S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ታሪኽ እዛ ዕለት፥ ቅድሚ 14 ዓመታት!

ሰንበት ዕለት 17 ሓምለ 2017 ኣ.ፈ (11 ሓምለ 1997 ዓ.ም ግእዝ)  3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንኽልተ ኤጲስ ቆጶሳት ማለት ንብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስን ንብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስን ብማዕርግ ጵጵስና ክቐብኡ ወዓሉ። በጀካ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ድማ ብምልኦም 8ተ ጳጳሳት ተዋሕዶ ምስ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣብቲ ጸሎተ ቅዳሴን ሥርዓተ-ሽመትን ሓቢሮም ክሳተፉ ውዒሎም እዮም። ብድሕሪኡውን ኩሎም ጳጳሳት ኣብቲ ብምኽንያት በዓለ-ሲመት ንኽብሪ 2ተ ጳጳሳት ተባሂሉ ዝተዳለወ መኣዲ-ምርፋቕ (ምሳሕ) ብየማነ-ጸጋም ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኮይኖም ብፍሱሕ ገጽን ብጥዑም ዘረባን ዝተዳለወሎም ሽሻይ ምስ ኩሎም ዕዱማትን ሠራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክን ብሰላም ተመገቡ። ስዒቡ መዝሙር ምስጋናን መግለጺ ሓጎስ ማዕዳታትን ምስ ተዋህበ፥ ስብሓት ለኣብ! ተባሂሉ ብጸሎተ ቡራኬ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ መዛዘሚ ጸሎት ተገይሩ ፍጻሜ ናይ ሰንበት በዚ ኣብቂዑ ኩሉ ሰብ ብደሓነ ሰላም ተፋነወ።

ዕለት 18 ሓምለ 2005 ኣ.ፈ (11 ሓምለ 1997 ዓ.ም ግእዝ) ሰኑይ መዓልቲ እዩ ነይሩ። ከም ሕግን ሥርዓትን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ከኣ ነቶም ሓደስቲ ኽለተ ኣቡናትውን ዘጠቓለለ ብድምር 10 ጳጳሳት ዝሳተፍዎ ብመሪሕነት 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ንኽግበር ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣሥመራ ኩሎም በቦትኦም ሓዙ። ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ድማ ነቲ ጉባኤ ከም ልማዶም ሓበርዎ። ብድሕሪ እዚ ንሕጋዊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዮፍታሄን ሓገዝቱን ዝተዳለወ፥ ብኢድ ሽዱሽተ ጳጳሳት ዝተፈረመ፥ 6ተ ክስታት ከኣ ዝሓዘ ናይ ጥልመትን ዕንወትን ቦኽሪ-ደብዳቤ  ሃንደበት ተዋህቦም። ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከኣ እምበኣር ኣነ እየ ዘይፈለጥኩ እምበር ንስኻትኩምሲ ነዚ ክትመኽሩን ክትፍርሙን ከይደቀስኩም ኢኹም ሓዲርኩም በልዎም። ገለ ካብ ትሕዝቶ እታ ደብዳበ ድማ፡- ኣብ ዕዮ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዕንቅፋት ኮንኩም ምጽናሕኩምን ምምህላውኩምን ስለ ዝተረጋገጸ ......... ካብ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ክትግለሉ ቅዱስ ሲኖዶስ ብውሳኔኡ የፍልጥ! ትብል ነበረት። ንምሉእ ትሕዝቶኣ ኣብዚ ጠውቑ።

ምሸት ሰንበት ሽመት፥ ሰኑይ ከኣ ናይ ክሲ ወረቐት ተዋህቦም። ስለዚ እዛ መዓልቲ እዚኣ ናይ መወዳእታ ቅዱስ ሲኖዶስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተጋብኣላ፥ ንቅዱስ ኣቦና ካብ ኩሉ ምምሕዳር ተዋሕዶ ኣውሪዶም፡ ቤት ጽሕፈቶም ዝዓጸዉላ፥ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ከኣ ብፍቓድ መንግሥቲ ህግደፍ ፈጻምን ኣፈጻምን ኩሉ ጉዳያት ተዋሕዶ ኮይኑ ምሉእ ሥልጣኑ ዝጨበጠላ ከቢድ ግህሰትን ጸሊም ታሪኽን ዝተፈጸመላ ዕለት ምዃና ንጸሓፍቲ ታሪኽ ከነዘንቱ ይግብኣና እዩ።

ብተወሳኺ ብድሕሪ 14 ዓመታት ከኣ ብህግደፍ ዝተፋሕሰ፥ ብሰብ ነጸካ ዝረቐቐ፥ ብመሪሕነት ኣባ ሉቃስ ዝተኣከበ ዳግማይ ናይ ዕንወትን ሓሶትን ክሲ ካብ ኣሥመራ ሎሚ ዕለት 17 ሓምለ 2019 ኣ.ፈ (10 ሓምለ 2011 ዓ.ም ግእዝ) ኣብ ልዕሊ እሙን 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ተወሳኺ ከቢድ ግፍዒ ይፍጸም ስለ ዘሎ ኩልና ኣመንቲ ብጸሎትን ምህለላን ንእግዚኣብሔር ንለምን።

ንዓኻ ከም ኣልማዝ ተሪር፥ ከም ከውሒ ብርቱዕ ክገብረካ እየ!!! ሕዝ 3፡9

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div