S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓቀኛ ብርሃን

ስብከትን ምንባባት ወንጌልን:- ታሕሳስ 4ይ ሰንበት
(ዘመነ ስብከት፤ ካብ ታሕሳስ 7 - ታሕሳስ 26 ግእዝ)
ምንባባት ወንጌል
ዲያቆን:- ሮሜ፣ 13፣11-14-----------------(Deacon) Romans 13:11-14
ንፍቅ ዲያቆን:- 1ይ ዮሃ 1፣ 1-10-------(Sub deacon)
  1st John 1ይ ዮሃ 1፣ 1-10
ንፍቅ ካህን:- ግብ
  26፣12-19-------------(Assistant Priest) Acts 26:12-19
ካህን:- ዮሃ 1፡1 -19-------------------------(Priest) John 1:1 -19
መዝሙር ዳዊት፡- ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ፣ እማንቱ ይምርሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ ወውስተ ኣብያቲከ እግዚኦ። (መዝ 43፡3-4)
መዝሙር ዳዊት፡- ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ።(መዝ 433-4)
Psalms:- “Send out your light and your truth; let them lead me; let them bring me to your holy hill and to your dwelling!” (Psalms 43:3-4).
ቅዳሴ፡- ኣትናቴዎስ

ሓቀኛ ብርሃን

ካብ 7 ታሕሳስ ክሳብ 26 ታሕሳስ (ግእዝ) ዘሎ እዋን፣ ቤተ ክርስትያን ዘመነ ስብከት ኢላ ትጽውዖ። እቲ ምኽንያት፣ ነቢያት፣ ጎይታ ስጋ ለቢሱ ክመጽእ ምዃኑ ስለ ዝመሃሩን ዝተነበዩን ብሓደ ወገን፣ በቲ ካልእ ድማ ቤተ ክርስትያን ነቲ ንድሕነት ደቂ ሰባት ኢሉ ዝተወልደ ክርስቶስ ስለ እትሰብኽ እዩ ነዚ ቅድሚ ልደት ዘሎ ወቕቲ ዘመነ ስብከት እትብሎ።

2ይ ሰንበት ናይዚ እዋን'ዚ ድማ ብርሃን ይበሃል። ነቢያት ናይ ህይወትና ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ክውለድ እዩ ኢሎም ስለዝመሃሩ፣ ሓቀኛ ብርሃን ክመጽእ እዩ ኢሎም ስለ ዝሰበኹ፣ ብሓቂ እቲ ሓቀኛ ክርስቶስ ናይ ሓቂ ብርሃን ምዃኑ ዝስበኸሉን ዝምስገነሉን እዋን እዩ። 

ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ሓቀኛ ብርሃን ህይወት ናይ ደቂ ሰባት ዝገለጸ፣ ጸልማት ዘይመልኮ፣ ኣብ ጸልማት ዘብርህ ሓቀኛ ብርሃን እዩ። እዚ ካብታ “ኣፍ ደገ ብርሃን” ተባሂላ እትጽዋዕ ድንግል ማርያም ዝተወልደ፣ ህይወት ዝፈጠረ፣ ኣቦ ብርሃናት፣ ኣምላኽ ብርሃን፣ ኣቦ ህይወት ካብ ዝበሃል እግዚኣብሄር-ኣቦ ዝተወልደ፣ ዘይምርመር፣ "ብርሃን ዘኢይትነገር፣ ክንገር ዘይክኣል ብርሃን" ዝተባህለ ናይ ሕልናና ጸልማት ዝቐንጠጠ፣ ዓይኒ-ልቡናና ዝኸፈተ፣ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ፍጹም ብርሃን እዩ።

