S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በዓለ ዕረፍት ወትንሳኤ ድንግል ማርያም

 በስመ ሥላሴ እቀጠቅጥ ከይሴ

 "ዕረፍትን ትንሣኤን ድንግል ማርያም"

 "እዛ፡ ፈታዊኣ ተመርኲሳ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን እያ፧?" መኃልየ መኃልይ ዘሰሎሞን 8:5።

 ብስም ክርስትና ካብ ዝጽውዓ ቤተ እምነታት (ርቱዕ መንገዲ) ዝብል ትርጉም ዘሎዎ እምነት ኦርቶዶክስ ዝኽተላ ኣብያተ ክርስቲያናት ንቅዱስ ሓዋርያዊ ትውፊት (Holy Tradition) ዓቢይ ቦታ ኣሎወን::ቅዱስ ትውፊት እንብሎ ካብ ቅዱሳን ኣቦታትና ሓዋርያት ጀሚሩ ካብ ወለዶ  ናብ ወለዶ እናተመኃላለፈ ዝመጽአ ኣስተምህሮን ሥርዓተ ኣምልኾን ኪኸውን ከሎ:መጽሓፍ ቅዱስውን ኣብ ዘመና ዝበጽሐ ብመንገዲ ሰንሰለት ቅዱስ ትውፊት  እዩ::ነዚ እዮም ከኣ ኦርቶዶክሳውያት ኣበዋትና :-"መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ገረብ ቅዱስ ትውፊት ዝበቖለ ሠናይ ፍረ እዩ" ዝብሉ።

እታ ናይ ጥንቲ ቤተ ክርስቲያን:ኣብ ምድረ ፍልስጤም ኣብ 5 ሚኢቲ ክፍለ ዘመን መወዳእታ ኣከባቢ ናይ ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም በዓለ ዕረፍት ወፍልሰት ኬተኽብር ከም ዝጀመረት ዝጥቁሙ ታሪኻዊ መርትዖታት ኣሎዉ:: ኣብዚ ዘመን "The Dormition and the Assumption of the body of St.Mary into Heaven” ብዝብል ኣርእስቲ ዝገልጹ ጽሑፋት ብዝተፋላለዩ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን  ይጸሓፉ ከም ዝነበሩ ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝተገብሩ መጽናዕትታት የመልክቱ።ካብዞም መጽናዕትታት እዚኣቶም ሓደ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ዘትረፈ እዚ ዝስዕብ መጽሓፍ እዩ፡- "Stephen Shoemaker, Ancient Traditions of the Virgin Mary's Dormition and Assumption, Oxford University Press,2006. "ኣብ ፍልስጤም (Palestine) ዝተጀመረ "በዓለ ዕረፍታ ወፍልሰታ ለማርያም" ቀስ ብቐስ ናብ ምዕራብ ዓለም በጺሑ፡ ኣብ 8ይን 9ይን ሚኢቲ ክፍለ ዘመን ዓለም ለኻዊ በዓል ንኪኸውን ኪኢሉ።እዚ በዓል ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት August ነሓሰ 15 ኬኽብርዎ ከለዉ፡ጥንታዊ Julian Calendar እትኽተል ቤተ ክርስቲያና ድማ ነሓሰ 16 (August 22) ብዓቢይ ድምቀት ተኽብሮ።

"እዛ፡ ፈታዊኣ ተመርኲሳ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን እያ፧?" ዝብል ናይ ንጉሥ ሰሎሞን ዝማሬ፡ምሉእ ሕይወታ ንኣምላኻ ዘኽበረት ነፍሲ ካብ ሥጋኣ ተፈልያ ናብ እተፍቅሮ ጐይታኣ ክትከይድ ከላ ዝጥቀስ ጥቕሲ እዩ።ካብዚ ብዝኃሸ መልክዕ ግና፡ኣዴና ድንግል ማርያም ብኃይሊ ወዳ ካብ ሞት ተንሢኣ፡ንጽሕትን ቅድስትን ዝኾነት ነፍሳ ፍቑር ወዳ ብኽብሪ ተቐቢሉ ናብ መንግሥቱ ዘዕረገሉ በዓል ንምዝካር ኪንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።እቲ ናይ ግእዝ ንባብ -"መኑ ይእቲ ዛቲ እንተ ተዐርግ እምገዳም እንተ ትትመረጐዝ በወልድ እኁሃ፧?"

