S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣቱም ሰማያት ስምዑ-!! ኣቲ ምድሪ`ውን ጽን በሊ-!! (ኢሳ-1/2)

እዚ ቃል`ዚ እቲ ሕያው ኣምላኽ፣ ብኣፍ ነቢይ-ኢሳይያስ ኣቢሉ ዝተዛረቦ ቃል`ዩ።  እዚ መልእኽቲ`ዚ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ከም-ዝነበረ`ውን፣ ካብቲ ቃላቱ ምርድኡ ይከኣል። እዚ ድማ ደቂ-ሰብ ካብቲ እግዚኣብሔር ዝሓንጸጸሎም መስመር ብምውጻእ፣ ናይ ገዛእ-ርእሶም ድሌት ብምኽታል፣ ሰጢጦም ክኸዱ ከለዉ ዝንገሮም ስምዕታ፣ ወይ ናይ መጠንቀቕታ ደወል `ዩ፣ ክበሃል`ውን ይከኣል።

ከመይሲ እቲ ነቢይ ኣብቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ጽሑፉ፣ ባዕሉ ገሊጹዎ ከም ዘሎ “-ኣቱም ኃጥኣን ዓሌት፣ በደል ዝመልኣኩም ሕዝቢ፣ ዘርኢ ገበርቲ እከይ፣ ደቂ-ጥፍኣት ዝኾንኩም ሕዝቢ፣ ወይለኹም-!! ንዓይ ንእግዚኣብሔር ሓደግኩምኒ። ንዓይ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾንኩ`ውን ነዓቕኩሙኒ-” ክብል ከሎ። እንታይ ይብል ከም ዘሎ፣ ካብቲ ተባሂሉ ዘሎ ኃይለ-ቃል ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል የልቦን። 

እምበኣር ብመንጽር እዚ ዝተባህለ ትንቢት`ዚ፣ ንስእሊ`ዚ ሕጂ ዘሎ ዓለም ክንርእዮ ከሎና። ኣብቲ እግዚኣብሔር ዘቐመጦ ይርከብ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ እዚ ሕጂ ዘሎ ዓለም፣ ብነውርን ርኽሰትን ዝኽሰስ ዘሎ ዓለም ምዃኑ፣ ምንም ዘጠያይቕ ኣይኮነን። ካብቲ ብኣፍ ነቢይ-ኢሳይያስ ትንቢት ዝተነግረሉ ሕዝቢ`ውን፣ ይሓይሽ`ዩ ዘብል ምኽንያት ኣለዎ ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ`ውን እዚ ሕጂ ዘሎ ዓለም፣ ካብቲ ክኾኖ ዝግብኦ ሥሩዕ መስመር ወጺኡ፣ ክህውትት ዝርከብ ዘሎ ዓለም`ዩ እንተ ተባህለ፣ ጌጋ`ዩ ኢሉ ክምጉተና ዝኽእል ሰብ ዝርከብ ኣይመስለናን። 

