S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝኸበርኩም ማኅበረ-ምእመናን-!  እዚ ሕጂ ንርከቦ ዘሎና እዋን፣ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ። ኣብ ዝሃሎና ሃገር ንሃሉ ብዘየገድስ፣ ኩላትና ብኃባር ነስተማቕሮ ዘሎና መሪር ሕይወት`ዩ። ምናልባት`ውን ኣብ ታሪኽ ዓለምና፣ ከምዚ ናይ ሕጂ ኣጋጢሙ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስልን። ከመይሲ ኣብ 1-ይን 2-ይን ኲናት-ዓለም፣ ብሚልዮናት ዝቑጸር ብዙሕ ሕዝቢ ከም-ዝሃለቐ ዝፍለጥ`ዩ። እዚ ግና ኣብቲ ዓውዲ-ኲናት ዝካየደሉ ዝነበረ፣ ውሱን ቦታ ደኣምበር። ንምልእቲ ዓለም ካብ ጫፍ ንጫፍ በጺሑዋ` ዝበሃል ኣይነበረን።

ይኹን-እምበር እቶም እቲ ኲናት ብቐረባ ዝጸልዎም ዝነበሩ ሕዝብታት። ናብ ካልእ ተሰዲዶም ዑቕባን ጽላልን መጸግዕን፣ ክረኽቡ ዝኽእሉሉ ደሓን ዝበሃል ቦታ ነይሩዎም`ዩ። ንኣብነት እቲ ኣብ ሃገርና ኣብ 40-ታት። ኣብ መንጎ ጥልያንን እንግሊዝን ዝተኻየደ ኲናት። እቲ ኣብ ኣሥመራ ዝነበረ ሕዝቢ። ንገጠራት ሃገርና ኣቢሉ ብምኻድ` ዑቕባን መጸግዕን ክረክብ ዝኸኣለ። ከመይሲ እቲ ገጠራት ሃገርና ብተዛማዲ፣ ካብ ከተማታት ዝሐሸ ሰላም ከም-ዝነበሮ` ዝንገር። ኣብቲ እዋን` ድማ፣ ኩሉ ሕዝቢ ዑቕባን መጸግዕን ንምድላይ ክብል። ካብ ከተማታት ወጺኡ ነናብ ዝተወልደሉ ዓዲ ከም ዝኸደ` ዝዝንቶ።

ሕጂ ኣብዚ እዋን` ግና፣ እታ ዓለም እትበሃል ብምልእታ። ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻርኮሮና-ቫይረስዝተባህለ ለበዳ-ሕማም ስለ-ዝኣተወት። ናብ ዝኸድካ እንተኸድካ `ውን፣ ካብዚ መቕዘፍቲ` ነፃ ዝኾነት። ጽላልን መጸግዕን ክትከውን እትኽእል ሃገር ኣላ ክበሃል ዛጊት ኣይተሰምዐን ዘሎ። ስለዚ ድማ` ሕዝቢ ዓለም ኣብዚ እዋን`ዚ። ንከቢድ ዝኾነ ሓደጋ፣ ተጋሊጹ ዝርከብ ዘሎ። ብሰንኪ` ዝተባህለ ለበዳ-ሕማም ድማ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብኣሽሓት ዝቑጸር ሕዝቢ፣ ከም ቈጽሊ ይረግፍ ከምዘሎ`ዩ፣ ብመራኸቢ-ብዙኃን እናተነግረና ዝርከብ ኣሎ።

