S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ ቃል፣ ቅድሚ ክልተ-ሺሕ ዓመት፣ ኣብ ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ቃል እዩ። እዚ ሠራዊት ሰማይን መላእኽትን ኃቢሮም ዘስምዑዎ ቃል ምስጋና`ዚ፣ እቶም ናይ ቤተ-ልሔም ጓሶት፣ ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ክርድኡዎ ዝኸኣሉ ነገር ኣይነበሮምን። ስለዚ ከኣ`ዮም እቲ ዝኾነ ነገር ክንፈልጥ፣ ናብ ቤተ-ልሔም ንኺድ ዝበሉ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ከኣ፣ እቲ ጎይታን መድኅን-ዓለምን ዝኾነ ክርስቶስ፣ ምስታ ቅድስቲ ዝኾነት ወላዲተ-ኣምላኽ ድንግል-ማርያምን፣ ከምኡ`ውን ዮሴፍ ኣብ መብልዕ-ማል ደቂሱ ረኸቡዎ። (ሉቃ-2/14)

እዚ ልደት` ግና፣ ሓደ ዝኾነ ተራ ልደት ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ መልኣኽ “-እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ-ዓለም ዝኸውን፣ ዓቢይ-ሓጎስ አበሥረኩም ኣሎኹ` ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ሎሚ መድኃኒ-ክርስቶስ ጐይታ ተወሊዱልኩም ኣሎ-” ብምባል` ነቶም ጓሶት ዘበሠሮም። ከመይሲ ዓለም ነዚ ልደት` ክትጽበዮ ጸኒሓ እያ። ስለዚ` ነቢይ ኢሳይያስ`ውን ብወገኑ “-እቲ ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ፣ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ። ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ-ሞት ዝነብሩ ድማ፣ ብርሃን ወጸሎም-” ብምባል፣ ኣቐዲሙ ተነብዩዎ ዝነበረ ትንቢት` ፍጻሜ ረኺቡ። ስለዚ ድማ` እቲ መልኣኽ`ውን “-እንሆ ንኹሉ ዓለም ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም ኣሎኹ-” ዝበለ። (ኢሳ-9/2)

ብኣጣቓላሊ ክርአ ከሎ ልደተ-ክርስቶስ፣ ንዓና ንክርስቲያን ዓቢይ ዝኾነ ናይ ድኅነት ብሥራት `ዩ። ብዘይካ` ልደት` ከኣ፣ እቲ ሕይወት ዝበሃል ነገር`ውን ንርእሱ፣  ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ኣይነበረን። ካብዚ ሓሊፉ`ውን እቲ ናይ ቤተ-ልሔም ልደት፣ ኣምላኽ ሰብ ዝገበረ ዓቢይ ምሥጢር ስለ-ዝኾነ፣ እቲ ምሥጢር ` ብቋንቋ ደቂ ሰብ፣ ተገሊጹ ክብጻሕ ይኽእል` ዝበሃል ኣይነበረን። ስለዚ` ቅዱስ-ኤፍሬም`ውን “-እስመ ወለድኪ ለነ ንጉሠ፣ መንክር ምሥጢር ኀደረ ላዕሌኪ፣ ለመድኃኒተ ዚኣነ-” ድሕሪ ምባሉ “-ናርምም እስመ ኢንክል ፈጽሞ ጥንቁቀ ነጊረ፣ በእንተ ዕበዩ ለውእቱ ገባሬ ሠናያት-” ብምባል ክድምድሞ ከም-ዝተገደደ ኢና ንርኢ። (ውዳሴ-ማርያም ዘሠሉስ)