ከመይሲ እዚ ሕጂ ዘሎ ዓለም ካብ ዝኽሰሰሉ ገበናት ሓደ። “-ንግብረ-ሰዶም-” ሕጋዊ ኣፍልጦ ሂቡ ዝተቐበለ ዓለም ምዃኑ፣ ዝፍለጥ ካብ ኮነ። “-ኣታ ኃጥእ ዓሌት፣ በደል ዝተመላእካ ሕዝቢ፣ ዘርኢ ገበርቲ እከይ፣ ደቂ ጥፍኣት ዝኾንካ ሕዝቢ፣ ወይለኻ-!! ንዓይ ንእግዚኣብሔር ሓደግካኒ። ንዓይ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾንኩ`ውን ነዓቕካኒ-” ተባሂሉ ዝንገር ኣምላኻዊ ወቐሳን መርገምን፣ ይተርፈሉ`ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ካብ ኩሉ ዝገደደ ድማ፣እዚ ሕጂ ዘሎ ዓለም “-ኣምልኾ ሰይጣን-” ዝተቐበለ ዓለም ምዃኑ`ዩ። እዚ ከኣ ኣብቲ ስልጡን ዝበሃል ቀዳማይ-ዓለም፣ ግልጺ ኮይኑ ክፍጸም ዝርአ ዘሎ ርኹስ ተግባር እዩ። ኣብዚ እዋን`ዚ ከም ቅቡል ስለ-ዝተወስደ`ውን፣ ብዛዕባኡ ክዛረብ ዝደሊ የልቦን። እሞ ሕጂ ደኣ እንታይ `ዩ-፣ ኣብዛ ነንብረላ ዘሎና ዓለም፣ ንምስምዑ ኮነ ንምርድኡ ዘስደምም፣ ጉዳም ዝኾነ ነገር ተኸሲቱ ተባሂሉ  ዝንገር ዘሎ-? በዚ ተረኺቡ ዘሎ ሃንደበታዊ ወደቓ ድማ። ዓለም ብዓለሙ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፊኡዎ ክናወጽ ካብ ዝጅምር፣ እንሆ ክልተ-ሳምንቲ ኣቢሉ ኮይኑዎ ይርከብ ኣሎ።

እዚ ክስተት`ዚ ግና እቲ ሕያው ኣምላኽ ይዛረብ ምህላዉ፣ እዚ ዓለም`ዚ ከስተብህለሉ ዝደለየ ኣይመስልን። ከመይሲ እቲ መስፈር ኃጢኣት መሊኡ ክፈስስ ከሎ፣ እግዚኣብሔር`ውን ምስ ደቂ ሰብ ዝዛረበሉ ናቱ ቋንቋ ከም-ዘለዎ`ዩ ዝፍለጥ። ስለዚ ከኣ`ዩ ብኣፍ ነቢይ-ኢሳይያስ ኣቢሉ “-ኣቱም ሰማያት ስምዑ-! ኣቲ ምድሪ`ውን ጽን በሊ-! -” ብምባል ከጠንቅቕ እንርእዮ። እዚ ከኣ እቲ መስፈር ኃጢኣት ደቂ-ሰብ መሊኡ ክፈስስ ከሎ፣ እግዚኣብሔር ብነቢያቱ ኣቢሉ ዘመሓልልፎ መጠንቀቕታ`ዩ።

ወንጌል ከኣ ፈቐዶኡ ይንበብን ይንገር`ዩ ዘሎ። ዝሰምዖ ወይ ዘተግብሮ ግና ኣይተረኽበን። በዚ ምኽንያት እዚ`ውን፣ ኣብዚ ዘመን`ዚ ሕዝቢ-ዓለም፣ ልጓሙ በቲኹ ስዲ ከም-ዝተፈነወ ፈረስ፣ ቀይዲ  በተኽ ኮይኑ ክዕንድር`ዩ ዝርከብ ዘሎ። ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብዚ ዓለም ዘይሥራሕ ኃጢኣት ኣሎ ክበሃል`ውን ኣይከኣልን። በቲ ኣብዚ ግዜና እናተገብረ ዝርከብ ዘሎ፣ ኩሉ ርኢኻ ክዝረብ ከሎ። እቶም ኣብዚ ዓለም ዘለዉ መንግሥታት`ውን እንተኾኑ፣ ሕጊ እግዚኣብሔር ዝጥሕስን ንመለኮታዊ ክብሩ ዝፈታተንን ተግባር ኣብ ምፍጻም`ዮም ዝርከቡ ዘለዉ ክበሃል ይከኣል።