እቲ ነዚ ሕማም-ለበዳ`ዚ፣ ሓደገኛን ፍሉይን ዝገብሮ ድማ። ሃዲምካ እትጽግዓሉን መዕቆቢ እትረኽበሉን ሃገር ክርከብ ዘይምኽኣሉ እዩ። ከመይሲ እታ ዓለም እትበሃል ብምልእታ። ካብ ጫፍ ንጫፍ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር እዚ ሓደገኛ ዝኾነ ሕማም` ተታሒዛ ትርከብ ብምህላዋ እዩ ስለዚ ኣብ ዝኸድካ እንተኸድካ`ውን። እዚ ሕማም፣ዚ ዘይተንከፋ ደሓን እትበሃል ሃገር ምህላዋ ዛጊት ኣይተሰምዐን ዘሎ። ስለዚ ድማ`የን ኩለን ሃገራት ማዕጾ ዶባተን ዓጽየን ዝርከባ ዘለዋ። እምበኣር እዚ ኹሉ` ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት፣ ዝወረደ መዓት` ክንብል ኣይንኽእልን።

ከመይሲ እቲ ብዘመን-ኖኅ ዝወረደ ማይ-ኣይኂ። ከምኡ`ውን እቲ ኣብ ግዜ ሎጥ፣ ኣብ ልዕሊ ሶዶን-ጎመራን ዝወረደ መዓት። ስለምንታይ ከም-ዝወረደ መጽሓፍ-ቅዱስ፣ እቲ ምኽንያት ብንጹር ኣቐሚጡዎ ኣሎ። እቲ መስፈር ኃጢኣት መሊኡ ስለ-ዝፈሰሰ`ሞ። ካብቲ እግዚኣብሔር ክዕገሶ ዝኽእል ንላዕሊ፣ ኮይኑ ስለ-ዝተረኽበ ደኣምበር። እግዚኣብሔር ክዕገስ ዘይክእል ኣምላኽ ኮይኑ ኣይኮነን። ይኹን እምበር እግዚኣብሔር ክዕገሶ ዘይክእል ኃጢኣት ከም ዘሎ`ውን፣ ካብቲ ብዘመን ኖኅ ዝዘነመ ማይ-ኣይኅን። ከምኡ`ውን ካብቲ ኣብ ዘመን ሎጥ ዝወረደ ሓውን-ዲንን። ንሕና ደቂ-ሰብ ክንመሃሮ ዝግበኣና፣ ትእምርትን ተኣምራትን ከም ዘሎ፣ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

እቲ ኩሉ ግዜ ቀይዲ-በተኽ ኮይኑ፣ ምኻድ ዝሰልጦ ባህርያት ደቂ-ሰብ ግና። እግዚኣብሔር ኣመስጊኑ ክድቅስ ክኾነሉ ዝኽእል ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ`ውን እቲ ድሌቱን ባህጉን፣ ኩሉ ግዜ ደረትን ወሰንን ዘይብሉ፣ ተመስገን ምባል`ውን ዘይፈልጥ ኮይኑ ስለ-ዝርከብ። መመሊሱ ኣብ ጨፈቃ ኃጢኣት ክቋማጣዕ ዝተረኽበሉ ግዜ ውሑድ ኣይኮነን። ከም ውጽኢት እዚ ኩሉ` ከኣ`ዩ፣ ኣመስጋኒ ኮይኑ ክርከብ ብዘይ ምኽኣሉ። ንከቢድ ቁጥዓ-ኣምላኽ ተጋሊጹ ከም-ዝርከብ ገይሩዎ ዝርከብ ዘሎ። ከም ሳዕቤን` ኩሉ` ከኣ` ሎሚ። ኣባይትና ዓጺና ንበይንና ተፈሊና ምቕማጥና ከይኣክል። እተን ክዕጸዋ  ይኽእላ`የን ተባሂለን ዘይሕሰባ ዝነበራ፣ ኣብያተ- ክርስቲያናትና`ውን እንሆ። ማዕጾን  ከገፍትና ተገዲደን ይርከባ ኣለዋ። እዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ ክርስትና፣ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ናይ መጀመርታ ዘሕዝን ክስተት `ዩ።

