S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ

ብዶ/ ሽሞንዲ ኃይለ፣ ዋሺንግቶን ዲሲ ሕመኣ።

ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ: ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት (ሉቃስ 21-16)

እቲ ወንጌላውን ሓኪምን ዝነበረ ግሪኻዊ ዝዓሌቱ ሉቃስ ዝተባህለ ወዲ መዝሙር፡ ናብ ሓደ ካልእ ቴዎፍለዎስ ዝተባህለ ግሪኻዊ፡ ታሪኽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይሁዳውያንን ግሪኻውያንን ጥራይ ዘይኰነ፡ መድኅን ዓለም ኰይኑ ንምልእቲ ዓለም ከድኅን ከም ዝመጸ ከፍልጦ ምእንቲ ኢሉ፡ 65 .. ምስ ሓዋርያ ጳውሎስ እናተጓዕዘ ከሎ፡ እዚ ሕጂ ወንጌል ኢልና ነንብቦን ንመሃሮን ዘለና፡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ጥዑም ዜና ጸሓፈሉ።

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝምህረና፡ ወንጌላዊ ሉቃስ ነቲ ዝጸሓፎ ወንጌሉ ካብ ባይታ ተላዒሉ ዘይኰነ፡ ቅድሚ ኹሉ ንባዕሉ ሓደ ካብቶም 70 ኣርድእቲ ነበረ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ድሕሪ ስቅለት ጐይታ ምስ ሓደ ካልኣዩ ንኤማሆስ ብብዙሕ ሓዘን እናጐሃዩ ክኸዱ ከለዉ፡ ጐይታ ዝተጓነፎም ክልተ፡ እቲ ሓደ ሉቃስ ነበረ (ልቃ፡2413-35) ስለዚ ብዛዕባ ጐይታ ጽቡቅ ኣፍልጦ ነበሮ።

እንደገና፡ ካብቶም በቲ ግዜ እቲ ኣዝዮም ምሁራትን ጸሓፍትን ሓካይምን ዝብሃሉ ፍቱን ሊቅ ስለ ዝነበረ፡ ነታ ነዚ ታሪኽ እዚ ማእከል ዝዀነት . ድንግል ማርያም ብኣካል ረኺቡ ምስኣ ኮፍ ኢሉ፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ፡ እቶም ካብ ኣዳም ክሳብ . ድንግል ማርያም ዝነበሩ ወለዶታት፡ ድኅነት ደልዮም ሃንቀው ዝብሉ ዝነበሩ፡ ተስፋ ድኅነቶ፡ ብምግላጽ እቲ ሓቀኛ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰምየ መሲሕ፡ ከም ዝተፈጸመ፡ ካብኣ ወሲዱ፡ ምስ ትንቢት ነብያት ኣዛሚዱ፡ ምስ ተግባር ኃዋርያት ኣነጻጺሩ፡ ምስቲ ብመጠኑ ንኽርስቶስ ዝፈልጦ ዝነብረ ኣወዳዲሩ፡ ከምዚ ዝስዕብ ጸሓፈሉ፡-

ኰነ ድማ፡ በቲ ቕነ እቲ ዂሉ ዓለም ኪጸሐፍ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። 2 እዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀንት ቀዳመይቲ ጽሐፈት እያ። 3 ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ኪጸሐፍ፡ ኲሉ ነናብ ዓዱ ኸደ። 4-5 ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤትልሄም እትብሀል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኺጸሐፍ ደየበ። 6 ኰነ ድማ፡ ኣብኡ ኸለዉ፡ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ። 7 በዂሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ። 8 ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩ። 9 መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሄ፡ ብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ። 10-11 እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ ንዂሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። 12 ምልክት ድማእዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። 13-14 ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፡ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። 15 ኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፡ እዚ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና ኽዉን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፡ ናብ ቤትልሄም ንኺድ፡ ተባሃሀሉ። 16 ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ረኸብዎ።