ስለዚ ሰይጣን ዝዕንድረሉ ሰፊሕ ሜዳ ክረክብ ከሎ። ቤተ-ክርስቲያናት ግና ብኣንጻሩ ኣገልግሎት ዝደሊ ሕዝቢ ስኢነን፣ ማዕጾአን ዘገፍትና ዘለዋ ውሑዳት ኣይኮናን። ከም ውጽኢት እዚ ኩሉ`ዚ ድማ። ሃይማኖት የብለይን ዝብልን እግዚኣብሔር ዘይፈልጥን ትውልዲ`ዩ ነቲ ቀዳማይ ዝበሃል ዓለም ኣዕለቕሊቑዎ ዝርከብ ዘሎ። ስለዚ`ውን ነዛ ረኺሳን ጋዕዚያን እትርከብ ዘላ ዓለም። ካብዚ ንላዕሊ እግዚኣብሔር ክዕገሳ ይኽእል`ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። እምበኣር እዚ “ኮሮና-ቫይረስ” ዝተባህለ፣ ንዓለምና ምኽንያት ፍርህን ራዕድን ኮይኑዋ ዝርከብ ዘሎ ለበዳ-ሕማም። ስለምንታይ ኣብዚ እዋን`ዚ ክመጽእ ከም-ዝኸኣለ ክጠፍኣና ኣይክእልን።

ይኹን እምበር ኣብ ብሉይ-ኪዳን እንተ-ተመልከትና። ነዚ ስዒቡ ዘሎ ከነንብብ ንኽእል “-ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ-ዓጸኹዎ፣ ነንበጣ`ውን ንምድሪ ክበልዓ እንተ-ኣዘዝኩዎ፣ ወይ`ውን ኣብ መንጎ ሕዝበይ “ፌራ” እንተ-ሰደድኩ፣ እዞም ብስመይ ዝተሰምዩ ሕዝበይ ከኣ ትሕት እንተ-በሉ፣ እንተ ለመኑን ገጸይ`ውን እንተ-ደለዩን፣ ካብ ክፉእ መንገዶም ድማ እንተ-ተመልሱን፣ ሽዕኡ ኣነ ካብ ሰማይ ክሰምዕ እየ። ኃጢኣቶም ይቕረ ክብለሎም፣ ምድሮም`ውን ክፍውሰሎም እየ-” ይብል እቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ። (2ዘዳ-7/13-14)

ርግጽ`ዩ ነዚ ኣብዚ ግዜ`ዚ ተኸሲቱ ዘሎ፣ ብ “ኮሮና-ቫይረስ” ዝፍለጥ ለበዳ-ሕማም። መከላኸሊ ፈውሲ ንምርካብ ዓለም ብዓለሙ፣ ሸበድበድ ኣብ ምባል`ዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ፈውሲ ግና ካብ ሰማይ እምበር፣ ኣብ ምድሪ ክርከብ ዝኽእል ፈውሲ የልቦን። እቲ ሕያው ኣምላኽ ብቃሉ ኢሉዎ ከምዘሎ “-እዞም ብስመይ ዝተሰምዩ ሕዝበይ፣ ትሕት እንተበሉ፣ እንተለመኑ፣ ገጸይ`ውን እንተደለዩ፣ ካብ ክፉእ መንገዶም ድማ እንተ ተመልሱ፣ ሽዑ ኣነ ካብ ሰማይ ክሰምዕ እየ። ኃጢኣቶም`ውን ይቕረ ክብለሎም፣ ምድሮም`ውን ክፍውሰሎም እየ-”  ብምባል`ዩ ብጽሩይን ንጹርን ዝኾነ ቋንቋ ኣቐሚጡዎ ዘሎ።

ብዘይ ንስሓ ግና ምስ ኣምላኽ ዕርቂ ዝበሃል ነገር የልቦን። ስለዚ`ውን ቅድሚ ኩሉ፣ እዚ ዓለም`ዚ ኃጢኣቱ ብምንዛዝ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር፣ ብንስሓ ካብ ምውዳቕ ካልእ ኣማራጺ ከም-ዘየልቦ`ዩ እቲ ትንቢት ዝዛረብ ዘሎ። ከመይሲ እቲ ሕያው ኣምላኽ “-እንተ ለመኑንን፣ ገጸይ`ውን እንተደለዩን፣ ካብ ክፉእ መንገዶም ድማ እንተ ተመልሱን፣ ኃጢኣቶም ይቕረ ክብለሎም`የ። ምድሮም`ውን ክፍውሰሎም እየ-“ እዩ ዝብል ዘሎ። እዚ ናይ ምሕረት ተስፋ ከም-ዝፍጸም ከኣ፣ እቲ ቅዱስ-ቃሉ እሙንን ሓቅን`ዩ።

