S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስምኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ!

ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽ በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። ገላ 5፡ 1።

ምኽንያት ጽሑፈይ በቲ መግለጺ ወጽዩ ዘሎ ብሽፋን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝብል'ዩ:: ቅድስና ይትረፍሲ ሰብ ምዃን ኣጥፊኡ ዘሎ ሲኖዶስ እዩ:: ንቅዱስ እንጦንዮስ ብእምነት ክኸስዎም ብቕዓት ኮነ ሞራል የብሎምን:: ቅዱስ እንጠንዮስ ድምጾም ተሰሚዑ መልእኽቲ ፈንዮም ምስ ተሰመዓ፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደቂሶም ኣይፈልጡን እዮም:: ነቲ ዝገበርዎ በደል ብየቅሬታን ብትሕትናን ከይዛዝምዎ ናብ ሰይጣናዊ ዝኾነ ህልኽ ምእታዎም ንቤተክርስቲያና ዓብይ ዉድቀት ኮይኑ ኣሎ:: እዚ ኹሉ ዝግበር ዘሎ ዋናታቱ እቶም ሰብ ፖለቲካ ምዃኖም ክዝንጋዕ ዘይግበኦ ሓቂ እዩ::

ሃገርና ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ነጻ ወጽያ ምስ ተሰመዓ ነጻ ዝኾነት ቤተክርስቲያን ክትህልወና፡ ከምኡዉን ሰላምን መሰል ደቂ ሰባትን ዝነገሳ ኤርትራ ክርኢ ዘይባሃገ ኣይነበረን። ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቃ ከም ዝብሃል፡ ደጊምና ኣብ ጽኑዕ ኣርዑት ባርነት ተቆሪንና ንርከብ ኣሎና። ዉጽኢት ናይ ዘለናዮ ባርነት ድማ ንጹሃት ሰባት ክእሰሩን ክግፉዑን ክቅተሉን: መንእሰያት ደቅና ሃገሮም ገዲፎም ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ልሙድ ትዕዝብቲ ኮይኑ ኣሎ::

ደብረ ቢዘን ነቲ ዘይቅኑዕ መሪሕነት ብዝተፋላለየ መገዲ ክንቃወሞ ምጽናሕና ድማ ይዝከር። ክኣስሩና ከፈራርሑና ክድህሉና ምጽንሖም ብመራኸቢ ብዙሓን ክስማዕ ጸኒሑ'ዩ። ሕጂ ድማ ካብቶም ተባዓት ኣቦታት ደብረ ቢዘን 5 ፈለስቲ ምእሳሮም መቀጸልታ ናይቲ እኩይ ተግባራቶም ምዃኑ እዩ።

ኣቦታት ደብረ ቢዘን ኣብ ጉዳይ ቅዱስ እንጦንዮስ ጸኒዕና ደዉ ምባልና ሻቅሎት ዝፈጠረሎም መራሕቲ ፖለቲካ፣ ነቲ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ለዉጢ ድማ ደብረ ቢዘን ብሓይሊ ከይትንስኡ ካብ ዝብል ፍርሒ ሕጅዉን ነቲ እከይ ተግባራቶም ይቅጽልዎ ኣለዉ።

ፈለስትና መእሰሪኦም ምኽንያት ብዉሕዱ ክልተ ነጥቢ ክንርኢ ንኽእል: እታ ቀዳመይቲ ሓይሊ ደብረ ቢዘን ፈጺምካ ንምድኻም እታ ካልኣይቲ ድማ ንቅዱስ እንጠንዮስ ገዲፎም ሓዱሽ ፓትርያርክ ክሸሙ ስለ ዝደለዩ እዮም:: ነቶም ምኩራት ፈለስትና ኣሲሮም ንቤተክርስቲያና ክበታትንዎ ምስቶም ጸላእቲ ቤተክርስትያን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ይሰርሑ ምህላወም ናይ ኣዳባባይ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ::