እዚ ማለት ድማ “-እቲ መንክር ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ምሥጢር፣ ንዓና ንምድኃን ኣባኺ ኀደረ። እቲ ንጉሥ ዝኾነ መድኃኒ ከኣ ወለድክልና። ስለዚ እዚ ምሥጢር` ገሊጽና ክንወጾ ስለ-ዘይንኽእል፣ ሱቕ ጥራይ ንበል-” ብምባል`ዩ፣ እቲ በዓል-ሶርያ ዝኾነ ቅዱስ-ኤፍሬም ኣብ ድርሰቱ ገሊጹዎ ዘሎ። እዚ ልደት` ከኣ`ዩ፣ ነታ ኣብ ከቢድ ድቕድቕ ዝበለ ጸልማት እትርከብ ዝነበረት ዓለም፣ ብርሃን ኮይኑ ክበርሃላ ዝኸኣለ። ንክብርን ዕቤትን እዚ ልደት` ንምግላጽ ከኣ`ዩ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ “-ልደትካ ልደተይ ሞትካ`ውን ሕይወተይ፣ ጐይታይ ናትካ እየ፣ ንስኻ `ውን ናተይ-” እናተባህለ ክዝመር ዝነብር ዘሎ።

ርግጽ` በዓላትና ወይ ዓውደ-ዓመታትና፣ ሕዝብና ደስ ኢሉዎን ተሓጒሱን ካብ ዘየብዕሎም ነዊሕ እዋን ኮይኑ`ዩ። እቲ ክንድቲ ዝኣክል ክብደት ዘለዎ ኣርዑት፣ ተሰኪሙ እናሃለወ ከኣ፣ ባህ ኢሉዎ ዘብዕሎም ዓውደ-ዓመታት ክህልውዎ፣ ክሕሰብ`ውን ዝከኣል ነገር ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብቲ ብምኽንያት ዓውደ-ዓመታት፣ ኣብቲ ብናይ ኣሥመራ ተለቪዢን ዝቐርብ መደባት እንተረአና፣ ኣብቲ ኮነ ተባሂሉ ዝግበር ጓይላን ዳንኬራን፣ ዝስዕስዕን ዝዕንድርን ሕዝቢ ደኣምበር፣ ቤተ-ክርስቲያንን መስቀልን፣ ካብቲ መድረኽ ካብ ዝእለዩ ነዊሕ ኮይኑ`ዩ። እዚ ከኣ` እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 30-ዓመት፣ ኣብቶም በዓላትና ወይ ዓውደ-ዓመታትና፣ ብተደጋጋሚ ክርአ ዝጸንሐን። ገና`ውን ክቕጽል ዝርከብ ዘሎን።

እዚ ኩሉ` ድማ ብኣጋጣሚ ዝፍጸም ዘሎ ዘይኮነስ፣ እቲ ኣብ 91 ብበረኻ ኣቢሉ ዝኣተወና ንፋስ፣ ነቲ ሕዝቢ-ክርስቲያን ሃይማኖትን ባህልን ክብርን መንነትን ዘይብሉ ንምግባር፣ ኮነ ተባሂሉ ኣብ በረኻ ተሓንጺጹ ዝመጸ መደብ ንምትግባር ምዃኑ፣ ክጠፍኦ ዝኽእል ኣሎ ኣይንብልን። ኣብዚ ዝሓለፈ 30-ዓመታት ከኣ፣ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ እምነት-ክርስትና፣ ዘይተፈጸመ ግፍዒ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ሕጂ`ውን እንተኾነ፣ ካብቲ ክኽየድ ዝጸንሐ ናይ 30-ዓመት ጉዕዞ፣ ዝተቐየረ ነገር ክህሉ ትጽቢት ክግበረሉ፣ ይኽእል` ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ ሕዝብና ካብ እምነት ወጻኢ ኮይኑ፣ ንኽርከብ፣ 30-ዓመት መመላእታ ክሥረሓሉ ጸኒሑ`ዩ፣ ገና`ውን ሕጂ ብቐጻሊ ይሥርሓሉ` ዘሎ።