እዛ ፈታዊኣ ተመርኲሳ ካብ ምድረ በዳ እትዓርግ መን እያ፧? ንዝበላ፡ "ሠናይት ከመ ወርኅ፡ወብርህት ከመ ፀሐይ- ከም ወርኂ ጽብቕቲ፡ከም ፀሓይ ከኣ እተብርህ" ብምባል ስለ ዝገልጻ፡ብፍቓድ ካብ ዝሥራሕ ናይ ግሊ ኃጢኣት ናጻ ንዝኾነት ንቅድስቲ ናይ እመቤትና ነፍሲ ዕርገት ብጣዕሚ ዝሰማማዕ ኣገላልጻ እዩ።ነዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓሳብ ብሥነ ሥዕል (iconography) ንምምልካት፡እዚ ኣብዚ ቪድዮ  እትምልከትዎ ኦርቶዶክሳዊ ሥዕሊ (icon)፡ሐዋርያት ናይ እመቤትና ሥጋ ንምግናዝ ከም ዝተኣከቡን ጐይታ ብኣምሳል ውሉድ ሕፃን ብጻዕዳ ሃሪ ግምጃ ዝተጠቕለለት ናይ ብፅዕትን ቅድስትን ኣዲኡ ነፍሲ ሓቒፉ የርኢ።ንጐይታ ኣብ ሕፃንነቱ ትሓቚፎ ከም ዝነበረት፡ንሱ ድማ ብታራኡ ኣብ መዓልቲ ዕረፍታ ናይ ኣዲኡ ንጽሕቲ ነፍሳ ሓቒፉ ናብ መንግሥቱ ዘለዓለማዊ ክብሪ ኣእተዋ።

ብሞቱ ንሞት ዝሰዓረልና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ድኅሪ ሞት ዝጽበየና ትንሣኤ በኲር ከም ዝኾነ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ጽሒፉልና (1 ቆሮ 1220) እዚ ሓዋርያ ብዛዕባ ትንሣኤ ሙታን ኪጽሕፍ ከሎ ሥጋዊ ኣካላትና ናብ ሓመድ ድኅሪ ምምላሱ (ድኅሪ ብዝብስብስ ምዝራኡ) መንፈሳዊ ኣካል ኮይኑ  ብኽብሪ ከም ዝትንሥእ ምሂሩና (1 ቆሮ 1542-50) መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ንፍርዲ ምስ መጸ፡-"እቶም ብጐይታ ዝሞቱ ብፁዓን እዮም" ከም ዝተባህለ (ራእይ 1413) ኣብ ምድራዊ ናብራኦም ንክርስቶስ ለቢሶም ዝነበሩ ደቂ እግዚኣብሔር ናይ ክብሪ ትንሣኤ ይትንሥኡ።ነዚ እዩ እቲ ሓዋርያ፥-" ነቲ ኽቡር ሥጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ሥጋና ኺልውጦ እዩ።   (ፊሊ 321) ኪብል ብዛዕባ ዝጽበየና ዘለዓለማዊ ክብሪ ዝነገረና።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያና፥- "ወላዲተ ኣምላክ ንሞት ብዝሠዓረ ብኃይሊ ወዳ ካብ ሞት ተንሢኣ ናብ መንግሥቲ ወዳ ዓሪጋ" ቢላ ኬተስተምህረና ከላ፡ውሉድ ኣምላኽና ዝኾና ኩላትና ኣብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ዝጽበየና ክብሪ እመቤትና ቀዲማ ረኺባቶ ማለታ እያ።ጐይታ ብትንሣኤኡ በዂሪ ከም ዝኾነ፡ቅድስትን ብፅዕትን ኣዲኡ ድማ ናብ ሰማያዊ መንግሥቲ ብምእታው ቀዳሚት (በዂሪ) ኮይናትና።ንጉሥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ መንግሥቱ ዝተፈለየሉ እዋን ፈጺሙ ከም ዘየልቦ ንፈልጥ ኢና፡መንግሥቱ ዘሎ እቲ ንጉሥ ኣብ ዘለዎ ቦታ ስለ ዝኾነ።ኩላትና ተስፋ እንገብሮ "ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ" (ማቴ 2522) ዝብል፡ብኣኡ ሕያዋን ኮይንና ኣብ መንግሥቱ ንዘለዓለም ናይ ምንባርና ሓቂ (eschatological fulfillment) ቅድሚ ኹላትና ንቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተገብረ።ካብ ባሕርይ መለኮት ተኻፈልቲ ዝኾንናሉ (2 ጴጥ 14) ምሥጢር (theosis-ሱታፌ አምላክ) ካብ እግዚኣብሔር ብዝተዋህባ ፍሉይ ጸጋ ብንጽሕናን ብቕድስናን ኣጊጻ ኣብ ሕይወታ ክውን ስለ ዝገበረትን ካብ ማእከል ቅዱሳን  ብንጽሕና ዝመዓራረያ ስለ ዘየለ፡እመ ቤትና ቅድሚ ኲሎም ቅዱሳን ቀዲማ ናብ መንግሥተ እግዚኣብሔር  ኣተወት እንተ ተባህለ ሕቶ ኪፈጥረልና ኣይግባእን።ንኣምላኽ ብድንግልና ወሊዳ ንዘዕበየት እመቤት ዝግብኣ ናይ ክብሪ ሰማያዊ ፍጻመ ካብዚ ወፃኢ ኪኸውን ኣይክእልን።