ስለምንታይ` እዚ ኩሉ`ዚ፣ ክኸውን ዝኸኣለ እንተ ተባህለ ግና-? መጽሓፍ-ቅዱስ ዝህቦ ናቱ መልሲ ኣለዎ። ከመይሲ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ፣ ናብታ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌም መጺኡ። ናብ ቤት-መቕደስ ምስ ኣተወ። እታ ቅድስቲ ዝኾነት ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ። ከምቲ ክትኮኖ ዝግብኣ ቅድስናኣ ተዓቂቡ ኣይጸንሖን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ብነጋዶ ተወሪራ፣ ኣብ ዕዳጋ ተለዊጣ` ዝጸንሓቶ። ነዚ ኩሉ ዓቐኑ ዝሓለፈ ዕብዳን` ከኣ፣ ጎይታና ክዕገሶ ይኽእል` ዝበሃል ስለ-ዘይበረ። ነቶም ኣብኡ ዝጸንሑዎ ኩሎም “-ቤተይሲ ቤተ-ጸሎት` ዝበሃል። ንስኻትኩም ግና በዓቲ ሰረቕትን ጎሓላሉን ለወጥኩሙዎ-”  ብምባል። ብጭጉራፍ ጨርጊፉ ከም-ዝሰጎጎም`ዩ። እቲ ቅዱስ መጽሓፍ ገሊጹዎ ዘሎ። (ዮሓ-2/13-22)

እዚ ከርኤና ዝኽእል ድማ፣ እቶም ኣብቲ ቤተ-መቕደስ ዝጸንሑ ሰባት። ኣብ ቅድሚ ጎይታና ብቅድስና ዝጥመት ሕይወት፣ ዘለዎም ኮይኖም ስለ-ዘይተረኽቡ። ብጭጉራፍ ጨርጊፉ ከም-ዘውጽኦም ኢና ንርኢ። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-ኣነ ቅዱስ እየ`ሞ፣ ከማይ ቅዱሳን ኩኑ-” እዩ ዝብል። እቲ ንጹሕ ዘይኮነ ድማ፣ ኣብቲ ቅዱስ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ቤት፣ ቦታ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። መጽሓፍ-ቅዱስ`ውን “-ጽድቅን ኃጢኣትንከ፣ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎም-?  ብርሃን ምስ ጸልማትከ፣ እንታይ ኅብረት ኣለዎ-?  ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስከ፣ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ-? ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒኸ፣ እንታይ ኅብረት ኣለዎ-? መቕደስ ኣምላኽ ምስ ጣዖታትከ፣ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ-” ብምባል` ኣቐሚጡዎ ዘሎ። (2ቆሮ-6/14-16)

እምበኣር ሕጂ`ውን ኣብዚ ግዜ`ዚ። ማለት ኣባና ኣብ`ዞም ሕጂ ዘሎና ናይ 21-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን ትውልዲ። ተመሳሳሊ ኩነት` ኣጋጢሙ ዝርከብ ዘሎ። ከመይሲ ማዕጾ ኣብያተ-ክርስቲያናትና፣ ክሳብ ኣብ ምዕጻው በጺሑ ዝርከብ ዘሎ። ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ከም-ዘይኮነ፣ ምርድኡ ክጽግመና ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ንሕና እዞም ሕጂ ኣብ ዓለም እንርከብ ዘሎና ደቂ-ሰብ። ቤት-ኣምላኽ ንኽንኣቱ ብቑዓት ኮንና ስለ-ዘተረኸብና። ከምቲ ጎይታና ነቶም ኣብ ቤት-መቕደስ ዝጸንሑዎ ሰባት። ብጭግራፍ ጨርጊፉ ዘባረሮም። ነዚ ሕጂ ብርኽሰት ዝኽሰስ ዘሎ ናትና ትውልዲ`ውን። ኣብ ቤተይ ክቕበለኩም ብቑዓት ኣይኮንኩምን ንምባል `ዩ። ማዕጾ ኣብያተ-ክርስቲያናት ተዓጽዩ ዝርከብ ዘሎ። 