ስለ-ዝኾነ`ውን እቲ ሥርዓት ኣብ ሕጂ በጺሑ፣ ናይ ባህርያት ለውጢ  ክግበር ኢልካ ትጽቢት ክግበረሉ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ከመይሲ ካብ ዝሓለፈ 15-ዓመታት ጀሚሮም፣ ኣብ መቑሕ ኣትዮም ዝርከቡ ውሉደ-ክህነትና  ዉሑዳት ኣይኮኑን። ብጠቕላላ መነኮሳትናን ካህናትናን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣትዮም ዝበልዩ ዘለዉ ብዙኃት`ዮም። ልዕሊ ኩሉ ድማ ንሶም እቶም ፓትርያርክ፣ ማለት ኣቡነ-እንጦንዮስ፣ ኣብ መቑሕ ናይቲ ሥርዓት ካብ ዝኣትዉ፣ እንሆ 15-ዓመት ክመልኡ ዝተረፎም ግዜ ብዙሕ ኣይኮነን። ገዳማትና ብወገነን ንህልውንአን ኣብ ዝፈታተን ከቢድ ሓደጋ ካብ ዝወድቃ ዓመታት ኮይኑ`ዩ። ከመይሲ እቲ ዝነበረ ኃይሊ-ሰበን ተጸንቂቑ፣ እቲ ተሪፉወን ዝነበረ ዝርካቡ ድማ፣ ኣንፈቱ ንሳዋ ገይሩ ተኸብኪቡ ከም-ዝወርድ ስለ-ዝተገብረ፣ ብዙኃት ገዳማትና ኣብ ክዕጸዋ ዝግደዳሉ ጫፍ ረጊጸን ምህላወን፣ ብኣውያት መልክዕ ካብ ዝንገረና ደጊምሲ ነዊሕ ኮይኑ`ዩ።

ብኣሽሓት ዝቑጸር ውሉደ-ክህነትና`ውን ከምኡ፣ መስቀሉ ኣግዲፎም ተሰካም ጠብ-መንጃ ብምግባር፣ ኣብ በረኻ ከርተት እናበለ ከም-ዝኣርግን ከም-ዝበልን ካብ ዝገብሩዎ፣ እዚ`ውን ዓመታት ኣቑጺሩ`ዩ። እዚ ኩሉ ተደራራቢ ግፍዒ እናተፈጸመ ከሎ ከኣ፣ በዓላትና ናይ ሓጎስን ደስታን ክኾኑልና፣ ትጽቢት ክግበረሎም ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ ቤተ-ክርስቲያንና ኣብዚ ህሞት`ዚ፣ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ንብርሰት ወይ ንሕልፈት ዝተቓልዐት ኮይና` ትርከብ ዘላ። እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፍጸም ዘሎ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ከኣ፣ መመሊሱ እናወሰኸ ደኣ` ክኸይድ ዝርአ ዘሎ እምበር፣ ነቲ ኣብ ዝባና ተቐሚጡ ዘሎ ኣርዑት፣ ኣብ ምዝላቕ ዘድሃበ፣ ዝኾነ  ክዕረ ኣብ ዘኽእል ኣንፈት ኣቢሉ ዝኸይድ ተስፋ ዛጊት ኣይረአን ዘሎ።

ስለዚ ከምቲ ኩሉ ግዜ ክንብሎ ዝጸናሕና፣ ሎሚ`ውን ምስ ንብዓት ዓይንና ብእህህታን ሓዘንን እምበር፣ ስሒቕናን ተሓጒስናን እነብዕሎ ዓውደ-ዓመት ክኾነልና ዝኽእል ኣይኮነን። ብርግጽ `ውን ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት`ውን፣ ብተደጋጋሚ ክንብሎ ዝጸናሕና። ሎምን ጽባሕን`ውን ንዕኡ ነቲ ምሳና ዝጐዓዝ ዘሎ ቃንዛን እህህታን ኢና ክንደግም። ከመይሲ ኣብ ከምዚ ንሕና እንርከቦ ዘሎና ውድቀት፣ ዝርከቡ ዝነበሩ እስራኤላውያን፣ ካብ ብዝሒ ሓዘኖም ዝኣክል፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር  ቀሪቦም “-በታ መዓልቲ እቲኣ ጾይሞም ወዓሉ፣ ወጮ ተኸድኑ፣  ኣብ ኣራእሶም ሓሙኽሽቲ ነስነሱ፣ ብጓሂ ድማ ክዳውንቶም ቀደዱ-” ብምባል` መጽሓፈ-መቃብያን ኣቐሚጡዎ ዘሎ። ንሕና ግና ብኣንጻሩ፣ ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብንስሓ ምቕራብ ዝብል ሓሳብ`ዩ፣ ንኽንርእዮ ምኽኣል ተሳኢኑና ዝርከብ ዘሎ። (1መቃ-3/47)