ምልኣት ግዜ ምስ ኣከለ

ሓዋርያ ጳውሎስ ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾከም ዝበለ (ገላ፡ 44) እዚ ዝተፈጸመሉ ግዜ፡ ከምቲ ኣቦታት ዝምህሩናን ኣብ መጽሓፍ ኣዳምን ተጻሒፉ ዘሎ ከምኡውን፡ ኣብ መጽሕቲ ኣቦታትን ተመዝጊቡ ከም እንረኽቦ፡ እቲ ንኣዳም ኣብ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቃን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ ኢየ ዝበሎ፡ ወይ ድማ ዳሕራይ ክትርጐመሉ ከሎ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን ዓመታት ከድሕነካ ኢየ ከምዝበሎ፡ እቲ ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዓመተ ፍዳ ክውዳእን፡ ክርስቶስ 28 ታሕሳስ ክውለደን ሓደ ኰነ። [][][] ስለዚ እቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ምልኣት ዘመን ዝበሎ ተፈጸመ። እዚ እኹል መብርሒ እንተዘይኰነ ኣብ ዝቅጽል ንመልከት።

እቲ ብምልኣት ዘመኑ ናባና ዝመጸ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ቦታ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ካብ ከተማታት ይሁዳ ቤት ልሔል ወይ ድማ ኤፍራታ ተባሂላ እትጽዋዕ፡ ካብ የሩሳሌም ኣስታት ሽዱሽተ ማይልስ ኣቢላ ርሒቃ ትርከብ ክኸውን ከሎ፡ እቶም ጓሶት ድማ፡ ካብታ ብስራት ዝተሰምዓላ ከተማ ፍርቂ ማይልስ ኣቢሎም ርሒቆም ነበሩ። እዛ ዓዲ እዚኣ መበቈል ቦኣዝን ሩትን ዳዊትን ኢያ። ቤት ልሔም ማለት ብቋንቋ እብራይስጢቤት እንጌራማለት ኢዩ። ስለዚ ክርስቶስ እቲ እንጀራ ሕይወት ኣብኣ ተወልደ። ስለዚ ድማ ኢና ንሕና ነቲ ንቅዱስ ቁርባን ዝዳሎ ሕብስቲ፡ ኣብታ ብድሕሪ ቤት መቅደስ እትርከብ፡ ቤት ልሔም ኢልና እንጽውዓ፡ ኰይና ሕብስቲ ህይወት እነዳልዎ። እዚ ማለት ኣብ ቤት ልሔም ተወልደ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሥግኡን ደሙን ተበልዔ ኢልና እነመስጥሮ።

ቀንዲ ሓሳባት

ቀዳማይ፡ እቲ ዓብይ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንድቂ ሰባት ከመይ ኢሉ ከም ዝተገልጸ ከርኢ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ እቲ ፍጹምን ሓቀኛን መድኃን ዓለም ክርስቶስ ጥራይ ከም ዝዀነ ክምስክር ስለ ዝደለየ እዩ። ሣልሳይ፡ ነቲ ዝመጽእ ዘመን ዝኸውን ተድላይኑን፡ ሰብኣውነቱን መለኮታዊ ባህርያቱን፡ እቲ ቕድም ዝተነግረ ትንቢት ምፍጻሙን፡ እቲ ቅዱስ መሲሕ ብመላእኽቲ ምዕጃቡን፡ ብሰብ ጥበብ ከም ዝተደልየን፡ ንሰብውን ከመይ ኢሉ ምድኃን ከም ዘምጽኤን እዩ ዝምህረና።

እቲ ነባርን ዘይበርስን ምስክር ህላውነት እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ብምምጻእ ክርስቶስ ክንርድኦ ተጋህደልና። እግዚኣብሔር ከም ዝግደሰልናን፡ ከም ዘቕርበናን እንፈልጠሉ መገዲ ክርስቶስ ብምውላዱ ከም ዝዀነን፡ ምድምሳስ ኃጢኣትና ብሓይሉ ጥራይ ከም ዝዀነ ኣርኣየና።