ስለዚ ከኣ` እቲ ሕያው ኣምላኽ “-ንዓይ ንእግኣብሔር ሓደግኩምኒ፣ ንዓይ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾንኩ`ውን ነዓቕኩሙኒ-” ብምባል። እቲ መስፈር ኃጢኣት መሊኡ ክሳብ ዝፈስስ ኮይኑ ስለ-ዝተረኽበ። እዚ ገንፊሉ ዝወጸ ኃጢኣት ደቂ ሰብ ከኣ` ሕጂ። ንመቕሰፍቲ ዝዕድም ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ እዚ ሕጂ ዘሎ ዓለም። ካብቲ ስሩዕ ዝኾነ ናይ ክርስትና ሕይወት። ወጺኡን ርሒቑን ዝህውትት ዘሎ ስለ-ዝኾነ።  ኣጸድ ቤት-ኣምላኽ ንኽረግጽ ብቑዕ ኮይኑ ክርከብ ኣይከኣለን። ስለዚ` ሓዋርያ ቅዱስ-ጳውሎስ`ውን “-ኩሎም ኃጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ከኣ ስኢኖም-” ኢሉዎ ዘሎ። (ኢሳ-1/4 – (ሮሜ-3/23)

 እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ድማ፣ ብግብረ-ሰዶም ጋዕዝያን ተበላሽያን ዘላ ዓለም ስለ-ዝኾነት። ማዕጾ  ቤት-ኣምላኽ ዝኽፈተላ ኮይና እንተ-ዘይተረኽበት። ከገርም ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-ሓዋርያ ነዚ ብዝምልከት ክጽሕፍ ከሎ “-ኣይትጠበሩ ኣምላኽ ኣይዕሾን`ዩ። ሰብ ነቲ ባዕሉ ዝዘርኦ` ዝዓጽድ-” ብምባል` ኣቐሚጡዎ ዘሎ።  እምበኣር እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ መበል 21-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን ትውልዲ`ውን። እቲ ባዕሉ ዝዘርኦ ክርዳድዩ፣ ባዕሉ ክዓጽዶ ዝርከብ ዘሎ። እምበኣር እቲብኮሮና-ቫይረስክወርድ ዝርከብ ዘሎ መቕሰፍቲ`ውን። ውጽኢት እቲ ሕጂ እንነብሮ ዘሎና ፋሉል ዝኾነ ሕይወት ደኣምበር። ዱብ ኢሉ ካብ ሰማይ ዝወረደ ዕዳ` ክንብል፣ እንኽእለሉ ምኽንያት የልቦን። (ገላ- 6/7)

ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ወይ ከም ሓበሻ መጠን ድማ። ኣካል` ሕጂ ብኃጢኣት ጋዕዝያን ተበላሽያን ተባሂላ፣ እትኽሰስን እትውቀስን ዘላ ዓለም ኢና። ኣብቲ እግዚኣብሔር ዘቐመጠና ናይ ቅድስና ቦታ፣ ንርከብ ኣሎና ክንብል ከም ዘይንኽእል`ውን፣ ኣረጋጊጽና ንፈልጥ ኢና። ከመይሲ ኣመልናን ባህርያትናን ስለ-ዝተቐየረ፣ ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና መትሓዝን መጨበጥን ተሳኢኑዎ። ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ኮይኑ` ዝርከብ ዘሎ። ምስ ሕጊ-ኣምላኽ ንፋለጥ ሕዝቢ ኮንና፣ ንርከብ ኣሎና ክንብል`ውን ኣይንኽእልን። እዚ ኩሉ` ድማ፣ እቲ ንነብሮ ዘሎና ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ሕይወት ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል`ዩ። ስለዚ ከኣ` ሕዝብና መንገዲ ቤት-ኣምላኽ ጠፊኡዎ። ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ጓይላን ዳንኬራን ጥሒሉ ዝርከብ ዘሎ።