ብዝተረፈ እስራኤላውያን ሐደ እዋን፣ ብምርኮ ንባቢሎን ወሪዶም ኣብ ዝነበሩሉ ህሞት፣ ከምዚ ሕጂ ንሕና`ውን ከም ሕዝቢ፣ ወዲቕናዮ ንርከብ ዘሎና ውድቀት፣ ንሳቶም`ውን ብተመሳሳሊ ወዲቖም ይርከቡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፣ ናብ እግዚኣብሔር ጠሚቶም ብእህህታን ቑዝማን ከምዚ`ዮም ዝበሉ “-ኣብ ጥቓ ሩባታት ባቢሎን ከሎና፣ ንጽዮን ምስ ዘከርና በኼና። እቶም ዝማረኹና ከኣ፣ ሓደ መዝሙር-ጽዮን ዘምሩልና እናበሉ ክንሕጎስ ለመኑና። ግዳስ ከመይ ጌርና ኢና`ሞ፣ ንእግዚኣብሔር መዝሙር ምስጋና ኣብ ምድሪ ጓና ኴንና ክንዝምር-” ከም ዝበሉ ኢና ንርኢ። (መዝ-136/137)

 ንሕና`ውን እምበኣርከስ ሕጂ፣ ምስቲ ጉሁይን ቁሱልን ልብና፣ ዓውደ-ዓመት ኢልና እንብዕሎ በዓል ክህልወና ኣይክእልን` ኣይግባእን`ውን እዩ። ከመይሲ ምስ መቕደስን ታቦትን እምበር፣ ምስቲ ብቐጻሊ ክግበር   ዝርከብ ዘሎ ጓይላን ዳንኬራን፣ ንሕና ከም ሕዝበ-ክርስቲያን መጠን፣ ምንም እንተኾነ ዘራኽብ የብልናን። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-ንጽድቅን ኃጢኣትንከ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ-? ብርሃን ምስ ጸልማትከ እንታይ ኅብረት ኣለዎ-? ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስከ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ-? መቕደስ ኣምላኽ ምስ ጣዖትከ እንታይ ኅብረት ኣለዎ-? ብምባል` ብንጹር ኣቐሚጡዎ ዘሎ። እምበኣር ኣብ ክርስትና ኣሎኹ ዝብል ሕዝቢ፣ ብዝኾነ መዐቀኒ ነዚ ቀይሕ መስመር`ዚ፣ ጥሒሱዎ ክኸይድ ከም-ዘይፍቀዶ`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዘጠንቅቕ ዘሎ።(2ቆሮ-6/14-160)

ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዝርአ ዘሎ ጸገም ግና፣ ንሕና ከም ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ መጠን፣ ነዚ ቀይሕ መሥመር` ክንሕልዎ ንደሊ ኴንና ዘይምርካብና እዩ። ከመይሲ “-ንኽልተ ጎይቶት ኪግዛእ ዝኽእል ሓደ` የልቦን። ከመይሲ ነቲ ሓደ ኪጸልእ ነቲ ሓደ ድማ ከፍቅር፣ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ከኽብር፣ ነቲ ሓደ ከሕስር እዩ። እምበኣር ንኣምላኽን ንዓለምን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም-” ብምባል` እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ተዛሪቡ ዘሎ። እቲ ዋና ጸገም ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ግና፣ እቲ ንገብሮ ዘሎና ጉዕዞ፣ ማንታ መንገዲ ሒዝና ክንጓዓዝ ምድላይና እዩ። እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ግና፣ ንኽልተ ጎይቶት ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም እዩ ዝብል። ንሕና ግና  ነዚ ሓቂ` ርግእ ኢልና ከነስተማቕሮ`ዩ፣ ምኽኣል ተሳኢኑና  ዝርአ ዘሎ (ማቴ-6/24)