እቶም መላእኽቲ ኣብ ዕዮ ድኅነት ምሕባሮም ድማ፡ ድኅነት እቲ ዝዓበየ ጉዳይ እግዚኣብሔር ንሰብ ምዃኑ ዘሕጉስ ብስራት ስለ ዝረኣዩ ኢዮም፡ ክምስክሩልና ናባና መጹ። ካብ ዚዓቢ ጥዑም ዜና ንሰብከ እንታይ ኣለዎ።

መግለጺ

ቀዳማይ፥ ንምቕባል ክርስቶስ ኣብ ዓለም ዝተገብረ ምድላው፥ ዓለም ንክርስቶስ ክትቅበሎ፡ እግዚኣብሔር ዘዳለዎም ቀንዲ ጥጡሕ ባይታ 1. ምሉእ ታሪኽ ደቂ ሰባት፥ ብፍላይ እቲ ንምምጻእ ወዲ ኣምላኽ ክንቅበሎን ክንርድኦን ከም ዝግባእ ብኣይሁዳውያን ዝተጻሕፈ ጽሑፋት ብቋንቋ ግሪኽ ተተርጕሙ ንዓለም ቁሩብ ኰኑ ነበረ። 2. ብዙሓት ትንቢታት ኣብ እዋን ልደት ክርስቶስ ከም ዝተፈጸሙን፡ ገሊኦም ድማ ክፍጸሙ ከም ዝተገማገሙን ዘርኢ ትርጉማት ተረኽበ። 3. በቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ዕቡያት ሰባት፥ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ዝፈጥርዎ ዝነበሩ ንዕቀትን ዘይምኽባርን ዘይምእማንን ዘብዝሓሉ ዝነበረ እዋን ክርስቶስ ብምላዱ ኣሕፈሮም። 4. እታ በቲ ዘመን እቲ ዝነበረት መንግሥቲ ሮሜ፥ ዳርጋ እዝያ ፍልጥትን ሥልጥንትን ስለ ዝነበረት፥ እቶም ሰበኽቲ ወንጌል፥ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕጋ ተማዕቒቦም፥ ንምስባኽ ወንጌል ላዕልን ታሕትን ክብሉ ከለዉ ዝትንክፎም ኣይነበረን። 5. ብምምጻእ ክርስቶስ ዓለም ብዘላ ሰላም ኰነት እሞ፥ ንምስባኽ ወንጌል ምቹእ ግዜ ነበረ። 6. ግሪኽ ቅድሚ ሮሜ ሓይሊ ዓለም ስለ ዝነበረት፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ትገዝኦም ዝነበረት ህዝብታት ዓለም፡ ቀንዲ ዘራኽባም ዝነበረ ቋንቋ፥ ግሪኸኛ ነበረ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ቋንቋ ደቀባት፡ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ቋንቋ ግሪኽ ክፈልጥ ግድን ስለ ዝነበረ፡ ስለዚ ዓለም ብዝሰዖ ቋንቋ ግሪኽ ወንጌል ምዝርጋሕ ቀንዲ መሳርያ ኬነ። 7. ብዙሓት ኣይሁዳውያን በቲ እዋን እቲ፥ ኣብ ኩሉ ክፍለዓ ዓለም ፋሕ ኢሎም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ብዛዕባ ምምጻእ ክርስቶስ ዝነግር ትንቢትን ተስፋን ዝነግር ብሉይ ኪዳን ሒዞሞ ስለ ዝነበሩ፥ ብዛዕባ ምምጽእ ክርስቶስ ኣብ ኩሉ ክባጻሕ፡ ሓጋዚ ኰነ።

ካልኣይ፥ ንምውላድ ክርስቶስ ዝተገብረ ምድላዋት፡ ካብ ጥቅሲ 1-5 ኰነ ድማ በቲ ቕንያት እቲ ኹሉ ዓለም ኪጸሓፍ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። ድሕሪ ምውላዱ ዮሃንስ መጥምቕ፥ ኩሉ ሰብ ቀረጽ ክኸፍል ክጸሓፍ ካብ ገዛኢ መንግሥቲ ሮሜ ትእዛዝ ወጺኡ ነበረ። እዚ እቲ ቀዳማይ ምምዝጋብ ስለ ዝነበረ፥ ዝዀነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ዘበለ፥ ኣብ መበቈ ዓዲ ኣቦታቱ ከይዱ ክምዝገብ ግድን ተባህለ።