ሓዋርያ-ያዕቆብ ብወገኑ`ውን “-ኣቱም ኃጥኣን ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፣ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢ `ውን ልብኹም ኣንጽሁ። ሕዘኑን ጉሃዩን ብኸዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት ሓጎስኩም`ውን ናብ ሓዘን ይለወጥ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ድማ ትሕት ኢልኩም ቅረቡ-” ዝበሎ`ውን፣ ምስቲ ኣብ ኢሳይያስ ተባሂሉ ዘሎ ትንቢት፣ ተመሳሳሊ ኮይኑ`ዩ ዝርከብ። ማለት ብዝተሰብረ ልቢ ኣዚኹም ትሕት ኢልኩም፣ ብንስሓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቅረቡ ኢሉ`ዩ ዝጽውዕ ዘሎ። ኣውራ ድማ እቲ “-ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት፣ ሓጎስኩም ድማ ናብ ሓዘን ይለወጥ-” ተባሂሉ ዘሎ ኣበሃህላ። ብዓቢይ ተመስጦን ንብዓትን፣ ኣዕሚቑካ ኣብ ሱባኤ ምእታው ማለት ከም-ዝኾነ፣ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ዋና ነጥቢ ምዃኑ፣ ንሕና ከም-ሕዝቢ ክዝንግዖ ኣይግበእን።  

ዓምድታት ታሪኽ ከም-ዘረጋገጹዎ፣ በብዘመኑን ዓመቱን ዝተኸስቱ ፍጻሜታት ነይሮም`ዮም።  ድማለት ቅድሚ 100-ዓመት ኣቢሉ፣ ኣብ 1918 እዋን 1ይ-ኩናት ዓለም ምዃኑ`ዩ። ከምዚ ሕጂ ዓለምና ብኮሮና-ቫይረስ ክትሕመስ ትርከብ ዘላ። ኣብቲ እዋን`ቲ እውን ከምዚ ናይ ሕጂ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ Spanisch-fullu ብዝተባህለ ሓዲሽ ለበዳ-ሕማም። ዓለምና ተጠቒዓ ከም-ዝነበረት ዝተሰደ ታሪኽ ኣሎ። ኣብቲ እዋን`ቲ ከኣ፣ ንሱ እዚ ዝተባህለ ሰዓል-ጉንፋዕ። ካብ 50 ክሳብ 80 ሚልዮን ዝበጽሕ ሕዝቢ ቀዚፉ ከም-ዝሓለፈ፣ ዓምድታት-ታሪኽ ዝህቡዎ መረጋገጺ ኣሎ።

ኮሮና-ቫይረስ ከኣ እንሆ ብተመሳሳሊ መንገዲ። ካብ ምብራቕ ንምስራቕ ከምኡ`ውን ካብ ሰሜን ንደቡብ እናተላብዐ፣ ንምሉእ ዓለም በጺሑዎ ይርከብ ኣሎ። በዚ ቅዝፈት`ዚ ዝመውት ዘሎ ሕዝቢ`ውን ዉሑድ ኣይኮነን። ዛጊት መዕገቲ ስለ-ዘይተረኽቦ ከኣ፣ ሕዝቢ ዓለም ኣብ ከቢድ ፍርህን ራዕድን ወዲቑ ይርከብ ኣሎ። ደቂ ሰብ  ኣብ ዝምህዙዎ ፈውሲ ተስፋ ምግባር ግና፣ ናይ ከንቱነት ከንቱ`ዩ። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-ኣብ ሰብ ዝውከል ርጉም`ዩ ” ብምባል`ዩ ኣቐሚጡዎ ዘሎ። ስለዚ እቲ ምሕረት ካብ ሰማይ ዝወርድ ደኣምበር፣ኣብ ምድሪ ዝርከብ ምሕረት የልቦን። ( ኤር-17/5)