እምበኣርከስኣቅረብኩ ለከ ማየ ወእሳተ፣ ደይ እዴከ ሃበ ዘፈቀድከተባሂሉ ከም ዘሎ፣ ካብ ሰማያውን ምድራውን-መንግሥቲ፣ ንሕና ከም ሕዝቢ ንመን ኢና ንመርጽ`-? እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ  ጭቡጥ ኩነታት ከረጋግጾ ከም-ዝኽእል፣ ምስ እግዚኣብሔር ኢና ዘሎና ዘብል፣ ዋላ ሓንቲ` እነቕርቦ ጭብጢ የብልንናን። ከመይሲ 30-ዓመት መመላእታ፣ እቲ ኩሉ ኣደራዕ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊ እምነትና እናተፈጸመ ከሎ፣ ንሕና ከም ሕዝቢ ኣብቲ ንሳቶም ዝኣጒድዎ ጓይላን ዳንኬራን ኣቲና፣ ክንስዕስዕን ከነጣቕዕን ንርከብ ዘሎና ንሕና ባዕላትና ኢና። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ኣቦ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾኑ ፓትርያርክ ክእሰሩ ከለዉ`ውን፣ ንሕና ከም ሕዝቢ ዝበልናዮ ነገር የብልናን። እምበኣር እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀኛ ምስሊ ሕዝብና ነዚ` ዝመስል።

ይኹን እምበር ከምቲ ነቢይ-ኤልያስ ኣብ እምባ-ቀርሜሎስ “-ክሳብ መዓስ ኢኹም ናብ ክልተ ወገን ክትሕንክሱ እትነብሩ-? እግዚኣብሔር እንተኾይኑ ኣምላኽ ደድሕሪኡ ስዓቡ፣ ጣዖት እንተደኣ ኮይኑ ኣምላኽ ድማ ንዕኡ ስዓቡ-” ብምባል፣ ነቶም ሕዝቢ ሓዲኡ ክመርጹ ዝነገሮም። ንሕና`ውን ከም ሕዝቢ ሕጂ፣ እዚ ሕቶ` እዩ ዝቐርበና ዘሎ። ከመይሲ እቲ ሓንከስከስ እናበልና ብማንታ መንገዲ ክንገብሮ ዝጸናሕና ጉዕዞ፣ ካብ ሓለዋን ጽላልን እግዚኣብሔር ኣውጺኡ፣ ነዚ ሕጂ ንነብሮ ዘሎና ጸልማት ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ሕይወት፣ ተቓሊዕና ከም-እርከብ ክገብረና እንተ-ዘይኮይኑ፣ ናብ ምሕረት እግዚኣብሔር ከቕርበና ዝሕሰብ`ውን ኣይኮነን። (1ነገ-18/21)

እሞ ሕጂ ደኣ እቲ ምርጫና እንታይ` ክኸውን-? ማለት ኣብቲ እቲ ሥርዓት ብቐጻሊ ዝኣጉዶ ዘሎ ጓይላ ኣቲና ምስዕሳዕናዶ ንቐጽል-? ወይሲ በስመ-ኣብ ኢልና ገጽና`ውን ዕትብ ኣቢልና፣ ናብ እግዚኣብሔር ኣቢልና ክንምለስ` እቲ ምርጫና ክኸውን ዘለዎ-? ካብ ሰሪ መዓቱ የውጽኣና ክበሃል እንተ-ዘይኮይኑ፣ እቲ ተበጺሑ ክርአ ዝጸንሐ ናይ ዕብዳን ደረጃ፣ ቃላት ክገልጹዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ ርሒቑ ዝኸደ ምዃኑ፣ ምንም ክሕባእ ዘይክእል ኣደባባይ ዝወጸ ምስጢር`ዩ። በዚ መንገዲ ጥፍኣት ዝኾነ መንገዲ` ቀጺልና ክንከይድ ምድላይና ግና፣ ካብ ምሕረት እቲ ሕያው ኣምላኽ ርሒቕና ከም-እንኸይድ ክገብረና እንተ-ዘይኮይኑ፣ ንረብሓና ከም-ዘይኮነ ክስቈረና፣ ግዚኡን ሰዓቱን ሕጂ እምበር ጽባሕ ኣይኮነን።