ሕዝብና ካብ ታሪኹ፣ ፍርሃት እግዚኣብሔር ብዝመለለይኡ ባህሊ ስለ-ዝፍለጥ። ብናይ ሥነ-ምግባር ውድቀት ዝኽሰስ ታሪኽ ጸኒሑዎ` ዝበሃል ኣይኮነን። እዚ ሕዝቢ` ብባህሉ፣ ሕጊ ዘኽብርን እግዚኣብሔር ዝፈርህን ኮይኑ` ጸኒሑ። ኣብዚ ሕጂ መጺእካ ክዝረብ ከሎ ግና፣ ኣብቲ ንግሆ ዝነበሮ ክርስትና ዝመለልይኡ ባህሊ። ኣብኡ` ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ ኢልና፣ ክንምስክረሉ ከም-ዘይንኽእል ንፈልጥ ኢና። ከመይሲ እቲ ኣብ 1983 / (1991)  ካብ በረኻ ተበጊሱ ዝኣተወና ንፋስ። ነቲ ክቡር ዝኾነ መንነትናን እምነትናን፣ ክብሪ ዝህብ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ከም ሳዕቤን እዚ ዝተባህለ ኩሉ ከኣ። እንሆ ሕጂ ታሪኽን ባህልን እምነትን መንነትን፣ ኣሎና ክብል ኣብ ዘይንኽእለሉ። ክጭበጥ ኣብ ዘይክእል ባዶሽ ዝኾነ ሃዋህው ኢና ንርከብ ዘሎና።

ልዕሊ ኩሉ ድማ እዚ ዝተባህለ ናይ “91” ንፋስ`ዚ። ንእግዚኣብሔር ክብሪ ዝህብ ዘይምዃኑ። 30-ዓመት መመላእታ ሕዝብና ብግልጺ ክርእዮን ክሰምዖን ዝጸንሐ ክዉን ዝኾነ ሓቂ`ዩ። እታ ሃገርና እንብላ ሃገር፣ ስም እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዘይጽወዓላ ሃገር ንምግባር። በቲ ሥርዓት ዘይተፈንቀለ እምንን ዘይተዃዕተ ጉድጓድን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ እቶም ኣብሳዋክወርዱ ዝጸንሑ ደቅና። መስቀል ካብ ክሳውዶም ተበጢሱ ክድርበ ከሎ። መጽሓፍ-ቅዱስ ድማ ተመንጢሉ፣ ካብ ኣእዳዎም ክውሰድ ጸኒሑ`ዩ። ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን ግና፣ ንክብሪ ኣምላኽ ክንብል`ኳ፣ ሓንቲ ክንገብር ኣይተረኽብናን። 

ይኹን-እምበር እቲ ብበረኻ ኣቢሉ፣ ናብ ሃገርና ዝኣተወ ናይ ትዕቢት መንፈስ። ከም ማይ-ውዑይ ፈሊሑ ስለ-ዝገንፈለ። ንእግዚኣብሔር ክብሪ ንዘይምሃብ ተባሂሉ “-ብቅልጽምናን-! ብካላሽናን-!-” ተባሂሉ ክፍከር` ዝተሰምዐ። ንሕና እቶም ኣብ ትሕቲ ከቢድ ፍርህን ራዕድን፣ ወዲቕና እንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ግና። ከምቲ ኢያሱ ወዲ-ነዌ “-ኣነን ቤተይን ግና ወገን እግዚኣብሔር ኢና-” ዝበሎ። ንሕና`ውን  ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ነቲ ክብሪ ኣምላኽ ዝዳፈር ኣበሃህላ`ቲ። ዓገብ-!! በሃልቲ ኮንና ክንርከብ ይግበኣና ነይሩ`ዩ። ክንብል ዘኽእለና ትብዓት ግና ኣይተረኽበን። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከኣ፣ እሙናት ኮንና ክንርከብ ኣይከኣልናን። ካብዚ ዝዓቢ ውድቀት ከኣ፣ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። (ኢያሱ 24/15)