እምበኣር ኣብዚ ሰዓት`ዚ፣ ደወላት ኣብያተ-ክርስቲያናት ዓለም። ንጸሎትን ንምህልላን`የን መቓልሐን ኣበርቲዐን ከስምዓ ዝግባእ ነይሩ። እቲ ንጻውዒት ደወል ቤት-ኣምላኽ ግዲ ዘይብሉ ዓለም ግና፣ ሕጂ`ውን ገና ናብ እግዚኣብሔር ኣቢሉ፣ ገጹ ክመልስ ዝደሊ መሲሉ ኣይረአን ዘሎ። ማለት ኣብቲ ንከበሮን ዳንኬራን ተባሂሉ ዝግበር ዕንደራታት፣ ሃገር ብሃገሩ ግልብጥ ኢሉ ክመጽእ ከሎ፣ ንቤት ኣምላኽ ኣቢሉ ክመጽእ ዝደሊ ግና፣ ዳርምጋ የልቦን ክበሃል ይከኣል። እምበኣር እዚ ዓቐኑ ዝሓለፈ ዕብዳን`ዚ እዩ “-ንኮሮና-ቫይረስ-” ዝዕድም ቅዝፈታት ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ። ስለዚ ከኣ`ዩ ኣብ ሮሜ`ውን “-ኩሎም ኃጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ስኢኖም-” ብምባል ተነጊሩ ዘሎ። (ሮሜ - 3/23)

ክብሪ ኣምላኽ ዘጥፍአ ሕዝቢ ከኣ፣ ካብ ቁጥዓ-ኣምላኽ  ከምልጥ ዘኽእሎ ጽላል ኮነ፣ ዝሕበኣሉ  እምባን መጸግዕን የብሉን። ስለዚ`ውን እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም። ጽዕንነት ኃጢኣታ ከቢዱዋ ምጻር ስኢናቶ። በቲ ቀዛፊ ዝኾነ “ኮሮና-ቫይረስ” እውን እናተሓመሰት፣ መኣዝና ኣጥፊኣ ክትህውትት እትርከብ ዘላ ዓለም`ያ። ከመይሲ ንሳ እዛ ዓለም`ዚኣ “-ኣብ ጓይላን-ዳንኬራን፣ ኣብ ስኽራንን ምንዝርናን፣ ኣብ ርኽሰትን ዕብዳንን-” ክትቋማጣዕ ትውዕልን ትሓድርን ዘላ ዓለም ስለ-ዝኾነት። ካብቲ ክትከዶ ትርከብ ዘላ መንገዲ ርኽሰት ወጺኣ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንንስሓ ከይቀረበት፣ እግዚኣብሔር ናይ ምሕረት ገጹ ክመልሰላ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ብግልጺ ይርአ ከምዘሎ ኣብዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ። ሜዳታት ስፖርት ሚልዮናት ብዝቑጸር ሕዝቢ፣ ኣዕለቕሊቑ ይርከብ  ኣብ ዘለወሉ ግዜ። ከምኡ`ውን concert እናተባህለ ኣብ ዝዳሎ፣ ጥቓ ዕብዳን ዝበጽሐ ጓይላን ዳንኬራን ክእከብ ዝርአ ዘሎ ሕዝቢ፣ ብስፍርን ቁጽርን ክዕቀን ዝከኣል ኣይኮነን። ይኹን እምበር ብኣንጻር`ዚ ዝተባህለ ኩሉ ክርአ ከሎ ግና፣ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ኣቢሉ ዝኸይድ፣ ካብ ሽሕ ሓደ`ውን ይርከብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እምበኣር እዚ ሕጂ ዘሎ ዓለም፣ እግዚኣብሔር ኣይፈልጥ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ኣይከይድ ዝብል፣ ናብ ጥፍኣት ኣቢሉ ዝወስድ፣ ሓድገኛ መንገዲ መሪጹ`ዩ ዝርከብ ዘሎ። 

