ንባዕሉ ምስቶም ጸረ ትንሣኤ ዝነበሩ ኣይሁድ ኰይኑ፡ ንክርስቲያናት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክሃድኖም ከሎ፡ እቲ ሞይቱ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ብሃንደበት ኣብ መገዲ ደማስቆ ስለ ዝተገልጸሉ፡ ምስክርነቱ ብቓል ጥራይ ሰሚዑ ኣሚኑ ዘኰነ፡ ንክርስቶስ ብግብሪ ካብ ማእከል ምዉታት ተንሢኡ ርእይዎን ተዛሪብዎን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ካብ ሰጓጒ ናብ ተሰጓጒ፡ ካብ ኣይሁድነት ናብ ክርስቲያንነት ተለዊጡ፡ ክሳዕ ሞት ዝበጽሕ ወንጌል ዝሰበኸ (ግብ፡ 91-30 171-34  221-30  231-11)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div