እግዚኣብሔር ወልድ ካብ እመቤትና ዝወሰዶ ሥጋ፣ናትና ሥጋ ከም ዝኾነ ግልጺ እዩ።ብናይ 318 ናይ ጉባኤ ኒቅያ ኣበዋት ስም ዝተደርሰ ናይ ቤተ ክርስቲያና ቅዳሴ፥-"ተዘከር ሥጋ እንተ ነሣእከ እምቅድስት ድንግል እንቲአነ ሥጋ አኮ እምሰማያት ዘአውረድከ”-እቲ ካብ ቅድስቲ ድንግል ዝወሰድካዮ ሥጋ ናትና ከም ዝኾነ ካብ ሰማያት ከም ዘይኣውረድካዮ ዘክር" ከም ዝብል ( 121)።ናይቲ መልኣኽ ብሥራት "ይኩነኒ በከመ ትቤለኒ" ቢላ ካብ ዝተቐበለትሉ ቅጽበት ጀሚሩ እግዚኣብሔር ኣብ ብወዱ ኪገብሮ ዝሓሰቦ ናይ ምድኃን ሥራሕ ንድንግል ማርያም መሣርሒ ገይርዋ።ልዑል መኅደሪኡ ቀዲሱ፥ "ቅድስተ ቅዱሳን-Holy of Holies" ዝተባህለት ናይ ወልድ ዋሕድ መኅደሪ ኪትከውን መረጻ።ስለዚ ናይ ድንግል ማርያም ትንሣኤን ዕርገትን ብቐንዱ ዘመልክቶ፥እኒ ቅዱስ ኤፍሬም፥-" አንቲ ውእቱ ደብተራ እንተ ተሠመይኪ ቅድስተ ቅዱሳን... መቅደስ ዘይኬልሉኪ ኪሩቤል" ቢሎም ዘወደስዋ ናይ ጐይታ ንጽሕቲ መቅደስ ኣብ መንግሥቱ ምኽባራ እዩ። እዚ ናይ መንግሥቱ ክብሪ (glorification) ድማ ናትና ክብሪውን ስለ ዝኾነ በዚ ቅዱስ ትውፊታዊ ኣስተምህሮ ደስ ኪብለና እምበር ፈጺሙ ኪኸፍኣና ኣይግባእን።