ስለዚ`ውን እዚ ግዜ`ዚ፣ ስለ` ውጽዕቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና፣ ኣብ ቅድሚ መንበረ-ፀባዖት ወዲቕና፣ ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ እንኹሕኳሓሉ ግዜ` ክኸውን ዝግባእ። ብዝተረፈ እስራኤላውያን ኣብ ከምዚ ሕጂ ንሕና፣ ወዲቕናዮ ንርከብ ዘሎና ውድቀት፣ ይርከቡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቀሪቦም፣ ከምዚ ብምባል ከም-ዘእወዩ ኢና ንርኢ “-መዛሙራትና መቓልሑ ኣጥፊኡ፣ ሓጎስና ተወዲኡ፣ መብራህቲ ቅዱስ-ቀንዴልና ጠፊኡ፣ ታቦት ኪዳን-ኣምላኽ ተጨውዩ፣ ኣቑሑት ቤት-መቕደስና ረኺሱ፣ ስም ኣምላኽና ተጸሪፉ፣ መራሕትና ተዋሪዶም፣ …. ደናግል ኣዋልድና ተዓሚጸን፣ ኣንስትና ተደፊረን፣ መንፈሳውያን ኣቦታትና ተጨውዮም፣ መንእሰያት ደቅና ባረዩ ኮይኖም-” ብምባል`ዮም፣ ነቲ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያናን ሃገርናን፣ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ናይ ሕጊ ግህሰት፣ ክገልጽ ብዘኽእል ኣገባብ ከእውዩ እንርእዮም ዘሎና። (2 ዕዝራ-10/22)

እምበኣር እቲ ኣውያት` ኣውያትና፣ እቲ ብኽያት እቲ`ውን ብኽያትና` ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ። ዳርጋ ዝበዝሕ ክፋል ኅብረተ-ሰብና ግና፣ ናይቲ ኩነኔን መርገምን ከኸትል ዝኽእል ጓይላን ዳንኬራን ተሳታፊ ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ሕጂ ግና ዝሓለፈ ይኣክል ኢልና፣ ብንስሓ ንመለስ ኢና ንብል ዘሎና። እንዳ ረኣኻ ኣብ ጸድፊ ኣቲኻ ኣይምወትን እዩ። ሰይጣን ወሲዱኒ ነይሩ`ዩ፣ ሕጂ ግና መልኣኽ መሊሱኒ ኢልካ ምምላስ ከም ዘሎ፣ ከመይ ኢሉ` ክጠፍኣና ዝኽእል-?! ወንጌል ካብ ዝስበኸልናኮ ክልተ-ሽሕ ዓመት ዝገበርና ሕዝቢ ኢና።