ዮሃንስ ስለዚ ብርሃንዚ ክምስክር ተላእከ፣ ክምስክር ከሎ ድማ "እቲ ንኹሉ ሰብ ብርሃን ዝህብ ፍጹም ብርሃን ናብ ዓለም መጸ" እናበለ መስከረ። እዚ ብርሃን እዚ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ዘብርህ ብርሃን እዩ (2ይ ጴጥ 1፣19)። ንሱ ብርሃን ዓለም እዩ (ዮሃ 8፣12-59)። ብርሃን ኣሕዛብ ምዃኑ ድማ ካብ ጥንቲ ዝተፈልጠ እዩ (ኢሳ 49፣6)። እዚ ብርሃን እዚ ካብ ምዕንቃፍ የድሕነካ፣ ካብ ማህሰይቲ የናግፈካ፣ ከይትወድቕን ከይትሰናኸልን ይሕልወካ፣ ክዕንቅፈካ ዝኽእል ኩሉ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ስጡሕ ይገብሮ።

ክቡር ኣንባቢ፣ እዚ ዓቢይ ብርሃን በሪሁልካዶሎ? እምበኣር ብብርሃን ጎይታ ተመላለስ። ግብርኻ ኩሉ ብርሃን ዝተመልአ ይኹን። ኣንታ ዕዉር’ውን ህይወት ካብ ሃለወካ፣ ንሱ ብርሃን ዕውራት እዩ’ሞ ካብኡ ኣይትርሓቕ። ንሱ ድማ ምርኣይ ክህበካ እዩ። ክፉእ ተግባር ዝገብሩ ሰባት ብርሃን ከምዘይፈትዉ፣ ንስኻ ግና ካብቲ ብርሃን ጎይታ ኣይትከወል። ካብ ብርሃን ዝኽወል ስራሕ፣ ወይ ኣብ ብርሃን ዘሕፍር ህይወት እንተለካ ግና ኣበሳኻ ብንስሓ ኣሊኻ ካብ ጸልማት ተገላገል።

ስለዚ፣ ብብርሃን ወንጌል ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚንካ፣ ብርሃን ለቢስካ፣ ብርሃን ተጎናጺፍካ፣ ምስቶም ውሉድ ብርሃን ዝኾኑ ጻድቃን ኣብቲ ናይ እግዚኣብሄር-ኣቦ ብርሃን ደው ንምባል ሕጂ ተጊህካ ተመላለስ።

ካብ ያሬዳዊ መዝሙር፣

1.ብርሃን ዘመጻ ውስተ ዓለም ዘያበርህ ላዕለ ጻድቃን መርዓዊሃ ለቤተ ክርስትያን ይርዳእ ዘተሃጉለ፣ ያስተጋብእ ዝርዋነ፣ መጽኣ ሃቤነ።

 እዚ ናብ ዓለም ዝመጸ ብርሃን፣ ንጻድቃን ብርሃኖም፣ ንቤተ ክርስትያን ድማ መርዓዊኣ እዩ። ንሱ ዝተበተኑ ክእክብ፣ ዝተጎድኡ ክረድእ ናባና መጸ።

2.በከመ ይቤ ጳውሎስ ንግድፍ እምላእሌነ ኩሎ ምግባረ ጽልመት ወንልበስ ወልታ ጽድቅ እስመ ኢየሱስ ክርስቶስ መጽኣ ውስተ ዓለም ንዑ ናንሶሱ ውስተ በብርሃኑ።

ጳውሎስ ከምዝብሎ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዓለም መጺኡ እዩ'ሞ ኩሉ ግብሪ ጸልማት ሓዲግና፣ ዋልታ ጽድቂ ለቢስና፣ ብመገዲ ብርሃን ንመላለስ።

3.ብርሃን ዘበኣማን ዘያበርህ ለኩሉ ሰብእ ለእለ ይነብሩ ውስተ ዓለም።

ኣብ ዓለም ንዘለዉ ኩሎም ብርሃን ዝህብ እቲ ሓቀኛ ብርሃን ክርስቶስ እዩ።

ክብሪ ንእግዚኣብሄር ይኹን። ኣሜን።

ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div