ኣበዋትና፥መሓሪ ጐይታ ንኣና ዘፍቀረሉ ዘለዓለማዊ ፍቕርን ንኣና ዝገበሮ ናይ ምድኃን ሥራሕ ኣብ መጽሓፈ ቅዳሴ፥-" እንተ አፍቀርካ ለዛቲ ዘመድነ-! ነዛ ባሕርይና ዘፍቀርካያ" ብምባል ኣድኒቖም።ንሕናውን ንእመ ቤትና ዝተገብረ (ንወላዲተ ኣምላክነት ምምራጻ፡ዘለዓለማዊ ድንግልናኣ፥ካብ ፍጡራን ማንም ዘይመዓራረዮ ቅድስናኣ፡ካብ ሞት ተንሢኣ ምዕራጋ) ንድኅነትና ዝተገብረን ናትና ሰብዓዊ ባሕርይ ፍሉይ ክብሪ (glory) ዘንጸባርቕ ስለ ዝኾነ በዚ ኲሉ ደስ ይበለና፥ሐሴትውን ንግበር።ብሔዋን ዝተዋረደ ሰብዓዊ ባሕርይና ብዳግማዊት ሔዋን (ብድንግል ማርያም) ስለ ዝኸበረ ከም ትምህርቲ ኣቦታትና  ንእመቤትና፥- "ትምክሕተ ኲልነ/ ትምክሕተ ዘመድነ" ንበላ።ነዚ ሓቂ ኬመሥጥር ከሎ ብናይ ሶርያዊ ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ ስም ዝጽዋዕ ናይ ኣግኣዛውያን ኣቦታት አኰቴተ ቊርባን፥-"ወካዕባ ተማኅፀነ በማርያም እምከ እንተ ይእቲ እግዝእትነ ወትምክሕተ ዘመድነ በወሊዶተ ዚአከ-ከም ብሓዱሽ ብወላዲትካ ብማርያም ተማሕፂንና፡ንኣኻ ብምውላድ እመ ቤትናን ናይ ባሕርይና መመኪሒ ኢያ" ይብል (.99)

ኣብ መወዳእታ፥ሄኖክ ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሔር ስለ ዝገበረ  ኣምላኽ ከም ዝወሰዶ (ዘፍ 524)፥ንኣምልኾተ እግዚኣብሔር ቀናዒ ዝነበረ ነቢይ ኤልያስውን ብእሳተ ሰረገላን ብኣውሎ ንፋስን ናብ ሰማይ ከም ዝተነጥቀ (2 ነገ 211) ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበበ ሰብ፥ናይ ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም ናብ መንግሥተ ሰማያት ምውሳድ ሕቶ ኪፈጥረሉ ኣይግባእን። " እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይክእሉን" (1 ነገ 827) ዝተባህለሉ ኣምላክ፥ድንግል ማርያም ኣብ ማኅፀና ተሸኪማቶ።ስለ ዝኾነ ድማ "ዳግሚት ሰማይ፥ዳግሚት አርያም፥ሰማይ ዲበ ምድር  (ኣብ ምድሪ ዘላ ሰማይ" ተብህለት፥ኣኅዋትና ኦርቶዶክሳውያን ከም ኣበዋትና፥- "O St.Mary, your womb is spacious  than heavens" ቢሎም ዘሚሮምላ።ስለዚ ናይ ድንግል ማርያም ናብ ሰማይ ምዕራግ (ዕርገት) እናተቓወሙ ናይ ትዕቢት ቃላት ካብ ምስንዛር ንላዕሊ፡ኦርቶዶክሳዊ ኣስተምህሮ ብትሕትና ብምምሃር፡ዳግሚት ሰማይ (ድንግል ማርያም) ምስ ብዕለተ ሰንበት ዝተፈጥረ ሰማይ  ሓድነት ብምግባራ ዕፁብ እናልና ነድንቕ፥ነዚ ዂሉ ዝገበረ ኣምላኽና ናይ ከንፈርና ፍረ ናይ ምስጋና  መሥዋዕቲ ጌርና ነቕርበሉ (ዕብ 1315)

መኅደሪ መቕደሱ ዘኽበረ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብናይ ቕድስቲ ወላዲቱ ጸሎትን ልመናን ብሰማያውን ምድራዊን በረኸት ኲሉ በረኸታት ይባርኸና፥ንቕዱሳን ኣበዋትና ዝሃቦ ናይ እመ ቤትና ናይ ኣደነት ጣዕምን ፍቕርን የብዝኃልና።ኣሜን።

ጸሓፊ ቀሲስ ዶክተር መብራህቱ ኪሮስ

ትርጉም ቀሲስ ኣፈወርቂ ቀሲስ ተወልደ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div