ብዝተረፈ ናይቲ ቤተ-ክርስቲያን ንምፍራስ፣ ብቐጻሊ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎ ጓይላን ዳንኬራን ተሳተፍቲ ኴንና ክንርከብ፣ ንመርገምን ኩነኔን ዘቃልዕ ይቕረ ዘይበሃሎ ገበን ደኣምበር፣ ንበረኸትን ንምሕረትን ክኾነልና፣ ዝሕሰብ ነገር ከም-ዘይኮነ ከመይ ኢሉ` ምርኣዩ ዝጽግመና ዘሎ-?! የግዳስ ንንስሓ ብዝተዳለወ ጥዑስ ልቢ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ወዲቕና “- ጎይታ-! ነዚ መባእ` እንታይ ኢና ክንገብሮ-? ናበይከ ክንወስዶ ኢና-? ቤት መቕደስካ ብኣሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን`ዩ። እቶም ኣገልገልትኻ ድማ፣ ተዋሪዶም ይበኽዩ ኣለዉ-” ተባሂሉ ከም-ዝተጻሕፈ፣ ንሕና`ውን ኣብ ቅድሚ` መሓርን ሕያዋይን ዝኾነ ኣምላኽ ወዲቕና፣ እግዚኦ-! ካብ ምባል ሓሊፍና፣ ካልእ ኣማራጺ ኣሎና ክንብል ኣይንኽእልን (1መቃ-3/50)

ከመይሲ ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ከም-ዝበሃል፣ ኣብቲ መወዳእታ ናይቲ ጸድፊ ገምገም ጫፍ በጺሕና ንርከብ ምህላውና፣ ዘይንፈልጥ ክንከውን ኣይግባእን። የግዳስ እቲ ኃጢኣት ተለማሚድናዮ ኣሎና ክበሃል እንተ-ዘይኮይኑ፣ ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ንርከብ ዘሎና፣ መወዳእታ ጫፍ ወይ ገምገም-ጸድፊ ኴንና፣ በቲ ክንገብሮ ዝጸናሕና  ጓይላን ዳንኬራን፣ ገና ብእኡ ቀጺልና ክንዕንድር ኢና  ምባል፣ ኣብ ከምዚ ሕጂ ንሕና ንርከቦ ዘሎና መወዳእታ ጫፍ ዝርከብ ሕዝቢ፣ ዝመርጾ ምርጫ ክኸውን ይግብኦ` ኣይንብልን። ብዝተረፈ ንሕና ከም ሕዝቢ`ሞ፣ እንታይ ዘይኮናዮ ኣሎ`-? ንብረትናን ሃብትናን ጥራይ ዘይኮነ፣ ገና ብሕይወትና ከሎና ናውቲ ኣካላትና ተጎዝዩ ንዕዳጋ ዝወረደ ሕዝቢዶ ኣይኮናን-?!  እሞ ብፍርሂ ተዳሂልናን ተሸቑሪርናን ደኣ ክሳብ መዓስ ኢና ክንነብር እንደሊ-?! እቲ ክሳብ ሕጂ ክኽየድ ዝጸንሐ መንገዲ ግና፣ ንእግዚኣብሔር ክብሪ ዝህብ ኮይኑ ክርአ ኣይጸንሐን። ከመይሲ እቲ ብከበሮ ኣሰኒኻ ዝግበር ጓይላንን ዳንኬራን፣ ንኣጋንንቲ እምበር ንእግዚኣብሔር ዝቐርብ መሥዋዕቲ ኣይኮነን። ንሕና ግና 30-ዓመት መመላእታ፣ ኣብዚ ዝተባህለ ጓይላ ኢና ክንዘልልንን ክንዕንድርን ዝጸናሕና። እዚ ከኣ` ካብ ምሕረት ኣምላኽ ርሑቓት ኴንና ከም-እንርከብ ገይሩና ዝርከብ ዘሎ።