ዮሴፍ ከኣኣብ ከተማ ዳዊት ከይዱ ክምዝገብ ተነግሮ። . ድንግል ማርያም ኣደ እቲ ሕጻን ኢየሱስ ድማ ምስ ዮሴፍ ኣብ ናዝሬት እትብሃል ዓዲ ትቕመጥ ነበረት። እንተ ዀነ እቶም ክርስቶስ ክውለድ እዩ ዝበሉ ነቢያት ከምቲ እግዚኣብሔር ዘርኣዮም ኣብ ቤት ልሔም ክውለድ ኢዩ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ክርስቶስ ኣብ ናዝሬት ኣይተወልደን። እቲ ቃሎም ክፍጸም ምእንቲ፡ እቲ መሲህ ኣብ ዓዲ ዳዊት ኣብ ቤት ልሔም (ዓዲ እንጀራ) ክውለድ እዩ ኢሎሞ ዝነበሩ (ሚክ፡ 52) ብምኽንያት መዝገባ ኣብ ቤት ልሔም ተወልደ። ርግጽ ከኣ እቲ ምስኡ ዝሰማማዕ ስፍራ ቤት ልሔም ነበረ። ምኽንያቱ ወራሲ ኣቦኡ ዳዊት ስለ ዝኾነ፡ ንምድራውን ሠማያውን ዝፋን ከጽንዕ እግዚኣብሔር ኣብ ቤት ዳዊት ቦታ ኣዳለወሉ (2 ሳሙ፡ 716)

ሳልሳይ፥ ልደት ኢየሱስ ጥቕሲ 6-7 ኣብቲ ክምዝገብሉ ኢሎም ዝኸድሉ ቦታ ከለዉ ኸኣ ክርስቶስ ተወልደ። ብዓለባውን ጠቕለለቶ። እዚ ግቡእ ዓለባ ንዝተወልደ ሕጻን ዚኸውን ኣይነበረን። ከም እንደማንም እኽብካብ ኣጫርቕቲ ኣለጋጊባ እያ ኣዲኡ ንኢየሱስ ህጻን ዝጠቕለለቶ። ኣብ መብልዕ ማል ከኣ ኣደቀሰቶ። በቲ እዋን እቲ እቶም ኣብኣ ዝሓድሩ እንስሳታት ስለ ዘይነበሩ ይዀኑ፡ ወይ ድማ ብሓደ ጸግዒ፥ ኣብኡ ኣብቲ መብልዒኦም ስፍራ ረኸበትሉ እሞ፡ ኣብኡውን ኣደቀሰቶ።

ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበረ እቲ ማሕደር ኣጋይሽ መሊኡ ስለ ዝነበረ ዝዀነት ስፍራ ዝረኸብካያ ንኽትድቅሰላ ተደላይት ስለ ዝነበረት፥ ከምኡ . ድንግል ማርያም ኣብቲ መብልዕ ማል ቦኽሪ ወላዳ ክትሓርስ ግድን ኰና።

እቲ ዘሕዝን ግና፡ እቶም ሎሚ ማእለያ ዘየብሎም ክርስቲያናት ኢና ዝብሉ፥ ብዓለማዊ ነገራት ልቦም ስለ ዝተታሕዘ፥ ንክርስቶስን ንሕብረት እግዚኣብሔርን ዚኸውን ኣብ ልቦም ሰፈር የብሎምን። በዓላት ልደት ብዘንጸባቅ ነገራት ጌሮም ከብዕልዎ ግና ጸገም የብሎምን። ኣብቲ ንሱ ዘለዎ ግን ሰላምን ደግነትን ኣሎ እሞ ብህላውነቱውን ንኹሉ ይባርኾ እዩ።