 ስለዚ ከኣ`ዩ እቲ ትንቢት “-ንሕዝበይ ኣዕበኹዎምን ተኸናኸንክዎምን፣ ንሳቶም ግና ካባይ ዓለዉ። ብዕራይ ዋንኡ ኣድጊ`ውን ዝበልዓሉ ስፍራ ይፈልጥ። ሕዝበይ ግና ንዓይ ኣይፈልጡንን እዮም-“ ብምባልተጻሒፉ ዘሎ። እምበኣር እኩብ ድምር ናይዚ ኩሉ ብደቂ-ሰብ ዝግበር ዘሎ ዕብዳን ከአ`ዩ፣ እዚ ሕጂ ንዓለምና ኣጨኒቑ ሒዙዋ ዝርከብ ዘሎ ቅዝፈታት ክመጽእ ዝኸኣለ።  እቲ ፈውሲ ግና ኣብ ኢድ ሓካይም ኣይኮነን ዘሎ። የግዳስ ጠመተ ደቂ-ሰብ ናብ እግዚኣብሔር ኣቢሉ ክኸውን`ዩ ዝግባእ። ስለዚ`ውን ብንስሓ ኣቢልካ ምስቲ ሕያው ኣምላኽ ብዝግበር ዕርቂ ደኣምበር፣ ካብዚ ሕጂ ወሪዱ ዘሎ ናይ ኮሮና-ቫይረስ ቅዝፈታት፣ ከናግፍ ዝኽእል ዝኾነ ፈውሲ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።(ኢሳ-1/2-3)

ዓለም ግና ነዚ ኩሉ`ዚ ግዜ ዘለዋ ኣይትመስልን ዘላ። መራሕቲ ሃይማኖትከ ከይበሃል ድማ፣ “ኣይበዲዶንዶ ዝቐደዶ” ከም-ዝበሃል። እቶም ናይ`ዚ ግዜ`ዚ መራሕቲ ሃይማኖት። ንዘለዎም መንፈሳዊ ተልእኮ፣ ብቑዓት ኮይኖም ክርከቡ ብዘይ ምኽኣሎም`ዩ፣ ዓለምና ንከቢድ ፈተና ተቓሊዓ ትርከብ ዘላ። ብዝተረፈ ምስ እግዚኣብሔር ዝራኸብ ሕይወት እንተ-ዝነብሮም፣ ከምቲ ነቢይ-ናታን ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ንዳዊት፣ ብትብዓት ኃጢኣቱ ዘጋለጾ። እዞም ናይ ግዜና መራሕቲ ሃይማኖት`ውን፣ ንግብረ-ሰዶም ብምኹናን ኣብ መድረኽ ክወጹ ክኢሎም እንተ-ዝነብሩ፣ ሎሚ ዝኽሰሱሉን ዝውቀሱሉን ምኽንያት ኣይምነበረን። 

ይኹን እምበር እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ፣ ነዚኣቶም ኣመልኪቱ ዝበሎ ነገር ኣሎ። ከምዚ ድማ ይብል “-እዚኣቶምሲ ሃይማኖት ናይ ምድራዊ ረብሓ መጋበሪ`ዩ ዝመስሎም-” እዩ ዝብል። እምበኣር ንሓላፍነቶም ብቑዓት ዝኾኑ መራሕቲ ሃይማኖት ስለ-ዝተሳእኑ ከኣ`ዮም፣ ዓለምና መራሕቲ ፖለቲካ ዘሽከርክሩዋ ኮይና ትርከብ ዘላ። ይኹን እምበር እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ግዜ`ኳ ኣዚዩ ፈታኒ እንተኾነ። ከውሕናን እምባናን ክርስቶስ ክሳብ ዝኾነ፣ በዚ ግዚያዊ ፈተና ተረቲዕና ኣይንወድቕን ኢና። ክሮና-ቫይረስ እንተኾነ`ውን፣ በቲ ናይ ቀራንዮ መስቀል ኣቢልና ክንስዕሮ ከም-እንኽእል ንኣምን ኢና። 

 

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር (1ጢሞ-6/5)

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div