ብዝተረፈ ንድለዮ ኣይንድለዮ፣ እቲ ብዘመን-ዳንኤል ዝተነግረ ትንቢት ይፍጸም ምህላዉ ዘይንርዳእ ክንከውን ኣይግባእን። ከመይሲ እዚ ትንቢት` ከም ዝብሎ “-እቲ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት፣ ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቆይሙ ምስ ረኣኹሞ፣ እቲ ዜንብብ የስተውዕል` ዝብል-” እሞ ካብዚ ዝሓለፈ 30-ዓመት ጀሚሮም ደኣ፣ ንመድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ በዓል መን ድዮም ተቘጻጺሮሞ ዝርከቡ ዘለዉ-?! ከመይሲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ፣ “-እቲ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት፣ ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቆይሙ ምስ-ረኣኹሞ-”  ካብ ዝብል፣ እቲ ሕጂ ዝኸውን ዘሎ ንምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን። ከመይሲ ካብ 1983 / (1991) ጀሚሩ፣ ንመድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ በይኑ ክዕንድረሉ ዝጸንሐን ዘሎን፣ እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ደኣምበር፣ እታ ቤተ-ክርስቲያንሲ ኣፍኪ ዕጸዊ ተባሂላ ካብቲ መድረኽ ካብ ትእለ፣ 30-ዓመት ኮይኑዋ`ዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 30-ዓመት ከኣ እታ ቤተ-ክርስቲያን፣ ካብ ኣውያት ዘዕረፈትሉ ግዜ ኣይነበረን። ነቲ ኣውያታ ክሰምዕ ዝደሊ ሕዝቢ ግና፣ ዛጊት ተረኺቡ ክበሃል ኣይተሰምዐን። (ማቴ-24/15)

እምበኣር እቲ ኣውደ-ዓመት መጸ ኣብ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን፣ ክግበር እንርእዮ ዘሎና ጓይላን ዳንኬራንሲ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። እቲ ኣብ ትንቢተ-ዳንኤል ዝተነግረ ትንቢት` እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ። የግዳስ እቲ ትንቢት “-እቲ ዜንብብ የስተውዕል-” ብምባል እናጠንቀቐ ከሎ፣ ንሕና ከም ሕዝቢ ስለምንታይ ኣብቲ ናይ ጥፍኣት መድረኽ ወጺእና፣ ብቐጻሊ ክንዕንድርን ክንዘልልን ንደሊ ከም-ዘሎና፣ ንምርድኡ ዝጽግም ኮይኑ` ዝርከብ ዘሎ። በዚ ናብ ጥፍኣት ኣቢሉ ዝወስድ፣ ናይ ዕብዳንን ከንቱነትን መንገዲ ግና ክሳብ መዓስ ኢና ክንከይድ እንደሊ-?! እቲ ቅዱስ-ጽሑፍኮ “-ኣስተውዕሉ እናበለዩ ዜጠንቅቕ ዘሎ-” ካብ ሓለዋን ጽላልን እግዚኣብሔር ከርሕቐና ከም-ዝኽእልከ፣ ስለ-ምንታይ` ክርደኣና ዘይክእል ዘሎ-?

እምበኣር ኣብ ከመይ ዝበለ ፈተና ዝበዝሖ ከቢድ ግዜ፣ በጺሕና ንርከብ ምህላውና ክጠፍኣና ዝኽእል ኣይኮነን። ኣዚዩ ዜፍርህ መከራን ጸበባን ከኣ`ዩ፣ ነዛ ዘሎናያ ዓለም ከናውጻ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ናትና ኣብ ሃገርና ዝወርድ ዘሎ ጸበባን መከራን ድማ፣ ሕልፍን ትርፍን ኣለዎ። ከመይሲ ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ሕይወት መሪሩናን ምንባር ከቢዱናን ንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። እቲ ከቶ ንምሕላውና ዘይድቅስን ዘይታኸስን ሕያዋይ ኣምላኽ ግና “-ኣቱም ኩልኹም እትጽዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን፣ ናባይ ንዑ ኣነ ከዕርፈኩም-” ብምባል`ዩ፣ ኢዱ ዘርጊሑ ዝጽበየና ዘሎ`ሞ፣ እስኪ ብዝተጣዕሰ ልቢ ናብኡ ኣቢልና ንቕረብ። ቃሉ እሙን ስለ-ዝኾነ ከኣ ክቕበለናን ክምሕረናን እዩ። ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓል ልደተ-ክርስቶስ ክኾነልና ከኣ፣ ናይ` ሕያው ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና ኣሜን።

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div