ራብዓይ፥ ንምቅባል ኢየሱስ ክርስቶስ መላእኽቲ ዝዘመርዎ ሓዱሽ መዝሙር፡ ጥቅሲ 8-9 “ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዚሓድሩ ጓሶት እቲ ቀንዲ ምኽንያት ብለይቲ መሔለዊኦም፥ ካብ ሰረቕትን ኣራዊት በረኻን ክከላኸሉ እዩ። እንተዀነ ብዘይሓሰብዋ ሰዓትመልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ጥቓኦም ደው በለ ፍቕርን ጥበብን ባህርን እግዚኣብሔር እንታይ ከም ዝዀነ፥ ክገልጸሎምን፡ ከብርሃለሙን፡ እቶም ካብ ኣዳም ኣትሒዞም ሓደ መዓልቲ ክመጽእ ኢዩ እናበሉ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ከም ዝተፈጸመ ብርሃን ከም ዝተገጸ ዝምስል ነበረ። በቲ ብርሃን ተሰንዩ ኸኣ እቲ መልኣኽ ናይ ምብሳር ሥልጣን ኣርኣየ። እቶም ጓሶት ግናብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ዝጸንሔ ጸልማት ኃጢኣት፥ ብምግላጽ ክርስቶስ ክበርህ ከሎ ክትርኢ፥ ዘይነበረካ ስምባደ ክትስንብድ ግድን እዩ። እዚ ኣብ ታራ ጓሶት ብመላእኽቲ ዝተሰብከ ክርስቶስ፥ ከምኡውን ምምጽኡ ክብሰር ከሎ፥ ምስቶም ጓሶት ሓቢርና ክብሪ ንኣምላኽ ክንብል እዩ ዝግባእ።

ሓሙሻይ፥ ዝዓበየ ጽቡቕ ብስራት፥ ጥቅሲ 10-14 እቶም መላእኽቲ ነዚ ብሉጽ ብስራት እዚ፥ ዓለም ሰሚዓቶ ዘይትፈልጥ ከበስሩ ከለዉ። ወለዶታትን ዓሌታትን፡ መዓርግን ክብረትን፡ ድኽነትን ሃብትን፡ ከይፈለዩ፡ ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ዝኸውን ጥዑም ብስራት ምድሓን ኣምላኽ ኣበሰሩ።

መድሓኒ ተወሊድልኩም ካብ ኃጢኣቶም ከድሕኖም እዩ ከም እተባህለ፥ ስሙ ኢየሱስ ተባህለ። ክቅድስ ብቑዕ እዩ እሞ፥ ክርስቶስ እቲ ቅቡእ ተባህለ። እቲ ንዘመናት ዝተጸበይዎ ክርስቶስ ከም ቅቡእን ኢየሱስ ከም መድሓኒን ኰይኑ በቲ እዋን እቲ ተገልጸ።ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ከኣ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም ከምቲ ኣገልጋሊ ኤልሳእ ዓይኑ ምስ ተኸፍተሉ፥ ነቶም ጭፍራ ሰማይ ዚረኣዮም፥ ከምኡ ኸኣ እዞም ጓሶት እዚኣቶም ነዞም ጭፍራ ሰማይ እዚኣቶም፥ ረኣይዎም። ኩላ ሰማይ ከኣ ብሓጎስ መልኤት።

እንተድኣ ሓደ ኃጢኣተኛ ክንሳሕ ከሎ፥ ኣብ ሰማይ ሓጎስ ዝኸውን ኰይኑ፥ ከምኡ ኸኣ እዞም ጓሶት እዚኦም፥ በቶም መላእኽቲ ከም ዝተበሰርዎ እሞ ንኹሉ ሰብ ከኣ ካብ ኰነ ክንደይ ግዳ እቲ ሓጎስ ብመላእኽቲ ካብ ሰማየ ሰማያት ንምምጻእ ክርስቶስ ዝተበሰረ ሰናይን ክብርን ብጥቕሙን ረብሓኡን ንሰባት ክብ ዘይብል። ሉቃ፡ 157-10 እዚ መድሓኒ እዚ ንባዕሉ እቲ ጸጋ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ንኹሎም ናብኡ ዚመጹ ብዘይ ሌላን ጉሌላን ድሕነት ጸጋ ንዝመጾ ዝህብ እዩ።