ብዓቢኡ እቲ ቤት-ኣምላኽ፣ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ከሎ`ውን። ከም ቅቡል ነገር ተወሲዱ ደኣ፣ ተቐቢልናዮን ለሚድናዮን ንርከብ ኣሎና እምበር። ብዛዕብኡ ጾምን ጸሎትን ሒዝና ሱባኤ`ውን ኣዊጅና፣ ክንጉህን ክንበክን ከነስቈርቁርን ዝተረኸብናሉ ግዜ ግና የልቦን።  ካብቲ ብቅድስና ዝፍለጥ መንፈሳዊ ተልእኮኣ ወጻኢ። ፖለቲካ ዝተቘጻጸራን መጋበርያ ፖለቲካ ክትከውን ዝተፈርዳን፣ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዘላትና ግና፣ ክንሓስቦ ኮነ ክንዝክሮ እንደሊ`ውን ኣይንመስልን። የግዳስ ከምቲ እስራላውያን “- ጐይታ-! ነዚ መባእ` እንታይ ኢና ክንገብሮ-? ናበይከ ክንወስዶ ኢና-? ቤት-መቕደስካ ብኣሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን እዩ። ካህናትካ ድማ ተዋሪዶም ይበኽዩ ኣለዉ-” ዝበልዎ። ንሕና`ውን ከምዚ ዓይነት ቁዝማ ወይ ልቕሶ ሒዝና ኢና። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንቀርብ ዝግበኣና ዝነበረ። (1መቃ-3/50-51)

እቲ መንገድናን ኣከያይዳናን ከምኡ ኮይኑ ከም-ዘይተረኽበ ግና። ካብቲ ንነብሮ ዘሎና ሕይወት ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል ኣሎ ኣይንብልን። ከመይሲ እቶም ቀዳሞት እስራኤላውያን፣ ኣብ ከምዚ ሕጂ ንሕና ንነብሮ ዘሎና፣ መሪር ሕይወት ይነብሩ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ “-ጾይሞም ወዓሉ፣ ወጮ ተኸድኑ፣ ኣብ ርእሶም ሓሙዂሽቲ ነስነሱ፣ ብጓሂ ድማ ክዳውንቶም ቀደዱ-” እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ። ንሕና ግና ኣበየናይ ደረጃ ንርከብ ከም ዘሎና። ካባና ንላዕሊ ክፈልጥ ዝኽእል የልቦን። ንከምዚ ከማና ዝኣመሰለ ግቡዝ ዝኾነ ሕዝቢ ከኣ`ዩ። “-ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ብምዃንካ፣ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ-” ብምባል እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዘጠንቅቕ ዘሎ። ( 1መቃ-3/47) – (ራእ-3/15)

እምበኣርኮሮና-ቫይረስንምንታይ` መጺኡ-? ክንፈልጦ ዘይንኽእል ምስጢር ክኾነና ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ ንነብሮ ዘሎና ሕይወት፣ ካብቲ እግዚኣብሔር ክንከውን ዝደልየና ወጻኢ ኮንና። ክንህውትት ንርከብ ምህላውና እንተ-ዘይኮይኑ። ካልእ ክቐርብ ዝኽእል ምኽንያት ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ ንሕና መንገዲ ጠፊኡና፣ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ኮለል ኣቲና። እንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ኢና።  ጸገምና ከኣ እቲ ክንከዶ ንርከብ ዘሎና፣ ማንታ ዝኾነ መንገዲ ደኣምበር። ካልእ ክጥቀስ ዝኽእል ጸገም ዘሎ ኣይመስለናን። የግዳስ ጎይታና ግና “-ንኣምላኽን ንዓለምን ተገዛእቲ ክትኮኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም-” ብምባል` ኣጠንቂቑ ዘሎ። እምበኣር እቲ ክንከዶ ዝጸናሕና ማንታ-መንገዲ ገዲፍና። ብመንገዲ ጾምን ጸሎትን ኣቢልና። ናብቲ መንገዲ ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ ክርስቶስ ክንጥምት፣ ወይ ናብኡ ኣቢልና ክንምለስ ጸግኡ የብዝሓልና። ብዘይ ንስሓ ግና ስሬት ኃጢኣት ዝበሃል ነገር የልቦን።(ማቴ-6/24)