እዚ ዝግበር ዘሎ ዳግማይ ግህሰት ኣብ ልዕሊ ቅዱስ እንጠንዮስ ንኹሉ ወዲ ሃገር ኣብ ፍትሕን መሰል ደቂ ሰባትን ብዝግባእ ዝተረደአ ዝምልከት እዩ:: እቶም ደቂ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ድማ ነዚ ኹሉ ግህሰት እናሰማዕኩም ምጽቃትኩም ዝገርም እዩ:: ገሌኹም ደቅና ካህናትን ድያቆናትን እዚ ክግበር ዝጸነሐ ጌጋ ኤልኩም ምትሳእኩም ሰሚዕና ተሓጊስና ነበርና: ሓጎስና ምሉእ ዘይምግባርኩም ድማ ከም መጠን ዝተሓጎስናዮ ጉሂና ኣሎና::

ከምቲ ዝተሳእኩሞ ምስቶም ኣቐዲሞም ደዉ ዝበሉ ኣቦታትኩም ደዉ ክትብሉ እምበር ቅዱስ እንጠንዮስ ኢልኩም ሓዱሽ መገዲ ክትምስርቱ ንረብሓ ቤተክርስቲያንና ኣይኮነን: ደቀይን ኣሕዋተይን ከምዚ ትኸድዎ ዘለኹም ምምቕቓል ንረብሓና ዘይምዃኑ ተረዲእኩም ሕበሩ: ዘየራዳድእ ትምህርቲ እንተለኩም ድማ ባዕልኻትኩም ኣብ ንሕድሕድኩም ኣይትፈራረዱ: እቲ ቅዱስ ጽሕፍ ከም ዝብሎ ኣይትፍረዱ ከይትፍረዱ እዩ:: ንጉዳይ ትምህርቲ ዝምልከት ነዓና ግደፉልና ጸላኢ ሃገርናን ቤተክርስቲያናን ምስ ተፋነወ ኮፍ ኢልና ክንፈትሖ ኢና:: ቤተክህነት ተዋሕዶ ኩሉኻትኩም ኣብ ስደት ዘለኹም ናይ በሓቂ ፍቅሪ ሃገርኩምን ህዝብኹምን እንተለኩም ኣብ ነንሕድሕድኩም ምዉግጋዝን ምብልላዕን ገዲፍኩም ኣብ ሓደ ተጠርኒፍኩም ነቲ ኣብ ፍልልያትና ዝነብር ዘሎ ስርዓት ካብ ስምዒትን ህልኽን ወጺኹም ብፍልጠትን ብልቦናን ክትገብርዎ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣለኹ:: ኣብዚ እዋን ቅዱስ እንጦንዮስ እናበልኩም ኣብ ምፍልላይ እትርከቡ ደቅና ናይቶም ፈላለይትና ሓገዝቶም እምበር ጠቐምትና ኣይኮንኩምን:: ምኽንያቱ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ተንከል ንሰምዖምን ንዕዘቦምን ኣሎና: ቅዱስ እንጦንዮስ ይበሉ ግደፍዎም ብሓደ ከይሓብሩ ምስቶም ቀዳሞት ጸላእትና ከይጽምበርዎም ተጠንቀቑ ክበሃል እዩ ዝዉዕል ዘሎ:: እምበኣር ደቀይን ኣሕዋተይን ከይተረዳኣና መሳርሒ ናይቶም ጸረ ቤተክርስቲያናን ሃገርናን ከይንኸዉን በቲ ዘሎኒ ሓላፍነት እምዕደኩም ኣለኹ::

እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከም ዝብሎ “ምሳይ ዘይኰነ፡ ንሱ መቓናቕንተይ እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩ” ሉቃስ 11: 23:: ኣብ ጉዳይ ሃገር ይኹን ኣብ ጉዳይ ቤተክርስቲያን ሓቢርኩም ተሳኒኹም ምቅላስ ከተማዕብሉ ኣለኩም:: ንሕና ገዳማዉያን ፈለስቲ ዝፈለጥናዮ ኣብ ምዕቡል ዓለም ተቐሚጥኩም ዶ ክጠፍኣኩም ኮይኑ:: ዓወት ናይ ጸላኢና ኣብ ምብታና፥ ዓወት ናይ ህዝብና ድማ ኣብ ምሕባርና እዩ:: ፓትርያርክና እንጦንዮስ እዮም ኣብ ምባል እንተበጽሕኩም ኣብ ሓደ ተጠርነፉ እምበር ምኽንያት መፍረስቲ ነቲ ዝጸነሐ ሕብረት ኣይትኹኑ::

ደቂ ሃገርናን ኣሕዋትናን ካቶሊካዉያን ጳጳሳት ብሐደ ኾይኖም ሰሚሮም ክዓዩ ጸኒሖም ኣለዉ: ንሕና ከይንሓብር ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ንዓመታት ተሰሪሕልና እዩ:: እቶም ኣብ ስደት ዘለኹም ኣብ ዓዲ ነጻነት ክትሓብሩን ክትላዘቡን ኣብ ሓቂ ክትጸንዑን ዘይምኽኣልኩም ምስ ምንታይ ከም ዝቁጸር ክንርደኦ ኣይከኣልናን ዘሎና:: ነቲ ኣብ ልዕሊ ካቶሎካዊት ቤተክርስቲያን ሃገርና ዝግበር ዘሎ ግህሰት ድማ ብትሪ ንኹንን:: ካብ ሕጂ ጀሚርና ብሓባር ንቃለሰሉ መድረኽ ክንፈጥር ግዚኡን ሰዓቱን ኣኺሉ ኣሎ:: ምኽንያቱ ከምቲ ንተዋሕዶ ቤተክርስቲያን በብቅሩብ ዝተቛጻጸራን ዝደፈርዋን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ከይተደገመ ኸሎ ብሕብረት ምቅላስ ዉዐል ሕደር ዘየድልዮ እዋናዊ ኮይኑ ኣሎ::

ኣገልጋሊ ኮይኑ ንዓመጽን ጭኮናን ክድግፎ ኣይግበኦን እዩ:: ዓደበኹም ፈቲና ዘይኮና ተገዲድና ነዚ ዘሎ መንግስትን ምሕደርኡን ኣርሕቀልና እናበልና ካብ ምጽላይ የዕሪፍና ኣይንፈልጥን። ምኽንያቱ ገዳማትና ደኺሙ ኣብያተ ክርስቲያናትና ካህናትና መነኮሳትና ደኺሞም ህዝብና ረብሪቡ ተመኒዩና እዩ፡ ዓደበኹም ከረግም እምበር ከምቲ ቀደም ጽኑዕ ርገጹ እናበለ ክምርቆም ካብዘይንሰም ዓምዕ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣሎ:: ሐደ መዓልቲ ድማ ንፈርኦን ዝወሓጦ ማይ ንጸላእቲ ሃገርናን ቤተክርስቲያናን ክዉሕጦም እዩ፡ ስለ ዝደለናዮ ዘይኮነስ እግዚኣብሔር ነቲ ሕሱም ዓማጺ ከምኡ ገይሩ ከም ዘጥፈኦም መጽሓፍትና ስለ ዝመሃሩና ኢና::

“እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ” 1ጴጥሮስ 5: 9:: ከም ዝበለ ቅዱስ ጴጥሮስ ሎሚ ኩላትና ከም ሓደ ህዝቢ ኮይና ንዓመጽ ዘበለ ምቅዋም ክንክእል ልዑል እግዚአብሔር ይደግፈና::

 

እግዚኣብሔር ንሃገርናን ቤተክርስቲያናን ይባርኽ::

ኣባ ጳዉሎስ ዘደብረ ቢዘን

 

ኤርትራ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div