እቲ ብመላእኽቲ ዝተዘመረ ሓዱሽ መዝሙር፡ ሠለስተ በበይኖም ዝዀኑ ሓደስቲ ተሰሚዖም ዘይፈልጡ ኣረፍተ ነገራት ዝሓዘ ነበረ። ንሳቶም ድማ፡- ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፥ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፥ ንኹሉ ሰብ ጽቡቕ ፈቓድ።

ክብሪ ንኣምላኽ ማለት እቲ ምምጻእ ክርስቶስ እቲ ዝዓበየ መግለጺ ባህሪ ኣምላኽን፡ ፍቕሩን፡ ጸግኡን፡ ንደቂ ሰባት ዝሃቦም ደግነቱን ዘርኢ እዩ። እዞም ቃላት እዚኣቶም ኩሎም ሰባት ኽብሪ ኣምላኽ ክፈልጡዎን፡ ከስተውዕልዎን ካብኡ ክርብሑን፡ ከኽብርዎን ከም ዝግብኦም ይነግረና። 1. እቶም መላእኽቲክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ ክብሉ ከለዉ፡ መላእኽቲ ኣብ ሰማያት ኰይኖም ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዝዝምርዎ መዛሙራት ወይ መሃሌት ኢዩ ዝነግረና። 2. ኣብ ሰማየ ሰማያት፥ ክብሪ እግዚኣብሔር ብመዝሙር የንጸባርቑን የጋውሑን፥ ድምጾም ኸኣ ክሳብ ምድሪ በጽሔ 3. ክብ ይብል፥ ካብቲ ኹሉ ክገርመና ዝኽእል ፍጥረት ኣምላኽ፥ እቲ ንደቂ ሰባት ዝመደበሎም መደብ ድሕነት ክብ ዝበለ ደረጃን ሥልጣንን ዝሓዘ ዘገርም ዝዀነ ህያብ ኣምላኽ ንሰባት እዩ። ንሱ ጥበብን ፍቕርን መመዛዝንቲ ዘይብሉ ለውሃቱን እዩ ዘርእየናን ዝገልጸልናን። ነፍሳት እቶም ቅዱሳኑ ከም ጸሓይ ንዘለኣለመ ኣለም ክበርሁን ከንጸባርቁን እዩ። ክቡር ሓወይ ኣነን ንስኻ ካብኣቶምዶ ንኸውን፧

ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ርግጽ ኣብ ምድሪ ሰላም እግዚኣብሔር እንተዘየለ፡ ከመይ ኢላ ዓለም ክትነብር ይከኣላ፧ ይትረፍዶ ክንድዚ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ ቁጽሪ ሒዛ ብሰላም ክትነብር፡ ክልተ ቃኤልን ኣቤልን ሒዛ እኳ ብሰላም ኣይነበረትን። እምብኣር እዚ ሰላም እዚ፡ ክሳዕ ይኣክል ዝብሎ ክቅጽል ኢዩ። ኣማስይኡ ድማ ተቀበልቲ እዚ ሰላም እዚ ምስ ተሳእኑ፡ እቲ ጐይታክምለስ ከሎኹስ እምበርዶ እምነት ክትጸንሓኒ ኢያዝበሎ ክፍጸም፡ ነዚ ሰላም እዚ ዘይቅበሉ ምስ በዝሑ፡ እዚ ሰላም እዚ ናብ ወሃቢኡ ክምለስ ኢዩ። ስለዚ ሕጂ ናብ ወሃቢኡ ከይተመልሰ፡ ደስ ኣይበለንን እትብለሉ ግዜ ከይመጸ፡ ንሰላም ክርስቶስ ሰላመይ በሎ። ኹሉ ሃብትን ትሕዝቶ ሰላም ምድርን ብምኽንያት ኣምላኽን ፍቕሩን ኣብ ዘኻዮ ክባርኸካን ከስልጠልካን ኢዩ። ንኹሉ ሰብ ጽቡቕ ፍቓድከምቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ስምዒት ጽቡቕ ፈቓድ፥ ከምኡውን ኣብ እግዚኣብሔር ኦቦ ነበረ። ኣምላኽ ንሰባት ብምኽንያት ኃጢኣቶምን ርኽሰቶምን ኣይፍንፍኖምን። እኳ ድኣ ከምቲ ወላዲት ንውላዳ ንኹሉ ርስሓቱ ብንጹህ ማይ ሓጺባ እትስዕሞ፡ ንርኹስ ኃጢኣትና ብመንፈሱ ሓጺቡ ድኣ ይስዕመና። ድሕሪኡ ድማ ውልዱ ስለ ዝዀና ይሓቕፈና።