ብዝተረፈ ነዚ ሕጂ ንነብሮ ዘሎና፣ ቀይዲ በተኽ ዝኾነ ሕይወት ብዝምልከት`ውን። ኣብ ጸሎተ-ዳንኤል ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ምህላዉ ክንርኢ ንኽእል። ከምዚ ድማ ይብል “-ኣልቦ በዝ መዋዕል መልኣክ። -ነቢይ ወኢ-ንጉሥ። -ቁርባን ወኢ- መሥዋዕት። ወኢ-ኀበ እለ ይጸንሕሑ ዕጣነ። ወኢ-ብሔር ኀበ እለ ይፈርዩ በቅድሜከ ይርከቡ ሣህለከ-” እዩ ዝብል እቲ ትንቢት። እዚ ብትርጉም ክርአ ከሎ ድማ፣ ከምዚ ዝስዕብ ኮይኑ` ዝትርጎም “-ኣብዚ ግዜ` መልኣኽ፣ ወይ ነቢይ ወይ`ውን ንጉሥ። ወይ ቁርባን ወይ መሥዋዕቲ፣ ወይ`ውን ዕጣን ዘዕርጉሉ። ወይ ድማ ምሕረትካ ረኺቦም ክፈርዩሉ ዝኽእሉ ሃገር የልቦን-” ብምባል` እቲ ትንቢት ዝትርጎም። ካብዚ ትንቢት` ንላዕሊ ከኣ፣ ነዚ ሕጂ ዘሎናዮ ግዜ ክገልጾ ዝኽእል የልቦን። ስለዚ`ውን እንሆ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን። ኩሉ ነገር ዘይብልና፣ ካብ ረድኤት ኣምላኽ`ውን ርሒቕና። ብዘይ ጸግዕን ጽላልን ባዶ ኮንና ኢና ንርከብ ዘሎና (ጸሎተ-ዳንኤል)

እቲ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ምዕራፍ ከኣ። ኣብቲ ገምገም ጸድፊ ዝርከብ፣ መወዳእታ ጫፍ` ክበሃል ይከኣል። ስለዚ` እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ`ውን “-ኣቱም ዓሌት ኃጥኣን በደል ዝተመላእኩም። ዘርኢ ገበርቲ እከይ፣ ደቂ-ጥፍኣት ዝኾንኩም ሕዝቢ ወይለኹም-!! ንዓይ ንእግዚኣብሔር ኃደግኩምኒ፣ ንዓይ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾንኩ`ውን ነዓቕክሙኒ-” ዝብል መሪር ናይ ወቐሳ ቃላት። ናባና ናብቶም ሕጂ ዘሎና ትውልዲ ኣቢሉ` ክውርወር ዝርከብ ዘሎ። ከም ዘይረኣኻን ዘይሰማዕካን ኮንካ፣ ክኽየድ ከኣ ዝከኣል ኣይኮነን። (ኢሳ-1/4)

እምበኣር ምስ እግዚኣብሔር ክንዕረቕ፣ እቲ ዘሎና ምርጫ ሓደን ዘየጋግን እዩ። ንሱ ድማ ብጥዑስ ልብን፣ ንብዓት ብዘሰንዮ ጾምን ጸሎትን። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሕደገልና ኢልና ምውዳቕ ጥራይ` ዘሎና። ነዚ ንምግባር ድማ ባዕሉ እቲ ሕያው ኣምላኽ ጸግኡ የብዝሓልና። -!!

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div