እምብኣር እቲ ዓለም ክትፈልጦ ዘድልያሲ፥ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ጽቡቅ ፈቃድ ዘለዎም ደቂ ሰባት ጽቡቕ ፍቓድ ከም ዘዘውትር ምፍላጥ እዩ። ነዛ ኃጢኣተኛን ዓለወኛን ኣብ ርኽሰት እትመላለስ ዘላ ዓለም፥ ኃጢኣታ ረሲዑ ከንጽሃ ከም ዚደሊ ምርዳእ ድማ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣምላኽ ካብኣ ዝደልዮ። ፈሊጣ ኸኣ ነቲ ምልእቲ ዓለም ክትድሕን ዝወፈዮ መስዋእቲ ክርስቶስ፥ ክትቅበሎን ክትኣምኖን እዩ። እምብኣር ቅዱስ ሓወይ ኣነን ንስኻን ንልደት ክርስቶስ ብጽቡቅ ፈቃድና እንተ ተቐበልናዮ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕለይን ልዕሌኻን ጽቡቅ ፈቃዱ ከርኢ ኢዩ።

ሻዱሻይ፥ ምብጻሕ ናይቶም ጓሶት ናብቲ ዕሸልን ኣዲኡን ጥቅሲ 15-16 “ንዑናይ ንርኤ እቶም ጓሶት እምነትን ተገዳስነትን ቅንኢ ንኣምላኽን ከም ዝነበሮም በቲ ቀልጢፎም ምኻዶም የርእየና። ኣብ ክንዲ ናብ ደንቢኦም ተመሊሶም ትም ዝብሉ፡ እቲ ብዛዕባ እቲ ሕጻን ብመላእኽቲ እተነግረ፡ ንኻልኦት ሰባት ኣካፈልዎም። ኣብቲ ዝተዋህቦም ዕለታዊ ስርሖም ኣሙናት ኰይኖም እናሰርሑ ከለዉ፡ ኣብ ምብስር ወንጌል ጥዑም ዜና ቀዳሞት ኰይኖም ተረኽቡ። ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝረኸብዎ ብስራት ልደት ክርስቶስ ናብ ከባቢኦም ኣብጽሕዎ። እቲ ጽሑፍኣብ ምድሪ ምኢቲ ካዕበት፡ ኣብ ሠማይ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወትከም ዝበለ፡ ካዕበት ጽቡቅ ተግባሮም እዚ ወንጌል እዚ ኣብ ዝተሰብከሉ ዘበለ፡ ስሞም ከይተጸውዔ ኣይሓልፍን። ስለዚ እቲ ንዓለም ዘይተፈልጠን ዘይተዋህበን ኣስማቶም፥ ኣብ ሰማያት ኣብ መዝገብ ሕይወት ተጻሒፉ። ኣነን ንስኻን፡ ንስኽን ሰብ ጽቡቅ ፈቃድ ኰይናስ፡ ስመይን ስምካን ስምክንከ፥ ኣብ ሰማያት ኣብ መዝገብ ሕይወትዶ ተጻሒፉ ኣሎ፧ ኣብኡ ተጻሒፉ ክህሉ ኣምላኽ ይሓግዘና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div